መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
3-9 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 13-14
“ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ድሕነት የሆዋ ኸኣ ርኣዩ”
(ዘጸኣት 14:13, 14) ሽዑ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣይትፍርሁ። ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ነቲ የሆዋ ሎሚ ዚገብረልኩም ድሕነት ከኣ ርኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያንሲ፡ ደጊም መሊስኩም ንሓዋሩ ኣይክትርእይዎምን ኢኹም። 14 የሆዋ ባዕሉ ኺዋግኣልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ስቕ ክትብሉ ኢኹም” በሎም።
ሙሴ—ናይ እምነት ሰብ
ሙሴ፡ ኣምላኽ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ፡ ንእስራኤላውያን ዜምልጡሉ መገዲ ኸም ዚኸፍተሎም ምናልባት ኣይፈልጥን ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምድሓን ገለ ነገር ከም ዚገብር፡ ሙሴ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንእስራኤላውያን ብጾቱ ኸምኡ ዝኣመሰለ ምትእምማን ኬሕድሩ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሙሴ “ነቶም ህዝቢ፡ ኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርአዩ” ኸም ዝበሎም ይገልጽ። (ዘጸኣት 14:13) እሞኸ፡ ሙሴ ንብጾቱ እስራኤላውያን ድልዱል እምነት ንኼሕድሩ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ሰሊጥዎ ድዩ፧ እወ፡ ሰሊጥዎ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዅሎም እስራኤላውያን፡ “ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳገርዎ፣ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሕጡ” እዩ ዚብል። (እብራውያን 11:29) እታ ሙሴ ዘርኣያ እምነት፡ ንዕኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ካብኡ እተማህሩ ሰባት እውን ጠቒማቶም እያ።
(ዘጸኣት 14:21, 22) ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሐ፣ የሆዋ ኸኣ ምልእቲ ለይቲ ነቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ንድሕሪት መሊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ናብ ንቑጽ ምድሪ ለወጦ፣ እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ። 22 እስራኤላውያን ድማ ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ሓለፉ፣ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም መንደቕ ኰነ።
ኵሉ ዚኽእል፡ ግናኸ ሓላዪ
13 ዘጸኣት 14:19-22 ኣንብብ። ኣብኡ ምስ እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈርኦንን ቀይሕ ባሕርን ተቐርቂርካ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ወሲዱ። እቲ ዓንዲ ደበና ናብ ድሕሪት እቲ ሰፈር ግዒዙ፣ ንግብጻውያን ከኣ ዓጊትዎም፣ ሰፈሮም እውን ጸልማት ኰይኑ። ሰፈር እስራኤላውያን ግና ብተኣምራዊ ብርሃን በሪሁ እዩ ዘሎ። ድሕሪኡ፡ ሙሴ ኢዱ ናብቲ ባሕሪ ኺዝርግሕ ርኢኻ፣ ብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ነቲ ባሕሪ መቒልዎ። ንስኻን ስድራ ቤትካን ማልካን ከኣ ምስ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ማእከል እቲ ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ኽትሓልፉ ጀሚርኩም። ብኡብኡ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣስተብሂልካ። ማእከል እቲ ባሕሪ ጨፈቃ ወይ በረድ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንቑጽ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ንምኻድ ኣየሸገረካን። ስለዚ ድማ፡ እቶም ቀስ ኢሎም ዚጕዓዙ እውን እንተ ዀኑ፡ ኪሳገሩ ኽኢሎም።
(ዘጸኣት 14:26-28) የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ኪምለስሲ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ። 27 ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሐ፣ ኪነግህ ምስ በለ ኸኣ እቲ ባሕሪ ናብ ንቡር ተመልሰ። ግብጻውያን ካብኡ ኺሃድሙ ኸለዉ ድማ፡ የሆዋ ንግብጻውያን ናብ ማእከል ባሕሪ ደርበዮም። 28 እቲ እተመልሰ ማያት ከኣ ነቶም ደድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተዉ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኵሉ ሰራዊት ፈርኦንን ደፈኖም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ
ግብጻውያን ምስ ሰረገላታቶም ኪቃለሱ ኸለዉ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ በጽሑ። ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዘርግሐ። ሽዑ የሆዋ ነቲ ኸም መንደቕ ደው ኢሉ ዝነበረ ማይ፡ ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ኸም ዚምለስ ገበሮ። ማእለያ ዘይብሉ ማያት ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ተዋጋእቱን ብምውሓዝ ኣጥሓሎም። ካብቶም ጸላእቲ ዋላ ሓደ ዘምለጠ የለን። እስራኤላውያን ከኣ ሓራ ወጹ!—ዘጸ. 14:26-28፣ መዝ. 136:13-15።
እዚ ፍጻመ እዚ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ተሰምዐ፡ ንነዊሕ እዋን ፍርሃት ሓዞም። (ዘጸ. 15:14-16) ኣርብዓ ዓመት ጸኒሑ፡ ረሃብ ብዓልቲ ያሪኮ ንኽልተ እስራኤላውያን ሰብኡት፡ “ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ . . . እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡ . . . ሰሚዕና ኢና” በለቶም። (እያ. 2:9, 10) እቶም ኣረማውያን ኣህዛብ እኳ ኸይተረፉ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ኣይረስዕዎን። ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚዝክሩሉ ኻልእ ምኽንያታት እውን ከም ዝነበሮም ንጹር እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 13:17) ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሰደዶም፡ ኣምላኽ፡ “እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ኣጋጠሞም፡ ሓሳቦም ለዊጦም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ቀረባ ኽነሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን።
