ንኣምላኽ ህያው ኣካል ገይርካ ዲኻ እትምልከቶ፧
ዘጨንቕ ግድላት ምስ ዘጋጥመካ: ሰጋእ ከይበልካ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ትቐርብ ዲኻ፧ ከምዚ ትገብር እንተድኣ ዄንካ: ምስ ሓደ ህያው ኣካል ትዛረብ ከም ዘሎኻ ኰይኑ ድዩ ዝስምዓካ፧
የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ኣመልኪቱ: “እቲ ዝለአኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 7:28) እወ: የሆዋ ኣምላኽ ሓቀኛ ኢዩ: ናብኡ ምጽላይ ድማ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ደሊኻ ናብ ሓደ ኣዚኻ እትቐርቦ ሰብኣዊ ዓርኪ ከም ምኻድ ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ክሰምዓና እንተድኣ ዀይኑ: ጸሎትና ነቲ ቅቡል ጸሎት ንምጽላይ ዘድሊ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ከማልእ ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣብነት: ናብቲ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ብትሕትና ክንቀርብ ኣሎና።—መዝሙር 65:2፣ 138:6፣ ዮሃንስ 14:6
ገሊኦም ኣምላኽ ስለ ዘይረአ ኣካል ዘይብሉ ዀይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ ንዓታቶም ረቂቕ ነገር ጥራይ ከም ዝዀነ ክመስሎም ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዘገርም ባህርያት ኣምላኽ እተማህሩ ገለ ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ክሳዕ ኽንደይ ህያው ምዃኑ ንኽርድኡ ኣሸጋሪ ዀይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዓይነት ተመክሮዶ ኣጋጢሙካ ኢዩ፧ ኣጋጢሙካ እንተድኣ ዀይኑ: የሆዋ ኣምላኽ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ንኽትምልከቶ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧
ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጽንዕ
ስርዓታዊ ዄንካዶ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጽንዕ ኢኻ፧ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እትገብረሉ ግዜያትካ ብዝያዳ ቀጻልን ዓሚቝን እናዀነ ብዝኸደ መጠን: የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ክትምልከቶ ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እምነትካ ክሕይል ኢዩ: ብሓቂ ድማ ‘ነቲ ዘይርአ ንኽትርእዮ’ ከኽእለካ ኢዩ። (እብራውያን 11:6, 27) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ሓሓሊፉ ጥራይ ዝግበር ወይ ድማ ስርዓታዊ ዘይኰነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣብ እምነትካ ትርጕም ዘለዎ ጽልዋ ከሕድር ዘይመስል ኢዩ።
ንመረድኢ:- ሓደ ሓኪም ነቲ ከየቋረጸ ዝወጸካ ዕንፍሩር ንኸተጥፍኦ ገለ ዝልከ ፈውሲ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንኽትልከ ከም ዝኣዘዘልካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ ዝልከ ፈውሲ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ እንተድኣ ተለኺኻዮ እቲ ዕንፍሩር ይጠፍእዶ፧ እዚ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንመንፈሳዊ ጥዕና ዝጠቅም “ትእዛዝ” ይህበና ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ለይትን መዓልትን” ኣንብብ። (መዝሙር 1:1, 2) ነቲ በብግዜኡ ዝርከብ ጥቕሚ ምእንቲ ከነስተማቕሮ: ንቓል ኣምላኽ ብክርስትያናዊ ጽሑፋት ተሓጊዝካ መዓልቲ-መዓልቲ መርምር ዝብል “ትእዛዝ” ክንስዕቦ ኣሎና።—እያሱ 1:8
