መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
13-19 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 31
“ያእቆብን ላባንን ኪዳን ሰላም ገበሩ”
(ዘፍጥረት 31:44-46) ሕጂ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ምስክር ኪኸውን እዩ።” 45 ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ገይሩ ኣቘሞ። 46 ያእቆብ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣእማን እረዩ” በሎም። ኣእማን ወሲዶም ከኣ ጨርሒ ጨርሑ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ።
it-1 883 ¶1
ጋልዔድ
ያእቆብን ላባንን ነቲ ዘባኣሶም ነጥብታት ብሰላም መዕለቢ ምስ ገበሩሉ፡ ንሓድሕዶም ኪዳን ተኣታተዉ። ሽዑ፡ ያእቆብ ሓወልቲ ኣቘመ፡ “ንኣሕዋቱ” ድማ ጨርሒ ኺጭርሑ ተዛረቦም። እቲ ጨርሒ ኸኣ ከም ሰደቓ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብኡ እውን መኣዲ ኺዳን በሊዖም እዮም። ላባን ድማ ነቲ ቦታ በቲ ጨርሒ እቲ “ይጋር-ሰሃዱታ” ኢሉ ብኣራማይስጢ (ብቛንቋ ሶርያ) ሰመዮ፣ ያእቆብ ድማ “ጋልዔድ” ኢሉ ብእብራይስጢ ተመሳሳሊ ዝትርጕሙ ሰመዮ። ላባን ከኣ፡ “ሎሚ እዚ ጨርሒ [እብራይስጢ፡ ጋል] እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር [እብራይስጢ፡ ዔድ] እዩ” በለ። (ዘፍ 31:44-48) እቲ ጨርሒ (ከምኡ እውን እቲ ሓወልቲ) ንዅሎም ሓለፍቲ መገዲ ምስክር እዩ ነይሩ። ከምቲ ፍቕዲ 49 ዝበለቶ፡ እቲ “ግምቢ ዘብዐኛ [እብራይስጢ፡ ሚጽጳ]፡” ያእቆብን ላባንን ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ቤተ ሰቦምን ሰላም ኪኸውን ከም እተሰማምዑ ዚምስክር እዩ ነይሩ። (ዘፍ 31:50-53) ጸኒሑ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣእማን ከም ዘይዛረብ ምስክር ኰይኑ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣገልጊሉ እዩ።—እያ 4:4-7፣ 24:25-27።
(ዘፍጥረት 31:47-50) ላባን ድማ ይጋር-ሰሃዱታ ኢሉ ሰመዮ፣ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኢሉ ሰመዮ። 48 ሽዑ፡ ላባን፡ “ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ። ስለዚ፡ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ፣ 49 ግምቢ ዘብዐኛ እውን ተባህለ፣ ከመይሲ፡ “ንሓድሕድና ኣብ ዘይንርኣኣየሉ፡ የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይቋመት። 50 ንኣዋልደይ እንተ ገፊዕካየንን ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቲኻን፡ ምሳና እኳ ሰብ እንተ ዘየልቦ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ምዃኑ ዘክር” ኢሉ ነበረ።
it-2 1172
ግምቢ ዘብዐኛ
ያእቆብ ጨርሒ ጨሪሑ “ጋልዔድ” (ትርጉሙ፡ “ጨርሒ ምስክር”) ከምኡ ድማ “ግምቢ ዘብዐኛ” ኢሉ ጸውዖ። ላባን ከኣ፡ “ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ። (ዘፍ 31:45-49) እዚ ጨርሒ እዚ ድማ ያእቆብን ላባንን ነቲ ኺዳን ሰላም ኸም ዚሕልዉ የሆዋ ዚቋመት ምዃኑ ይምስክር።
(ዘፍጥረት 31:51-53) ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ ከምዚ በሎ፦ “እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ ኸኣ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ። 52 ኣነ ኽጐድኣካ ኢለ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሓልፍ፡ ንስኻ እውን ክትጐድኣኒ ኢልካ ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ከይትሓልፍ፡ እዚ ጨርሒ እዚ ምስክር እዩ፡ እዚ ሓወልቲ እዚ እውን ይምስክር እዩ። 53 ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ።” ያእቆብ ድማ በቲ ኣቦኡ ይስሃቅ ዚፈርሆ፡ መሓለ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 31:19) ላባን ከኣ ኣባጊዕ ኪቕምቅም ከይዱ ነበረ፣ ራሄል ድማ ተራፊም ኣቦኣ ሰረቐት።
