መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
4-10 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 18-19
“ስነ ምግባራዊ ንጽህናኻ ሓሉ”
ካብ መጻወድያ ሰይጣን ንምምላጥ ዜኽእል ዕቝባ ብኸመይ ንረክብ፧
የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ብዛዕባ ዝርጋን እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ኪዛረቦም ከሎ፡ “ከም ግብሪ እቶም ኣነ ናብኣ ኣብ ዘእትወኩም ምድሪ ከነኣን ዚነብሩ ድማ ኣይትግበሩ፣ . . . እታ ምድሪ ረኸሰት፣ ብሰንኪ ስሕተታ ድማ፡ ኣነ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኸምጽኣላ እየ” ኢልዎም እዩ። ኣነባብራ ከነኣናውያን ኣመና ረሳሕ ብምንባሩ፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ እስራኤል ነታ ምድሪ ኸም ዝረኸሰት ወይ ከም እተበከለት ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ።—ዘሌ. 18:3, 25።
የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖም
13 እዞም እሙናት ነገስታት እዚኦም፡ ካብቶም ብሰብኣዊ ጥበብ ዚምርሑን ኣርሒቖም ኪርእዩ ዘይክእሉን መራሕቲ ኣህዛብ ክንደይ ኰን እተፈልዩ እዮም! ከነኣናውያን ዚመርሕዎም ህዝቢ፡ ምስ መቕርባ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ግብረ ሶዶምን ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብን መስዋእቲ ውሉዳትን ኣምልኾ ጣኦትን ካልእ ዜፈንፍን ተግባራትን ይገብሩ ነበሩ። (ዘሌ. 18:6, 21-25) መራሕቲ ባቢሎናውያንን ግብጻውያንን ከኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ብስነ ፍልጠት እተረጋገጸ ስርዓት ንጽህና ኣይስዕቡን እዮም ነይሮም። (ዘሁ. 19:13) ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ግና፡ እቶም መራሕቶም መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ኣካላውን ንጽህና ዜደንፍዑ ኸም ዝነበሩ ኺርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እወ፡ የሆዋ ይመርሖም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ ነይሩ።
ኣምላኽ ንእከይ እንታይ ኪገብሮ እዩ፧
እቶም ንመገዶም ብዘይምቕያር ዚሕንግዱን ሕማቕ ነገራት ምግባሮም ዚቕጽሉን ሰባትከ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ነዚ ዚስዕብ ንጹር መብጽዓ እሞ ሕስብ ኣብለሉ፦ “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።” (ምሳሌ 2:21, 22) ስለዚ፡ ጽልዋ እኩያት ሰባት ኪጠፍእ እዩ። ድሕሪኡ፡ ሰላማዊ ዅነታት ስለ ዚሰፍን፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ቀስ ብቐስ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ሓራ ኺወጹ እዮም።—ሮሜ 6:17, 18፣ 8:21።
መንፈሳዊ ሃብቲ
“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”
11 ኣምላኽ ብዛዕባ ህዝቡ ኸም ዚሓስብ ዜርኢ ኻልኣይ መዳይ ሕጊ ሙሴ: እቲ ብዛዕባ መሰል ቅረማ ዚገልጽ እዩ። ሓደ እስራኤላዊ ሓረስታይ ኪዓጽድ ከሎ፡ እቶም ስኡናት ነቲ እቶም ዓጻዶ ዝገድፍዎ ዘበለ ብድሕሪኦም ኰይኖም ኪእክቡ ኼፍቅደሎም የሆዋ ኣዚዙ ነበረ። ሓረስቶት ንደረት ግራቶም ፈጺሞም ኪዓጽድዎ ኣይነበሮምን፡ ነቲ ዝወደቐ ፍረ ወይኒ ወይ ኣውሊዕ እውን ኪእክብዎ ኣይነበሮምን። ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሲዖም፡ ተመሊሶም ኪወስድዎ ኣይነበሮምን። እዚ ነቶም ድኻታትን ጓኖትን ዘኽታማትን መበለታትን ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተገብረ ፍቕራዊ ስርዓት እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ፡ ንኪቕርሙ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ነበሮም፡ እንተዀነ ግን፡ ሳላኡ ኻብ ልመና ሓራ ይወጹ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ ዘዳግም 24:19-22፣ መዝሙር 37:25
11-17 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 20-21
“የሆዋ ንህዝቡ ይፈልዮ”
ኣብ ገነት ንምንባር ተስፋ ኽትገብር ዜኽእል መሰረት ኣሎዶ፧
