መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
2-8 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 39-40
“ሙሴ ብጥንቃቐ መምርሒ ስዒቡ”
(ዘጸኣት 39:32) ኵሉ እቲ ዕዮ ማሕደር፡ ድንኳን ምርኻብ፡ ተወድአ፣ እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። ልክዕ ከምኡ ገበሩ።
የሆዋ ይፈልጠካ ድዩ፧
13 ብኣንጻሩ ግና፡ ሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።” (ዘሁ. 12:3) ብቘራጽነት ንመምርሒ የሆዋ ብምስዓብ፡ ዓቕሉን ትሕትናኡን ኣርኣየ። (ዘጸ. 7:6፣ 40:16) ንመገዲ የሆዋ ኣብ ሕቶ ኸም ዘእተዎ ወይ ነቲ የሆዋ ዘውጸኦ መምርሒታት ብምስዓቡ ኸም እተበሳጨወ ዚሕብር የልቦን። ንኣብነት፡ እቲ የሆዋ ንህንጸት እታ ማሕደር ብዚምልከት ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ኣብቲ ዓለባ ማሕደር ዚህሉ ሕብሪ ፈትልን ብዝሒ መኸንትቦን እውን ዜጠቓልል ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 26:1-6) ኣብ ውድብ የሆዋ ምስ ሓደ ብዙሕ ዝርዝር መምርሒታት ዚህበካ ሓላዊ እንተ ትዓዪ፡ ሓድሓደ ግዜ ምተበሳጨኻ። የሆዋ ግና፡ ፍጹም ሓላዊ ስለ ዝዀነ፡ ብልግሲ ንኻልኦት ሓላፍነት ይህብን ንኣገልገልቱ ይኣምኖምን እዩ። ኣብ ግቡእ ምኽንያት ተመርኲሱ ኸኣ እዩ ዝርዝር መምርሒ ዚህብ። ሙሴ ግና፡ በቲ እተዋህቦ ዝርዝር መምርሒ ኣይተበሳጨወን፣ የሆዋ ዜዋርዶ ዘሎን ንናጽነቱ ወይ ንመሃዝነቱ ዚድርቶ ዘሎን ኰይኑ እውን ኣይተሰምዖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ዓየይቲ ንመምርሒታት ኣምላኽ ከም ዚስዕቡ ገበረ። (ዘጸ. 39:32) ከመይ ዝበለ ትሕትና ዝመልኦ ኣኻይዳ ዀን እዩ! ሙሴ፡ የሆዋ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎን እቲ ዕዮ ናይ የሆዋ ምዃኑን ተገንዚቡ ነበረ።
(ዘጸኣት 39:43) ሙሴ ንዅሉ ዕዮኦም ምስ መርመሮ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኸም ዝገበሩ ረኣየ። ሽዑ፡ ሙሴ መረቖም።
(ዘጸኣት 40:1, 2) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ትኸሎ።
(ዘጸኣት 40:16) ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።
ብዅሉ እሙን ዲኻ፧
3 እብራውያን 3:5 ‘ሙሴ ኸም ጊልያ እሙን ነበረ’ ትብል። ንነብዪ ሙሴ እሙን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ህንጸትን ምድላውን እቲ ማሕደር “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ።” (ዘጸኣት 40:16) ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ብተኣዛዝነት ንዕኡ ብምግልጋል ተኣማንነትና ነርኢ ኢና። እዚ ኸኣ ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ እሙናት ምዃን ዜጠቓልል እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ዓብዪ ፈተናታት እንረኽቦ ዓወት ጥራይ ኣይኰነን ንተኣማንነትና ዚውስኖ። የሱስ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” በለ። (ሉቃስ 16:10) ኣብ ንኣሽቱ ዚመስል ጕዳያት እውን እንተዀነ እሙናት ክንከውን ኣሎና።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 39:34) ነቲ ብቐይሕ ካብ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል እተገብረ መኽደኒኡ፡ ነቲ ኻብ ቈራብቲ ታሓሽ እተገብረ መኽደኒኡ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ፡
it-2 884 ¶3
ቈርበት ታሓሽ
እስራኤላውያን ብኸመይ ከም ዝረኸብዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ታሓሽ ዚብል ቃል ነቲ ፎካ (ብእንግሊዝኛ ሲል) ዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ ዜመልክት እንተ ዀይኑ፡ እስራኤላውያን ቈርበት እዚ እንስሳ ብኸመይ ኪረኽብዎ ኸም ዝኸኣሉ ሕቶ ይለዓል እዩ። እዞም እንስሳ ባሕሪ እዚኦም ብሓፈሻኡ ኣብ ከባቢ ኣርክቲክን ኣብ ኣንታርክቲክን ዚርከቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ዓይነት ግና ዝወዓየ ክሊማ ይፈትዉ እዮም። ሎሚ፡ ሒደት ዓይነት ፎካ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ባሕሪ መዲተራነያንን ኣብ ካልእ ምውቕ ዝበለ ማያትን ይርከቡ እዮም። ዘመናት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ ወዲ ሰብ ንመብዛሕትኦም ፎካ ኣጽኒትዎም እዩ፣ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ባሕሪ መዲተራነያንን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ብብዝሒ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብ1832 እኳ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም እቲ ካልመት ዘዳለዎ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ሆሊ ባይብል (ገጽ 139) ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ኣብ ሓያሎ ንኣሽቱ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና፡ ታሓሽ (ፎካ) ይርከቡ እዮም።—ዘ ታበርናክልስ ቲፒካል ቲቺንግ ብኤ. ጀይ. ፖሎክ፡ ለንደን፡ ገጽ 47 እውን ርአ።
(ዘጸኣት 40:34) ደበና ኸኣ ንድንኳን ምርኻብ ኣጐልበቦ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ነቲ ማሕደር መልኦ።
ንስራሕካ ዜስተብህለሉ መን ምዃኑ ኽሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧
እታ ማሕደር ምስ ተዛዘመት፡ “ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ።” (ዘጸ. 40:34) እዝስ ከመይ ዝበለ ሞገስ የሆዋ ዜርኢ ንጹር ምልክት ኰን እዩ! በሳልኤልን ኦሆልያብን ኣብታ ህሞት እቲኣ እንታይ እተሰምዖም ይመስለካ፧ ስማቶም ኣብቲ ዘዳለውዎ ነገራት እኳ እንተ ዘይተቐርጸ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጻዕርታቶም ከም ዝባረኾ ብምፍላጥ ግና ዕግበት ረኺቦም ኪዀኑ ኣለዎም። (ምሳ. 10:22) ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት፡ ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ከሎ ምርኣዮም፡ ንልቦም ባህ ኣቢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ምስ ተንስኡ፡ እቲ ማሕደር ንኣስታት 500 ዓመት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዝወዓለ ብምፍላጥ ኪሕጐሱ እዮም።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 39:1-21) ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዚኸውን ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ ገበሩ። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንኣሮን ቅዱስ ክዳውንቲ ገበሩሉ። 2 ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ከኣ ኤፎድ ገበረ። 3 ወርቂ ቐጥቂጦም ድማ ኣርቀቑ፣ ምስ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ምስ ዚሕብሩ ጸምርን ምስ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ምስ ቅጭን በፍታን ኪስራሕ ከኣ ከም ፈትሊ ገይሩ ተልተሎ፣ እተጠልፈ ድማ ነበረ። 4 ልጋብ ኣጭርቕቲ መንኵብ ከኣ ገበሩሉ፣ ኣብ ክልተ ጫፉ እውን ለገብዎ። 