it-1 1117
መገዲ፡ ጐደና
ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ መገድታትን ጐደናታትን፡ እንተላይ ኣገዳሲ መስመራት ንግዲ፡ ነተን ኣብ ከባቢ ፍልስጥኤም ዝነበራ ኸተማታትን መንግስትታትን የራኽበን ነይሩ እዩ። (ዘሁ 20:17-19፣ 21:21, 22፣ 22:5, 21-23፣ እያ 2:22፣ መሳ 21:19፣ 1ሳሙ 6:9, 12፣ 13:17, 18፣ ኣብ “መገዲ ንጉስ” ርአ።) እቲ ቐንዲ መገዲ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ፡ ካብ ግብጺ በተን ከተማታት ፍልስጥኤም ዝዀና ጋዛን ኣሽቀሎንን፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ገጹ ናብ መጊዶ ይወስድ ነይሩ እዩ። ብሓጾር ኣቢሉ ኸኣ ናብ ሰሜን ናብ ባሕሪ ገሊላ ይኸይድ እሞ ናብ ደማስቆ የእቱ ነይሩ እዩ። እዚ ብፍልስጥኤም ኣቢሉ ዚሓልፍ መገዲ፡ ካብ ግብጺ ናብታ ምድሪ ተስፋ ዜእቱ ዝሓጸረ መገዲ እዩ ነይሩ። የሆዋ ግና ንእስራኤላውያን፡ በቲ ኻብ ፍልስጥኤም ዜጋጥም መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸይድሃሉ ኢሉ ብኻልእ መገዲ እዩ መሪሕዎም።—ዘጸ 13:17።
(ዘጸኣት 14:2) “ንእስራኤላውያን ተመሊሶም ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት፡ ኣብ መንጎ ሚግዶልን እቲ ባሕርን፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ኪሰፍሩ ንገሮም። ናብኡ ገጽኩም ጌርኩም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ ስፈሩ።
it-1 782 ¶2-3
ጻኦት
እቲ ቐይሕ ባሕሪ ተመቒሉ እስራኤላውያን ዝሰገሩሉ ቦታ ኣበይ እዩ ዚርከብ፧
እስራኤላውያን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ጕዕዞኦም፡ ማለት ኣብ ኤታም “ኣብ ወሰን እቲ በረኻ” ምስ በጽሑ፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ “ተመሊሶም ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት፡ . . . ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ ስፈሩ” ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ። ተጠውዮም ናብዚ ዝኸዱ ድማ ንፈርኦን፡ “ኰለል ይብሉ ኣለዉ” ኢሉ ኸም ዚሓስብ ንምግባር እዩ። (ዘጸ 13:20፣ 14:1-3) እቶም ብመገዲ ኤል ሓጅ ኸይዶም ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዚኣምኑ ምሁራት፡ እታ “ተመሊሶም” እትብል ናይ እብራይስጢ ግሲ “ተኣልዮም” ወይ “ኣላጊሶም” ዘይኰነትሲ፡ ናብ ድሕሪት ምምላስ ወይ እንተ ወሓደ ኣመና ምጥዋይ እተመልክት ምዃና ኸም መርትዖ ይገልጹ እዮም። እዞም ምሁራት እዚኦም፡ እስራኤላውያን ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ወሽመጥ ስወጽ ምስ በጽሑ፡ ተገልቢጦም ናብቲ ብምዕራባዊ ሸነኽ እቲ ወሽመጥ ዘሎ ምብራቓዊ ሸነኽ ጀበል ዓታቃ ዚብሃል ሰንሰለት ኣኽራን ከም ዝኸዱ ሓሳብ ይህቡ እዮም። እስራኤላውያን ብዙሓት ጭፍራ ብምንባሮም፡ ካብ ሰሜን ዚስዕቦም እንተ መጺኡ፡ ብቕልጡፍ መውጽኢ ኣይምረኸቡን፡ እቲ ባሕሪ ንመገዶም ስለ ዚዓግቶ እውን ምተቓቐሩ ነይሮም።
ናይ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ያታ ኣይሁድ ተመሳሳሊ ስእሊ እዩ ዚስእል። (ኣብ “ጲሃሒሮት” ርአ።) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እዚ ዅነታት እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚስእሎ ሓፈሻዊ ስእሊ ይሰማማዕ እዩ፣ ዝውቱር ኣረኣእያ ብዙሓት ምሁራን ግና ምስዚ ኣይሰማማዕን እዩ። (ዘጸ 14:9-16) እስራኤላውያን ካብ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ ወሽመጥ (ወይ ምዕራባዊ ኽንፊ ቐይሕ ባሕሪ) ብዙሕ ርሒቖም ብምንባሮም፡ ሰራዊት ፈርኦን ብመወዳእታ እቲ ወሽመጥ ዞይሮም ንእስራኤላውያን በቲ ስግር ሸነኽ ኪመጽዎም ዘይከኣሉ እዩ ዚመስል።—ዘጸ 14:22, 23።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 13:1-20) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ካብ እስራኤላውያን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ንዓይ ቀድሶ። ተባዕታይ በዅሪ ሰብን እንስሳን ናተይ እዩ።” 3 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብኣ ስለ ዘውጽኣኩም፡ ነዛ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ ዘክርዋ። ብኹዕ ዘበለ ኸኣ ኣይበላዕ። 4 ኣብ ወርሒ ኣቢብ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ትወጹ ኣለኹም። 5 የሆዋ ናብታ ንዓኻትኩም ኪህበኩም ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፡ ሽዑ ነዚ በዓል እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልውዎ። 6 ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፣ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኪኸውን እዩ። 7 በተን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ፣ ብኹዕ ዘበለ ድማ ኣባኻ ኣይረኸብ፡ መባዅዕቲ እውን ኣብ ውሽጢ ዅሉ ዶባትካ ኣይረኸብ። 8 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ንወድኻ፡ ‘ስለቲ የሆዋ ኻብ ግብጺ ኽወጽእ ከለኹ ዝገበረለይ እዩ’ ኢልካ ንገሮ። 9 የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ የሆዋ ኣብ ኣፍካ ምእንቲ ኪኸውን፡ እዚ ኣብ ኢድካ ኸም ምልክት፡ ኣብ ግምባርካ ድማ ከም መዘከርታ ይኹንካ። 10 ነዚ ሕጊ እዚ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዓመት ንዓመት ሓልዎ። 11 “የሆዋ ናብታ ንዓኻን ንኣቦታትካን ዝመሓለልኩም ምድሪ ከነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ 12 ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡ ከምኡ እውን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ማልካ ንየሆዋ ወፊ። ተባዕታይ ዘበለ ናይ የሆዋ እዩ። 13 ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፣ እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ ተባዕታይ በዅሪ ተበጀዎ። 14 “ደሓር ወድኻ፡ ‘እዚ እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢሉ ምስ ዚሓትተካ፡ ‘የሆዋ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። 15 ፈርኦን ተሪሩ ምስዳድና ምስ ኣበየ፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንዝነበረ ዅሉ በዅሪ፡ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዚ ኸኣ እየ ንየሆዋ ዅሉ ተባዕታይ በዅሪ ዝስውእ፡ ካብ ደቀይ ድማ ኵሉ በዅሪ ዝብጀዎ ዘለኹ’ በሎ። 