ብልማድ እትገብሮ ነገራት ንጥቕምኻ ከም ዝኸውን ግበሮ
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ከባቢ ኸተማ ኣቴንስ ን12 ዓመታት ተቐመጠ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብ ስርሑ ናብ ቤቱ ብሓንቲ መገዲ ይመላለስ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ገዛ ቐይሩ ብኻልእ ወገን ናይታ ኸተማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ገዓዘ። ሓደ መዓልቲ ኻብ ስራሕ ምስ ወጸ: ናብ ቤቱ ክኸይድ ጀመረ። ኣብቲ ናይ ቀደም ገዛውቱ ኽሳዕ ዝበጽሕ መገዱ ስሒቱ ይጓዓዝ ምንባሩ ኣይተረድኦን። ብልማድ ናብቲ ናይ ቀደም ገዝኡ ኸደ!
እምበኣር: ልማድ ከይሓሰብካ ዝግበርን ንህይወትና ኣጸቢቑ ዝጸሉን ኢዩ እንተ ተባህለ ኣየገርምን ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ልማድ ምስ ሓዊ ኽመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ሓዊ ኣብ ግዜ ጸልማት ባህ ዘብል ብርሃን ክህበና: ንኣካላትና ኸምውቕ: ከምኡውን ንምግብና ኸብስል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ህይወትን ጥሪትን ዘጥፍእ ሕሱም ጸላኢ ዝዀነሉ እዋን እውን ኣሎ። ልማድ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ብጽቡቕ እንተ ተዀስኲሱ: ብዙሕ ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጐዳኢ ዝዀነሉ ግዜ እውን ኣሎ።
እቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ሰብኣይ: ልማድ ግዜኡ ኣብ መገዲ ኸም ዘባኽን ጥራይ ኢዩ ገይርዎ። ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ምስ ዝኸውን ግን ብልማድ እንገብሮ ነገራት ዕዉታት ከም እንኸውን ወይ ናብ ጥፍኣት ከም እነምርሕ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ልማድ ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎትን ምስኡ ኣብ ዘሎና ርክብን ብኸመይ ሓገዝ ወይ ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ እተፈላለየ ሓቀኛ ታሪኽ ህይወት እስከ ንርአ።
ጽቡቕን ሕማቕን ልማድ ዝነበሮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ኣብነታት
ኖህን እዮብን ዳንኤልን ምስ ኣምላኽ ብዝነበሮም ጥብቂ ርክብ ተባሪኾም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ብጽድቆም” ወዲስዎም ኢዩ። (ህዝቅኤል 14:14) እቲ ዘገድስ ግን: እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኣቶም ኣብ ኣነባብራኦም ጽቡቕ ልማድ ኣማዕቢሎም ከም ዝነበሩ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።
ኖህ ካብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ እትነውሕ: ቁመታ ድማ ካብ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ እትዛይድ መርከብ ኢዩ ኽሰርሕ ተኣዚዙ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ፕሮጀክት ንዝዀነ ይኹን ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሰራሕ መርከብ ዓቕሉ ከም ዘጽብበሉ ፍሉጥ ኢዩ። ኖህን ሸውዓተ ኣባላት ስድራቤቱን ብዘይ ዘመናዊ መሳርሒታት ነታ መርከብ ሰርሕዋ። ኣብ ርእሲ እዚ ኖህ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ይሰብከሎም ነበረ። ንስድራቤቱ ብመንፈሳውን ስጋውን ዘድልዮም ይቕርበሎም ምንባሩ እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኖህ ነዚ ዅሉ ንምፍጻም ጽቡቕ ልማድ ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ከምቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ተመዝጊቡ ዘሎ “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ። . . . ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ [ድማ] ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:9, 22፣ 7:5) መጽሓፍ ቅዱስ “እንታ ዜብሉ” ስለ ዝበሎ: ድሕሪ ማይ ኣይሂ: ዋላ እውን ኣብ ባቤል ሰባት ካብ የሆዋ ምስ ዓለዉ: ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ቀጺሉ ክኸውን ኣለዎ። ኖህ ወዲ 950 ዓመት ኰይኑ ኽሳዕ ዝመውት ብርግጽ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ ኢዩ።—ዘፍጥረት 9:29
