ንሕጂ ኢልኩም ዲኹም እትነብሩ ወይስ ንዘለኣለማዊ መጻኢ፧
“ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና።”—ሮሜ 8:24
1. ናይ ኤጲቁሬዎስ ሰዓብቲ እንታይ ኢዮም ዝምህሩ ነይሮም: እዚ ከምዚ ዝበለ ፍልስፍናኸ ንገለ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዩ ዝተንከፎም፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት “ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም: ትንሳኤ ምዉታት የልቦን: ዚብሉ ዘለዉ፧” ብምባል ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 15:12) እቲ መርዛም ዝዀነ ፍልስፍና ናይቲ ግሪኻዊ ጥበበኛ ኤጲቁሬዎስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ገለ ሕማቕ ነገራት ፈጢሩ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ። ስለዚ ድማ ጳውሎስ ናብቲ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ናይ ኤጲቁሬዎስ ፍልስፍና ገጹ ኣተኰረ። (1 ቈረንቶስ 15:32) እቶም ናይቲ ፈላስፋ ሰዓብቲ: ድሕሪ ሞት ዝህሉ ዝዀነ ይኹን ናይ ህይወት ተስፋ ብምንጻግ ስጋዊ ባህታ እቲ እንኮ ወይ ድማ ቀንዲ ረብሓ ናይ ህይወት ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:18, 32) ናይ ኤጲቁሬዎስ ፍልስፍና ስስዐ: ተንኰል ዘለዎ ኰይኑ: ኣዝዩ ኸኣ ሕሱር ኢዩ።
2. (ሀ) ንትንሳኤ ምኽሓድ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ናይቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እምነት ዘደልደለ ብኸመይ ኢዩ፧
2 እዚ ምኽሓድ ትንሳኤ ዓሚቝ ጽልዋ ነበሮ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ምኽንያት ሃበ:- “ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ: ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ: እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ: እምነትኩምውን ከንቱ እያ። . . . ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ: ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” (1 ቈረንቶስ 15:13-19) እወ: ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ መጻኢ እንተ ዘይህሉ: ክርስትና “ኸንቱ” ምዀነ ነይሩ። ዕላማ ዘይብሉ ምዀነ። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ጽልዋ ናይ ኣረማውያን ኣተሓሳስባ: እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ርሱን ክትዕ ዝነበሮ ግድላት እንተ ነበራ ዘገርም ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 1:11፣ 5:1፣ 6:1፣ 11:20-22) ስለዚ እምበኣር: ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮም እምነት ንኸደልድል ኢዩ ዕላምኡ ዝነበረ። ሓያል ዝዀነ ምኽንያት: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት: ከምኡውን መረድኢታት ብምጥቃም ተስፋ ትንሳኤ ልቢ ወለድ ዘይኰነስ ብርግጽ ዝፍጸም ሓቂ ምዃኑ ተወዳዳሪ ብዘይብሉ መገዲ ኣረጋገጸ። በዚ መሰረት እዚ ድማ: ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ” ብምባል ከተባብዖም ክኢሉ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:20-58
“ንቕሑ”
3, 4. (ሀ) ብመሰረት እቲ ጴጥሮስ ዝበሎ: ኣብ እዋን እተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ ንገሊኦም ዝዕብልሎም፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ንገዛእ ርእስና ብቐጻሊ ከነዘኻኽራ ዘሎና፧
