መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
5-11 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 31-32
“ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደም”
(ዘጸኣት 32:1) እቶም ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብቲ ኸረን ከይወረደ ነዊሕ ከም ዝገበረ ረኣዩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ኣሮን ተኣከቡ እሞ፡ “እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና” በልዎ።
ናብ ብስለት ኣቢልካ ሰጕም—“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”
11 ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ኣዝዩ በዳሂ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኻብ ዜውጽኦም ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እስራኤላውያን “ምስ ሙሴ ተቛየቑ፡” ‘ንየሆዋ ድማ ፈተንዎ።’ ስለምንታይ፧ ዚሰትይዎ ማይ ስለ ዝሰኣኑ እዮም። (ዘጸ. 17:1-4) ምስ ኣምላኽ ኪዳን ካብ ዚኣትዉን “እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት” ከም ዚገብሩ ኻብ ዚሰማምዑን ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ዚገልጽ ሕጊ ኣፍረስዎ። (ዘጸ. 24:3, 12-18፣ 32:1, 2, 7-9) ሙሴ ኣብ ከረን ሆሬብ መምርሒ ይወሃቦ ብምንባሩ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይረኣይዎ ፈሪሆም ደዀን ይዀኑ፧ ኣቐድም ኣቢሎም፡ ኢድ ሙሴ ልዕል ኢላ ብምንባራ ንኣማሌቃውያን ስለ ዝሰዓርዎም፡ ሕጂ ሙሴ ኣብ ዘይብሉ እንደገና እንተ ኣጥቂዖምዎም፡ ሓጋዚ ዘይብሎም ከይኰኑ ኣተሓሳሲብዎም ደዀን ይኸውን፧ (ዘጸ. 17:8-16) ምናልባት ከምኡ ሓሲቦም ይዀኑ፣ ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ እስራኤላውያን ‘ኪእዘዙ ኣይደለዩን።’ (ግብ. 7:39-41) ጳውሎስ ንክርስትያናት ካብቲ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ንኺኣትዉ ብምፍራሆም ዘርኣይዎ ‘ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ’ ንኺርሕቁ ‘ኺጋደሉ’ ተማሕጸኖም።—እብ. 4:3, 11።
(ዘጸኣት 32:4-6) ንሱ ድማ ነቲ ወርቂ ኻባታቶም ወሲዱ፡ ብመቕረጺ ገይሩ ቐሪጹ፡ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዚ እዩ” በሉ። 5 ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሐ። ኣሮን ድማ፡ “ጽባሕ፡ ንየሆዋ በዓል እዩ” ኢሉ ኣወጀ። 6 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዚሓርር መስዋእቲ ሰውኡ፡ መስዋእቲ ሕብረት እውን ኣቕረቡ። ድሕርዚ፡ እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ፡ ኪጻወቱ እውን ተንስኡ።
ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም
12 የሆዋ ንኣምልኾ ዚኸውን ድንኳንን ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከም ዚቐርብዎ ዚገብር ክህነትን ብምድላው፡ ነቲ ሕጊ ኺዳን ብኡብኡ ኺፍጽሞ ጀመረ። እስራኤላውያን ግና ርእሶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ረስዕዎ፡ “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።” (መዝ. 78:41) ንኣብነት፡ ሙሴ ተወሳኺ መምርሒ ኪቕበል ኣብ ከረን ሲና ምስ ደንጐየ፡ እስራኤላውያን ሙሴ ዝጠንጠኖም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ዓቕሊ ስኢኖም ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት ኬጥፍኡ ጀመሩ። ስለዚ ድማ፡ ምራኽ ወርቂ ሰርሑ፡ “ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሉ። (ዘጸ. 32:1, 4) ቀጺሎም፡ “ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ብምባል፡ ነቲ ዚሰርሕዎ ጣኦት ሰገዱሉን ሰውኡሉን። የሆዋ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሙሴ፡ “ካብቲ ዝአዘዝክዎም መገዲ ብኡብኡ ኣግለሱ” በሎ። (ዘጸ. 32:5, 6, 8) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ እስራኤላውያን ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ማሕላኦም ብተደጋጋሚ ኣፍሪሶም እዮም።—ዘሁ. 30:2።
(ዘጸኣት 32:9, 10) የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር ምዃኑ እርእዮ ኣለኹ። 10 ሕጂ ብዚነድድ ቍጥዓይ ከጽንቶም፡ ንዓኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ ሕደገኒ” በሎ።
“ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧”
14 እቶም ህዝቢ፡ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ልዕሊ የሆዋ ዚፍጸም ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 20:3-5) ነዊሕ ከይጸንሑ ምራኽ ወርቂ ኼምልኹ ምጅማሮምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጕሂ ዀን እዩ! እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ተግባር ዘይተኣዛዝነት ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግና ካብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዘይረሓቑ ብምሕሳብ ንርእሶም ኣታሊሎምዋ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣሮን ኣምልኾ ምራኽ ኬምልኹ ኸለዉ፡ “ንየሆዋ በዓል እዩ” በለ። እሞ ደኣ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ ከም እተጠልመ እዩ ተሰሚዕዎ። ንሙሴ ድማ፡ “ህዝብኻ ተበላሽዩ ኣሎ . . . ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣልጊሶም እዮም” በሎ። ነቲ ሓድሽ ዝቘመ ህዝቢ ‘ብዚነድድ ቍጥዓኡ’ ምሉእ ብምሉእ ኬጽንቶ እውን ሓሲቡ ነበረ።—ዘጸ. 32:5-10።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 31:17) የሆዋ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማያትን ምድርን ገይሩ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣዕሪፉን እፎይ ኢሉን እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤልን ናይ ሓዋሩ ምልክት እያ።’”
ንዕዮን ንዕረፍትን “ገግዜኡ ኣለዎ”
