ትንቢት ኪፈትሕ ዚኽእል መን እዩ፧
ቍጻር ጎርድዮስ (ጎርድያን ኖት)፡ ኣብ መዓልትታት፡ ኣለክሳንደር ዓብዪ፡ እቲ ዝኸበደ ግድል ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ነቲ እተሓላለኸ ቝጻር ኪፈትሕ ዚኽእል ሰብ፡ ጥበበኛን ዓብዪ ስዕረት ከም ዝሰዓረን እዩ ዚቝጸር ነይሩ።a ብመሰረት ኣፈ ታሪኽ፡ ኣለክሳንደር ብሓንቲ ፈተነ፡ ሰይፉ መዚዙ ብምውቃዕ ነቲ ግድል ፈትሖ።
ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ጥበበኛታት ሰባት ንኣጸጋሚ ቝጻር ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግድላት ንምፍታሕ፡ ትንቢታት ንምትርጓም፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዚመጽእ ንምትንባይ እውን ከይተረፈ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም።
ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ምስጢራት እዚ ኺፈትሕዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ቤተ መንግስቱ ዓብዪ ድግስ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብቲ መንደቕ ጽሕፈት ኢድ ምስ ተራእየ፡ ጠቢባን ባቢሎን ንትርጕም እቲ ጽሑፍ ኪፈትሕዎ ኣይክኣሉን። ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘ ጽሑፍ ኪፈትሖ ዝኸኣለ፡ እቲ “ቝጻራት ብምፍታሕ” ዚፍለጥ ዝነበረ፡ ብዕድመ ዝደፍአ፡ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ነብዪ ዝዀነ ዳንኤል ጥራይ እዩ ነይሩ። (ዳንኤል 5:12) እቲ ንጥፍኣት ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዚምልከት ትንቢት ኣብታ ለይቲ እቲኣ ተፈጸመ።—ዳንኤል 5:1, 4-8, 25-30።
ትንቢት እንታይ እዩ፧
ትንቢት ብዛዕባ መጻኢ እተገልጸ፡ ወይ ድማ ከይኰነ ኸሎ ኣቐዲሙ እተመዝገበ ፍጻመታት ዚብል ትርጕም ተዋሂብዎ ኣሎ። ናይ ሓቂ ትንቢት፡ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ወይ እተነገረ መልእኽቲ ዀይኑ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ፍቓድን ዕላማን ዚገልጽ ራእይ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምቕልቃልን መንነትን እቲ መሲሕ፡ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም፡” ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚወርድ መልእኽቲ ፍርዲ ዚገልጽ ትንቢት ተመዝጊቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 24:3፣ ዳንኤል 9:25።
ሎሚ ዘለዉ “ጠቢባን፡” ማለት ብስነ ፍልጠት፡ ብቝጠባ፡ ብጥዕና፡ ብፖለቲካ፡ ብኸባቢ፡ ኰነ ብኻልእ ብዙሕ ዓውድታት ክኢላታት ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኺንበዩ ይጽዕሩ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንመብዛሕትኡ ትንቢታቶም የዋዓውዕዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ህዝቢ ድማ ተሃንጥዩ ዚሰምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ ትንቢታቶም ኣብ ሰብኣዊ ፍልጠትን ርእይቶን ተመርኲስካ ዚወሃብ ግምታዊ ሓሳባት ደኣ እምበር፡ ናይ ሓቂ ትንቢት ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ንዅሉ እቲ ዝቐረበ ርእይቶ፡ ብዙሕ ናይ ተቓውሞ ርእይቶታትን መጐተታትን ይቐርበሉ እዩ። ብዛዕባ መጻኢ ኽትንበ ምፍታን ብሓቂ ሓደገኛ እዩ።
ምንጪ ናይ ሓቂ ትንቢት
ናይ ሓቂ ትንቢታት ደኣ እሞ ኻበይ እዩ ዚምንጭ፧ መንከ እዩ ኺፈትሖ ወይ ኪትርጕሞ ዚኽእል፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 1:20) እታ ኣብዚ “ትርጉሙ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምፍታሑ፡ ምግሃዱ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ዀይኑ፡ “እቲ እተለቕቀ ወይ እተፈትሐ፡ ኣቐዲሙ ተኣሲሩ ኸም ዝነበረ” እያ እትሕብር። ስለዚ ድማ፡ ዘ ኣምፕሊፋይድ ኒው ተስታመንት ንቓላት ጴጥሮስ፡ “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት . . . ምፍታሑ ኻብ ብሕቲ . . . ኣይኰነን” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።
ሓደ መርከበኛ ንሓደ ገመድ ብኽእለት ሓላሊኹ ኪቛጽሮ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ቝጻር ምስ ተዛዘመ፡ ሓደ ተራ ሰብ ነቲ እተቛጸረ ገመድ ኪርእዮ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከመይ ገይሩ ኸም ዚፈትሖ ግና ኣይፈልጥን እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሰባት ነቲ ናብ እተሓላለኸ ጸገማት ዚመርሕ ነገራት ኪርእይዎ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ መወዳእታኡ ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ግና ኪፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም።
