መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
2-8 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 22-23
“ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈተኖ”
(ዘፍጥረት 22:1, 2) ድሕርዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈተኖ፣ “ኣብርሃም” ከኣ በሎ፣ ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ። 2 ሽዑ፡ “በጃኻ ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ተጐዓዝ፣ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝብለካ ኣኽራን ዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ” በሎ።
ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧
የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ . . . ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ” በሎ። ነዘን ቃላት እዚኣተን እስከ ንመርምረን። (ዘፍጥረት 22:2) የሆዋ ብዛዕባ ይስሃቅ፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። የሆዋ፡ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣዝዩ ኸም ዚፈትዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ባዕሉ እውን ብዛዕባ ወዱ የሱስ እንታይ ከም ዚስምዖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንወዱ የሱስ፡ ኣዝዩ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ብቐጥታ፡ “ፍትዊ ወደይ” ከምኡውን “ዘፍቅሮ ወደይ” ብምባል ክልተ ግዜ ኻብ ሰማይ ብዛዕባኡ ተዛሪቡ እዩ።—ማርቆስ 1:11፣ 9:7።
የሆዋ ንኣብርሃም፡ ወዱ ንኺስውኣሉ ኺሓትቶ ኸሎ፡ ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ብትእዛዛዊ ዘይኰነስ ብትሕትና ኸም ዝሓተቶ ዜመልክት ኣዘራርባ እዩ ተጠቒሙ። ሓደ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እተጠቕመሉ ኣዘራርባ እንታይ ከም ዚሕብር ኬብርህ ከሎ፡ “ጐይታ፡ እቲ ዝሓተቶ ሕቶ ንምትግባሩ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይግንዘብ ከም ዝነበረ ዚሕብር” ምዃኑ ገለጸ። ኣብርሃም በቲ ንኺፍጽሞ እተሓተቶ ሕቶ ኽሳዕ ክንደይ ሓዚኑ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንግምት ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ነቲ የሆዋ ወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ኪርእዮ ኸሎ እተሰምዖ ስምዒት፡ ክንግምቶ ጥራይ ኢና እንኽእል። የሆዋ ቕድሚኡ ዀነ ብድሕሪኡ ኸምኡ ዝኣመሰለ ስቓይ ፈጺሙ ኣሕሊፉ ኸም ዘይፈልጥ ርዱእ እዩ።
እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ዚስምዓና እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ እሙን ኣበው፡ ንወዱ ኺስውኦ ኸም ዘይፈቐደሉ ኽንዝክር ኣሎና። የሆዋ ንኣብርሃም ብመስዋእቲ ወዱ ኺሳቐ ኣይሓደጎን፣ እወ፡ ንይስሃቅ ካብ ሞት ኣዕቈቦ። ንወዱ የሱስ ግና፡ ‘ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር፡’ ኣየዕቈቦን። (ሮሜ 8:32) የሆዋ ብፍታው ነዚ ኸቢድ ስቓይ እዚ ዘሕለፈ ስለምንታይ እዩ፧ “ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ” እዩ። (1 ዮሃንስ 4:9) እዝስ፡ ኣምላኽ ንዓና ኸም ዜፍቅረና ዚገልጽ ከመይ ዝበለ ሓያል መዘኻኸሪ ዀን እዩ! ንሕናኸ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝገበረልና፡ ፍቕርና ኽንገልጸሉ ኣይንድረኽንዶ፧
(ዘፍጥረት 22:9-12) ናብታ ኣምላኽ ዝበሎ ቦታ ኸኣ በጽሑ፣ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፡ ነቲ ዕንጨይቲ እውን ኣብኡ ጸፍጸፎ። ንወዱ ይስሃቅ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ኸኣ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ። 10 ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኻራ ወሰደ። 11 መልኣኽ የሆዋ ግና ካብ ሰማያት ጸዊዑ፡ “ኣብርሃም፡ ኣብርሃም” በሎ፣ ንሱ እውን፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 12 ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ ውሉድካ እኳ ስለ ዘይከላእካኒ፡ ንኣምላኽ ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፡ ነቲ ወዲ ኣይትጕድኣዮ፡ ገለ እውን ኣይትግበሮ” በለ።
(ዘፍጥረት 22:15-18) መልኣኽ የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማያት ንኣብርሃም ጸውዖ፡ 16 ከምዚ እውን በሎ፦ “‘ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበርካን ነቲ ሓደ ወድኻ ስለ ዘይከላእካንን፡ 17 ብርግጽ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያትን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻን ብርግጽ ከብዝሖ እየ፣ ዘርእኻ ኣፍ ደገ ጸላእቱ ኺርስተ እዩ። 18 ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።’”
ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም
6 የሆዋ ኣምላኽ እውን ንጥቕሚ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ኢሉ፡ “ኣነ ህያው እየ፡ ይብል ልዑላዊ ጐይታ የሆዋ” ብዚብል ቃላት ዝመሓለሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። (ህዝ. 17:16፡ NW) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ልዕሊ 40 ግዜ ዚኸውን ከም ዝመሓለ ይነግረና እዩ። እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣብነት፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ እዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ እተፈለለየ ዓመታት ሓያሎ መብጽዓታት ኪዳን ይኣትወሉ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኣብርሃም እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ ብይስሃቅ ኣቢሉ ኻብ ወለዶኡ ኸም ዚመጽእ ፈለጠ። (ዘፍ. 12:1-3, 7፣ 13:14-17፣ 15:5, 18፣ 21:12) ሽዑ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ኺስውኣሉ ብምእዛዝ ከቢድ ፈተና ኣቕረበሉ። ኣብርሃም ብኡብኡ ተኣዘዘ፡ ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ምስ ተቐረበ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ኸልከሎ። ሽዑ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ብርእሰይ መሐልኩ፡ . . . እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካውን ካብ ዘይትኸልእ፡ ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ መሓለ።—ዘፍ. 22:1-3, 9-12, 15-18።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 22:5) ኣብርሃም ድማ ንገላዉኡ፡ “ምስዚ ኣድጊ፡ ኣብዚ ጽንሑ፣ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኣምሊኽና ናባኻትኩም ክንምለስ ኢና” በሎም።
የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
13 ኣብርሃም ነቶም ዘሰነይዎ ግዙኣቱ ሓዲግዎም ቅድሚ ምኻዱ፡ “ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ” ኢልዎም እዩ። (ዘፍ. 22:5) ኣብርሃም እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ይስሃቅ ከም ዚስዋእ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ከም ዚምለስ ኪነግሮም ከሎስ፡ ይሕስዎም ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። እንታይ ማለቱ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (እብራውያን 11:19 ኣንብብ።) ‘ኣምላኽ ንይስሃቅ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል እዩ ሓሲቡ።’ እወ፡ ኣብርሃም ብትንሳኤ ይኣምን ነይሩ እዩ። ንዕኡን ንሳራን ብግዜ እርጋኖም ከም ዚወልዱ ዝገበሮም የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እብ. 11:11, 12, 18) ንኣምላኽ ዚስኣኖ ነገር ከም ዘየልቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በታ ፈታኒት መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቲ ፍቑር ወዱ ኸም ዚምለሰሉ እምንቶ ነይርዎ እዩ። እምበኣር፡ ኣብርሃም ‘ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም’ እንተ ተባህለ ዚውሕዶ ኣይኰነን።
(ዘፍጥረት 22:12) ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ ውሉድካ እኳ ስለ ዘይከላእካኒ፡ ንኣምላኽ ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፡ ነቲ ወዲ ኣይትጕድኣዮ፡ ገለ እውን ኣይትግበሮ” በለ።
it-1 853 ¶5-6
ኣቐዲምካ ምፍላጥ፡ ኣቐዲምካ ምምዳብ
ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ እናመረጸ ይጥቀመሉ። እቲ ናይ ጽሕፍቶ ኻልእ ኣማራጺ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ እናመረጸ ይጥቀመሉ ዚብል ሓሳብ ማለት እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ ስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ዚሰማማዕን ምስቲ ብቓሉ ኣቢሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝገለጾ ዚሳነን ኪኸውን ይግባእ። ዘይከም ክልሰ ሓሳብ ጽሕፍቶ ድማ፡ ሓያሎ ጥቕስታት ነቲ ኣምላኽ ንህሉው ኵነታት ኸም ዝመርመረን ኣብቲ መርመራኡ ተመርኲሱ ውሳነ ኸም ዝወሰነን ይሕብር እዩ።
ስለዚ፡ ኣብ ዘፍጥረት 11:5-8፡ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ቘላሕታኡ ኸም ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ ባቤል ዝነበረ ዅነታት ከም ዝገምገሞ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ነቲ ሓጥእ ዕዮ ኼፍርስ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ሶዶምን ጎሞራን እከይ ምስ ማዕበለ ኸኣ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ይገብሩ እንተ ኣልዮም ክርኢ ኽወርድ እየ። እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ፡ ክፈልጥ እየ” ብምባል (ብመላእኽቱ ኣቢሉ) ኺምርምር ምዃኑ ነጊርዎ እዩ። (ዘፍ 18:20-22፣ 19:1) ኣብ ካልእ፡ ንኣብርሃም “ፈሊጠዮ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ፣ ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውእ ፍቓደኛ ምዃኑ ምስ ረኣየ እውን፡ “ሓደ ውሉድካ እኳ ስለ ዘይከላእካኒ፡ ንኣምላኽ ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ” ኢሉ እዩ።—ዘፍ 18:19፣ 22:11, 12፣ ምስ ነህ 9:7, 8፣ ገላ 4:9 ኣረኣኢ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
9-15 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 24
“ንይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ”
(ዘፍጥረት 24:2-4) ኣብርሃም ከኣ ነቲ ንዅሉ ዜመሓድር ዝነበረ ኣብ ቤተ ሰቡ ብዕድመ ዝዓበየ ጊልያኡ፡ “በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፣ 3 ንወደይ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ መንጎኦም ዝቕመጥ ዘለኹ ከነኣናውያን ሰበይቲ ኸይተምጽኣሉ ብየሆዋ ኣምላኽ ሰማያትን ኣምላኽ ምድርን አምሕለካ ኣለኹ። 4 ናብ ሃገረይን ናብ ኣዝማደይን ደኣ ኼድካ፡ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ” በሎ።
“ሕራይ እኸይድ”
ኣብርሃም ንኤልዔዘር፡ ንይስሃቅ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኸየምጽኣሉ ኣምሓሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከነኣናውያን ንየሆዋ ኣምላኽ ኣኽብሮት ኰነ ኣምልኾ ኣይህብዎን እዮም ነይሮም። የሆዋ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ስለቲ እከዮም ብግዜኡ ኸም ዚቐጽዖም፡ ኣብርሃም ፈሊጡ ነይሩ እዩ። ነቲ ፍቑር ወዱ ይስሃቅ ድማ ምስቶም ህዝብን ምስቲ እኩይ መገዶምን ኪተኣሳሰር ኣይደለዮን። ብዘይካዚ፡ ወዱ ኣብ ምፍጻም ተስፋታት ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ፈሊጡ ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 15:16፣ 17:19፣ 24:2-4።
(ዘፍጥረት 24:11-15) ኣጋ ምሸት፡ በታ ደቂ ኣንስትዮ ማይ ኪቐድሓ ዚወጻላ ግዜ ኸኣ፡ ነተን ኣግማል ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ ኣብረኸን። 12 ከምዚ ድማ በለ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ መዓልቲ ዀታ ኣስልጠለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ። 13 እንሆ፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፣ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይመጻ ኣለዋ። 14 ይኹን ከኣ፡ ‘ክሰትስ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ‘ስተ፡ ንኣግማልካ እውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ፡ ንሳ ንጊልያኻ ይስሃቅ ዝሓረኻያ ትኹን፣ ንጐይታይ ብተኣማንነት ከም ዘፍቀርካዮ ድማ በዚ ኣፍልጠኒ።” 15 ገና ዘረባኡ ኸይወድአ ኸሎ፡ ርብቃ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ናሆር ሓው ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኵባ ጾይራ መጸት።
“ሕራይ እኸይድ”
ኤልዔዘር ነቶም ከም ጋሻ እተቐበልዎ ስድራ፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ካራን ዘላ ዒላ ምስ በጽሐ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝጸለየ ነገሮም። ንየሆዋ ድማ፡ ንይስሃቅ ሰበይቱ እትኸውን ጓል ኪሓርየሉ እዩ ለሚንዎ። ብኸመይ፧ ኤልዔዘር ንኣምላኽ፡ እታ ሰበይቲ ይስሃቅ ክትከውን ዚደልያ ጓል ናብታ ዒላ ኽትመጽእ እሞ፡ ማይ ከተስትዮ ምስ ሓተታ፡ ንዕኡ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣግማሉ እውን ማይ ንምስታይ ፍቓደኛ ኽትከውን ለመኖ። (ዘፍጥረት 24:12-14) እሞ ደእ መን እያ ብልክዕ ከምኡ ገይራ፧ ርብቃ! ኤልዔዘር ንኣባላት ስድራ ቤታ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኬዘንትወሎም ከሎ ሰሚዓቶ እንተ ዀይና፡ እንታይ ከም እተሰምዓ እሞ ገምቶ!
