የሱስ—“እቲ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ” ዝዀነ ገዛኢ
ሓደ ንነዊሕ እዋን ተፈልዩካ ዝነበረ ዘመድካ ክመጽእ ኽትጽበዮ ከሎኻ ምዉቕ ስምዒትካ ይውስኽ። ኣብ መወዳእታ: ትረኽቦ እሞ ብውዕዉዕ ስምዒት ድማ ሰላም ትብሎ። ንኽበጽሓካ ኢሉ ኣቡኡ ዝለኣኾ ምኽንያት ክነግረካ ኸሎ ጽን ኢልካ ትሰምዖ። ድሕርዚ ናብ ዓዱ ዝምለሰሉ ግዜ ቀልጢፉ ይኣክል። እቲ ዘሕዝን ድማ ደሓን ኩን ትብሎ። እቲ ክብገስ ከሎ ዝስምዓካ ናይ ምፍላይ ስምዒት ኣብ ዓዱ ብደሓን ከም ዝበጽሐ ክትሰምዕ ከሎኻ ይንኪ።
ጸኒሕካ: ገለ ናይ ቅድም ሰነዳት ክትፍትሽ ከለኻ: እቲ ዘመድካ ንዓኻ ንኽረክብ ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ ነዊሕ ግዜ ይገብር ዝፈጸሞ ዓወት ኣሕጽር ኣቢሉ ዝጠቅስ ደብዳበታት ትረክብ። እቲ ደብዳበታት ዝነግረካ ነገር ድማ ብዛዕባ መበቈሉ ኣገዳሲ ምስትውዓል ይህበካ: ነቲ ዝገበረልካ ምብጻሕን ነቲ ሕጂ ዝዓዮ ዘሎ ዕዮኡን ዘሎካ ሞሳ ድማ የዕብየልካ።
“ኻብ ጥንቲ”
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ ካብ መንጎ እቲ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ሰነዳት እቲ ዳርጋ ሸውዓተ ሚእቲ ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ በቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ሚክያስ እተመዝገበ ጽሑፋት ነበረ። እዚ ጽሑፋት እዚ ድማ እቲ መሲህ ዝውለደሉ ቦታ ዝሕብር ኢዩ። “ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ: እቲ ምውጻኡ [“መበቈሉ:” NW ] ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ዝዀነ: ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኺወጸለይ እዩ።” (ሚክያስ 5:2) ከም ፍጻሜ ናይዘን ቃላት እዚኣተን ከኣ: የሱስ ብ2 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብታ ናይ ይሁዳ ኣውራጃ ዝዀነት ቤት-ልሄም ተወሊዱ ነበረ። መበቈሉ “ኻብ ጥንቲ” ክኸውን ዝኸኣለ ግን ብኸመይ ኢዩ፧
የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ይነብር ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ንየሱስ ከም ‘መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ: በዅሪ ዅሉ ፍጥረት ’ ገይሩ ገለጾ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ቈሎሴ 1:15
እቲ ምንጪ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብንጉስ ሰሎሞን ተመዝጊቡ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ኣገላልጻ ንኽጥቀመሉ: ነቲ በዅሪ ወዱ ከም “ጥንታዊ ግብሩ” ገይሩ ፈጠሮ። የሱስ ንሓጺር ግዜ ኣብ ምድሪ ተቐሚጡ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምምላሱ: ብሓቂ “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ከም ዝነበረ መስከረ። ከምቲ ጥበብ ብሰብ ተመሲላ ዘላ: እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ “[የሆዋ] ንሰማያት ኬቝሞ ኸሎ: ኣብኡ ነበርኩ” ኢሉ ተዛረበ።—ምሳሌ 8:22, 23, 27፣ ራእይ 3:14
ወዲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኣብ ጐድኒ ኣቡኡ ከም “ቀንዲ ሰራሕተኛ” (NW ) ዀይኑ ናይ ምዕያይ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ። እዝስ ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓጐስ ኣምጺኡሉ! ምሳሌ 8:30 “[ንየሆዋ] ብየዕለቱ ኤሐጕሶ” ብምባል ትገልጽ: ወሲኻ ድማ “ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ትብል።
ጸኒሑ ድማ የሆዋ ነቲ በዅሪ ወዱ ኣብ ምፍጣር ደቅሰብ ክሓብር ዓደሞ። “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ድማ በለ። (ዘፍጥረት 1:26) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ካልእ ፍቕሪ ማዕበለ። እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ‘ተድላይ ብደቅሰብ ነበረ’ ብምባል ገለጸ። (ምሳሌ 8:31) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መኽፈቲ ወንጌሉ: “ብእኡ ዅሉ ዀነ: ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” ብምባል ነቲ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ፍጥረት ዝነበሮ ግደ ኣፍልጦ ሃበሉ።—ዮሃንስ 1:3
ኣፈኛ የሆዋ