16 የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ ኢድካ ኸም ምልክት፡ ኣብ ግምባርካ ድማ ከም ክታብ ይኹንካ።” 17 ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሰደዶም፡ ኣምላኽ፡ “እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ኣጋጠሞም፡ ሓሳቦም ለዊጦም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ቀረባ ኽነሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን። 18 ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ኣዞሮ። እስራኤላውያን ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ። 19 ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ እሞ፡ ንኣዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ንኣዕጽምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ። 20 ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን እቲ በረኻ ሰፈሩ።
10-16 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 15-16
“ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ”
(ዘጸኣት 15:1, 2) ሽዑ፡ ሙሴን እስራኤላውያንን ንየሆዋ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፦ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ። ንፈረስን ንተወጣሒኡን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ። 2 ያህ ድሕነተይ ስለ ዝዀነ፡ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ። እዚ ኣምላኸይ እዩ፡ ክውድሶ እየ፣ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ልዕል ከብሎ እየ።
w95 15/10 11 ¶11
ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እንፈርሆ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 የሆዋ ነቲ ናይ ግብጺ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምድምሳሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምለኽቱ ክብ ከም ዝብልን ስሙ ድማ ክሳዕ ርሑቕ ከም ዝፍለጥን ገይርዎ ኢዩ። (እያሱ 2:9, 10፣ 4:23, 24) እወ፡ ስሙ ልዕሊ ኵሎም እቶም ንኣምለኽቶም ከናግፉ ከም ዘይክእሉ ዘረጋገጹ ሓይሊ ዘይብሎም ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ሓሶት፡ ኣዝዩ ክብ ኢሉ ኢዩ። ኣብ ኣማልኽቶምን ኣብ መዋቲ ወድሰብን ወተሃደራዊ ሓይልን ምእማኖም ኣብ መሪር ጓሂ ኣውዲቕዎም ኢዩ። (መዝሙር 146:3) እስራኤላውያን ናይቲ ንህዝቡ ብሓይሊ ዘድሓነ ኣምላኽ ጥዑይ ፍርሂ ከም ዝነበሮም ዘንጸባርቕ መዝሙር ምስጋና እንተ ዘመሩስ፡ ዘገርም ኣይኰነን!
(ዘጸኣት 15:11) ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽትስ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ኣታ ብመዝሙር ውዳሰ እትኽበር፡ መስተንክር እትገብር፡ ብቕድስና ዓብዪ ዝዀንካ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧
(ዘጸኣት 15:18) የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።
w95 15/10 11-12 ¶15-16
ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እንፈርሆ ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ድሒንና ምስ ሙሴ ጸኒዕና ደው ኢልና ነይርና እንተ ንኸውን፡ ብርግጽ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧” ኢልና ክንዝምር ምተለዓዓልና ነይርና። (ዘጸኣት 15:11) ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ኵሉ ዘበናት ክቃላሕ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ጕጅለ እሙናት ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘መዝሙር ሙሴ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ይዝምሩ ኣለዉ’ ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። እዚ ዓቢ መዝሙር እዚኸ እንታይ ኢዩ፧ “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ [ዘለኣለም ትሓዓ]፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧”—ራእይ 15:2-4
16 ሎሚውን ነቲ ፍጥረታዊ ግብርታት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕግታቱ እውን ዘማስዉ ሓራ ዝወጹ ኣምለኽቲ ኣለዉ። ካብ ኵለን ሃገራት ዝመጹ ህዝቢ፡ ነቲ ጻድቕ ሕግታት ኣምላኽ ስለ ዘለልይዎን ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዕልዎን ካብዛ ተበኪላ ዘላ ዓለም ተፈልዮም ብመንፈስ ሓራ ኰይኖም ኣለዉ። ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብዛ ብልሽውቲ ዓለም ኣምሊጦም ምስታ ንጽህትን ቅንዕትን ማሕበር ናይ ኣምለኽቲ የሆዋ ይነብሩ ኣለዉ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዝተረፈ እኩይ ኣገባብን ዝወርድ ርሱን ፍርድታት ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ፡ ኣብታ ጻድቕ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም።
(ዘጸኣት 15:20, 21) ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ፡ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፣ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ሰዓባኣ። 21 ሚርያም ከኣ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም፦ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ። ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።”
it-2 454 ¶1
ሙዚቃ
መብዛሕትኡ እቲ እስራኤላውያን ብጕጅለ ዚዝምርዎ ዝነበሩ መዝሙራት፡ ወይ ክልተ ጕጅለ ዘመርቲ እናተቓባበሉ፡ ወይ ከኣ ሓደ ሰብ እናዝመረ ጕጅለ ዘመርቲ ድማ እናመለሱሉ ዚዝምርዎ ዓይነት መዝሙራት ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “መለሰትሎም” ዚብል ቃል ነዚ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። (ዘጸ 15:21፣ 1ሳሙ 18:6, 7 ትርጉም 1956) እዚ ዓይነት መዝሙር እዚ፡ ኣብ ከም መዝሙር 136 ዝኣመሰለ ኣጸሓሕፋ ገሊኡ መዝሙራት ተንጸባሪቑ ኣሎ። ብግዜ ነህምያ ክልተ ዓበይቲ ጕጅለ ዘመርቲ ኸም ዝነበሩን ኣብ መመረቕታ መካበብያ የሩሳሌም ከም እተሳተፉን ተገሊጹ ምህላዉ፡ እናተቓባበሉ ኸም ዝዘመሩ ይእምት እዩ።—ነህ 12:31, 38, 40-42፣ ኣብ “መዝሙር” ርአ።
