ዘዳግም
32 “ኦ ሰማያት፡ ጽን በሉ እሞ፡ ክዛረብ፣
ምድሪ ኸኣ ቃላት ኣፈይ ትስማዕ።
ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽና ንገሩ!+
5 ንሳቶም ባዕላቶም እዮም ተበላሽዮም።+
ደቁ ኣይኰኑን፡ እቲ ጕድለት ናታቶም እዩ።+
ቄናንን ጠዋይን ወለዶ እዮም!+
እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻ፡
ዝገበረካን ዘጽንዓካን ንሱ ደይኰነን፧+
7 ነተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክረን፣
ዓመታት ዝሓለፉ ወለዶታት ኣስተብህሉ።
ንኣቦኻ ሕተቶ፡ ንሱ ድማ ኪነግረካ እዩ፣+
ንዓበይትኻ እውን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሕብሩኻ እዮም።
ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን።+
ካብ ከውሒ መዓር መገቦ፡
ካብ ከውሒ ኣዝሒት ድማ ዘይቲ፡
14 ጠስሚ ኸብትን ጸባ ጤለ በጊዕን
ምስ ሕሩይ* በጊዕ፡
ደዓውል ባሳንን ድቤላታትን
ካብ ደም* ፍረ ወይኒ ኸኣ፡ ወይኒ ሰተኻ።
ሰባሕካ፡ ረጐድካ፡ ከረሽካ።+
ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ድማ ሓደጎ፡+
ንኸውሒ ድሕነቱ ኸኣ ነዓቖ።
19 ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘዀረይዎ፡
የሆዋ ምስ ረኣዮ፡ ነዓቖ።+
23 መዓቶም ክውስኽ፡
ፍላጻታተይ ኣብ ልዕሊኦም ክጥቀም እየ።
ኣስናን ኣራዊትን
ሕንዚ ለመምቲ ምድርን ክሰድደሎም እየ።+
26 “ፋሕ ከብሎም፡
መዘከርታኦም ካብ መንጎ ሰብ ኬጥፍእ እየ” ምበልኩ።
29 ኣየ ጥበበኛታት እንተ ዚዀኑ!+ ነዚ መስተንተኑሉ።+
ብዛዕባ መወዳእታኦም ምሓሰቡ።+
ክልተስ ን10,000 የህድምዎም፧+
32 ተኽሊ ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡
ካብ ዛላታት ጎሞራ ድማ እዩ።+
ፍረ ወይኖም ካብ መርዛም ወይኒ፡
ዘለላኦም ከኣ መሪር እዩ።+
33 ወይኖም ሕንዚ ኣትማን፡
ብርቱዕ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።
34 እዝስ ምሳይ ተኸዚኑ፡
ኣብ ማዕከነይ ድማ ተሓቲሙዶ የሎን፧+
37 ሽዑ፡ ኪብል እዩ፦ ‘ኣማልኽቶም ኣበይ ኣለዉ፧+
እቲ እተማዕቈቡሉ ኸውሒ ኣበይ ኣሎ፧
ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም።
መዕቈቢ እውን ይኹኑኹም።
ኣነ እቐትል፡ ህያው ከኣ እገብር።+
40 ኢደይ ናብ ሰማይ አልዕል እሞ፡
“ከምቲ ኣነ ንዘለኣለም ህያው ዝዀንኩ” ኢለ እምሕል፡+
41 ነቲ ማሕማሕ ዚብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፡
ኢደይ እውን ንፍርዲ ምስ ኣዳሎኹ፡+
ንተጻረርተይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፡+
ንዚጸልኡኒ እውን ክፈድዮም እየ።
42 ንፍላጻታተይ ብደም፡
ብደም ቅቱላትን ምሩኻትን ከስክሮ እየ፣
ሰይፈይ ድማ ካብ ኣራእስ መራሕቲ ጸላኢ፡
ስጋ ኺበልዕ እዩ።’
44 ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ ሆሼዓ*+ ወዲ ነዌ መጺኡ፡ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ ኵሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።+ 45 ሙሴ፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ 46 ከምዚ በሎም፦ “ንደቅኹም፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ኸጠንቅቐኩም ዝዛረበኩም ዘለኹ ዅሉ ቓላት ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።+ 47 እዝስ ንዓኻትኩም ህይወትኩም እዩ እምበር፡ ከንቱ ቓል ኣይኰነን፣+ በዚ ቓል እዚ ድማ ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብሩ ኢኹም።”
48 የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 49 “ናብዚ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፣+ ነታ ንእስራኤላውያን ርስቲ ገይረ ዝህቦም ምድሪ ከነኣን ድማ ርኣያ።+ 50 ከምቲ ሓውካ ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ዝሞተን+ ናብ ህዝቡ እተኣከበን፡* ንስኻ እውን ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ክትመውትን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብን ኢኻ፣ 51 ከመይሲ፡ ኣብቲ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዚርከብ ማይ መሪባ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ጠሊምኩምኒ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ኣይቀደስኩምንን።+ 52 ነታ ንህዝቢ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትርእያ ኢኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትኣቱን ኢኻ።”+