4 የሆዋን የሱስን ብትግሃት ዚዓይዩ ምዃኖም፡ ንሕና ኸነዕርፍ ከም ዘይብልና ዚእምት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ጠሪሱ ኣይደክምን እዩ፣ ስለዚ፡ ኣካላዊ ዕረፍቲ ኣየድልዮን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንሰማያትን ንምድርን ምስ ፈጠረ፡ “ኣዕሪፉን እፎይ ኢሉን እዩ” ይብለና እዩ። (ዘጸ. 31:17) እዚ ግና የሆዋ ሓንሳእ ዕዮኡ ደው ከም ዘበለን በቲ ዝገበሮ ኸም እተሓጐሰን ዜመልክት እዩ ኪኸውን ዘለዎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብትግሃት ይዓዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ንምዕራፍን ምስ ፈተውቱ ንምብላዕን ዚኸውን ግዜ ግና ይምድብ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 14:13፣ ሉቃ. 7:34።
(ዘጸኣት 32:32, 33) ሕጂ ድማ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ሓጢኣቶም ሕደገሎም፣ እንተ ዘይኰነ፡ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ በጃኻ ደምስሰኒ” በሎ። 33 የሆዋ ግና ንሙሴ፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ።
w87 1/9 29
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሰብ ብጽቡቕ ዚዝከር ምዃኑ (ስሙ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ምስፋሩ)፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረከብ ውሕስነት ኣይኰኖን እዩ፣ ማለት ኣቐዲሙ ተወሲኑ ዘብቅዐ ወይ ዘይቅየር ነገር ኣይኰነን። ሙሴ ብዛዕባ እስራኤላውያን ንየሆዋ፡ “ሕጂ ድማ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ሓጢኣቶም ሕደገሎም፣ እንተ ዘይኰነ፡ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ በጃኻ ደምስሰኒ” ኢልዎ እዩ። ኣምላኽ ከኣ፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ” ኢሉ መሊሱሉ እዩ። (ዘጸኣት 32:32, 33) እወ፡ ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ኣብ “መጽሓፉ” ምስ ጸሓፎ፡ እቲ ሰብ ዘይእዙዝ ኪኸውን ወይ እምነቱ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣምላኽ ‘ንስም እቲ ሰብ ካብ መጽሓፍ ህይወት ይድምስሶ’ እዩ።—ራእይ 3:5።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 32:15-35) ሙሴ ኸኣ ተመሊሱ፡ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢዱ ሒዙ ኻብቲ ኸረን ወረደ። እተን ጽላት ብኽልቲኡ ገጸን ተቐሪጹ እተጻሕፈን፡ ማለት ብቕድሚትን ብድሕሪትን እተጻሕፈን ነበራ። 16 እተን ጽላት ድማ ስራሕ ኣምላኽ ነበራ፣ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት ኣምላኽ ነበረ። 17 እያሱ ድማ ዋዕዋዕ ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ጫውጫውታ እቲ ህዝቢ ሰምዐ፣ ንሙሴ ኸኣ፡ “ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ኣሎ” በሎ። 18 ሙሴ ግና፡ “እዚ ደሃይ ደርፊ ዝሰዓሩ ኣይኰነን፣ ደሃይ ዋይዋይታ እተሳዕሩ እውን ኣይኰነን፣ ደሃይ ካልእ ዓይነት ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ” በለ። 19 ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ እሞ፡ ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕስዒትን ምስ ረኣየ፡ ቍጥዓኡ ነደደ፣ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርብዩ ኸኣ፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ሰበረን። 20 ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ጠሓኖ፣ ኣብ ማይ ነስኒሱ ድማ ንእስራኤላውያን ኣስተዮም። 21 ሙሴ ኸኣ ንኣሮን፡ “እዚ ዓብዪ ሓጢኣት እዚ ዘምጻእካሉስ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ገይሩካ እዩ፧” በሎ። 22 ኣሮን ድማ፡ “ጐይታይ፡ ቍጥዓኻ ኣይንደድ። እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ክፉእ ዝዘንበለ ምዃኑ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። 23 ‘እዚ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና’ ኢሎምኒ። 24 ኣነ ኸኣ፡ ‘ወርቂ ዘለዎ፡ ቀንጢጡ ይሃበኒ’ ኢለዮም። ሽዑ፡ ናብ ሓዊ ደርብየዮ፡ እዚ ምራኽ እዚ ድማ ወጺኡ” ኢሉ መለሰ። 25 ኣሮን ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ተጻረርቶም ክሳዕ ዚዋረዱ ስዲ ሓዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ረኣዮም። 26 ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ “ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧ ናባይ ይምጻእ!” በለ። ኵሎም ሌዋውያን ከኣ ናብኡ ተኣከቡ። 27 ንሱ ድማ፡ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ይተዓጠቕ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ሰፈር ካብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ እናሓለፈ ንሓዉን ንብጻዩን ንናይ ቀረባ ዓርኩን ይቕተል’” በለ። 28 ሌዋውያን ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ተቐትሉ። 29 ሙሴ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣንጻር ወዱን ኣንጻር ሓዉን ኰይኑ እዩ እሞ፡ ሎሚ ርእስኹም ንየሆዋ ፍለዩ፣ ሎሚ ንሱ በረኸት ኪህበኩም እዩ” በለ። 30 ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ዓብዪ ሓጢኣት ጌርኩም ኢኹም። ሕጂ ኸኣ፡ ሓጢኣትኩም ከተዓርቕ ዝኽእል እንተ ዀይነ ኽርኢ፡ ናብ የሆዋ ኽድይብ እየ” በሎም። 31 ሙሴ ድማ ናብ የሆዋ ተመሊሱ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጢኣት ኰን እዮም ገይሮም! ንዓታቶም ኣምላኽ ወርቂ ገይሮም! 32 ሕጂ ድማ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ሓጢኣቶም ሕደገሎም፣ እንተ ዘይኰነ፡ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ በጃኻ ደምስሰኒ” በሎ። 33 የሆዋ ግና ንሙሴ፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ። 34 ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ፣ በታ ዝጸባጸበላ መዓልቲ፡ ብሓጢኣቶም ክቐጽዖም እየ” በሎ። 35 ሽዑ፡ ነቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ወቕዖም።
12-18 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 33-34
“ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ”
(ዘጸኣት 34:5) የሆዋ ኸኣ ብደበና ወሪዱ፡ ምስኡ ደው በለ፡ ስም የሆዋ ድማ ኣወጀ።
it-2 466-467
ስም