it-2 698
ነብዪት
ሚርያም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነብዪት ተባሂላ እተሰየመት ቀዳመይቲ ሰበይቲ እያ። ኣምላኽ ብእኣ ኣቢሉ መልእኽቲ ወይ መልእኽትታት፡ ምናልባት እውን ብድራኸ መንፈስ እተዘመረ መዝሙር ኣመሓላሊፉ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘጸ 15:20, 21) ንሳን ኣሮንን ንሙሴ፡ “የሆዋስ . . . ብኣና እውን ኣይተዛረበን ድዩ፧” ኢሎም ተዛሪቦምዎ እዮም። (ዘሁ 12:2) የሆዋ ባዕሉ ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኼውጽኦም ከሎ፡ “ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን” ከም ዝሰደደሎም ገሊጹ ኣሎ። (ሚክ 6:4) ሚርያም ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እኳ እንተ ኣገልገለት፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበራ ርክብ ግና ካብቲ ሓዋ ሙሴ ዝነበሮ ርክብ ዝተሓተ እዩ ነይሩ። ግቡእ ቦታኣ ኸይሓለወት ምስ ተረፈት፡ ካብ ኣምላኽ ከቢድ መቕጻዕቲ ተዋሂብዋ እዩ።—ዘሁ 12:1-15።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 16:13) ስለዚ፡ በታ ምሸት እቲኣ፡ ብርኒጎታት መጺአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ፣ ንግሆ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውሊ ዀነ።
ትፈልጥዶ፧
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ንኺምግቦም ብሪኒጎታት ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ብዙሓት ብርኒጎታት ብምሃብ መገቦም።—ዘጸኣት 16:13፣ ዘሁልቍ 11:31።
ብርኒጎታት፡ ኣስታት 18 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓተን፡ 100 ግራም ከኣ ዝኽብደተን ንኣሽቱ ኣዕዋፍ እየን። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት ምዕራባዊ እስያን ኤውሮጳን ከኣ እየን ዚፋረያ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐሳ ኣዕዋፍ ስለ ዝዀና፡ ንቘራሪ ወቕቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ምድሪ ዓረብን እየን ዜሕልፋኦ። ብዕስለ ዀይነን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ዚጐዓዛሉ እዋን፡ ብምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ መዲተራነያንን ብልዕሊ ሓውሲ ደሴት ሲናን እየን ዚሓልፋ።
ብመሰረት ዘ ኒው ዌስትሚኒስተር ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ ብርኒጎታት “ብንፋስ እናተሓገዛ፡ ብቕልጣፈን ብስርዓትን እየን ዚነፍራ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ንፋስ ኣንፈቱ እንተ ቐዪሩ ወይ እተን ኣዕዋፍ ካብ ነዊሕ ጕዕዞ እተላዕለ እንተ ደኺመን፡ ብምሉአን እተን ዕስለ ኣብ መሬት ይወድቃን ይፈዝዛን እየን።” እንደገና ጕዕዞአን ቅድሚ ምቕጻለን፡ ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ ኼዕርፋ ስለ ዘለወን፡ ብቐሊሉ ብሃደንቲ ይተሓዛ። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ግብጺ ኣብ ዓመት ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ንምግቢ ዚዀና ብርኒጎታት ንወጻኢ ትልእኽ ነበረት።
እቲ እስራኤላውያን ብርኒጎታት ዝበልዑሉ ኽልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ኣብ እዋን ጽድያ እዩ ነይሩ። ብርኒጎታት ኣብዚ ግዜ እዚ ብሲና ይሓልፋ እኳ እንተ ዀና፡ ‘ብንፋስ’ ገይሩ ናብ ሰፈር እስራኤላውያን ከም ዝመጻ ዝገበረን ግና የሆዋ እዩ ነይሩ።—ዘሁልቍ 11:31።
(ዘጸኣት 16:32-34) ሙሴ ኸኣ፡ “የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኣኩም ከለኹ ኣብቲ በረኻ ዝሃብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ሓደ ኦመር ምልኡ’” በለ። 33 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ፍዮ ወሲድካ፡ ናብኣ ሓደ ኦመር ኣእቱ፣ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንብሮ” በሎ። 34 ኣሮን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምእንቲ ኺዕቈር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንበሮ።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ኻብ ዚወጹ ብዙሕ ከይጸንሑ ንምግቢ ብዚምልከት ኬጕረምርሙ ጀመሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ማና ሃቦም። (ዘጸኣት 12:17, 18፣ 16:1-5) ሽዑ ሙሴ ንኣሮን “ኣቕሓ ኣምጺእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ” ብምባል ኣዘዞ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ኪዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር [ኣድለይቲ ሰነዳት ዚቕመጠሉ መዝገብ] ኣንበሮ” ይብል። (ዘጸኣት 16:33, 34) ዋላኳ ኣሮን ኣብቲ ፍዮ እተወሰነ ማና እንተ ኣቐመጠ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ንምቕማጡ ግን ሙሴ ነቲ ታቦት ክሳዕ ዚሰርሖን ነተን ጽላት ኣብኡ ኽሳዕ ዜቐምጠንን ኪጸንሕ ነበሮ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 16:1-18) ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚነቕሉ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ናብታ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ዘላ በረኻ ሲን መጹ። 2 ሽዑ፡ ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ። 3 እስራኤላውያን ከኣ፡ “ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከለና፡ ብኢድ የሆዋ እንተ ንመውት መን ምሃበ፧ ሕጂ፡ ነዚ ዅሉ ጉባኤ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብዚ በረኻ ኣውጺእኩምና” ይብልዎም ነበሩ። 4 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማያት እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ፣ እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ምእንቲ ኽፍትኖምሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ወጺኦም ነንመዓልቲ ዚዀኖም ይኣክቡ። 5 ግናኸ፡ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ነቲ ዝኣከብዎ ኼዳልዉ ኸለዉ፡ ካብቲ ነንመዓልቲ ዚኣርይዎ ዕጽፊ ይኹን።” 