5 እቲ ምስቲ ኤፎድ እተላገበ ንምዕጣቕ ዚኸውን እሉም ዕጣቕ ከኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ብሓደ ዓይነት ስርሓት፡ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ነበረ። 6 ነቲ ኣእማን ኦኒክስ ከኣ ኣብቲ መቓናት ወርቂ ገበርዎ፣ ስማት ደቂ እስራኤል ድማ ከም ቅርጺ ማሕተም ገይሮም ቀረጹሉ። 7 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ ኣብ ኤፎድ ዘሎ ኣጭርቕቲ መንኵብ ኣንበሮ። 8 ልብሲ ኣፍ ልቢ ድማ ብምጥላፍ ገበሮ፣ ከምቲ ኤፎድ ገይሩ ኸኣ፡ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ገበሮ። 9 ምስ ተዓጽፈ፡ ትርብዒት ነበረ። ነቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ ምስ ተዓጽፈ፡ ስድሪ ዝንውሓቱን ስድሪ ዝግፍሑን ገይሮም ገበርዎ። 10 ኣብኡ ድማ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ገበሩሉ። እቲ ቐዳማይ መስርዕ፡ ሮቢኖስን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን ነበረ። 11 እቲ ኻልኣይ መስርዕ፡ ቱርቆይዝን ሰፊሮስን ያስጲስን ነበረ። 12 እቲ ሳልሳይ መስርዕ፡ ለሸምን ኣጋትን ኣሜትስጦስን ነበረ። 14 እቲ ራብዓይ መስርዕ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያሸፈን ነበረ። ኣብ መቓናት ወርቂ ኸኣ ተገብረ። እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት 12 ደቂ እስራኤል ነበረ፣ እቲ ስማት ከኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ተገይሩ ን12 ነገዳት ሓሓደ ስም ተቐርጸ። 15 ኣብ ልዕሊ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ እተተንገ ሰንሰለት ገበሩ። 16 ክልተ መቓን ወርቅን ክልተ ቐለቤት ወርቅን ገይሮም፡ ነቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣላገብዎ። 17 ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ኽልተ ገመድ ድማ፡ በቲ ኣብ መኣዝናት እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ኣሕለፍዎ። 18 ነቲ ኽልተ ጫፍ እቲ ኽልተ ገመድ ከኣ በቲ ኽልተ መቓን ኣሕለፍዎ፣ ምስቲ ኣጭርቕቲ መንኵብ እቲ ኤፎድ ድማ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ኣላገብዎ። 19 ካብ ወርቂ ኸኣ ክልተ ቐለቤት ገይሮም፡ ኣብ ውሽጣዊ ጥርዚ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡ ኣብ ክልተ ጫፉ፡ ናብቲ ኤፎድ ገጹ ገይሮም ገበርዎ። 20 ክልተ ኻልእ ቀለቤት ወርቂ እውን ኣብ ቅድሚት እቲ ኤፎድ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ ጨርቂ መንኵብ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚላገበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ኤፎድ ገበሩ። 21 እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣብቲ ኤፎድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ በቲ ኻብቲ ቐላብቱ ናብቲ ቐላብቲ ኤፎድ ዚሓልፍ ሰማያዊ ፍሕሶ ገይሮም ኣሰርዎ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
9-15 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 1-3
“ዕላማ መስዋእትታት”
(ዘሌዋውያን 1:3) “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ከብቲ እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ። ብፍታዉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ።
(ዘሌዋውያን 2:1) “‘ሓደ ሰብ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፣ ኣብኡ ኸኣ ዘይቲ የፍስሰሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ይግበረሉ።
(ዘሌዋውያን 2:12) “‘መስዋእቲ በዅሪ ፍረ ኪኸውን ናብ የሆዋ ኣቕርብዎ፣ ግናኸ፡ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ ኣይገበር።
it-2 525
መስዋእቲ
ዚሓርር መስዋእቲ። ዚሓርር መስዋእቲ ብምሉኡ ንኣምላኽ እዩ ዚቐርብ ነይሩ፣ ነቶም ኣምለኽቲ ዚተርፍ ኣይነበረን። (ምስ መሳ 11:30, 31, 39, 40 ኣረኣኢ።) እዚ መስዋእቲ እዚ ነቲ ሓድሓደ ግዜ ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ የሆዋ ኪቕበሎ ዚቐርብ ልማኖ ወይ ከም እተቐበሎ ዜመልክት ነገር እዩ ነይሩ። የሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ፡ ከም “ዚሓርር መስዋእቲ” ምሉእ ብምሉእ እዩ ሰዊኡ።
it-2 528 ¶4
መስዋእቲ
መስዋእቲ እኽሊ። መስዋእቲ እኽሊ ምስ መስዋእቲ ሕብረትን ምስ ዚሓርር መስዋእትን ምስ በዅሪ ምህርትን ይቐርብ ነይሩ፣ ኣብ ካልእ ግዜያት ድማ በይኑ ይቐርብ ነይሩ። (ዘጸ 29:40-42፣ ዘሌ 23:10-13, 15-18፣ ዘሁ 15:8, 9, 22-24፣ 28:9, 10, 20, 26-28፣ ምዕ 29) እዚ ድማ፡ ስለቲ ኻብ ኣምላኽ እተረኽበ በረኸትን ብልጽግናን እዩ ዚቐርብ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስኡ ዘይትን ጻዕዳ ዕጣንን ይቐርብ ነይሩ እዩ። መስዋእቲ እኽሊ ብመልክዕ ድኹም ሓርጭ፡ እተጠብሰ ሰዊት፡ ወይ ከኣ እተሰንከተ፡ ኣብ መቕሎ እተገብረ፡ ወይ ኣብ ድስቲ እተገብረ ዓንኬላዊ ቕጫታት ወይ ረቀቕቲ ቕጫታት ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይሓርር፡ ገሊኡ ድማ ብኻህናት ይብላዕ ነይሩ እዩ፣ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ከሎ ድማ፡ እቶም ኣምለኽቲ እውን ካብኡ ይካፈሉ ነይሮም እዮም። (ዘሌ 6:14-23፣ 7:11-13፣ ዘሁ 18:8-11) እቲ ኣብ መሰውኢ ዚቐርብ መስዋእቲ እኽሊ ምእንቲ ኸይበኵዕ፡ መባዅዕቲ ወይ “መዓር” (እዚ ንጽማቝ በለስ ወይ ፍረታት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ) ኪኣትዎ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ።—ዘሌ 2:1-6።
(ዘሌዋውያን 3:1) “‘መስዋእቱ መስዋእቲ ሕብረት እንተ ዀይኑ እሞ፡ ካብ ከብቲ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ እንተ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑይ የቕርብ።
it-2 526 ¶1
መስዋእቲ
መስዋእቲ ሕብረት (ወይ መስዋእቲ ሰላም)። እቲ የሆዋ ዚቕበሎ መስዋእቲ ሕብረት፡ ምስኡ ሰላም ከም ዘሎካ የመልክት። እቲ ኣምልኾ ዜቕርብ ሰብን ቤተ ሰቡን፡ ካብቲ መስዋእቲ ይካፈሉ ነበሩ (ማለት ኣብ ኣጸድ እቲ ማሕደር፣ ብመሰረት ያታ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ነቲ ኣጸድ ዚኸብቦ መጋረጃ ኣብ እተሰርሐ ዳስ፣ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ መመገቢ ኽፍልታት ተሃኒጹ ነይሩ)። እቲ ዜገልግሎም ካህንን እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚርከቡ ኻህናትን ድማ ካብኡ ይካፈሉ ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ባህ ዜብል ዚሓርር ስብሒ ብምሽታት ካብኡ ይካፈል ነበረ። እቲ ንህይወት ዚውክል ደም እውን ንዕኡ ይውሃብ ነበረ። እቶም ካህናትን እቶም ኣምለኽትን ምስ የሆዋ ኣብ ሓደ መኣዲ ኸም እተቐመጡ ጌርካ ይርአ ነበረ፣ እዚ ድማ ንሰላማዊ ርክቦም ዜመልክት ነበረ። ብገለ ኻብቲ ኣብቲ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ርኽሰት ረኺሱ ኸሎ ኻብኡ ዚበልዕ ሰብ ወይ እቲ ስጋ ምዱብ ግዜኡ ምስ ሓለፎ (ኣብ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ኪምሽምሽ ይጅምር) ኻብኡ ዚበልዕ ሰብ፡ ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ከመይሲ፡ ርኹስ ክነሱ ብምብላዕ ወይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ፍንፉን ብምብላዕ፡ ነቲ ቕዱስ ዝበለ ስለ ዝነዓቐ፡ ነቲ መኣዲ ኣርኪስዎ እዩ።—ዘሌ 7:16-21፣ 19:5-8።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 2:13) “‘ንዅሉ እቲ እትስውኦ መስዋእቲ እኽሊ፡ ጨው ግበረሉ፣ ካብቲ መስዋእቲ እኽልኻ ኸኣ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፍ። ምስ ኵሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ።