ማተርያላዊ ፍጥረት ንህልውና ኣምላኽ ይምስክር እዩ፣ ስም ኣምላኽ ግና ኣይገልጽን እዩ። (መዝ 19:1፣ ሮሜ 1:20) ስም ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ነቲ ቓል ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ የጠቓልል። (2ዜና 6:33) ከም ሓቂ፡ ነቲ በቲ ስም ዚጽዋዕ ምፍላጥ የጠቓልል፣ ማለት ኣብ ቃሉ ተጠቒሱ ዘሎ ዕላማኡን ንጥፈታቱን ባህርያቱን ምፍላጥ የጠቓልል። (ምስ 1ነገ 8:41-43፣ 9:3, 7፣ ነህ 9:10 ኣረኣኢ።) ንኣብነት፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ብስሙ ይፈልጦ’ ነይሩ እዩ፣ ማለት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 33:12) ሙሴ፡ ክብሪ የሆዋ ናይ ምርኣይን ‘ስም የሆዋ ኺእወጅ’ ናይ ምስማዕን ፍሉይ መሰል ረኺቡ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 34:5) ኣብቲ ኣዋጅ እቲ፡ ስም የሆዋ ጥራይ ኣይኰነን ብተደጋጋሚ ተጸዊዑ፣ የግዳስ፡ ባህርያቱን ንጥፈታቱን እውን ተገሊጹ እዩ። “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።” (ዘጸ 34:6, 7) ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ “ኣነስ ስም የሆዋ ኽነግር እየ” ዚብል ቃላት ዘለዎ መዝሙር ሙሴ፡ ኣምላኽ ምስ እስራኤል ዝነበሮ ርክብን ባህርያቱን ተዘንትዩ ኣሎ።—ዘዳ 32:3-44።
(ዘጸኣት 34:6) የሆዋ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እናሓለፈ፡ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡
የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ
የሆዋ ፈለማ ብዛዕባ ርእሱ፡ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ” ኢሉ ተዛረበ። (ቍጽሪ 6) ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ፡ እታ “መሓሪ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንኣምላኽ “ልክዕ ከምታ ሓደ ኣቦ ንደቁ ዘርእያ ዓይነት ርሕራሐ” ኸም ዘላቶ ገይራ እያ እትገልጾ። እታ “ጸጋዊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ከኣ፡ “ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ዜድልዮ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ንኺህቦ ኢሉ ዚገብሮ ልባዊ ምላሽ” ዚብል ትርጕም ምስ ዘለዋ ግሲ እተተሓሓዘት እያ። ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ልክዕ ከምቶም ንደቆም ብፍቕርን ብዓሚቝ ሓልዮትን ዚግደሱሎም ወለዲ፡ ንኣምለኽቱ ዜድልዮም ዘበለ ብምምላእ ከም ዚግደሰሎም ክንፈልጥ ይደልየና እዩ።—መዝሙር 103:8, 13።
የሆዋ ቐጺሉ፡ “ንዅራ ደንጓይ” ከም ዝዀነ ገለጸ። (ቊጽሪ 6) ነቶም ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ብቐሊሉ ናይ ምቝጣዕ ዝንባለ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ይዕገሶም፣ ነቲ ሓጥእ መገዶም ንኼዐርዩ ግዜ ብምሃብ ድማ ንጕድለታቶም ይጾሮ።—2 ጴጥሮስ 3:9።
ኣምላኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ተዛረበ። (ቍጽሪ 6) ለውሃት ወይ ሳህሊ ኣዝያ ኽብርቲ ባህርይ እያ፣ በዛ ባህርይ እዚኣ ኣቢሉ ድማ የሆዋ ምስ ህዝቡ ድልዱልን ነባርን ርክብ ይምስርት። (ዘዳግም 7:9) ብዘይካዚ፡ ምንጪ ሓቂ እውን እዩ። ኬታልልን ኪታለልን ኣይክእልን እዩ። “ኣምላኽ ሓቂ” ስለ ዝዀነ፡ ንዚብሎ ዘበለ ዅሉ፡ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 31:5።
(ዘጸኣት 34:7) ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።”
የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ
የሆዋ ብዛዕባኡ ኽንፈልጦ ዚደልየና ኻልእ ኣገዳሲ ሓቂ፡ “ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ምዃኑ እዩ። (ቍጽሪ 7) ነቶም ዚንስሑ ሓጢኣተኛታት ብዚምልከት “ንይቕሬታ ድልው” እዩ። (መዝሙር 86:5) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ንእከይ ዕሽሽ ኢሉ ኣይርእዮን እዩ። “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ቍጽሪ 7) እቲ ቕዱስን ፍትሓውን ዝዀነ ኣምላኽ ነቶም ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት ከይቀጽዐ ኣይሓድጎምን እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሳዕቤን ሓጢኣቶም ኪዓጽዱ እዮም።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 33:11) ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ። ንሱ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኣገልጋሊኡን ጊልያኡን ዝነበረ እያሱ ወዲ ነዌ ኻብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
(ዘጸኣት 33:20) ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት
33:11, 20—ኣምላኽ ንሙሴ “ገጽ ንገጽ” እተዛረቦ ብኸመይ እዩ፧ እዛ መግለጺት እዚኣ ንናይ ማሕርሮ ኽልተኣዊ ዝርርብ እያ እተመልክት። ሙሴ ምስቲ ንኣምላኽ ወኪሉ ዝመጸ ተዘራረበ፡ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ካብ የሆዋ ብቓል መምርሒ ተቐበለ። ይኹን እምበር፡ ‘ሰብ ንኣምላኽ ርእዩ ብህይወት ኪነብር ስለ ዘይክእል፡’ ሙሴ ንየሆዋ ኣይረኣዮን። አረ የሆዋ እውን ንሙሴ ብኣካል ቀሪቡ ኣይተዛረቦን። ገላትያ 3:19 እቲ ሕጊ “ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ” እያ እትብል።
(ዘጸኣት 34:23, 24) “ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ። 24 ከመይሲ፡ ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም፡ ንሃገርካ ድማ ከግፍሖ እየ፣ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ገጽ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርኢ ኢልካ ኽትድይብ ከለኻ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ንምድርኻ ኣይኪትምነን እዩ።
ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ነገር ኣየናይ ኢዩ፧
ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ እስራኤላውያንን ጵሮሴሊትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽርኣዩ ተኣዚዞም ነበሩ። ብምልእታ እታ ስድራቤት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ብመንፈስ ክትጥቀም ከም እትኽእል ብምግንዛብ፡ ብዙሓት ርእሲ ስድራቤታት ኣንስቶምን ደቆምን ምስኣቶም ንኽኸዱ ምድላዋት ገይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር እታ ስድራቤት ኣርሒቓ ምስ ከደት ንገዝኦምን ግራቶምን ካብ ናይ ጸላኢ መጥቃዕቲ መን ክሕልዎ ነበሮ፧ የሆዋ “ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ፡ ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን” ብምባል ተመባጽዐ። (ዘጸኣት 34:24) እስራኤላውያን ንመንፈሳዊ ረብሓታት ቀዳምነት እንተድኣ ሂቦምዎ ስጋዊ ነገራት ከም ዘይጐድሎም ንኽቕበልዎ እምነት የድልዮም ነበረ። የሆዋ ቃሉ ሓልዩዶ ኢዩ፧ ብርግጽ ሓልዩ ኢዩ!