ቃላት ዮሃንስ ናብቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ኣፈኛ ዝነበሮ ካልእ መሰል ኣቓልቦ ገበረ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: ከም ቃል ኰይኑ ኣገልገለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: የሆዋ ንኣዳም ክዛረቦ ኸሎ: ጸኒሑ ድማ ምስ ሄዋን ገይሩ ክእዝዞ ኸሎ: በዚ ቓል እዚ ገይሩ ኢዩ ተዛሪብዎ ክኸውን ዝኽእል። ነቲ ንድሕንነት ሰብ ዝጠቅም መምርሒታት ኣምላኽ ንምግላጽ ዝበቅዕ ካብቲ ተድላኡ ኣብኦም ዝነበረ ሓሊፉ ካልእ መን ክህሉ ይኽእል፧—ዮሃንስ 1:1, 2
እቲ ቓል መጀመርታ ሄዋን ድሕሪኡ ድማ ኣዳም ንፈጣሪኦም ከይተኣዘዙ ክተርፉ ክርኢ ኸሎ ክሳዕ ኽንደይ ኰን ኢዩ ጕህዩ ክኸውን ዘለዎ! እቲ ዘይምእዛዞም ንደቆም ዘስዓበሎም ክፉእ ነገራት ንምፍዋስከ ክሳዕ ኽንደይ ኰን ኢዩ ሃረር ኢሉ ክኸውን ዘለዎ! (ዘፍጥረት 2:15-17፣ 3:6, 8፣ ሮሜ 5:12) የሆዋ ነቲ ንሄዋን ንኽትዓሉ ዘተባብዓ ሰይጣን ኣመልኪቱ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ” በለ። (ዘፍጥረት 3:15) እቲ ቓል ነቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ ነገር ምስክር ኰይኑ ብምርኣዩ: ከም ቀዳማይ ክፍሊ ‘ዘርኢ’ እታ ሰበይቲ መጠን ግዳይ ናይ እኩይ ጽልኢ ከም ዝኸውን ክግንዘብ ነበሮ። ሰይጣን ቀታል ነፍሲ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።—ዮሃንስ 8:44
ጸኒሑ ድማ ሰይጣን ንንጽህና ናይቲ እሙን እዮብ ኣብ ሕቶ ከእትዎ ኸሎ: እቲ ቓል ዘካፍእ ክስታት ናብ ኣቡኡ ክቐንዕ ብምርኣዩ ሕርቃን ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ። (እዮብ 1:6 -10፣ 2:1- 4) ብርግጽ እኳ ድኣ: እቲ ቓል ኣብቲ ሊቀ መላእኽቲ ኰይኑ ዝፍጽሞ ግደ በቲ “መን ከም ኣምላኽ፧” ዝትርጕሙ ሚካኤል ዝብል ስም ኢዩ ዝፍለጥ: ኣንጻር እቶም ንሉዓላውነት ኣምላኽ ክምንዝዑ ዝምነዩ ኵሎም ብምቅላስ ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝሕለቐሉ ድማ የመልክት።— ዳንኤል 12:1፣ ራእይ 12:7-10
ታሪኽ እስራኤል ከም ዝሕብሮ: እቲ ቓል ነቲ ሰይጣን ንደቅሰብ ካብ ጽሩይ ኣምልኾ ንምርሓቕ ዝገበሮ ፈተነታት ተዓዚብዎ ኢዩ። ህዝቢ እስራኤል ንግብጺ ሓዲጉ ምስ ወጸ: ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ከምዚ በሎ:- “ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ: እንሆ: ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ: ድምጹ ኸኣ ስማዕ: ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ: ንበደልኩም ኣይሐድግን እዩ።” (ዘጸኣት 23:20, 21) እዚ መልኣኽ እዚ መን ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
እሙን ተገዛኢ
ሙሴ ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ሞተ: ሬስኡ ድማ “ኣብ ምድሪ ሞኣብ: ኣብ መንጽር ቤት-ጴኦር ኣብ ዘሎ ለሰ” ተቐብረ። (ዘዳግም 34:5, 6) ሰይጣን ነቲ ሬሳ ክጥቀመሉ ከም ዝደለየ ርዱእ ኢዩ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ንምስፋሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሚካኤል ነዚ ተቓወሞ: እንተዀነ ግን ተገዛኢ ብምዃን ናብ ስልጣን ኣቡኡ የሆዋ ኣመሓላለፎ። ሚካኤል ንሰይጣን “እግዚኣብሄር ይግናሕካ” ብምባል ኣጠንቀቖ ደኣምበር “ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን።”—ይሁዳ 9
ቀጺሉ ህዝቢ እስራኤል ነታ ናይ ኸነኣን ምድሪ ተስፋ ክወራ ጀመረ። እያሱ ኣብ ጥቓ ከተማ ያሪኮ: እቲ ቓል ነቲ ህዝቢ ምምርሑ ከም ዝቕጽል ካብኡ መረጋገጺ ተቐበለ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢዱ እተመልሐ ሴፍ ዝሓዘ ሰብኣይ ተጓነፎ። ናብቲ ጋሻ ቐሪቡ ድማ “ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ጋሻ “ኣይፋለይ: ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ: ሕጂ መጺኤ ኣሎኹ” ብምባል መንነቱ ክገልጽ ከሎ እያሱ ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረመ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እያሱ ኣብ ቅድሚ እቲ ደሓር “መሲህ: መስፍን” ክኸውን ዝነበሮ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ምዃኑ ዘየጠራጥር: ዕዙዝ ናይ የሆዋ ወኪል ብገጹ እንተ ተደፍአ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ።—እያሱ 5:13-15፣ ዳንኤል 9:25
ኣብ መዓልትታት እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዳንኤል ምስ ሰይጣን ካልእ ምግርጫው ተኻየደ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ: እቲ ጋኔን መስፍን ፋርስ ንሓደ መልኣኽ ንሰለስተ ቕነ ምስ ‘ተቓወሞ’ ሚካኤል ነቲ ብጻዩ መልኣኽ ሓገዞ። እቲ መልኣኽ “እንሆ ኸኣ: ሚካኤል: ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ: ንምሕጋዘይ መጸ: ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ” ብምባል ገለጸ።—ዳንኤል 10:13, 21