(ህዝቅኤል 43:24) ናብ የሆዋ ኸኣ ከተቕርቦም ኢኻ፣ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪገብሩሎም፡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም እውን ንየሆዋ ኬቕርብዎም እዮም።
ካብ ኦሪት ዘሌዋውያን ዚጐልሕ ነጥብታት
2:13—ጨው “ኣብ ኵሉ መስዋእቲ” ዚቐርብ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ነቲ መስዋእቲ ንምምቃር ኣይኰነን ዚኣቱ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ጨው ከም መዐቀቢ ምግቢ ዀይኑ የገልግል እዩ። ምስ መስዋእቲ ዚቐርብ ዝነበረ፡ እቲ መስዋእቲ ኸም ዘይተበላሸወን ከም ዘይመሽመሸን ንምምልካት እዩ ኪኸውን ዚኽእል።
(ዘሌዋውያን 3:17) “‘እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን፦ ስብሒ ዘበለ ወይ ደም ዘበለ ኣይትብልዑ።’”
it-1 813
ስብሒ
ምኽንያት እቲ ሕጊ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን፡ ደምን ስብሕን ንየሆዋ በይኑ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ኣብ ደም፡ እቲ ኻብ የሆዋ ጥራይ ኪርከብ ዚከኣል ህይወት ኣሎ፣ ስለዚ ናቱ እዩ። (ዘሌ 17:11, 14) ስብሒ ኸኣ ብሉጽ ክፋል ስጋ እንስሳ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ስብሒ እንስሳ ምስዋእ፡ ብሉጽ ክፋል ናይቲ ብብዝሒ ዚባርኸና የሆዋ ኸም ዝዀነ እዩ ዜመልክት ነይሩ፣ እቶም ኣምለኽቲ ንኣምላኽ ብሉጽ ዘበለ ኺህብዎ ኸም ዚደልዩ እውን የርኢ ነይሩ። እስራኤላውያን በብሉጾም ንየሆዋ ኸም ዚውፍዩ ብምሳልያዊ መገዲ ዜርኢ ብምንባሩ ኸኣ፡ ኣብቲ መሰውኢ “ምግቢ” ወይ ‘ጥዑም ጨና’ ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። (ዘሌ 3:11, 16) ስለዚ፡ ስብሒ ምብላዕ፡ ነቲ ንየሆዋ ጥራይ እተፈልየ ብዘይግቡእ ኸም ምምንዛዕ፡ ወይ መሰል የሆዋ ኸም ምጥሓስ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ስብሒ ምብላዕ፡ ብሞት የቕጽዕ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ዘይከም ደም፡ እንተ ወሓደ ስብሒ ሕሉቕ ወይ ስብሒ ብኣራዊት እተሰላልዐ እንስሳ፡ ንኻልእ ዕላማ ኪውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ።—ዘሌ 7:23-25።
ካብ ኦሪት ዘሌዋውያን ዚጐልሕ ነጥብታት
3:17 ስብሒ ዝበለጸ ወይ እተመርጸ ኽፋል ጌርካ ይርአ ብምንባሩ፡ እስራኤላውያን ከይበልዕዎ ኪኽልከሉ ኸለዉ እቲ ዝበለጸ ኽፋል ንየሆዋ ኸም ዚግባእ እዮም ዚመሃሩ ነይሮም። (ዘፍጥረት 45:18) እዚ ኸኣ እቲ ዘዝበለጸ ንየሆዋ ኽንህብ ከም ዘሎና እዩ ዜዘኻኽረና።—ምሳሌ 3:9, 10፣ ቈሎሴ 3:23, 24።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 1:1-17) የሆዋ ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ ካብ ድንኳን ምርኻብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኻብ እንስሳታት ዘቤት መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ከብቲ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ ኣቕርቡ። 3 “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ከብቲ እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ። ብፍታዉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 4 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ የንብሮ እሞ፡ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን። 5 “‘እቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ፣ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ፡ ነቲ ደም የቕርብዎ፣ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። 6 እቲ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ተጠቢሑ፡ በብብልዕቱ ይቈራረጽ። 7 ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ሓዊ ይእጐዱ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ፡ ዕንጨይቲ ይጸፍጽፉ። 8 ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ብልዕትታት እቲ መስዋእቲ ምስ ርእስን ምስ ስብሒ ዀላሊትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ይስርዕዎ። 9 ኣምዑቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይተሓጸብ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንዅሉ፡ ኣብቲ መሰውኢ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የሕርሮ። 10 “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ጤለ በጊዕ፡ ካብ ገንሸላት ወይ ካብ ኣጣል እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ። 11 ብሸነኽ ሰሜን እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ፣ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ። 12 ምስ ርእሱን ስብሒ ዀላሊቱን በብብልዕቱ ይቘራርጾ፣ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ይስርዓዮ። 13 ኣምዑቱን ኣእጋሩን ድማ ብማይ ይሕጸቦ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንዅሉ የቕርቦ፡ ኣብቲ መሰውኢ ድማ የሕርሮ። እዚ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። 14 “‘እቲ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨቓዊት ርግቢ የቕርብ። 15 እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ቐርጢፉ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ ደሙ ግና ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ የጽርሮ። 16 ለቘታ እኽሉ ምስ ከናቲቱ ፈልዩ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ፡ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ናብቲ ስፍራ ሓምዅሽቲ ይደርብዮ። 17 ብኣኽናፉ ይጭደዶ፣ ግናኸ ኣይፈላልዮ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ የሕርሮ። እዚ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።
16-22 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 4-5
“ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ሃቦ”