3 ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ኣሉታዊ ዝዀነ: ንሎሚ ጥራይ ምንባር ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎም። (ኤፌሶን 2:2) ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ እተነበዮ ኢዩ። ንሱ ብዛዕባ እቶም ‘ዘላግጹ መላገጽቲ: ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ ክብሉ ኢዮም’ ብምባል ተዛረበ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ብኸምዚ ዝበለ ኣረኣእያ እንተድኣ ተማሪኾም “ሃካያትን ዘየፍርዩን” ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 1:8) እቲ ዘሐጕስ ግን: ኣብ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ እቲ ጕዳይ ከምዚ ኣይኰነን።
4 ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ መወዳእታ ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ክትግደስ ጌጋ ኣይኰነን። እቶም ሃዋርያት የሱስ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ዘክሮ: ንሳቶም “ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ድማ “ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” ኢሉ መለሰሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6, 7) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ከሎ “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም . . . ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ” ብምባል ዘመሓላለፎ ቀንዲ መልእኽቲ ዝሓዛ ኢየን ነይረን። (ማቴዎስ 24:42, 44) ንገዛእ ርእስና ብቐጻሊ ብዛዕባ እዚ ምኽሪ እዚ ከነዘኻኽራ ኣሎና! ገሊኣቶም ‘ሕጂስ ቀስ ኢለ እናዕረፍኩ ክስርሕ: ብዙሕ ከይተሃወኽኩ ክገብሮ እኽእል ኢየ’ ብዝብል ኣተሓሳስባ ይፍተኑ ይዀኑ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ጌጋ ኰን ኢዩ! ነቶም “ደቂ ነጐዳ” ዝበሃሉ ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስ ርአ።—ማርቆስ 3:17
5, 6. ካብቲ ናይ ያእቆብን ዮሃንስ ኣብነታት እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
5 ያእቆብ ኣዝዩ ቀናእ ሃዋርያ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። (ሉቃስ 9:51-55) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ያእቆብ ገና ብተዛማዲ መንእሰይ ከሎ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቀዳማይ ከም ዝቕተል ገበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:1-3) ያእቆብ ብሃንደበት ህይወቱ ክትቍጸ ምዃና ምስ ረኣየ: ኣብ ኣገልግሎት ኣዝዩ ቀናእ ብምንባሩ: ኣበርቲዑ ምስርሑ ሕማቕ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኢልና ንሓስብዶ ኢና፧ ዘይመስል ኢዩ! ካብቲ ብተዛማዲ ሓጺር ዕድሚኡ እተን ዝበለጻ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ስለ ዘውዓለን ኣዝዩ ሕጕስ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። ሕጂ እውን: ዋላ ሓደ ካባና ህይወትና ብዘይተሓስበ ትጠፍእ ድያ ኣይትጠፍእ ዝፈልጥ የለን። (መክብብ 9:11፣ ምስ ሉቃስ 12:20, 21 ኣረኣእዮ።) ስለዚ: ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሎና ቅንእን ንጥፈትን ክብ ኣቢልና ክንሕዞ ብሓቂ ጥበባዊ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ጽቡቕ ስም ክንዕቅቦን ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኣብ ቅድሜና ሒዝና ክንቅጽልን ኢና።—መክብብ 7:1
