መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
3-9 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 12-14
“ንዓኻ እውን ዚጸልወካ ኺዳን”
(ዘፍጥረት 12:1, 2) የሆዋ ድማ ንኣብራም ከምዚ በሎ፦ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። 2 ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፣ ንስምካ እውን ከዕብዮ እየ፣ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።
it-1 522 ¶4
ኪዳን
ምስ ኣብርሃም እተኣትወ ኺዳን። እቲ ምስ ኣብርሃም እተኣትወ ኺዳን፡ ኣብራም (ኣብራሃም) ናብ ከነኣን ኪኸይድ ከሎ ንኤፍራጥስ ኣብ ዝሰገረሉ እዋን እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ኺዳን ሕጊ ድማ ድሕሪ 430 ዓመት እዩ ቘይሙ። (ገላ 3:17) የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ መሶጶታምያ፡ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ከሎ ናብታ ንሱ ዜርእዮ ሃገር ኪወጽእ ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (ግብ 7:2, 3፣ ዘፍ 11:31፣ 12:1-3) ዘጸኣት 12:40, 41 ብመሰረት ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ እተቐመጡለን 430 ዓመት፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ፡” እቶም ኣብ ባርነት ዝነበሩ እስራኤላውያን ከም ዝወጹ ትነግረና እያ። እታ ኻብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ፡ 14 ኒሳን 1513 ቅ.ክ.፡ ዕለተ ፋስጋ እያ ነይራ። (ዘጸ 12:2, 6, 7) እዚ ኸኣ ኣብርሃም ናብ ከነኣን ኣብ እተጓዕዘሉ እዋን ብ14 ኒሳን 1943 ቅ.ክ. ንፈለግ ኤፍራጥስ ከም ዝሰገሮ ዚሕብር እዩ ዚመስል፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እዩ ምስ ኣብርሃም እተኣትወ ኺዳን ኪዓዪ ጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣብርሃም ናብ ከነኣን ክሳዕ ሴኬም ምስ ተጓዕዘ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእይዎ እዩ፣ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኢሉ እውን ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኣስፊሕዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እዚ ኺዳን እዚ ምስቲ ኣብ ኤደን እተዋህበ ተስፋ ኸም ዚተኣሳሰር ሓቢሩ እዩ፣ እቲ “ዘርኢ” ኻብ ወለዶ ሰብ ከም ዚመጽእ እውን ገሊጹ እዩ። (ዘፍ 12:4-7) የሆዋ ጸኒሑ ነዚ ዘስፍሓሉ ኻልእ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ኣብ ዘፍጥረት 13:14-17፣ 15:18፣ 17:2-8, 19፣ 22:15-18 ተመዝጊቡ ኣሎ።
(ዘፍጥረት 12:3) ንዚባርኹኻ ኽባርኾም፡ ንዚረግመካ እውን ክረግሞ እየ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻ ብርግጽ ኪባረኹ እዮም።”
w89 1/7 3 ¶4
ብዛዕባ ኣብርሃም እቲ ሓቂ ኽትፈልጥ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
እዚ ዜደንጹ ተስፋ እዩ፣ ኣብርሃም ድማ ነዚ ተስፋ እዚ እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ኻልእ ኣጋጣሚታት ሰሚዕዎ እዩ። (ዘፍጥረት 18:18፣ 22:18) ኣምላኽ ነዚ ንምፍጻም፡ ነቶም ዝሞቱ ተወከልቲ ዓሌታት እውን ከይተረፈ ኼተንስኦም እዩ። መብዛሕትኦም ነታ ቐዳመይቲ ኣብ እትመስል ገነታዊት ምድሪ ስለ ዚትንስኡ፡ ህይወት ምርካቦም ብሓቂ በረኸት ኪኸውን እዩ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ በረኸት ዘለኣለማዊ ህይወት ብኸመይ ከም ዚረኽቡ ኺምሃሩ እዮም።—ዘፍጥረት 2:8, 9, 15-17፣ 3:17-23።
(ዘፍጥረት 13:14-17) ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15 ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ። 16 ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ፡ ሓመድ ምድሪ ኪቘጽር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ዘርእኻ ኸኣ ኪቝጸር ይከኣል። 17 ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዓኻ ኽህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ተጐዓዝ” በሎ።
it-2 213 ¶3
ሕጊ
ብመሰረት ታሪኻዊ መርትዖ፡ ዋንነት ምድሪ ኺመሓላለፍ ከሎ፡ እቲ ዓዳጊ ኼማዕድወሉ ኻብ ዚኽእል ቦታ ዀይኑ ነቲ ዶባት ይርእዮ ኸም ዝነበረ ገሊኦም ምሁራት ይኣምኑ እዮም። እቲ ዓዳጊ፡ “ርእየ” ምስ በለ፡ ብሕጊ ኸም እተቐበሎ ይሕብር። የሆዋ ንኣብርሃም፡ ምድሪ ከነኣን ክትውሃቦ ምዃና ምስ ኣተስፈዎ፡ ኣብ ፈለማ ኣብርሃም ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ኪጥምት ተነጊርዎ እዩ። ኣምላኽ ነታ ምድሪ ተስፋ ጸኒሑ ንዘርኢ ኣብርሃም ኸም ዚህብ ስለ እተዛረበ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ኣብርሃም “ርእየ” ኣይበለን። (ዘፍ 13:14, 15) እቲ ሕጋዊ ተወካሊ ዀይኑ ዘገልገለ ሙሴ፡ ነታ ምድሪ “ርኣያ” ተባሂሉ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ፣ እቲ ዝረኣዮ ልክዕ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ምድሪ እስራኤል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እያሱ ምእንቲ ኺርስተይዋ ብሕጊ ኸም እተመሓላለፈት ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ዘዳ 3:27, 28፣ 34:4፣ እቲ ሰይጣን ንየሱስ ኣብ ማቴ 4:8 ዘቕረበሉ እውን ርአ።) ካልእ ምስ ሕጋዊ መስርሕ እተተሓሓዘ ኪኸውን ዚኽእል ከኣ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ እታ ምድሪ ምኻድ ወይ ክትርስተያ ኢልካ ናብኣ ምእታው እዩ። (ዘፍ 13:17፣ 28:13) ኣብ ገሊኡ ናይ ጥንቲ ሰነዳት፡ ኣብ መሸጣ መሬት፡ ብዝሒ ኣእዋም ተጠቒሱ ኣሎ።—ምስ ዘፍ 23:17, 18 ኣረኣኢ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 13:8, 9) ስለዚ፡ ኣብራም ንሎጥ፡ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ኣብ መንጎ ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን። 9 ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻዶ የላን፧ በጃኻ፡ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን አብል፣ ናብ የማን እንተ ኣቢልካ ኸኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም አብል” በሎ።
