ዘፍጥረት
17 ኣብራም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ ንኣብራም ተራእዮ፣ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ኣበር ዘይብልካ* እውን ኩን። 2 ኣነ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኪዳነይ ከቕውም እየ፣+ ኣዝየ፡ ኣዝየ እውን ከብዝሓካ እየ” በሎ።+
3 ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍአ፣ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 4 “እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፣+ ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።+ 5 ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝገብረካ፡ ኣብርሃም* ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም* ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን እዩ። 6 ኣዝየ፡ ኣዝየ ኸፍርየካ፡ ኣህዛብ ከም እትኸውን እውን ክገብረካ እየ፣ ነገስታት ከኣ ካባኻ ኺወጹ እዮም።+
7 “ኣነ ድማ ንዓኻ፡ ብድሕሬኻ ኸኣ ንዘርእኻ ኣምላኽ ክኸውን፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎ ዘርእኻ ንውሉድ ወለዶ ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክሕሉ እየ።+ 8 እዛ ጓና ዄንካ ዝነበርካላ ምድሪ፡+—ኵላ ምድሪ ከነኣን፡—ንዓኻ፡ ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻ ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።”+
9 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፣ ንስኻ፡ ብድሕሬኻ ድማ ዘርእኻ ንውሉድ ወለዶ ኽትሕልዉ ኢኹም። 10 እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፡ ብድሕሬኻ ድማ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፦ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር።+ 11 ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።+ 12 ኣብ ብዘሎ ወለዶኹም፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ዝዀነ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ቤት እተወልደ ዘበለን ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ብገንዘብ እተዓደገ ዘበለ ጓናን ይገዘር።+ 13 ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለን ብገንዘብካ እተዓደገ ዘበለን ይገዘር፣+ ኣብ ስጋኹም ዚግበር ኪዳነይ ድማ፡ ናይ ሓዋሩ ኪዳን ኪኸውን እዩ። 14 ዘይግዙር ዘበለ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ እንተ ዘይተገዚሩ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።* ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ።”
15 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “ንሰበይትኻ ሳራይ፡*+ ስማ ሳራ* ስለ ዚኸውን፡ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። 16 ክባርኻ፡ ካብኣ እውን ወዲ ኽህበካ እየ፣+ ክባርኻ እየ፡ ኣህዛብ ከኣ ክትከውን እያ፣ ነገስታት ህዝብታት ካብኣ ኺወጹ እዮም” በሎ። 17 ሽዑ፡ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍአ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡+ “ንወዲ 100 ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ጓል 90 ዓመት ዝዀነት ሳራኸ ኽትወልድ ድያ፧” በለ።+
18 ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ “እስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር” በሎ።+ 19 ኣምላኽ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ሰበይትኻ ሳራ ብርግጽ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሃቅ* ኣውጽኣሉ።+ ኪዳነይ ከኣ ምስኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ምስ ዘርኡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ከቕውም እየ።+ 20 ብዛዕባ እስማኤል ድማ ሰሚዐካ ኣለኹ። እንሆ፡ ክባርኾን ከፍርዮን ኣዝየ ኸብዝሖን እየ። 12 ሹም ኪወልድ እዩ፣ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ክገብሮ እየ።+ 21 ግናኸ፡ ኪዳነይ ምስቲ ሳራ ንዓመታ በዚ ምዱብ ግዜ እዚ+ እትወልዶ ይስሃቅ ከቕውም እየ።”+
22 ኣምላኽ ምስኡ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ኣብርሃም ደየበ። 23 ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ኣብ ቤቱ ንእተወልዱ ዅሎምን ብገንዘቡ ንእተዓደጉ ዅሎምን፡ ካብ ቤተ ሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ እተዛረቦ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ።+ 24 ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ 99 ዓመት ኰይኑ ነበረ።+ 25 ወዱ እስማኤል ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ ድማ፡ ወዲ 13 ዓመት ኰይኑ ነበረ።+ 26 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብርሃምን ወዱ እስማኤልን ተገዝሩ። 27 ኵሎም ሰብኡት ቤተ ሰቡ፡ ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዘበሉን ብገንዘቡ ኻብ ጓና እተዓደጉ ዘበሉን እውን ምስኡ ተገዝሩ።