ዘሁልቍ
1 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡+ የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና፡+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ+ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡* በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን በብቝጽሪ ስም ኵሉ ተባዕታይን በብውልቂ* ቝጸርዎም።+ 3 ንስኻን ኣሮንን ንዅሎም እቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ+ ዝዀኑ ኣብ እስራኤል ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ በብሰራዊት መዝግብዎም።
4 “ርእሲ ማይ ቤቱ ዚኸውን፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ምሳኻትኩም ውሰዱ።+ 5 ስማት እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰብኡት እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሮቤል፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር፣ 6 ካብ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ፣ 7 ካብ ይሁዳ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ፣ 8 ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር፣ 9 ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን፣ 10 ካብ ደቂ ዮሴፍ፦ ካብ ኤፍሬም፡+ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፣ ካብ ምናሴ፡ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፣ 11 ካብ ብንያም፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ፣ 12 ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ፣ 13 ካብ ኣሴር፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን፣ 14 ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል፣ 15 ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን። 16 እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሹማምንቲ ነገዳት ኣቦታቶም፡+ ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል እዮም።”+
17 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተሰምዩ ሰብኡት ወሰዱ። 18 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸኣ፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን በብውልቂ ምእንቲ ኺምዝገቡ፡ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ። 19 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና መዝገቦም።+
20 ደቂ ሮቤል እቲ በዅሪ እስራኤል+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ በብውልቂ ተቘጽሩ። 21 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 ነበረ።
22 ደቂ ስምኦን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ በብውልቂ ተቘጽሩ። 23 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 ነበረ።
24 ደቂ ጋድ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 25 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 ነበረ።
26 ደቂ ይሁዳ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 27 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 74,600 ነበረ።
28 ደቂ ይሳኮር+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 29 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተመዝገቡ ድማ፡ 54,400 ነበረ።
30 ደቂ ዛብሎን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 31 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 57,400 ነበረ።
32 ካብ ኤፍሬም እተወልዱ ደቂ ዮሴፍ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 33 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 ነበረ።
34 ደቂ ምናሴ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 35 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ምናሴ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 ነበረ።
36 ደቂ ብንያም+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 37 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ብንያም እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 ነበረ።
38 ደቂ ዳን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 39 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ዳን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 62,700 ነበረ።
40 ደቂ ኣሴር+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 41 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተመዝገቡ ድማ፡ 41,500 ነበረ።
42 ደቂ ንፍታሌም+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 43 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተመዝገቡ ኸኣ፡ 53,400 ነበረ።
44 እቶም ሙሴ ምስ ኣሮንን ምስቶም ነንማይ ቤቶም ዚውክሉ 12 ሹማምንትን ኰይኑ ዝመዝገቦም እዚኣቶም እዮም። 45 ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም ተመዝገቡ። 46 ድምር ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ድማ፡ 603,550 ነበረ።+
47 ሌዋውያን+ ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተመዝገቡን።+ 48 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 49 “ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትመዝግቦ፡ ቍጽሮም ድማ ምስ እስራኤላውያን ኣይትጸብጽቦ።+ 50 ንሌዋውያን ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቕሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ሽሞም።+ ንሳቶም ድማ ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቕሑኡን ይጹሩ፡+ ኣብኡ ኸኣ የገልግሉ፡+ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ።+ 51 እቲ ማሕደር ኪነቅል ከሎ፡ ሌዋውያን የውርድዎ፣+ እቲ ማሕደር ኪሰፍር ከሎ ኸኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።+
52 “ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ኣብቲ እተመደበሉ ሰፈር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ነናቱ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ*+ በብሰራዊቱ ድንኳኑ ይትከል። 53 ሌዋውያን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ እስራኤላውያን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይልዓል፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ።+ ሌዋውያን ድማ ነቲ ማሕደር ምስክር ዘለዎም ሓላፍነት ይሰከሙ።”*+
54 ህዝቢ እስራኤል ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ልክዕ ከምኡ ገበሩ።