ንፍልልያት ብፍቕሪ ኣደቅሶ
12 እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ንኣብርሃምን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ዚምልከት ጕዳይ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ኪኸፋፍል ዚኽእል ዝነበረ ጕዳይ ብሰላም ዝፈትሑሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዛንታ እዩ። ክልቲኦም ማል ነይረንኦም እየን፣ ጓሶቶም ከኣ ብመገሃጫ እዮም ተባኢሶም። ኣብርሃም ነቲ እተፈጥረ ውጥረት ኪኣልዮ ስለ ዝደለየ፡ ንሎጥ ኣበይ ኪሰፍር ከም ዚደሊ ኺሓሪ ቐዳምነት ሃቦ። (ዘፍ. 13:1, 2, 5-9) ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት ኰን እዩ! ኣብርሃም ሰላም ኪገብር እምበር፡ ጥቕሙ ኬኽብር ኣይኰነን ደልዩ። ብምኽንያት እቲ ልግሱኸ ኸሲሩዶ፧ ኣይፋሉን። ደድሕሪ እዚ ምስ ሎጥ እተፈጥረ ጕዳይ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾ ኣተስፍይዎ እዩ። (ዘፍ. 13:14-17) ኣምላኽ ንኣገልገልቱ፡ ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ብምምልላሶምን ብፍቕሪ ፍልልያት ብምውጋዶምን ነባሪ ኽሳራ ኼጋጥሞም ኣይደልን እዩ።
(ዘፍጥረት 14:18-20) ሽዑ፡ መልከጼዴቅ ንጉስ ሳሌም እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፣ ንሱ ኻህን እቲ ልዑል ኣምላኽ ነበረ። 19 ንሱ ድማ፡ ከምዚ ኢሉ ባረኾ፦ “ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡ በቲ ገባሪ ሰማይን ምድርን ይባረኽ፣ 20 እቲ ንተጻረርትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል ኣምላኽ ይወደስ።” ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ሃቦ።
(እብራውያን 7:4-10) እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ። 5 ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም። 6 እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ። 7 እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ። 8 በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል። 9 እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ 10 ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ እዩ ነይሩ።
it-2 683 ¶1
ካህን
መልከጼዴቅ ንጉስ ሳሌም ብፍሉይ መገዲ እዩ ኻህን (ኮሀን) ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘርኡ፡ ልደቱ፡ ወይ ሞቱ ዋላ ሓንቲ ኣይገልጽን እዩ። ክህነቱ ብውርሲ ኣይኰነን ረኺብዎ፣ ንሓላፍነቱ ድማ ቅድሚኡ እተሰከሞ ኣይነበረን፡ ድሕሪኡ እውን ተካኢ ኣይነበሮን። መልከጼዴቅ ንጉስን ካህንን እዩ ነይሩ። ክህነቱ ኻብ ክህነት ሌዋውያን ዚዓቢ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣብርሃም ንመልከጼዴቅ ዕሽር ኪህቦን ኪባርኾን ከሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣብርሃም ስለ ዝነበረ፡ ሌዊ ንመልከጼዴቅ ዕሽር ሂብዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ዘፍ 14:18-20፣ እብ 7:4-10) በዚ ኸምዚ ድማ፡ መልከጼዴቅ ነቲ “ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ኰይኑሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ።—እብ 7:17።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 12:1-20) የሆዋ ድማ ንኣብራም ከምዚ በሎ፦ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። 2 ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፣ ንስምካ እውን ከዕብዮ እየ፣ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። 3 ንዚባርኹኻ ኽባርኾም፡ ንዚረግመካ እውን ክረግሞ እየ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻ ብርግጽ ኪባረኹ እዮም።” 4 ኣብራም ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸደ፣ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 75 ዓመት ነበረ። 5 ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን ወሰደ እሞ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ነቐሉ። ኣብ ምድሪ ከነኣን ምስ በጽሑ፡ 6 ኣብራም በታ ምድሪ እቲኣ ኽሳብ እታ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ዘላ ሴኬም ተጓዕዘ። በቲ ግዜ እቲ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ። 7 የሆዋ ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኸኣ በሎ። ኣብኡ ድማ ነቲ እተራእዮ የሆዋ መሰውኢ ሰርሓሉ። 8 ካብኡ ናብቲ ብምብራቕ ቤት-ኤል ዘሎ ኣኽራን ተጓዒዙ፡ ኣብኡ ድንኳን ተኸለ እሞ፡ ቤት-ኤል ብምዕራቡ፡ ዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፡ ስም የሆዋ እውን ኪጽውዕ ጀመረ። 