(ዘፍጥረት 24:58) ንርብቃ ጸዊዖም ድማ፡ “ምስ እዚ ሰብኣይ እዚዶ ትኸዲ፧” በልዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” ኢላ መለሰት።
(ዘፍጥረት 24:67) ድሕሪኡ፡ ይስሃቅ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ። በዚ ኸምዚ፡ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት፡ ኣፍቀራ እውን፣ ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተጸናንዐ።
wp16.3 14 ¶6-7
“ሕራይ፡ እኸይድ”
ቅድሚ ሰሙናት፡ ኤልዔዘር፡ “እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመጽእ እንተ ዘይፈተወትከ፧” ብምባል ነዚ ጕዳይ እዚ ንኣብርሃም ኣልዒሉሉ ነይሩ እዩ። ኣብርሃም ከኣ፡ “እዚ ድማ ካብቲ ዝመሓልካለይ ማሕላ ንጹህ ኪገብረካ እዩ” ኢሉ መሊሱሉ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 24:39, 41) ኣብ እንዳ ቤቱኤል እውን፡ ምርጫ እታ ጓል ቦታ ነይርዎ እዩ። ኤልዔዘር ነቲ ተልእኾኡ ብኣሳልጦ ንምዝዛም ኣመና ተሃንጥዩ ብምንባሩ፡ ንጽብሒቱ ምስ ርብቃ ናብ ከነኣን ኪነቅል ተላዕለ። እቶም ስድራ ቤት ግና እንተ ወሓደ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳታቶም ክትቅኒ ደለዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ “ነታ ጓል ጸዊዕና ንሕተታ” ኢሎም ነቲ ጕዳይ መዕለቢ ገበሩሉ።—ዘፍጥረት 24:57።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ርብቃ ኣብ መስቀላዊ መገዲ እያ ነይራ። እሞ እንታይ ኢላ መሊሳ፧ ናብ ዘይትፈልጦ ዓዲ ኸይትኸይድ ብምልማን ንኣቦኣን ንሓዋን ከም ዚርሕርሑላ ድያ ገይራ፡ ወይስ ኣብቲ ኢድ የሆዋ ኸም ዝነበሮ ንጹር ዝዀነ ፍጻመታት እጃም ኪህልዋ ኸም ክብሪ እያ ቘጺራቶ፧ መልሲ ኽትህብ ከላ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወታ ሃንደበታውን ከቢድን ለውጢ ኸመይ ከም እተሰምዓ ገሊጻ እያ። ብሓጺሩ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” ኢላ እያ መሊሳ።—ዘፍጥረት 24:58.
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 24:19, 20) ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ “ንኣግማልካ እውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለቶ። 20 ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ፡ ማይ ክትቀድሕ መመሊሳ ናብታ ዒላ ጐየየት፣ ንዅለን ኣግማሉ እውን ቀድሓትለን።
“ሕራይ፡ እኸይድ”
ሓደ ምሸት፡ ዕትሮኣ ምስ መልአት፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ጐይዩ ናብኣ ኸይዱ፡ “በጃኺ ኻብ ዕትሮኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። ብትሕትና ንእሽቶ ነገር እዩ ለሚንዋ! ርብቃ፡ እቲ ሰብኣይ ነዊሕ ከም እተጓዕዘ ኽትርኢ ትኽእል ነይራ እያ። ስለዚ፡ ዕትሮኣ ኻብ መንኵባ ናብ ኣውሪዳ ኻብቲ ጥዑምን ዝሑልን ማይ ክሳዕ ዚረዊ ኣስተየቶ። እተን ቃፍላይ ዝዀና ዓሰርተ ኣግማሉ ኣብሪኸን ከም ዘለዋ፡ ኣብቲ ጋብላ እውን ማይ ከም ዘየሎ ኣስተውዓለት። እተን ለውሃት ዚንበበን ኣዒንቱ ኣተኲረን ይጥምታኣ ምንባረን ትርኢ ነይራ እያ፣ ብእተኻእላ መጠን እውን ክትልግሰሉ ሓሳበት። ስለዚ፡ “ንኣግማልካ እውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለቶ።—ዘፍጥረት 24:17-19።
ርብቃ ነተን ዓሰርተ ኣግማል ከተስትየን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ዚኣኽለን ከተስትየን ከም እተዛረበት ነስተብህል። ገመል ኣመና እንተ ጸሚኣ፡ ልዕሊ 95 ሊትሮ ማይ ክትሰቲ ትኽእል እያ! ኵለን እተን ዓሰርተ ኣግማል ኣመና እንተ ጸሚአን፡ ርብቃ ሰዓታት ዚወስድ ከቢድ ዕዮ እያ ኽትዓዪ ነይርዋ። እቲ ዛንታ ኸም ዚእምቶ፡ እተን ኣግማል ብዙሕ ጸሚአን ዝነበራ ኣይመስልን እዩ። ርብቃ ኸተስትየን ፍቓደኛ ምዃና ኽትዛረብን ከላ ግና ነዚ ትፈልጥ ነይራ ድያ፧ ኣይፋልን። ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ዘይትፈልጦ ጋሻ ተቐቢላ ብትግሃት ንምዕያይ ፍቓደኛን ህንጥይትን እያ ነይራ። ንሱ ድማ ነቲ እንግዶታ ተቐበሎ። ናብዝን ናብትን እናተመላለሰት ነቲ ዕትሮኣ ደጋጊማ መሊኣ ናብቲ ጋብላ ኸተዕርቕ ኸላ፡ ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ።—ዘፍጥረት 24:20, 21።
wp16.3 13፡ እ.ጽ.