it-2 1087-1088
ተራፊም
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ መሶጶታምያን ኣብ ከባቢኡን ዝረኸብዎ ምስልታት ተራፊም፡ ኣብ ቤተ ሰብ መን ወራሲ ምዃኑ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ብመሰረት ሓደ ኣብ ኑዚ እተረኽበ ጽላት፡ ሰብኣይ ጓል ኣማልኽቲ እታ ቤት እንተ ሒዙ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ንመሬት ሓሙኡ ኺወርስ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ኣንሽየንት ኒር ኢስተርን ተክስትስ፡ ጀይ. ፕሪቻርድ ዘሰናደዎ፡ 1974፡ ገጽ 219፡ 220፡ እ.ጽ. 51) ምናልባት ራሄል ነቲ ኣቦኣ ንያእቆብ ዘታለሎ ኣብ ግምት ብምእታው እያ ነቲ ተራፊም ክትሰርቕ ሓሲባ እትኸውን። (ምስ ዘፍ 31:14-16 ኣረኣኢ።) ላባን ነቲ ተራፊም ንምርካብ ኣሕዋቱ ሒዙ ደድሕሪ ያእቆብ መገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ምኻዱ፡ ተራፊም ምስ መሰል ውርሲ እተተሓሓዘ ዘለዎ ኣገዳስነት ዜርኢ እዩ። (ዘፍ 31:19-30) ያእቆብ ነቲ ራሄል ዝገበረቶ ነገር ጠሪሱ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ (ዘፍ 31:32)፡ በቲ ተራፊም ገይሩ ኻብ ደቂ ላባን ውርሲ ኺምንዝዕ ከም ዝፈተነ ዚሕብር ነገር እውን የልቦን። ያእቆብ ምስቲ ጣኦታት ዜራኽብ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበሮን። እቲ ተራፊም ዝጸንሐ እኳ እንተ ጸንሐ ድማ ምስቲ ያእቆብ ካብ ቤተ ሰቡ እተዋህቦ እሞ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ዝቐበሮ ጓኖት ኣማልኽቲ ተወጊዱ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘፍ 35:1-4።
(ዘፍጥረት 31:41, 42) በዚ ኸምዚ ኣብ ቤትካ 20 ዓመት ገበርኩ። 14 ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣዋልድካ፡ 6 ዓመት ከኣ ምእንቲ መጓሰኻ ተገዛእኩኻ፣ ዓስበይ ከኣ ዓሰርተ ሳዕ ለዋወጥካ። 42 ኣምላኽ ኣቦይ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን እቲ ይስሃቅ ዚፈርሆን፡ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። ኣምላኽ ግና መከራይን ጻዕሪ ኢደይን ረኣየ፣ ስለዚ ድማ እዩ ትማሊ ለይቲ ዝገንሓካ።”
(1 ጴጥሮስ 2:18) ገላዉ ነቶም ሕያዎትን ልዙባትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብቐሊሉ ዘይሕጐሱ ጐይተቶም እውን ብግቡእ ፍርሃት ይገዝእዎም።
የሆዋ—መዕቈቢና
8 ያእቆብ ኣብ ካራን ምስ በጽሐ፡ ኣኮኡ ላባን ብጽቡቕ ተቐበሎ፡ ንልያን ንራሄልን ድማ ኣንስቱ ኪዀናኦ ሃቦ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ ላባን ንያእቆብ፡ ዓስቡ ዓሰረተ ሳዕ እናለዋወጠ ኺምዝምዞ ፈተነ። (ዘፍ. 31:41, 42) ይኹን እምበር፡ ያእቆብ፡ የሆዋ ኸም ዝሓልየሉ ብምትእምማን ነቲ ዘይፍትሓዊ ነገራት ተጻወሮ። የሆዋ እውን ብሓቂ ሓልዩሉ እዩ። ኣምላኽ ንያእቆብ ናብ ከነኣን ኪምለስ ኪነግሮ ኸሎ፡ ያእቆብ “ብዙሓት መጓሴታትን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።” (ዘፍ. 30:43) እቲ ኣበው ስለቲ እተገብረሉ ኻብ ልቡ ብምምሳው፡ “እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ዀይነ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ።—ዘፍ. 32:10።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 31:1-18) ደቂ ላባን ድማ፡ “እቲ ናይ ኣቦና ዘበለ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዘበለ ኸኣ ነዚ ዅሉ ሃብቲ ደሊቡ” ይብሉ ኸም ዝነበሩ ሰምዐ። 2 ያእቆብ፡ ገጽ ላባን ምስ ጠመተ፡ ንዕኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ቀደሙ ኸም ዘይኰነ ረኣየ። 3 የሆዋ ኸኣ ንያእቆብ፡ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ኣዝማድካን ተመለስ፡ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ። 