ንኽፍኣት ዘበለ ንፈንፍኖ
የሆዋ ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ። ብግዜ ጥንቲ “ናይ እስራኤል ቅዱስ” ነበረ: ስለዚ ኸኣ ኢዩ ንእስራኤላውያን ጽፉፋት: ኣበር ዘይብሎም ክዀኑ ዝደለዮም። (መዝሙር 89:18) ነቶም ሕሩያት ህዝቡ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ” በሎም። (ዘሌዋውያን 11:45) እቲ ‘ናብ ከረን እግዚኣብሄር ክድይብ’ ዝደሊ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሰብ “ንጹህ ዝኣእዳዉን: ንጹህ ዝልቡን” ክኸውን ነበሮ። (መዝሙር 24:3, 4) እዚ ናይ ሓጢኣት ተግባራት ካብ ምልጋስ ንላዕሊ ማለት ኢዩ ነይሩ። “ንኽፍኣት ምጽላእ” ማለት ኢዩ ነይሩ።—ምሳሌ 8:13
የሆዋ: ህዝቢ እስራኤል ነቲ ግብሪ እከይ ከለልይዎን ካብኡ ከልግሱን ምእንቲ ክኽእሉ ኢሉ ብፍቕራዊ መገዲ ዝርዝራዊ ሕግታት ሰሪዑሎም ኢዩ። (ሮሜ 7:7, 12) እዞም ሕግታት እዚኣቶም ናይ ስነ-ምግባር ጽኑዕ መምርሒታት ሒዞም ነበሩ። ዝሙት: ናይ ግብረ ሰዶም ተግባራት: ምስ ቀረባ ዘመድ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ: ከምኡውን ምስ እንስሳ ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ ኵሎም ከም ንመንፈሳዊ ነገራት ዘበላሽዉ ዘይቅዱሳት ተግባራት ኢዮም ተገሊጾም። (ዘሌዋውያን 18:23፣ 20:10-17) ከምዚ ዝበለ ሕሱር ተግባራት ብምግባሮም ዝብድሉ: ካብ ህዝቢ እስራኤል ይቝረጹ ነበሩ።
እታ ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ጉባኤ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ምስ ኰነት ድማ ተመሳሳሊ ናይ ስነ-ምግባር መለክዒታት ተሰሪዑላ ነበረ። (ገላትያ 6:16) ክርስትያናት እውን ‘ንኽፍኣት ክፍንፍንዎ’ ነበሮም። (ሮሜ 12:9) እቲ ንእስራኤላውያን ተዋሂቡ ዝነበረ ቃላት የሆዋ ኣባታቶም እውን ዝውዕል ኢዩ ነይሩ:- “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ።” (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ከም ምንዝር: ዝሙት: ናይ ግብረ ሰዶም ተግባራት: ምስ እንስሳ ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ: ከምኡውን ምስ ቀረባ ዘመድ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ተግባራት ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከባላሽዋ ኣይነበሮን። እቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ዝጽመዱ እሞ ምቍራጽ ዝኣብዩ: ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ክውገዱ ነበሮም። (ሮሜ 1:26, 27፣ 2:22፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ እብራውያን 13:4) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን እውን: ኣብተን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ተመሳሳሊ መዐቀኒታት ኢዩ ዝውዕል። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ዮሃንስ 10:16) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ካልኦት ኣባጊዕን ሓደ ጽፉፍን ጥዑይን ህዝቢ የቝሙ: ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ከኣ ስም ኣምላኾም ምጻር ይኽእሉ።—ኢሳይያስ 43:10
ነታ ጉባኤ ብጽፈት ምሓዛ