(ዘሌዋውያን 5:5, 6) “‘ብሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ እንተ በዲሉ፡ ብምንታይ ከም ዝሓጥአ ይናዘዝ። 6 ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ማለት ካብ መጓሰኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ኣንስተይቲ፡ ሽበን ወይ ኣርሕዶ፡ ንየሆዋ የምጽኣሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዓርቆ።
it-2 527 ¶9
መስዋእቲ
መስዋእቲ በደል። መስዋእቲ በደል፡ ምእንቲ ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት ወይ በደል ዚስዋእ መስዋእቲ እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ ዝገበሮ ፍሉይ ሓጢኣት በዳሊ ኪኸውን ከሎ እዩ ዚስዋእ ነይሩ፣ ካብ ካልእ መስዋእቲ ሓጢኣት ቍሩብ ፍልይ ዜብሎ ኸኣ፡ ነቲ ተበዳሊ ንምሕጓስ ወይ ዝሰኣኖ ገሊኡ መሰላት ንምምላስ ዜገልግል ብምንባሩ እዩ። መሰል የሆዋ ወይ መሰል ቅዱስ ህዝቡ ስለ እተጣሕሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መስዋእቲ በደል ኪቐርብ ከሎ፡ የሆዋ ይሕጐስ፡ እቲ እተነስሐ በዳሊ ኸኣ ገሊኡ መሰላት ኪዳን ይምለሰሉ፡ ካብ መቕጻዕቲ እውን ምሕረት ይርከብ።—ምስ ኢሳ 53:10 ኣረኣኢ።
(ዘሌዋውያን 5:7) “‘ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣት ንመስዋእቲ በደሉ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ የምጽኣሉ።
ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርዳእ
እቲ ሕጊ፡ “ንበጊዕ ዚአክል ዓቕሚ እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ . . . ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ” ብምባል ሓልዮት የሆዋ የንጸባርቕ። (ቍጽሪ 7) ሓደ እስራኤላዊ፡ ኣዝዩ ድኻ ብምዃኑ በጊዕ ኬቕርብ እንተ ዘይክኢሉ እሞ ብዓቕሙ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ምስ ዚህብ፡ ኣምላኽ ባህ ኢልዎ ይቕበሎ ነበረ።
(ዘሌዋውያን 5:11) “‘ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫቚት ርግቢ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቱ ዚኸውን ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓጢኣት የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዓወሉ፡ ጻዕዳ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።
ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርዳእ
ሓደ ሰብ ክልተ ርግቢ ኬቕርብ ዘይክእል እንተ ዀይኑኸ፧ እቲ ሕጊ፡ “ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ [ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ኹባያ] ድኹም ሓርጭ የምጽእ” ይብል። (ቍጽሪ 11) የሆዋ ነቶም ኣዝዮም ድኻታት፡ ደም ዘይብሉ መስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርቡ ፈቒዱሎም ነበረ። ኣብ እስራኤል፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድኻ ብምዃኑ ነቲ ምስ ኣምላኽ ብምትዕራቕ ዚርከብ በረኸት ወይ ምስኡ ሰላም ናይ ምፍጣር ፍሉይ መሰል ኣይተርፎን ነበረ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 5:1) “‘ሓደ ሰብ ኪምስክር ጻውዒት ሰሚዑ ኼብቅዕ፡ ምስክር ክነሱ፡ ወይ ዝረኣየ ወይ ዝፈለጠ ኽነሱ፡ እንተ ዘይሓቢሩ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።
ካብ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተምሃር
14 ንመን እሙን ክትከውን ከም ዚግብኣካ ኽትውስን ከለኻ፡ ለውሃት ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ብንጹር ትፈልጥ ትኸውን። ምናዳ እቲ ሰብ እቲ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ወይ ቤተ ሰብካ ምስ ዚኸውን፡ ንዕኡ እሙን ክትከውን ከም ዚግብኣካ ይስምዓካ ይኸውን። ኣበሳኡ እንተ ሸፊንካሉ ግና፡ ንኣምላኽ እሙን ኣይትኸውንን ኢኻ። እወ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ቀዳምነት ኪውሃቦ ኣለዎ። ስለዚ፡ ከም ናታን፡ ለዋህ ግናኸ ጽኑዕ ኩን። ንዓርክኻ ወይ ንኣባል ቤተ ሰብካ፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደሊ ተማሕጸኖ። ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ በቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ተደሪኽካ፡ ነቲ ጕዳይ እቲ ንሽማግለታት ክትነግሮም ኣሎካ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንየሆዋ እሙን ኢኻ እትኸውን ዘለኻ፡ ንዓርክኻ ወይ ንኣባል ቤተ ሰብካ ኸኣ ትልውሃሉ ኢኻ ዘለኻ፣ ከመይሲ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ብልእመት እዮም ኬቕንዕዎ ዚጽዕሩ።—ዘሌዋውያን 5:1፣ ገላትያ 6:1 ኣንብብ።
(ዘሌዋውያን 5:15, 16) “ሓደ ሰብ ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ ነገር ብምሕጣእ እንተ ጠሊሙ፡ ንመስዋእቲ በደል ካብ መጓሰ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ እተገምገመሉ ሲቃል ብሩር ዝዋግኡ ጥዑይ ድዑል ንየሆዋ የምጽኣሉ። 16 ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መቕደስ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ይኽሓስ፡ ሓምሻይ ኣፍ ድማ ይወስኸሉ። እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ገይሩ ምእንቲ ኼተዓርቖ ኸኣ፡ ነቲ ኻህን ይሃቦ፣ ይቕረ ኺብሃለሉ ድማ እዩ።
it-1 1130 ¶2
ቅድስና
እንስሳታትን ፍርያትን። በዅሪ ዘበለ ብዕራይን በዅሪ ዘበለ በጊዕን በዅሪ ዘበለ ጤልን ንየሆዋ ኸም እተቐደሰ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ፣ ስለዚ፡ ኪብጀውዎ ነይርዎም። ንመስዋእቲ ኪኸውን፡ ገለ ኽፋሉ እውን ነቶም እተቐደሱ ኻህናት ኪውሃብ ነይርዎ። (ዘሁ 18:17-19) በዅሪ ፍረን ዕሽርን ከኣ ቅዱስ እዩ ነይሩ፣ ኵሉ መስዋእትን መባእን እውን ንኣገልግሎት መቕደስ እተቐደሰ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 28:38) ኵሉ እቲ ንየሆዋ እተቐደሰ ዘበለ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ ኣይነበሮን፣ ንተራ ኣገልግሎት ኪውዕል ወይ ኪረክስ እውን ኣይነበሮን። ሓደ ኣብነት፡ ብዛዕባ ዕሽር እተዋህበ ሕጊ እዩ። ሓደ ሰብ ንበል ካብ ስርናዩ ዕሽር ኪህብ እንተ መዲቡ፡ ድሕሪኡ ብዘይፍላጥ ንሱ ወይ ኣባል ቤተ ሰቡ ንገሊኡ ኻብኡ ወሲዱ ብእኡ ምግቢ እንተ ኣዳልዩ፡ እቲ ሰብ እቲ ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሱ በዳሊ እዩ ዚኸውን ነይሩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ ኸኣ፡ ካብ መጓሰኡ ጥዑይ ድዑል ኣብ ርእሲ ምስዋኡ፡ ኣብቲ መባእ 20 ሚእታዊት ወሲኹ ብምምጻእ ነቲ መቕደስ ኪኽሕሶ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ ዘበለ ቕዱስ ነገራት፡ ዓብዪ ኣኽብሮት የሕድሩ ነበሩ።—ዘሌ 5:14-16።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 4:27-5:4) “‘ሓደ ኻብቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ፡ ካብቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባር ከኣ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡ 28 ወይ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት እንተ ተፈሊጥዎ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቱ፡ ጥዕይቲ ኣርሕዶ የምጽእ። 