4 ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብተን መጓሰኡ ናብ መሮር ጸውዐን፡ 5 ከምዚ ኸኣ በለን፦ “ኣቦኽን ንዓይ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም እተቐየረ ርእየ እየ፣ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ። 6 ንኣቦኽን ብዅሉ ሓይለይ ከም እተገዛእክዎ፡ ባዕልኻትክን ብርግጽ ትፈልጣ ኢኽን። 7 ኣቦኽን ከኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታሊሉኒ፣ ኣምላኽ ግና ኪጐድኣኒ ኣይፈቐደሉን። 8 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ‘ትኳዕ ትኳዕ ዘበላ ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለ፡ ኵለን እተን መጓሰ ትኳዕ ትኳዕ ወለዳ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ‘ሽራጥ ሽራጥ ዘበላ ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵለን እተን መጓሰ ሽራጥ ሽራጥ ወለዳ። 9 በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንዓይ ሃበኒ። 10 በቲ እተን መጓሰ ዚስረራሉ እዋን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፡ ብሕልሚ ኸኣ እቶም ነተን መጓሰ ዚሰርሩወን ድቤላታት፡ ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ነጠብጣብን ምዃኖም ረኣኹ። 11 ሽዑ፡ መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሕልሚ፡ ‘ያእቆብ’ በለኒ፣ ኣነ ድማ፡ ‘እነኹ’ በልኩ። 12 ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ኵሎም እዞም ነተን መጓሰ ዚሰርሩወን ዘለዉ ድቤላታት ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ነጠብጣብን ምዃኖም ርአ፣ ከመይሲ፡ እቲ ላባን ዝገበረካ ዅሉ ርእየዮ ኣለኹ። 13 ኣነ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝቐባእካሉን ንዓይ መብጽዓ ኣብ እተመባጻዕካሉን ቤት-ኤል እተረኣኹኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እየ። ሕጂ ተንስእ እሞ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ናብታ እተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ።” 14 ራሄልን ልያን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሉ፦ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና እንወርሶ ግደ ኣልዩና፧ 15 ካብ ሸጠናን ነቲ ምእንታና እተኸፍለ ገንዘብ ካብ በልዖን፡ ከም ጓኖት ቈጺሩናዶ ኣይኰነን፧ 16 ኵሉ እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዘግደፎ ሃብቲ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝበለካ ግበር።” 17 ሽዑ፡ ያእቆብ ተንሲኡ፡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሐ። 18 ንዅለን እተን መጓሰን ንዅሉ እቲ ዘጥረዮ ጥሪትን፡ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዘጥረየን ማሉ፡ ወሲዱ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ከነኣን ኪጕዓዝ ጀመረ።
20-26 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 32–33
“በረኸት ንምርካብ ትቃለስዶ ኣለኻ፧”
(ዘፍጥረት 32:24) ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሽዑ፡ ሓደ ሰብኣይ ክሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ።
ንየሆዋ ብዕቱብዶ ትደልዮ ኣለኻ፧
ቅዱሳት ጽሑፋት ሓያሎ ኣብነታት ናይቶም ንየሆዋ ንምድላይ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩ ሰባት ዝሓዘ እዩ። ሓደ ኻብዚኣቶም ምስቲ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ ኣምላኽ እተቓለሰ ያእቆብ እዩ። ያእቆብ ምስ ኣምላኽ ስለ ‘እተቓለሰ፡’ ስለ ዝጸንዐ፡ ወይ ስለ ዝጸዓረ ስሙ እስራኤል (ምስ ኣምላኽ ዝቃለስ) ተባህለ። ስለቲ ዕቱብ ጻዕሩ ድማ እቲ መልኣኽ ባረኾ።—ዘፍጥረት 32:24-30።