“ሕራይ፡ እኸይድ”
እቲ እዋን፡ ኣጋ ምሸት ኰይኑ ነይሩ እዩ። ርብቃ ኣብታ ዒላ ንሰዓታት ከም ዝጸንሐት ዚሕብር ነገር ኣብቲ ዛንታ ኣይንረክብን ኢና። ንሳ ኣብ ዝወድኣትሉ እዋን ስድራ ቤታ ኸም ደቂሶም ከም ዝነበሩ ወይ ስለምንታይ ዕዮኣ ንምዕያይ ነዊሕ ግዜ ኸም ዝወሰደላ ኺፈልጥ እተላእከ ሰብ ከም ዝመጸ ዚሕብር ነገር ኣይንረክብን ኢና።
(ዘፍጥረት 24:65) ነቲ ጊልያ ድማ፡ “እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ፡ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧” ኢላ ሓተተቶ፣ እቲ ጊልያ ኸኣ፡ “ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ፡ መጐልበቢ ወሲዳ ተጐልበበት።
“ሕራይ፡ እኸይድ”
ኣብ መወዳእታ፡ እታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ዝገለጽናያ መዓልቲ ኣኸለት። እተን ቃፍላይ ኣግማል ኣብ ነጌብ እናተጓዕዛ ምድሪ ጽልግልግ ኪብል ምስ ጀመረ፡ ርብቃ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መሮር ኪኸይድ ረኣየት። ይሓስብን የስተንትንን ዝነበረ እዩ ዚመስል። ድሕሪኡ፡ “ቀልጢፋ ኸኣ ካብ ገመል ወረደት” ዚብል ነንብብ፣ ምናልባት እውን እታ ገመል ከተብርኽ ኣይተጸበየትን ትኸውን። ነቲ ዚመርሓ ሰብ ድማ፡ “እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ፡ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧” ኢላ ሓተተቶ። ይስሃቅ ምዃኑ ምስ ፈለጠት፡ መጐልበቢ ወሲዳ ተጐልበበት። (ዘፍጥረት 24:62-65) ስለምንታይ፧ እዚ ተግባር እዚ፡ ንናይ መጻኢ ሰብኣያ ምልክት ኣኽብሮት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ሎሚ ገሊኦም ሰባት ነዚ ዓይነት ተገዛእነት እዚ፡ ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ትሕትና ርብቃ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም፣ ከመይሲ፡ መን ካባና እሞ እዩ ነዛ ተፈታዊት ባህርይ እዚኣ ብዝያዳ ኼማዕብል ዘየድልዮ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
16-22 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 25-26
“ኤሳው ብዅርናኡ ሸጠ”
(ዘፍጥረት 25:27, 28) እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ፣ ኤሳው ከኣ ክኢላ ሃዳኒ፡ ናይ መሮር ሰብ ኰነ። ያእቆብ ግና ኣብ ድንኳናት ዚቕመጥ መንቅብ ዘይብሉ ሰብኣይ ነበረ። 28 ይስሃቅ ከኣ ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ሃሃዲኑ የብልዖ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት።
it-1 1242
ያእቆብ
ያእቆብ ከምቲ ብኣቦኡ ሓለፋ ዝፍቶ፡ ብባህርዩ እውን ቀይዲ በተኽን ውዑይን ዘይርጉእን ሃዳናይ ዝነበረ ኤሳው ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ “ኣብ ድንኳናት ዚቕመጥ መንቅብ ዘይብሉ [እብራይስጢ፡ ታም] ሰብኣይ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ናብራ ጕስነት ብህድኣት ዚነብርን ኣብ ቤት ዚዕየ ብተኣማንነት ብምፍጻሙ እውን ብኣዲኡ ሓለፋ ዚፍቶን ምዃኑ ዚሕብር እዩ። (ዘፍ 25:27, 28) እዛ ታም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ነቶም ኣምላኽ ዝሰመሮም ንምምልካት ተዓይዩላ ኣሎ። ንኣብነት፡ “ደም ዝጸምኡ ሰባት መንቅብ ንዘይብሉ ይጸልእዎ” ተባሂሉ ኣሎ፣ የሆዋ ግና “መጻኢ እቲ [መንቅብ ዘይብሉ ሰብ] እትስ ሰላም ኪኸውን እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። (ምሳ 29:10፡ እ.ጽ.፣ መዝ 37:37) ብዛዕባ እቲ ንጽህናኡ ዝሓለወ እዮብ እውን፡ “መንቅብ ዘይብሉን [እብራይስጢ፡ ታም] ቅኑዕን ሰብኣይ ነበረ” ተባሂሉ ኣሎ።—እዮ 1:1, 8፡ እ.ጽ.፣ 2:3፡ እ.ጽ.።
(ዘፍጥረት 25:29, 30) ሓደ ግዜ፡ ያእቆብ ጸብሒ ኺሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ተመልሰ። 30 ሽዑ፡ ኤሳው ንያእቆብ፡ “ደኺመ እየ እሞ፡ በጃኻ ቐልጥፍ፡ ካብቲ ቐይሕ ጸብሒ ሒደት ሃበኒ” በሎ። ስለዚ፡ ስሙ ኤዶም ተባህለ።
(ዘፍጥረት 25:31-34) ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ። 32 ኤሳው ድማ፡ “እንሆ፡ ክመውት ኢለ ኣለኹ። ብዅርናኸ እንታይ ኪዓብሰለይ እዩ፧” በለ። 33 ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ምሓለለይ” በሎ። ንሱ ድማ መሓለሉ፡ ብዅርናኡ እውን ንያእቆብ ሸጠሉ። 34 ሽዑ፡ ያእቆብ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ሃቦ፣ ንሱ ድማ በልዐን ሰተየን። ተንሲኡ ኸኣ ከደ። በዚ ኸምዚ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ነዓቓ።
ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት መማሰውቲ ኣይነበሩን። ንኣብነት፡ ኤሳው ንየሆዋ ብዜፍቅሩን ብዜኽብሩን ወለዲ እኳ እንተ ዓበየ፡ ንቕዱስ ነገራት ግና ይንዕቕ ወይ ኣየማሱን እዩ ነይሩ። (እብራውያን 12:16 ኣንብብ።) ዘይመማሰዊ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧ ኤሳው ነቲ ምንኣሱ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ፡ ብታህዋኽ ብዅርናኡ ሸይጡሉ እዩ፡—እሞ ኸኣ ብጸብሒ ብርስን! (ዘፍ. 25:30-34) ኤሳው ጸኒሑ በቲ ውሳነኡ ብዙሕ ተጣዒሱ እዩ። ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘየማሱ ስለ ዝነበረ ግና፡ ምርቓ ብዅርና ምስ ሰኣነ ዜማርረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣይነበሮን።
it-1 835
በዅሪ
ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ በዅሪ ወዲ ኣብ ስድራ ቤት ክቡር ቦታ ነይርዎ እዩ፣ ርእስነት ቤተ ሰቡ እውን ንሱ እዩ ዚወርስ ነይሩ። ካብ ጥሪት ኣቦኡ፡ ዕጽፊ እዩ ዚወርስ ነይሩ። (ዘዳ 21:17) ዮሴፍ ንሮቤል፡ ኣብ መኣዲ ኸም ብዅርናኡ ኣቐሚጥዎ እዩ። (ዘፍ 43:33) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ኣይኰነን ንውሉዳት ብመስርዕ ልደቶም ዚዝርዝር፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ንበዅሪ ፍሉይ ክብሪ ዚህብ። እቲ ቐዳማይ ቦታ፡ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኻብቶም ውሉዳት በዅሪ ዘይኰነስ፡ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ምርኡይ ወይ እሙን ይህቦ ነይሩ እዩ።—ዘፍ 6:10፣ 1ዜና 1:28፣ ምስ ዘፍ 11:26, 32፣ 12:4 ኣረኣኢ፣ ኣብ “ብዅርና፣ ርስቲ” ርአ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 25:31-34) ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ። 32 ኤሳው ድማ፡ “እንሆ፡ ክመውት ኢለ ኣለኹ። ብዅርናኸ እንታይ ኪዓብሰለይ እዩ፧” በለ። 33 ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ምሓለለይ” በሎ። ንሱ ድማ መሓለሉ፡ ብዅርናኡ እውን ንያእቆብ ሸጠሉ። 34 ሽዑ፡ ያእቆብ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ሃቦ፣ ንሱ ድማ በልዐን ሰተየን። ተንሲኡ ኸኣ ከደ። በዚ ኸምዚ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ነዓቓ።
(እብራውያን 12:16) ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕጂ ናብ እብራውያን 12:16 እስከ ንመለስ፣ “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ” ትብል። እዚ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ወለዶ እቲ መሲሕ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ንክርስትያናት ‘ንኣእጋሮም ትኽ ዝበለ መገዲ ኺገብሩ’ ተማሕጺንዎም እዩ። በዚ ኸኣ ‘ጸጋ ኣምላኽ ኣይስእኑን፣’ ምንዝርና እንተ ፈጺሞም ግና ኪስእንዎ ይኽእሉ ነበሩ። (እብ. 12:12-16) ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ከም ኤሳው እዮም ዚዀኑ። ከመይሲ፡ ‘ንቕዱስ ነገራት ንዒቑን’ ብስጋዊ ነገራት ተሰኒፉን እዩ።
ኤሳው ብዘመነ ኣበው ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ሓሓሊፉ መስዋእቲ ናይ ምቕራብ መሰል ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 8:20, 21፣ 12:7, 8፣ እዮ. 1:4, 5) ስጋዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ግና ንዅሉ እቲ ብብዅርናኡ ረኺብዎ ዝነበረ መሰላት ብሒደት ጸብሒ ሸጦ። ካብቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኣብ ዘርኢ ኣብርሃም ዚወርድ መከራ ኼምልጥ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 15:13) ኤሳው ነተን ንወለዱ ዘጕሃያ ኽልተ ኣረማውያን ኣንስቲ ብምምርዓዉ፡ ንቕዱስ ነገራት ከም ዚንዕቕን ስጋዊ ዝንባለ ኸም ዝነበሮን ኣርኣየ። (ዘፍ. 26:34, 35) ምስ ሓዉ ያእቆብሲ ኸመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን እዩ ነይርዎም። ምኽንያቱ፡ ያእቆብ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተምልኽ ሰበይቲ ኺምርዖ ወሲኑ ነበረ።—ዘፍ. 28:6, 7፣ 29:10-12, 18።
(ዘፍጥረት 26:7) ሰብ እታ ቦታ ብዛዕባ ሰበይቱ ኺሓትትዎ ኸለዉ ድማ፡ “ሓብተይ እያ” ይብል ነበረ። ትርኢታ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡ “ሰብ እዛ ቦታ እዚኣ ብሰሪ ርብቃ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሀ።
it-2 245 ¶6
ሓሶት
ብኽፍኣት ዚሕሶ ሓሶት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተዀኒኑ እኳ እንተሎ፡ እዚ ግና ሓደ ሰብ ንዘይምልከቶም ሰባት ኵሉ እቲ ሓቂ ኺነግሮም ከም ዘለዎ ኣየመልክትን እዩ። የሱስ ክርስቶስ፡ “ቅዱስ ዘበለ ንኣኽላባት ኣይትሃቡ። ብኣእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም፡ ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ” ኢሉ መኺሩና እዩ። (ማቴ 7:6) ስለዚ ድማ፡ የሱስ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዘየድሊ ጕድኣት ዜምጽእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ምሉእ ሓበሬታ ኻብ ምሃብ ወይ ንገሊኡ ሕቶታት ቀጥታዊ መልሲ ኻብ ምሃብ ተቘጢቡ እዩ። (ማቴ 15:1-6፣ 21:23-27፣ ዮሃ 7:3-10) እቲ ኣብርሃምን ይስሃቅን ረሃብን ኤልሳእን ንየሆዋ ንዘየምልኹ ሰባት ብምግጋይ ወይ ምሉእ ሓበሬታ ብዘይምሃብ እተዛረብዎ ዘረባ፡ ብተመሳሳሊ ዓይኒ ኺርአ ኣለዎ።—ዘፍ 12:10-19፣ ምዕ 20፣ 26:1-10፣ እያ 2:1-6፣ ያእ 2:25፣ 2ነገ 6:11-23።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
23-29 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 27-28
“ያእቆብ ምርቓ ረኸበ”
(ዘፍጥረት 27:6-10) ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ፡ “ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ከምዚ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዐ፦ 7 ‘ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ኣነ ድማ ቅድሚ ሞተይ፡ በሊዐ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽምርቐካ እየ።’ 8 ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ከምቲ ዝእዝዘካ ድማ ግበር። 9 በጃኻ ናብተን መጓሰ ኼድካ፡ ካብአን ክልተ ብሉጻት መሓስእ ኣምጽኣለይ፣ ኣነ ኸኣ ንዓታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ እየ። 10 ሽዑ፡ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ናብ ኣቦኻ ትወስዶ” በለቶ።