29 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፣ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ኣብታ ቦታ እቲኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሕረዳ። 30 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የፍስሶ። 31 ከምቲ ስብሒ ኻብ መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ ድማ፡ ኵሉ እቲ ስብሓ ይፍለ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቆ፣ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ። 32 “‘ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ሽበን እንተ ኣምጺኡ ግና፡ ጥዕይቲ ሽበን የምጽእ። 33 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፣ ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሓርዱላ ቦታ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ። 34 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የፍስሶ። 35 ከምቲ ስብሒ ኻብ ገንሸል መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ፡ ንዅሉ እቲ ስብሓ ይፍለ እሞ፡ እቲ ኻህን ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ።
5 “‘ሓደ ሰብ ኪምስክር ጻውዒት ሰሚዑ ኼብቅዕ፡ ምስክር ክነሱ፡ ወይ ዝረኣየ ወይ ዝፈለጠ ኽነሱ፡ እንተ ዘይሓቢሩ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 2 “‘ወይ ሓደ ሰብ ገለ ርኹስ ነገር፡ ማለት ገምቢ ርኹስ እንስሳ ዘገዳም፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ዘቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር እንተ ተንክዩ፡ ብዘይፍላጥ እኳ እንተ ገበሮ፡ ርኹስ እዩ፡ በዳሊ ኸኣ ይኸውን። 3 ወይ ሓደ ብዘይፍላጥ ርኽሰት ሰብ፡ ማለት ኬርክሶ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ርኹስ ነገር እንተ ተንክዩ እሞ፡ እንተ ተፈሊጥዎ፡ በዳሊ ይኸውን። 4 “‘ወይ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ጽቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር ከይፈለጠ ብሃወኽ እንተ ምሒሉ፡ ብሃወኽ ከም ዝመሓለ ምስ ተፈለጦ፡ በዳሊ ይኸውን።
23-29 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 6-7
“መግለጺ ምስጋና”
(ዘሌዋውያን 7:11, 12) “‘ሕጊ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእቲ ሕብረት ድማ እዚ እዩ፦ 12 መግለጺ ምስጋና ኪኸውን እንተ ኣቕሪብዎ፡ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታትን ዘይቲ እተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐን እተለውሰን ዓንኬላዊ ቕጫታትን የቕርብ።
ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ
9 ካልኣይ ትምህርቲ፦ ንሕና ንየሆዋ፡ ካብቲ ንዕኡ ዘሎና ምስጋና ተላዒልና ኢና እነገልግሎ። ነዚ ንምጕላሕ፡ ነቲ ኣብ ጥንታዊ እስራኤል ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣገዳሲ ተራ ዝነበሮ መስዋእቲ ሕብረት እስከ ንመርምሮ። ሓደ እስራኤላዊ ኸም “መግለጺ ምስጋና” ገይሩ መስዋእቲ ሕብረት ኬቕርብ ይኽእል ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ተገሊጹ ኣሎ። (ዘሌ. 7:11-13, 16-18) ነዚ መስዋእቲ እዚ፡ ግዴታ ዀይንዎ ዘይኰነስ፡ ብድሌቱ እዩ ዚገብሮ ነይሩ። ስለዚ፡ እዚ መስዋእቲ እዚ እቲ ውልቀ ሰብ ንኣምላኹ የሆዋ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ዜቕርቦ መስዋእቲ ፍታው እዩ ነይሩ። እቲ ነዚ መስዋእቲ እዚ ዜቕርብ ሰብን እቶም ስድራ ቤቱን እቶም ካህናትን ከኣ ካብ ስጋ እቲ እተሰውአ እንስሳ ይበልዑ ነይሮም እዮም። ገሊኡ ኽፋላት እቲ መስዋእቲ ግና ንየሆዋ ጥራይ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ኣየናይ ክፋላት፧
(ዘሌዋውያን 7:13-15) ነቲ መስዋእቱ ምስ ዝበዅዐ ዓንኬላዊ እንጌራን ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዝዀነ መስዋእቲ ሕብረቱን የቕርቦ። 14 ካብ ኵሉ እዚ መስዋእትታት እዚ ሓሓደ ቕዱስ ግደ ንየሆዋ የቕርበሉ፣ እዚ ናይቲ ደም መስዋእቲ ሕብረት ዚነጽግ ካህን እዩ። 15 ስጋ እቲ መስዋእቲ ምስጋና ዝዀነ ናይ ሕብረት መስዋእቱ፡ በታ ዚስውኣላ መዓልቲ ይበላዕ። ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣየትርፍ።
ንኣምላኽ ባህ ዘበለ መስዋእትታት
15 ካልእ ብፍቓድ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 3 ተገሊጹ ዘሎ መስዋእቲ ምስጋና ኢዩ። እዛ ስያመ እዚኣ “መስዋእቲ ናይ ሰላም ወፈያታት” እውን ተባሂላ ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። ብእብራይስጢ እታ “ሰላም” እትብል ቃል ውግእ ወይ ዕግርግር ዘይምህላው ካብ ዝብል ትርጕም ንላዕሊ ዝሓዘት ኢያ። “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ኵነታት ወይ ርክብ ከም ዝህሉ ምግባር፡ ብልጽግና፡ ፍስሃ፡ ሓጐስ እውን ኢያ እተመልክት” ብምባል እታ ስታዲስ ኢን ዘ ሞዛይክ ኢኒስቲቱሽንስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ትገልጽ። ስለዚ፡ መስዋእቲ ምስጋና ዝቐርብ ዝነበረ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝህሉ ሰላም ውሕስነት ከም ዝህልዎ ንምግባር ዘይኰነስ፡ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዝረኸቡ ሰባት ነቲ በረኸት ዝዓሰሎ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ሰላማዊ ኵነታት ብዝምልከት ምስጋንኦም ንምግላጽ ወይ ንምጽምባል ኢዩ። እቲ ደምን ስብሕን ንየሆዋ ምስ ተሰውአ እቶም ካህናትን እቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ውልቀ-ሰብን ግዴኦም ይወስዱ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 3:17፣ 7:16-21፣ 19:5-8) ብዝምስጥን ብምሳልያውን ኣዘራርባ ንምግላጹ፡ እቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ውልቀ-ሰብ፡ እቶም ካህናት፡ ከምኡውን የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሓደ መኣዲ ይካፈሉ ነይሮም ማለት ኢዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ንዝነበረ ሰላማዊ ርክብ የመልክት።
(ዘሌዋውያን 7:20) “‘ረኺሱ ኸሎ ስጋ እቲ ንየሆዋ ዝዀነ መስዋእቲ ሕብረት ዝበልዐ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።
ንየሆዋ ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ምስጋና
