ምዕራፍ 6
እቲ “ሓያል ተዋጋኢ” ዝዀነ የሆዋ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ
1-3. (ሀ) ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ መጻወድያ እዮም ኣእትዮምዎም ዝነበሩ፧ (ለ) የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ብኸመይ እዩ እተዋግአ፧
እስራኤላውያን ኣብ መንጎ እቲ ኣጻድፍ ዝመልኦ ኣኽራንን ዘይስገር ባሕርን ተቐርቂሮም ነበሩ። ሰራዊት ግብጺ፡ ብዘይ ገለ ምሕረት ኬጽንቶም ኢሉ ደድሕሪኦም ይስዕብ ነበረ።a ሙሴ ግና ንህዝቢ ኣምላኽ፡ “የሆዋ ባዕሉ ኺዋግኣልኩም እዩ” ብምባል ኣተባብዖም።—ዘጸኣት 14:14።
2 ሙሴ ኸምኡ እኳ እንተ በለ፡ ናብ የሆዋ እውን ጸልዩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ እዩ የሆዋ “ስለምንታይ ናባይ እትምህለል፧ . . . ንስኻ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ ምቐሎ” ዝበሎ። (ዘጸኣት 14:15, 16) ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ እተፈጸመ ነገራት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። የሆዋ ብኡብኡ ንሓደ ኻብቶም መላእኽቱ ብምእዛዝ፡ ዓንዲ ደበና ብድሕሪ እስራኤላውያን ደው ከም ዚብል ገበረ፣ እዚ ድማ ግብጻውያን ምእንቲ ኸየጥቅዕዎም ከም መንደቕ ኰይኑ ተኸላኺሉሎም ኪኸውን ኣለዎ። (ዘጸኣት 14:19, 20፣ መዝሙር 105:39) ሙሴ ኣእዳዉ ዘርግሐ። እቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ንፋስ እናተደፍአ ኣብ ክልተ ተመቕለ። እቲ ማያት ረጊኡ ኸም መንደቕ ደው በለ፡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ዜሕልፍ ሰፊሕ መገዲ ኸኣ ተኸፍተ።—ዘጸኣት 14:21፣ 15:8።
3 ፈርኦን እዚ ሓይሊ እዚ ምስ ረኣየ፡ ሰራዊቱ ሒዙ ናብ ዓዱ ኺምለስ ነበሮ። ከምኡ ኣብ ክንዲ ዚገብር ግና ብትዕቢት መጥቃዕቲ ፈነወ። (ዘጸኣት 14:23) እቶም ግብጻውያን ተሃንዲዶም ናብቲ ንቑጽ ባሕሪ ጐየዩ፣ ይኹን እምበር መንኰራዅር ሰረገላታቶም ኪመልቝ ምስ ጀመረ፡ እቲ መጥቃዕቶም ናብ ዕግርግር ተቐየረ። እስራኤላውያን ብዘይ ገለ ጸገም ነቲ ባሕሪ ምስ ሰገርዎ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ ብምባል ኣዘዞ፦ “እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ኪምለስሲ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ።” እቲ ኸም መንደቕ ደው ኢሉ ዝነበረ ማይ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ቀበሮም።—ዘጸኣት 14:24-28፣ መዝሙር 136:15።
4. (ሀ) የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንታይ ምዃኑ እዩ ዘረጋገጸ፧ (ለ) ገሊኦምከ ነዚ ንየሆዋ እተዋህበ መግለጺ ብኸመይ እዮም ዚምልከትዎ፧
4 የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ምድሓኑ፡ ኣብቲ ምስ ደቂ ሰብ ዝገበሮ ርክብ ኣገዳሲ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ “ሓያል ተዋጋኢ” ኣምላኽ ምዃኑ ኣርኣየ። (ዘጸኣት 15:3) እንተዀነ ግና፡ ነዚ ንየሆዋ እተዋህበ መግለጺ ብኸመይ ኢኻ እትምልከቶ፧ ውግእ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ስቓይን መከራን ከም ዘምጽኣሎም ዚከሓድ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር እቲ ኣምላኽ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ ናብኡ ኽትቀርብ ዜለዓዕለካ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ኸም እትርሕቕ ዚገብረካ እዩ ማለት ድዩ፧
የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ “ሓያል ተዋጋኢ” ምዃኑ ኣርኣየ
መለኮታዊ ውግእ ምስቲ ብደቂ ሰብ ዚግበር ውግእ ኪነጻጸር ከሎ
5, 6. (ሀ) ኣምላኽ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ተባሂሉ ምጽውዑ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መለኮታዊ ውግእ ካብ ሰብኣዊ ውግእ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧
5 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣስታት 260 ሳዕ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸኣ ክልተ ሳዕ ንኣምላኽ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል መዓርግ ተዋሂብዎ ኣሎ። (1 ሳሙኤል 1:11) የሆዋ ኸም ልዑል ገዛኢ መጠን ንገዚፍ ሰራዊት መላእኽቲ ይእዝዝ እዩ። (እያሱ 5:13-15፣ 1 ነገስት 22:19) እዚ ሰራዊት እዚ፡ ዓብዪ ጥፍኣት ኬውርድ ዚኽእል ሓይሊ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 37:36) ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዚወርድ ጥፍኣት ከተስተንትን ባህ ዜብል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ውግእ ግና ካብቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ዜጋጥም ግጭታት እተፈልየ ምዃኑ ኽንዝክር ይግብኣና። ፖለቲካውያን መራሕትን ናይ ውትህድርና ሰበ ስልጣንን ኲናት ንምክያድ ቅቡል ምኽንያት ከም ዘለዎም ይገልጹ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣዊ ውግእ ካብ ስስዐ እተበገሰ እዩ።
6 የሆዋ ግና ብስምዒት ጥራይ ዚምራሕ ኣምላኽ ኣይኰነን። ዘዳግም 32:4፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ትብለና። ቃል ኣምላኽ ልጓም ዘይብሉ ቍጥዓን ጭካነን ዓመጽን ይዅንን እዩ። (ዘፍጥረት 49:7፣ መዝሙር 11:5) ስለዚ የሆዋ ብዘይ ምኽንያት ፈጺሙ ስጕምቲ ኣይወስድን እዩ። ነቲ ንጥፍኣት ዜውዕሎ ሓይሉ ብጥንቃቐን እቲ ዅነታት ካልእ መፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ደረጃ ምስ በጽሐን ጥራይ እዩ ዚጥቀመሉ። እዚ ድማ ከምቲ ብነብዪ ህዝቅኤል ገይሩ “‘ብሞት እኩይዶ ባህ ይብለኒ እዩ፧’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ካብ መገድታቱ ተመሊሱ ብህይወት ኪነብር ደይኰንኩን ዝመርጽ፧’” ኢሉ ዝገለጾ እዩ።—ህዝቅኤል 18:23።
7, 8. (ሀ) እዮብ ብዛዕባ ስቅያቱ ብጌጋ እንታይ ኢሉ እዩ ዝደምደመ፧ (ለ) ኤሊሁኸ በዚ መዳይ እዚ ንኣተሓሳስባ እዮብ ብኸመይ እዩ ዝኣረሞ፧ (ሐ) ካብ ተመክሮ እዮብ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧
7 የሆዋ ንሓይሉ፡ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስና ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ንሕሰብ። ሰይጣን ንእዮብ ፈተና እንተ ደኣ ወሪድዎ፡ ንጽህናኡ ኣይሕሉን እዩ ዚብል ብድሆ ኣቕረበሉ። እዚ ብድሆ እዚ ድማ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚምልከት እዩ። የሆዋ ኸኣ፡ ሰይጣን ንእዮብ ንጽህናኡ ኺፍትኖ ብምፍቃድ ብድሆኡ መለሰሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ እዮብ ብሕማም ተሳቐየ፡ ሃብቱ ጠፍአ፡ ደቁ ድማ ሞቱ። (እዮብ 1:1–2:8) እዮብ ብዛዕባ እቲ እተላዕለ ብድሆ ስለ ዘይፈልጥ እቲ ዚወርዶ ዝነበረ ስቓይ ካብ ኣምላኽ ዝወረዶ ዘይፍትሓዊ መቕጻዕቲ ገይሩ ይወስዶ ነበረ። ንኣምላኽ ከኣ ስለምንታይ “ዕላማ”ን “ጸላኢ”ን ከም ዝገበሮ ሕቶ ኣቕረበሉ።—እዮብ 7:20፣ 13:24።
8 ኤሊሁ ዚብሃል መንእሰይ ነቲ እዮብ ዝነበሮ ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ “ቅኑዕ ምዃንካ ኽሳዕ ክንደይ ስለ እተኣማመንካ ኢኻ ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ እየ’ እትብል፧” ኢሉ ኣረሞ። (እዮብ 35:2) እወ፡ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ እፈልጥ እየ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ከኣ ፍትሒ ኸም ዘይገበረ ጌርካ ምውሳዱ ጥበባዊ ኣይኰነን። ኤሊሁ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንሱ ብሓይሊ ዓብዪ እዩ፣ ፍትሑን ብዝሒ ጽድቁን ድማ ከቶ ኣይጥሕስን” በለ። (እዮብ 34:10፣ 36:22, 23፣ 37:23) ኣምላኽ ኪዋጋእ ከሎ፡ ከምኡ ዚገብረሉ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ እቲ ኣምላኽ ሰላም ሓድሓደ ግዜ ተዋጋኢ ኰይኑ ዚቐርበሉ ምኽንያታት ንርአ።—1 ቈረንቶስ 14:33።
