“ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ”
“ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡”—ምሳ. 3:5።
1, 2. (ሀ) እንታይ ኵነታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ (ለ) ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ወይ ከኣ ፈተናታት ንምስናፍ ክንቃለስ ከለና፡ ኣብ መን ኢና ኽንጽጋዕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
ኣስራሒ ሲንትያa ንገለ ኽፍልታት ኩባንያኡ ዓጽዩ፡ ንእተወሰኑ ሰራሕተኛታቱ ኻብ ስራሕ ኣሰናበቶም። ሲንትያ ንሳውን ቀጺላ ኸም እትሰናበት ኰይኑ ተሰምዓ። ካብ ስራሕ እንተ ወጺኣ እንታይ እያ ኽትገብር፧ ንወጻኢታታ ኸመይ ገይራ እያ ኽትሽፍን፧ ፓሜላ እተባህለት ክርስትያን ሓብቲ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ዓዲ ኽትግዕዝ ደለየት፡ ግናኸ ኽትግዕዝ ኣለዋዶ፡ የብላን፧ ሳሙኤል እተባህለ መንእሰይ ድማ ካልእ ዜተሓሳስቦ ነገር ኣለዎ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ስእለ ጽዩፍ ይርኢ ነበረ። ሕጂ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኰይኑ፡ ናብቲ ልምዲ እቲ ንኺምለስ ኣጸቢቑ እዩ ዚፍተን ዘሎ። ነዚ ፈተና እዚ ብኸመይ እዩ ኼሰንፎ ዚኽእል፧
2 ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ወይ ድማ ፈተናታት ንምስናፍ ክትቃለስ ከለኻ፡ ኣብ መን ኢኻ እትጽጋዕ፧ ኣብ ርእስኻ ጥራይ ዲኻ እትውከል ወይስ ‘ጾርካ ናብ የሆዋ ትድርብዮ’ ኢኻ፧ (መዝ. 55:22) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” ብምባል ይገልጽ። (መዝ. 34:15) ነቲ ብምሉእ ልብና ኣብ የሆዋ ኽንውከል፡ ኣብ ልቦናና ድማ ከይንጽጋዕ እተዋህበና ምኽሪ ኽንትግብሮስ ኣየ ኽንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—ምሳ. 3:5።
3. (ሀ) ኣብ የሆዋ ኸም እንእመን ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ገሊኣቶም ኣብ ልቦናኦም ንኺጽግዑ ዚቐሎም ስለምንታይ እዩ፧
3 ብምሉእ ልብና ኣብ የሆዋ ኸም እንእመን ከነርኢ እንኽእል፡ ዝዀነ ይኹን ነገራት ክንገብር ከለና ብመገዲ የሆዋ ምስ እንገብሮ እዩ። ነዚ ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል ከኣ ኣዘውቲርና ናብ የሆዋ ብምጽላይን መምርሒ ንኺህበና ልባዊ ልመና ብምቕራብን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሓያሎ ሰባት ብምሉእ ልቦም ናብ የሆዋ ምጽጋዕ የጸግሞም እዩ። ንኣብነት፡ ሊን እተባህለት ሓብቲ፡ “ምሉእ እምንቶይ ኣብ የሆዋ ንኺገብር ንነዊሕ እዋን ቃልሲ ዀይኑኒ እዩ” በለት። ስለምንታይ፧ ኣስዒባ ኽትገልጽ ከላ፡ “ምስ ኣቦይ ርክብ የብለይን፡ ኣደይ እውን እንተ ዀነት ስምዒታዊ ዀነ ኣካላዊ ሓልዮት ኣይተርእየንን እያ። ስለዚ ድማ ቀልጢፈ ባዕለይ ንርእሰይ ክሓልየላ ጀመርኩ” በለት። እዚ ዅነታት እዚ ድማ፡ ኣብ ዋላ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይትእመን ገበራ። ንሓደ ሰብ ክእለቱን እቲ ዝረኸቦ ዓወትን እውን ኣብ ርእሱ ጥራይ ከም ዚውከል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ሓደ ሽማግለ ንጉባኤ ዚምልከት ነገራት ኪፍጽም ከሎ፡ ኣቐዲሙ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ኣብ ክንዲ ዚቐርብ፡ ኣብ ተመክሮኡ ጥራይ ይምርኰስ ይኸውን።
4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
4 የሆዋ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር ልባዊ ጻዕሪ ኽንገብርን ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ይደልየና እዩ። ነቲ ዜጨንቐና ኣሸጋሪ ነገራት መዓስ ናብ የሆዋ ኽንድርብዮ ኸም ዘሎናን መዓስ ባዕልና ንኽንፈትሖ ኢልና ኽንጽዕር ከም ዘሎናን ብኸመይ ንፈልጥ፧ ውሳነታት ክንገብር ከለና ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ ብፈተናታት ንኸይንስነፍ ክንቃለስ ከለና ጸሎት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብነታት ብምውሳድ ክንምርምረን ኢና።
ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ
5, 6. ንጉስ ኣሶር ንህዝቅያስ ምስ ኣፈራርሆ፡ ህዝቅያስ እንታይ ገበረ፧
5 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ “ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛቱውን ሐለወ” ይብል። እወ፡ ህዝቅያስ፡ “ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተአመነ።” (2 ነገ. 18:5, 6) ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር፡ ንረብሳቄ ሓዊሱ ወኪላትን ገዚፍ ሰራዊትን ናብ የሩሳሌም ምስ ለኣኸ ህዝቅያስ እንታይ እዩ ገይሩ፧ እቲ ሓያል ሰራዊት ኣሶር ሓያሎ ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ሒዙ ነበረ፣ ሰናክሪብ ቀጺሉ ንየሩሳሌም ዓይኑ ኣውደቐላ። ሽዑ፡ ህዝቅያስ ናብ ቤት የሆዋ ኸደ እሞ፡ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ንልምነካ አሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና” ኢሉ ኺጽሊ ጀመረ።—2 ነገ. 19:14-19።
6 ህዝቅያስ ምስ ጸሎቱ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ወሰደ። ኪጽሊ ናብ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምኻዱ እውን ከይተረፈ፡ ነቶም ህዝቢ ንረብሳቄ ኸይምልሱሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ምኽሪ ምእንቲ ኽረክብ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ልኡኻት ልኢኹ እዩ። (2 ነገ. 18:36፣ 19:1, 2) እወ፡ ህዝቅያስ ኪገብሮ ዚኽእል ነገራት ገይሩ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ መፍትሒ ንምርካብ ኢሉ ኻብ ግብጺ ወይ ካብተን ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ሃገራት ሓገዝ ብምድላይ ምስ ፍቓድ የሆዋ ዘይሰማማዕ ነገራት ኪገብር ኣይጸዓረን። ኣብ የሆዋ ደኣ ተኣመነ እምበር፡ ኣብ ልቦናኡ ኣይተጸግዐን። መልኣኽ የሆዋ 185,000 ወተሃደራት ሰናክሪብ ምስ ቀተለ፡ ሰናክሪብ፡ “ሠራዊቱ ስሒቡ” ናብ ነነዌ ተመለሰ።—2 ነገ. 19:35, 36፣ ትርጕም 1990።
7. ካብቲ ሃናን ዮናስን ዝጸለይዎ ጸሎት እንታይ ምጽንናዕ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
7 ካልእ ኣብነታት ከኣ ንርአ። ሃና፡ ሰበይቲ ኤልቃና እቲ ሌዋዊ፡ ውሉድ ክትወልድ ብዘይምኽኣላ ኣዝያ ምስ ተጨነቐት ናብ የሆዋ ተጸግዐት። (1 ሳሙ. 1:9-11, 18) ነብዪ ዮናስ እውን፡ “ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱ ኸአ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ” ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ካብ ከብዲ ዓሳ ወጺኡ እዩ። (ዮና. 2:2, 3, 10) ንሕና እውን፡ ኵነታትና ኽሳዕ ክንደይ ኣሸጋሪ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሞገሱ ንኽንረክብ ናብ የሆዋ ‘ኽንምህለል’ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 55:1, 16 ኣንብብ።
8, 9. ህዝቅያስን ሃናን ዮናስን ኣብ ጸሎቶም ዝያዳ ኣገዳስነት ዝሃብዎ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧
8 ካብቲ ህዝቅያስን ሃናን ዮናስን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ኣብ እዋን መከራ ኽንጽሊ ኸለና፡ እንታይ ክንርስዕ ከም ዘይብልና ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ሰለስቲኦም ዜጨንቕ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞም ይሳቐዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብ ጸገማቶም ንምንጋፍ ኢሎም ጥራይ ብዘይ ምጽላዮም፡ ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ይግደሱ ኸም ዘይነበሩ ኣርእዮም እዮም። ስም ኣምላኽን ኣምልኾ የሆዋን ፍቓዱ ምግባርን እዩ ዝያዳ ዜገድሶም ነይሩ። ህዝቅያስ፡ ስም የሆዋ ስለ እተጸርፈ ጕህዩ ነይሩ እዩ። ሃና ነቲ ኣዝያ ዝበሃገቶ ውሉድ፡ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር ንኼገልግል ክትውፍዮ ተመባጽዐት። ዮናስ፡ “ነቲ እተማባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ” በለ።—ዮና. 2:10።