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 33:1-16) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ደይብ። ናብታ፡ ‘ንዘርእኻ ኽህቦ እየ’ ኢለ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ተጐዓዝ። 2 መልኣኸይ ከኣ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ፡ ንከነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን ድማ ክሰጕጎም እየ። 3 ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ደይብ። ግናኸ፡ ተሪር ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መገዲ ኸየጽንተካስ፡ ኣነ ኣብ ማእከልካ ኣይክድይብን እየ።” 4 እቶም ህዝቢ፡ እዚ ብርቱዕ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓዘኑ፣ ዋላ ሓዲኦም እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን። 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘ንስኻትኩም ተረርቲ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ብቕጽበት ብማእከልካ ሓሊፈ መጽነትኩኻ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንታይ ከም ዝገብረካ ኽሳዕ ዝፈልጥ፡ ስልማትካ ቐንጥጥ’ በሎም” በሎ። 6 እስራኤላውያን ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንደሓር ስልማቶም ቀንጠጡ። 7 ሙሴ ድማ ንድንኳኑ ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ፣ ድንኳን ምርኻብ ኢሉ ኸኣ ጸውዖ። ንየሆዋ ዚሓትት ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ዝነበረ ድንኳን ምርኻብ ይኸይድ ነበረ። 8 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ምስ ወጸ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ደገ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፣ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዚኣቱ ድማ፡ ብድሕሪኡ ይጥምትዎ ነበሩ። 9 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኺዛረቦ ኸሎ፡ እቲ ዓንዲ ደበና ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ይቐውም ነበረ። 10 ኵሉ እቲ ህዝቢ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ምስ ረኣዮ፡ ነፍሲ ወከፍ ተንሲኡ ኣብ ኣኣፍ ደገ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ። 11 ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ። ንሱ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኣገልጋሊኡን ጊልያኡን ዝነበረ እያሱ ወዲ ነዌ ኻብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ። 12 ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “እንሆ፡ ንስኻ፡ ‘ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦ’ ትብለኒ ኣለኻ፣ ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ‘ብስምካ እፈልጠካ እየ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣለኻ’ እውን ትብለኒ ኣለኻ። 13 ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኽፈልጠካን ብሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብን፡ በጃኻ መገድታትካ ኣፍልጠኒ። እዚ ህዝቢ እዚ ህዝብኻ ኸም ዝዀነ እውን ሕሰብ” በሎ። 14 ንሱ ድማ፡ “ኣነ ባዕለይ ምሳኻ ክኸይድን ከዕርፈካን እየ” በሎ። 15 ሙሴ ኸኣ፡ “ንስኻ ባዕልኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካ፡ ካብዚ ኣይተደይበና። 16 ኣነን ህዝብኻን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብና ብኸመይ ኪፍለጥ እዩ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካ ደይኰነን ኣነን ህዝብኻን ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት እንፍለ፧” በሎ።
19-25 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 35-36
“ንዕዮ የሆዋ ተዓጠቕ”
(ዘጸኣት 35:25, 26) ኵለን እተን ክኢላታት ኣንስቲ ድማ ብኣእዳወን ፈቲለን፡ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ቅጭን በፍታን ኣምጽኣኦ። 26 ኵለን እተን ልበን ዝደረኸን ክኢላታት ኣንስቲ ኸኣ፡ ጸጕሪ ጤል ፈተላ።
የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም
ንየሆዋ ዘሐጐሶ፡ እቲ ዝቐረበ ነገራት ዘይኰነስ፡ እቲ ንንጹህ ኣምልኾ ንምድጋፍ እተራእየ መንፈስ ፍቓደኛነት እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ግዜኦምን ጕልበቶምን ንኺህቡ እውን ተደሪኾም እዮም። እቲ ጸብጻብ፡ “ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን” ከም ዘምጽኣ ይገልጽ እዩ። እወ፡ “ኵለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዘልዐለን ከኣ ጸጕሪ ጤል ፈተላ።” ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንበሳልኤል “ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን” ንኼገልግል መንፈሱ ሃቦ። እወ፡ ኣምላኽ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ነቲ እተዋህቦም ዘበለ ዕዮ ንኺዓይዩ ዜድልዮም ጥበብ ሃቦም።—ዘጸ. 35:25, 26, 30-35።
(ዘጸኣት 35:30-35) ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር፡ ሓርይዎ ኣሎ። 31 ንዕኡ ኸኣ ብመንፈስ ኣምላኽ መሊእዎ፡ ጥበብን ኣእምሮን ፍልጠትን ድማ ሂብዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዅሉ ኢደ ጥበብ፡ 32 ንምንዳፍ፡ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ንምዕያይ፡ 33 ንምውቃርን ንምስራዕን ኣእማን፡ ኵሉ ዓይነት ፍርያት ዕንጨይቲ ብብልሓት ንምግባር ዚዀኖ እዩ። 34 ኪምህር ድማ ኣብ ልቡ ኣንቢሩሉ ኣሎ፣ ንዕኡ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ እውን ከምኡ። 35 ንዓታቶም ኵሉ ዕዮ ኢደ ጥበብ ኪዓይዩ፡ ኪጠልፉ፡ ብሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ብዝሕብሩ ጸምርን ብውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ኪኣልሙ፡ ብኻልእ እውን ኪኣልሙ ብኽእለት መልኦም። እዞም ሰባት እዚኦም ኵሉ ዕዮ ኺዓይዩን ኵሉ ንድፊ ኼዳልዉን እዮም።
ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሑ
6 እቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ በሳልኤል ዘሕለፎ ተመክሮ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብዙሕ ይሕብረና እዩ። (ዘጸኣት 35:30-35 ኣንብብ።) በሳልኤል ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣድላዪ ኣቕሑ ንኺሰርሕ ተሸይሙ ነበረ። ቅድሚ እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት እዚ፡ ክእለት ነይርዎዶ፧ ምናልባት ነይርዎ ይኸውን፣ ቅድሚ እተወሰነ እዋን ዚሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ግና፡ ንግብጻውያን ሕጡብ ምስራሕ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 1:13, 14) ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ነቲ እተዋህቦ ኸቢድ ዕዮ ኺፍጽሞ ዚኽእል፧ የሆዋ፡ “ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን፡ ንምሕሳብ ብልሓት፡ . . . ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምዕያይ” ዚኸውን መንፈስ ሃቦ። በሳልኤል ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበሮ ተፈጥሮኣዊ ኽእለት፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝያዳ ወሓለ ገበሮ። ንኦሆልያብ እውን ከምኡ እዩ ገይርዎ። በሳልኤልን ኦሆልያብን፡ ስራሖም ይፍጽሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ይምህሩ ስለ ዝነበሩ፡ ብጽቡቕ እዮም ተማሂሮም ኪብሃል ይከኣል እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ነቲ ንኻልኦት ዚምህርዎ ትምህርቲ ኣብ ልቦም ኣንቢሩሎም ነይሩ እዩ።
(ዘጸኣት 36:1, 2) “በሳልኤል ምስ ኦሆልያብን ምስ ኵሎም እቶም ንዕዮ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዚገብሩ ኺፈልጡ ኢሉ የሆዋ ጥበብን ኣእምሮን ዝሃቦም ክኢላታት ሰባትን ኰይኑ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኺገብር እዩ።” 2 ሙሴ ድማ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ንዅሎም እቶም የሆዋ ኣብ ልቦም ጥበብ ዘንበረሎም ክኢላታትን፡ ኰታስ ንዅሎም እቶም ነቲ ዕዮ ብፍታዎም ኪዓይዩ ልቦም ዝደረኾም ጸውዖም።
ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሑ
7 በሳልኤልን ኦሆልያብን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተመርሑ ዚሕብር ካልእ መርትዖ፡ እቲ ዝሰርሕዎ ነገራት ብሉጽ ምንባሩ እዩ። እቲ ዝሰርሕዎ ናውቲ፡ ንኣስታት 500 ዓመት እዩ ኣገልጊሉ። (2 ዜና 1:2-6) በሳልኤልን ኦሆልያብን ከምዞም ዘመናውያን ኣፍረይቲ፡ ብስራሖም ኪውደሱ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ከመይሲ፡ በቲ ዘርኣይዎ ኽእለት ኪምስገን ዚግብኦ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ።—ዘጸ. 36:1, 2።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 35:1-3) ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣኪቡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እቲ የሆዋ ኺግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፦ 2 ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ቅድስቲ፡ ንየሆዋ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ ይቀተል። 3 ኣብቲ እትነብሩሉ ዅሉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይትእጐዱ።”
መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
14 ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ሃብ። ህዝቢ እስራኤል ግዜኦም ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኡ ኢሎም፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዕሽሽ ኪብልዎ ኣይነበሮምን። ህይወት እስራኤላዊ ዓለማዊ ነገራት ንምስዓብ ምሉእ ብምሉእ እተወፈየት ክትከውን ኣይነበራን። የሆዋ ኣብ ሰሰሙን ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ጥራይ ዚውዕል እተቐደሰ ግዜ ፈለየ። (ዘጸኣት 35:1-3፣ ዘሁልቍ 15:32-36) ኣብ ዓዓመት ንእተፈልየ ቕዱስ ኣኼባታት ዚኸውን ተወሳኺ ግዜ ተመዲቡ ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:4-44) እዚ ኸኣ ንግብርታት ሓይሉ ንኼዘንትዉ፡ መገድታቱ ንኺዝክሩ፡ ከምኡውን ስለቲ ዅሉ ሰናዩ ንኼመስግንዎ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ነበረ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ዘለዎም ተወፋይነት ምስ ዚገልጹ፡ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍርሃትን ፍቕርን ይዓቢ፡ ብመገድታቱ ንኺመላለሱ ድማ ይሕግዞም። (ዘዳግም 10:12, 13) እቲ ኣብዚ መምርሒታት ዚርከብ ጠቓሚ መሰረታዊ ስርዓታት፡ ሎሚውን ነገልገልቲ የሆዋ ይጠቕሞም እዩ።—እብራውያን 10:24, 25
(ዘጸኣት 35:21) ሽዑ፡ ልቡ ዝደረኾ ዘበለ ዅሉን መንፈሱ ዘለዓዓሎ ዘበለ ዅሉን መጸ፣ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንዅሉ ቕዱስ ክዳውንትን ዚኸውን ከኣ ንየሆዋ መባእ ኣምጽኡ።
ኣብዚሕካ ምልጋስ ሓጐስ የምጽእ
እስራኤላውያን ከመይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንመዋእላት ብመሪር ባርነትን ስእነትን ተሳቕዮም ኢዮም። ዳሕራይ ግን ናጻን ጥሪት ዘለዎምን ኰኑ። ንገለ ክፋል ናይቲ ጥሪት ክልግሱ ምስ ተሓተቱ ከመይ ኰን ይስምዖም ይኸውን፧ ጻማ ጻዕሮም ብምዃኑ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ክጥቀምሉ መሰል ከም ዘለዎም ክስምዖም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምድጋፍ ወፈያ ክገብሩ ጻውዒት ምስ ቀረበሎም ብፍቓዶምን ብልግስን ሃቡ! ነቲ ንብረት እቲ ክረኽቡ ዘኽኣሎም የሆዋ ምዃኑ ኣይረስዑን። ስለዚ ካብ ብሩሮምን ወርቆምን ማሎምን ኣኺሉ ክሳዕ ዝተርፍ ሃቡ። “ፍታው ልቢ” ነበሮም። ‘ልቦም ደፋፊእዎም፡’ ‘መንፈሶም ድማ ኣለዓዒልዎም’ ኢዩ። ብሓቂ “ብፍታው ህያብ ንእግዚኣብሄር” ኢዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 25:1-9፣ 35:4-9, 20-29፣ 36:3-7