6 ካብቲ የሱስ ኣበርቲዑ “ንቕሑ” ክብል ከሎ ምስኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝገበሮ ነገር እውን ተመሳሳሊ ትምህርቲ ኢና እንረክብ። (ማቴዎስ 25:13፣ ማርቆስ 13:37፣ ሉቃስ 21:34-36) ዮሃንስ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ብቕንኢ ብምግልጋሉ ነዚ ኣቕሊብሉ ኢዩ። አረ: ድሕሪ ዅሎም ሃዋርያት ብህይወት ዝጸንሐ ኢዩ ዝመስል። ዮሃንስ ብዕድመ ኣጸቢቑ ምስ ደፍአ: ነቲ ዘየቋርጽ ንጥፈት ብምግባር ብተኣማንነት ዘሕለፎ ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ብምጥማት: ከም ጌጋ: ዕላምኡ ዝሰሓተ ወይ ድማ ዘይሚዛናዊ ናብራ ከም ዝነበረ ኰይኑዶ ተሰሚዕዎ ኢዩ፧ ብርግጽ ኣይተሰምዖን! ገና ብምህንጣይ ንመጻኢ ኢዩ ዝጥምት ነይሩ። እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ የሱስ “ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ምስ በለ: ዮሃንስ ብኡንብኡ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ኢሉ መለሰ። (ራእይ 22:20) ዮሃንስ ብዙሕ ሃወኽ ዘይብሉ ከምኡውን ርጉእ ‘ተራ ናብራ’ ክነብር ብምህንጣይ: ንግዜኡ ጥራይ ይነብር ከም ዘይነበረ ርግጽ ኢዩ። ጐይታ ኣብ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ብዘለዎ ዅሉ ህይወቱን ሓይሉን ምግልጋል ክቕጽል ቈሪጹ ኢዩ ነይሩ። ንሕናኸ፧
ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምእማን ዝኸውን መሰረት
7. (ሀ) ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ‘ቅድሚ ዘመናት እተተስፈወ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ብርሃን ዘብርሀ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ሰብ ዝኣለሞ ሕልሚ ወይ ድማ ሓሳብ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣረጋግጽ። ከምቲ ቲቶስ 1:2 እትብሎ: እቲ ዘሎና ኣምላኻዊ ተወፋነይት ኣብታ “እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” እተመስረተ ኢዩ። ኵሎም እዙዛት ደቅሰብ ንዘለኣለም ክነብሩ ናይ ኣምላኽ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:28) ነዚ ዕላማ እዚ ዝዀነ ይኹን ነገር: እቲ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዕልወት እውን ከይተረፈ ክዓናቕፎ ኣይክእልን ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣምላኽ ብኡንብኡ ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዝወረደ ኵሉ ጕድኣት ዘዐሪ ሓደ ‘ዘርኢ’ ከም ዝመጽእ ተመባጽዐ። እቲ ‘ዘርኢ’ ወይ መሲሕ: የሱስ: ምስ መጸ ድማ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ትምህርቱ ገበሮ። (ዮሃንስ 3:16፣ 6:47, 51፣ 10:28፣ 17:3) ክርስቶስ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ: ንደቅሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምሃብ ሕጋዊ መሰል ረኸበ። (ማቴዎስ 20:28) ገለ ካብ ደቀ መዛሙርቱ: ኵሉምሎም 144,000 ዝዀኑ: ኣብ ሰማያት ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም። (ራእይ 14:1-4) ስለዚ እምበኣር: ገለ ካብቶም ሓደ ግዜ መወቲ ዝነበሩ ደቅሰብ ‘ዘይመውት ክለብሱ’ ኢዮም!—1 ቈረንቶስ 15:53
8. (ሀ) “ዘይመውት” እንታይ ማለት ኢዩ: የሆዋ ነቶም 144,000 ዝሃቦምከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ነቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ እንታይ ተስፋ ኢዩ ኣንቢሩሎም ዘሎ፧
8 “ዘይመውት” ምዃን ማለት ፈጺምካ ካብ ህላወ ዘይተቋርጽ ካብ ምዃን ንላዕሊ ኢዩ። ‘ዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት’ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (እብራውያን 7:16፣ ምስ ራእይ 20:6 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ውህበት ብምሃብ እንታይ ኢዩ ዝፍጽም፧ እቲ ሰይጣን ዋላ ሓደ ካብ ፍጥረታት ኣምላኽ እሙን ክኸውን ዝኽእል የልቦን ኢሉ ዘቕረቦ ብድሆ ዘክሮ። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5) ነቶም 144,000 ዘይመውት ህይወት ብምሃብ: ኣምላኽ ኣብዞም ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ብዘየዳግም ዝመለስሉ ሰባት ዘለዎ ምሉእ ዘይጕዱል እምንቶ የርኢ። እንተዀነ ግን: እቶም ዝተረፉ ደቅሰብከ፧ የሱስ ነቶም ናይ መጀመርታ ኣባላት ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ዝዀኑ “ሒደት መጓሰ” ‘ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ’ ኢኹም በሎም። (ሉቃስ 12:32፣ 22:30) እዚ ድማ ካልኦት ከም ተገዛእቲ ናይ መንግስቱ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝቕበሉ ዘመልክት ኢዩ። እዞም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ እዚኣቶም ዘይመውት ህይወት እኳ እንተ ዘይተዋህቦም “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ይቕበሉ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:46) ስለዚ እምበኣር: ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋ ናይ ኵሎም ክርስትያናት ኢዩ። እዚ ግምት ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ “ዘይሕሱ ኣምላኽ” እተነግረ መብጽዓ: እቲ ክቡር ደም የሱስ ድማ እተኸፍለሉ ኢዩ።—ቲቶስ 1:2
ድሕሪ ነዊሕ መጻኢ ግዜ ዝፍጸም ድዩ፧
9, 10. ጥቓ ናይ መወዳእታ ግዜ ምህላውና እንታይ ንጹር ምልክታት ኢዩ ዘሎ፧
9 ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” (NW ) ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና ብዘይውልውል ከም ዘመልክት ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናብ ጽልኢ: ስስዐ: ርእስኻ ምዕጋብ: ከምኡውን ናብ ርኽሰት ክገማማዕ ከሎ: እታ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ናይ ዓለም ኣገባብ ፍርዲ እተውርድ መዓልቲ የሆዋ ኣጸቢቓ ትቐርብ ምህላዋ ኣይንግንዘብንዶ ኢና፧ ዓመጽን ጽልእን ኣዝዩ ክውስኽ ከሎ: ኣብ ኵሉ ከባቢና እቲ ጳውሎስ ቀጺሉ “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ዝበሎ ቃላት ክፍጸም ንርእዮዶ ኸየሎና፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) ገሊኣቶም ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ “ሰላምን ደሓንን” ይብሉ ይዀኑ: እንተዀነ ግን: ኵሉ መዳያት ናይ ሰላም ሃፊፉ ክተርፍ ኢዩ: ምኽንያቱ “ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።” እዚ ዘለናዮ እዋን እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ብዘይገለ ሓበሬታ ኣይተረፍናን። ስለዚ እምበኣር: “ንንቃሕን ንጠንቀቕን።”—1 ተሰሎንቄ 5:1- 6
10 ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ እተን ዳሕሮት መዓልትታት “ቅሩብ ዘመን” ከም ዝዀና ሓቢሩ ኢዩ። (ራእይ 12:12፣ ምስ 17:10 ኣረኣእዮ።) ዝበዝሕ ካብዚ “ቅሩብ” ግዜ እዚ ተጸንቂቑ ኢዩ። ንኣብነት: ትንቢት ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ክሳዕ እዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ዝጸንሐ ኣብ መንጎ “ንጉስ ደቡብ”ን “ንጉስ ሰሜን”ን ዝነበረ ምግርጫው ብልክዕ ይገልጽ ኢዩ። (ዳንኤል 11:5, 6) እቲ ተሪፉ ዘሎ እቲ ኣብ ዳንኤል 11:44, 45 ተጠቒሱ ዘሎ “ንጉስ ሰሜን” ዝገብሮ መጥቃዕቲ ጥራይ ኢዩ።—ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ እተዋህበ መብርሂ ንምርካብ ናይ 1 ሓምለ 1987 ከምኡውን ናይ 1 ሕዳር 1993 ናይ እንግሊዝኛ ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።
11. (ሀ) ማቴዎስ 24:14 ክሳዕ ክንደይ ኢያ ተፈጺማ ዘላ፧ (ለ) እተን ኣብ ማቴዎስ 10:23 ተመዝጊበን ዘለዋ ቃላት የሱስ እንታይ ኢየን ዘመልክታ፧
