ዘፍጥረት
48 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ ኣቦኻ ይደክም ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ንሱ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ንኤፍሬምን፡ ምስኡ ወሰዶም።+ 2 ንያእቆብ ድማ፡ “እንሆ ወድኻ ዮሴፍ ናባኻ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። እስራኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። 3 ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦
“እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ሉዝ ኣብ ምድሪ ከነኣን ተራእየኒ፡ ባረኸኒ ኸኣ።+ 4 ‘እንሆ፡ ከፍርየካን ከብዝሓካን ጭፍራ ህዝብታት ክገብረካን እየ፡+ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህቦ እየ’ በለኒ።+ 5 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምጻአይ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም።+ ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ 6 ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉዳት ግና ናትካ ኪዀኑ እዮም። ኣብ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ኪስመዩ እዮም።+ 7 ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ክመጽእ ከለኹ፡ ናብ ኤፍራታ ንምብጻሕ ገለ ርሕቀት ምስ ተረፈኒ፡+ ራሄል ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ጥቓይ ሞተት።+ ኣብ መገዲ ኤፍራታ፡ ንሳ ቤት-ልሄም፡+ ከኣ ቀበርክዋ።”
8 እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ረኣዮም እሞ፡ “እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። 9 ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ፡ “እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ክምርቖምሲ፡ በጃኻ ናባይ ኣምጽኣዮም” በሎ።+ 10 ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርጋን እተላዕለ ደኺመን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ዮሴፍ ድማ ናብኡ ኣቕረቦም፣ ንሱ ኸኣ ሰዓሞምን ሓቘፎምን። 11 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ “ገጽካ ኽርኢ ኣይሓሰብኩን ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ ኣምላኽ ዘርእኻ እውን ኣርእዩኒ” በሎ። 12 ሽዑ፡ ዮሴፍ ካብ ኣብራኽ እስራኤል ኣልገሶም እሞ፡ ብገጹ ተደፊኡ ናብ ምድሪ ሰገደ።
13 ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ወሲዱ፡ ንኤፍሬም+ ብየማኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ+ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም። 14 እስራኤል ግና የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነኣሰ ኤፍሬም፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። ምናሴ በዅሪ ብምንባሩ፡+ ኰነ ኢሉ ኣእዳዉ በዚ ኸምዚ ኣንበረ። 15 ሽዑ፡ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦+
“እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ እተመላለሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+
እቲ ኣብ ኵሉ ህይወተይ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝጓሰየኒ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+
16 እቲ ኻብ ኵሉ መዓት ዘድሓነኒ* መልኣኽ፡+ ነዞም ኣወዳት እዚኦም ይባርኮም።+
ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጸዋዕ፡
ኣብ ምድሪ ብዙሓት ኪዀኑ ድማ ይሰስኑ።”+
17 ዮሴፍ ከኣ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ምስ ረኣየ፡ በዚ ጐሃየ እሞ፡ ኢድ ኣቦኡ ሒዙ ኻብ ርእሲ ኤፍሬም ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ፈተነ። 18 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡ፡ “ኣቦየ፡ እቲ በዅሪ እዚ እዩ እሞ፡+ ከምኡ ኣይኰነን። የማነይቲ ኢድካ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ። 19 ኣቦኡ ግና ኣብዩ፡ “እፈልጥ ወደየ፡ እፈልጥ። ንሱ እውን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ንሱ እውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ኻብኡ ኺዓቢ እዩ፡+ ዘርኡ እውን ማዕረ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ”+ በለ። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፦+
“‘ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’
ኢሎም እስራኤላውያን ብኣኻ ይመርቑ።”
በዚ ኸምዚ፡ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
21 ሽዑ፡ እስራኤል ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ እመውት ኣለኹ፣+ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ፡ ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ።+ 22 ኣነ ኸኣ ካብታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፋል* ሂበካ ኣለኹ” በሎ።