ብኣንጻሩ ግን: ዓለም ንዅሉ ዓይነት ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ሸለል ኢያ እትብሎ። ሽሕ’ኳ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፍሉያት እንተዀኑ: እዞም ሕጂ ንየሆዋ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት ሓደ ግዜ ኣብ ዓለም ከም ዝነበሩ ክርስዑ የብሎምን። ነቲ ቅዱስ ኣምላኽና ቅድሚ ምፍላጦም: ኣብቲ “ዕያግ ርኽሰት” ብምዕንዳር ነቲ ድሌታትን ባህግታትን ናይ ሓጥእ ስግኦም ንምዕጋብ ዝኽልክሎም ምንም ምኽንያት ዘይርኣዮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 4:4) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዘፈንፍን ተግባራት ናይቶም ውርደተኛታት ኣህዛብ ድሕሪ ምግላጹ “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም” በለ። እንተዀነ ግን: ቀጺሉ “ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” ኢሉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 6:11
ኣየ ከመይ ዝበለ ዘጸናንዕ ዘረባ ኰን ኢዩ! ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቱ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ንክርስቶስ ዝምልከት ክቡር ብስራት ኣብ ልቡ ጽልዋ ምስ ገበረ ይልወጥ ኢዩ። እምነት የርኢ ህይወቱ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ይውፊ። ካብኡ ንነጀው ብስነ-ምግባር ጽሩይ ናብራ ይነብር: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከኣ ጽፉፍ ይኸውን። (እብራውያን 9:14) እቲ ቅድም ዝገበሮ ሓጢኣት ይሕደገሉ: ‘ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ክመጣጠር’ እውን ይኽእል ኢዩ።a—ፊልጲ 3:13, 14፣ ሮሜ 4:7, 8
የሆዋ: ነቲ ቅትለትን ዝሙትን ብምፍጻሙ እተናስሐ ዳዊት: ከምኡውን ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣምልኾ ጣኦት ዝገበረን ብዙሕ ደም ዘፍሰሰን እተናስሐ ምናሴ ይቕረ ኢሉሎም ኢዩ። (2 ሳሙኤል 12:9, 13፣ 2 ዜና መዋእል 33:2-6, 10-13) እንተድኣ ተናሲሕና: ብቕንዕናን ብትሕትናን ከኣ ቀሪብናዮ ንዓናውን ክሓድገልና ድሉው ብምዃኑ: ብሓቂ መመስገንቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ነዞም ክልተ ሰብኡት—እስራኤላውያን እውን ምስኦም—እንተ ሓደገሎም እኳ ጌና ግን ናይ ሓጥእ ተግባራቶም ሳዕቤናት ክወርዶም ነበሮ። (2 ሳሙኤል 12:11, 12፣ ኤርምያስ 15:3-5) ብተመሳሳሊ መገዲ: የሆዋ ንዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ዝሓድገሎም እኳ እንተዀነ: ክእለ ዘይክኣል ናይ ተግባራቶም ሳዕቤን ግን ክህሉ ይኽእል ኢዩ።
ዘይተርፉ ሳዕቤናት
ንኣብነት: ሓደ ዘይስነ-ምግባራዊ ብዕሉግ ናብራ ዝነብር ዝነበረን ሕማም አይድስ ዘሓዞን ሰብ: ሓቂ ይቕበል እሞ ኣብ ህይወቱ ድማ ለውጥታት ብምግባር ኣብ ወፈያን ጥምቀትን ይበጽሕ ይኸውን። ሕጂ ምስ ኣምላኽ ርክብ ዘጥረየ: ንመጻኢ ድማ ዘደንቕ ተስፋ ዘለዎ: ብመንፈስ ጽፉፍ ዝዀነ ክርስትያን ኢዩ፣ ጌና ግን አይድስ ኣለዎ። ጸኒሑ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ሕማም ክመውት ይኽእል: ዘሕዝን ግን እዚ ከምልጠሉ ዘይክእል ሳዕቤን ናይቲ ቅድም ዝነበሮ ጠባይ ኢዩ። ንገለ ክርስትያናት ከኣ ሳዕቤናት ናይቲ ቐደም ዝነበርዎ ብዕሉግ ዘይስነ-ምግባራዊ ናብራ ብኻልእ መገዲ ቀጻሊ ይትንክፎም ይኸውን። ድሕሪ ጥምቀቶም ንነዊሕ ዓመታት: ምናልባትውን ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘሎ ምሉእ ህይወቶም: ነቲ ናብ ናይ ቅድም ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብርኦም ንኽምለሱ ዘስግኦም ዘሎ ድፍኢታት ክቃለስዎ የድልዮም ይኸውን። ብዙሓት ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ኣብቲ ቃልሲ ተዓዊቶም ኢዮም። ግን ዘየቋርጽ ቃልሲ ከካይዱ ኣለዎም።—ገላትያ 5:16, 17
ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንድፍኢታቶም ክሳዕ እተቖጻጸርዎ ኣይሓጥኡን ኢዮም። ሰብኡት እንተድኣ ዀይኖም: ጌና ምስቲ ሓያል ስጋዊ ድርኺታት ኣብ ምቅላስ ከለዉ ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነት ‘ከይደልዩ’ ብጥበብ ክውስኑ ይኽእሉ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጉባኤ ኣብ ሽማግለታት ዘለዋ ትውክልቲ ይፈልጡ ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:1, 2፣ እብራውያን 13:17) ሽማግለታት ኣብ ብዙሕ ናይ ብሕቲ ጕዳያት ምኽሪ ከም ዝሕተቱን ተኣፋፊ ዝዀነ ኵነታት ድማ ክኣልዩ ከም ዘለዎምን ይግንዘቡ ኢዮም። ሓደ ምስ ዘይጽፉፍ ስጋዊ ድሌታት ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝገብር ዘሎ ሰብ: ከምዚ ዝበለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክወስድ ፍቕራዊ: ጥበባዊ: ወይ ምኽንያታዊ ኣይኰነን።—ምሳሌ 14:16፣ ዮሃንስ 15:12, 13፣ ሮሜ 12:1
ቅድሚ ምጥማቑ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ዝነበረ ሰብ ድማ: ካልእ ሳዕቤን ይመጾ ይኸውን። ሓቂ ምስ ፈለጠ ነቲ ናይ ጭካነ ሓጢኣት ናብታ ጉባኤ ሒዝዎ ከይመጽእ ይናሳሕን ይልወጥን ኢዩ። ድሕርዚ ድማ ጽቡቕ ዕቤት ይገብር: ነቲ ሕማቕ ድርኺታቱ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ የሰንፍ: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታ ‘ንምድላይ’ እውን ከይተረፈ ዝንባለ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ጌና ኣብቲ ማሕበረሰብ ከም ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ዝነበረ ሰብ ዘፍልጦ ክርሳዕ ዘይክኣል ሕማቕ ስም ዘለዎ እንተዀነኸ፧ ‘መንቅብ ዘይብሉ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ዘለዎ’ ክኸውንዶ ምኸኣለ፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7, 10፣ ቲቶስ 1:7) ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ: ነቲ ናይ ጉባኤ መሰላት ኣይበቅዕን ኢዩ።
ሓደ ውፉይ ክርስትያን ክሓጥእ ከሎ
የሆዋ ድኹማት ምዃንና: ድሕሪ ጥምቀት እውን ከይተረፈ ኣብ ሓጢኣት ክንወድቕ ከም እንኽእል ይርዳእ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ግዜኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ: እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:1, 2) እወ: የሆዋ ንመስዋእቲ የሱስ መሰረት ብምግባር ኣብ ሓጢኣት ንዝወድቁ ጥሙቓት ክርስትያናት—ብሓቂ እንተድኣ ተናሲሖምን ነቲ ግጉይ ተግባሮም ገዲፎምዎን—ይቕረ ክብለሎም ኢዩ።
ናይዚ ኣብነት ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጉባኤ ተራእዩ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ውልዶ ዝነበረት ጉባኤ ንሓደ ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ እተፈጸመ ምንዝር ዝምልከት ጕዳይ ሰምዐ እሞ: እቲ ከምኡ ዝገበረ ሰብኣይ ክውገድ ከም ዘለዎ መምርሒ ሃበ። ጸኒሑ ግን: እቲ ሓጥእ ተናስሐ: ጳውሎስ ድማ ነታ ጉባኤ ንኽትመልሶ መኸራ። (1 ቈረንቶስ 5:1, 13፣ 2 ቈረንቶስ 2:5-9) በዚ ኸምዚ: እቲ ሰብኣይ በቲ ካብ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ዝርከብ ናይ ምሕዋይ ሓይልን ክቡር ዋጋ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስን ካብ ሓጢኣቱ ጸረየ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ነገራት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ዋላ እኳ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ጥሙቕ ክርስትያን ተናሲሑ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ምሕረት ዝረክብ እንተዀነ: ጌና ግን ብምኽንያት ሓጢኣቱ ቀጻሊ ሳዕቤናት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 10:16, 17፣ ገላትያ 6:7
ንኣብነት: ሓንቲ ህይወታ ዝወፈየት ጓል: ምንዝር እንተድኣ ፈጺማ: ተግባራ መሪር ብዝዀነ መገዲ ከጣዕሳ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብሓገዝ ጉባኤ ናብ መንፈሳዊ ጥዕናኣ እንደገና ክትምለስ ትኽእል ትኸውን። ግን ብምኽንያት ዘይስነ-ምግባራውነታ እንተ ጠነሰትከ፧ በቲ ዝገበረቶ ምሉእ ህይወታ ከተምልጠሉ ብዘይትኽእል መገዲ ተለዊጡ ኢዩ። ሓደ ዝሙት ዝፍጽም ሰብኣይ ድማ ይናሳሕ እሞ ኣይውገድን ይኸውን። እታ ንጽህቲ በዓልቲ ቤቱ ግን ንኽትፈትሖ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣለዋ: ከምኡ ንምግባር ድማ ትመርጽ ትኸውን። (ማቴዎስ 19:9) ከምኡ እንተድኣ ገይራ: እቲ ሰብኣይ ሽሕ’ኳ የሆዋ በደሉ ሓዲግሉ እንተዀነ ዝቕጽል ህይወቱ ግን በዚ ዘሕዝን ናይ ሓጢኣቱ ሳዕቤን ከሕልፎ ኢዩ።—1 ዮሃንስ 1:9
ካልእ ሰበይቲ ምእንቲ ክምርዖ ኢሉ ብዘይፍቕራዊ መገዲ ሰበይቱ ዝፈትሕ ሰብኣይከ፧ ምናልባት ይናሳሕን ናብታ ጉባኤ ድማ ይምለስ ይኸውን። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ድማ ምዕባለ ይገብርን ‘ኣብ ብስለት ይበጽሕን’ ይኸውን። (እብራውያን 6:1 NW) ግን እታ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ብዘይ በዓል ቤት ክሳዕ ዘላ: ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክሕዝ ብቑዕ ኣይኰነን። “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ኣይኰነን: ምኽንያቱ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ንኽፈትሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣይነበሮን።—1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12
እዚ ነገራት እዚ: ሓደ ክርስትያን ስለምንታይ ንኽፍኣት ዘበለ ምፍንፋን ክዅስኵስ ከም ዝግባእ ዘርኢ ቅቡል ምኽንያታትዶ ኣይኰነን፧
ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽከ፧
ሓደ ጥሙቕ በጽሒ ክርስትያን ብጾታዊ ርክብ ንቘልዓ እንተድኣ ዓሚጹኸ፧ እቲ ሓጥእ ኣዝዩ እኩይ ብምዃኑስ የሆዋ ፈጺሙ ይቕረ ኣይብለሉን ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ‘ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ’ ሕድገት ዘየውህብ ምዃኑ ኢዩ ተዛሪቡ። ጳውሎስ እውን ሓቂ ፈሊጡ ከብቅዕ ብፍታው ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ንሓጢኣት ዝኸውን መስዋእቲ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ ኢዩ። (ሉቃስ 12:10፣ እብራውያን 10:26, 27) ሓደ ንቘልዓ—ቀረባ ዘመድ ወይ ካልእ—ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ በጽሒ ክርስትያን ክሕደገሉ ኣይክኣልን ኢዩ ዝብል ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን። ርግጽ ኢዩ: ብቕንዕና ካብ ልቢ እንተድኣ ተናሲሑን ካብቲ ተግባራቱ ተመሊሱን ካብ ሓጢኣቱ ክሕጸብ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስቲ ዝዀስኰሶ ግጉይ ስጋዊ ድርኺታት ጌና ክቃለስ የድልዮ ይኸውን። (ኤፌሶን 1:7) ከልግሶም ዘይክእል ሳዕቤናት እውን ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም።