እቲ መጽናዕቲ እተገብረሉ ግዜያትካ ንእምነትካ ብዝያዳ ዘደልድል ክትገብሮዶ ምደለኻ፧ ዝሕግዘካ ሓደ ሓሳባት እነሆ:- ካብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ወይ ድማ መጣቐሲ ዘለዎ ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ ምስ ኣንበብካ: ሓንቲ ደስ እተብል ጥቕሲ ምረጽ እሞ ነቲ ምስኡ ዝሰማማዕ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መወከሲ ኣንብቦ። ከምዚ ምግባር ነቲ መጽናዕትኻ ከስፍሓልካ ኢዩ: በቲ ሓድሕዳዊ ምስምማዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትግረም ድማ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ነቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ክትምልከቶ ኢኻ።
ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መወከሲ ምጥቃም ምስ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ፍጻሜኡን ከም እትላለ እውን ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ምስቲ ጕሉሕ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ከም ንኣብነት ባቢሎናውያን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘውረድዎ ጥፍኣት ዘዘንቱ ዝኣመሰለ ተላሊኻ ትኸውን ኢኻ። ገና ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ትንቢታትን ፍጻሜታቱን ዝሓዘ ኢዩ። ገለ ካብኡ ግን ብዙሕ ፍሉጥ ኣይኰነን።
ንኣብነት: ብዛዕባቲ ንያሪኮ እንደገና ምህናጽ ዘስዕቦ መቕጻዕቲ ዝገልጽ ትንቢት ኣንብቦ እሞ ቀጺልካ ኸኣ ፍጻሜኡ መርምሮ። እያሱ 6:26 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፤ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበዅሪ ወዱ ይሰርታ: ደጌታታ ድማ በቲ ዝነአሰ ወዱ የቑም።” ድሕሪኡ ገለ 500 ዓመት ጸኒሑ ድማ እዚ ተፈጸመ: ከመይሲ ኣብ 1 ነገስት 16:34 ከምዚ ዝብል ነንብብ ኢና:- “ብዘመኑ [ብዘመን ንጉስ ኣከኣብ] ኸኣ ሒኤል ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም: በቲ በዅሩ ሰረታ: ደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ: በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ።”a ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ብመንፈሱ ከጽሕፍን ፍጻሜኡ ክከታተልን ዝኽእል እቲ ህያው ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: ብዛዕባ ሓደ ነጥቢ ክትፈልጥ ትህንጠ ትኸውን ኢኻ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ ሓደ ትንቢትን ፍጻሜኡን ክንደይ ዝኣክል ዓመታት ከም ዝሓለፈ ትሓስብ ትኸውን። ንኻልእ ሰብ ኣብ ክንዲ ትሓትት: ነቲ መልሲ ባዕልኻ ንምርካብ ዘይትጽዕር፧ ካርታን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንምግባር ዝሕግዝ መጻሕፍትን ተጠቒምካ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ዕቝር ሃብቲ ዝሓዘ ቦታ ንኽትፈልጥ ነቲ ካርታ ንኽትምርምሮ ተጊህካ እትጽዕር: ነቲ መልስታት ክሳዕ እትረኽቦ ኣበርቲዕካ ጽዓር። (ምሳሌ 2:4, 5) ነቲ መልስታት ምርካብ ኣብ እምነትካ ዓሚቝ ውጽኢት ክህልዎ ኢዩ: ንየሆዋ ኣምላኽ ድማ ብዝያዳ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ክትምልከቶ ኢኻ።
ስርዓታዊ ዄንካ ዓሚቝ ጸሎት ግበር
ንናይ ጸሎትን እምነትን ኣድላይነት ብሸለልታ ኣይትርኣዮ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “እምነት ወስኸና” ብምባል ብቐጥታ ለሚኖም ኢዮም። (ሉቃስ 17:5) የሆዋ ህያው መሲሉ ዘይርኣየካ እንተድኣ ዀይኑ: ዝያዳ እምነት ንኽውስኸካ ብጸሎት ዘይትሓቶ፧ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ንኽትምልከቶ ሓገዙ ንኽህበካ ብተኣማንነት ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ሕተቶ።
ገለ ዘጨንቐካ ግድል እንተድኣ ኣልዩ: እኹል ግዜ ወሲድካ ካብ ልቢ ነቲ ሰማያዊ ዓርክኻ ግለጸሉ። የሱስ ክመውት ምስ ቀረበ: ኣዕሚቑ ጸለየ። ነቲ ሃይማኖታዊ ልምዲ ኰይኑ ዝነበረ ህዝቢ ንኽርእየካ ኢልካ ዝግበር ነዊሕ ጸሎት ኰኒንዎ እኳ እንተ ነበረ: ነቶም 12 ሃዋርያቱ ቅድሚ ምምራጹ ግን ንበይኑ ዀይኑ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ሓደረ። (ማርቆስ 12:38-40፣ ሉቃስ 6:12-16) ካብታ ኣዲኡ ንነብዪ ሳሙኤል ዝነበረት ሃና እውን ክንማሃር ንኽእል ኢና። ንሳ ተባዕታይ ውሉድ ክትረክብ ብምምናይ: ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ኣንውሐት።’—1 ሳሙኤል 1:12