6 ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ “እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ምዃኑ፡ ምሸት ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም። 7 እቲ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ዘጕረምረምኩምዎ፡ ንሱ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ንግሆ ኽብሪ የሆዋ ኽትርእዩ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ ንሕና እንታዎት ኢና፧” በልዎም። 8 ሙሴ ድማ፡ “የሆዋ ምሸት ክትበልዑ ስጋ፡ ንግሆ ኸኣ ክትጸግቡ እንጌራ ኺህበኩም ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ምጕርምራም ከም ዝሰምዐ ኽትርእዩ ኢኹም። ንሕና ግና እንታዎት ኢና፧ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር፡ ኣብ ልዕሌና ኣይኰነን” በሎም። 9 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ ‘ምጕርምራምኩም ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕረቡ’ በሎም” በሎ። 10 ኣሮን ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምስ ተዛረቦም፡ ተጠውዮም ናብቲ በረኻ ገጾም ገበሩ፣ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ የሆዋ ብደበና ተራእየ። 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “ምጕርምራም እስራኤላውያን ሰሚዐ ኣለኹ። ‘ጽልግልግ ምስ በለ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፣ ንግሆ ኸኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።” 13 ስለዚ፡ በታ ምሸት እቲኣ፡ ብርኒጎታት መጺአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ፣ ንግሆ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውሊ ዀነ። 14 እቲ ኣውሊ ምስ ሃፈፈ፡ ኣብ ገጽ እቲ በረኻ፡ ኣብ ምድሪ ኸም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ቕርፍቲ ዚመስል ነገር ነበረ። 15 እስራኤላውያን ነዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ነበሩ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ “እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ። ሙሴ ኸኣ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኽትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጌራ እዩ። 16 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ ኺበልዖ ዚኽእል ይኣክብ። ነፍሲ ወከፍኩም ከም ቍጽሪ እቲ ኣብ ደድንኳንኩም ዘለዉ ሰባት፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ኦመር ይውሰድ’” በሎም። 17 እስራኤላውያን ከምኡ ገበሩ፣ ኪእክቡ ኸለዉ ድማ፡ ገሊኦም ብዙሕ፡ ገሊኦም ከኣ ሒደት ኣከቡ። 18 ብኦመር ምስ ሰፈርዎ ኸኣ፡ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣይተረፎን፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ እውን ኣይጐደሎን። ነፍሲ ወከፎም ከምቲ ኺበልዕዎ ዚኽእሉ ኣከቡ።
17-23 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 17-18
“ትሑታት ሰብኡት የሰልጥኑን ሓላፍነት ይህቡን”
(ዘጸኣት 18:17, 18) ሓሙ ሙሴ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እዚ እትገብሮ ዘለኻ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን። 18 እዚ ንዓኻ ኣዝዩ ኸቢድ ጾር እዩ፡ ንስኻ በይንኻ እውን ክትስከሞ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ንርእስኻን ነዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብርግጽ ከተድክም ኢኻ።
ሙሴ—ፈቃር
ሙሴ ንእስራኤላውያን ብጾቱ እውን የፍቅሮም ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን፡ የሆዋ ንሙሴ ንህዝቡ ኺመርሖም ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ስለ ዝፈለጡ፡ እተፈላለየ ጸገማት ሒዞም ናብ ሙሴ ይቐርቡ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ” ይብለና። (ዘጸኣት 18:13-16) እስራኤላውያን ንዅሉ ጸገማቶም ምሉእ መዓልቲ ንሙሴ ኼፍስሱሉ ኸለዉ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ የድክሞ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ይኹን እምበር፡ ሙሴ ነቶም ዜፍቅሮም ህዝቢ ባህ ኢልዎ ይሕግዞም ነበረ።
(ዘጸኣት 18:21, 22) ካብ ህዝቢ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርሁ፡ እሙናት፡ ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልኡ፡ ክኢላታት ሰባት ሕረ፣ ንዓታቶም ከኣ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም። 22 ነገር ኪልዓል ከሎ፡ ንሳቶም ንህዝቢ ይፍረዱ፣ ኵሉ ዓብዪ ነገር ከኣ ናባኻ የምጽኡ፣ ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረዱ። ነቲ ጾር ምሳኻ ኸም ዚጾሩ ብምግባር፡ ንርእስኻ ኣፍኵሰላ።
ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ
እዞም ሰባት እዚኣቶም እምነት ተገይሩሎም ሓላፍነት ቅድሚ ምስካሞም ድሮ እተወሰነ ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያት ዝነበሮም እዮም። ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዝነበሮም ኣርእዮም እዮም፡ ንፈጣሪ ኣኽቢሮም ይርእይዎን ከየጕህይዎ ይፈርሁን ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ምሕላው ዝከኣሎም ኵሉ ኸም ዝገበሩ ንዅሉ ሰብ ንጹር እዩ ነይሩ። ረብሓ ዓመጽ ዝጸልኡ ምንባሮም ከኣ ስልጣን ምስ ረኸቡ ኣብ ብልሽውና ንኸይጥሕሉ ዝሕግዝ ጥዑይ ሕልና ኸም ዝነበሮም ይሕብር። ነቲ ብእምነት እተዋህቦም ሓላፍነት ንብሕታዊ ጥቕሞም ወይ ንጥቕሚ ኣዝማዶም ወይ ንጥቕሚ ፈተውቶም ዘውዕሉ ሰባት ኣይነበሩን።
(ዘጸኣት 18:24, 25) ብኡብኡ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ሰሚዑ፡ ዝበሎ ዅሉ ገበረ። 25 ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ርእስታት ኪዀኑ፡ ኣሕሉቕ ሽሕ፡ ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ ኣሕሉቕ ሓምሳ፡ ኣሕሉቕ ዓሰርተ ገይሩ ሸሞም።
ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም
ሙሴ እውን ዓቕሙ ዝፈልጥን ትሑትን ኢዩ ነይሩ። ንጸገማት ካልኦት ክፈትሕ ክብል ንርእሱ ኣብ ዘድክመሉ ዝነበረ እዋን፡ የትሮ ሓሙኡ ጠቓሚ ሓሳብ ሃቦ። እዚ ድማ ገለ ኻብ ሓላፍነታቱ ንኻልኦት ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ምክፋል ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ዓቕሙ ብምፍላጥ ነዚ ሓሳብ እዚ ተቐበሎ። (ዘጸኣት 18:17-26፣ ዘሁልቍ 12:3) ዓቕሙ ዝፈልጥ ሰብ ንኻልኦት ሓላፍነት ንምሃብ ኣየዕጠጥን ኢዩ፣ ብቕዓት ንዘለዎም ሰባት ዝግባእ ሓላፍነት ብምሃቡ እውን ስልጣኑ ዝጐደለ ዀይኑ ኣይስምዖን ኢዩ። (ዘሁልቍ 11:16, 17, 26-29) ኣብ ክንድኡስ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብሩ ተሓጒሱ ኢዩ ዝሕግዞም። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ንሕናኸ ከምኡ ኽንከውንዶ ኣይግብኣናን፧
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 17:11-13) ሙሴ ኣእዳዉ ኼልዕል ከሎ፡ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፣ ኣእዳዉ ኼውርድ ከሎ ግና፡ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ። 12 ኣእዳው ሙሴ ምስ ረብረባ፡ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ እሞ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። ሽዑ፡ ኣሮንን ሑርን፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ንኣእዳዉ ደገፍወን፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ከኣ ኣእዳዉ ጸንዓ። 13 ስለዚ፡ እያሱ ንኣማሌቅን ንህዝቡን ብሰይፊ ሰዓሮም።
‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ’
14 ኣሮንን ሑርን ብግዜ ውግእ ንኣእዳው ሙሴ ቓል ብቓሉ ደጊፎምወን እዮም። ንሕና ድማ ንኻልኦት ክንድግፈሉን ግብራዊ ሓገዝ ክንህበሉን እንኽእል መገድታት ከነናዲ ንኽእል ኢና። ንመንከ ኢና ኽንድግፍ እንኽእል፧ ነቶም ምስ ሳዕቤናት እርጋንን ጥዕና ምስኣንን ተቓውሞ ስድራ ቤትን ጽምዋን ሞት ዜፍቅርዎ ሰብን ዚቃለሱ ዘለዉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ኪጽመዱ፡ ወይ ከኣ ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ብትምህርቲ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ብሞያ “ዕዉታት” ኪዀኑ ጸቕጥታት ንዜጋጥሞም መንእሰያት ከነበርትዖም ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 3:1-3፣ 5:11, 14) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ኣብ መኣዲ፡ ወይ ብተሌፎን ክትዘራረብ ከለኻ ናይ ሓቂ ተገዳስነት እተርእየሉ መገድታት ኣናዲ።
(ዘጸኣት 17:14) የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ፡ ንእያሱ እውን ድገመሉ፦ ‘ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማያት ፈጺመ ኽድምስሶ እየ’” በሎ።
it-1 406
ቀኖና
እዚ ሙሴ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ብውሽጣዊ መርትዖ ኺግምገም ከሎ፡ መለኮታዊ ዝመበቈሉ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ቀኖናውነቱ እተረጋገጸ፡ ከምኡ ድማ ንንጹህ ኣምልኾ ዚኸውን መምርሒ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። ሙሴ ብተበግሶኡ ኣይኰነን መራሕን ኣዛዝን እስራኤላውያን ኰይኑ፣ ኣብ ፈለማ ነዚ ሓሳብ እዚ ምቕባል ኣብይዎ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 3:10, 11፣ 4:10-14) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ እዩ ንሙሴ ዓብዪ ተኣምራዊ ሓይሊ ሂብዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ፈርኦን፡ ሙሴ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ኺእመኑ ተገዲዶም እዮም። (ዘጸ 4:1-9፣ 8:16-19) ሙሴ ተዛራብን ጸሓፍን ንምዃን ድሌት ኣይነበሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክፋል ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረብን ኪጽሕፍን እተደረኸ፡ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ትእዛዝ ስለ ዘኽበረን ብመንፈስ ቅዱስ ብቕዓቱ ስለ እተመስከረሉን እዩ።—ዘጸ 17:14።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
24-30 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 19-20
“እተን ዓሰርተ ትእዛዛትን ንስኻን”
(ዘጸኣት 20:3-7) ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ። 4 “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። 5 ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡ ንዚጸልኡኒ ስሕተት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዝቐጽዕ ኣምላኽ እየ። 6 ንዜፍቅሩንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ወለዶ ብተኣማንነት ዘፍቅር እየ። 7 “የሆዋ ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
w89 15/11 6 ¶1
እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለወን፧
እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ንየሆዋ ዘሎና ሓላፍነት የጕልሓ። (ቀዳመይቲ) ንሱ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ። (ማቴዎስ 4:10) (ካልአይቲ) ኣምለኽቱ ብምስልታት ኪጥቀሙ የብሎምን። (1 ዮሃንስ 5:21) (ሳልሰይቲ) ንስም ኣምላኽ ብግቡእን ብኣኽብሮትን ደኣ ኽንጥቀመሉ ኣሎና እምበር፡ ብንዕቀት ኪኸውን የብሉን። (ዮሃንስ 17:26፣ ሮሜ 10:13) (ራብዐይቲ) ብዘሎ ህይወትና ኣብ ቅዱስ ነገራት ኬተኵር ኣለዎ። እዚ ኸኣ ካብ ምምጽዳቕ ክንዓርፍ ወይ ‘ኣብ ሰንበት ክንከውን’ የኽእለና።—እብራውያን 4:9, 10።
(ዘጸኣት 20:8-11) “ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ኽትሕልዋ ዘክር። 9 ኵሉ ዕዮኻን ተግባርካን ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ግበር፣ 10 እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ፣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን እንስሳ ዘቤትካን ኣብ ውሽጢ ሰፈርካ ዘሎ ጓናን እውን ከምኡ። 11 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማያትን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪዓርፍ ጀሚሩ እዩ። ስለዚ እዩ የሆዋ ንመዓልቲ ሰንበት ዝባረኻን ዝቐደሳን።