9 ድሕርዚ፡ ኣብራም ካብቲ ዝሰፈረሉ ነቒሉ፡ ሰፈሩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናኣግዓዘ ናብ ነጌብ ኣቢሉ ኸደ። 10 ኣብታ ምድሪ ኸኣ ጥሜት ኰነ፣ ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብራም ንግዜኡ ኣብኣ ኪቕመጥ ናብ ግብጺ ወረደ። 11 ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ “በጃኺ ስምዕኒ! መልክዐኛ ሰበይቲ ምዃንኪ እፈልጥ እየ። 12 ግብጻውያን ምስ ረኣዩኺ ድማ፡ ‘እዚኣ ሰበይቱ እያ’ ኺብሉ እዮም። ንዓይ ቀቲሎም ከኣ፡ ንዓኺ ብህይወት ኪሓድጉኺ እዮም። 13 ብሳላኺ ደሓን ምእንቲ ኽረክብ፡ ህይወተይ ከኣ ምእንቲ ኽትነሓፍሲ፡ በጃኺ ሓብቱ እየ በሊ” በላ። 14 ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ኣዝያ መልክዐኛ ምዃና ረኣዩ። 15 መሳፍንቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ወደስዋ፣ እታ ሰበይቲ እውን ናብ ቤት ፈርኦን ተወስደት። 16 ንሱ ድማ ንኣብራም ምእንታኣ ኢሉ ጽቡቕ ገበረሉ፣ ኣባጊዕን ከብትን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣእዱግን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ከኣ ኣጥረየ። 17 የሆዋ ኸኣ ብሰሪ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡ ንፈርኦንን ንቤተ ሰቡን ብብርቱዕ መዓት ወቕዖም። 18 ፈርኦን ድማ ንኣብራም ጸዊዑ፡ “እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ፧ ስለምንታይ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘይነገርካኒ፧ 19 ስለምንታይከ፡ ‘ሓብተይ እያ’ ኢልካኒ፧ ሰበይተይ ክትከውን ክወስዳ ኢለ ነይረ። ሕጂ ኸኣ፡ እንሃትልካ ሰበይትኻ። ሒዝካያ ኺድ!” በሎ። 20 ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ ኣዘዞም፣ ንዕኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ከኣ ይኺዱ ሓደግዎም።
10-16 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 15-17
“የሆዋ ንስም ኣብራምን ሳራይን ዝቐየሮ ስለምንታይ እዩ፧”
(ዘፍጥረት 17:1) ኣብራም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ ንኣብራም ተራእዮ፣ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ኣበር ዘይብልካ እውን ኩን።
it-1 817
ኣበር፡ ኣበር ምርካብ
ብሓደ ሸነኽ፡ መገድታትን ተግባራትን ሰብ ብዙሕ ግዜ ጕድለት ኣለዎ። ኵሎም ሰባት ካብ ኣዳም ሓጢኣትን ስሕተትን ወሪሶም እዮም። (ሮሜ 5:12፣ መዝ 51:5) እቲ ኣበር ዘይብሉ የሆዋ ግና፡ “ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ፣” ብዘይካዚ እውን መሓሪ እዩ። (መዝ 103:13, 14) ነቲ እሙንን እዙዝን ዝዀነ ኖህ ድማ፡ “ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ኣበር ዘይብሉ” ገይሩ እዩ ርእይዎ። (ዘፍ 6:9) ንኣብርሃም ከኣ፡ “ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ኣበር ዘይብልካ እውን ኩን” ኢልዎ እዩ። (ዘፍ 17:1) ክልቲኦም እዞም ሰባት እዚኦም ዘይፍጹማት እኳ ነበሩ፡ ውዒሎም ሓዲሮም እውን እንተ ሞቱ፡ በቲ “ልቢ . . . ዚርኢ” የሆዋ ግና ኣበር ከም ዘይብሎም ጌርካ እዮም ተራእዮም። (1ሳሙ 16:7፣ ምስ 2ነገ 20:3፣ 2ዜና 16:9 ኣረኣኢ።) ንእስራኤላውያን ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ መንቅብ ዘይብልካ ኹን” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ዘዳ 18:13፣ 2ሳሙ 22:24) ነቲ ኣበር ዘይብሉ ወዱ (እብ 7:26) መስዋእታዊ በጃ ገይሩ ሂቡና እዩ፣ በዚ መሰረት እዚ ኸኣ፡ ንሱ ኸም ጻድቕን ኣበር ዘይብሉን ፈራዲ መጠን ዘለዎ ደረጃ ኸየጕደለ፡ ነቶም ዚኣምኑን ዚእዘዙን ዘበሉ፡ “ጻድቃን” ወይ ኣበር ዘይብሎም ኪብሎም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 3:25, 26፣ ኣብ “ንጽህና፣ ፍጽምና” ርአ።
(ዘፍጥረት 17:3-5) ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍአ፣ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 4 “እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ። 5 ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝገብረካ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን እዩ።
it-1 31 ¶1
ኣብርሃም
ግዜ ሓለፈ። ኣብ ከነኣን ካብ ዚኣትዉ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ገይሮም ነይሮም፣ ሳራ ግና መኻን እያ ነይራ። ስለዚ ኸኣ፡ በታ ገረዳ ኣጋር ኣቢላ ውሉድ ክትረክብ ኢላ፡ ንዕኣ መተካእታኣ ኽትከውን ሓሳብ ኣቕረበት። ኣብርሃም ነቲ ሓሳባ ተቐበሎ። ብ1932 ቅ.ክ. ኣብርሃም ወዲ 86 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ እስማኤል ተወልደ። (ዘፍ 16:3, 15, 16) ድሕርዚ፡ ተወሳኺ ግዜ ሓለፈ። ብ1919 ቅ.ክ. ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣብርሃምን ዘሎ ፍሉይ ኪዳን ዜረጋግጽ ምልክት ወይ ማሕተም ኪኸውን ኢሉ ኣብ ቤት ኣብርሃም ዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ኺግዘሩ ኣዘዘ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ የሆዋ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝገብረካ” ኢሉ ንስሙ ኻብ ኣብራም ናብ ኣብርሃም ለወጠሉ። (ዘፍ 17:5, 9-27፣ ሮሜ 4:11) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብርሃም ብስም የሆዋ ኸም ኣጋይሹ እተቐበሎም ስጋ ዝለበሱ ሰለስተ መላእኽቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸም እትጠንስን ወዲ ኸም እትወልድን ቃል ኣተዉሉ።—ዘፍ 18:1-15።