ርብቃ—ንኣምላኽ እትፈርህ ትግህትን ቈራጽን ሰበይቲ
ኤሳው ንያእቆብ ኬገልግል ከም ዘለዎ ይስሃቅ ይፈልጥ ምንባሩ ወይ ዘይምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ርብቃን ያእቆብን እቲ ምርቓ ንዕኡ ከም ዚግባእ ይፈልጡ ነበሩ። ይስሃቅ ብልዒ በሊዑ ንኤሳው ኪምርቖ ኸም ዝሓሰበ ርብቃ ምስ ፈለጠት፡ ተቓላጢፋ ስጕምቲ ወሰደት። እቲ ብንእስነታ ዝነበራ ቘራጽነትን ሓቦን ኣይሃሰሰን። ንያእቆብ ክልተ መሓስእ ኬምጽእ ‘ኣዘዘቶ።’ ነቲ ሰብኣያ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽትሰርሓሉ መደበት። ድሕሪኡ ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ ምርቓ ኪቕበል ነበሮ። ያእቆብ ኣቦኡ ጠባሪ ምዃኑ ምስ ፈለጦ ምእንቲ ኸይረግሞ ስለ ዝፈርሀ፡ ነቲ ሓሳብ ተቓወሞ። ርብቃ ግን “ወደይ፡ መርገምካስ ኣባይ ይብጻሕ” ብምባል ግዲ በለቶ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ብልዒ ኣዳለወት፡ ያእቆብ ንኤሳው ከም ዚመስል ገበረት፡ ናብ ሰብኣያ ድማ ሰደደቶ።—ዘፍጥረት 27:1-17።
ርብቃ ስለምንታይ ከምዚ ኸም ዝገበረት ኣይተገልጸን። ብዙሓት ሰባት ንተግባራታ ይዅንንዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይኵንናን እዩ፡ ይስሃቅ እውን እንተዀነ ያእቆብ ነቲ ምርቓ ኸም ዝወሰዶ ምስ ፈለጠ ኣይኰነናን። መሊሱ እኳ ደኣስ ነቲ ምርቓኡ ወሰኸሉ። (ዘፍጥረት 27:29፣ 28:3, 4) ርብቃ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቃ እተዛረቦ ትፈልጥ ነበረት። ስለዚ፡ ያእቆብ እቲ ዚግብኦ ምርቓ ኸም ዚረክብ ገበረት። እዚ ምስ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዚሰማማዕ ንጹር እዩ።—ሮሜ 9:6-13።
(ዘፍጥረት 27:18, 19) ንሱ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ፡ “ኣቦየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ። ወደይ ንስኻ መን ኢኻ፧” በለ። 19 ያእቆብ ከኣ ንኣቦኡ፡ “ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ። በጃኻ ቕንዕ ኢልካ ኾፍ በል እሞ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ካብዚ ሃዲነ ዘምጻእክዎ ብላዕ” በሎ።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ርብቃን ያእቆብን ዝገበርዎ ነገር ብሃንደበት ከም ዝዀነ እኳ እንተ ሓበረና፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ ግን ብንጹር ኣይነግረናን እዩ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ነቲ ርብቃን ያእቆብን ዝገበርዎ ነገር ከም ዘይድግፎ ወይ ከም ዘይኵንኖ፡ ንሓሶትን ምትላልን ድማ ኣብነት ከም ዘይከውን ከነስተብህለሉ ይግባእ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዅነት መብርሂ ይህብ እዩ።
ቀዳማይ፡ ያእቆብ ምርቓ ኣቦኡ ንምቕባል ብቝዕ ምዃኑ፡ ኤሳው ግን ብቝዕ ዘይምዃኑ፡ እቲ ዛንታ ንጹር ይገብሮ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ያእቆብ ብሕጋዊ መገዲ ኻብቲ ዘየማሱ ፍላይ ማንታ ሓዉ ንብዅርናኡ ዓዲግዋ ነበረ። ኤሳው “ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ።” (ዘፍጥረት 25:29-34) ያእቆብ ኪምረቕ ኢሉ ናብ ኣቦኡ ምቕራቡ እምበኣር፡ ዚግብኦ እዩ ነይሩ።
(ዘፍጥረት 27:27-29) ቀሪቡ ድማ ሰዓሞ፣ ንሱ ድማ ጨና ኽዳውንቱ ኣጫነወ። ሽዑ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦ “እንሆ፡ ጨና ወደይ ከም ጨና እቲ የሆዋ ዝባረኾ መሮር እዩ። 28 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ኣውሊ ሰማያትን ፍርያም ሓመድ ምድርን ኣኺሉ ዚተርፍ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ይሃብካ። 29 ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ኣህዛብ ድማ ይስገዱልካ። ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ እውን ይስገዱልካ። ዚረግመካ ርጉም፡ ዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።”
it-1 341 ¶6
ምርቓ
ብኣበው ኣብ ዚምርሑ ሕብረተ ሰብ፡ ኣቦ ንወዱ ይምርቕ ነይሩ እዩ። እዚ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎን ኣኽቢርካ ዚርአን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ፡ እቲ በዅሩ ኤሳው መሲልዎ መረቖ። ይስሃቅ ንያእቆብ ካብ ሓዉ ኤሳው ኣብሊጹ ሞገስን ብልጽግናን ሃቦ፡ ይስሃቅ ዓዊሩን ኣሪጉን ብምንባሩ ድማ የሆዋ ነቲ ምርቓኡ ኺፍጸመሉ ለሚኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ 27:1-4, 23-29፣ 28:1, 6፣ እብ 11:20፣ 12:16, 17) ጸኒሑ ይስሃቅ ነቲ ምርቓ ብፍላጥ ደጊምዎን ኣስፍሒዎን እዩ። (ዘፍ 28:1-4) ያእቆብ ቅድሚ ሙማቱ ድማ፡ ፈለማ ንኽልቲኦም ደቂ ዮሴፍ፡ ጸኒሑ እውን ንደቁ መሪቕዎም እዩ። (ዘፍ 48:9, 20፣ 49:1-28፣ እብ 11:21) ሙሴ ቕድሚ ሙማት ኸኣ፡ ንብዘለዉ ህዝቢ እስራኤል መሪቕዎም እዩ። (ዘዳ 33:1) ኣብ ኵሉ እዚ መዳያት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ዝዀነ ነገር ከም ዜረጋግጾ፡ እቲ ምርቓ ትንቢታዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ምርቓ ኺውሃብ ከሎ፡ እቲ መራቒ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ተመራቒ የንብር ነይሩ እዩ።—ዘፍ 48:13, 14።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 27:46–28:2) ድሕርዚ፡ ርብቃ ንይስሃቅ፡ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት፡ ንህይወተይ ፈንፊነያ እየ። ያእቆብ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ከምዘን ኣዋልድ እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ህይወት እንታይ ትዓብሰለይ፧” ትብሎ ነበረት።
