መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“እራብ ወጋሕታ።”* ናይ ዳዊት መዝሙር።
22 ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧+
ስለምንታይ ካብ ምድሓነይ ርሒቕካ፧
ስለምንታይከ ኻብ ደሃይ ቃንዛይ ርሒቕካ፧+
2 ኣምላኸይ፡ ብመዓልቲ እጽውዕ፡ ንስኻ ግና ኣይትምልስን፣+
ብለይቲ እውን ኣነ ስቕ ኣይብልን።
ኣዝዩ ይፈትዎ እዩ እሞ፡ የድሕኖ!” እውን ይብሉ።+
9 ካብ ማሕጸን ዘውጻእካኒ፡+
ኣብ ኣጥባት ኣደይ ድማ ዘቕሰንካኒ ንስኻ ኢኻ።
10 ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ንኽንክንካ ሕድሪ ተዋሂበ፣*
ካብ ማሕጸን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
14 ከም ማይ ፈሲሰ፣
ኵሉ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ።
17 ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ።+
ንሳቶም ይርእዩንን ይጥምቱንን።
19 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+
ንስኻ ብርታዐይ ኢኻ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+
20 ንነፍሰይ* ካብ ሰይፊ፡
ነታ ኽብርቲ ህይወተይ* ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣድሕና፣+
21 ካብ ኣፍ ኣንበሳን ካብ ኣቕርንቲ ጐባይን ኣድሕነኒ፣+
መልሰለይ እሞ ኣድሕነኒ።
23 ኣቱም ንየሆዋ እትፈርህዎ፡ ወድስዎ!
ኵልኹም ዘርኢ ያእቆብ፡ ኣሞግስዎ!+
ኵልኹም ዘርኢ እስራኤል፡ ኣኽብርዎ።
ናብኡ ምስ ኣእወየ፡ ሰሚዕዎ እዩ።+
25 ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኽውድሰካ፡+
ኣብ ቅድሚ እቶም ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
ንስኻትኩም ንዘለኣለም ብህይወት ንበሩ።*
27 ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንየሆዋ ኺዝክሮን ናብኡ ኺምለስን እዩ።
ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ እዮም።+
28 ንግስናስ ናይ የሆዋ እዩ፣+
ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ይገዝእ።
29 ኵሎም ሃብታማት* ምድሪ ኺበልዑን ኪሰግዱን፡
ኵሎም እቶም ናብ ሓመድ ዚወርዱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኺምብርከኹ እዮም፣
ዋላ ሓዲኦም ብህይወት ኪጸንሑ* ኣይክእሉን እዮም።
30 ዘርኦም ኪግዝእዎ እዮም፣
ዚመጽእ ወለዶ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ኺንገሮ እዩ።
31 መጺኦም ብዛዕባ ጽድቁ ኺነግሩ፡
ነቶም ገና ዚውለዱ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኺነግርዎም እዮም።