(ዘፍጥረት 32:25, 26) ኬሕምቖ ኸም ዘይክእል ምስ ረኣየ፡ መላግቦ ምሕኵልቱ ተንከዮ፣ ኪቃለሶ ኸሎ ኸኣ፡ መላግቦ ምሕኵልቲ ያእቆብ መለቘ። 26 ድሕርዚ፡ “ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ” በለ።
it-2 190
ሓንካስ፡ ምሕንካስ
ምሕንካስ ያእቆብ። ያእቆብ ወዲ 97 ዓመት ኣቢሉ ኸሎ፡ ስጋ ምስ ዝለበሰ መልኣኽ ምሉእ ለይቲ ተቓለሰ። ነቲ መልኣኽ ድማ ክሳዕ ዚባርኾ ኣይፈነዎን። ኣብ መንጎ እቲ ቓልሲ፡ እቲ መልኣኽ ንያእቆብ መላግቦ ምሕኵልቱ ተንከዮ እሞ መላግቦ ምሕኵልቲ ያእቆብ መለቘ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ያእቆብ ሓንከሰ። (ዘፍ 32:24-32፣ ሆሴ 12:2-4) በዚ ኸምዚ፡ ያእቆብ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎ ‘ምስ ኣምላኽን [መልኣኽ ኣምላኽን] ምስ ሰብን ተቓሊሱ እኳ እንተ ኣሕመቐ፡’ ከም ሓቂ ግና ካብ ሓያል መልኣኽ የሆዋ ኸም ዘይሕይል መዘኻኸሪ ተዋህቦ። ያእቆብ ምስ መልኣኽ ኪቃለስ ዕላማን ፍቓድን ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ያእቆብ ንበረኸት ኣምላኽ ዝነበሮ ዓብዪ ሞሳ ዚኸውን መረጋገጺ ኣቕሪቡ እዩ።
(ዘፍጥረት 32:27, 28) ሽዑ፡ ንሱ፡ “መን እዩ ስምካ፧” በሎ፣ ንሱ ድማ፡ “ያእቆብ” በለ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ፡ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሃልን” በሎ።
it-1 1228
እስራኤል
1. ያእቆብ ወዲ 97 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ዝሃቦ ስም። ያእቆብ ምስ ሓዉ ኤሳው ንምርኻብ ኪኸይድ ከሎ፡ ርባ ያቦቅ ብለይቲ ተሳገረ፣ ሽዑ ድማ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ። ብምኽንያት እቲ ያእቆብ ኣብቲ ቓልሲ ዘርኣዮ ጽንዓት፡ በረኸት ከም ዚረክብ ብምምልካት ስሙ ናብ እስራኤል ተቐየረ። ያእቆብ ከኣ ነዚ መዘከርታ ኪኸውን ኢሉ ነታ ቦታ ጰኒኤል ወይ ጰኑኤል ኢሉ ስም ኣውጽኣላ። (ዘፍ 32:22-31፣ ኣብ “ያእቆብ” ቍ. 1 ርአ።) ደሓር ኣብ ቤት-ኤል፡ ኣምላኽ ነቲ ለውጢ ስም ኣረጋገጸሉ፣ ካብ ሽዑ ንደሓር ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ብዙሕ ሳዕ እስራኤል ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ እዩ። (ዘፍ 35:10, 15፣ 50:2፣ 1ዜና 1:34) መብዛሕትኡ ኻብቲ 2,500 ሳዕ እስራኤል ተባሂሉ ዘሎ ግና፡ ነቶም ካብ ዘርኢ ያእቆብ ዝዀኑ ህዝቢ እዩ ዜመልክት።—ዘጸ 5:1, 2።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 32:11) መጺኡ ኸየጥቅዓኒ፡ ንኣዴታትን ንደቀንን ከኣ ከየጥቅዕ እፈርሆ ኣለኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣናግፈኒ።
(ዘፍጥረት 32:13-15) በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብቲ ጥሪቱ ድማ፡ ንሓዉ ኤሳው ህያብ ወሰደ፦ 14 200 ጤልን 20 ድቤላን፡ 200 በጊዕን 20 ድዑልን፡ 15 30 እተጥቡ ገመል መምስ ውላደን፡ 40 ላምን 10 ዝራብዕን፡ 20 ኣንስተይቲ ኣድግን 10 ተባዕታይ ኣድግን ሃቦ።
ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ ንርክባትካ ጽቡቕ ይገብሮ
10 ጸጋ ዝመልኦ ዘረባን ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን፡ ሰላማዊ ርክባት ንኽትምስርትን ንኽትዕቅብን ይሕግዝ እዩ። ምስ ካልኦት ዘሎና ርክባት ንምምሕያሽ ዚከኣለና ምስ እንገብር ከኣ፡ ነቲ ምሳታቶም ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ እንገብሮ ጻዕሪ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ንሰባት ብቕንዕናን ብሕያውነትን ምስ እንቐርቦም፡ ማለት ንኽንሕግዞምን ካብ ልብና ህያባት ንኽንህቦምን ንኸነአንግዶምን ኣጋጣሚታት ምስ እነናዲ፡ ምሳታቶም ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ንኺህልወና ኣበርክቶ ንገብር ኢና። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ፡ ኣብ ርእሲ ሰብ “ጕሁር ሓዊ” ስለ ዚእክብ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት እቲ ሰብ ኬውጽኦ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ እተፈጥረ ጸገም ንኽትዘራረቡሉ ዝቐለለ ይገብሮ።—ሮሜ 12:20, 21።