9 ካብ ጸበባ ንኽንድሕን ክንጽሊ ኸለና፡ ድራኸና እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኣሎና። ካብ ጸገማትና ንኽንገላገል ጥራይ ድዩ ዜተሓሳስበና ወይስ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን እውን ንሓስብ ኢና፧ ስቓይ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ኢልና ኣብ ኵነታትና ጥራይ ከም እነቕልብ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ሓገዝ ንኽንረክብ ክንጽሊ ኸለና፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ምቕዳስ ስሙን ኣብ ምርግጋጽ ልዑላውነቱን ነተኵር። ከምዚ ምግባርና ድማ፡ ዋላ እኳ መፍትሒ እንተ ዘይረኸብና፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኽንሕዝ ኪሕግዝ እዩ። የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ንጸሎትና ዚምልሶ፡ ነቲ ዅነታት ንኽንጽመሞ ዜኽእል ሓይሊ ብምሃብ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 40:29፣ ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።
ውሳነታት ክትገብር ከለኻ
10, 11. ዮሳፋጥ ዓቕሊ ዜጽብብ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞ እንታይ እዩ ገይሩ፧
10 ኣገዳሲ ውሳነታት እትገብር ብኸመይ ኢኻ፧ ምናልባት ኣቐዲምካ ወሲንካ ኸተብቅዕ፡ ድሕሪኡ ንውሳነኻ የሆዋ ኺባርኸልካ ዲኻ እትጽሊ፧ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ሰራዊት ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን ሓቢሮም ኪዋግእዎ ምስ መጹ እንታይ ከም ዝገበረ ንርአ። ህዝቢ ይሁዳ ነቶም ጸላእቲ ኺምክትዎም ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። እሞኸ ደኣ ዮሳፋጥ እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዮሳፋጥ ፈርሄ እሞ ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ገጹ መለሰ” ይብል። ዮሳፋጥ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ ጾም ኣዊጁ፡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ” ኣከቦም። ኣብ ማሕበር ይሁዳን የሩሳሌምን ደው ኢሉ ድማ፡ “ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ፧ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ አለዋ” ኢሉ ጸለየ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንጸሎት ዮሳፋጥ ሰሚዑ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣድሓኖም። (2 ዜና 20:3-12, 17) ንሕና እውን፡ ብፍላይ ንመንፈሳውነትና ዚትንክፍ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ኣብ ልቦናና ኣብ ክንዲ እንጽጋዕ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከልዶ ኣይኰነን ዚግብኣና፧
12, 13. ንጉስ ዳዊት ውሳነ ብዛዕባ ምግባር እንታይ ኣብነት እዩ ሰሪዑ፧
12 ንገሊኡ ዅነታት፡ ምናልባት ኣብ ሕሉፍ ተመክሮና ብምምርኳስ ብቐሊሉ ኽንፈትሖ ኸም እንኽእል ኰይኑ ምስ ዚስምዓና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብነት ንጉስ ዳዊት ኣብዚ መዳይ እዚ ንኸነስተውዕል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣማሌቃውያን ንኸተማ ጺቅላግ ምስ ወረርዋ፡ ነቶም ዳዊትን ሰቡን ኣብ ገዛ ዝገደፍዎም ኣንስትን ደቅን ማረኽዎም። ዳዊት ንየሆዋ፡ “ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ” ኢሉ ጠየቖ። የሆዋ ድማ፡ “ብርግጽ ከተርክቦም፡ ብርግጽውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፡ ስዐቦም” ኢሉ መለሰሉ። ዳዊት ንየሆዋ ሰሚዑ ብምኻድ፡ “ነቲ ኣማሌቃውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ዅሉ ኣምለሶ።”—1 ሳሙኤል 30:7-9, 18-20።