11 እቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል የሱስ ዝሃቦ ትንቢት እውን ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብዚ እዋን እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 233 ሃገራትን ናይ ደሴታት ጕጅለታትን ዞባታትን ዕዮኦም የካይዱ ኣለዉ። ዘይተተንከፈ ዞባታት ከም ዘሎ ሓቂ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ እዋን ናብኡ ዘእቱ ደገ ይኽፈት ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 16:9) ገና ግን: እተን ኣብ ማቴዎስ 10:23 ተመዝጊበን ዘለዋ “ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ: ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ዝብላ ቃላት የሱስ ትርጕም ዘለወን ኢየን። እቲ ብስራት ኣብ መላእ ምድሪ ክስበኽ ምዃኑ ርግጽ እኳ እንተዀነ: የሱስ ከም ፈጻም ፍርዲ ኰይኑ ቅድሚ ‘ምምጽኡ’ ግን: ብኣካል ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናይ ምድሪ ነቲ ብስራት ሒዝና ኣይክንበጽሖን ኢና።
12. (ሀ) ኣብ ራእይ 7:3 ተገሊጹ ዘሎ ‘ምሕታም’ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቍጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት እናጐደለ ምኻዱ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
12 ነቲ ኣብ ራእይ 7:1, 3 ዘሎ እቶም ናይ ጥፍኣት “ኣርባዕተ ንፋሳት” ‘ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞም’ ተታሒዞም ምህላዎም ዝገልጽ ጥቕሲ እውን ርአ። እዚ ብዛዕባ እቲ እቶም 144,000 ሰማያዊ ጽውዓ ክቕበሉ ኸለዉ ዝፍጸም ናይ መጀመርታ ምሕታም ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። (ኤፌሶን 1:13) ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም: ክሳዕ እቲ ብዘየዳግም መገዲ ከም እተፈተኑን እሙናት ‘ባሮት ኣምላኽ’ ምዃኖም ዝፍለጡ: ኢዩ ዘመልክት። ቍጽሪ እቶም ንኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘገልግልዎ ዘለዉ ሓቀኛታት ቅቡኣት ክርስትያናት ኣጸቢቑ ይጐድል ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይ ዓቢ ጸበባ ‘ዝሓጽር’ “ምእንቲ እቶም ሕሩያት” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ይዛረብ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21, 22) መብዛሕትኦም እቶም ካብ ቅቡኣት እዮም ዝበሃሉ ሰባት ብዕድመ ኣጸቢቖም ዝደፍኡ ኢዮም። እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ መወዳእታ ኣብ ድርኩዂት ቤትና ከም ዘሎ ዘርኢዶ ኸይኰነ፧
ብዘይምቍራጽ ዕዮኡ ዝፍጽም ሓላዊ
13, 14. ሓላፍነት ናይቲ ክፍሊ ሓላዊ እንታይ ኢዩ፧
13 ክሳዕ ሽዑ: በቲ ‘እሙን ባርያ’ እተዋህበና መምርሒ ምስ እነቕልበሉ ጽቡቕ ንገብር። (ማቴዎስ 24:45) ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን እዚ ዘመናዊ “ባርያ” ብዘይ ምቍራጽ ከም “ሓላዊ” ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። (ህዝቅኤል 3:17-21) እታ ናይ 1 ጥሪ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ገለጸት:- “እዚ ሓላዊ እዚ ኵነታት ንፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ይምዕብል ከም ዘሎ ይዕዘብ: ናይቲ ‘ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ ዓቢ ጸበባ’ መጠንቀቕታ ይህብ: ከምኡውን ‘ሰናይ ዜበስር’ ወረ ይዝርግሕ።”—ማቴዎስ 24:21 NW ፣ ኢሳይያስ 52:7
14 ‘ዝረኣዮ ክነግር’ ናይ ሓደ ሓላዊ ዕዮ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ኢሳይያስ 21:6-8) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ርሑቕ ብዙሕ ዘይልለ እውን ይኹን ሓደጋ ከምጽእ ዝኽእል ነገር ምስ ዝርኢ ሓላዊ ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ይህብ ነበረ። (2 ነገስት 9:17, 18) ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ሓሶት ምልክት የጋጥም ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ንፉዕ ሓላዊ ዳሕራይ ሓሶት እንተዀይኑ ከይሓንኽ ኢሉ ካብ ምዝራብ ኣይቍጠብን ኢዩ ነይሩ። ቤትካ ብሓዊ ምስ ዝነድድ እሞ: እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ድማ እቲ ምልክት ናይ ሓሶት ኢዩ ዝኸውን ኢሎም ካብ ምምጻእ ምስ ዝቝጠቡ ከመይ ምተሰማዓካ፧ ከምዚ ዝበሉ ሰባት ዝዀነ ይኹን ናይ ሓደጋ ምልክት ምስ ዝርእዩ ቀልጢፎም መልሲ ክህቡ ኢና ትጽቢት እንገብር! ብተመሳሳሊ መገዲ: እቲ ክፍሊ ሓላዊ እቲ ኵነታት መጠንቀቕታ ክህብ ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ዝሕብሮ ከምኡ ክገብር ጸኒሑ ኢዩ።