8 ካብቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ እንታይ ኢዩ ዝድለ ዝነበረ፧ እቲ ሕጊ ዝዀነ ይኹን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቐርብ ሰብ ንጹህን ዘይረኸሰን ክኸውን ከም ዘለዎ ይገልጽ ነበረ። ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዝረኸሰ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበሮ ንጹህ ኣቕዋም ንምምላስ ከምኡውን እቲ ዘቕርቦ ዝሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ፡ መጀመርታ መስዋእቲ ሓጢኣት ወይ መስዋእቲ በደል ከቕርብ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 5:1-6, 15, 17) ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ሒዝካ ምንባር ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚብናዮዶ፧ ኣምልኾና ብኣምላኽ ተቐባልነት ክረክብ እንተድኣ ደሊና፡ ሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕስ ዝዀነ ይኹን ተግባር ንምእራሙ ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና። ካብቲ ኣምላኽ ንኽንሕገዝ ዝሃበና መገድታት ማለት ካብ ‘ሽማግለታት ማሕበርን’ ካብቲ ‘ናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ’ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ንምጥቃም ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና።—ያእቆብ 5:14፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 6:13) ሓዊ ወትሩ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ።
it-1 833 ¶1
ሓዊ
ምስቲ ማሕደርን ምስታ ቤተ መቕደስን ብእተተሓሓዘ። ኣብቲ ማሕደር፡ ደሓር ከኣ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ሓዊ ኣብ ኣምልኾ ቦታ ነይርዎ እዩ። ንግሆ ንግሆን ጽልግልግ ምስ በለን፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ መሰውኢ ዕጣን ይዓጥን ነይሩ እዩ። (ዘጸ 30:7, 8) ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ፡ እቲ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ዚነድድ ሓዊ ወትሩ ኺነድድ ነይርዎ። (ዘሌ 6:12, 13) ኣብ ስርዓት ኣይሁድ፡ እቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝነበረ ሓዊ፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝወልዖ ጌርካ ይእመነሉ እዩ፣ እዚ ሰፊሕ ተቐባልነት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ዘለዎ ግና ኣይኰነን። ኣብቲ የሆዋ ኣብ ፈለማ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ፡ ደቂ ኣሮን ነቲ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ቕድሚ ምንባሮም፡ ‘ሓዊ ኺኣጕዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕንጨይቲ ኺጽፍጽፉ’ ኣዚዝዎም ነይሩ። (ዘሌ 1:7, 8) ካብ ቅድሚ የሆዋ ዝመጸ ሓዊ፡ ምናልባት ካብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዝነበረ ደበና ዝመጸ ሓዊ፡ ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝነበረ መስዋእቲ ዝበልዖ፡ ድሕሪ ሽመት ክህነት ኣሮን እዩ፡ ማለት መስዋእትታት ሽመት ድሕሪ ምቕራቡ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ተኣምራዊ ሓዊ ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝነበረ ሓዊ ወሊዕዎ ዘይኰነስ፡ ‘ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን እዩ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ በሊዕዎ።’ እምበኣር፡ እቲ ኣብቲ መሰውኢ ዚነድድ ዝነበረ ሓዊ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ሓውን ካብቲ ኣቐዲሙ ዚነድድ ዝነበረ ሓውን ዝቐጸለ እዩ። (ዘሌ 8:14-9:24) ብተመሳሳሊ፡ ሰሎሞን ኣብ ወፈያ እታ ቤተ መቕደስ ጸልዩ ምስ ወድአ፡ ካብ የሆዋ ዝመጸ ተኣምራዊ ሓዊ ነቲ መስዋእትታት በሊዕዎ እዩ።—2ዜና 7:1፣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንመስዋእቲ ኣገልገልቱ ኪቕበል ከሎ ተኣምራዊ ሓዊ ዝወረደሉ ኻልእ ኣብነታት፡ ኣብ መሳ 6:21፣ 1ነገ 18:21-39፣ 1ዜና 21:26 ርአ።
(ዘሌዋውያን 6:25) “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፦ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ። ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።
si 27 ¶15
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቍጽሪ 3—ዘሌዋውያን
15 (3) ብዘይፍላጥ ወይ ብጌጋ ሓጢኣት ኪግበር ከሎ፡ መስዋእቲ ሓጢኣት ኪስዋእ ነይርዎ። እቲ ዚስዋእ ዓይነት እንስሳ ኸከም እቲ ዕርቂ ዚደሊ ሰብ ይፈላለ ነይሩ እዩ፣ ማለት ንኻህን፡ ንህዝቢ፡ ንሹም፡ ወይ ንተራ ሰብ ዚቐርብ መስዋእቲ በበይኑ እዩ ነይሩ። መስዋእቲ ሓጢኣት ከምቲ ብፍታው ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕብረት ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ግዴታ እዩ ነይሩ።—4:1-35፣ 6:24-30።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 6:1-18) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ሓደ ሰብ እንተ ሓጢኡ፡ ንየሆዋ ኸኣ እንተ ጠሊምዎ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብሕድሪ እተዋህቦ ወይ ምስኡ እተነብረ ነገር ንብጻዩ እንተ ኣታሊልዎ፡ ወይ ንብጻዩ እንተ ዘሚትዎ ወይ እንተ ዓሚጽዎ፡ 3 ወይ ገለ ዝጠፍአ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ እንተ ኢሉ፡ ብሓደ ኻብዚ ዝገበሮ ሓጢኣት እዚ ድማ ብሓሶት እንተ ምሒሉ፡ ከምዚ ይግበር፦ 4 ብምሕጣኡ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝሰረቖ፡ ወይ ነቲ ዝመንዝዖ፡ ወይ ነቲ ዓሚጹ ዝወሰዶ፡ ወይ ነቲ ሕድሪ እተዋህቦ፡ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡ 5 ወይ ነቲ ብዝዀነ ነገር ብሓሶት ዝመሓለሉ ይምለሶ፣ ምሉእ ብምሉእ ይኽሓስ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓምሻይ ኣፍ ይወስኸሉ። በታ በደሉ እተረጋገጸላ መዓልቲ፡ ንዋናኡ ይሃቦ። 6 ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ፡ ከምቲ እተገምገመሉ ጥዑይ ድዑል፡ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእቲ በደሉ ኪኸውን፡ ናብ ካህን የምጽእ። 7 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ፣ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ።” 8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘ሕጊ ዚሓርር መስዋእቲ እዚ እዩ፦ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ እቶን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ንግሆ ይኹን፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብቲ መሰውኢ ይንደድ። 10 እቲ ኻህን ወግዓዊ ኽዳን በፍታ ይከደን፣ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ድማ ስረ በፍታ ይግበር። ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ኸሎ ሓዊ ዝበልዖ ሓምዅሽቲ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ሓፊሱ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ የንብሮ። 