ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ንይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ ምርካብ
እቲ ኣብ ጥቓ እታ ዔላ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ደኺሙ ኢዩ ነይሩ። ንሱን መጋይሽቱን ምስተን ዓሰርተ ኣግማሎም ካብ ከባቢ ብዔር ሸባዕ ክሳዕ መሶጶጣምያ ዘሎ መገዲ—ናይ ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተርa ርሕቀት ዘለዎ—ኢዮም ተጓዒዞም። ሕጂ ኣብቲ ዝደልይዎ ቦታ ምስ በጽሑ: እቲ ደኺሙ ዝነበረ ገያሻይ ነቲ ከቢድ ተልእኾኡ ክሓስብ ደው በለ። እዚ ሰብኣይ እዚ እንታዋይ ነበረ: ነዚ ኣድካሚ ጕዕዞ ዝፈጸመኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ሰብኣይ: ንኣብርሃም “ኣረጊት ግዙእ ቤቱ” ነበረ። (ዘፍጥረት 24:2) ምንም እኳ ኣብቲ ጸብጻብ እንተ ዘይተጠቕሰ: እዚ እቲ ሓደ ግዜ ኣብርሃም ከም ‘ኣብ ቤቱ እተወልደ’ ገይሩ ዝጸውዖ እሞ ከም ‘ወራሲ’ ክትክኦ ምዃኑ እተዛረበሉ ኣልኣዛር ኢዩ ዝኸውን። (ዘፍጥረት 15:2, 3) ሓቂ ኢዩ: እዚ ኣብርሃምን ሳራን ውላድ ዘይብሎም ከለዉ ኢዩ። ሕጂ ግን ወዶም ይስሃቅ ወዲ 40 ዓመት ኰይኑ ነበረ: ኣልኣዛር ድማ ድሕሪ ደጊም ቀንዲ ወራሲ ናይ ኣብርሃም እኳ እንተ ዘይኰነ: ጌና ግዙኡ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብርሃም ሓንቲ በዳሂት ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ እተኣዘዘ። እታ ሕቶኸ እንታይ ነበረት፧
በዳሂ ተልእኾ
ኣብ ግዜ ኣብርሃም መርዓ ነታ ስድራቤት ጥራይ ዘይኰነስ ንብዘሎ ዓሌት ወይ ብርእሲ ኣቦታት ንዝቖመ ማሕበረሰብ ዝትንክፍ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ወለዲ ንደቆም ናይ መርዓ ብጻይ ክመርጽሎም ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ሰበይቲ ንምድላይ ኣብ መዋጥር ኣተወ። ከንኣናውያን ዘይኣምላኻዊ መገድታት ስለ ዝነበረን: ንሓንቲ ካባታተን ምምርዓው ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 18:9-12) ምንም እኳ ሓደ ሰብ ካብ ዓሌቱ ክምርዖ ልሙድ እንተ ነበረ: ኣዝማድ ኣብርሃም ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሰሜናዊ መሶጶጣምያ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ብቐሊሉ ንይስሃቅ ናብኡ ከይዱ ከም ዝነብር ክገብሮ ኣይከኣለን: ምኽንያቱ የሆዋ ንኣብርሃም “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህባ እየ” ኢሉ መብጽዓ ኣትይሉ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 24:7) ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ኣብርሃም ንኣልኣዛር “ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ” ዝበሎ።—ዘፍጥረት 24:4
ኣልኣዛር ነቲ ነዊሕ ጕዕዝኡ ምስ ወድኣ: ብዛዕባ ተልእኾኡ ክሓስብ ከሎ ኣብ ጥቓ ዔላ ኣዕሪፉ ነበረ። እተን ኣዋልድ ንለይቲ ዝኸውን ማይ ክወርዳ ሽዑ ናብቲ ዔላ ክመጻ ምዃነን ተገንዘበ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ናብ የሆዋ ለመነ:- “ማይ ክሰቲ: በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል: ንሳ ኸኣ: ስተ: ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ: ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ።”—ዘፍጥረት 24:14