እዮብ ዝነበሮ ጽቡቕ ልማድ “ፍጹምን ቅኑዕን” ንኽኸውን ሓጊዝዎ ኢዩ። (እዮብ 1:1, 8፣ 2:3) ደቁ ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልትታት ምስ ሓለፋ ምናልባሽ “በዲሎም: ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ” ብምባል ብልምዲ ኸም ናይ ስድራቤት ካህን ኰይኑ የገልግል: “ኵሉ ግዜ [ድማ] ኸምዚ ይገብር ነበረ።” (እዮብ 1:5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስድራቤት እዮብ ንየሆዋ ዝቐርብ ኣምልኾ ቐዳምነት ትህቦ ምንባራ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ዳንኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ “ዅሉ ጊዜ” የገልግሎ ነበረ። (ዳንኤል 6:16, 20) ዳንኤል እንታይ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳት ነበሮ፧ ብቐዳምነት: ከየባተኸ ናብ የሆዋ ይጽሊ ነበረ። ጸሎት ንኸይግበር መንግስቲ ኣዋጅ እኳ እንተ ኣውጽአ: “ከምቲ . . . ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ: ጸለየን አመስገነን።” (ዳንኤል 6:10 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንህይወቱ ኣስጋኢ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ናብ ኣምላኽ ናይ ምጽላይ ልማዱ ኣየቋረጾን። እዚ ልማድ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናኡ ሓልዩ ንኽመላለስ ከም ዝደገፎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዳንኤል ነቲ ዘደንቕ መብጽዓታት ኣምላኽ ናይ ምጽናዕን ብዛዕባኡ ናይ ምስትንታንን ጽቡቕ ልማድ ከም ዝነበሮ እውን ፍሉጥ ኢዩ። (ኤርምያስ 25:11, 12፣ ዳንኤል 9:2) እዚ ጽቡቕ ልማድ እዚ ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ጕያ ኽሳዕ መወዳእታ ተጸሚሙ ብተኣማንነት ንኽጐዪ ብርግጽ ሓጊዝዎ ኢዩ።
ብኣንጻሩ ዲና ሕማቕ ልማድ ስለ ዝነበራ ዘሕዝን ሳዕቤን ኣጋጢምዋ ኢዩ። ነተን ንየሆዋ ዘየምልኻ “ኣዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ትወጽእ ነበረት።” (ዘፍጥረት 34:1 NW ) እዚ ዘይጐድእ ዝመስል ልማድ ከቢድ ሳዕቤን ኣምጽአ። ቀዳማይ ነገር: እቲ ‘ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ዝኸበረ’ ሴኬም ዝበሃል ጐበዝ ኣነወራ። ድሕሪኡ: ክልተ ኣሕዋታ ሕነ ንምፍዳይ ብዝወሰድዎ ስጕምቲ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ተቐትሉ። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ሕማቕ ሳዕቤን ኰን ኢዩ!—ዘፍጥረት 34:19, 25-29
ልማድና ንጕድኣትና ዘይኰነስ ንጥቕምና ኸም ዝኸውን ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ልማድና ንጥቕምና ከም ዝኸውን ምግባር
ሓደ ፈላስፋ “ልማድ ዕድሎት ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እንተዀነ ግን: የግዲ ዕድሎት ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ሕማቕ ልማድና ገዲፍና ጽቡቕ ልማድ ንምዅስኳስ ክንመርጽ ከም እንኽእል ብንጹር ገሊጹ ኣሎ።
ጽቡቕ ልማድ ምስ ዝህልወና ክርስትያናዊ ኣነባብራ ዝያዳ ውጽኢታውን ዝቐለለን ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ግሪኽ ዝነብር ኣሌክስ ዝበሃል ክርስትያን “ሓደ ነገር ንምፍጻም መደብ ናይ ምሕላው ልማደይ ግዜ ንኽቝጥብ ሓጊዙኒ ኢዩ” ይብል። ሓደ ቴዮፍለስ ዝበሃል ክርስትያን ሽማግለ: መደብ ናይ ምግባር ልማዱ ውጽኢታዊ ንኽኸውን ከም ዝሓገዞ ይገልጽ። ከምዚ ድማ በለ:- “ጽቡቕ መደብ ናይ ምግባር ልማድ እንተ ዘይህልወኒ ነይሩ: ክርስትያናዊ ሓላፍነታተይ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኽስከሞ ኸም ዘይክእል ምሉእ ብምሉእ እኣምን ኢየ።”
ከም ክርስትያናት መጠን “ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ዝብል ምትብባዕ ተዋሂቡና ኣሎ። (ፊልጲ 3:16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓደ መገዲ ኽበሃል ከሎ “ተደጋጋሚ . . . ተግባር ናይ ሓደ መስርሕ” ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ልማድ ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ኣብ ምሕሳብ ግዜና ንኸይነጥፍእ ስለ ዝሕግዘና ይጠቕመና ኢዩ፣ ከመይሲ ብልማድ እንስዕቦ ሰናይ ተግባራት ሰሪትና ኣሎና። ጽቡቕ ልማድ እንተልዩካ ዳርጋ ኸይሓሰብካ ኢኻ ስጕምቲ እትወስድ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጥንቁቕ መራሒ ማኪና ኣብ መገዲ ሓደጋ ኸጋጥሞ ኸሎ ህይወት ንምድሓን ብልማድ ቅጽበታዊ ውሳነ ዝገብር: ጽቡቕ ልማድ እውን ኣብ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ብቕልጡፍ ቅኑዕ ውሳነ ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
ጀረሚ ተይለር ዝበሃል እንግሊዛዊ ጸሓፊ “ልማድ ውጽኢት ተግባር ኢዩ” በለ። ጽቡቕ ልማድ እንተለና: ብዙሕ ከይተጸገምና ሰናይ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ከም ክርስትያናት ኣገልገልቲ መጠን ኣብ ዕዮ ስብከት ስርዓታውያን ኴንና ናይ ምስታፍ ልማድ እንተለና: ግራት ኣገልግሎት ምኻድ ዝቐለለን ብዝያዳ ዘሐጕስን ይዀነልና። ብዛዕባ ሃዋርያት: “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ” ዝብል ነንብብ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ 17:2) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ሓሓሊፍና ጥራይ ነገልግል ምስ እንኸውን: ጭንቀት ስለ ዝስምዓና ኣብዚ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ንጥፈት ምክፋል ክሳዕ እንለምድ ዝያዳ ግዜ ኸድልየና ኢዩ።
እዚ ኣብ ካልእ መዳያት ክርስትያናዊ ልማድና እውን ዝውዕል ኢዩ። ጽቡቕ ልማድ እንተድኣ ኣልዩና ‘ንቓል ኣምላኽ መዓልትን ለይትን’ ንኸነንብቦ ይሕግዘና ኢዩ። (እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:2) ሓደ ክርስትያን ምሸት ቅድሚ ምድቃሱ ካብ 20 ክሳዕ 30 ደቒቕ ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኣለዎ። ዋላ እውን ደኺሙ ኸሎ: ከየንበበ ናብ ዓራቱ እንተድኣ ኣትዩ: ጽቡቕ ድቃስ ኣይወስዶን። ካብ ዓራቱ ተሲኡ ንመንፈሳዊ ድሌቱ ኸማልእ ኣለዎ። እዚ ጽቡቕ ልማድ እዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቡ ንኽውድኦ ሓጊዝዎ ኢዩ።
እቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ዝግበረሉ ዝነበረ ኣኼባታት ናይ ምክፋል ልማድ ነበሮ። “ብመዓልቲ ሰንበት . . . ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት አተወ: ኬንብብውን ተንስኤ።” (ሉቃስ 4:16) ዓቢ ስድራቤት ዘለዎን ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሕን ጆ ዝበሃል ሽማግለ: እቲ ልማዱ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዀይኑ ናይ ምክፋል ባህጊ ንኽሓድሮ ሓጊዝዎ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “እዚ ልማድ እዚ ጸገማትን ሽግራትን ንኽዋጽኣሉ ዘኽእለኒ ብዝያዳ ዘድልየኒ መንፈሳዊ ምትብባዕ ስለ ዝህበኒ: ጸኒዐ ንኽቕጽል ሓጊዙኒ ኢዩ።”—እብራውያን 10:24, 25