(ዘፍጥረት 17:15, 16) ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “ንሰበይትኻ ሳራይ፡ ስማ ሳራ ስለ ዚኸውን፡ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። 16 ክባርኻ፡ ካብኣ እውን ወዲ ኽህበካ እየ፣ ክባርኻ እየ፡ ኣህዛብ ከኣ ክትከውን እያ፣ ነገስታት ህዝብታት ካብኣ ኺወጹ እዮም” በሎ።
ስም እንታይ ሒዙ ኣሎ፧
ኣምላኽ እውን ምእንቲ ትንቢታዊ ዕላማ ኢሉ፡ ንስማት ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት ቀይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብራም ዚብል “ኣቦ ልዒሉ” ዝትርጕሙ ስም፡ ናብቲ ኣብርሃም ዚብል “ኣቦ ብዙሓት” ዝትርጕሙ ስም ቀየረሉ። ኣብርሃም ድማ ከም ስሙ፡ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ኰይኑ እዩ። (ዘፍጥረት 17:5, 6) ሳራይ ሰበይቲ ኣብርሃም እውን፡ ምናልባት “ናግራም” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ስም እዩ ነይርዋ። ካብኣ ነገስታት ከም ዚወጹ ንምሕባር፡ ኣምላኽ ንዓኣ “ሳራ” ዚብል “ልዕልቲ” ዝትርጕሙ ስም ምስ ሃባ፡ ብዙሕ ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ።—ዘፍጥረት 17:15, 16።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 15:13, 14) ንኣብራም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ። 14 ኣነ ግና ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኽዳንዮ እየ፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ኪወጹ እዮም።
it-1 460-461
መስርዕ ግዜ
የሆዋ ንኣብራም (ንኣብርሃም)፡ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ” በሎ። (ዘፍ 15:13፣ ግብ 7:6, 7 እውን ርአ።) እዚ ነገር እዚ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ወራሲ ወይ “ዘርኢ” ዝዀነ ይስሃቅ ከይተወልደ እዩ ተዘሪቡ። ብ1932 ቅ.ክ.፡ ንኣብራም ካብታ ግብጻዊት ገረድ ዝዀነት ኣጋር፡ እስማኤል ተወልደሉ፣ ብ1918 ቅ.ክ. ድማ ይስሃቅ ተወልደሉ። (ዘፍ 16:16፣ 21:5) ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጹሉ (ጻኦት)፡ ማለት ካብቲ መወዳእታ እቲ ‘እተገፍዑሉ፡’ ናብ ድሕሪት 400 ዓመት እንተ ጸብጺብና፡ (ዘፍ 15:14) ናብ 1913 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ይስሃቅ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዘይምድሩ ‘ጓና’ ዝነበረ ይስሃቅ ኣብቲ ግዜ እቲ ጡብ ሓዲጉ ኪኸውን ኣለዎ፣ በቲ ወዲ 19 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን እስማኤል ኣቢሉ ብዚወርዶ ‘ላግጺ’ ኸኣ፡ መጀመርታ እቲ ብትንቢት እተነግረ ግፍዒ ኼጋጥሞ ጀሚሩ። (ዘፍ 21:8, 9) እስማኤል ነቲ ወራሲ ኣብርሃም ምልጋጹ፡ ኣብዚ ግዜና ኸም ንእሽቶ ነገር ጌርካ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ብግዜ ኣበው ግና ከምኡ ኣይነበረን። ሳራ ንኣጋርን ንወዳ እስማኤልን ኪስጐጉ ዝሃበቶ ሓሳብን ኣምላኽ ነቲ ሓሳባ ምድጋፉን፡ እቲ ነገር ቀሊል ዘይምዃኑ ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ዘፍ 21:10-13) ኣምላኽ ነዚ ፍጻመ እዚ ብዝርዝር ኺምዝገብ ምፍቃዱ እውን፡ ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ ብጻኦት ዚዛዘም 400 ዓመት ዝንውሓቱ እዋን ግፍዒ መጀመርታኡ ምዃኑ ይሕብር እዩ።—ገላ 4:29።
(ዘፍጥረት 15:16) ስሕተት ኣሞራውያን ገና መስፈሩ ስለ ዘይመልአ፡ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።”
it-1 778 ¶4
ጻኦት
“ኣብ ራብዓይ ወለዶ።” የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ ራብዓይ ወለዶ ዘርኡ ናብ ከነኣን ኪምለሱ ምዃኖም ከም ዝነገሮ ኽንዝክር ኣሎና። (ዘፍ 15:16) ካብቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ኪዓዪ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ግዜ ጻኦት ኣብ ዝነበረ ብዘሎ እቲ 430 ዓመት፡ ዋላ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ነዊሕ ዕምሪ ይንበሮም፡ መዝገብ ከም ዚሕብሮ ልዕሊ ኣርባዕተ ወለዶታት እዮም ነይሮም። እስራኤላውያን ግና ከም ሓቂ ኣብ ግብጺ 215 ዓመት ጥራይ እዮም ጸኒሖም። እቲ ናብ ግብጺ ኻብ ዚኣትዉ ዝነበረ ‘ኣርባዕተ ወለዶ’ ኣብነት ብዚኸውን ሓደ ነገድ እስራኤል፡ ማለት ነገድ ሌዊ ጌርና በዚ ዚስዕብ ክንጽብጽቦ ንኽእል ኢና፦ (1) ሌዊ፡ (2) ቀሃት፡ (3) ዓምራም፡ (4) ሙሴ።—ዘጸ 6:16, 18, 20።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 15:1-21) ድሕርዚ፡ ቃል የሆዋ ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፦ “ኣብራም፡ ኣይትፍራህ። ዋልታኻ ኣነ እየ። ዓስብኻ ኣዝዩ ብዙሕ ኪኸውን እዩ።” 2 ኣብራም ከኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ካብ ኣለኹ፡ ንቤተይ ዚወርስ ከኣ ኤልዔዘር ብዓል ደማስቆ ኻብ ኰነስ፡ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 3 ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብራም፡ “ገለ ዘርኢ ኣይሃብካንን፡ ሓደ ኣባል ቤተ ሰበይ ድማ ኪወርሰኒ እዩ” በለ። 4 እንሆ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ፡ “ወድኻ ደኣ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይኪወርሰካን እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 5 ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ “በጃኻ ናብ ሰማያት ጠምት እሞ፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር” በሎ። “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ድማ በሎ። 6 ብየሆዋ ኸኣ ኣመነ፣ ንሱ ድማ ጽድቂ ገይሩ ቘጸረሉ። 