ንሰማዕትኻ ብምጥማት ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ይኹን ካብ ቤት ናብ ቤት ክንምስክር ከለና: ንሰማዕትና ዘረባ ቕድሚ ምጅማርና ንጥምቶም ኢና። ኣብታ ህሞት እቲኣ: ንዓና ምስ ረኣዩ ኸመይ ከም ዚስምዖምን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዘለዉን ካብ ገጾም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንሳቶም እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባና ብዙሕ ኬስተብህሉ ይኽእሉ እዮም። ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ሓንቲ ናብ ቤታ ዝመጸታ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለት:- “ብዛዕባኣ ዝዝክሮ ነገር እንተደኣ ሃልዩ: ፍሽኽታኣ ውሽጣዊ ሰላም ከም ዘለዋ ዜርኢ ምንባሩ እዩ። ስለዚ ተገዳስነት ኣሕደርኩ።” እዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ንኽትሰምዕ ኣጋጣሚ ኸፈተላ።
2 ኣብ መገዲ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ እትምስክረሉ እዋን: ንሰማዕትኻ ምጥማት ምስክርነት ንኽትህብ ዚሕግዝ ኣስላጢ መገዲ እዩ። ሓደ ሓው ነቶም ኪምስክረሎም ዚሓስብ ሰባት ይጥምቶም። ምስ ጠመትዎ: ፍሽኽ ይብሎም እሞ ብድሕሪኡ መጽሔታት የበርክተሎም። ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ ብምጥቃም ደስ ዜብል ምይይጥ ይገብርን ብዙሕ ጽሑፋት ይዕድልን።
3 ንስምዒት ካልኦት ኣስተውዕለሉ:- ንሰማዕትና ምጥማት ስምዒቶም ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ነቲ እተዛረብናዮ ነገራት ምስ ዘይርድኦ ወይውን ምስ ዘይሰማምዓሉ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገጹ ይርአ እዩ። ብስራሕ ትሑዝ ምስ ዚህሉ ወይውን ትዕግስቱ ይውዳእ እንተደኣ ሃልዩ: ካብ ገጹ ኽንዕዘቦ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ኣቀራርባና ምስቲ ዅነታት ከነተዓራርዮ ወይ ከነሕጽሮ ንኽእል። ንስምዒት ካልኦት እትርዳእ ምዃን: ኣብኦም ዘሎና ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእየሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ እዩ።
4 ቅንዕናን ምትእምማንን:- ኣብ ብዙሕ ባህልታት: ንሓደ ሰብ ተኲርካ ምጥማት ከም ምልክት ቅንዕና ጌርካ እዩ ዚርአ። የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ “ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧” ኢሎም ምስ ሓተቱ ብኸመይ ከም ዝመለሰሎም ኣስተውዕል። መጽሓፍ ቅዱስ: “የሱስ ጠመቶም፤ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን: ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ: በሎም” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። (ማቴ. 19:25, 26) የሱስ ዝነበሮ ምትእምማን ንቓላቱ ርዝነት ከም ዝወሰኸሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ብተመሳሳሊ: ንሰማዕትና ምጥማት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንዕናን ብምትእምማንን ንኽንነግሮም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 2:17፣ 1 ተሰ. 1:5