ኣምላኽ ሰላም ኪዋጋእ ዚግደደሉ ምኽንያት
9. ኣምላኽ ሰላም ስለምንታይ እዩ ዚዋጋእ፧
9 ሙሴ ንኣምላኽ ከም “ሓያል ተዋጋኢ” ገይሩ ድሕሪ ምውዳሱ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽትስ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ . . . [ኣታ] ብቕድስና ዓብዪ ዝዀንካ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧” በለ። (ዘጸኣት 15:11) ነብዪ ኣንባቆም እውን ብተመሳሳሊ፡ “ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን” ኢሉ ጸሓፈ። (ኣንባቆም 1:13) የሆዋ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ቅድስናን ጽድቅን ፍትሕን እውን እዩ። ሓድሓደ ግዜ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያቱ ንሓይሉ ንጥፍኣት ኪጥቀመሉ ይድርኾ። (ኢሳይያስ 59:15-19፣ ሉቃስ 18:7) ስለዚ ኣምላኽ ኪዋጋእ ከሎ ንቕድስናኡ ኣየበላሽዎን እዩ። መሓልፎ እኳ ደኣ ቅዱስ ስለ ዝዀነ እዩ ዚዋጋእ።—ዘጸኣት 39:30።
10. እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተነግረ ጽልኢ ብኸመይ ጥራይ እዩ ኺፍታሕ ዚኽእል፧ እዚኸ ንጻድቃን እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧
10 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ንሕሰብ። (ዘፍጥረት 3:1-6) የሆዋ ንዓመጻኦም ዕሽሽ ኢልዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ነቲ ኸም ናይ ዩኒቨርስ ልዑል ዘለዎ ቦታ መዳኸሞ ነይሩ። ከም ኣምላኽ ጽድቂ መጠን፡ ንሞት ኪፈርዶም ተገዲዱ እዩ። (ሮሜ 6:23) ኣብ መንጎ ኣገልገልቱን ኣብ መንጎ ኣገልግልቲ እቲ “ተመን” እተባህለ ሰይጣንን ጽልኢ ኸም ዚህሉ እቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:15) ኣብ መወዳእታ እዚ ጽልኢ እዚ ንሰይጣን ድያብሎስ ብምጭፍላቕ ጥራይ እዩ ኺድቅስ ዚኽእል። (ሮሜ 16:20) እዚ ፍርዲ እዚ ኸኣ ንምድሪ ኻብ ጽልዋ ሰይጣን ኣልጊሱ ንዓለምለኻዊት ገነት መገዲ ብምኽፋት ንጻድቃን ዓብዪ በረኸት የምጽኣሎም። (ማቴዎስ 19:28) ክሳዕ ሽዑ ግና እቶም ብወገን ሰይጣን ዝዀኑ ንኣካላውን መንፈሳውን ድሕንነት ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ንምውራድ ኪጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኢዱ ኼእቱ ዜድልየሉ ግዜያት ኣሎ።
ኣምላኽ፡ እከይ ንምውጋድ ስጕምቲ ይወስድ
11. ኣምላኽ፡ ማይ ኣይሂ ኼውርድ እተገደደ ስለምንታይ እዩ፧
11 እቲ ብመዓልትታት ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ፡ የሆዋ ኢዱ ዘእተወሉ ሓደ ኣብነት እዩ። ዘፍጥረት 6:11, 12 ከምዚ ትብል፦ “ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልአት። ኣምላኽ ድማ ንምድሪ ረኣያ፡ ተበላሽያ ኸኣ ነበረት፣ ኵሉ ስጋ፡ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣበላሽዩ ነበረ።” ኣምላኽ ንእኩያት ኣብ ምድሪ ስነ ምግባራዊ ንጽህና ዚብሃል ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኣፍቂዱሎም ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ንምድሪ ኻብቶም ዓመጽትን ርኹሳትን ሰባት ምእንቲ ኼጽርያ ኢሉ ማይ ኣይሂ ኼውርድ ተገደደ።
12. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ “ዘርኢ” ኣብርሃም እንታይ ኢሉ እዩ እተነበየ፧ (ለ) ኣሞራውያን ኪጸንቱ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧
12 ኣምላኽ ኣንጻር ከነኣናውያን እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሰደ። የሆዋ፡ ኵሎም ስድራ ቤታት ምድሪ ዚባረኹሉ “ዘርኢ” ኻብ ኣብርሃም ኪወጽእ ምዃኑ ገለጸ። ኣምላኽ ንዘርኢ ኣብርሃም፡ ምስዚ ዕላማ እዚ ተሰማሚዑ፡ ኣሞራውያን ዚብሃሉ ህዝቢ ዚነብሩላ ምድሪ ከነኣን ኪህቦም ምዃኑ እውን ተነበየ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኦም ሓይሊ ተጠቒሙ ኺሰጕጎም እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ነበሮ፧ የሆዋ፡ ‘ስሕተት ኣሞራውያን ክሳዕ ዚመልእ’ ን400 ዓመት ዚኸውን ከም ዚዕገሶም ተዛረበ።b (ዘፍጥረት 12:1-3፣ 13:14, 15፣ 15:13, 16፣ 22:18) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣሞራውያን ኣብ ርኽሰት እናጠሓሉ ኸዱ። ከነኣን ከኣ ኣምልኾ ጣኦት፡ ምፍሳስ ደም፡ ሕሱር ጾታዊ ርኽሰት ዚካየደላ ሃገር ኰነት። (ዘጸኣት 23:24፣ 34:12, 13፣ ዘሁልቍ 33:52) ተቐማጦ እታ ምድሪ ንደቆም ከይተረፈ ብሓዊ የሕልፉ ነበሩ። ሓደ ቕዱስ ኣምላኽ ህዝቡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ እከይ ኪኽበቡስ የፍቅድዶ፧ ኣይፋሉን። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “እታ ምድሪ ረኸሰት፣ ብሰንኪ ስሕተታ ድማ፡ ኣነ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኸምጽኣላ እየ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ንነበርታ ኽትተፍኦም እያ።” (ዘሌዋውያን 18:21-25) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ኣልሚሙ ኣየጽነቶምን። እቶም ከም ረሃብን ጊብዖናውያንን ዝኣመሰሉ ቕኑዕ ዝንባለ ዝነበሮም ከነኣናውያን ድሒኖም እዮም።—እያሱ 6:25፣ 9:3-27።
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ዚገብሮ ውግእ
13, 14. (ሀ) የሆዋ ስሙ ኪቕድስ እተገደደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንስሙ ኻብ ጸርፊ ዘናገፎ ብኸመይ እዩ፧
13 የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ ስሙ እውን ቅዱስ እዩ። (ዘሌዋውያን 22:32) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9) ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት ክብሪ ኣምላኽን ኣገዛዝኣኡን ኣብ ጥርጠራ ወደቐ፡ ስሙ ድማ ረኸሰ። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸለመን ዕልወትን ፈጺሙ ዕሽሽ ኪብሎ ስለ ዘይክእል፡ ንስሙ ኻብ ጸርፊ ኸጽርዮ ተገዲዱ እዩ።—ኢሳይያስ 48:11።
14 እንደገና ብዛዕባ እስራኤላውያን እውን ንሕሰብ። ኣብ ምድሪ ግብጺ ባሮት ክሳዕ ዝነበሩ፡ እቲ ንኣብርሃም ብዘርኡ ዓሌታት ምድሪ ኺባረኹ ምዃኖም ዝኣተወሉ ቓል ከንቱ ዀይኑ ዚተርፍ መሰለ። ይኹን እምበር፡ ሓራ ኣውጺኡ ኸም ህዝቢ መጠን ምስ ኣቘሞም ንስሙ ኻብ ጸርፊ ኣናገፎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነብዪ ዳንኤል ኣብ ጸሎቱ ንኣምላኽ ኪዛረቦ ኸሎ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣታ ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብሓያል ኢድ ዘውጻእካዮን . . . ንዓኻ ስም ዝገበርካን” ዝበለ።—ዳንኤል 9:15።
15. የሆዋ ንኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ዘድሓኖም ስለምንታይ እዩ፧
15 እቲ ዜገርም፡ ዳንኤል ነዚ ጸሎት እዚ ዝጸለየ፡ ኣብቲ ኣይሁድ ንኣምላኾም የሆዋ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ስጕምቲ ኺወስድ ሓገዙ ዚደልዩሉ ዝነበሩ እዋን እዩ። ሽዑ እቶም ዘይእዙዛት ኣይሁድ ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ነበሩ። የሩሳሌም ርእሰ ኸተማኦም ዓንያ ነበረት። ዳንኤል፡ ኣይሁድ ናብ ሃገሮም ምስ ዚምለሱ ንስም የሆዋ ዜዕቢ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ዳንኤል ከምዚ ብምባል ዝጸለየ፦ “ኦ የሆዋ፡ ስማዕ። ኦ የሆዋ፡ ይቕረ በል። ኦ የሆዋ፡ ኣቕልብ እሞ ግበር! ኦ ኣምላኸይ፡ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ይጽዋዕ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ፡ ኣይትደንጒ።”—ዳንኤል 9:18, 19።