7 ሽዑ፡ “ኣነ ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይረ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ናይ ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ የሆዋ እየ” ድማ በሎ። 8 ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ እፈልጥ፧” በለ። 9 ንሱ ድማ፡ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ባሬቶን ጫቚት ርግብን ኣምጽኣለይ” ኢሉ መለሰሉ። 10 ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ከክልተ ቘረጾ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምቃል ከኣ ኣብ መንጽር እቲ ኻልእ ኣቐመጦ፣ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን። 11 ሽዑ፡ ኣሞራታት ናብቲ ስጋ ወረዱ፣ ኣብራም ግና ይሰጕጎም ነበረ። 12 ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፣ ሽዑ፡ ዜፍርህ ድቕድቕ ጸልማት ወደቖ። 13 ንኣብራም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ። 14 ኣነ ግና ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኽዳንዮ እየ፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ኪወጹ እዮም። 15 ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፣ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ። 16 ስሕተት ኣሞራውያን ገና መስፈሩ ስለ ዘይመልአ፡ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።” 17 ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ ዚተክኽ እቶን ተራእየ፡ ብመንጎ እቲ ምቃላት ድማ ሃልሃልታ ፋና ሓለፈ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ፦ “እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ካብ ፈለግ ግብጺ ኽሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣ 19 ንሳ ድማ ምድሪ ቄናውያንን ቄኒዛውያንን ቃድሞናውያንን 20 ሔታውያንን ፈረዛውያንን ረፋይምን 21 ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን እያ።”
17-23 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 18-19
“‘እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ንሶዶምን ጎሞራን ኣጥፍአን”
(ዘፍጥረት 18:23-25) ኣብርሃም ድማ ቀሪቡ፡ “ንጻድቕከ ምስ እኩይዶ ኽትኵስትሮ ኢኻ፧ 24 ምናልባት ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ፣ እሞኸ ኽትኵስትሮም ዲኻ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ 50 ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧ 25 መወዳእታ እቲ ጻድቕ ከምቲ እኩይ ኪኸውን፡ ንጻድቕ ምስ እኩይ ብምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ክትገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! እዝስ ኣባኻ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧” በለ።
“እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር
“እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧” (ዘፍ. 18:25) ኣብርሃም ነዛ ሕቶ እዚኣ ብምሕታት፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ፍጹም ፍርዲ ኸም ዚፈርድ ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ እዩ። ኣብርሃም፡ የሆዋ “ንጻድቕ ምስ እኩይ ብምቕታል” ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዘይገብር ይተኣማመን ነይሩ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ንኣብርሃም፡ “ዘይሕሰብ” እዩ ዀይንዎ ነይሩ። ድሕሪ 400 ዓመት ኣቢሉ ድማ የሆዋ ብሙሴ ገይሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ኢሉ እዩ።—ዘዳ. 31:19፣ 32:4።
(ዘፍጥረት 18:32) ኣብ መወዳእታ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትቈጣዕ፦ ምናልባት ዓሰርተ ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ።
ዓቕሊ—ብዕላማ ምጽዋር
ብርግጽ፡ ብዓቕሊ ዝመጸ ኽንመስሎ ዘሎና ብሉጽ ኣብነት፡ የሆዋ እዩ። (2 ጴጥ. 3:15) የሆዋ ብዙሕ ዓቕሊ ብዛዕባ ዘርኣየሉ ዅነታት ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ኣብ ቃል ኣምላኽ ንረክብ ኢና። (ነህ. 9:30፣ ኢሳ. 30:18) ንኣብነት፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሶዶም ኬጥፍኣ ዝገበሮ ውሳነ ሕቶታት ምስ ሓተተ፡ የሆዋ ኸመይ ከም እተሰምዖ ትዝክሮዶ፧ ቅድም ቀዳድም፡ የሆዋ ንኣብርሃም ዘረባኡ ኣይኰለፎን። የግዳስ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶታትን ንሻቕሎቱን ብዓቕሊ ሰሚዕዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ነቲ ኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶታት ብምድጋም ከም ዝሰምዖ ኣረጋገጸሉ፣ ኣብ ከተማ ሶዶም ዓሰርተ ጻድቃን እውን እንተ ተረኺቦም ነታ ኸተማ ኸም ዘየጥፍኣ ኸኣ ኣረጋገጸሉ። (ዘፍ. 18:22-33) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ብዓቕሊ ኸም ዚሰምዕን ርእሱ ኸም ዚገትእ ኣርእዩ እዩ።
(ዘፍጥረት 19:24, 25) ሽዑ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ዲንን ሓውን ኣዝነመ፣ ካብ የሆዋ፡ ካብ ሰማያት ድማ መጸ። 25 ነዘን ከተማታት እዚአን፡ እወ፡ ንብዘሎ እቲ ኸባቢ፡ እንተላይ ንዅሎም ነበርቲ እተን ከተማታትን ንኣትክልቲ ምድርን ገልበጠ።
የሆዋ ልዑላዊ ጐይታና እዩ!