ሰብ ቅድሚ ምዃኑን ሰብ ምስ ኰነን ዝነበሮ ክብሪ
ብ778 ቅ.ኣ.ዘ. በታ ናይ ይሁዳ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት: እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ኢሳይያስ የሆዋ ኣብ በሪኽ ዝፋን ከሎ ዝገልጽ ራእይ ረኣየ። የሆዋ “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ብምባል ሓተተ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኢሳይያስ ወለንተኛ ዀነ: የሆዋ ግን እስራኤላውያን ብጾቱ ነቲ ኣዋጁ ከም ዘይሰምዕዎ ብምንጋር ኣጠንቀቖ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ኣይሁድ ምስቶም ብመዓልትታት ኢሳይያስ ዝነበሩ ሰባት ኣመሳሰሎም: “ኢሳይያስ ክብረቱ ርእዩ . . . እዚ በለ” ብምባል ድማ መዝገበ። ናይ መን ክብረት፧ ናይ የሆዋ ከምኡውን ናይቲ ኣብ ሰማያዊ ስፍራ ኣብ ጐድኑ ተቐሚጡ ዝነበረ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ኢዩ ነይሩ።—ኢሳይያስ 6:1, 8-10፣ ዮሃንስ 12:37-41
ድሕሪኡ ገለ ክፍለ-ዘበናት ጸኒሑ: እቲ ዝዓበየ መዝነት የሱስ ዝፍጸመሉ ግዜ በጽሐ። የሆዋ ነቲ ሓይሊ ህይወት ናይቲ ዘፍ ቅሮ ወዱ ካብ ሰማይ ናብ ማህጸን ማርያም ኣመሓላለፎ። ትሽዓተ ወርሒ ጸኒሓ ድማ የሱስ ዝስሙ ሕጻን ወዲ ወለደት። (ሉቃስ 2:1-7, 21) ብናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣዘራርባ ድማ: “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ . . . ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለአኾ።” (ገላትያ 4:4) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ቓል ስጋ ዀነ: ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ።—ዮሃንስ 1:14
እቲ መሲሕ ይቕልቀል
መንእሰይ የሱስ ብውሕዱ ወዲ 12 ዓመት ከሎ: ናይ ሰማያዊ ኣቡኡ ጕዳይ ብምፍጻም ትሑዝ ክኸውን ከም ዘለዎ ተገንዘበ። (ሉቃስ 2:48, 49) የሱስ ድሕሪኡ ገለ 18 ዓመታት ጸኒሑ: ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ መጸ: ተጠምቀ ድማ። የሱስ ክጽሊ ኸሎ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ቅዱስ ከኣ ወረዶ። ነቲ ኣብ ጐድኒ ኣቡኡ ከም ቀንዲ ሰራሕተኛ: ኣፈኛ: ሓለቓ ሰራዊት ኣምላኽን ከም ሚካኤል ሊቀ መላእኽትን ኰይኑ ማእለያ ንዘይብሉ ኣሽሓት ዓመታት ዘገልገሎ ምስ ሓሰበ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመጸ ብዙሕ ተዘክሮታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ድሕርዚ ንዮሃንስ መጥምቕ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ ክነግሮ ኸሎ ኣቡኡ እተዛረቦ ባህ ዘብል ድምጺ ሰምዐ።—ማቴዎስ 3:16, 17፣ ሉቃስ 3:21, 22
ዮሃንስ መጥምቕ: የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ይነብር ከም ዝነበረ ኣይተጠራጠረን። የሱስ ናብኡ ምስ መጸ: ዮሃንስ “እንሆ: ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። ወሲኹ ድማ “እቲ ብዛዕባኡ፤ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ: ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ: ንሱ ቕድመይ ኰነ: ዝበልክዎ እዚ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 1:15, 29, 30 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሃዋርያ ዮሃንስውን እንተዀነ የሱስ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ይነብር ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። “እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ: ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ: ቀጺሉ ድማ “እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና: ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። . . . ንሱስ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር” በለ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ዮሃንስ 3:31, 32