12 እንተዀነ ግን፡ ዕሽሽ ኢልና ኽንርእዮ ዘይብልና ነገር ኣሎ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ምእንቲ ኽትሕይሉ ናብታ ኽትርስተይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ . . . እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልዉ” በሎም። (ዘዳግም 11:8) ኣብ ዘሌዋውያን 20:22, 24 ብዛዕባ እታ ምድሪ እቲኣ ኸምዚ ተባህለ፦ “እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምሲ፡ ኵሉ ሕጋጋተይን ኵሉ ፍርድታተይን ሐልዉን ግበሩን። በልኩኹም ድማ፤ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ።” እወ፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ምርስታይ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዚህሉ ጽቡቕ ርክብ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ እዩ ባቢሎናውያን ኪስዕርዎምን ካብታ መንበሪቶም ኬውጽእዎምን ዝፈቐደሎም።
it-1 1199
ርስቲ፡ ውርሲ
ዋናኡ ምስ ሞተ ናብቲ ወራሲኡ ወይ ናብቶም ንዕኡ ኺትክእዎ ዚግብኦም ዚመሓላለፍ ንብረት፣ ካብ ወላዲ ወይ ካብቲ ዝተካእካዮ ሰብ እትቕበሎ ነገር። እታ ኣብዚ ዚዕየየላ ቐንዲ ናይ እብራይስጢ ቓል ናሓል እትብል ግሲ (ብመልክዕ ስም፡ ናሓላህ) እያ። ብምኽንያት ምትኽኻእ ንዚርከብ ወይ ንዚውሃብ ርስቲ ተመልክት። (ዘሁ 26:55፣ ህዝ 46:18) ሓድሓደ ግዜ፡ እታ ያራሽ እትብል ግሲ፡ ብወለዶ ዚርከብ ‘ምውራስ’ ከተመልክት ከላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ብምትኽኻእ ዘይኰነስ ብምውናን ንዚርከብ ‘ምርስታይ’ ተመልክት። (ዘፍ 15:3፣ ዘሌ 20:24) ብወተሃደራዊ ስጕምቲ ‘ኸም ዚለቅቕ ምግባር’ ወይ ‘ምስጓግ’ ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ። (ዘዳ 2:12፣ 31:3) እተን ምስ ርስቲ ዚተሓሓዛ ናይ ግሪኽኛ ቓላት ምስታ ክለሮስ እትብል ቃል ዚዛመዳ እየን፣ መበቈላዊ ትርጉም እታ ቓል ከኣ “ዕጫ” ዚብል ኰይኑ፡ ጸኒሑ ግና “ግደ፡” ደሓር እውን “ርስቲ” ዚብል ኰይኑ እዩ።—ማቴ 27:35፣ ግብ 1:17፣ 26:18።
it-1 317 ¶2
ኣዕዋፍ
ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ኖህ ካብ እንስሳ መስዋእቲ ኬቕርብ ከሎ፡ ካብ “ንጹህ በራሪ ፍጡር” እውን ሰዊኡ እዩ። (ዘፍ 8:18-20) ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ንኣዕዋፍ ደመን ኣፍሲሶም ኪበልዑ ፈቒዱሎም እዩ። (ዘፍ 9:1-4፣ ምስ ዘሌ 7:26፣ 17:13 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንኣዕዋፍ ‘ንጹሃት’ ዜብለን ዝነበረ፡ ኣምላኽ ንመስዋእቲ ምቕባሉ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ንምግቢ ብዛዕባ ምዃን ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ክሳዕ እቲ ሕጊ ሙሴ ዚስርዓሉ እዋን፡ ኣዕዋፍ ‘ርኹሳት’ ኣይተባህላን። (ዘሌ 11:13-19, 46, 47፣ 20:25፣ ዘዳ 14:11-20) እቲ ንኣዕዋፍ ‘ርኹሳት’ ዚገብረን ረቛሒታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኣይተሓበረን። መብዛሕትአን እተን ርኹሳት እተባህላ ኣዕዋፍ፡ በበይኑ ዓይነት ሃዲነን ዚበልዓ ኣሞራታት ወይ ገምቢ ዚምገባ ኣዕዋፍ እኳ እንተ ዀና፡ ኵለን ግና ኣይኰናን ከምኡ ነይረን። (ኣብ “ኩምብራዛ” ርአ።) ሓድሽ ኪዳን ምስ ቈመ፡ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ብራእይ ኣቢሉ እዚ ኽልክል እዚ ኸም እተላዕለ ኣርእይዎ እዩ።—ግብ 10:9-15።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 563
ምብጣሕ
ኣብ ሕጊ ኣምላኽ፡ ብምኽንያት ሞት ሰቦም፡ ሰብነቶም ከይበጥሑ ብንጹር ተኸልኪሉ እዩ። (ዘሌ 19:28፣ 21:5፣ ዘዳ 14:1) ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ እተቐደሱ ፍሉይ ጥሪቱ እዮም ነይሮም። (ዘዳ 14:2) ስለዚ ድማ፡ እስራኤላውያን ካብ ኵሉ ኣምልኾ ጣኦት ኪርሕቑ ነይርዎም። ብዘይካዚ ድማ፡ ገዛእ ሰብነትካ ብምብጣሕ ዚግበር ጠገለ ዘይብሉ መግለጺ ሓዘን፡ ነቶም ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ብልክዕ ዚፈልጡን ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎምን ህዝቢ ዚግባእ ኣይነበረን። (ዳን 12:13፣ እብ 11:19) ብተወሳኺ እውን፡ እዚ ኽልክል እዚ ነቶም እስራኤላውያን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ሰብነቶም ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዜሕድሩ ይገብሮም ነይሩ።
18-24 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 22-23
“በዓላት ንዓና ዘለዎ ትርጉም”
it-1 826-827
በዓል ቅጫ
እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ፍሉይ ኣኼባ እያ ነይራ፣ ከም ሰንበት እውን እያ እትቝጸር ነይራ። ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ ኣብ 16 ኒሳን፡ ካብ በዅሪ ዓጺድ ስገም፡ ማለት ካብቲ ኣብታ ዓዲ ዚፈሪ ቐዳማይ እኽሊ፡ ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ይወስዱ ነይሮም። ቅድሚ እቲ በዓል፡ ካብቲ ሓድሽ ምህርቲ ዚርከብ ሓድሽ እኽሊ፡ እንጌራ፡ ወይ ቆሎ ኺብላዕ ኣይነበሮን። እቲ ኻህን ነቲ እንዳእቲ ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብምውዝዋዝ መስዋእቲ የቕርብ ነይሩ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል ከኣ ምስቲ ብዘይቲ እተቘምጥዐ መስዋእቲ እኽልን ምስቲ መስዋእቲ መስተን ብሓባር ዚሓርር መስዋእቲ ዀይኑ ይቐርብ ነይሩ። (ዘሌ 23:6-14) እቲ እኽሊ ወይ እቲ ሓርጭ ኣብ መሰውኢ ኸም ዚሓርር ኪገብሩ ትእዛዝ ኣይነበረን፣ ደሓር ግና ካህናት ነዚ ልምዲ እዚ ኣጥርዮም ነይሮም እዮም። እዚ በዓል እዚ ህዝባዊ ወይ ሃገራዊ በዓል በዅሪ ፍርያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ እስራኤል ርስቲ ንዝነበሮ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ወይ ውልቀ ሰብ ኣብዚ በዓል እዚ መስዋእቲ ምስጋና ኬቕርብ ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ ነይሩ።—ዘጸ 23:19፣ ዘዳ 26:1, 2፣ ኣብ “በዅሪ” ርአ።
ኣገዳስነቱ። ኣብቲ ቕነ እቲ ቕጫ ምብላዕ፡ ምስቲ ሙሴ ኻብ የሆዋ እተቐበሎ መምርሒ ዚሳነ እዩ ነይሩ። እዚ መምርሒ እዚ ኣብ ዘጸኣት 12:14-20 ተመዝጊቡ ይርከብ፣ ኣብ ፍቕዲ 19 ድማ፡ “ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ቤትኩም መባዅዕቲ ኣይረኸብ” ዚብል ተሪር ትእዛዝ ኣሎ። ኣብ ዘዳግም 16:3፡ እቲ ቕጫ እቲ፡ “እንጌራ ጸበባ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንኣይሁድ ነቲ ብሑቖም ኪበኵዕ ግዜ ኸይረኸቡ ብታህዋኽ ካብ ግብጺ ኸም ዝወጹ ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። (ዘጸ 12:34) በዚ ኸምዚ፡ እስራኤል ካብ ምንታይ ጸበባን ባርነትን ሓራ ኸም ዝወጸ ይዝክሩ ነይሮም፣ የሆዋ ባዕሉ እውን “ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ” ኢልዎም እዩ። ነቲ ብደረጃ ህዝቢ ዝነበሮም ናጽነት ምግንዛቦም፡ የሆዋ ሓራ ኸም ዘውጽኦም ድማ ምእማኖም፡ ነቲ ኣብ ዓዓመት ዜብዕልዎ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ጽቡቕ ባይታ እዩ ነይሩ።—ዘዳ 16:16።
it-2 598 ¶2
ጰንጠቈስጠ
በዅሪ ዓጺድ ስርናይ ካብ በዅሪ ዓጺድ ስገም ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚተሓዝ ነይሩ። ካብ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ (4.4 ሊትሮ) ድኹም ሓርጭ እተዳለወ ኽልተ እንጌራ በዂዑ ይስንከት ነይሩ። ነቲ እንጌራ ኻብቲ ‘ዚነብሩሉ’ እዮም ኬምጽኡ ነይርዎም፣ ስለዚ፡ ከምቲ ኣብ ቤቶም ንመዓልታዊ ናብራኦም ዚጥቀሙሉ ደኣ እምበር፡ ንቕዱስ ዕላማ ተባሂሉ ጥራይ ዚዳሎ ኣይነበረን። (ዘሌ 23:17) ምስኡ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ይቐርብ ነይሩ፣ ንመስዋእቲ ሕብረት ከኣ፡ ክልተ ገንሸል ይቐርብ ነይሩ። ሽዑ፡ እቲ ኻህን ኣእዳዉ ኣብ ትሕቲ እቲ እንጌራን እተቘራረጸ ገንሸልን ገይሩ፡ ነቲ እንጌራን ነቲ ኽልተ ገንሸልን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይውዝውዞ፣ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ዝቐረበ የመልክት። እቲ እንጌራን እቲ ገንሸላትን ምስ ተሰውአ፡ መስዋእቲ ሕብረት ስለ ዚኸውን እቲ ኻህን ኪበልዖ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ዘሌ 23:18-20።
ምስ ውድብ የሆዋ ትስጕምዶ ኣለኻ፧
11 ውድብ የሆዋ ንጥቕምና ስለ እትሓሊ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃበና ምኽሪ ንኽንዓይየሉ ተተባብዓና እያ፦ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።” (እብ. 10:24, 25) እቲ እስራኤላውያን ዜብዕልዎ ዝነበሩ ዓመታዊ በዓላትን ንኣምልኾ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኻልእ ኣኼባታትን ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺድልድሉ ሓጊዝዎም እዩ። ከምቲ ብግዜ ነህምያ እተገብረ ኸም በዓል ዳስ ዝኣመሰለ ፍሉይ በዓላት እውን፡ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 23:15, 16፣ ነህ. 8:9-18) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንገብር ኢና። እዚ ኣኼባታት እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያትን ሕጉሳትን ንኽንከውን ስለ ዚሕግዘና፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታት ንኽንእከብ ክንጽዕር ኣሎና።—ቲቶ. 2:2።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ንጽህናኻ ሓሉ!