12 የሆዋ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ልዑላውነቱ ኸም ዜረጋግጽ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንእከይ ንሓዋሩ ኣይጻወሮን እዩ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና እውን ኣይንስሕቶን ኢና። የሆዋ ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ፡ ኣብ ልዕሊ እኩያት ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ንሶዶምን ንጎሞራን ኰነ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ኣጥፊእዎም እዩ። ሲሰራን ሰራዊቱን ኰኑ ሰናክሬብን ኣሶራውያን ወተሃደራቱን እውን እንተ ዀኑ፡ ምስቲ ልዑል ኪዳረጉ ኣይከኣሉን። (ዘፍ. 7:1, 23፣ 19:24, 25፣ ዘጸ. 14:30, 31፣ መሳ. 4:15, 16፣ 2 ነገ. 19:35, 36) ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንስሙ ዚንዕቁን ንመሰኻኽሩ ዜጋፍዑን ንሓዋሩ ኸም ዘይዕገሶም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ትእምርቲ ህላወ የሱስን መደምደምታ እዚ ስርዓት እዝን ዚሕብር መርትዖ ርኢና ኢና።—ማቴ. 24:3።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 18:1) ድሕርዚ፡ መዓልቲ ኣብ ዚድህረሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ፡ የሆዋ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ተራእዮ።
(ዘፍጥረት 18:22) ሽዑ፡ እቶም ሰብኡት ካብኡ ሓሊፎም ናብ ሶዶም ገጾም ከዱ፣ የሆዋ ግና ምስ ኣብርሃም ተረፈ።
w88 15/5 23 ¶4-5
ንኣምላኽ ርእይዎ ዚፈልጥ ኣሎዶ፧
ሕጂ፡ ኣብርሃም ነቲ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ዝመጸ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ይዛረብ ከም ዘሎ ገይሩ እተዛረበሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። እቲ መልኣኽ ንኣብርሃም፡ ነቲ ኣምላኽ ኪብሎ ዝደለየ ብልክዕ ስለ እተዛረቦን ኣብኡ እውን ንዕኡ ወኪልዎ ስለ ዝነበረን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ . . . ተራእዮ” ኺብል ክኢሉ እዩ።—ዘፍጥረት 18:1።
እቲ ኣፈኛ ኣምላኽ ዝዀነ መልኣኽ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ መልእኽቲ ኸም ተሌፎን ወይ ከም ራድዮ ብልክዕ ኬመሓላልፍ ከም ዚኽእል ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ኣብርሃምን ኖህን ማኖኣን ካልኦትን፡ ስጋ ምስ ዝለበሰ መልኣኽ እናተዛረቡ ኸለዉ፡ ምስ ኣምላኽ ከም እተዛረቡ ጌርካ እተጠቕሰሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ነቶም መላእኽቲ ኺርእይዎም እኳ እንተ ኸኣሉ፡ ክብሪ የሆዋ ድማ ኣባታቶም እኳ እንተ ኣንጸባረቐ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ ግና ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ዮሃንስ፡ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን” ዝበሎ ሓሳብ ኣይጋጮን እዩ። (ዮሃንስ 1:18) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ተወከልቲ ዝዀኑ መላእኽቲ ደኣ እዮም ርእዮም እምበር፡ ንኣምላኽ ባዕሉ ኣይረኣይዎን።
(ዘፍጥረት 19:26) ብድሕሪኡ ዝነበረት ሰበይቲ ሎጥ ግና፡ ንድሕሪት ግልጽ በለት፣ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኰነት።
ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዘለዉ ሰባት ሓግዞም
3 ሎጥ ኣብ መንጎ እቶም ኣመና ብዕሉጋት ዝዀኑ ህዝቢ ሶዶም ኪቕመጥ ምስ ሓረየ፡ ሕማቕ ውሳነ እዩ ገይሩ። (2 ጴጥሮስ 2:7, 8 ኣንብብ።) እቲ ዞባ ልሙዕ እዩ ነይሩ፣ ሎጥ ናብ ሶዶም ብምግዓዙ ግና ከቢድ ዋጋ እዩ ኸፊሉ። (ዘፍ. 13:8-13፣ 14:12) ሰበይቱ ነታ ኸተማ ትፈትዋ ብምንባራ ወይ ንገለ ኻብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ትፈትዎም ብምንባራ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህባ ትእዛዝ ኣይሓለወትን። ኣምላኽ ኣብቲ ዞባ እቲ ሓውን ዲንን ምስ ኣዝነመ፡ ህይወታ ስኢና እያ። ብዛዕባ እተን ክልተ ኣዋልድ ሎጥ እውን እሞ ሕሰብ። ሕጹያተን ኣብ ሶዶም ሞይቶም እዮም። ሎጥ ከኣ፡ ቤቱን ጥሪቱን ስኢኑ እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ሰበይቱ ስኢኑ እዩ። (ዘፍ. 19:12-14, 17, 26) እሞኸ ኣብቲ ጸቕጢ ዝመልኦ እዋን፡ የሆዋ ብሎጥ ትዕግስቱ ተወዲኡዶ፧ ኣይፋልን።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 18:1-19) ድሕርዚ፡ መዓልቲ ኣብ ዚድህረሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ፡ የሆዋ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ተራእዮ። 2 ኣዒንቱ ኸኣ ኣልዓለ እሞ፡ ሰለስተ ሰብኡት ካብኡ እተወሰነ ርሒቖም ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ። 3 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ንጊልያኻ ኣይትሕለፈኒ። 4 በጃኹም ሒደት ማይ ይምጽኣልኩም እሞ፡ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ፣ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ተቐመጡ። 5 ናብ ጊልያኹም ካብ መጻእኩምሲ፡ ሓይልኹም ምእንቲ ኺሕደስ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም። ድሕሪኡ፡ ትኸዱ።” ንሳቶም ድማ፡ “ሕራይ። ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ። 6 ኣብርሃም ከኣ ቀልጢፉ ናብ ድንኳን ናብ ሳራ ኸይዱ፡ “ቀልጥፊ! ሰለስተ ስፍሪ ድኹም ሓርጭ ለዊስኪ፡ ቅጫታት ሰንክቲ” በላ። 7 ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ናብ ከብቱ ጐይዩ፡ ልምሉም ጽቡቕ ምራኽ ሓረየ። ንጊልያኡ ድማ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኬዳልዎ ተቐላጠፈ። 8 ጠስምን ጸባን ነቲ ዘዳለዎ ምራኽን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም። ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው በለ። 9 ንሳቶም ድማ፡ “ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ድንኳን እንሃ” ኢሉ መለሰ። 10 ሽዑ፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ብርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪ እቲ ሰብኣይ ዘሎ ድንኳን ኰይና ትሰምዕ ነበረት። 11 ኣብርሃምን ሳራን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረገውቲ ነበሩ። ሳራ ድማ ካብ እትወልደሉ ዕድመ ሓሊፋ ነበረት። 12 ስለዚ፡ ሳራ ብልባ እናሰሓቐት፡ “ድሕሪ እርጋነይን ጐይታይ ምስ ኣረገንዶ እዚ ባህታ እዚ ኽረክብ እየ፧” በለት። 13 የሆዋ ኸኣ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ እያ ሳራ፡ ‘ኣሪገ ኸለኹስ፡ ብሓቂዶ ኽወልድ እየ፧’ ኢላ ዝሰሓቐት፧ 14 ንየሆዋዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ፧ ንዓመታ ኸምዚ ምዱብ ግዜ እዚ ኽምለሰካ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በሎ። 15 ሳራ ግና ፈሪሃ ነበረት እሞ፡ “ኣይሰሓቕኩን!” ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ” በለ። 16 እቶም ሰብኡት ኪኸዱ ምስ ተንስኡ፡ ናብ ሶዶም ገጾም ኣንቈልቊሎም ጠመቱ፣ ኣብርሃም ከኣ ኬፋንዎም ምሳታቶም ይኸይድ ነበረ። 17 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “እቲ ዝገብሮስ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧ 18 ኣብርሃምሲ ብርግጽ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ እዮም። 19 ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቓል ኬምጽኦስ፡ ንሱ ንደቁን ብድሕሪኡ ንቤተ ሰቡን፡ ጽድቅን ፍትሕን ብምግባር መገዲ የሆዋ ኺሕልዉ ምእንቲ ኺእዝዞም ኢለ እየ ፈሊጠዮ።”