11 ሽዑ፡ ክዳውንቱ ኣውጺኡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደን፣ ነቲ ሓምዅሽቲ ኸኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር፡ ናብ ጽሩይ ቦታ ይውሰዶ። 12 እቲ ሓዊ ኣብቲ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንጨይቲ የንድድ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሓርር መስዋእቲ ይስራዕ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ስብሒ መስዋእቲ ሕብረት የሕርር። 13 ሓዊ ወትሩ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። 15 “‘ሕጊ መስዋእቲ እኽሊ ድማ እዚ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ። ሓዲኦም ካብቲ ድኹም ሓርጭ መስዋእቲ እኽልን ካብቲ ዘይቱን ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ እኽሊ ዘሎ ጻዕዳ ዕጣንን ዕማዅ ወሲዱ፡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ ገይሩ ኣብቲ መሰውኢ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን የሕርሮ። 16 ነቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸም ቅጫ ይብልዕዎ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ይብልዕዎ። 17 ምስ ብኹዕ ከኣ ኣይሰንከት። ካብቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእተይ ዝሃብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደልን ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 18 ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይብልዓዮ። እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ እጃሞም ይኹን። ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ ኪቕደስ እዩ።’”
30 ሕዳር–6 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 8-9
“መርትዖ በረኸት የሆዋ”
(ዘሌዋውያን 8:6-9) ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም። 7 ወለል ዚብል ክዳን ኣልበሶ፡ ቅናት ከኣ ኣቐነቶ፡ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ድማ ከደኖ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ እሉም ዕጣቕ ኤፎድ ኣቐኒቱ ኸኣ ኣጸቢቑ ኣዕጠቖ። 8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ልብሲ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን ገበረሉ። 9 ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ኣንበረሉ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ መጠምጠምያ ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ወርቂ፡ እቲ ቕዱስ ምልክት ተወፋይነት ገበረሉ።
(ዘሌዋውያን 8:12) ኣብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣት ኣፍሰሰ፣ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ።
it-1 1207
ሽመት
ሙሴ ንኣሮንን ንደቁ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ኣብቲ ኣብ ኣጸድ ዚርከብ ገበራ ነሓሲ ሓጸቦም (ወይ ኪሕጸቡ ኣዘዞም)፣ ንኣሮን ከኣ እቲ ብሉጽ ክዳውንቲ ሊቀ ኻህናት ኣልበሶ። (ዘሁ 3:2, 3) በዚ ኸምዚ፡ ኣሮን ባህርያትን ሓላፍነታትን እቲ ስልጣኑ ዜመልክት ኣልባሳት ለበሰ። ድሕሪኡ፡ ሙሴ ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ገበራን ንኣቕሑኡን ቀብኦ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኪኸውን ተቐደሰ ወይ ተፈልየ። ኣብ መወዳእታ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ብምፍሳስ ቀብኦ።—ዘሌ 8:6-12፣ ዘጸ 30:22-33፣ መዝ 133:2።
(ዘሌዋውያን 9:1-5) ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። 2 ንኣሮን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ጥዑይ ንእሽቶ ምራኽ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ ሓደ ጥዑይ ድዑል ወሲድካ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕርቦም። 3 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ጥዑይ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓሓደ ዓመት ዝገበሩ ሓደ ጥዑይ ምራኽን ሓደ ጥዑይ ገንሸልን ውሰዱ፣ 4 መስዋእቲ ሕብረት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምስዋእ ከኣ ሓደ ብዕራይን ሓደ ድዑልን፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ መስዋእቲ እኽሊ እውን ውሰዱ፣ ከመይሲ፡ ሎሚ የሆዋ ኺርኣየኩም እዩ።’” 5 እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ወሰዱ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በለ።
it-1 1208 ¶8
ሽመት
ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ እቶም እተሸሙ ኻህናት ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁን እተሸሙን ብምዃኖም፡ ንህዝቢ እስራኤል ኣገልግሎት ዕርቂ ብምግባር ንፈለማ ግዜ (ብዘይ ሓገዝ ሙሴ) ሓላፍነቶም ፈጸሙ፣ እቲ ኣገልግሎት ዕርቂ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ህዝቢ እስራኤል ዝወረሶ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሞም ምራኽ ወርቂ ብምምላኾም ዝፈጸምዎ ተኣዛዝነትን እዚ ንየሆዋ ዘስዓበሉ ጓህን እዩ ኣድልዩ። (ዘሌ 9:1-7፣ ዘጸ 32:1-10) ኣብ መደምደምታ እቲ ሓድሽ እተሸመ ኽህነት ዝቐረበ ናይ ፈለማ ኣገልግሎት፡ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ሓዊ ብምስዳድ (ካብቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ዝነበረ ዓንዲ ደበና ኪኸውን ኣለዎ)፡ ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝተረፈ መስዋእቲ ድማ ብምብላዕ፡ ሓላፍነቶም ከም እተቐበሎ ኣረጋገጸ።—ዘሌ 9:23, 24።
(ዘሌዋውያን 9:23, 24) ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተዉ፣ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ መረቕዎ። ክብሪ የሆዋ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ፣ 24 ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ኸኣ፡ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም እውን ተደፍኡ።
ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ
13 ራብዓይ ትምህርቲ፦ የሆዋ ንምድራዊ ኽፋል ውድቡ ይባርኾ ኣሎ። ኣብ 1512 ቅ.ክ. እቲ ማሕደር ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ምስ ተተኽለ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። (ዘጸ. 40:17) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሙሴ ንስርዓት ሽመት ክህነት ኣሮንን ደቁን መርሖ። ህዝቢ እስራኤል ከኣ እቶም ካህናት ናይ መጀመርታ መስዋእቲ እንስሳታት ኬቕርቡ ኸለዉ ንምርኣይ፡ ተኣኪቦም ነበሩ። (ዘሌ. 9:1-5) የሆዋ ነቲ ሓድሽ ዘቘሞ ኽህነት ከም ዝሰመሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ ሙሴን ኣሮንን ነቲ ህዝቢ ምስ መረቕዎ፡ ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ መስዋእቲ በልዖ።—ዘሌዋውያን 9:23, 24 ኣንብብ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 8:6) ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም።
ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
6 ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናት ብኣካላዊ መዳይ ንጹሃት ንኪዀኑ እተዋህቦም ትእዛዝ፡ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። እቶም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሰባት፡ ቦታታት ኣምልኾና ጽሩይ ምዃኑ፡ ንሕና እውን ንጹህን ግቡእን ክዳን ከም እንኽደን መብዛሕትኡ እዋን የስተብህሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንጽህና እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናት፡ ናብቲ ኽብ ዝበለ ኸረን ኣምልኾ የሆዋ ኺድይብ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ “ንጹህ ዝልቡ” ኪኸውን ከም ዘለዎ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 24:3, 4 ኣንብብ፣ ኢሳ. 2:2, 3) እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት፡ ብንጹህ ኣእምሮን ልብን ኣካልን ኪቐርብ ኣለዎ። ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስና ብተደጋጋሚ ኽንምርምራ፡ ኣገዳሲ ለውጢ ኽንገብር እንተ ኣድልዩ ኸኣ፡ ለውጢ ጌርና ቕዱሳት ክንከውን ኣሎና። (2 ቈረ. 13:5) ንኣብነት፡ ደይመደይ ኢሉ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ እተጠምቀ ክርስትያን፡ ‘ብቕድስና ድየ ዝመላለስ ዘለኹ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትታ ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጽዩፍ ተግባር ምእንቲ ኼቋርጾ፡ ሓገዝ ኪሓትት ኣለዎ።—ያእ. 5:14።
(ዘሌዋውያን 8:14-17) ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ። 15 ሙሴ ኸኣ ሓረዶ እሞ፡ ነቲ ደም ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ለኸዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሆ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ፣ ኣብኡ ንምትዕራቕ ከኣ ቀደሶ። 16 ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምዑት ዝነበረ ስብሕን ስብሒ ጸላም ከብድን ክልቲአን ኵሊት ምስ ስብሐንን ድማ ወሰደ፣ ሙሴ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 17 ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን ከኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
it-2 437 ¶3
ሙሴ
ኣምላኽ ንሙሴ፡ ኣብቲ ምስ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን ሕጊ መንጎኛ ገይሩ ኣቚምዎ እዩ። እዚ ሓላፍነት እዚ ብዘይካ እቲ መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ ሰብ ዘይረኸቦ ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ቅርርብ ዚሓትት ቦታ እዩ። ሙሴ ብደም መስዋእቲ እንስሳ ገይሩ ኣብቲ መጽሓፍ ኪዳን ነጸገ፣ ኣብቲ ኺዳን ዚኣትዉ ኸኣ፡ የሆዋ ብሓደ “ወገን፡” እቶም ህዝቢ (ተወከልቲ ዝዀኑ ዓበይቲ ኪዀኑ ኣለዎም) እውን ብኻልእ “ወገን” እዮም ነይሮም። ነቶም ህዝቢ፡ እቲ መጽሓፍ ኪዳን ምስ ኣንበበሎም ድማ፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ። (ዘጸ 24:3-8፣ እብ 9:19) ሙሴ መንጎኛ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ንድፊ ገይሩ ነቲ ማሕደርን ኣቕሑኡን ከም ዚስራሕ ናይ ምግባር፡ ነቲ ኽህነት ናይ ምሻም፡ ነቲ ማሕደርን ንኣሮን እቲ ሊቀ ኻህናትን ብፍሉይ ተቐሚሙ ብእተዳለወ ዘይቲ ናይ ምቕባእ ሓላፍነት ነይርዎ እዩ። እቲ ሓድሽ ክህነት ምስ ቈመ ድማ ነቲ ፈለማ እተገብረ ወግዓዊ ኣገልግሎት ብሓላፍነት ተኸታቲሉ እዩ።—ዘጸ ምዕ 25-29፣ ዘሌ ምዕ 8, 9።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 8:31-9:7) ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ኣነ፡ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ተባሂለ እተኣዘዝኩ፡ ነቲ ስጋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብስልዎ እሞ፡ ምስቲ ኣብ መሶብ ሽመት ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ብልዕዎ። 32 ካብቲ ስጋን ካብቲ እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ። 33 ካህናት ኴንኩም ክትሽየሙ ሸውዓተ መዓልቲ ስለ ዚወስድ፡ መዓልትታት ሽመትኩም ክሳዕ ዚመልኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ። 34 ንምትዕራቕኩም ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዝገበርናዮ ኽንገብር፡ የሆዋ ኣዚዙ እዩ። 35 ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ሸውዓተ መዓልቲ፡ መዓልትን ለይትን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ጽንሑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎኩም ግዴታ ኸኣ ፈጽሙ።” 36 ኣሮንን ደቁን ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ነገር ገበሩ።
9 ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። 2 ንኣሮን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ጥዑይ ንእሽቶ ምራኽ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ ሓደ ጥዑይ ድዑል ወሲድካ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕርቦም። 3 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ጥዑይ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓሓደ ዓመት ዝገበሩ ሓደ ጥዑይ ምራኽን ሓደ ጥዑይ ገንሸልን ውሰዱ፣ 4 መስዋእቲ ሕብረት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምስዋእ ከኣ ሓደ ብዕራይን ሓደ ድዑልን፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ መስዋእቲ እኽሊ እውን ውሰዱ፣ ከመይሲ፡ ሎሚ የሆዋ ኺርኣየኩም እዩ።’” 5 እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ወሰዱ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በለ። 6 ሙሴ ኸኣ፡ “ክብሪ የሆዋ ምእንቲ ኺርኣየኩም፡ እቲ የሆዋ ኽትገብርዎ ዝኣዘዘኩም እዚ እዩ” በለ። 7 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ናብቲ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሓርር መስዋእትኻን ኣቕርብ እሞ፡ ንርእስኻን ንቤትካን ኣተዓርቕ፣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ እውን፡ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕርብ እሞ፡ ኣተዓርቆም” በሎ።