እያሱ
1 ድሕሪ ሞት ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ የሆዋ ንእያሱ* ወዲ ነዌ፡ ኣገልጋሊ+ ሙሴ ኸምዚ በሎ፦+ 2 “ሙሴ ጊልያይ ሞይቱ እዩ።+ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ዮርዳኖስ ተሳገር፣ ንስኻ ምስ ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኣነ ንዓታቶም፡ ንህዝቢ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ኺድ።+ 3 ከምቲ ንሙሴ ዘተስፎኽዎ፡ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ኽህበኩም እየ።+ 4 ሃገርኩም ካብ በረኻ ኽሳብ ሊባኖስ፡ ክሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፡—ኵላ ምድሪ ሔታውያን፡+—ብምዕራብ* ከኣ ክሳብ እቲ ዓብዪ ባሕሪ* ኪኸውን እዩ።+ 5 ምሉእ ዕድሜኻ ኺቃወመካ ዚኽእል የልቦን።+ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ።+ ኣይክጥንጥነካን፡ ኣይክሓድገካን እውን እየ።+ 6 ነዚ ህዝቢ እዚ ነታ ኽህቦም ኢለ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ+ እተውርሶ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትባዕን በርትዕን።+
7 “ሓንትስ ትባዕ፡ ኣዚኻ በርትዕ፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ዝኣዘዘካ ሕጊ ድማ ተጠንቂቕካ ሓሉ። ኣብ እትኸዶ ዘበለ ብጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ፡+ ካብኡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 8 ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡+ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ።*+ ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።+ 9 ‘ትባዕን በርትዕን’ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ እትኸዶ ዘበለ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ወይ ኣይትፍራህ።”+
10 ሽዑ፡ እያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 11 “ብማእከል እቲ ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ተሳጊርኩም፡ ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትርስተይዋ ዚህበኩም ምድሪ ኽትኣትውዋን ክትርስተይዋን ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ ኢልኩም ኣዝዝዎም።”+
12 እያሱ ድማ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ከምዚ በሎም፦ 13 “ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ዘክሩ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም ኣዕሪፉኩምን እዛ ምድሪ እዚኣ ሂቡኩምን ኣሎ። 14 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ማልኩምን ኣብታ ሙሴ ኣብዚ ሸነኽ* ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ኪቕመጡ እዮም፣+ ኵልኹም ሓያላት ጀጋኑ+ ግና ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ተሰሊፍኩም ተሳገሩ።+ 15 የሆዋ ኸምቲ ንዓኻትኩም ዘዕረፈኩም፡ ንኣሕዋትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ ንሳቶም እውን ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ፡ ሓግዝዎም። ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃበኩም ምድሪ፡ ናብታ ኽትርስተይዋ እተዋህበትኩም ምድሪ ተመሊስኩም ተረስተይዋ።’”+
16 ንሳቶም ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ዝኣዘዝካና ዅሉ ንገብር፡ ናብ ዝሰደድካና ዘበለ እውን ንኸይድ።+ 17 ከምቲ ዅሉ እቲ ሙሴ ዝበሎ ዝሰማዕና፡ ንዓኻ እውን ክንሰምዓካ ኢና። ሓንትስ የሆዋ ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን።+ 18 ካብ ትእዛዝካ ዝዓለወን ንዅሉ እትእዝዞ ዘይእዘዝን ዘበለ ሰብ ይቀተል።+ ሓንትስ ትባዕን በርትዕን።”+