15, 16. (ሀ) ኣብቲ ብዛዕባ ትንቢታት ዘሎና ምርዳእ ምትዕርራይ እተገብረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቶም ብዛዕባ ገለ ትንቢታት ጌጋ ምርዳእ ዝነበሮም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
15 ይኹን እምበር: ፍጻመታት እናማዕበለ ክኸይድ ከሎ: ብዛዕባ ትንቢታት ዘሎና ምርዳእ ንጹር እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ መለኮታዊ ትንቢታት ቅድሚ ምፍጻሞም ምሉእ ብምሉእ ግልጺ ዝዀንሉ ኣጋጣሚ እንተድኣ ሃልዩ ሳሕቲ: ጥራይ ኢዩ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘርኡ ን400 ዓመታት “ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት” ከም ዝዀኑ ብልክዕ ነጊርዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 15:13) ይኹን እምበር: ሙሴ ቅድሚ ግዜኡ መድሓኒ ንክኸውን ርእሱ ኣቕረበ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:23-30
16 ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝገልጽ ትንቢታት እውን ርአ። ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ርኢኻ እቲ ናይ መሲሕ ሞትን ትንሳኤን ኣቐዲሙ እተነግረ ምዃኑ ኣጸቢቑ ንጹር ኢዩ ዝመስል። (ኢሳይያስ 53:8-10) እንተዀነ ግን: እቶም ናይ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ እውን ከይተረፈ ነዚ ሓቂ እዚ ክርድእዎ ኣይከኣሉን። (ማቴዎስ 16:21-23) ዳንኤል 7:13, 14 ኣብቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝህሉ ናይ የሱስ ፓ·ሩ ·ስያ ʹ ወይ “ህላወ” ከም እትፍጸም ኣይተረድእዎን ነይሮም። (ማቴዎስ 24:3 NW ) ስለዚ እምበኣር: ንየሱስ “ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ኢሎም ክሓትዎ ከለዉ ኣብ ኣቈጻጽርኦም ናይ 2,000 ዓመታት ጌጋ ነይርዎም ማለት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣጸቢቓ ምስ ተመስረተት እውን ከይተረፈ: ጌጋ ሓሳባትን ናይ ሓሶት ትጽቢታትን ምህላው ቀጺሉ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:1, 2) ዋላ እኳ ገለ ክርስትያናት ሳሕቲ ጌጋ ኣረኣእያ እንተ ነበሮም: ብዘይጥርጥር የሆዋ ንዕዮ እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣመንቲ ባሪኽዎ ኢዩ!
17. ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ዝግበር ምትዕርራይ ኣረእእያና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
17 ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሓላዊ እውን ብተመሳሳሊ ኣረኣእይኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከነጽር ኣድልይዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ ‘እሙን ባርያ’ ከም ዝባረኾ ዝጠራጠር ሰብ ክህሉ ይኽእልዶ፧ ብዘይካ እዚ ድማ: ብትሕዝቶ ደረጃ ክርአ ከሎ እቲ ድሮ ተገይሩ ዘሎ ምትዕርራያት ብተዛማዲ ንእሽቶዶ ኸይኰነ፧ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና መሰረታዊ ምርዳእ ኣይተለወጠን። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ዘሎና ምርዳእ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ድልዱል ኢዩ!