24 ለካቲት–1 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 20-21
“የሆዋ ወትሩ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ”
(ዘፍጥረት 21:1-3) የሆዋ ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ ቘላሕታ ገበረላ፣ የሆዋ ኸኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ። 2 ሳራ ድማ ጠነሰት፡ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ግዜ ኸኣ፡ ንኣብርሃም ኣብ እርጋኑ ወዲ ወለደትሉ። 3 ኣብርሃም ድማ ነቲ ሳራ ዝወለደትሉ ወዱ፡ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ።
ኣምላኽ “ልዕልቲ” ኢሉ ጸውዓ
ሳራ ምስሓቓ፡ እምነት ከም ዘይነበራ ዜርኢ ድዩ፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ” ይብል። (እብራውያን 11:11) ሳራ ንየሆዋ ትፈልጦ ነይራ እያ፣ ንዝዀነ ይኹን ዝሃቦ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል እውን ትፈልጥ ነይራ እያ። መን ካባና እዩ እሞ ኸምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ክትህልዎ ዘይደሊ፧ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ሳራ ድልድልቲ እምነት ከተጥሪ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነበራ ኽንርኢ ኢና። የሆዋ ብሓቂ እሙን እዩ፣ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ድማ ይፍጽሞ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንተስፋታቱ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ስለ ዚፍጽሞ፡ ኣዚና ኻብ ምድናቕና እተላዕለ ኽንስሕቕ ንኽእል ኢና።
“ቃላ ስማዕ”
ሳራ ኣብ 90 ዓመት ዕድሚኣ፡ ነቲ ጐርዞ ኻብ እትኸውን ኣትሒዛ ሃረር ዝበለቶ ህሞት ከተስተማቕሮ በቕዐት። ነቲ 100 ዓመት ዝገበረ ፍቑር ሰብኣያ ወዲ ወለደትሉ። ኣብርሃም ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ነቲ ሕጻን፡ “ሰሓቕ” ዝትርጕሙ ይስሃቅ ዚብል ስም ኣውጽኣሉ። ሳራ፡ “ኣምላኽ ኣስሒቑኒ፣ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ምሳይ ኪስሕቕ እዩ” ኽትብል ከላ ኣብ ገጻ ዚንበብ ዝነበረ ፍሽኽታ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 21:6) እዚ ኻብ የሆዋ እተቐበለቶ ተኣምራዊ ውህበት፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወታ ኸም ዘሐጐሳ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ግናኸ፡ ዓብዪ ሓላፍነት እውን ኣሰኪምዋ እዩ።
ይስሃቅ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ነቲ ጡብ ዝሓደገሉ ኣጋጣሚ ንምኽባር፡ እቶም ቤተ ሰብ ድግስ ገይሮም ነበሩ። ኵሉ ነገር ግና ኣይኰነን ባህ ዜብል ነይሩ። ሳራ ሕማቕ ባህርይ ‘ረኣየት።’ እቲ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ወዲ ኣጋር፡ ነቲ ቘልዓ ዝነበረ ይስሃቅ የላግጸሉ ነበረ። እዚ፡ ንጸወታ ዚግበር ላግጺ ኣይነበረን። ድሕሪ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ እቲ እስማኤል ዝገበሮ ነገር፡ መስጐጕቲ ኸም ዝነበረ ገሊጹ እዩ። ሳራ እዚ ድንደና እዚ ንድሕንነት ወዳ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኸም ዝዀነ ተገንዘበት። ሳራ፡ ይስሃቅ ወዳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ስለዚ፡ ንኣብርሃም ብትብዓትን ብግልጽን፡ ንኣጋርን ንእስማኤልን ኪሰጕጎም ነገረቶ።—ዘፍጥረት 21:8-10፣ ገላትያ 4:22, 23, 29።
ኣብርሃም እንታይ ተሰሚዕዎ፧ “ኣብርሃም ግና፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝበለቶ ነገር ብዙሕ ኣጕሃዮ” ዚብል ነንብብ። ንእስማኤል ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኽንየው እቲ ኸም ኣቦ መጠን እተሰምዖ ስምዒት ክርኢ ኣይከኣለን። የሆዋ ግና ነቲ ጕዳይ ብንጹር እዩ ርእይዎ፣ ጣልቃ ኸኣ ኣተወ። ከምዚ ዚብል ድማ ነንብብ፦ “ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ‘በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡ ቃላ ስማዕ።’” የሆዋ ንኣብርሃም፡ ኣጋርን እቲ ወድን ዜድልዮም ከም ዚማልኣሎም ኣረጋገጸሉ። እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ከኣ ተኣዘዘ።—ዘፍጥረት 21:11-14።
(ዘፍጥረት 21:5-7) ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 6 ሳራ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ኣስሒቑኒ፣ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ምሳይ ኪስሕቕ እዩ” በለት። 7 ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “‘ሳራ ብርግጽ ቈልዓ ኸተጥቡ እያ’ ኢሉ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፧ እንሆ ግና፡ ኣብ እርጋኑ ወዲ ወሊደሉ ኣለኹ” በለት።
(ዘፍጥረት 21:10-12) ስለዚ፡ ንኣብርሃም፡ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ይስሃቅ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ስጐጎም” በለቶ። 11 ኣብርሃም ግና፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝበለቶ ነገር ብዙሕ ኣጕሃዮ። 12 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡ ቃላ ስማዕ።
(ዘፍጥረት 21:14) ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ ኸኣ ንኣጋር ሃባ። ኣብ መንኵባ ኣሰኪሙ ድማ፡ ምስቲ ወዲ ብሓባር ገይሩ ሰደዳ። ንሳ ኸኣ ከይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰለል ትብል ነበረት።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 20:12) ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፣ ሰበይተይ ከኣ ኰነት።
wp17.3 12, እ.ጽ.