3 ምስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ኵሉ ውሳነታትና ንየሆዋ ቐዳምነት ምእንቲ ኽንህቦ ኢልና፡ ንዕኡ ብምሉእ ልቢ ምፍቃርን ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምዃንን የመልክት። ነዛ ቓል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተዓይየላ እስከ ንርአ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጽህና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ሓደ ኻብቲ ሒዛቶ ዘላ መሰረታዊ ትርጉም፡ ምሉእ ወይ ጥዑይ ዚብል እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ እንስሳታት ይስውኡሉ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ሕጊ ሙሴ ድማ፡ እቲ ዚስዋእ እንስሳ ጥዑይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 22:21, 22) ሓንካስ፡ እዝኑ እተቘርጸ፡ ዕዉር፡ ወይ ሕሙም እንስሳ ኬቕርቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነይሩ። (ሚል. 1:6-9) የሆዋ ጥዑይ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ ኬቕርቡ ስለምንታይ ትጽቢት ይገብረሎም ከም ዝነበረ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር ክንዕድግ ከለና፡ ንበል ፍረታት፡ መጽሓፍ፡ ወይ መሳርሒ ኽንዕድግ ከለና፡ እተጨራረመ ወይ ጐደሎ ኣይንደልን ኢና። ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኢና እንደሊ። የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ንዕኡ እነርእዮ ፍቕርን ተኣማንነትን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። እቲ እነቕርበሉ ነገር፡ ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኪኸውን እዩ ዚደሊ።
25-31 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 24-25
“ዓመት እልልታን ኣብ መጻኢ ዚርከብ ሓርነትን”
it-1 871
ሓርነት
ኣምላኽ ሓርነት። የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓርነት እዩ። ንግብጻውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። ትእዛዛቱ ኽሳዕ ዝሓለዉ፡ ካብ ስእነት ሓራ ኸም ዚዀኑ ነጊርዎም እዩ። (ዘዳ 15:4, 5) ዳዊት ኣብ ውሽጢ ግምብታት የሩሳሌም “ቅሳነት” ከም ዚህሉ ገሊጹ ነይሩ። (መዝ 122:6, 7) ኰይኑ ግና፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ እንተ ደኽዩ፡ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ዜድሊ ምእንቲ ኼማልእ፡ ገዛእ ርእሱ ንባርነት ኪሸይጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። እቲ ሕጊ ግና ነቲ እብራዊ እቲ፡ ካብታ ባርያ ዝዀነላ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ የውጽኦ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 21:2) ኣብታ ኣብ መበል 50 ዓመት እትመጽእ ዓመት እልልታ ኸኣ፡ ንዅሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ሓርነት ይእወጅ ነይሩ እዩ። ኵሉ እብራዊ ባርያ ሓራ ይወጽእ፡ ኵሉ ሰብ እውን ነናብ ርስቱ ይምለስ ነይሩ እዩ።—ዘሌ 25:10-19።
it-1 1200 ¶2
ርስቲ፡ ውርሲ
እታ ምድሪ ንውሉድ ወለዶ ንሓደ ዓሌት ርስቱ ትኸውን ስለ ዝነበረት፡ ንሓዋሩ ኣይትሽየጥን እያ ነይራ። ስለዚ፡ መሸጣ መሬት፡ ንዋጋ እቲ ኻብኣ ዚርከብ እኽሊ ገሚትካ ዚኽፈል ክራይ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ዋጋ መሬት፡ ብቝጽሪ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ዘሎ ዓመታት እዩ ዚግመት ነይሩ። ከመይሲ፡ ክሳዕ ዓመት እልልታ ኺብጀውዎ ዘይከኣሉ ዅሉ ምድሪ፡ ናብ ዋናኡ እዩ ዚምለስ ነይሩ። (ዘሌ 25:13, 15, 23, 24) እዚ ስርዓት እዚ፡ መካበብያ ኣብ ዘይብለን ከተማታት ንእተሃንጻ ኣባይቲ እውን የጠቓልል ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ እተን ኣባይቲ ምስ ግራውቲ እየን ዚቝጸራ ነይረን። ብዛዕባ ብመካበብያ ኣብ እተኸብበት ከተማ እትርከብ ቤት ግና፡ ዋናኣ በታ እተሸጠትላ ዓመት ኪብጀዋ ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ ግና፡ ናይቲ ዓዳጊ እያ እትኸውን። ሌዋውያን ርስቲ ዝዀነ መሬት ስለ ዘይብሎም፡ ብዛዕባ እተን ኣብ ከተማታቶም ዘለዋ ኣባይቲ፡ ንሓዋሩ መሰል ምብጃው ነይርዎም እዩ።—ዘሌ 25:29-34።
it-2 122-123
ዓመት እልልታ