13 ካብቲ ኣማሌቃውያን ዝዘመትሉ እዋን ገለ ግዜያት ጸኒሑ ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ደየብዎም። ዳዊት ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ንየሆዋ ሓተቶ፡ ንጹር መልሲ ኸኣ ተዋህቦ። ኣምላኽ ንዳዊት፡ “ደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ” በሎ። (2 ሳሙ. 5:18, 19) ድሕርዚ ቝሩብ ጸኒሑ፡ ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪዋግእዎ ኸም ብሓድሽ ደየቡ። ኣብዚ ግዜ እዚኸ እንታይ ገበረ፧ ‘ቅድሚ ሕጂ ኽልተ ግዜ ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጢሙኒ እዩ። ከምቲ ሽዑ ዝገበርክዎ ሕጂ እውን ንጸላእቲ ኣምላኽ ከይደ ኺዋግኦም ኣሎኒ’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል ነይሩ እዩ። እሞኸ፡ ከምኡ ድዩ ገይሩ፡ ወይስ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኺረክብ እዩ ሓቲቱ፧ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮኡ ኣይተወከለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እንደገና ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀረበ። ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሱ ይኸውን! ከመይሲ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ፍልይ ዝበለ መምርሒ እዩ ተዋሂብዎ። (2 ሳሙ. 5:22, 23) ንሕና እውን ቅድሚ ሕጂ እተመከርናዮ ዅነታት ወይ ጸገም ምስ ዜጋጥመና፡ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮና ጥራይ ከይንምርኰስ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።
14. ካብቲ እያሱን ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ጊብዖናውያን ዝገበርዎ ርክብ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧
14 ኵላትና፡ እንተላይ እቶም ምኩራት ሽማግለታት፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ውሳነታት ክንገብር ከለና ኻብ የሆዋ መምርሒ ኻብ ምድላይ ከይንቝጠብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ጊብዖናውያን ብጕርሒ መልክዖም ብምቕያርን ካብ ርሑቕ ሃገር ከም ዝመጹ ብምምሳልን ናብቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱን ናብ ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ርአ። እያሱን እቶም ካልኦትን ንየሆዋ ኸይሓተቱ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ምስ ጊብዖናውያን ሰላም ገበሩ፡ ኪዳን ድማ ኣተዉሎም። ሽሕኳ የሆዋ ነቲ ስምምዕ እንተ ደገፎ፡ ነቲ እያሱን ሰቡን መምርሒኡ ብዘይምድላዮም ዝገበርዎ ስሕተት ንጥቕምና ኢሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ።—እያ. 9:3-6, 14, 15።
ብፈተናታት ንኸይትስነፍ ክትቃለስ ከለኻ
15. ብፈተናታት ንኸይትስነፍ ጸሎት ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ግለጽ።
15 ኣብ ኣካላትና “ሕጊ ሓጢኣት” ስለ ዘሎ፡ ምስቲ ሕማቕ ባህግታትና ኽንቃለስ ኣሎና። (ሮሜ 7:21-25) ኣብዚ ቓልሲ እዚ ኽንዕወት ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ የሱስ ንሰዓብቱ ብፈተናታት ምእንቲ ኸይስነፉ ጸሎት ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ነጊርዎም እዩ። (ሉቃስ 22:40 ኣንብብ።) ምስ ጸለና እውን ከይተረፈ፡ ሕማቕ ባህግታት ወይ ሓሳባት እንተ መጺኡና፡ ኣምላኽ ነዚ ፈተና እዚ ንኸነሰንፎ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ደጋጊምና ‘ኽንልምኖ’ ኣሎና። ከመይሲ፡ ንሱ “ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ” እዩ። (ያእ. 1:5) ያእቆብ፡ “ኣብ ማእከልኩምከ [ብመንፈስ] ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኣሎ።—ያእ. 5:14, 15።
16, 17. ብፈተናታት ንኸይንስነፍ ሓገዝ ምስ ዜድልየና፡ መዓስ እንተ ጸለና እዩ ዝሓሸ ዚኸውን፧