ብመሰረት ሕጊ ናይታ ዝነብረላ ሃገር: እቲ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ሰብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ፍርዱ ክውድእ ወይ ካልእ ናይ መንግስቲ መቕጻዕቲ ክቕበል ኣለዎ። እታ ጉባኤ ኸኣ ካብዚ ኣይትከላኸለሉን ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ሰብ ከቢድ ስንፍና ስለ ዘርኣየ ካብኡ ንደሓር ኣብ ግምት ክኣቱ ኢዩ። ነስሓ ዘርኢ እንተ መሲሉ: መንፈሳዊ ምዕባለ ክገብር: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈል: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ክወስድን ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ከም መርኣያ: ናይ ግራት ኣገልግሎት ተመክሮታት ዝኣመሰሉ ክፍልታት ከቕርብን ክተባባዕ ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ናይ ጉባኤ ቦታ ሓላፍነት ከገልግል ይበቅዕ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ነዚ ዝቐርቡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣየኖት ኢዮም፧
ሓደ ካብቲ ምኽንያታት: ሽማግለ “ርእሱ ዝገትእ” ክኸውን ኣለዎ። (ቲቶስ 1:8 NW) ሓቂ ኢዩ: ዋላ ሓደ ካባና ፍጹም ርእስኻ ምግታእ ዘለዎ የለን። (ሮሜ 7:21-25) እቲ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ኣብ ናይ ምዕማጽ ሓጢኣት ዝወድቕ ውፉይ ክርስትያን ግን: ባህርያዊ ዘይኰነ ስጋዊ ድኻም ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ በጽሒ ንኻልኦት ቈልዑት እውን ብጾታዊ ርክብ ክዕምጽ ከም ዝኽእል ካብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ሓቂ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ሰብ ነቲ ሓጢኣት ይደግሞ ኢዩ ማለት ኣይኰነን: ብዙሓት ግን ይደግምዎ ኢዮም። እታ ጉባኤ ድማ መን ኢዩ እንደገና ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ክዕምጽ ዝንባለ ዘለዎ ወይ ዘይብሉ ንምፍላጥ ልቢ ክትምትምር ኣይትኽእልን ኢያ። (ኤርምያስ 17:9) በዚ ኸምዚ: እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ጕዳይ ናይቶም ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዓመጹ ጥሙቓት ኣባጽሕ ብፍሉይ ምግናን ይውዕል ኢዩ:- “ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር: ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር።” (1 ጢሞቴዎስ 5:22) ንድሕንነት ደቅና ብምባል: ሓደ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ይዕምጽ ምንባሩ ዝፍለጥ ሰብ ንናይ ጉባኤ ሓላፍነት ኣይበቅዕን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ፓይነር ክኸውን ወይ ኣብ ካልእ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከገልግል ኣይክእልን ኢዩ።— ምስቲ ኣብ ዘጸኣት 21:28, 29 ዘሎ ስርዓት ኣረኣእዮ።