ንዘለኣለማዊ መጻኢ ኢልካ ምንባር
18. ንሕጂ ጥራይ ኢልና ምንባር ከነርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ዓለም ‘ንብላዕ ንስተ ጽባሕ ክንመውት ኢና’ ትብል ትኸውን: ናትና ኣረኣእያ ግን ከምዚ ክኸውን ኣይግባእን። ዘለኣለማዊ መጻኢ ንምርካብ ክትዓዪ እናኸኣልካ: ሕጂ ብምስራሕ ክትረኽቦ ንእትኽእል ባህታ ስለምንታይ ንኸንቱ ትጽዕር፧ ዘይመውት ህይወት ኣብ ሰማይ ወይ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ምድሪ ይኹን ብዘየገድስ እዚ ተስፋ እዚ ሕልሚ: ግምት ጥራይ ኣይኰነን። እቲ “ዘይሕሱ ኣምላኽ” እተመባጽዖ ሓቂ ኢዩ። (ቲቶስ 1:2) እቲ መርትዖ ኣዝዩ ርግጽ ብምዃኑ ተስፋና ግሁድ ዝዀነሉ እዋን ቀሪቡ ኢዩ! “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ።”—1 ቈረንቶስ 7:29
19, 20. (ሀ) የሆዋ ነቲ ምእንቲ እታ መንግስቲ ኢልና እንገብሮ መስዋእትታት ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧ (ለ) ናይ ዘለኣለማውነት ኣረኣእያ ሒዝና ክንነብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
19 እዚ ኣገባብ እዚ ድሮ ካብቲ ብዙሓት ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ከም ዝጸንሐ ሓቂ ኢዩ። ከምዚ ምዃኑ ኣቐዲሞም ፈሊጦም ነይሮም እንተዝዀኑ: ገለ መስዋእትታት ዘይምገበሩ ኰይኑ ዝስምዖም ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ከምዚ ብምግባሩ ክጠዓስ የብሉን። ቅድም ቀዳድም: መስዋእቲ ምኽፋል መሰረታዊ ክፍሊ ናይ ሓደ ክርስትያን ኢዩ። ክርስትያናት ‘ህይወቶም ቀቢጾም’ ኢዮም። (ማቴዎስ 16:24) እቲ ንኣምላኽ ከነሐጕስ ኢልና ዝገበርናዮ ጻዕርታት ከንቱ ከም ዝዀነ ኰይኑ ፈጺሙ ክስማዓና የብሉን። የሱስ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዐ:- “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ . . . ሚእቲ ኻዕበት . . . ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን።” (ማርቆስ 10:29, 30) ካብ ሕጂ ሽሕ ዓመታት ጸኒሑ ስራሕካ: ቤትካ: ወይ ድማ ሃብትኻ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ ዝመስል፧ እቲ ንየሆዋ ኢልካ ዝገብርካዮ መስዋእትታት ግን: ገና ድሕሪ ሓደ ሚልዮን ዓመት—ድሕሪ ሓደ ቢልዮን ዓመት—ትርጕም ዘለዎ ክኸውን ኢዩ! ‘[ከመይሲ] ኣምላኽ ግብርኹም ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።’—እብራውያን 6:10
20 ስለዚ እምበኣር: ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣረኣእያ ሒዝና ንንበር: “እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ: እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ:” ኣዒንትና ናብቲ “ዘይርኤ እምበር: [ናብቲ] ዚርኤ” ከም ዝቋምታ ኣይንግበረን። (2 ቈረንቶስ 4:18) ነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ኣንባቆም 2:3) ንመወዳእታ ‘ምጽባይ’ ነቲ ዘሎና ናይ ብሕትን ናይ ስድራቤትን ሓላፍነት ክንፍጽም ከሎና ብኸመይ ይትንክፎ፧ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሓሳብ ክትህበሉ ኢያ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
◻ ውሑዳት ሰባት: በቲ ዝደንጐየ ዝመስል መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እተተንከፉ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ መሰረት ናይቲ ዘሎና ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት እንታይ ኢዩ፧
◻ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ኢልና ዝገበርናዮ መስዋእትታት ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዝግብኣና፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ክፍጸም ኣለዎ