28 ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ። 2 ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ።
ምስ መጻምድትኻ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚሕግዝ ረቛሒታት
ይስሃቅን ርብቃን ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኣማዕቢሎምዶ፧ ኤሳው ወዶም ክልተ ኣንስቲ ሔት ምስ ኣእተወ፡ ኣብታ ስድራቤት ከቢድ ሽግር ተፈጥረ። ርብቃ ንይስሃቅ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ [እቲ ዝነኣሰ ወዶም] ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ . . . ዜእቱ እንተ ዀይኑስ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧” ኢላ ደጋጊማ ተዛረበቶ። (ዘፍጥረት 26:34፣ 27:46) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዜጨንቓ ነገራት ብንጹር ነጊራቶ እያ።
ይስሃቅ ነቲ ፍላይ ማንታ ኤሳው ዝነበረ ያእቆብ፡ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኸየእቱ ነገሮ። (ዘፍጥረት 28:1, 2) ርብቃ ኸኣ ሓሳብ ልባ ሰመረላ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ንስድራቤት ዚምልከት ኣዝዩ ተነቃፊ ጕዳይ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም እዮም። ንዓና ድማ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ዚዀኑና። ሰብ ሓዳር ኪሰማምዑ እንተ ዘይክኢሎም ግን እንታይ እዩ ዚግበር፧
(ዘፍጥረት 28:12, 13) ሽዑ፡ ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ መደያይቦ ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ፡ ርእሱ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ ነበረ። መላእኽቲ ኣምላኽ ድማ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ። 13 እንሆ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዀይኑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ። እዛ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበኩም እየ።
ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል
28:12, 13—እቲ ምስ “መሳልል” እተተሓሓዘ ያእቆብ ዝሓለሞ ሕልሚ እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ እዚ “መሳልል” እዚ፡ ከም ካብ ሓደ ደርቢ ናብ ካልእ ደርቢ ዝወስድ መደያይቦ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ርክብ ከም ዘሎ ኸኣ እዩ ዘመልክት። እቶም ዝድይቡን ዝወርዱን ዝነበሩ መላእኽቲ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ እቶም ስምረቱ ዘለዎም ደቅሰብን ብገለ ፍሉይ መገዲ ኸም ዘገልግሉ ዝሕብር እዩ።—ዮሃንስ 1:51።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
30 መጋቢት–5 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 29-30
“ያእቆብ ተመርዓወ”
(ዘፍጥረት 29:18-20) ያእቆብ ድማ ንራሄል ኣፍቀራ እሞ፡ “ምእንቲ ራሄል እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሸውዓተ ዓመት ክግዝኣካ ፍቓደኛ እየ” በሎ። 19 ላባን ከኣ፡ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንዓኻ ኽህባ ይሕሸኒ። ምሳይ ተቐመጥ” በሎ። 20 ያእቆብ ድማ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ፣ ብምኽንያት እቲ ንዓኣ ዝነበሮ ፍቕሪ ግና፡ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሒደት መዓልትታት ኰይነን ተራእያኦ።
ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ
ኣብቲ ግዜ እቲ ሕጸ በቲ ንስድራ እታ ጓል ዝኽፈል ገዝሚ ይውሰን ነበረ። ጸኒሑ ሕጊ ሙሴ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ድንግል ብምሕባል ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ 50 ሲቃል ብሩር ክቕጻዕ ሓጊጉ ነበረ። ጎርደን ዌናም ዝበሃል ምሁር፡ እዚ “እቲ ዝለዓለ ገዝሚ” ምንባሩ፡ መብዛሕትኡ ገዝሚ ኸኣ ካብዚ “ኣጸቢቑ ዝትሕት” ምንባሩ እዩ ዝኣምን። (ዘዳግም 22:28, 29) ያእቆብ ገዝሚ ክህብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንላባን ሸውዓተ ዓመት ከገልግሎ ወሰነ። ዌናም ቀጺሉ “ብግዜ ጥንታዊት ባቢሎን፡ ሸቃሎ ኣብ ወርሒ ኻብ ፍርቂ ክሳዕ ሓደ ሲቃል ይኽፈሎም ብምንባሩ (ካብ 42-84 ሲቃል ኣብ ሸውዓተ ዓመት)፡ ያእቆብ ንራሄል ንኽምርዖ ኢሉ ንላባን ብዙሕ ገዝሚ እዩ ዝውፍየሉ ነይሩ” በለ። ላባን ከኣ ተሓጒሱ ተቐበሎ።—ዘፍጥረት 29:19።
(ዘፍጥረት 29:21-26) ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንላባን፡ “መዓልትታተይ ስለ ዝኣኸላ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሃበኒ” በሎ። 22 ሽዑ፡ ላባን ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ድግስ ገበረ። 23 ምስ መሰየ ግና፡ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣምጽኣ፣ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ። 24 ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ዚልጳ ገረዱ ሃባ። 25 ምስ ነግሀ ኸኣ፡ ያእቆብ፡ ልያ ምዃና ረኣየ። ስለዚ፡ ንላባን፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ፧” በሎ። 26 ላባን ድማ፡ “ኣብ ዓድና ንእሽቶ ቕድሚ በዅሪ ምሃብ፡ ባህልና ኣይኰነን።
“ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ” ዝጨነቐን ኣሓት
ልያ ንያእቆብ ኣብ ምትላል ተሓባቢራ ድያ፧ ወይስ ንኣቦኣ ኽትእዘዝ ጥራይ እያ ተገዲዳ፧ ራሄልከ ኣበይ ነይራ፧ እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ ነይራ፧ ትፈልጥ እንተ ነይራ፡ ከመይ ተሰሚዑዋ፧ ኣቦኣ ተሪር ብምንባሩ ኽትቃወሞ ዘይትኽእል ድያ ነይራ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኣይህብን እዩ። ራሄልን ልያን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝነበረን ሓሳብ ብዘየገድስ፡ ጸኒሑ እቲ ተንኰል ንያእቆብ ኣቘጢዕዎ እዩ። ያእቆብ፡ “ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ፧” ኢሉ ቝጥዓኡ ዝገለጸ ድማ ንላባን ደኣ እምበር፡ ንኣዋልዱ ኣይኰነን። ላባን እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ “ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብ፡ ከምኡ ኣይግበርን እዩ። ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ” በሎ። (ዘፍጥረት 29:25-27) በዚ ኸምዚ ያእቆብ ከይተፈለጦ ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ኣእተወ፡ እዚ ድማ ኣብ ስድራቤቱ መሪር ቅንኢ ኣሕደረ።
it-2 341 ¶3
መውስቦ
ጽምብል። እቲ መርዓ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ዘይግበረሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ እስራኤል ዚግበር ዝነበረ መርዓ ብሓጐስ ይጽምበል ነይሩ እዩ። ብመዓልቲ መርዓ፡ እታ መርዓት ብዙሕ ትዳሎ ነይራ እያ። ፈለማ፡ ትሕጸብን ቅዱይ ዘይቲ ትልከን ነይራ እያ። (ምስ ሩት 3:3፣ ህዝ 23:40 ኣረኣኢ።) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ብኣገልገልታ እናተሓገዘት፡ ከከም ዓቕማ መቐነትን ጥልፊ ዘለዎ ጻዕዳ ኽዳንን ትኽደን ነይራ እያ። (ኤር 2:32፣ ራእ 19:7, 8፣ መዝ 45:13, 14) እንተ ኽኢላ ስልማት ትስለም ነይራ እያ (ኢሳ 49:18፣ 61:10፣ ራእ 21:2)፡ ድሕሪኡ ኻብ ርእሳ ኽሳብ እግራ ብዚሽፍን ረቂቕ መጐልበቢ ትጕልበብ ነይራ እያ። (ኢሳ 3:19, 23) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ላባን ንያእቆብ ብቐሊሉ ኼታትሎ ኽኢሉ እዩ፣ ያእቆብ እውን ላባን ኣብ ክንዲ ንራሄል፡ ንልያ ይህቦ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጠን። (ዘፍ 29:23, 25) ርብቃ ናብ ይስሃቅ ምስ ቀረበት፡ ብመጐልበቢ ተጐልቢባ እያ። (ዘፍ 24:65) እዚ ኸኣ እታ መርዓት ንመርዓዊኣ፡ ማለት ንስልጣኑ ተገዛኢት ከም ዝዀነት የመልክት።—1ቈረ 11:5, 10።
(ዘፍጥረት 29:27, 28) ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸን። ድሕሪኡ፡ ስለቲ ኸም ብሓድሽ ንሸውዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እዛ ኻልእ ክትውሃበካ እያ” በሎ። 28 ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፣ ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸነ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንሱ፡ ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 30:3) ንሳ ኸኣ፡ “እንሃ ቢልሃ ባርያይ። ውሉዳት ምእንቲ ኽትወልደለይ፡ ብእኣ ኣቢለ እውን ውሉዳት ምእንቲ ኺህልዉንስ፡ ናብኣ እቶ” በለቶ።
it-1 50
ርዕመት፡ ምቕባል ውሉድነት
ራሄልን ልያን ነቶም ያእቆብ ካብ ኣግራደን ዝወለዶም ኣወዳት፡ ከም ኣወዳት ‘ኣብ ኣብራኸን ከም እተወልዱ’ ገይረን ተቐቢለናኦም እየን። (ዘፍ 30:3-8, 12, 13, 24) እዞም ውሉዳት እዚኦም ምስቶም ካብተን ሕጋውያን ኣንስቲ ያእቆብ ብቐጥታ እተወልዱ ኣወዳት ወሪሶም እዮም። ካብቲ ኣቦ እቲ ብስጋ እተወልዱ ደቂ እዮም ነይሮም፣ ዋናታት እተን ኣግራድ ከኣ ራሄልን ልያን ስለ ዝነበራ፡ ንደቀን እውን ዋናታቶም እየን ነይረን።
(ዘፍጥረት 30:14, 15) ሮቤል ድማ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ ኣብ መሮር ኪኸይድ ከሎ፡ ፍረታት ማንድራጎራ ረኸበ። ናብ ኣዲኡ ልያ ኸኣ ኣምጽኦ። ሽዑ፡ ራሄል ንልያ፡ “በጃኺ ኻብ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ ሃብኒ” በለታ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ውሒዱ፧ ፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ድማዶ ኽትወስዲ፧” በለታ። ሽዑ፡ ራሄል፡ “ሕራይ፡ ኣብ ክንዲ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ” በለታ።
ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል
30:14, 15—ራሄል ምስ ሰብኣያ ንኽትድቅስ ዝነበራ ኣጋጣሚ ብምልዖ ዝቐየረቶ ስለምንታይ እያ፧ ኣብ ግዜ ጥንቲ ፍረ ናይዚ ኣብዚ ምልዖ ተባሂሉ ዘሎ ማንድራጎራ እተባህለ ተኽሊ ንመደቀሲ ወይ ከኣ ሕማም ምንፍራፋር ንምህዳእን ንምክልኻልን ከም መድሃኒት ይጥቀምሉ ነበሩ። እቲ ፍረ እቲ ጾታዊ ስምዒት ከለዓዕል ከምኡውን ፈራዪት ክገብር ወይ ኣብ ጥንሲ ኽሕግዝ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እውን ስለ ዝነበረ ኣብ መሃልየ መሃልይ “ናይ ፍቕሪ ትርንጒ” ተባሂሉ ኣሎ። (መሃልየ መሃልይ 7:14) መጽሓፍ ቅዱስ ራሄል ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረት እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እቲ ምልዖ ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ ተኽሊ ንኽትጠንስ ክሕግዛ እሞ ካብቲ መኻን ብምዃን ዝወረዳ ሕስረት ክትገላገል ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ‘ማሕጸና ዝኸፈተላ’ ድሕሪ ገለ ዓመታት እዩ።—ዘፍጥረት 30:22-24።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