16 ብፈተናታት ንኸይትስነፍ ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ መዓስ ክንጽሊ ኸም ዘሎና እውን ክንፈልጥ የድሊ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሳሌ 7:6-23 ተጠቒሱ ዘሎ መንእሰይ እሞ ሕሰብ። ምድሪ ጽልግልግ ምስ በለ፡ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ናብ እትነብረሉ ጐደና ኪኸይድ ጀመረ። ብዘረባኣ ተጠቢሩ፡ በቲ ልዙብ ከናፍራ ድማ ተሳሒቡ ኸምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ ሰዓባ። እዚ መንእሰይ እዚ ስለምንታይ እዩ ናብኡ ኸይዱ፧ “ልቢ ዜብሉ፡” ዓሻ ስለ ዝነበረ፡ ሕማቕ ባህግታት እናመጸ የሸግሮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ምሳ. 7:7) እዚ መንእሰይ እዚ መዓስ እንተ ዚጽሊ ነይሩ እዩ ብዝያዳ ኺጥቀም ዚኽእል ዝነበረ፧ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኸተዘራርቦ ኸላ እንተ ዚጽሊ ነይሩ፡ ኪጥቀም ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ብዝበለጸ ግና፡ ናብቲ ጐደና ንኪኸይድ ኪሓስብ ኪጅምር ከሎ እንተ ዚጽሊ ነይሩ፡ ብዝያዳ ምተጠቕመ።
17 ሎሚ ሓደ ሰብ፡ ስእለ ጽዩፍ ንኸይርኢ ይጽዕር ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ወብ ሳይት ኣትዩ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ወይ ቪድዮታት ኪርኢ ሓሲቡ ንበል። ኵነታቱ ምስ ኵነታት እቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 ተጠቒሱ ዘሎ መንእሰይ ኣይመሳሰልንዶ፧ እዚ ሰብ እዚ እውን ብሓደገኛ ጐደና እዩ ኺጐዓዝ ዚጅምር ዘሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ስእለ ጽዩፍ ንኺርኢ ዚፍተን ሰብ፡ በዚ ምእንቲ ኸይስነፍ ኣብ ኢንተርነት ኣትዩ ናብቲ ጐደና ቕድሚ ምኻዱ ሓገዝ የሆዋ ንኺረክብ ኪጽሊ ኣለዎ።
18, 19. (ሀ) ብፈተናታት ንኸይትስነፍ እትገብሮ ቓልሲ በዳሂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ በድሆ እዚ ኸተሰንፎ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
18 ብፈተናታት ወይ ብሕማቕ ባህግታት ንኸይትስነፍ እትገብሮ ቓልሲ ቐሊል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ” ኢሉ ጸሓፈ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ‘ነቲ እንደልዮ ኣይንገብርን’ ኢና። (ገላ. 5:17) ነዚ ብድሆ እዚ ምእንቲ ኸነሰንፎ እምበኣር፡ ሕማቕ ሓሳባት ወይ ፈተናታት ኪመጸና ኸሎ ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ኣሎና፣ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ድማ ክንዓዪ የድሊ። ‘ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓናን እዩ፣’ ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ ተኣማንነትና ሓሊና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 10:13።
19 የሆዋ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ወይ ድማ ብፈተናታት ንኸይንስነፍ ክንቃለስ ከለና፡ ክንጥቀመሉ እንኽእል ክቡር ውህበት ሂቡና ኣሎ። እዚ ውህበት እዚ ኸኣ ጸሎት እዩ። በዚ መሰናድዎ እዚ ኣቢልና ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ነርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ነቲ ዚመርሓናን ዜበርትዓናን መንፈስ ቅዱሱ ምእንቲ ኺህበና ኣዘውቲርና ኽንልምኖ ኣሎና። (ሉቃ. 11:9-13) ወትሩ ድማ፡ ኣብ የሆዋ ደኣ ንተኣመን እምበር፡ ኣብ ልቦናና ኣይንጸጋዕ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።
ትዝክሮዶ፧
• ኣብ የሆዋ ብዛዕባ ምውካል ካብ ህዝቅያስን ሃናን ዮናስን እንታይ ተማሂርካ፧
• ውሳነታት ክንገብር ከለና ጥንቃቐ ኸም ዚሓትት ካብቲ ዳዊትን እያሱን ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ንመሃር፧
• ብዛዕባ ፈተናታት ብፍላይ መዓስ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ብፈተናታት ንኸይንስነፍ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ፡ ጸሎት ዝያዳ ጠቓሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