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 35:1-24) ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣኪቡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እቲ የሆዋ ኺግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፦ 2 ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ቅድስቲ፡ ንየሆዋ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ ይቀተል። 3 ኣብቲ እትነብሩሉ ዅሉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይትእጐዱ።” 4 ሙሴ ኸኣ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ከምዚ በለ፦ “እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ እዚ እዩ፦ 5 ‘ካባኻትኩም ንየሆዋ መባእ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ብፍታው ልቢ ንየሆዋ እዚ ዚስዕብ መባእ የምጽእ፦ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓሲ፡ 6 ሰማያዊ ፈትሊ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ፡ ውጹእ ቀይሕ ፈትሊ፡ ቅጭን በፍታ፡ ጸጕሪ ጤል፡ 7 ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል፡ ቈራብቲ ታሓሽ፡ ዕንጨይቲ ሰራው፡ 8 ንቐንዴል ዚኸውን ዘይቲ፡ ንዘይቲ ቕብኣትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን ዚኸውን በለሳን፡ 9 ኣብ ኤፎድን ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን። 10 “‘ኵሎም እቶም ካባኻትኩም ክኢላታት ዝዀኑ ይምጽኡ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኸኣ ይግበሩ፣ 11 እዚ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ምስ ድንኳኑን መኽደኒኡን፡ መቘለፊታቱን እቲ መቓናት ሉሑን፡ ተገዳማቱ፡ ኣዕኑዱን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን፣ 12 እቲ ታቦትን ዘንግታቱን፡ እቲ መኽደንን እቲ ዚጋርድ መጋረጃን፣ 13 እቲ ሰደቓን ዘንግታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን እቲ እንጌራ ምርኣይን፣ 14 እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን ኣቕሑኡን ቀነዲሉን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፣ 15 እቲ መሰውኢ ዕጣንን ዘንግታቱን፣ እቲ ዘይቲ ቕብኣትን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፣ እቲ ንኣፍ ደገ ማሕደር ዚኸውን መጋረዲ፣ 16 እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ናይ ነሓሲ ርበኡን ዘንግታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን፣ እቲ ገበራን ኣጋሮኡን፣ 17 እቲ መኸወሊታት ኣጸድን ኣዕኑዱን ዚስኵዓሉ መቘሚታትን፣ እቲ መጋረዲ ኣፍ ደገ ኣጸድ፣ 18 እቲ ሽኻላት ማሕደርን ሽኻላት ኣጸድን ኣግማዱን፣ 19 እቲ ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዚኸውን ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ፡ ንኣሮን እቲ ኻህን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ፡ ደቁ ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ።’” 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጸ። 21 ሽዑ፡ ልቡ ዝደረኾ ዘበለ ዅሉን መንፈሱ ዘለዓዓሎ ዘበለ ዅሉን መጸ፣ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንዅሉ ቕዱስ ክዳውንትን ዚኸውን ከኣ ንየሆዋ መባእ ኣምጽኡ። 22 ፍታው ልቢ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ወለባታት ክዳንን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ካልእ ስልማትን ኵሉ ዓይነት ኣቕሑ ወርቅን ሒዞም ይመጹ ነበሩ። ኵላቶም ድማ ህያብ ወርቂ ንየሆዋ ኣቕረቡ። 23 ኵሎም እቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ቅጭን በፍታን ጸጕሪ ጤልን ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑልን ቈራብቲ ታሓሽን ዝነበሮም ኣምጽእዎ። 24 ኵሎም እቶም ንመባእ የሆዋ ብሩርን ነሓስን ዚህቡን ኵሎም እቶም ንዝዀነ ኽፋል እቲ ዕዮ ዚኸውን ዕንጨይቲ ሰራው ዝነበሮምን ከኣ ኣምጽእዎ።
26 ጥቅምቲ–1 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 37-38
“መሰውኢታት ማሕደርን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ግደን”
(ዘጸኣት 37:25) ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ መሰውኢ ዕጣን ገበረ። ሓደ እመት ዝንውሓቱን ሓደ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ክልተ እመት ነበረ። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ነበረ።
it-1 82 ¶3
መሰውኢ
መሰውኢ ዕጣን። መሰውኢ ዕጣን (“መሰውኢ ወርቂ” ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ [ዘጸ 39:38]) ብተመሳሳሊ ኻብ ዕንጨይቲ ሰራው እተሰርሐ ዀይኑ፡ ብላዕሉን ብጐድኑን ብወርቂ እተለበጠ እዩ ነይሩ። ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ ተገይሩሉ ነይሩ እዩ። እቲ መሰውኢ እቲ፡ ንውሓቱ 44.5 ሰንቲ ሜተር፡ ግፍሑ 44.5 ሰንቲ ሜተር፡ ቍመቱ ድማ 89 ሰንቲ ሜተር እዩ ነይሩ፣ ካብቲ ኣርባዕቲኡ ላዕለዋይ ኵርናዕ ዝወጸ “ኣቕርንቲ” ድማ ነይርዎ እዩ። ክልተ ቐለቤት ወርቂ እውን ነይርዎ፣ እቲ ኻብ ዕንጨይቲ ሰራው ተገይሩ ብወርቂ እተለበጠ ዚጽወረሉ ዘንግታት ኣብቲ ቐላብቲ ይኣቱ ነይሩ፣ እቲ ቐላብቲ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፍ ብኽልቲኡ ሸነኽ እቲ መሰውኢ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 30:1-5፣ 37:25-28) ኣብዚ መሰውኢ እዚ፡ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ፡ ማለት ንግሆን ምሸትን ፍሉይ ዕጣን ይዕጠን ነይሩ እዩ። (ዘጸ 30:7-9, 34-38) ጽንሃህ ወይ መትሓዝ ሓዊ ንመዕጠኒ ኸም ዜገልግል ዝነበረ ኣብ ካልእ ክፋል ተጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምስቲ መሰውኢ ዕጣን ተተሓሒዙ ዜገልግል ዝነበረ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘሌ 16:12, 13፣ እብ 9:4፣ ራእ 8:5፣ 2ዜና 26:16, 19) እቲ መሰውኢ ዕጣን ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ቕድስተ ቕዱሳን እዩ ተነቢሩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር” ከም እተነብረ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።—ዘጸ 30:1, 6፣ 40:5, 26, 27።
