ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
ኣምላኽ ድሕሪ ሞቶም ኣብ ሰማይ ንምንባር ዚትንስኡ እተወሰነ ቝጽሪ ዘለዎም እሙናት ክርስትያናት ሓርዩ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:3, 4) ሓንሳእ ምስ ተሓርዩ፡ ሰማያዊ ርስቶም ኪቕበሉ ዘይበቕዑ ዀይኖም ምእንቲ ኸይርከቡ፡ ብቐጻሊ ክርስትያናዊ እምነቶም ኬደልድሉን ንጹህ ኣካይዳ ኺሕዙን ኣለዎም።—ኤፌሶን 5:5፣ ፊልጲ 3:12-14።
እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፡ ኣብኡ እንታይ ኪገብሩ እዮም፧
ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ የሱስ ን1,000 ዓመት ኬገልግሉ እዮም። (ራእይ 5:9, 10፣ 20:6) ኣብ ልዕሊ “ሓዳስ ምድሪ፡” ወይ ምድራዊ ሕብረተ ሰብ ዚገዝእ “ሓድሽ ሰማያት፡” ወይ ሰማያዊ መንግስቲ ኬቝሙ እዮም። እዞም ሰማያውያን ገዛእቲ፡ ንደቂ ሰብ ናብቲ ናይ ፈለማ ዕላማ ኣምላኽ ዝዀነ ፍጹም ኣካላውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ኵነታት ንምምላስ ኪሕግዙ እዮም።—ኢሳይያስ 65:17፣ 2 ጴጥሮስ 3:13።
ናብ ሰማይ ዚትንስኡ ኽንደይ እዮም፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ 144,000 ሰባት ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም ዚትንስኡ ይሕብር እዩ። (ራእይ 7:4) ኣብቲ ኣብ ራእይ 14:1-3 ተመዝጊቡ ዘሎ ራእይ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እቲ ገንሸል ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢሉ፡ . . . 144,000 እውን ምስኡ” ርእዩ እዩ። ኣብዚ ራእይ እዚ፡ “እቲ ገንሸል” ነቲ ዝተንስአ የሱስ የመልክት። (ዮሃንስ 1:29፣ 1 ጴጥሮስ 1:19) “ከረን ጽዮን” ድማ ነቲ የሱስን እቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ 144,000ን ዘለዎም ልዑል ቦታ የመልክት።—መዝሙር 2:6፣ እብራውያን 12:22።
እቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ ‘እተጸውዑን እተሓርዩን’ ዘበሉ፡ “ሒደት መጓሰ” ተባሂሎም እውን ተጸዊዖም ኣለዉ። (ራእይ 17:14፣ ሉቃስ 12:32) እዚ ኸኣ፡ ምስ ምሉእ ቍጽሪ ኣባጊዕ የሱስ ኪነጻጸሩ ኸለዉ ብተዛማዲ ሒደት ምዃኖም የርኢ።—ዮሃንስ 10:16።
ብዛዕባ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ዘሎ ግጉይ ምርዳእ
ግጉይ ርድኢት፦ ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ እዮም ዚኸዱ።
ሓቂ፦ ኣምላኽ ንመብዛሕትኦም ቅኑዓት ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ኣተስፍይዎም።—መዝሙር 37:11, 29, 34።
የሱስ፡ “ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 3:13) በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ከም እኒ ኣብርሃምን ሙሴን እዮብን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ቕድሚኡ ዝሞቱ ቕኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዘይከዱ ሓበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29, 34) እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ዘለዎም።—እዮብ 14:13-15።
እቲ ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚግበር ትንሳኤ፡ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። (ራእይ 20:6) እዚ ድማ ካልእ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ ይሕብር። እዚ ትንሳኤ እዚ፡ ምድራዊ ትንሳኤ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ይብል። (ራእይ 21:3, 4) ኣብ ሰማይ ሞት ኰይኑ ስለ ዘይፈልጥ፡ እዚ ተስፋ እዚ ንምድሪ ዚምልከት ኪኸውን ግድን እዩ።
ግጉይ ርድኢት፦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ኺነብር ኪመርጽ ይኽእል እዩ።
ሓቂ፦ “ሽልማት ናይ ላዕሊ ጽውዓ፡” ማለት ተስፋ ሰማያዊ ህይወት ዚረኽቡ እሙናት ክርስትያናት መን ምዃኖም ዚውስን ኣምላኽ እዩ። (ፊልጲ 3:14) ብሕታዊ ድሌት ወይ ትምኒት ሓደ ሰብ፡ ኪሕረ ወይ ከይሕረ ኣይውስኖን እዩ።—ማቴዎስ 20:20-23።
ግጉይ ርድኢት፦ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ፡ ነቶም ናብ ሰማይ ኪኸዱ ዘይበቕዑ ሰባት ጥራይ እተዋህበ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ተስፋ እዩ።
ሓቂ፦ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ሰባት፡ “ህዝበይ፡” “ሕሩያተይ፡” ከምኡ ድማ “ብየሆዋ እተባረኹ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖም። (ኢሳይያስ 65:21-23) ነቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ናይ ምፍጻም ፍሉይ መሰል ድማ ኪረኽቡ እዮም፣ ዕላማ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ገነት ኣብ ዝዀነት ምድሪ ንዘለኣለም ፍጹማት ኰይኖም ኪነብሩ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 1:28፣ መዝሙር 115:16፣ ኢሳይያስ 45:18።
ግጉይ ርድኢት፦ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ 144,000 ዚብል ቍጽሪ፡ ምሳልያዊ እምበር ቃል ብቓሉ ኣይኰነን።
ሓቂ፦ መጽሓፍ ራእይ ምሳልያዊ ቝጽርታት ሒዛ እኳ እንተላ፡ ገሊኡ ኣብኣ እተጠቕሰ ቝጽርታት ግና ቃል ብቓሉ ዚውሰድ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ “12 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እቲ ገንሸል” ትዛረብ እያ። (ራእይ 21:14) እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ እውን ብተመሳሳሊ ቓል ብቓሉ ኺውሰድ ከም ዘለዎ ንዚገልጽ መርትዖ እሞ መርምሮ።
ራእይ 7:4፡ ‘ቍጽሪ እቶም ሕቱማት [ወይ፡ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ እተረጋገጸ]፡ 144,000’ ከም ዝዀነ ትገልጽ እያ። ካብዛ ፍቕዲ እዚኣ ትሕት ኢሉ ኸኣ ካልኣይ ጕጅለ ተነጻጺሮም ኣለዉ፣ እዚኣቶም እቶም “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ” እዮም። እዞም “ብዙሓት ህዝቢ” እዚኦም እውን ካብ ኣምላኽ ድሕነት ይረኽቡ እዮም። (ራእይ 7:9, 10) እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ምሳልያዊ ነይሩ እንተ ዚኸውን እሞ፡ ቍጽሮም ንዘይፍለጥ ጕጅለ ኸኣ እንተ ዜመልክት፡ እቲ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ጕጅለ ዘሎ ንጽጽር ምጠፍአ ነይሩ።a
ብዘይካዚ፡ እቶም 144,000 ‘በዅራት ኪዀኑ ኻብ ሰብ እተዓደጉ’ ኸም ዝዀኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 14:4) እቲ “በዅራት” ዚብል መግለጺ፡ እቶም እተመርጹ ሒደት ወኪላት ከም ዝዀኑ የመልክት። እዚ ኸኣ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ቝጽሮም ዘይፍለጥ ተገዛእቲ ዚገዝኡ ዘበሉ ዚግባእ መግለጺ እዩ።—ራእይ 5:10።