ጌና እናጸለየ ከሎ ኸኣ: ሓንቲ ርብቃ ዝስማ መልከዐኛ መንእሰይ ጓል ቅልቅል በለት። ኣልኣዛር ከኣ “ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። ርብቃ ድማ ኣስተየቶ: ድሕሪኡ ኸኣ “ነግማልካውን ክሳዕ ዚአኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለቶ። እዚ ናይ ልግሲ ህያብ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ሓደ ዝጸምአ ገመል ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ደቒቕ ጥራይ 95 ሊትሮ ማይ ክሰቲ ይኽእል ኢዩ! ርብቃ: ኣግማል ኣልኣዛር ጸሚአን ይንበራ ኣይንበራ እቲ ክትህቦ ዝነበራ ኣገልግሎት ንምፍጻሙ ኣድካሚ ከም ዝኸውን ፈሊጣ ነይራ ክትከውን ኣለዋ። ግናኸ: “ቀልጢፋ . . . ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት: ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን።”—ዘፍጥረት 24:15-20
ኣልኣዛር ንመሪሕነት የሆዋ ብምርዳእ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳርጋ 1,400 ዶላር ዝዋግኡ ቐለቤት ወርቅን ክልተ ኣምባር ወርቅን ንርብቃ ሃባ። ርብቃ ንሳ ንናሆር ሓው ኣብርሃም ጓል ጓሉ ከም ዝዀነት ምስ ነገረቶ: ኣልኣዛር ናብ ኣምላኽ ናይ ምስጋና ጸሎት ኣቕረበ። “እግዚኣብሄር . . . ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ” ድማ በለ። (ዘፍጥረት 24:22-27) ኣልኣዛር ናብ ስድራቤት ርብቃ መጸ። ድሕሪዚ ድማ: ርብቃ ንይስሃቅ ሰበይቱ ኰነት: እኖሓጎ ናይቲ መሲሕ: የሱስ ናይ ምዃን መሰል ድማ ረኸበት።
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
የሆዋ ነቲ ኣልኣዛር ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ክረኽበሉ ኢሉ ኣብ ክንዲ ይስሃቅ ዝገበሮ ጸሎት እተሓወሶ ጻዕሪ ባሪኽዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: መርዓ ይስሃቅ ምስቲ ብኣብርሃም ዘርኢ ንምርካብ ዝነበረ ዕላማ ኣምላኽ እተኣሳሰረ ምንባሩ ዘክር። እዚ ጸብጻብ እምበኣር: ነፍሲ ወከፍ ናይ መርዓ ብጻይ ክረክብ ኢሉ ዝጽሊ ሰብ ብተኣምራት ክዋሃቦ ኢዩ ኢልና ከም እንድምድም ክገብረና የብሉን። ናብ ስርዓታት የሆዋ እንተድኣ ጠቢቕና ግን: ነቶም ኣብ ኵነታት ናብራ—በዓል ሓዳር ወይ ንጽል ኴንካ—ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምጽማም ዘድሊ ጽንዓት ክህበና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 7:8, 9, 28፣ ምስ ፊልጲ 4:11-13 ኣረኣእዮ።
ኣልኣዛር ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ንኽፍጽሞም ብዙሕ ጻዕሪ ክገብር ነበሮ። ንሕናውን ምስ ስርዓታት የሆዋ ምስምማዕ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኰይኑ ከይንረኽቦ ንኽእል ንኸውን። ንኣብነት: ንቲኦክራሲያዊ ንጥፈት ዘየጓናድብ ስራሕ: ንኣምላኽ ዝፈርህ ናይ መርዓ ብጻይ: ዝሃንጹ ኣዕሩኽ: ስነ-ምግባራዊ ዘይኰነ መዘናግዒ ንምርካብ ምናልባት ኣጸጋሚ ይኸውን። (ማቴዎስ 6:33፣ 1 ቈረንቶስ 7:39፣ 15:33፣ ኤፌሶን 4:17-19) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይለማመጥሉ ከናብሮም ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይመባጻዕ:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነቲ ናይ ኣግማል ገምጋም ፍጥነት ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ ጕዕዞ ንምውዳእ ልዕሊ 25 መዓልትታት ወሲዱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።