11 እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ፡ ነዚ ተረዲእዎ ነበረ። እቲ ፍላይ ማንታኡ ዝነበረ ሓዉ ኤሳው ኣመና ተቘጢዕዎ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኻብኡ ሃደመ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ያእቆብ ተመልሰ። ኤሳው ከኣ 400 ሰብኣይ ሒዙ ኺቀባበሎ ወጸ። ያእቆብ ካብ የሆዋ ሓገዝ ደልዩ ጸለየ። ድሕሪኡ፡ ንኤሳው ገጽ በረኸት ዚኸውን፡ ብዙሕ ማል ለኣኸሉ። እቲ ገጽ በረኸት ዕላማኡ ወቕዐ። ኣብ መወዳእታ ኣብ እተራኸቡሉ እዋን፡ ልቢ ኤሳው ለስሊሱ ነበረ፡ ጐዪዩ ኸይዱ እውን ንያእቆብ ሓቘፎ።—ዘፍ. 27:41-44፣ 32:6, 11, 13-15፣ 33:4, 10።
(ዘፍጥረት 33:20) ድሕርዚ፡ ኣብኣ መሰውኢ ኣቘመ እሞ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል ኢሉ ሰመዮ።
it-1 980
ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል
ያእቆብ ኣብ ጰኒኤል ምስ መልኣኽ የሆዋ ድሕሪ ምርኻቡ፡ እስራኤል ዚብል ስም ተዋህቦ፣ ምስ ሓዉ ኤሳው ብሰላም ድሕሪ ምርኻቡ ኸኣ፡ ፈለማ ኣብ ሱኮት፡ ድሕሪኡ ኣብ ሰኬም ሰፈረ። ኣብኣ ድማ ካብ ደቂ ሓሞር ምድሪ ዓደገ፡ ድንኳኑ እውን ኣብኣ ተኸለ። (ዘፍ 32:24-30፣ 33:1-4, 17-19) “ድሕርዚ፡ ኣብኣ መሰውኢ ኣቘመ እሞ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል ኢሉ ሰመዮ፣” እዚ ስያመ ድማ “ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል እዩ” እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።” (ዘፍ 33:20) ያእቆብ ነቲ ሓድሽ እተዋህቦ እስራኤል ዚብል ስም ምስቲ መሰውኢ ኣተሓሒዙ ብምጥቃም፡ ነቲ ስም ኰነ ንመሪሕነት እቲ ናብ ምድሪ ተስፋ ብደሓን ዚመርሖ ኣምላኽ ከም እተቐበሎን ከም ዘማሰወሉን ኣርእዩ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዚርከብ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 32:1-21) ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፣ መላእኽቲ ኣምላኽ ከኣ ተጓነፍዎ። 2 ያእቆብ ርእይ ምስ ኣበሎም፡ “እዚ ሰፈር ሰራዊት ኣምላኽ እዩ” በለ። ስለዚ፡ እታ ቦታ እቲኣ ማሓናዪም ተባህለት። 3 ሽዑ፡ ያእቆብ ናብ ሓዉ ኤሳው፡ ናብ ምድሪ ሰዒር፡ ናብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ለኣኸ፣ 4 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ንጐይታይ ኤሳው ከምዚ በልዎ፦ ‘ጊልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል፦ “ምስ ላባን ክሳዕ ሕጂ ንነዊሕ ግዜ ተቐሚጠ ነበርኩ። 5 ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ገላዉን ኣግራድን ከኣ ኣጥረኹ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንጐይታይ ክነግር ለኣኽኩ።”’” 6 እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም፡ “ንኤሳው ሓውካ ረኺብናዮ፣ ንሱ ኸኣ ኪቀባበለካ ይመጽእ ኣሎ፣ ምስኡ እውን 400 ሰብኡት ኣለዉ” በልዎ። 7 ያእቆብ ከኣ ኣዝዩ ፈርሀ፡ ተጨነቐ እውን። ስለዚ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ጤለ በጊዕን ከብትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ሰፈር መቐለ። 8 “ኤሳው ነዚ ሓደ ሰፈር እንተ ኣጥቂዕዎ፡ እቲ ኻልእ ሰፈር ኬምልጥ ይኽእል” ከኣ በለ። 9 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ከምዚ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን፡ ኣታ፡ ‘ናብ ምድርኻን ናብ ኣዝማድካን ተመለስ፡ ኣነ ድማ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ የሆዋ፡ 10 እዚ ንጊልያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ዅሉ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ኵሉ ተኣማንነትን ዘይግብኣኒ እዩ። ከመይሲ፡ ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ በትረይ ጥራይ ሒዘ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ሰፈር ኰይነ ኣለኹ። 11 መጺኡ ኸየጥቅዓኒ፡ ንኣዴታትን ንደቀንን ከኣ ከየጥቅዕ እፈርሆ ኣለኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣናግፈኒ። 12 ‘ብርግጽ ጽቡቕ ክገብረልካ፡ ንዘርእኻ እውን ከምቲ ኻብ ብዝሑ እተላዕለ ዘይቍጸር ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ድማ ኢልካ ኢኻ።” 13 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብቲ ጥሪቱ ድማ፡ ንሓዉ ኤሳው ህያብ ወሰደ፦ 14 200 ጤልን 20 ድቤላን፡ 200 በጊዕን 20 ድዑልን፡ 15 30 እተጥቡ ገመል መምስ ውላደን፡ 40 ላምን 10 ዝራብዕን፡ 20 ኣንስተይቲ ኣድግን 10 ተባዕታይ ኣድግን ሃቦ። 16 ነዚኣተን ከኣ በብመጋርያ ኸፋፊሉ ንገላዉኡ ሃቦም፣ ንገላዉኡ ድማ፡ “ቀቅድመይ ስገሩ፡ መጋርያ ኻብ መጋርያ ኸኣ ኣረሓሕቑ” በሎም። 17 ነቲ ቐዳማይ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ሓወይ ኤሳው እንተ ተጓኒፉካ እሞ፡ ‘ናይ መን ኢኻ፧ ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ፧ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ ናይ መን እየን፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ 18 ‘ናይ ጊልያኻ ያእቆብ እየን። ንጐይታይ ኤሳው ዝሰደደን ህያብ እየን። እንሆ፡ ንሱ ብድሕሬና ኣሎ’ በሎ።” 19 ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን ንዅሎም እቶም መጓሰ ዚኽብክቡን እውን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ፡ ከምዚ ዘረባ እዚ ተዛረብዎ። 20 ‘እንሆ፡ ጊልያኻ ያእቆብ ብድሕሬና ኣሎ’ እውን በልዎ።” ከመይሲ፡ ‘ቀቅድመይ ህያብ ብምልኣኽ እንተ ኣዝሒለዮ፡ ድሕሪኡ ምስ ረኣኽዎ ብጽቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን’ ኢሉ ነበረ። 21 ስለዚ፡ እቲ ህያብ ቀቅድሚኡ ሰገረ፣ ንሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።
27 ሚያዝያ–3 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 34–35
“ሕማቕ ዕርክነት ዜስዕቦ ዜሕዝን ሳዕቤን”
(ዘፍጥረት 34:1) እታ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ፡ ምስ ኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ግዜ ንምሕላፍ ትወጽእ ነበረት።
ሴኬም—ኣብ ስንጭሮ ዝነበረት ከተማ
እቶም መንእሰያት ኣወዳት ናይታ ኸተማ ነዛ ወትሩ ናብ ከተማኦም እትመጽእ—መሰነይታ ዘይብላ ኢዩ ዝመስል—ድንግል ጓል እዚኣ ብኸመይ ኢዮም ክርእይዋ፧ ሓደ ወዲ ጐይታ እታ ሃገር “ረኣያ፡ ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን።” ዲና ምስተን ዘይስነ-ምግባራውያን ኣዋልድ ከንኣን ብምሕባር ሓደጋ ዝዓደመት ስለምንታይ ኢያ፧ ምሕዝነት ናይተን መሳቱኣ ዝነበራ ኣዋልድ የድልያ ምዃኑ ስለ እተሰመዓ ድዩ፧ ከም ገለ ካብቶም ብፍቓድ ርእሶም ዝመላለሱን ብነብሶም ዝሓድሩን ኣሕዋታ፡ ስለ ዝነበረት ድያ፧ ነቲ ናይ ዘፍጥረት ጸብጻብ ኣንብቦ እሞ፡ ነቲ ያእቆብን ልያን ብሰንኪ እቲ ጓሎም ናብ ሴኬም ዝገበረቶ ምልስ-ምልስ ዝመጸ ዘሰቅቕ ሳዕቤን ተሰሚዕዎም ክኸውን ዝነበሮ ጭንቀትን ሕፍረትን ድማ ክትግንዘቦ ፈትን።—ዘፍጥረት 34:1-31፣ 49:5-7፣ ብተወሳኺ ናይ 15 ሰነ 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ርአ።
(ዘፍጥረት 34:2) ሴኬም ወዲ ሓሞር እቲ ሒዋዊ፡ ሹም እታ ምድሪ እቲኣ፡ ምስ ረኣያ፡ ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ።
“ካብ ምንዝርና ህደሙ!”