“መልክዐኛ ሰበይቲ”
ሳራ ንኣብርሃም ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ እያ ነይራ። ታራ ንኽልቲኦም ኣቦኦም እዩ ነይሩ፣ ኣዴታቶም ግና እተፈላለያ እየን ነይረን። (ዘፍጥረት 20:12) ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ዘይግቡእ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እተፈልየ ዅነታት ከም ዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ሰባት ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም እሞ ጸኒሖም ዘጥፍእዎ ፍጽምና ዝቐረቡ እዮም ነይሮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር መውስቦ ኣብ ውሉዳቶም ጂናዊ ጸገማት የስዕበሎም ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። ድሕሪ ኣስታት 400 ዓመት ግና ዕምሪ ደቂ ሰብ ምስ ናትና ዚመሳሰል ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕጊ ሙሴ ንዅሉ እቲ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ከልከለ።—ዘሌዋውያን 18:6።
(ዘፍጥረት 21:33) ድሕርዚ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ኦም ዕቦል ተኸለ፣ ኣብኡ ኸኣ ስም የሆዋ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ጸውዐ።
w89 1/7 20 ¶9
ኣብርሃም ንዅሎም እቶም ዕርክነት ምስ ኣምላኽ ዚደልዩ ሰባት ኣርኣያኦም እዩ
9 ኣብራም ከም ብሓድሽ ግብሪ እምነት ኣርእዩ እዩ። እቲ ዛንታ፡ “ኣብኡ ድማ ነቲ እተራእዮ የሆዋ መሰውኢ ሰርሓሉ” ይብል እዩ። (ዘፍጥረት 12:7) እዚ ድማ ንመስዋእቲ እንስሳታት እውን ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ እታ “መሰውኢ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ቦታ መስዋእቲ” ማለት እያ። ጸኒሑ፡ ኣብራም ነዚ ግብሪ እምነት እዚ ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ሃገር እውን ደጊምዎ እዩ። ብዘይካዚ ኸኣ፡ ‘ስም የሆዋ ጸዊዑ እዩ።’ (ዘፍጥረት 12:8፣ 13:18፣ 21:33) እታ “ስም ጸዊዑ” እትብል ሓረግ፡ “ስም ኣዊጁ (ሰቢኹ)” ዚብል ትርጉም ዝሓዘት እያ። ኣብራም ንስም የሆዋ ኣምላኽ ብትብዓት ኪእውጅ ከሎ፡ ቤተ ሰቡን ከነኣናውያንን ሰሚዖምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 14:22-24) ሎሚ እውን ኵሎም እቶም ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኬጥርዩ ዚደልዩ ሰባት፡ ብእምነት ስሙ ኺጽውዑ ይግብኦም። እዚ ኸኣ፡ “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ውዳሰ፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍርና” ምቕራብ የጠቓልል።—እብራውያን 13:15፣ ሮሜ 10:10።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 20:1-18) ኣብርሃም ድማ ሰፈሩ ኻብኡ ናብ ምድሪ ነጌብ ኣግዓዘ፣ ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ድማ ተቐመጠ። ኣብ ጌራር ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ 2 ኣብርሃም ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ መሊሱ፡ “ሓብተይ እያ” በለ። ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ። 3 ኣምላኽ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ ሰበይቲ፡ ብዓልቲ ሰብኣይ ስለ ዝዀነት፡ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ” በሎ። 4 ኣቢሜሌክ ግና ኣይቀረባን ነበረ። ስለዚ፡ “የሆዋ፡ ንንጹህ ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ፧ 5 ንሱ ባዕሉ ደይኰነን፡ ‘ንሳ ሓብተይ እያ’ ዝበለኒ፧ ንሳኸ ባዕላ ደይኰነትን፡ ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ፧ ብቕኑዕ ልበይን ብንጹህ ኢደይን እየ እዚ ዝገበርኩ” በለ። 6 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ “ኣነ እውን እዚ ብቕኑዕ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ እፈልጥ እየ፣ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ድማ ከልከልኩኻ። ስለዚ፡ ክትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን። 7 ሕጂ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ፣ ንሱስ ነብዪ እዩ፡ ኪምህለለልካ ኸኣ እዩ፡ ንስኻ ድማ ብህይወት ትነብር። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ። 8 ኣቢሜሌክ ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ ንዅሉ እዚ ነገር እዚ ነገሮም፡ ንሳቶም እውን ኣዝዮም ፈርሁ። 9 ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ እንታይ በዲለካ እየ፡ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ከተምጽኣልና ዝበልካ፧ ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ጌርካኒ” በሎ። 10 ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፡ “እንታይ ሓሲብካ ኢኻ እዚ ነገር እዚ ዝገበርካ፧” በሎ። 11 ኣብርሃም ከኣ ከምዚ በለ፦ “‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን፡ ብሰሪ ሰበይተይ ድማ ኪቐትሉኒ እዮም’ ኢለ እየ። 12 ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፣ ሰበይተይ ከኣ ኰነት። 13 ስለዚ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ኬውጽኣኒ ኸሎ፡ ‘ንዓይ ብተኣማንነት እተፍቅርኒ በዚ እዩ፦ ኣብ ኵሉ እንኸዶ ዘበለ፡ “ንሱ ሓወይ እዩ” በሊ’ በልክዋ።” 14 ኣቢሜሌክ ከኣ ኣባጊዕን ከብትን ገላዉን ኣግራድን ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ፣ ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ። 15 ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “እንሆ፡ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ቃሕ ኣብ ዝበለካ ተቐመጥ” በለ። 16 ንሳራ ድማ፡ “እንሆ፡ ንሓውኪ 1,000 ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዅሉን ምልክት ንጽህናኺ እዩ፣ ንስኺ እውን ካብ ወቐሳ ናጻ ዄንኪ ኢኺ” በላ። 17 ኣብርሃም ከኣ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተማህለለ፣ ኣምላኽ ድማ ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ንደቂ ኣንስትዮ ባሮቱን ኣሕወዮም፡ ኪወልዱ እውን ጀመሩ። 18 ከመይሲ፡ የሆዋ ብሰሪ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ንዅለን ኣንስቲ ቤት ኣቢሜሌክ ኣምኪንወን ነበረ።