ምእንቲ ህዝቡ ዝገበሮ ቓልሲ
16. የሆዋ ንስሙ ኺከላኸል ምድላዩ፡ ዘይግደስን ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብን እዩ ዘየብሎ ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።
16 የሆዋ ንስሙ ኺከላኸል ብምድላዩ ዘይግደስን ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ምስ ቅድስናኡ ተሰማሚዑ ብምምልላሱን ፍትሒ ብምፍቃሩን ንህዝቡ የዕቍቦም እዩ። ዘፍጥረት ምዕራፍ 14 እሞ ንርአ። እታ ምዕራፍ ብዛዕባ እቶም ንሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ምስ ስድራ ቤቱ ዝጨወይዎ ኣርባዕተ ወረርቲ ነገስታት እያ እትገልጽ። ኣብርሃም ብሓገዝ ኣምላኽ ነዞም ብሓይሊ ኣጸቢቖም ካብኡ ዚበልጹ ነገስታት ዜደንቕ ስዕረት ሰዓሮም! እዚ ዓወት እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ “መጽሓፍ ውግእ የሆዋ” እተመዝገበ ጸብጻብ ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ውግእ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ምስ ዕጡቓት ሰራዊት እተገብረ ኻልእ ውግኣት እውን ሒዙ ኣሎ። (ዘሁልቍ 21:14) ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ ብዙሕ ዓወት ተራእዩ እዩ።
17. እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣተዉ የሆዋ ኸም እተዋግኣሎም ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣብነት ሃብ።
17 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ቀቅድሚ ምእታዎም፡ ሙሴ፡ “የሆዋ ኣምላኽኩም ከምቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበረልኩም፡ ቀቅድሜኹም ኪኸይድን ኪዋግኣልኩምን እዩ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። (ዘዳግም 1:30፣ 20:1) የሆዋ ኻብቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳፍንትን እሙናት ነገስታት ይሁዳን ዜመሓድሩሉ ዝነበሩ እዋናት፡ ንእስራኤላውያን ብዙሕ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ብዜደንጹ መገዲ ዓወት ሃቦም።—እያሱ 10:1-14፣ መሳፍንቲ 4:12-17፣ 2 ሳሙኤል 5:17-21።
18. (ሀ) የሆዋ ዘይልወጥ ብምዃኑ ኣመስገንቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ጽልኢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ እንታይ ኬጋጥም እዩ፧
18 የሆዋ ኣይተለወጠን። እቲ ንምድርና ሰላም ዝመልኣ ገነት ኪገብራ ዝዓለሞ ዕላማ እውን ኣይተቐየረን። (ዘፍጥረት 1:27, 28) ገና እውን እከይ ይጸልእ እዩ። ምስናይዚ ድማ ንህዝቡ ኣጸቢቑ ስለ ዜፍቅሮም፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ምእንታኦም ስጕምቲ ኺወስድ ተዳልዩ ኣሎ። (መዝሙር 11:7) እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተገሊጹ ዘሎ ጽልኢ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብሓደ ዓብዪ ለውጢ ዜምጽእ ዜደንጹ ውግእ ኪዛዘም እዩ። ስሙ ንምቕዳስን ንህዝቡ ንምዕቋብን ኢሉ ሓንሳእን ንሓዋሩን “ሓያል ተዋጋኢ” ኣምላኽ ምዃኑ ኼርኢ እዩ።—ዘካርያስ 14:3፣ ራእይ 16:14, 16።
19. (ሀ) እቲ የሆዋ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ ናብኡ ዝያዳ ኸም እንቐርብ ዚገብረና ስለምንታይ ምዃኑ መረዳእታ ሃብ። (ለ) የሆዋ ንኺዋጋእ ፍቓደኛ ምዃኑ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልና ኣለዎ፧