እቶም ከም ዳንኤል ዝኣመሰሉ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ነብያት፡ ነቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዅነታት ብምምርማር ድሕሪኡ ኸኣ ትንቢት ብምትንባይ ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ሕልኽላኻት ንኺፈትሕዎ ኣይኰኑን ዚጽዕሩ ነይሮም። ንመጻኢ በዚ መገዲ እዚ ኺፈትሕዎ እንተ ዚጽዕሩ፡ ትንቢቶም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ግምት እተመርኰሰ ምዀነ ነይሩ። እቲ ትንቢት ድማ፡ ኣብ ዘይፍጽምና እተመስረተ ሰብኣዊ ትንቢት ምዀነ ነይሩ። ጴጥሮስ ከም ዝገለጾ ግና፡ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:21።
“ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”
ገለ 3,700 ዓመት ይገብር፡ ክልተ ሰብኡት ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ድማ መሳጢ ሕልሚ ሓለሙ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ጠቢባን ኪረኽብዎም ስለ ዘይክእሉ፡ ንሓደ ዮሴፍ ዚብሃል መተኣስርቶም፡ “ሕልሚ ሐሊምና እሞ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን” ኢሎም ነገርዎ። ዮሴፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧” ብምባል ነቲ ሕልሚ ኺነግርዎ ኣተባብዖም። (ዘፍጥረት 40:8) ልክዕ ከምቲ ኣብ መራኽብ ንሓደ እተሓላለኸ ቍጻር ኪፈትሕ ዚኽእል ተመክሮ ዘለዎ መርከበኛ ጥራይ ዝዀነ፡ ትንቢት ኪፈትሕ ዚኽእል ድማ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ከመይሲ፡ ነቲ ትንቢታት እቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንትርጕም እቲ ትንቢት ኪፈትሖ ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ዮሴፍ፡ ምፍታሕ ናይ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምግላጹ እምበኣር ሓቁ እዩ።
“ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄር” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ምዃኑ ዜብርህ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገሊኡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፍጻሜኡ ተመዝጊቡ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ መርከበኛ ንገለ ቝጻር ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ቀሊል መብርሂ ኺህብ ዚኽእል፡ እዚ ትንቢታት እዚ እውን ብቐሊሉ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 18:14፣ 21:2።
ገሊኡ ትንቢታት ኣብ ከባቢ እቲ ትንቢት ንዘሎ ሓሳባት ብምምርማር ኪግለጽ ወይ ኪፍታሕ ይኽእል እዩ። ነብዪ ዳንኤል፡ “ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቐርኒ” ዝነበረቶ “ድቤላ” ንሓደ “ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል” ብሓይሊ ኺወቕዖ ኸሎ ዜርኢ ትንቢታዊ ራእይ ረኣየ። እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል “ነገስታት ሜዶንን ፋርስን” ምዃኑ፡ እቲ ድቤላ ድማ፡ “ንጉስ ዮናኒ” ወይ ንጉስ ግሪኽ ምዃኑ ኣብቲ ሓሳባት በሪሁ ኣሎ። (ዳንኤል 8:3-8, 20-22፣ ትርጕም 1990) እቲ፡ ነታ “ዓባይ ቀርኒ” ዜመልክት፡ ኣለክሳንደር ዓብዪ፡ ልዕሊ 200 ዓመት ጸኒሑ፡ ንፋርስ ኪወርራ ጀመረ። እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝነበረ ጆሰፈስ፡ ኣለክሳንደር ኣብ ማእከል የሩሳሌም ወተሃደራዊ ወፈራ ምስ ገበረ፡ ገሊኣቶም ነዚ ትንቢት እዚ ኸም ዘርኣይዎን እቲ ትንቢት ንዕኡ ዜመልክት ምዃኑ ኸም ዝኣመነሉን ሓቢሩ ኣሎ።
“ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄር” ዝዀነሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። እቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ፡ ንትርጕም እቲ መተኣስርቱ ዝነገርዎ ዜደንጹ ሕልሚ ኺርድኦ ኽኢሉ እዩ። (ዘፍጥረት 41:38) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ትንቢት ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ርግጸኛታት እንተ ዘይኰይኖም፡ መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃቦም ድሕሪ ምጽላይ፡ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ብትግሃት የጽንዕዎን ይምርምርዎን እዮም። ብመሪሕነት ኣምላኽ፡ ንትርጕም ገሊኡ ትንቢታት ዚገልጽ ጥቕስታት ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምፍታሕ ብደቂ ሰብ ኣቢሉ ብተኣምራዊ መገዲ ዚመጽእ ኣይኰነን። ትርጕም እቲ ትንቢት ዚበርህ፡ ብመንፈስ ኣምላኽን ብመጽሓፍ ቅዱስን ኣቢሉ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ምፍታሑ ወይ ትርጕሙ ኻብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። በቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዚንበዩ ደቂ ሰብ ኪፍታሕ ኣይክእልን እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:12-21።
“ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄር” ዝዀነሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሓደ ትንቢት መዓስ ኪርድእዎ ኸም ዘለዎም ዚውስንን ዚመርሕን ኣምላኽ ብምዃኑ እዩ። ትርጕም ሓደ ትንቢት፡ እቲ ትንቢት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እናተፈጸመ ኸሎ፡ ወይ ድሕሪ ምፍጻሙ ኺፍለጥ ይኽእል እዩ። ንትንቢታት ዝገበረ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግዜኡ፡ ኰታስ ኣብቲ ንሱ ዝደለዮ ግዜ ዚፈትሖ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ።
ኣብቲ ናይ ዮሴፍን ናይቶም ክልተ እሱራትን ጸብጻብ እንተ ርኢና፡ ዮሴፍ ንሕልምታቶም ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሙ እዩ ፈቲሕዎ። (ዘፍጥረት 40:13, 19) ድሕሪ እዚ፡ ዮሴፍ ንሕልምታት ንጉስ ፈርኦን ንኺፈትሕ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ምስ ቀረበ፡ እተን ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ዚጅምራሉ እዋን እዩ ነይሩ። ዮሴፍ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ንትርጕም እቲ ሕልምታት ስለ ዝፈትሖ፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ብዝሒ እኽሊ ንምእካብ መሰናድዎታት ተገብረ።—ዘፍጥረት 41:29, 39, 40።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንገሊኡ ትንቢታት፡ ምስ ተፈጸመ ጥራይ እዮም ምሉእ ብምሉእ ዚርድእዎ። ኣብ ህይወት የሱስ እተፈጸመ ሓያሎ ፍጻመታት፡ ቅድሚ ውልደት የሱስ ዘመናት ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ጐይታኦም ክሳዕ ዚትንስእ ነዚ ትንቢት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም። (መዝሙር 22:18፣ 34:20፣ ዮሃንስ 19:24, 36) ብዘይካዚ፡ ብመሰረት ዳንኤል 12:4፡ ገሊኡ ትንቢታት፡ ‘ክሳዕ እቲ ምስትውዓል እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘመን መወዳእታ’ ዚመጽእ ተዓጽዩ ጸኒሑ እዩ። እዚ ትንቢታት እዚ ኣብ ዚፍጸመሉ ዘሎ ግዜ ኸኣ ኢና እንነብር ዘለና።b
ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ንስኻን
ዮሴፍን ዳንኤልን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ነገስታት ደው ብምባል፡ ንሃገራትን ንመንግስትታትን ዝተንከፈ ትንቢታዊ መልእኽቲ ሂቦም እዮም። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ከም ኣፈኛታት እቲ ኣምላኽ ትንቢት ዝዀነ የሆዋ ዀይኖም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ህዝቢ ደው ብምባል፡ ነቶም ንመልእኽቶም ዚሰምዑ ዘበሉ ብዙሕ ረቢሖምዎም እዮም።
ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝዀነ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጅዎ ኣለዉ፣ እቲ የሱስ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” እተነበዮ ትንቢት ይፍጸም ከም ዘሎ እውን ንሰባት ይነግርዎም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:3, 14) እቲ ትንቢት እቲ፡ እንታይ ምዃኑ፡ ንዓኻ ድማ ብኸመይ ከም ዚትንክፈካ ትፈልጥዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነዚ ሓደ ኻብቲ ዓበይቲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ትንቢት፡ ንኽትርድኦን ካብኡ ንኽትጥቀምን ኪሕግዙኻ ሕጉሳት እዮም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብመሰረት ኣፈ ታሪኽ ግሪኽ፡ እቲ ጎርድዩስ ዚብሃል መስራቲ እታ ርእሰ ኸተማ ፍርግያ ዝዀነት ጎርድዩም፡ ንሰረገላኡ ብእተሓላለኸ ቝጻር ምስ ሓደ ዓንዲ ኣሰሮ፣ እዚ ቝጻር እዚ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ንእስያ ዚስዕር ሰብ ጥራይ እዩ ኺፈትሖ ዚኽእል ነይሩ።
b ነታ፡ “ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ሽዱሽተ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስቱ ገበር ዘለዋ ናይ 1 ግንቦት 2011 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ርአ።
[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ]
ዮሴፍን ዳንኤልን ትንቢት ኪፈትሑ ኸለዉ፡ ምንጩ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገሊጾም እዮም