1 ተሰሎንቄ
3 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩና እዩ፣+ 2 ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን* ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን* ዝዀነ ጢሞቴዎስ+ ልኢኽናዮ ኢና፣ 3 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ* ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡* ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 4 ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ።+ 5 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ+ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ልኢኸ እየ።+
6 ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣+ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሲሩና እዩ። 7 ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላኹምን ሳላ ተኣማንነትኩምን ኣብ ኵሉ ጭንቅናን* ጸበባናን እተጸናናዕና።+ 8 ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ።* 9 ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧ 10 ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ብእተኻእለና መጠን ብጽኑዕ ንምህለል ኣለና።+
11 ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ። 12 ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣+ 13 እዚ ድማ ጐይታና የሱስ+ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።+