ገለ ሰባት ከምዚ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ:- ‘ገሊኣቶም ካልእ ዓይነት ሓጢኣት ፈጺሞም እሞ እተናስሑ ዝመስሉ: ዳሕራይ ግን ነቲ ዝገበርዎ ዝደግምዎ የለዉን ድዮም፧’ እወ: እዚ ኣጋጢሙ ኢዩ: ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ረቛሒታት ግን ኣሎ። ንኣብነት: ሓደ ውልቀ-ሰብ ምስ ካልኦት በጽሒ ዘይስነ-ምግባራዊ ምቅርራብ ዝገብር እንተድኣ ኰይኑ: እቲ በጽሒ ነቲ ናቱ ወይ ናታ ምቅርራብ ክቃወሞ ዝኽእል ክኸውን ይግብኦ። ቈልዑ ክታለሉ: ክደናገሩ: ወይ ክርዕዱ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቈልዑ ጥበብ ዘይብሎም ምዃኖም ይዛረብ ኢዩ። (ምሳሌ 22:15፣ 1 ቈረንቶስ 13:11) የሱስ ንቘልዑ ከም ኣብነት ናይ ትሕትና ዘለዎ ግርህነት ተጠቒምሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 18:4፣ ሉቃስ 18:16, 17) ግርህነት ቈልዓ: ፈጺሙ ተመክሮ ዘይምህላው ዘጠቓለለ ኢዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ግልጺ: ንኽሕጐሱ ኸኣ ህንጡያት ኢዮም: ስለ ዝዀነ ኸኣ ብዝፈልጥዎን ዝኣምንዎን ተንኰለኛ በጽሒ ክህሰዩ እተቓልዑ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: እታ ጉባኤ ንደቃ ክትከላኸል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓላፍነት ኣለዋ።
ግቡእ ልምምድ እተዋህቦም ቈልዑ ንወለዶም: ሽማግለታት: ከምኡውን ንኻልኦት በጽሕታት ክእዘዙን ከኽብሩን ይማሃሩ ኢዮም። (ኤፌሶን 6:1, 2፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2፣ እብራውያን 13:7) ሓደ ካብዞም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት: ነቲ ናይ ቈልዓ ግርህነታዊ ትውክልቲ ብጌጋ ተጠቒሙ ኣብ ጾታዊ ተግባራት ምእንቲ ከውድቖ ኢሉ ዝሓባብሎ ወይ ዝሓባብላ: ዝግድዶ ወይ ዝግድዳ እንተድኣ ዀይኑ እዚ ነውራም ብልሽውና ኢዩ። እቶም ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ብጾታዊ ርክብ እተዓመጹ ሰባት: ነቲ ዝስዕብ ናይ ስምዒት ቍስሊ ንኸሰንፉ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመታት ኢዮም ዝቃለሱ። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ሰብ መሪር ናይ ጉባኤ ተግሳጽ ክዋሃቦን ክልክላት ክግበረሉን ኢዩ። እቲ ዘለዎ ናይ ሓላፍነት ደረጃ ዘይኰነስ እቲ ኣበር ዘይብሉ ንጽህና ናይታ ጉባኤ ኢዩ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባእ።—1 ቈረንቶስ 5:6፣ 2 ጴጥሮስ 3:14
ሓደ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ሰብ ብቕንዕና እንተድኣ ተናሲሑ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ዝርከብ ጥበብ ክግንዘቦ ኢዩ። (ምሳሌ 8:13፣ ሮሜ 12:9) ብተወሳኺ: ስለ እቲ ዕቤት ፍቕሩ ንየሆዋ ብሓቂ ከመስግኖ ኢዩ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እቲ ዝናሳሕ ሓጥእ ጌና ነቲ ቕዱስ ኣምላኽና ከምልኽን ካብቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ዘለዎም “ቅኑዓት” ክኸውን ተስፋ ክገብርን ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 2:21
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ ርአ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
የሆዋ ንዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ዝሓድገሎም እኳ እንተዀነ: ክእለ ዘይክኣል ናይ ተግባራቶም ሳዕቤን ግን ክህሉ ይኽእል ኢዩ