19 ሓደ መረዳእታ ንርአ፦ ሓደ ሕሱም ኣራዊት ንሓንቲ ስድራ ቤት የጥቅዓ ኣሎ ንበል፡ ሽዑ ኣቦ እታ ስድራ ዘሊሉ ነቲ ሕሱም ኣራዊት ይቐትሎ። እቲ ዝገበሮ ነገር ንሰበይቱን ደቁን ካብኡ ኸም ዚርሕቁ ዚገብሮም ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ በቲ ምእንታኦም ኪብል ዘርኣያ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኺሰሓቡ ኢኻ እትጽበዮም። ብተመሳሳሊ እቲ ኣምላኽ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ ኻብኡ ኼርሕቐና ኣይግባእን። እቲ ንዓና ንምዕቋብ ብፍታው ዚገብሮ ውግእ፡ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኼዕብዮ ይግባእ። ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ዘሎና ኣኽብሮት እውን ብዝያዳ ኪውስኽ ኣለዎ። ስለዚ፡ ‘ንኣምላኽ ብፍርሃት ኣምላኽን ብኣኽብሮትን ብቕቡል መገዲ ኸነገልግሎ’ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 12:28።
ናብቲ “ሓያል ተዋጋኢ” ንቕረብ
20. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መለኮታዊ ውግእ ዚገልጽ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድኣና ጸብጻብ ምስ እነንብብ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧
20 ርግጽ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኪዋጋእ ከሎ ዝገበሮ ውሳነታት በብሓደ ተንቲኑ ኣይገልጸልናን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ንጥፍኣት ዜውዕሎ ሓይሉ ብዘይ ፍትሓዊ፡ ብኽፍኣት፡ ወይ ብጭከና ኸም ዘይጥቀመሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከነንብብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ወይ ከኣ ንድሕረ ባይታ እቲ ዅነታት ዚገልጽ ሓበሬታ ኣብ ግምት ምእታውና ንጹር ምርዳእ ክንሕዝ ይሕግዘና። (ምሳሌ 18:13) ብዛዕባ እቲ ውግእ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ዘይረኸብና እውን ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ፍልጠት ምርካብን ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል ባህርያቱ ምምርማርን ጥራይ ኪህሉ ንዚኽእል ዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ኸነልግስ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምዚ ብምግባር ንየሆዋ ኣምላኽና ምሉእ ብምሉእ ከም እንውከሎ ዚገብረና እኹል ምኽንያት ንረክብ።—እዮብ 34:12።
21. የሆዋ ሓድሓደ ግዜ “ሓያል ተዋጋኢ” ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብመሰረቱ ግና እንታይ ዓይነት ባህርይ እዩ ዘለዎ፧
21 የሆዋ ኼድሊ ኸሎ “ሓያል ተዋጋኢ” እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ ውግእ ኣምላኽ እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ሰማያዊ ሰረገላ ኣንጻር ጸላእቱ ኺዋጋእ ከም እተዳለወ ኣምላኽ ኰይኑ ቐሪቡ እኳ እንተሎ ብቐስተ ደበና ተኸቢቡ ኸሎ እዩ ተራእዩ። ቀስተ ደበና ኸኣ ምልክት ሰላም እዩ። (ዘፍጥረት 9:13፣ ህዝቅኤል 1:28፣ ራእይ 4:3) የሆዋ ህዱእን ሰላማውን ምዃኑ ንጹር እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ ንዅሉ ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ሚዛኑ ብምሕላው እዩ ዜንጸባርቖ። ስለዚ እምበኣር፡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ግናኸ ፈቃር ዝዀነ ኣምላኽ ክንቀርብ ክንክእልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!
a ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ፡ ነቶም እብራውያን፡ “600 ሰረገላታትን 50,000 ፈረሰኛታትን 200,000 ዚበጽሕ ገዚፍ ኣጋር ሰራዊትን እዮም ዚስዕብዎም ነይሮም።”—ጂዊሽ ኣንቲኲቲስ II 324 [xv 3]።
b እታ “ኣሞራውያን” እትብል ቃል ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ህዝቢ እተጠቓልል እያ።—ዘዳግም 1:6-8, 19-21, 27፣ እያሱ 24:15, 18።