ካብዚ ዅሉ ኣብነት እዚ እንረኽቦ መሰረታዊ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧ ጸሎትካ ክምለሰልካ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ተጊህካን ኣዕሚቝካን ከየባተኽካን ክትጽሊ ኣሎካ: ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዕካ ክትጽሊ ኸም ዘሎካ ድማ እተረጋገጸ ኢዩ። (ሉቃስ 22:44፣ ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17፣ 1 ዮሃንስ 5:13-15) ከምዚ ምግባር ኣምላኽ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ንኽትምልከቶ ክሕግዘካ ኢዩ።
ንፍጥረት ተዓዘቦ
ናይ ሓደ ሰኣላይ ባህሪ ኣብ ስእልታቱ ክንጸባረቕ ይከኣል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ‘ዘይርአ ባህሪ’ ናይቲ ደኳንን ፈጣርን ኣድማስ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ፍጥረት ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። (ሮሜ 1:20) ነቲ የሆዋ ብኢዱ ዝሰርሖ ነገራት ተጠንቂቕና ምስ እንዕዘቦ: ብዛዕባ ባህርያቱ ዝሓሸ ምርዳእ ንረክብ: በዚ ኸኣ ብዝያዳ ህያው ከም ዝዀነ ገይርና ንምልከቶ።
ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ዘይኰነስ ተጠንቂቕካ እንተድኣ ተዓዚብካዮ: በቲ ክውንነት ናይ ባህርያቱ ኣዕሚቝካ ክትንከፍ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣዕዋፍ ዘለወን ናይ ምንፋር ክእለት ዝገልጽ ሓበሬታ ምርካብ ነቲ ንጥበብ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኣጸቢቑ ከዕብየልካ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ኣድማስ ከተንብብ ከሎኻ: እቲ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብናይ ብርሃን ናህሪ እናተጓዓዝካ ዳርጋ 100,000 ዓመት ዝወስድ ርሕቀት ዘለዎ ጸባዊ-መገዲ ዝበሃል ጋላክሲ ካብቲ ኣብ ብምልኡ ጠፈር ዘሎ ብቢልዮናት ዝቝጸር ጋላክሲታት ሓደ ጥራይ ምዃኑ ክትፈልጥ ኢኻ። እዚ ነቲ ክውንነት ናይ ፈጣሪ ጥበብ ዓሚቝ ስምዒት ዘሕድረልካዶ ኸይኰነ፧
ጥበብ የሆዋ ህያው ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ! እዚ ክበሃል ከሎ ግን ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ ዝዀነ ይኹን ካባና ብጸሎት ዘቕርቦ ግድላት ንየሆዋ ከም ዘይሕርብቶ እተረጋገጸ ኢዩ። እወ: እቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዘሎካ ፍልጠት ሒደት እውን ይኹን የሆዋ ብዝያዳ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ንኽትምልከቶ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ።
ምስ የሆዋ ተመላለስ
ብብሕትኻ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ህያው ምዃኑ ክትግንዘቦዶ ትኽእል ኢኻ፧ ልክዕ ከምቲ እሙን ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ኖህ እንተድኣ ዄንካ ክትግንዘቦ ትኽእል ኢኻ። “ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ክሳዕ ዝበሃለሉ ንየሆዋ ኵሉ ግዜ ተኣዚዝዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:9) ኖህ ልክዕ ብጐድኒ የሆዋ ከም ዘሎ ኰይኑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ንስኻውን ኣምላኽ ክሳዕ ክንድኡ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ክትምልከቶ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ኣምላኽ ትመላለስ እንተድኣ ኣሊኻ: ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መብጽዓታት ተወከል: ምስኡ ተሰማሚዕካ ድማ ተመላለስ። ንኣብነት: ነቲ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ዘድሊ ስጋዊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” ዝብል ቃላት የሱስ ትኣምኖ ኢኻ። (ማቴዎስ 6:25-33) ሓቂ ኢዩ የሆዋ ነቲ ዘድልየካ ነገር ኵሉ ግዜ በቲ ንስኻ እትጽበዮ መገዲ ገይሩ ኢዩ ዝህበካ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ምስ እትጽሊ እሞ ሓገዝ ኣምላኽ ድማ ምስ እትረክብ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ጐድንኻ ዘሎ ሰብ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ክትምልከቶ ኢኻ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ የሆዋ ዝህሉ ጥብቂ ርክብ ክምዕብል ዝኽእል ከይተሓለልካ ምስ ኣምላኽ ምስ እትመላለስ ኢዩ። ነታ ሓያሎ ፈተናታት እተጸመመት ቋንቋ ስጳኛ እትዛረብ ማንዌላ ዝስማ ምስክር ርአ። ንሳ ከምዚ ትብል:- “መከራ ወይ ሽግር ኣብ ዝበጽሓኒ ዝዀነ ይኹን ግዜ: ነቲ ኣብ ምሳሌ 18:10 ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ተግባር አውዕሎ ኢየ። ሓገዝ ደልየ ናብ የሆዋ ኢየ ዝጐዪ። ኵሉ ግዜ ድማ ‘ጽኑዕ ግምቢ’ ይዀነኒ ኢዩ።” ማንዌላ ን36 ዓመታት ዝኣክል ኣብ የሆዋ ድሕሪ ምውካላን ደገፉ ድሕሪ ምርካባን ኢያ ከምዚ ክትብል ክኢላ ዘላ።
እምንቶኻ ኣብ የሆዋ ምግባር ትጅምር ዲኻ ዘሎኻ፧ እቲ ምስኡ ዘሎካ ዝምድና ገና ከምቲ እትደልዮ እንተድኣ ዘይኰይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። መዓልቲ-መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ይመላለስ ከም ዘሎ ሰብ ኴንካ ንበር። እምነት ዘለዎ ኣገባብ ናብራ ምስ እትሃንጽ: ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከተስተማቕር ኢኻ።—መዝሙር 25:14፣ ምሳሌ 3:26, 32
ምስ ኣምላኽ እንመላለሰሉ ካልእ መገዲ ድማ ኣብ ኣገልግሎቱ ትሑዝ ምዃን ኢዩ። ኣብ ዕዮ ስብከት እታ መንግስቲ ምስ እትካፈል: መተዓይይቲ የሆዋ ኢኻ እትኸውን። (1 ቈረንቶስ 3:9) መተዓይይቱ ከም ዝዀንካ ምፍላጥካ ኣምላኽ ኣዝዩ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ንኽትምልከቶ ክሕግዘካ ኢዩ።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” ኢሉ ይምዕድ። (መዝሙር 37:5) ንዘሎካ ዝዀነ ይኹን ሰኸም ወይ ዘጨንቕ ነገራት ናብ ኣምላኽ ንምድርባይ ፈጺምካ ኣይትሕመቕ። ሓገዝን መምርሕን ንኽህበካ ኵሉ ግዜ ኣብኡ ተወከል። ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እንተድኣ ተወኪልካን ኵሉ ግዜ ድማ ከይተዋላወልካ ኣብኡ እንተድኣ ተጸጊዕካን: ምእንታኻ ኽብል ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከም ዘይብል ስለ እትፈልጥ ዕቝባ ክስምዓካ ኢዩ። ነቲ ብብሕትኻ ዘሻቕለካ ነገር ሒዝካ ንየሆዋ ክትቀርቦ ከሎኻ እምንቶ ተሕድር ዲኻ፧ ንኣምላኽ ህያው ከም ዝዀነ ገይርካ ትምልከቶ እንተድኣ ዄንካ: እወ እምንቶ ከተሕድር ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ካልእ ኣብነት ንምርኣይ ድማ: ነቲ ኣብ 1 ነገስት 13:1- 3 ዘሎ ብዛዕባ ናይ የሮብዓም መሰውኢ ምርካስ ዝገልጽ ትንቢት ኣንብቦ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ 2 ነገስት 23:16-18 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻሜኡ ኣስተብህለሉ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ መጽናዕቲ እትገብረሉ ግዜያትካ እምነት ዘሐይል ግበሮ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ስርዓታዊ ዄንካ ዓሚቝ ጸሎት ንምጽላይ ግዜ ውሰድ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ብኸመይ ከም እተገልጸ ተዓዘብ
[ምንጪ ስእሊ]
Hummingbird: U.S. Fish and Wildife Service, Washigton, D.C./Dean Biggins; stars: Photo: Copyright IAC/RGO 1991, Dr. D. Malin etal, Isaac Newton Telescope, Roque de los Muchachos Observatory, La Palma, Canary Islands