ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ሙሴ ከምኡውን ኣሮን ተባዓት ኣወጅቲ ቃል ኣምላኽ
ነቲ ትርኢት እሞ ሕስብ ኣብሎ:- እቲ ወዲ ሰማንያ ዓመት ሙሴን ሓዉ ኣሮንን: ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ዝሓየለ ሰብኣይ—ናይ ግብጺ ፈርኦን—ደው ኢሎም ኣለዉ። እዚ ሰብኣይ እዚ ንግብጻውያን ካብ ወካሊ ናይቶም ኣማልኽቲ ንላዕሊ ኢዩ። ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ናይቲ ናይ ሊላ ርእሲ ዝመስል ዝነበሮ ኣምላኽ: ሆራስ: ኣርኣያ ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ሆራስ: ምስ ኢሲስን ኦስሪስን ሓቢሩ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ግብጺ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣማልኽቲ እቲ ቀንዲ ስላሴ ኢዩ ዘቕውም።
ዝዀነ ይኹን ናብ ፈርኦን ዝቐረበ ሰብ እቲ ሕማቕ ፋል ዘመልክት ካብቲ ማእከል ናይ ንግስናኡ ዘውዲ ዝወጽእ ናይ ኮብራ ርእሲ ኢዩ ዝርኢ። እዚ ተመን እዚ ንዝዀነ ይኹን ናይ ፈርኦን ጸላኢ ሓውን ጥፍኣትን ክተፍእ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝሕሰብ። ሕጂ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እዚ ንጉስን ኣምላኽን መጺኦም ሓደ ትጽቢት ዘይተገብሮ ሕቶ—ነቶም ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን ንኣምላኾም: የሆዋ: በዓል ከብዕሉ ክኸዱ ክሓድጎም ሓተትዎ።—ዘጸኣት 5:1
የሆዋ ኣቐዲሙ: ልቢ ፈርኦን ተሪር ከም ዝኸውን ነጊሩ ኢዩ። ስለዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን በቲ “እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ: እግዚኣብሄር መን ኢዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ: ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ” ዝብል ናይ እምቢታ መልሱ ምስ ሰምዑ ኣይተገረሙን። (ዘጸኣት 4:21፣ 5:2) ስለዚ ድማ እቲ መድረኽ ንሓደ ድራማ ዝመስል ምፍጣጥ ተዳለወ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ርክቦም: ሙሴን ኣሮንን ነቲ ሓቀኛን ኵሉ ዝኽእልን ኣምላኽ ዝውክሉ ምዃኖም ንፈርኦን ድንቂ ዝዀነ መረጋገጺ ኣቕረብሉ።
ትእምርቲ ይፍጸም
ከምቲ ብየሆዋ እተዋህቦ መምርሒ መሰረት: ኣሮን የሆዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ልዕልነት ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ትእምርቲ ገበረ። ንበትሩ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደርበያ እሞ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓደ ዓቢ ተመን ኰነት! ፈርኦን በዚ ትእምርቲ እዚ ደንጽይዎ: ነቶም ናይ ጥንቈላ ተግባራት ዝገብሩ ካህናቱ ጸውዖም።a እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ብሓገዝ ሓይሊ ኣጋንንቲ በባትሮም ገይሮም ተመሳሳሊ ክገብሩ ከኣሉ።
ፈርኦንን ካህናቱን ሃሪፎም እንተድኣ ነይሮም: ንግዜኡ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ኣሮን ተመን ነቶም ኣትማኖም ሓደ ብሓደ ክውሕጦም ከሎ ገጾም ከመይ ከም ዝነበረ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ኵሎም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ እቶም ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ማዕረ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ: ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ተረድኡ።—ዘጸኣት 7:8-13
ይኹን እምበር: ድሕሪ እዚ እውን ከይተረፈ ልቢ ፈርኦን ተረረ። ፈርኦን ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓሰርተ ኣዕናዊ ጥፍኣት: ወይ መዓታት ምስ ኣምጽኣሉ ጥራይ ኢዩ ኣብ መወዳእታ ንሙሴን ኣሮንን “ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ: ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ” ዝበሎም።—ዘጸኣት 12:31
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ሙሴን ኣሮንን ናብቲ ሓያል ናይ ግብጺ ፈርኦን ክቐርቡ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ፧ መጀመርያ ሙሴ “ኣፈይ ወታእ: ልሳነይውን ኰርታዕ” ኢየ ብምባል ኣብ ክእለቱ ተኣማንነት ከም ዘይነበሮ ገለጸ። የሆዋ ከም ዝሕግዞ ምስ ተረጋገጸሉ እውን ከይተረፈ “በጃኻ . . . በቲ እትልእኮ ደኣ ልአኽ” ኢሉ ለመነ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ሙሴ ንኣምላኽ ካልእ ሰብ ክልእኽ ኢዩ ዝልምኖ ነይሩ። (ዘጸኣት 4:10, 13) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ መዝነት ንኽፍጽም እቲ ዘድሊ ጥበብን ሓይልን ብምሃብ ነቲ ትሑት ዝነበረ ሙሴ ተጠቒምሉ ኢዩ።—ዘሁልቍ 12:3
ሎሚ: ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ነቲ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ ይፍጽምዎ ኢዮም ዘለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ፍጻሜ ናይዚ ትእዛዝ እዚ ግዴና ንኽንገብር ንቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠትን ንዘሎና ዝዀነ ክእለትን ኣጸቢቕና ክንጥቀመሉ ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 4:13-16) ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዘይብቑዓት ምዃንና እነተኵር: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ብእምነት ንቀበል። ፍቓዱ ንኽንገብር ብቑዓት ክገብረናን ከሓይለናን ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 3:5, 6፣ ፊልጲ 4:13
ሙሴ ኣንጻር ሰብን ኣጋንንትን ተላዒሉ ስለ ዝነበረ: ብርግጽ ልዕለ-ባህርያዊ ዝዀነ ሓገዝ ኣድልይዎ ኢዩ። ስለዚ ድማ የሆዋ “ርኤ: ኣነ ንፈርኦን ኣምላኽ ገበርኩኻ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። (ዘጸኣት 7:1) እወ: ሙሴ መለኮታዊ ደገፍን ስልጣንን ነይርዎ ኢዩ። ሙሴ መንፈስ የሆዋ ምስኡ ስለ ዝነበረ ንፈርኦን ወይ ነቲ ዕቡይ ናይ ጭፍራ መራሒ ክፈርሆ ምንም ምኽንያት ኣይነበሮን።
ንሕናውን ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ኣብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ: ወይ መስለጢ ሓይሊ ክንውከል ኣሎና። (ዮሃንስ 14:26፣ 15:26, 27) ብመለኮታዊ ደገፍ ድማ ነተን “ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን: ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧” ኢሉ ዳዊት ዝዘመረን ቃላት ነቃልሓየን።—መዝሙር 56:11
የሆዋ ብደንጋጽ ተላዒሉ: ንሙሴ ኣብቲ ተመዚዝሉ ዝነበረ ዕዮ ንበይኑ ኣይገደፎን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪኻ ይኹን። ንስኻ እቲ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ንገር: ኣሮን ሓውካ ኸኣ . . . ንፈርኦን ይንገሮ።” (ዘጸኣት 7:1, 2) የሆዋ ክሳዕ እቲ ሙሴ ክሰርሖ ዝኽእል ጥራይ ዕዮ ምፍቃዱስ ክሳዕ ክንደይ ፈቃር ኰን ኢዩ!
ኣምላኽ ምስቶም ከም ናይ የሆዋ: እቲ ልዑል: መሰኻኽር መጠን ዝወርዶም ብድሆ ዝቕበሉ ሕብረት ናይ ክርስትያናት ብጾት ኣዳልዩልና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:9) ስለዚ እምበኣር: እቲ ዘጋጥመና ዕንቅፋታት ብዘየገድስ ከም ሙሴን ኣሮንን—ተባዓት ኣወጅቲ ቃል ኣምላኽ—ንኹን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ “ናይ ጥንቍልና ተግባራት ዝገብሩ ካህናት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ካብ ናይ ኣጋንንቲ ንላዕሊ ዝዀነ ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ኣሎና ዝብሉ ጕጅለ ኣስማተኛታት ኢያ እተመልክት። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣጋንንቲ ክእዝዝዎም ከም ዝኽእሉ ከምኡውን ኣጋንንቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣስማተኛታት ሓይሊ ከም ዘይብሎም ኢዩ ዝእመን።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ሙሴን ኣሮንን ብትብዓት ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ወኪሎምዎ ኢዮም