ሃዋርያ ጳውሎስ ዳርጋ ኣብ 61 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ናይቲ መሲሕ ናብ ምድሪ ምምጻእን ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዝፍጽሞ ዕዮኡን ዝምልከት ምሉእ ትርጕም ንኽግንዘብዎ ተማሕጸኖም። ጳውሎስ ናብቲ የሱስ ኣፈኛ ከም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ግደ ቈላሕታ ብምግባር: ‘ኣምላኽ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ብእኡ ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና’ ብምባል ጸሓፈ። እዚ ጥቕሲ እዚ ነቲ የሱስ ከም “ቀንዲ ሰራሕተኛ” መጠን ኣብ ፍጥረት ዝነበሮ ግደ ዘመልክት ይኹን ወይስ ኣብቲ እናቐጸለ ዝኸይድ ንሰብ ንምትዕራቕ እተገብረ ምድላዋት እቱው ምዃኑ ብዘየገድስ: ጳውሎስ ኣብዚ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ይነብር ከም ዝነበረ ኢዩ ተወሳኺ መርትዖ ዘቕርብ ዘሎ።—እብራውያን 1:1-6፣ 2:9
“ኻብ ጥንቲ” ዝጀመረ ተኣማንነት
ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት እዚ ለበዋ እዚ ጸሓፈሎም:- “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።” (ፊልጲ 2:5-8) የሆዋ ንየሱስ ካብ ሞት ብምትንሳእ ድሕርዚ ድማ ናብ ሰማይ ክምለስ ብምፍቃዱ ነቲ ናይ ተኣማንነት ናብርኡ ብፍቕሪ መሊሽሉ ኢዩ። የሱስ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኣየ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ንጽህናኻ ናይ ምሕላው ኣብነት ኰን ኢዩ ዝገደፈልና!—1 ጴጥሮስ 2:21
መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ምዃኑ ዝገልጽ ብልጭታታት ስለ ዘዳለወልና ክሳዕ ኽንደይ ኰን መመስገንቲ ኢና! እዚ ብልጭታታት እዚ ሕጂ ብፍላይ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣሉ ዘሎ እዋን: ነቲ ንእሙን ኣገልግሎት ዝምልከት ኣብነቱ ንምቕዳሕ እንገብሮ ውሳነ ከም ዘሐይለልና እተረጋገጸ ኢዩ። ነቲ “ምውጻኡ [“መበቈሉ:” NW ] ኻብ ጥንቲ” ዝዀነ መራሒናን ገዛኢናን “መስፍን ሰላም” የሱስ ክርስቶስ ንወድስ!—ሚክያስ 5:2፣ ኢሳይያስ 9:6
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]
ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ምዃኑ ዝገልጽ መርትዖ
ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ባዕሉ እተዛረበን ቃላት: ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ምዃኑ ብኣኽል-ታርፍ ዝምስክር ኢዩ:-
◻ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።”—ዮሃንስ 3:13
◻ “እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ: ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር: ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ [ኣይኰነን።] . . . ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።”—ዮሃንስ 6:32, 33, 38
◻ “ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት: ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።”—ዮሃንስ 6:50, 51
◻ “ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ: ከመይ እዩ፧”—ዮሃንስ 6:62
◻ “ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ: እፈልጥ እየ እሞ: ምስክረይ ሓቂ እዩ። . . . ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም: ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም: ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን።”—ዮሃንስ 8:14, 23
◻ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ: ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር: ባዕለይ ኣይመጻእኩን: ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ: ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።”—ዮሃንስ 8:42
◻ “ኣነ: ኣብርሃም ከይተወልደ: ከም ዘሎኹ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”—ዮሃንስ 8:58
◻ “ዎ ኣቦይ: . . . በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ዎ ኣቦይ: ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ: እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ ኣሎኹ።”—ዮሃንስ 17:5, 24
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እያሱ ነቲ ሓለቓ ሰራዊት የሆዋ ይረኽቦ