(ዘጸኣት 37:29) ብውሕሉል መገዲ እተዋሃሃደ ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣትን ጽሩይ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን እውን ገበረ።
it-1 1195
ዕጣን
እቲ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ማሕደር ኪዕጠን እተኣዘዘ ቕዱስ ዕጣን፡ ካብቲ እቲ ጉባኤ ዘዋጽኦ ኽቡር ነገራት እተዳለወ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 25:1, 2, 6፣ 35:4, 5, 8, 27-29) የሆዋ ንሙሴ፡ ካብ ኣርባዕተ ነገር ኣወሃሂዶም ኬዳልውዎ ኺነግሮ ኸሎ ኸምዚ በሎ፦ “ካብዚ ጥዑም ጨናታት፡ ማለት ካብ ቅዲትን ሸኸለትን ከልበናን ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣንን ማዕረ ማዕረ ጌርካ ውሰድ። ንዕኡ ኸኣ ዕጣን ግበሮ፣ እቲ እተቐመመ ሽቱ ብውሕሉል መገዲ ኺዋሃሃድ፡ ጨው ኪግበረሉ፡ ጽሩይን ቅዱስን ድማ ኪኸውን ኣለዎ። ገለ ኻብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ዝግለጸልካ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንብሮ። ንዓኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።” ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ነዚ ዕጣን እዚ ንኣምልኾ ጥራይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚግባእን ቅዱስ ምዃኑን ንምጕላሕ፡ “ኬጫንዎ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር ዘበለ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ” በሎም።—ዘጸ 30:34-38፣ 37:29።
(ዘጸኣት 38:1) ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ገበረ። ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ።
it-1 82 ¶1
መሰውኢ
መሰውኢታት ማሕደር። እቲ ማሕደር ኣብ እተሰርሓሉ እዋን፡ ብመሰረት እቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ንድፊ ኽልተ መሰውኢ ተሰሪሑ እዩ። መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ (“መሰውኢ ነሓሲ” ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ [ዘጸ 39:39]) ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እተሰርሐ ብላዕለዋይ ወይ ብታሕተዋይ ሸነኹ ዘይተሸፈነ ጓንጓ ሳጹን እዩ ነይሩ። ንውሓቱ 2.2 ሜተር፡ ግፍሑ 2.2 ሜተር፡ ቍመቱ ድማ 1.3 ሜተር እዩ ነይሩ፣ ካብቲ ኣርባዕቲኡ ላዕለዋይ ኵርናዕ ዝወጸ “ኣቕርንቲ” ድማ ነይርዎ እዩ። ብዅሉ ሸነኹ ብነሓሲ እተለበጠ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ጥርዚ እቲ መሰውኢ “ብኸፊል ናብ ውሽጢ እቲ መሰውኢ ናብ ታሕቲ” እተዘርግሐ ኻብ ነሓሲ እተገብረ ርበ ወይ መርበብ ነይርዎ እዩ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ጥቓ እቲ መርበብ ከኣ ኣርባዕተ ቐለቤት ተገይሩሉ ነይሩ እዩ፣ እቲ መሰውኢ ኺጽወር ከሎ ድማ፡ እቲ ብነሓሲ እተለበጠ ኻብ ሰራው እተገብረ ዘንግታት ኣብቲ ቐላብቲ እቲ ይኣቱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብኽልተ ጐድኒ እቲ መሰውኢ፡ እቲ ርበ ዚኣትወሉ ቐዳድ ከም ዝነበረ፡ እቲ ቐላብቲ ድማ ብኽልቲኡ ሸነኽ ይወጽእ ምንባሩ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምሁራት እተፈላለየ ርእይቶታት እዩ ዘለዎም፣ ብዙሓት ከኣ ክልተ ጕጅለ ቐላብቲ ኸም ዝነበረ እሞ፡ እቲ ነቲ ንምጻር ዜገልግል ዘንግታት ዚኣትዎ ኻልኣይ ጕጅለ ብደጋዊ ሸነኽ እቲ መሰውኢ ብቐጥታ ምስኡ ኸም እተላገበ ይኣምኑ እዮም። ካብ ነሓሲ ድማ ድስትታትን ንሓምዅሽቲ ዚኸውን መጽሓሪታትን ደም እንስሳታት ንምዕቋር ዚኸውን ጭሔሎታትን ነቲ ስጋ ዚኸውን ሻኳታትን መትሓዚታት ሓውን ተሰሪሑ ነይሩ።—ዘጸ 27:1-8፣ 38:1-7, 30፣ ዘሁ 4:14።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 37:1) በሳልኤል ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ታቦት ገበረ። ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ቍመቱ ድማ እመትን ፈረቓን ነበረ።
(ዘጸኣት 37:10) ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ገበረ። ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።
(ዘጸኣት 37:25) ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ መሰውኢ ዕጣን ገበረ። ሓደ እመት ዝንውሓቱን ሓደ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ክልተ እመት ነበረ። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ነበረ።
it-1 36
ሰራው
ሰራው ብሰፊሑ ዚዝርጋሕ ጨናፍር ዘለዎ ኣሻዅ ኦም እዩ። እቲ ጨናፍሩ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኣእዋም ሰራው ይጠናነግ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ዚኸውን እታ ሺጢም እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ተዘውቲራ ዘላ። ኦም ሰራው ካብ 6 ኽሳዕ 8 ሜተር ዝቝመቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ቍጥቋጥ እዩ ዚመስል። ከም ክንቲት ዝበለ ልስሉስ ኣቝጽልቲ ኣለዎ፣ ጥዑም ዝጨናኡ ብጫ ዕምባባ እውን ይዕምብብ፣ ፍረታቱ ዝመልአ ጥውይ ዝበለ ለቘታ እውን የፍሪ። እቲ ብሓርፋፍ ጸሊምን ቅላጥ እተሸፈነ ጕንዱ፡ ብሓሸራታት ዘይጥቃዕ ኣዝዩ ተሪርን ጽዑቕን ከቢድን ዕንጨይቲ እዩ። ብምኽንያት እዚ ባህርያቱን ኣብ ምድረ በዳ ዚርከብ ምዃኑን ከኣ፡ ሰራው ነቲ ማሕደርን ንኣቕሑኡን ዚጥዕም መስርሒ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። እዚ ዚስዕብ ነገራት ካብ ሰራው እዩ ተሰሪሑ፦ ታቦት ኪዳን (ዘጸ 25:10፣ 37:1)፡ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ (ዘጸ 25:23፣ 37:10)፡ መሰውኢታት (ዘጸ 27:1፣ 37:25፣ 38:1)፡ ነዚ ኣቕሑ እዚ ንምጻር ዚኸውን ዘንግታት (ዘጸ 25:13, 28፣ 27:6፣ 30:5፣ 37:4, 15, 28፣ 38:6)፡ እቲ መጋረጃን እቲ መጋረድን ንዚስቀለሉ ኣዕኑድ (ዘጸ 26:32, 37፣ 36:36)፡ እቲ መቓናት ሉሕ (ዘጸ 26:15፣ 36:20)፡ ነቲ መቓናት ዜተኣሳስሮ ተገዳም (ዘጸ 26:26፣ 36:31)።