ከምዚ ዝኣመሰለ ልማድ ኣብቲ ክርስትያናት ንህይወት ዝገብርዎ ጕያ ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስደት እተውርድ ሃገር ካብ ዘለዉ ኣሕዋት ዝመጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቶም ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድን ንሓቂ ዓሚቝ ሞሳን ዘለዎም ፈተናታት ክመጽእ ከሎ ጽኑዓት ንምዃን ኣየጸግሞምን ኢዩ: እቶም ‘ኣብ ግዜ’ ደሓን ካብ ኣኼባታት ዝበዅሩ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ዘይኰኑ: ከምኡውን ብንኣሽቱ ጕዳያት ዝለማመጡ ግን ‘ከቢድ’ ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ ይወድቁ ኢዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 4:2
ሕማቕ ልማድ ኣርሒቕካ ጽቡቕ ልማድ ኰስኵስ
‘ሰብ ነቲ ዝኽእሎ ልማድ ጥራይ ክዅስኵስ ኣለዎ’ ይበሃል ኢዩ። ሕማቕ ልማድ ብርግጽ ጨቋኒ ጐይታ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከነርሕቖ ንኽእል ኢና።
ስቴላ ንእተወሰነ እዋን ቲቪ ናይ ምርኣይ ወልፊ ነበራ። “መብዛሕትኡ እዋን ንዅሉ እቲ ዝነበረኒ ሕማቕ ልማድ ‘ናይ ግርህነት’ ምኽንያት እህበሉ ነይረ” ብምባል ድማ ትእመን። ነቲ ኻብ መጠን ንላዕሊ ቲቪ ናይ ምርኣይ ልማዳ እውን ተመኻንየሉ ነበረት። “ቁሩብ ንምዝንጋዕ” ወይ “ለውጢ ንኽዀነኒ” ብምባል ተመኻኒ ነበረት። እቲ ሕማቕ ልማዳ ግን ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ዀነ እሞ ንነዊሕ ሰዓታት ቴለቪዥን ክትርኢ ጀመረት። “እዚ ሕማቕ ልማድ እዚ: እንተወሓደ ንመንፈሳዊ ዕቤተይ ዓጊትዎ ኢዩ” ድማ በለት። ኣብ መወዳእታ ቈራጽነት ብምግባር ቲቪ ኣብ ምርኣይ እተሕልፎ ግዜ ቐነሰት: ብዝያዳ መራጺት ከኣ ኰነት። ከምዚ ትብል:- “ነዚ ልማድ እዚ ኸጥፍኦ ዝደለኹ ንምንታይ ምዃኑ ኽዝክር እጽዕር ኢየ: ኣብ ውሳነይ ጸኒዐ ምእንቲ ኽቕጽል ድማ ኣብ የሆዋ ኢየ ዝውከል።”
ሓደ ካራላምበስ ዝበሃል ክርስትያን: ሎሚ ጽባሕ ናይ ምባል ሕማቕ ልማድ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይገብር ከም ዝዓገቶ ይጠቅስ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ናይ ምድንጓይ ልማድ ጐዳኢ ምዃኑ ምስ ኣስተውዓልኩ: ኣነባብራይ ንምቕያር ክጽዕር ጀመርኩ። ሸቶታት ክገብር ከለኹ: ብፍላይ መዓስን ብኸመይን ክዓዮ ከም ዘለኒ መደብ አውጽእ። ንውሳነታተይን መደባተይን ወትሩ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነቲ ዝነበረኒ ጸገም ፈታሕክዎ: ክሳዕ ሕጂ ድማ እዚ ጽቡቕ ልማድ ኰይኑኒ ኣሎ።” ብርግጽ እምበኣር ሕማቕ ልማድ ንምጥፋእ እቲ ዝበለጸ መገዲ ብጽቡቕ ልማድ ምትክኡ ኢዩ።
ኣዕሩኽና እውን እንተዀኑ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ልማድ ንኸነማዕብል ምኽንያት ክዀኑና ይኽእሉ ኢዮም። ጽቡቕ ልማድ ልክዕ ከም ሕማቕ ልማድ ክመሓላለፍ ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ‘ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ ዘጥፍኦ:’ ጽቡቕ ዕርክነት ድማ ሰናይ ልማድ ንኽንቀድሕ ኣብነታት የቕርበልና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ልማድ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከበርትዖ ወይ ከድክሞ ይኽእል ኢዩ። ስቴላ “ጽቡቕ ልማድ እንተሎካ: ንየሆዋ ምግልጋል ይቐለልካ። ጐዳኢ ልማድ እንተሎካ ግን ንጻዕርታትና ዕንቅፋት ይዀኖ ኢዩ” በለት።
ጽቡቕ ልማድ ኰስኵስ: ንህይወትካ ድማ ምርሓሉ። ኣብ ህይወትካ ሓያልን ጠቓምን ጽልዋ ኽህልዎ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ልማድ ልክዕ ከም ሓዊ ጠቓሚ ወይ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ቓል ኣምላኽ ናይ ምንባብ ልማድ ነበሮ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ የደልድሎ ኢዩ