(ዘጸኣት 20:12-17) “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። 13 “ኣይትቕተል። 14 “ኣይትዘሙ። 15 “ኣይትስረቕ። 16 “ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። 17 “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ዀነት፡ ግዙኡ ዀነ፡ ግዝእቱ ዀነት፡ ብዕራዩ ዀነ፡ ኣድጉ ዀነ፡ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትተምነ።”
w89 15/11 6 ¶2-3
እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለወን፧
(ሓምሸይቲ) ውሉዳት ንወለዶም እዙዛት ምዃን፡ መሰረት ሓድነት ስድራ ቤት እዩ፡ በረኸት የሆዋ ድማ የምጽእ። እታ “ተስፋ ዘለዋ ቐዳመይቲ ትእዛዝ” ድማ ዜደንቕ ተስፋ እያ እትህብ! “ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ” እዩ ተባሂሉ ዘሎ። (ኤፌሶን 6:1-3) ሕጂ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት ስለ እንነብር፡ እዚ ኣምላኽ ዚሰምሮ ተኣዛዝነት ንውሉዳት ከቶ ኸይሞቱ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ዮሃንስ 11:26።
ፍቕሪ ንብጻይና እከይ ኸይንገብር ትድርኸና፣ ንኣብነት፡ (ሻድሸይቲ) ኣይንቐትልን፡ (ሻውዐይቲ) ኣይንዝሙን፡ (ሻምነይቲ) ኣይንሰርቕን፡ (ታሽዐይቲ) ኣይንሕሱን ኢና። (1 ዮሃንስ 3:10-12፣ እብራውያን 13:4፣ ኤፌሶን 4:28፣ ማቴዎስ 5:37፣ ምሳሌ 6:16-19) ውሽጣዊ ድራኸናኸ ኸመይ ኪኸውን ይግባእ፧ እታ (ዓስረይቲ) ትእዛዝ፡ ማለት እታ ኸይንትምነ እትኽልክል ትእዛዝ፡ እቲ እንሕልኖ ነገራት ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ኪኸውን ከም ዚግባእ ተዘኻኽረና።—ምሳሌ 21:2።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 19:5, 6) ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም፡ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት ንስኻትኩም ብርግጽ ፍሉይ ጥሪተይ ክትኰኑ ኢኹም። 6 መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ድማ ክትኰኑኒ ኢኹም።’ ንእስራኤላውያን እትዛረቦም ዘረባ እዚ እዩ።”
it-2 687 ¶1-2
ካህን
ክርስትያናዊ ኽህነት። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኪዳኑ እንተ ሓልዮም፡ “መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን” ከም ዚዀንዎ ቓል ኣትዩሎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ 19:6) ይኹን እምበር፡ ክህነት ወለዶ ኣሮን ክሳዕ እቲ ጽላሎት ዝዀነሉ ዓብዪ ኽህነት ጥራይ እዩ ኪቕጽል ተሓሲቡ። (እብ 8:4, 5) ክሳዕ መወዳእታ እቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴን ክሳዕ መመረቕታ እቲ ሓድሽ ኪዳንን እዩ ኪጸንሕ ተሓሊኑ። (እብ 7:11-14፣ 8:6, 7, 13) ኣብ ፈለማ ንእስራኤላውያን ጥራይ ኣብታ እተተስፈወት መንግስቲ ኣምላኽ ካህናት ኪዀኑ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ነይሩ እዩ፣ ጸኒሑ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣህዛብ ተኸፊቱሎም እዩ።—ግብ 10:34, 35፣ 15:14፣ ሮሜ 10:21።
ካብ ኣይሁድ ሒደት ጥራይ እዮም ንክርስቶስ ተቐቢሎምዎ፣ በዚ ኸምዚ እቲ ህዝቢ ኣባላት እቲ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኽህነትን ቅዱስ ህዝብን ዚዀኑ ኣየቕረበን። (ሮሜ 11:7, 20) እስራኤላውያን ዘይእሙናት ብምዃኖም ከኣ፡ ኣምላኽ ብነብዪ ሆሴእ ኣቢሉ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ “ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ፣ ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ ድማ፡ ኣነ እውን ንደቅኻ ኽርስዖም እየ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። (ሆሴ 4:6) የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ንመራሕቲ ኣይሁድ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ 21:43) ይኹን እምበር፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ብምንባሩ፡ ክህነት ኣሮን ይዓዪ ምንባሩ ተቐቢልዎ ነይሩ እዩ፡ ነቶም ካብ ደዌ ዘሕወዮም ሰባት ድማ ናብ ካህን ኪኸዱን መባእ ኬቕርቡን ነጊርዎም እዩ።—ማቴ 8:4፣ ማር 1:44፣ ሉቃ 17:14።
(ዘጸኣት 20:4, 5) “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። 5 ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡ ንዚጸልኡኒ ስሕተት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዝቐጽዕ ኣምላኽ እየ።
ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት
20:5—የሆዋ “ሓጢኣት ኣቦታት” ንመጻኢ ወለዶ ዚቐጽዕ ብኸመይ እዩ፧ ነፍሲ ወከፍ ወልቀ-ሰብ ተሓታቲ ኪዀነሉ ኣብ ዚኽእል ደረጃ ምስ በጽሐ፡ በካይዳኡን በረኣእያኡን እዩ ዚፍረድ። ህዝቢ እስራኤል ንጣኦት ምስ ኣምለኹ ግን እቲ ብድሕሪኦም ዚመጸ ወለዶ እውን ናይዚ ሳዕቤን ዓጺዱ እዩ። እቶም እሙናት እስራኤላውያን እኳ ኸይተረፉ እቲ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ሕጊ ብምጥሓሱ፡ ንጽህናኦም ሓልዮም ንኺመላለሱ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ሳዕቤኑ ጸልይዎም እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
31 ነሓሰ–6 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 21-22
“ንህይወት ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርካ ርኣያ”
(ዘጸኣት 21:20) “ሰብ ንግዙኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ እንተ ወቒዑ እሞ ብኢዱ እንተ ሞይቱ፡ ሕነ ይፈደ።
it-1 271
መውቃዕቲ
እብራዊ ወናኒ ባርያ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት ወይ ዕልወት ንግዙኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ ኺወቅዕ ይፍቀደሉ ነይሩ እዩ። እቲ ግዙእ ኪውቃዕ ከሎ እንተ ሞይቱ ግና፡ እቲ ዋና ይቕጻዕ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ግዙእ ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ጸኒሑ፡ እቲ ወናኒኡ ኪቐትል ሓሊኑ ኸም ዘይወቕዖ ዚሕብር መርትዖ እዩ ነይሩ። እቲ ግዙእ “ገንዘቡ” ስለ ዝዀነ፡ ተግሳጻዊ መቕጻዕቲ ኪቐጽዖ መሰል ነይርዎ እዩ። ሰብ መሸም ንብረቱ ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእ ከም ዘይደሊ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ግዙእ ድሕሪ ሓንቲ መዓልቲ ወይ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ሞት ብሰንኪ እቲ መውቃዕቲ ወይ ብኻልእ ምኽንያት እንተ ዀይኑ ብርግጽ ኪፍለጥ ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ግዙእ ሓንቲ መዓልቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ብህይወት እንተ ጸኒሑ፡ እቲ ጐይታኡ ኣይቅጻዕን እዩ ነይሩ።—ዘጸ 21:20, 21።
(ዘጸኣት 21:22, 23) “ሰባት እንተ ተባኢሶም፡ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸኣ እንተ ጐዲኦም፡ ንሳ ድማ ቅድሚ እዋና እንተ ወሊዳ፡ ካልእ ጕድኣት ግና እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ በዳሊ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝመደበሉ ኻሕሳ ይኽሓስ፣ ብፈራዶ ኣቢሉ እውን ይኽፈል። 23 ጕድኣት እንተ ዀይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት ሃብ፣
ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧
16 ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኵሉ ህይወት ሰብ ክቡር እዩ። ዘይተወልደ ዕሸል እውን ከይተረፈ ኽቡር እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ ብድንገት ንጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ጐዲእዋ እሞ፡ ንሳ እንተ ሞይታ ወይ ዕሸላ እንተ ሞይቱ፡ የሆዋ ነቲ ሰብ ብቕትለት ተሓታቲ እዩ ዚገብሮ ነይሩ። ዋላ እውን ድንገት እንተ ዀነ፡ ሰብ ስለ ዝሞተ፡ ዋጋ ህይወት ኪኽፈል ነይርዎ እዩ። (ዘጸኣት 21:22, 23 ኣንብብ።) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ እቲ ዘይተወልደ ዕሸል፡ ህያው ሰብ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ እዚ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ዘይተወልዱ ዕሸላት ኪቕተሉ ኸለዉ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧
(ዘጸኣት 21:28, 29) “ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቀተል፡ ስጋኡ እውን ኣይበላዕ፣ እቲ ብዓል ብዕራይ ግና ካብ መቕጻዕቲ ናጻ እዩ። 29 ግናኸ፡ እቲ ብዕራይ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሓልይዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ድማ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቀተል፡ እቲ ዋናኡ እውን ይቀተል።
የሆዋ “ደሓን” ክትከውን ይደልየካ
ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ብእንስሳታት ዘቤት ኪፍጠር ንዚኽእል ጕድኣት ዚምልከት ድንጋገ እውን ነይሩ እዩ። ሓደ ብዕራይ ንሰብ ወጊኡ እንተ ቐቲሉ፡ ድሕሪኡ ንኻልኦት ሰባት ምእንቲ ኸይወግእ፡ ዋናኡ ኪቐትሎ ነይርዎ። ስጋኡ ኺበልዖ ወይ ኪሸጦ ስለ ዘይክእል ከኣ፡ ዓብዪ ኽሳራ እዩ ዜስዕበሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ብዕራይ ንሰብ ወጊኡ ጕድኣት ድሕሪ ምውራዱ፡ ዋናኡ ኣይሓለዎን ንበል። ሽዑ እንታይ እዩ ዚግበር፧ እቲ ብዕራይ እቲ ንኻልእ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይን ዋናኡን እዮም ዚቕተሉ። እቲ ሕጊ ንዝዀነ ይኹን ንጥሪቱ ዘይቈጻጸር ሰብ፡ ንተግባራቱ ተጠንቂቑ ኸም ዚሓስበሉ እዩ ዚገብሮ ነይሩ።—ዘጸ. 21:28, 29።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 21:5, 6) ግናኸ፡ እቲ ባርያ፡ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፣ ሓራ ኽወጽእ ኣይደልን እየ’ እንተ ኢሉ፡ 6 ጐይታኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምጽኣዮ። ጐይታኡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸኣ፡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፣ ንሱ ድማ ንሓዋሩ ባርያኡ ይኹን።
ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ ስለምንታይ ኢኻ፧
4 ክርስትያናዊ ወፈያ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ቃል ካብ ምእታው ንላዕሊ የመልክት። ርእስና ምውፋይና ግን ብኸመይ ይጠቕመና፧ ነዚ ነገር እዚ፡ ምስቲ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ቃልካ ምሕላው ዘለዎ ጥቕሚ እስከ ነነጻጽሮ። ከም ኣብነት፡ ዕርክነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ዓርኪ ንኺህልወካ፡ ንስኻ እውን ከም ዓርኪ መጠን ሓላፍነትካ ኽትስከም ኣሎካ። እዚ ድማ ቃልካ ምሕላው የጠቓልል፡ ማለት ንዓርክኻ ኽትሓልየሉ ድራኸ የሕድረልካ። ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ብሉጽ ዕርክነት፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት እዩ። ዕርክነቶም ጽኑዕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኪዳን ተኣታትዮም ነይሮም እዮም። (1 ሳሙኤል 17:57፣ 18:1, 3 ኣንብብ።) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ዚበጽሕ ዕርክነት ብዙሕ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ጽኑዕ ዕርክነት ንኺህሉ ግን፡ እቶም ኣዕሩኽ ቃሎም ዚሕልዉ ወይ ሓላፍነት ዚስምዖም ኪዀኑ ኣለዎም።—ምሳ. 17:17፣ 18:24።
5 ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ሰባት ቃል ዚኣትዉሉ ኻልእ ነገር ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ባርያ ንሓዋሩ ናይቲ ሕያዋይ ጐይታኡ ኪኸውን እንተ ደልዩ፡ ምስ ጐይታኡ ንሓዋሩ ዚቕጽል ኪዳን ይተኣታቶ ነበረ። እቲ ሕጊ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ባርያ ግና፤ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ አሎኹ፡ ሓራ ኣይወጽእን፡ እንተ በለ፡ ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ፡ እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ።”—ዘጸ. 21:5, 6።
(ዘጸኣት 21:14) ሰብ ንብጻዩ ኣዝዩ እንተ ተቘጢዕዎ እሞ፡ ብፍላጥ እንተ ቐቲልዎ፡ ዋላ እውን ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ እሞ፡ ይቀተል።
it-1 1143
ቀርኒ
ኣብ ዘጸኣት 21:14 ዘሎ ሓሳብ፡ ብቕትለት ገበነኛ ዝዀነ ሰብ ዋላ እውን ካህን እንተ ዀነ ኪቕተል ከም ዘለዎ፡ ቀርኒ መሰውኢ ምሓዙ ድማ ብፍላጥ ንዚቐትል ቀታሊ ኸም ዘየዕቍቦ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምስ 1ነገ 2:28-34 ኣረኣኢ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