ሕጊ ዓመት እልልታ ኺሕሎ ኸሎ፡ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንርእዮ ኣዝዩ ሃብታምን ኣዝዩ ድኻን እተፈጥረሉ ሕማቕ ኵነታት ይሰትሮም ነይሩ እዩ። ብሕማቕ ቍጠባዊ ዅነታት ዚውጻዕን ከም ዘየፍሪ ዀይኑ ዚድቈስን ስለ ዘይህሉ፡ ኵሎም እውን ነቲ ህዝቢ ተውህቦኦምን ክእለቶምን ኬበርክቱ ስለ ዚኽእሉ፡ ውልቀ ሰባት ጥቕምታት ምርካቦም ከኣ ነቲ ህዝቢ የሐይሎ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን እዙዛት ኪዀኑ ኸለዉ፡ የሆዋ ንፍርያት ምድሮም ስለ ዚባርኾን ትምህርቲ ይህቦም ብምንባሩን፡ ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ኼምጽኦ ዚኽእል ፍጹም መንግስትን ብልጽግናን ነይርዎም እዩ።—ኢሳ 33:22።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ክትብደል ከለኻ
ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ልዕሊ ብጻዩ መጥቃዕቲ ብምውራድ ዓይኑ እንተ ኣጥፊእዎ፡ እቲ በዳሊ ብፍትሓዊ መገዲ ኪቕጻዕ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ እቲ ግዳይ ብኢደ ወነኑ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራ ቤቱ ስጕምቲ ኺወስድ ኣይግብኦን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ነቲ ጕዳዩ ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣን፡ ማለት ኣብ ቅድሚ እቶም እተሸሙ ደያኑ ኬቕርቦ ነበሮ። ከምዚ እንተ ተገይሩ፡ እቲ ደይ መደይ ኢሉ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ኢዱ ስለ ዚረክብ፡ ሕነ ምፍዳይ ኣይህሉን። ይኹን እምበር፡ ካልእ ምኽንያት እውን ነይሩ እዩ።
1-7 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 26-27
“በረኸት የሆዋ ብኸመይ ትረክብ፧”
ካብ “ከንቱነት” ርሓቕ
8 “ገንዘብ” ከም ኣምላኽ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ሓደ ግራት እትርከብ እምኒ እሞ ሕስብ ኣብል። እታ እምኒ እቲኣ ቤት ወይ መንደቕ ንምህናጽ ጠቓሚት ክትከውን ትኽእል እያ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ከም “እተወቕረ ምስሊ” ወይ “ሓወልቲ” ዀይና እንተ ቘይማ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ መዐንቀፊ እያ እትዀኖም። (ዘሌ. 26:1) ብተመሳሳሊ፡ ገንዘብ ቦታኡ ኣለዎ። ንናብራ የድልየና እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። (መክ. 7:12፣ ሉቃ. 16:9) ኰይኑ ግን፡ ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ ቅድሚ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እንተ ሰሪዕናዮ፡ ነቲ ገንዘብ ከም ኣምላኽ ንገብሮ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።) ኣብዛ ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚረኣየላ ዓለም፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይግባእ።—1 ጢሞ. 6፡17-19
it-1 223 ¶3
ፍርሃት
ብምኽንያት እቲ የሆዋ ንሙሴ እተጠቕመሉ መገድን ምስኡ ዝነበሮ ርክብን፡ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምላኽ ዜፍርህ ሓይሊ (ብእብራይስጢ፡ ሞህራ) ነይርዎ እዩ። (ዘዳ 34:10, 12፣ ዘጸ 19:9) እቶም እምነት ዝነበሮም፡ ንስልጣን ሙሴ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ነይርዎ እዩ። ኣምላኽ ብእኡ ገይሩ ኸም ዚዛረብ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ንመቕደስ የሆዋ ፍርሃት ኬሕድሩ ነይርዎም። (ዘሌ 19:30፣ 26:2፡ እ.ጽ.) እዚ ድማ፡ ነቲ መቕደስ ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም፡ ማለት ኣምልኾኦም ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ኺፍጽሙን ምስ ኵሉ ትእዛዛቱ ተሰማሚዖም ኪመላለሱን ከም ዘለዎም ዜመልክት እዩ።
w91 1/3 17 ¶10
“ሰላም ኣምላኽ” ንልብኹም ይሓልዎ
10 የሆዋ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ጌርኩምዎን፡ ዝናም ብግዜኡ ኽህበኩም እየ፣ ምድሪ ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣ ኣእዋም መሮር እውን ፍሪኡ ኺህብ እዩ። ኣብታ ምድሪ ሰላም ክህብ እየ፣ ማንም ከየፍረሃኩም ድማ ክትድቅሱ ኢኹም፣ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጽንት እየ፡ ሰይፊ ውግእ ኸኣ ብምድርኹም ኣይኪሓልፍን እዩ። ኣብ መንጎኹም ክመላለስ፡ ኣምላኽኩም ከኣ ክኸውን እየ፣ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።” (ዘሌዋውያን 26:3, 4, 6, 12) ህዝቢ እስራኤል ካብ ጸላእቶም ዕቝባ፡ ስጋዊ በረኸት፡ ከምኡ እውን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዚህልዎም፡ ሰላም ኪረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም። ነዚ ዚረኽቡ ግና፡ ሕጊ የሆዋ ምስ ዚሕልዉ እዩ።—መዝሙር 119:165።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 617