14 ድሕርዚ፡ ሴኬም ብኣረኣእያኡ ንቡርን ቅቡልን ዚመስሎ ነገር ገበረ። ብዲና ስለ እተማረኸ፡ “ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ።” (ዘፍጥረት 34:1-4 ኣንብብ።) ብሰሪ እዚ ተግባር እዚ ዝሰዓበ ነገራት ድማ፡ ንዲናን ንብዘሎ ስድራ ቤታን ጓሂ ኣምጽኣሎም።—ዘፍጥረት 34:7, 25-31፣ ገላትያ 6:7, 8።
(ዘፍጥረት 34:7) ደቂ ያእቆብ ከኣ ብዛዕባኡ ሰሚዖም፡ ብኡብኡ ኻብ መሮር ተመልሱ። ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ፡ ኣብ እስራኤል ኪግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጐሃዩን ኣዝዮም ተቘጥዑን።
(ዘፍጥረት 34:25) ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘዉ ኸለዉ ግና፡ ክልተ ደቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌዊን፡ ኣሕዋት ዲና፡ ሰሰይፎም ወሲዶም፡ ናብታ ኸተማ ብድንገት ከይዶም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ።
ክትብደል ከለኻ
መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰባት ነቲ ብሰንኪ በደል ዝወረዶም ስምዒታዊ ስቓይ ንምህዳእ ኢሎም እዮም ሕነ ዚፈድዩ። ንኣብነት፡ ደቂ እቲ እብራዊ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ፡ እቲ ኸነኣናዊ ዝነበረ ሴኬም ንሓብቶም ዲና ኸም ዘነወራ ምስ ፈለጡ፡ “ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ።” (ዘፍጥረት 34:1-7) ክልተ ደቂ ያእቆብ ከኣ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሴኬምን ቤተሰቡን ውዲት ኣለሙ። ስምኦንን ሌዊን ነቶም ከነኣናውያን ኣታሊሎም ንሴኬምን ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮን ቀተልዎም።—ዘፍጥረት 34:13-27።
እሞኸ እዚ ዅሉ ደም ድሕሪ ምፍሳሱ፡ እቲ ጕዳይ ተፈቲሑዶ፧ ያእቆብ ነቲ ደቁ ዝገበርዎ ምስ ፈለጠ፡ “ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ . . . ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ። . . . ንሳቶም ከኣ ተአኪቦም ይቐትሉኒ፡ ኣነን ቤተይን ከኣ ንጠፍእ” ኢሉ ገንሖም። (ዘፍጥረት 34:30) እቲ ዝገበርዎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ዜደቅሶ፡ መሊሱ እዩ ኣጋዲድዎ፣ ከመይሲ፡ ስድራ ቤት ያእቆብ በቶም እተቘጥዑ ጐረባብቲ መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸይወርዳ ኽትጥንቀቕ ነበራ። ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸይወርዶም፡ ኣምላኽ ንያእቆብ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ቤትኤል ኪግዕዝ መምርሒ ሃቦ።—ዘፍጥረት 35:1, 5።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 35:8) ዴቦራ፡ መጕዚት ርብቃ፡ ኸኣ ሞተት፣ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዚፍ ኦም ድማ ተቐብረት። ስለዚ ኸኣ፡ ኣሎን-ባኹት ኢሉ ሰመዮ።
it-1 600 ¶4
ዴቦራ
1. ሞጕዚት ርብቃ። ርብቃ ንይስሃቅ ክትምርዖ ኢላ ኻብ እንዳ ኣቦኣ ቤቱኤል ክትነቅል ከላ፡ ዴቦራ ምስኣ ነቒላ እያ። (ዘፍ 24:59) ዴቦራ ኣብ እንዳ ይስሃቅ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ኣገልገለት፡ ምናልባት ድሕሪ ሞት ርብቃ ኣብ እንዳ ያእቆብ ከተገልግል ጀመረት። ካብቲ ርብቃ ንይስሃቅ እተመርዓወትሉ ኣስታት 125 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ዴቦራ ሞተት እሞ ኣብ ትሕቲ ሓደ ቤት-ኤል ዚርከብ ገዚፍ ኦም ተቐብረት። እቲ ነቲ ኦም እተዋህበ ስያመ ድማ (ኣሎን-ባኹት፡ ትርጉሙ “ገዚፍ ኦም ብኽያት”)፡ ብያእቆብን ብቤተ ሰቡን ክሳዕ ክንደይ ትፍቶ ኸም ዝነበረት ዚሕብር እዩ።—ዘፍ 35:8።
(ዘፍጥረት 35:22-26) እስራኤል ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ፣ እስራኤል ከኣ ሰምዐ። ኣወዳት ያእቆብ ድማ 12 ነበሩ። 23 ደቂ ልያ፡ እቲ በዅሪ ያእቆብ ዝዀነ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን ነበሩ። 24 ደቂ ራሄል፡ ዮሴፍን ብንያምን ነበሩ። 25 ደቂ ቢልሃ ገረድ ራሄል፡ ዳንን ንፍታሌምን ነበሩ። 26 ደቂ ዚልጳ ገረድ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቲ ናብ መሲሕ ዚመርሕ መስመር ወለዶ ምስ መሰል ብዅርና ምትእስሳር ነይርዎ ድዩ፧
ኣብ ገሊኡ እዋናት ምስዚ ዚሰማማዕ ሓሳባት ሂብና ኔርና ኢና። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ እብራውያን 12:16 እነንብቦ ሓሳባት ዚሰማማዕ እዩ ዚመስል ነይሩ። እታ ጥቕሲ፡ ኤሳው፡ ‘ንቕዱስ ነገራት ከም ዝነዓቐ’ ኸምኡ ድማ ‘ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ [ንያእቆብ] ከም ዝሸጠ’ ትገልጽ። እዚ ድማ ያእቆብ ኣቦሓጎ እቲ መሲሕ ኪኸውን ዝበቕዐ፡ ‘ብዅርና’ ምስ ረኸበ ኸም ዝዀነ እዩ ዚሕብር ነይሩ።—ማቴ. 1:2, 16፣ ሉቃ. 3:23, 34።
ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምስ እንምርምሮ ግና፡ ሓደ ሰብ ኣቦሓጎ እቲ መሲሕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ግድን በዅሪ ወዲ ኪኸውን ከም ዘየድልዮ እዩ ዚሕብረና። ንገለ ኻብቲ መርትዖታት እስከ ንመርምሮ፦
ካብ ደቂ ያእቆብ (እስራኤል)፡ እቲ ኻብ ልያ እተወልደ ሮቤል እዩ በዅሪ ነይሩ። ካብታ ያእቆብ ዝፈትዋ ሰበይቱ ራሄል ካብ እተወልዱ ደቂ ኸኣ፡ ዮሴፍ እዩ በዅሪ ነይሩ። ሮቤል ጾታዊ ርኽሰት ምስ ፈጸመ ድማ፡ መሰል ብዅርና ናብ ዮሴፍ ተመሓላለፈ። (ዘፍ. 29:31-35፣ 30:22-25፣ 35:22-26፣ 49:22-26፣ 1 ዜና 5:1, 2) ይኹን እምበር፡ እቲ መሲሕ ብመስመር ወለዶ ሮቤል ወይ ዮሴፍ ኣይኰነን መጺኡ። በቲ ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶ ራብዓይ ወዲ ዝነበረ ይሁዳ ኣቢሉ እዩ መጺኡ።—ዘፍ. 49:10።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 34:1-19) እታ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ፡ ምስ ኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ግዜ ንምሕላፍ ትወጽእ ነበረት። 2 ሴኬም ወዲ ሓሞር እቲ ሒዋዊ፡ ሹም እታ ምድሪ እቲኣ፡ ምስ ረኣያ፡ ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ። 3 ንሱ ኸኣ ንዲና ጓል ያእቆብ ኣዝዩ ፈተዋ፣ ምስታ ጓል ድማ ፍቕሪ ሓዞ፡ ንልባ ብዜእምን እውን ተዛረባ። 4 ሴኬም ከኣ ንኣቦኡ ሓሞር፡ “ነዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትኰነኒ ኣምጽኣለይ” በሎ። 5 ያእቆብ ድማ ንሱ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፡ ደቁ ምስ መጓሰኡ ኣብ መሮር ነበሩ። ስለዚ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚምለሱ፡ ስቕ በለ። 6 ጸኒሑ፡ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ምስ ያእቆብ ኪዛረብ ከደ። 7 ደቂ ያእቆብ ከኣ ብዛዕባኡ ሰሚዖም፡ ብኡብኡ ኻብ መሮር ተመልሱ። ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ፡ ኣብ እስራኤል ኪግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጐሃዩን ኣዝዮም ተቘጥዑን። 8 ሓሞር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ወደይ ሴኬም ንጓልኩም ኣዝዩ ይምነያ እዩ። በጃኹም ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃብዎ፣ 9 ምሳና ኸኣ ተዋሰቡ። ኣዋልድኩም ሃቡና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣዋልድና ውሰዱ። 10 ምሳና ድማ ክትቅመጡ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ። ኣብኣ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ስፈርዋን።” 11 ሴኬም ከኣ ንኣቦኣን ንኣሕዋታን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሞገስ እርከብ እምበር፡ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ እየ። 12 ኣዝዩ ብዙሕ ገዝምን ህያብን ክትእዝዙኒ ትኽእሉ ኢኹም። ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ ፍቓደኛ እየ። ሓንትስ ነታ ጓል ደኣ ሰበይቲ ኽትኰነኒ ሃቡኒ” በሎም። 13 ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሱ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘርከሳ፡ ንሴኬምን ንኣቦኡ ሓሞርን ብተንኰል ተዛረብዎም። 14 ከምዚ ድማ በልዎም፦ “ሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ፡ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። 15 ኵሉ ተባዕታይኩም ብምግዛር ከማና እንተ ዄንኩም፡ በዚ ጥራይ ኢና ሕራይ እንብለኩም። 16 ሽዑ፡ ኣዋልድና ንህበኩም፡ ንዓና ኸኣ ኣዋልድኩም ንወስድ፣ ምሳኻትኩም ድማ ንቕመጥ፡ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን። 17 ክትግዘሩ እንተ ዘይሰሚዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።” 18 ዘረባኦም ከኣ ንሓሞርን ንሴኬም ወዲ ሓሞርን ባህ ኣበሎም። 19 እቲ ጐበዝ ድማ ብጓል ያእቆብ ደስ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ዝበልዎ ንምግባር ኣይደንጐየን፣ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ።