ዘጸኣት
4 ሙሴ ግና፡ “ንሳቶም፡ ‘የሆዋ ኣይተራእየካን’ ኢሎም እንተ ዘይኣመኑንን ንቓለይ እንተ ዘይሰምዑንከ፧”+ ኢሉ መለሰ። 2 የሆዋ ድማ፡ “እታ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “በትሪ” በለ። 3 ንሱ ድማ፡ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ንሱ ኸኣ ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን እውን ኰነት፣+ ሙሴ ኸኣ ካብኡ ሃደመ። 4 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድካ ዘርጊሕካ ብጭራኡ ሓዞ” በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ሓዞ፣ ኣብ ኢዱ ድማ በትሪ ዀነ። 5 ሽዑ፡ ኣምላኽ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን+ ከም እተራእየካ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ”+ በሎ።
6 የሆዋ ድማ መሊሱ፡ “በጃኻ ኢድካ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳንካ ኣእቱ” በሎ። ንሱ ኸኣ ኢዱ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ ኣእተወ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ ኢዱ ብደዌ ኸም ውርጪ ጻዕድያ ነበረት።+ 7 ድሕርዚ፡ “ኢድካ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳንካ ምለስ” በሎ። ንሱ ኸኣ ኢዱ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ መለሰ። ካብ ክዳኑ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት። 8 ንሱ ኸኣ፡ “እንተ ዘይኣሚኖምኻ ወይ ነቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘየቕሊቦምሉ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ትእምርቲ ብርግጽ ኬቕልቡሉ እዮም።+ 9 ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣሚኖምሉ፡ ቃልካ ኸኣ እንተ ዘይሰሚዖም፡ ካብ ፈለግ ኒል ማይ ውሰድ እሞ፡ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ኣፍስሶ፣ እቲ ኻብ ኒል ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ፡ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ” በሎ።+
10 ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡* ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ቅድሚ ሕጂ ዀነ፡ ሕጂ ንጊልያኻ ኻብ እትዛረቦ ንነጀው፡ ክኢላ ተዛራቢ ኣይኰንኩን” በሎ።+ 11 የሆዋ ኸኣ፡ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ከኣ፡ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ብንጹር ዚርኢ ወይ ዕዉር ዚገብሮ መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧ 12 ስለዚ፡ ኪድ እሞ፡ ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ* ክኸውን፡ እቲ እትብሎ ድማ ክምህረካ እየ” በሎ።+ 13 ንሱ ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ በጃኻ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ” በሎ። 14 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ሙሴ ነደደ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ኣሮን+ እቲ ሌዋዊ ሓውካዶ የሎን፧ ንሱ ንፉዕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ኪቕበለካ ኸኣ ናብዚ ይመጽእ ኣሎ። ምስ ረኣየካ፡ ልቡ ኺሕጐስ እዩ።+ 15 ስለዚ፡ ተዛረቦ፡ ኣብ ኣፉ እውን ቃላት ኣንብር።+ ክትዛረብ ከለኻ ድማ፡ ኣነ ምሳኻን ምስኡን ክኸውን እየ፣+ እንታይ ከም እትገብሩ ድማ ክምህረኩም እየ። 16 ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ኺዛረብ እዩ፣ ኣፈኛ ድማ ኪዀነካ እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ከም ኣምላኽ ክትኰኖ* ኢኻ።+ 17 ነዛ በትሪ እዚኣ ድማ ኣብ ኢድካ ኽትወስዳን ብእኣ ትእምርትታት ክትገብርን ኢኻ።”+
18 ሙሴ ኸኣ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ፡+ “በጃኻ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ ገና ብህይወት እንተ ኣለዉ ኽርኢ ክኸይድ” በሎ። የትሮ ድማ ንሙሴ፡ “ብሰላም ኪድ” በሎ። 19 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ “ኵሎም እቶም ኪቐትሉኻ ዚደልዩ* ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስ” በሎ።+
20 ሽዑ፡ ሙሴ ንሰበይቱን ንደቁን ኣብ ኣድጊ ኣወጢሑ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺምለስ ነቐለ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ። 21 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ግብጺ ምስ ተመለስካ፡ ነቲ ኽትገብሮ ኢለ ኣኽእሎ ዝሃብኩኻ ዅሉ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ተጠንቂቕካ ግበሮ።+ ኣነ ግና፡ ልቡ ኺተርር ክሓድጎ እየ፣+ ንሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣይኪሰድዶን እዩ።+ 22 ንፈርኦን ከኣ፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ኢሉ፦ “እስራኤል ወደይ፡ በዅረይ እዩ።+ 23 እብለካ ኣለኹ፦ ንወደይ ኬገልግለኒ ስደዶ። ምስዳዱ እንተ ኣቢኻ ግና፡ ኣነ ንወድኻ፡ ንበዅርኻ ክቐትል እየ”’ በሎ።”+
24 ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ፡ የሆዋ+ ተራኸቦ፡ ኪቐትሎ እውን ደለየ።+ 25 ሽዑ፡ ጺጶራ+ ጽንጽሕለ* ወሲዳ፡ ንወዳ ገዘረቶ፣ እቲ ዕልቦኡ ንኣእጋሩ ኸም ዚትንኪ ምስ ገበረት ከኣ፡ “ንስኻ ንዓይ ናይ ደም መርዓዊ ስለ ዝዀንካ እዩ” በለት። 26 ንሱ ድማ ሓደጎ። ሽዑ፡ ብምኽንያት እቲ ግዝረት፡ “ናይ ደም መርዓዊ” በለት።
27 የሆዋ ኸኣ ንኣሮን፡ “ንሙሴ ኽትረኽቦ ናብ በረኻ ኺድ” በሎ።+ ንሱ ድማ ከይዱ ኣብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ+ ረኸቦ፡ ሰዓሞ ኸኣ። 28 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ኵሉ ቓላት እቲ ዝለኣኾ የሆዋን+ ኵሉ እቲ ኺገብሮ ዝኣዘዞ ትእምርትታትን ነገሮ።+ 29 ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤላውያን ኣከብዎም።+ 30 ኣሮን ከኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ቓላት ነገሮም፣ ነቲ ትእምርትታት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ህዝቢ ገበሮ።+ 31 ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ኣመነ።+ የሆዋ ንእስራኤላውያን ቈላሕታ ኸም ዝገበረሎምን+ ጸበባኦም ከም ዝረኣየን+ ምስ ሰምዑ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።