ለበዳ
ሕጊ ኣምላኽ ብምሕዳጎም ዚመጽእ። ህዝቢ እስራኤል፡ ኪዳን ኣምላኽ እንተ ዘይሓልዮም፡ ኣምላኽ ‘ናብ ማእከሎም ሕማም ከም ዚሰድድ’ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌ 26:14-16, 23-25፣ ዘዳ 28:15, 21, 22) ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ስጋዊ ዀነ መንፈሳዊ ጥዕና ምስ በረኸት ኣምላኽ ኪተሓሓዝ ከሎ (ዘዳ 7:12, 15፣ መዝ 103:1-3፣ ምሳ 3:1, 2, 7, 8፣ 4:21, 22፣ ራእ 21:1-4)፡ ሕማም ከኣ ምስ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ተተሓሒዙ ኣሎ። (ዘጸ 15:26፣ ዘዳ 28:58-61፣ ኢሳ 53:4, 5፣ ማቴ 9:2-6, 12፣ ዮሃ 5:14) ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ገሊኡ መዳያት ብቐጥታን ብቕጽበትን ንሰባት እኳ እንተ ኣሕመመ፡ ንኣብነት ንሚርያምን ንዑዝያን ንገሓዚን ብደዌ እኳ እንተ ወቕዖም (ዘሁ 12:10፣ 2ዜና 26:16-21፣ 2ነገ 5:25-27)፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ግና ሕማምን ለበዳን ብሰንኪ እቲ ሰባት ወይ ኣህዛብ ብሓጢኣት ዚስዕብዎ ተፈጥሮኣውን ከተወግዶ ዘይከኣልን መገዲ እዩ ዚመጽእ ነይሩ። ብሓጺሩ፡ ዝዘርእዎ እዮም ዚዓጽዱ ነይሮም፣ ከም ሳዕቤን እቲ ግጉይ መገድታቶም እዩ ስጋኦም ዚሳቐ ነይሩ። (ገላ 6:7, 8) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጽዩፍ ምንዝርና ዚቈማጥዑ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ኣምላኽ፡ ሰብነቶም ምእንቲ ኼሕስሩ፡ . . . ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሂብዎም። . . . ግቡእ መቕጻዕቲ ስሕተቶም ኣብ ርእሶም [ተቐቢሎም።]”—ሮሜ 1:24-27።
8-14 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 1-2
“የሆዋ ንህዝቡ ይውድብ”
w94 1/12 9 ¶4
ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ናብራና ዘለዎ ቅኑዕ ቦታ
4 ነቲ እስራኤላውያን ሰፊሮምሉ ዝነበሩ በረኻ፡ ብላዕሊ ኾይንካ እንተትርእዮስ፡ እንታይ ምረአኻ ኔርካ? ሓደ ሰፊሕ፡ በብሰለስተ ነገዳት እተኸፋፈለ ኮይኑ ንሰሜን፡ ንደቡብ፡ ንምብራቕን ንምዕራብን እተጠርነፈ፡ ንሰለስተ ሚልዮን ወይ ዝያዳ ሰባት ከንብር ዝኽእል፡ ብግቡእ እተሰርዔ ድንኳናት። ቅርብ ኢልካ ጥቓ እቲ ማእከል ናይቲ ሰፈር ከኣ፡ ካልእ ጉጅለ ትርኢ። እዘን ኣርባዕተ ናእሽቱ እኩባት ድንኳናት፡ ናይ ነገድ ሌዊ ስድራታት መንበሪ ኢየን። ኣብቲ ማእከል ናይቲ ሰፈር ከኣ፡ ኣብ ሓደ ብዓለባ እተጋረደ ከባቢ፡ ሓደ ፍሉይ ቅርጺ ነበረ። እዚ፡ “ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም” እስራኤላውያን፡ ብመሰረት ናይ የሆዋ ንድፊ ዝሃነጽዎ “ድንኳን ምርኻብ” ወይ ማሕደር ኢዩ።—ዘሁልቍ 1:52, 53፣ 2:3, 10, 17, 18, 25፣ ዘጸኣት 35:10
it-1 397 ¶4
ሰፈር
ሰፈር እቶም እስራኤላውያን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምዝጉባት 603,550 ተዋጋእቲ ሰብኡት እዮም ነይሮም፣ ብዘይካኦም እውን ኣንስቲ፡ ቈልዑ፡ ኣረጋውያን፡ ስንኩላን፡ 22,000 ሌዋውያን፡ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ስለ ዝነበሩ፡ ኵሉ ዅሎም 3,000,000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚዀኑ እዮም ነይሮም። (ዘጸ 12:38, 44፣ ዘሁ 3:21-34, 39) ሰፈሮም ክንደይ ዚኣክል ቦታ ኸም ዚሽፍን ብርግጽ ኪፍለጥ ኣይከኣልን እዩ፣ ግምታት ይፈላለ እዩ። ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ኣብ ዝሰፈሩሉ እዋን፡ “ካብ ቤት-የሺሞት ክሳብ ኣቤል-ሺጢም” ከም ዝሰፈሩ ተገሊጹ ኣሎ።—ዘሁ 33:49።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 764
ምዝገባ
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከከም ነገድን ቤተ ሰብን ብስም ዚግበር ምዝገባ። ካብ ተራ ቘጸራ ህዝቢ ንላዕሊ የጠቓልል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሃገራዊ ምዝገባ፡ ንእተፈላለየ ዕላማ እዩ ዜገልግል ነይሩ፣ ንኣብነት፡ ግብሪ ንምእካብ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምምዳብ፡ ወይ (ንሌዋውያን ኬጠቓልል ከሎ) ኣብ መቕደስ ዕዮታት ንምሃብ የገልግል ነይሩ።
15-21 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 3-4
“ኣገልግሎት ሌዋውያን”
it-2 683 ¶3
ካህን
ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ። እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ የሆዋ ንዅሉ በዅሩ ግብጻውያን በቲ ዓስራይ መዓት ኬጥፍእ ከሎ፡ ንነፍሲ ወከፍ በዅሪ እስራኤል ንርእሱ ቐዲስዎ እዩ። (ዘጸ 12:29፣ ዘሁ 3:13) ስለዚ፡ እቶም በዅራት ናይ የሆዋ እዮም ነይሮም፡ ማለት ንዕኡ በይኑ ፍሉይ ኣገልግሎት ኪህቡ እተመደቡ እዮም ነይሮም። ንዅሎም እዞም በዅራት ተባዕትዮ እስራኤል፡ ካህናትን ተኸናኸንቲ መቕደሱን ገይሩ ኪሸሞም ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ተባዕትዮ ነገድ ሌዊ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኺፈልዮም ወሲኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ተባዕትዮ ሌዋውያን ከም መተካእታ እቶም በዅራት ደቂ ተባዕትዮ እቶም ዝተረፉ 12 ነገዳት ኪዀኑ ፈቐደ (ዘርኢ እቶም ደቂ ዮሴፍ ዝዀኑ ኤፍሬምን ምናሴን ከም ክልተ ነገዳት እዮም ዚቝጸሩ)። እቲ ቘጸራ ህዝቢ ምስ ተገብረ ኸኣ፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ተባዕትዮ እስራኤላውያን ካብቶም ተባዕትዮ ሌዋውያን ብ273 በዝሑ፣ ስለዚ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፎም ዋጋ በጃ፡ ሓሓሙሽተ ሲቃል ($11) ኪኽፈል ወሰነ፣ እቲ ገንዘብ ከኣ ንኣሮንን ንደቁን ተዋህቦም። (ዘሁ 3:11-16, 40-51) ቅድሚ እዚ ኽፍሊት እዚ፡ የሆዋ ንተባዕትዮ ዓሌት ኣሮንን ነገድ ሌዊን ካህናት እስራኤል ኪዀኑ ኣቚምዎም ነይሩ እዩ።—ዘሁ 1:1፣ 3:6-10።
it-2 241
ሌዋውያን
ሓላፍነቶም። ሌዋውያን ሰለስተ ዓሌታት ነይሮምዎም፣ እዞም ዓሌታት ካብቶም ሰለስተ ደቂ ሌዊ ዝዀኑ ጌርሾንን (ጌርሾም) ቀሃትን መራሪን እተወለዱ እዮም። (ዘፍ 46:11፣ 1ዜና 6:1, 16) እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እዞም ዓሌታት እዚኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጥቓ እቲ ማሕደር እዮም ዚሰፍሩ ነይሮም። ካብ ቀሃታውያን ዝዀኑ ዓሌት ኣሮን ኣብ መንጽር እቲ ማሕደር ብምብራቕ ይሰፍሩ ነይሮም። እቶም ዝተረፉ ቀሃታውያን ብደቡብ፡ ጌርሾናውያን ብምዕራብ፡ መራራውያን ድማ ብሰሜን ይሰፍሩ ነይሮም። (ዘሁ 3:23, 29, 35, 38) ነቲ ማሕደር ምትካልን ምውራድን ምጻርን፡ ናይ ሌዋውያን ዕዮ እዩ ነይሩ። ዚነቕሉሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ኣሮንን ደቁን ነቲ ኣብ መንጎ ቕድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን ዘሎ መጋረጃ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት ምስክርን ነቲ መሰውእን ነቲ ኻልእ ቕዱስ ኣቕሑን ከኣ ይኸድንዎ ነበሩ። ድሕሪኡ ቀሃታውያን ነዚ ይጾርዎ ነይሮም። ጌርሾናውያን ከኣ ዓለባታት ድንኳንን መኽደንን መጋረድን መኸወሊታት ኣጸድን ኣግማድ ድንኳንን (ኣግማድ እቲ ማሕደር ኪኸውን ኣለዎ) የጐዓዕዙ ነይሮም፣ መራራውያን ከኣ መቓናት ሉሕን ኣዕኑድን ዚስኵዓሉ መቘሚታትን ሽኻላትን ኣግማድን (ኣግማድ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ዝነበረ ኣጸድ ኪኸውን ኣለዎ) የጐዓዕዙ ነይሮም።—ዘሁ 1:50, 51፣ 3:25, 26, 30, 31, 36, 37፣ 4:4-33፣ 7:5-9።
it-2 241
ሌዋውያን
ብግዜ ሙሴ፡ ሓደ ሌዋዊ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ እዩ ኸም ምጻር እቲ ማሕደርን ኣቕሑኡን ዝኣመሰለ ምሉእ ሓላፍነቱ ዚስከም ነይሩ። (ዘሁ 4:46-49) ገሊኡ ሓላፍነታት ካብ ወዲ 25 ኣትሒዙ እዩ ዚፍጸም ነይሩ፣ ከም ምግዓዝ እቲ ማሕደር ዝኣመሰለ ኸቢድ ዕዮ ግና ኣይኰነን። (ዘሁ 8:24) ብግዜ ንጉስ ዳዊት፡ እቲ ዕድመ ናብ 20 ዓመት ተነክዩ ነይሩ። እቲ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ምኽንያት፡ እቲ ማሕደር (ድሕሪኡ ብቤተ መቕደስ እተተክአ) ኪጽወር ስለ ዘየድልዮ እዩ። ሓላፍነቶም ድማ ደቂ 50 ምስ ኰኑ እዩ ዜብቅዕ ነይሩ። (ዘሁ 8:25, 26፣ 1ዜና 23:24-26፣ ኣብ “ዕድመ” ርአ።) ሌዋውያን ነቲ ሕጊ ንህዝቢ ኼንብቡን ንተራ ህዝቢ ኺምህሩን ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ ሕጊ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎ ነይርዎም።—1ዜና 15:27፣ 2ዜና 5:12፣ 17:7-9፣ ነህ 8:7-9።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ጥበበኛ ኹን—ንኣምላኽ ፍርሃዮ!
13 ዳዊት ኣብ ግዜ ጭንቂ ሓገዝ የሆዋ ምርካቡ ነቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ኣዕሚቝዎን ኣብኡ ዝነበሮ እምንቶ ኣደልዲልዎን እዩ። (መዝሙር 31:22-24) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ኣብ ሰለስተ ጕሉሕ መዳያት ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ጐዲሉ እዩ፡ እዚ ድማ ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዓበሉ። እቲ ቐዳማይ ነቲ ታቦት ኪዳን የሆዋ፡ ከምቲ ሕጊ ኣምላኽ ዚእዝዞ ኣብ መንኵብ ሌዋውያን ኣብ ክንዲ ምጻር፡ ብሰረገላ ገይሩ ናብ የሩሳሌም ኬግዕዞ ምስ ፈተነ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ነቲ ሰረገላ ዚመርሕ ዝነበረ ዑዛ፡ ነቲ ታቦት ከይወድቕ ኢሉ ምስ ሓዞ፡ ስለ “ድፍረቱ” ኣብቲ ቦታ እቲ ተቐዝፈ። እወ፡ ዑዛ ኸቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ዘይሩ ዘይሩ ዳዊት ንሕጊ ኣምላኽ ግቡእ ኣኽብሮት ስለ ዘየርኣየ እዩ እቲ ዜሕዝን ነገር እተፈጸመ። ንኣምላኽ ምፍራህ ኪበሃል ከሎ፡ ንዝዀነ ይኹን ነገር ብስርዓቱ ተመሪሕካ ምግባር ማለት እዩ።—2 ሳሙኤል 6:2-9፣ ዘሁልቍ 4:15፣ 7:9