(ዘጸኣት 38:8) ካብ ነሓሲ ገበራ፡ ካብ ነሓሲ እውን ኣጋሮኡ ገበረ፣ መስትያታት እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግላ እተወደባ ኣንስቲ ኸኣ ተጠቕመ።
ትፈልጥዶ፧
ኣብዚ ግዜና ዘሎ መስትያት ካብ ጥርሙዝ ዚስራሕ እኳ እንተዀነ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መስትያት ግና መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ከም ብሮንዞ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ገይሩ እተወልወለ ብረት እዩ ዚስራሕ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ነሓሲ፡ ብሩር፡ ወርቂ፡ ከምኡ እውን ኤለክትሩም (ሕዋስ ወርቅን ብሩርን) ይስራሕ ነበረ። መስትያት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ እተጠቕሰ፡ ኣብ ምህናጽ እቲ ናይ መጀመርታ ማእከል ኣምልኾ እስራኤላውያን ዝነበረ ማሕደር እዩ። እስራኤላውያን ኣንስቲ ንህንጸት እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ቕዱስ ገበራን ደው መበሊኡን ዚኸውን መስትያታት ወፈያ። (ዘጸኣት 38:8) ኣብዚ መዓላ እዚ ንኺውዕል፡ ምናልባት እቲ መስትያታት ኪመክኽ የድልዮ ነይሩ ይኸውን።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 37:1-24) በሳልኤል ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ታቦት ገበረ። ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ቍመቱ ድማ እመትን ፈረቓን ነበረ። 2 ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ውሽጡን ግዳሙን ለበጦ፣ ብዙርያኡ ድማ ካብ ወርቂ መኽፈፍ ገበረሉ። 3 ድሕሪኡ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርባዕተ እግሩ፡ ማለት ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ በቲ ኻልኣይ ሸነኹ ብፍሲ ሰርሓሉ። 4 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ። 5 እቲ ታቦት ምእንቲ ኺጽወር ከኣ፡ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። 6 ካብ ጽሩይ ወርቂ መኽደኒ ገበረ፣ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። 7 ካብ ወርቂ ድማ ክልተ ኪሩቤል ገበረ፣ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ብሞደሻ ቐጥቂጡ ገበሮም። 8 እቲ ሓደ ኪሩብ በቲ ሓደ ወሰን፡ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ በቲ ኻልኣይ ወሰን ነበረ። ነቶም ኪሩቤል ሰሪሑ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ገበሮም። 9 እቶም ክልተ ኪሩቤል፡ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም ኣጽለልዎ። ፊት ንፊት ድማ ነበሩ፣ ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ነበረ። 10 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ገበረ። ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። 11 ብጽሩይ ወርቂ ድማ ለበጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ ገበረሉ። 12 ብዙርያኡ ድማ ክንዲ ስፍሓት ኢድ ዝግፍሑ ጥርዚ ገበረሉ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ ገበረሉ። 13 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ብፍሲ ሰሪሑ ኸኣ፡ ነቲ ቐላብቲ ኣብቲ እቲ ኣርባዕተ እግሪ ዚጋጠመሉ ኣርባዕተ መኣዝን ገበሮ። 14 እቲ ቐላብቲ፡ ንምጻር እቲ ሰደቓ ዚኸውን ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ጥርዚ ነበረ። 15 ነቲ ሰደቓ ንምጻር ድማ፡ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ። 16 ድሕርዚ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብቲ ሰደቓ ዚኸውን ኣቕሑ፡ ማለት ጻሕልታቱን ጽዋኣቱን መስዋእቲ መስተ ዚፈስሰሉ ጭሔሎታቱን ዕትሮታቱን ገበረ። 17 ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ቀዋሚ ቐንዴል ገበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሞደሻ ቐጥቂጡ ገበሮ። መቘሚኡን ጕንዱን ጨናፍሩን ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ብሓደ እተገብረ ነበረ። 18 ካብ ጕንዱ ኸኣ ሽዱሽተ ጨንፈር ይዝርጋሕ ነበረ፣ ማለት ሰለስተ ጨንፈር ካብቲ ሓደ ጐድኑ፡ ሰለስተ ጨንፈር ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ጐድኑ ይዝርጋሕ ነበረ። 19 ኣብ ሓደ ጕጅለ ጨናፍር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ጨናፍር ድማ፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ። እቲ ኻብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር በዚ ኸምዚ ተገብረ። 20 ኣብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ከም ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ። 21 ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብቲ ጕንዲ ዚወጽእ ቀዳማይ ክልተ ጨንፈር ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር እውን ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኰታስ ካብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ንዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ተገይሩሉ ነበረ። 22 እቲ ኸበብትን እቲ ጨናፍርን ብምሉኡ እቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ብሓደ እተገብረ ነበረ። 23 ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ሸውዓተ ቐንዴሉን ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን ናቱ መትሓዚታት ሓውን ገበረ። 24 ንዕኡ ምስ ኵሉ ኣቕሑኡ፡ ካብ ሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ገበሮ።