22-28 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 5-6
“ንናዝራውያን ብኸመይ ክትመስሎም ትኽእል፧”
it-2 477
ናዝራዊ
እቶም ናዝራውያን ኪዀኑ ዚመባጽዑ፡ ካብ ሰለስተ ነገራት ይኽልከሉ ነበሩ፦ (1) ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኣይነበሮምን፣ ዘይበሰለ፡ ብሱል፡ ወይ ንቑጽ ፍርያት ፍረ ወይኒ ኪብልዑ ኣይነበሮምን፣ ጽማቝ ወይኒ ብሓድሹ፡ ብጕዕሹ፡ ወይ ምስ መጸጸ ኪሰትዩ ኣይነበሮምን። (2) ጸጕሮም ኪቘርጹ ኣይነበሮምን። (3) ሬሳ ኺትንክዩ ኣይነበሮምን፣ ዋላ እውን ሬሳ ቤተ ሰቦም፡ ማለት ኣቦኦም፡ ኣዲኦም፡ ሓዎም፡ ወይ ሓብቶም ኪትንክዩ ኣይነበሮምን።—ዘሁ 6:1-7።
ፍሉይ መብጽዓ። ነዚ ፍሉይ መብጽዓ ዚመባጻዕ ሰብ፡ መናኒ ብምዃኑ ብሰብ ተራእዩሉ ኺንኣድ ኢሉ ዘይኰነስ፡ “ንየሆዋ ናዝራዊ [ማለት፡ እተወፈየ፡ እተፈልየ] ኪኸውን” ኢሉ እዩ ዚገብሮ ነይሩ። “ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ” ዚኸውን ነይሩ።—ዘሁ 6:2, 8፣ ምስ ዘፍ 49:26 ኣረኣኢ።
ስለዚ፡ ናዝራውያን ኬማልእዎ ዚግባእ ነገራት፡ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ፍሉይ ኣገዳስነትን ትርጉምን ነይርዎ እዩ። ከምቲ ሊቀ ኻህናት ብምኽንያት እቲ ቕዱስ ሓላፍነቱ ናይ ቤተ ሰቡ ሬሳ እኳ ዘይትንኪ ዝነበረ፡ ናዝራዊ እውን ሬሳ ኺትንኪ ኣይፍቀደሉን እዩ ነይሩ። ሊቀ ኻህናትን ካልኦት ካህናትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱስ ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ፡ ወይኒ ዀነ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ።—ዘሌ 10:8-11፣ 21:10, 11።
ብተወሳኺ፡ ናዝራዊ (ብእብራይስጢ ናዚር) ‘ጸጕሪ ርእሱ ብምንዋሕ፡ ቅዱስ ኪኸውን’ ነይርዎ፣ እዚ ድማ ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ርእሱ ዚርአ ቕዱስ ናዝራውነቱ ብቐሊሉ ኼለልዮ ይኽእል ነይሩ። (ዘሁ 6:5) እታ ናዚር እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብተን ቅዱሳት ዓመታት ሰናብትን ዓመታት እልልታን ‘ከይተጠጠፈ’ ንዝበቘለ ወይኒ ንምምልካት ተዓይዩላ ኣሎ። (ዘሌ 25:5, 11) እቲ፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል እተጻሕፎ ኣብ ልዕሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ዚገብሮ መጠምጠምያ ዚርከብ ቀጸላ ወርቂ ድማ፡ “ቅዱስ ምልክት ተወፋይነት [ብእብራይስጢ፡ ነዘር ካብታ ናዚር እትብል ሱር ቃል]” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። (ዘጸ 39:30, 31) እተቐብኡ ነገስታት እስራኤል ኣብ ርእሶም ዚደፍእዎ ዝነበሩ ዘውዲ እውን ነዘር ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። (2ሳሙ 1:10፣ 2ነገ 11:12፣ ኣብ “ዘውዲ”፣ “ተወፋይነት” ርአ።) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ነዊሕ ጸጕሪ ርእሲ ሰበይቲ ኣብ ክንዲ መጐልበቢኣ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ካብ ሰብኣይ እተፈልየ ቦታ ኸም ዘለዋ ዚሕብር ባህርያዊ መዘኻኸሪ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣምላኽ ተገዛኢት ክትከውን ከም ዘለዋ ዚሕብራ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ እተወፈየ ናዝራዊ ጸጕሩ ዘይምቝራጹ (ንሰብኣይ ዘይባህርያዊ ዝዀነ)፡ ወይኒ ምሕራሙ፡ ከምኡ እውን ንጹህን ዘይረኸሰን ምዃኑ፡ ኣገዳስነት ርእሰ ምሕሳምን ንፍቓድ የሆዋ ምሉእ ተገዛእነት ምሃብን ዜጕልሕ እዩ ነይሩ።—1ቈረ 11:2-16፣ ኣብ “ጸጕሪ”፣ “መጐልበቢ”፣ “ባህርይ” ርአ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሲምሶን ግን ብእተፈልየ መገዲ እዩ ናዝራዊ ነይሩ። ቅድሚ ምውላዱ መልኣኽ የሆዋ ነዲኡ “እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ” በላ። (መሳፍንቲ 13:5) ሲምሶን ናዝራዊ ንኪኸውን ኣይተመባጽዐን። ኣምላኽ እዩ ናዝራዊ ኪኸውን ዝመዘዞ፡ ምሉእ ህይወቱ እውን ናዝራዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ሬሳ ዘይምትንካይ ዚብል ቀይዲ ኺዓዪ ኣይክእልን እዩ። እንተ ዚዕየየሉ እሞ ብድንገት ምዉት እንተ ዚትንኪ፡ ነቲ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዚጅምር ናይ ምሉእ ህይወቱ ናዝራውነት ከመይ ገይሩ እዩ ኸም ብሓድሽ ኪጅምሮ ዚኽእል፧ እምበኣር፡ እቶም ምሉእ ህይወቶም ናዝራውያን ዝዀኑ ኻብቶም ብፍታዎም ናዝራውያን ዝዀኑ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት እተፈልየ እዩ ነይሩ።