ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
“ደጊ ሰበይቲ”
ሩት ኣብ ጥቓ እቲ ኽትእክቦ ዝወዓለት እንዳእትታት ተምበርከኸት። ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ይመሲ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ዓጻዶ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኣብ ኵድዅዶ እትርከብ ከተማ ገጾም የምርሑ ነበሩ። ሩት ካብ ንግሆ ጀሚራ ኸየቋረጸት ክትሰርሕ ስለ ዝወዓለት፡ ክሳዕ ክንደይ ደኺማ ኸም ዝነበረት ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዕዮኣ ኣየቋረጸትን፣ ብመሻቘጢ ገይራ ነቲ ዝኣከበቶ እኽሊ ዘበጠቶ። ዕዮኣ ብሓቂ ኣድካሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብቲ ዝሓሰበቶ ንላዕሊ ሰሊጥዋ እዩ ውዒሉ።
እዛ መንእሰይ ዝነበረት መበለት፡ ኵነታታ እናተመሓየሸ ድዩ ዚኸይድ ነይሩ፧ ካብታ ናእሚ ዝስማ ሓማታ ኸም ዘይትፍለን ነቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ናእሚ፡ ኣምላኻ ኸም እትገብሮን መብጽዓ ብምእታው፡ ምስ ሓማታ ለገበት። እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚአን ብሓባር ኰይነን ካብ ሞኣብ ናብ ቤት-ልሄም መጻ፣ ሩት እታ ሞኣባዊት ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ሕጊ የሆዋ ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ድኻታትን ጓኖትን ዚጠቅም ግብራውን ክብረት ሰብ ዚሕሉን መሰናድዎ ኸም ዜጠቓልል ፈለጠት።a ገሊኦም ነቲ ሕጊ ዜኽብርዎን ብእኡ ዝሰልጠኑን ህዝቢ የሆዋ፡ ነቲ ተሰቢሩ ዝነበረ ልቢ ሩት ዚጽግን መንፈሳውነትን ለውሃትን ኣርእዮም እዮም።
ሓደ ኻባታቶም ቦኣዝ እዩ ነይሩ፣ እቲ ሩት እትቕርመሉ ዝነበረት ግራት ድማ፡ ናይዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ እዩ ነይሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቦኣዝ ንሩት፡ ኣባታዊ ሓልዮት ኣርእይዋ እዩ። ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ናእሚ ስለ እተኸናኸነታን ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ስለ እተዓቝበትን ምስ ነኣዳ፡ ነቲ ቓላቱ ዘዘኪራ ፍሽኽ ትብል ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።—ሩት 2:11-13።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዚጽበያ ዝነበረ ናብራ ህይወት ኣተሓሳሲብዋ ኪኸውን ኣለዎ። መበለትን ውሉድ ዘይብላን ድኻ ስደተኛ ኸም ምዃና መጠን፡ ንገዛእ ርእሳን ንናእሚን ብኸመይ እያ ኽትከናኸን እትኽእል፧ በቲ እትቕርሞ እኽሊ ጥራይ ኪናበራ ይኽእላ ድየን፧ ብዕድመ ምስ ደፍአትከ ንዓኣ መን ኣለይ መለይ ኪብላ እዩ፧ እዚ ነገራት እዚ እንተ ኣሻቐላ ዜገርም ኣይኰነን። ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ብቝጠባዊ መዳይ ኣጸጋሚ ዝዀነ እዋናት፡ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ዓይነት ጕዳያት የጨንቖም እዩ። ይኹን እምበር፡ እታ ንሩት ዝነበረታ እምነት ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ብኸመይ ከም ዝሓገዘታ ምስ መርመርና፡ ኣስኣሰር እምነታ ኸም እንስዕብ ዚገብረና ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና።
ስድራ ቤት ዚብሃል፡ ከመይ ዝበለ እዩ፧
ሩት ነቲ እኽሊ ዘቢጣ ብሓደ ምስ ኣከበቶ፡ ሓደ ኤፋ ስገም (ማዕረ 22 ሊትሮ) ከም ዝቐረመት ፈለጠት። እቲ ሸኽማ፡ 14 ኪሎ ግራም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ እኽሊ ብኽዳን ጠቕሊላ ኣብ ርእሳ ጾይራቶ ድማ፡ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ ናብ ቤት-ልሄም ገጻ ኣምርሐት።—ሩት 2:17።
ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ ምስ ረኣየታ ኣዝያ ተሓጐሰት፣ በቲ ሩት ተሰኪማቶ ዝመጸት እኽሊ ስገም ድማ ተገሪማ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሩት ካብቲ ቦኣዝ ኣብ እዋን ምሳሕ ዝሃባ ምግቢ ነቲ ዘትረፈቶ ሒዛ መጺኣ ስለ ዝነበረት፡ ናእሚን ሩትን ብሓባር ኰይነን በልዓ። ሽዑ ናእሚ ንሩት፡ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ፧ ኣበይከ ዐዪኺ፧ እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን” በለታ። (ሩት 2:19) ናእሚ ኣስተውዓሊት እያ ነይራ፣ ሩት ክንድኡ ዝምብዝሑ እኽሊ ሒዛ ኽትመጽእ ዝኸኣለት፡ ሓደ ሰብ ስለ ዝለውሃላ ምዃኑ ተገንዚባ ነበረት።
ናእሚን ሩትን ኣፍ ንኣፍ ገጢመን ኬዕልላ ጀመራ፣ ሩት ድማ ንናእሚ ብዛዕባ እቲ ቦኣዝ ዝገበረላ ለውሃት ነገረታ። ናእሚ በዚ ተደሪኻ፡ “ንሱ ንህያዋንን ንምዉታንን ምሕረቱ ዘይገደፈ፡ እግዚኣብሄር ይባርኮ” በለት። (ሩት 2:19, 20) ነቲ ቦኣዝ ዝገበሮ ለውሃት፡ ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ገይራ እያ ርእያቶ፣ የሆዋ ንኣገልገልቱ ለጋሳት ኪዀኑ ይድርኾም እዩ፣ በቲ ዝገበርዎ ለውሃት ከም ዚባርኾም ድማ ተመባጺዑ ኣሎ።b—ምሳሌ 19:17።
ናእሚ ንሩት፡ ዓጻዶ ምእንቲ ኸየሸግርዋ፡ ከምቲ ቦኣዝ ዝበላ ኣብ ግራቱ ኽትቅርምን ምስተን ግዙኣቱ ኽትለግብን ነገረታ። ሩት ከኣ ከምቲ እተነግራ ገበረት። “ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።” (ሩት 2:22, 23) እዘን ቃላት እዚአን፡ ነታ ሩት ዘርኣየታ እተደንቕ ባህርይ፡ ማለት ነታ ብተኣማንነት ዘርኣየታ ፍቕሪ እየን ዚገልጻልና። እቲ ንሳ ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ንስድራ ቤትና ነኽብሮምን ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ብተኣማንነት ንድግፎምን ኬድልዮም ከሎ ኸኣ ንሕግዞምን እንተ ዄንና ርእስና ንኽንምርምር እዩ ዚድርኸና። የሆዋ ነታ ብተኣማንነት ተደሪኽና እነርእያ ፍቕሪ የስተብህለላ እዩ።
ናእሚን ሩትን ከም ስድራ ቤት ኪቝጸራ ይኽእላ ነይረን ድየን፧ ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ውሉዳትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዘይተጠቓልል እንተ ዀይና፡ ከም ስድራ ቤት ኣይትቝጸርን እያ። ኰይኑ ግና፡ ኣብነት ናእሚን ሩትን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብተን ሰብኣይን ሰበይትን ውሉዳትን ዘይብለን ስድራ ቤታት እውን፡ ለውሃትን ፍቕርን ኪህሉ ኸም ዚኽእል ዜርኢ እዩ። ንስኻኸ ነቲ ዘሎካ ስድራ ቤት ተማስወሉ ዲኻ፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቶም ስድራ ቤት ዘይብሎም ከም ስድራ ቤት ክትኰኖም ከም እትኽእል ኣዘኻኺርዎም ነይሩ እዩ።—ማርቆስ 10:29, 30።
“ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ”
ሩት ካብቲ ኣብ ከባቢ ሚያዝያ ዚግበር ዓጺድ ስገም ክሳዕ እቲ ኣብ ከባቢ ሰነ ዚግበር ዓጺድ ስርናይ፡ ኣብ ግራት ቦኣዝ ትቕርም ነበረት። ሰሙናት እናሓለፈ ኣብ ዚኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ናእሚ ነታ እትፈትዋ ሰበይቲ ወዳ እንታይ ክትገብረላ ኸም እትኽእል ብዝያዳ ትሓስብ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብ ሞኣብ ከላ፡ ንሩት ሰብኣይ ክትረኽበላ ኸም ዘይትኽእል ገይራ እያ እትሓስብ ነይራ። (ሩት 1:11-13) ሕጂ ግና፡ ኣተሓሳስባኣ ቐይራ እያ። ንሩት ድማ፡ “ጓለይ፡ ምእንቲ ብደሓን ክትነብርስ፡ ዕረፍቲ ደይኰንኩን ዝደልየልኪ ዘሎኹ፧” በለታ። (ሩት 3:1) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም መጻምድቲ ኼናድዩሎም ልሙድ እዩ ነይሩ። ሩት ከኣ ንናእሚ ናይ ሓቂ ጓላ ስለ ዝነበረት፡ “ዕረፍቲ” ኽትረኽበላ ደለየት፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ናእሚ፡ ሩት ነቲ ኻብ ቤትን ካብ ሰብኣይን ዚርከብ ዕቝባ ኽትረክብ እያ እትደልያ ነይራ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል ነይራ፧
ሩት ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ቦኣዝ ኣብ እተዛረበትሉ እዋን፡ ናእሚ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ፡ ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ” ኢላ ነይራ እያ። (ሩት 2:20) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሕጊ ኣምላኽ ነተን ብምኽንያት ድኽነት ወይ ሞት እተጸገማ ስድራ ቤታት ዚኸውን ፍቕራዊ መሰናድዎታት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ሓንቲ ሰበይቲ ውሉድ ከይወለደት ከላ መበለት እንተ ዀይና፡ ስም ሰብኣያን ዘርኡን ስለ ዚጠፍእ፡ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዜጋጥማ። ይኹን እምበር፡ ሕጊ ኣምላኽ፡ እታ ሰበይቲ ንስም እቲ መዋቲ ሰብኣያ ኸም ዚቕጽል ዚገብሮን ንንብረት እታ ስድራ ቤት ዚከናኸንን ወራሲ ምእንቲ ኽትወልድ፡ ሓሙታ ኺምርዓዋ ይፈቅድ ነበረ።c—ዘዳግም 25:5-7።
ናእሚ ነቲ መውስቦ ብኸመይ ክትፍጽሞ ኸም ዝወሰነት ገለጸት። እታ መንእሰይ ዝነበረት ሩት፡ ሓማታ ኽትዛረብ ከላ፡ ኣፋ ኸፊታ ብምግራም ትሰምዓ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ሕግታት እስራኤል ንሩት ገና ሓድሽ እዩ ዀይኑዋ ነይሩ፣ ነቲ ባህልታት እውን ኣይለመደቶን ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ ንናእሚ ኣኽቢራ ትርእያ ስለ ዝነበረት፡ ጽን ኢላ ሰምዓታ። እቲ ናእሚ ኽትገብሮ ዝነገረታ ነገራት ከቢድን ዜሕፍርን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዜዋርድ ይመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ሩት ግና ተሰማምዓትሉ። ብትሕትና ድማ፡ “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በለታ።—ሩት 3:5።
ሓድሓደ እዋን መንእሰያት፡ ነቲ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ምኩራትን ሰባት ዚህብዎም ምኽሪ ኺሰምዕዎ የጸግሞም እዩ። ከመይሲ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ነቲ ንሳቶም ዜሕልፍዎ ዘለዉ ብድሆታትን ጸገማትን ኪርድእዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም። እቲ ሩት ብትሕትና ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ነቲ እቶም ዜፍቅሩናን ጽቡቕና ዚደልዩን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዚህቡና ጥበባዊ ምኽሪ ምስማዕ፡ ዓስቢ ዜምጽእ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዜዘኻኽረና። ናእሚ ንሩት እንታይ ኢላ እያ መኺራታ፧ ሩትከ ነቲ ምኽሪ ብምስማዓ እተባረኸት ብኸመይ እያ፧
ሩት ኣብ ዓውዲ
ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ሩት ናብ ዓውዲ ኸደት፣ እዚ ቦታ እዚ፡ ሓያሎ ሓረስቶት ንእኽሎም ዜኺዱሉን ዚዘርዉሉን ጸፊሕን እተደግደገን ቦታ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ ቐትርን ኣብ ኣጋ ምሸትን ሓያል ንፋስ ዚህልወሉ ኵድዅዶ እዩ ዓውዲ ዚዝሮ ነይሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ እኽሊ ኻብ ቡቕቡቕ ወይ ሓሰር ንምፍላይ፡ ዓበይቲ መስአ ወይ ካልእ ዓይነት መዝረዊ ተጠቒሞም ናብ ላዕሊ ይብትንዎ ነበሩ፣ እቲ ቡቕቡቕ ብንፋስ ይውሰድ፡ እቲ እኽሊ ድማ ኣብቲ ባይታ ይወድቕ ነበረ።
ሩት፡ እቲ ዕዮ ናብ ምውዳኡ ገጹ ኪኸይድ ከሎ፡ ብምስትውዓል ትዕዘብ ነበረት። ቦኣዝ፡ እቲ ዚዝሮ ዝነበረ እኽሉ ብሓደ ተኣኪቡ ዓብዪ ቕሚጦታት ኪኸውን ከሎ ይርኢ ነበረ። በዚ እናተሓጐሰ ምስ በልዐ፡ ኣብ ሓደ ጸግዒ ቕሚጦ ኺድቅስ ከደ። ከምኡ ዚግበር ዝነበረ፡ ነቲ ኽቡር እኽሊ ኻብ ጐሓሉን ሸፋቱን ንምሕላው እዩ ነይሩ። ሩት፡ ቦኣዝ ኪድቅስ ከሎ ረኣየቶ። ነቲ ናእሚ ዝነገረታ ነገራት እትትግብረሉ እዋን ድማ ኣኸለ።
ሩት ቀስ ኢላ ናብቲ ቦኣዝ ዝነበሮ ቦታ ኽትጽጋዕ ከላ፡ ትርግታ ልባ ወሰኸ። ቦኣዝ ድቃስ ከም ዝወሰዶ ምስ ረኣየት፡ ከምቲ ናእሚ ዝነገረታ፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት። ክትጽበ ድማ ጀመረት። ሰዓታት ሓለፈ። ንሩት ግና፡ ዓመት ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ቦኣዝ ተገምጠለ። ቈሪሩ እግሩ ኺሽፍን ድማ ቅንዕ በለ። ኣብ እግሩ ሰብ ከም ዘሎ ኸኣ ፈለጠ። እቲ ጸብጻብ፡ “እንሃ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት” ይብል።—ሩት 3:8።
ቦኣዝ፡ “መን ኢኺ፧” ኢሉ ሓተታ። ሩት ድማ፡ ምናልባት ፍርሂ ብዚንጸባረቖ ቓና ድምጺ፡ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ፡ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ። (ሩት 3:9) ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ተርጐምቲ፡ ተግባራትን ቃላትን ሩት፡ ጾታዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ይገልጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ርእይቶ እዚ ግና፡ ንኽልተ ሓቅታት ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይኰነን። ቀዳማይ፡ ሩት ቀደም ልሙድ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ልሙድ ዘይኰነ ልምዲ ብምስዓብ እያ ኸምኡ ገይራ። ስለዚ፡ ንተግባራታ ምስቲ ሎሚ ሰፊኑ ዘሎ ትሑት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ብምምስሳል ብጌጋ ኽንርድኦ ኣይግባእን እዩ። ካልኣይ፡ እቲ ቦኣዝ ንሩት ዝሃባ ምላሽ፡ ንተግባራታ ብስነ ምግባራዊ መገዲ ንጹህን ዚነኣድን ከም ዝዀነ ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ዚሕብር እዩ።
እቲ ቦኣዝ ኪዛረብ ከሎ እተጠቕመሉ ልኡምን ህዱእን ቃና ድምጺ፡ ንሩት ኣጸናኒዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። “ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኰኑ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ” በላ። (ሩት 3:10) እቲ ቦኣዝ ዝጠቐሶ “ቐዳማይ” ተግባር፡ ነቲ ሩት ምስ ናእሚ ናብ እስራኤል ብምምላስን ንዕኣ ብምክንኻንን ዘርኣየቶ ተኣማንነት ዝመልኦ ፍቕሪ ዜመልክት እዩ ነይሩ። እቲ “ዳሕራይ” ከኣ፡ ነቲ ሕጂ ዝገበረቶ ተግባር ዜመልክት እዩ ነይሩ። ቦኣዝ፡ ከም ሩት ዝበለት ጐርዞ፡ ብቐሊሉ ደድሕሪ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት መንእሰያት ክትከይድ ትኽእል ከም ዝነበረት ገሊጹ ኣሎ። ሩት ግና፡ ንናእሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝሞተ ሰብኣይ ናእሚ እውን እንተ ዀነ ሰናይ ክትገብር እያ እትደሊ ነይራ፣ እወ፡ ስም ኤሊሜሌክ ኣብ ዓዱ ኸም ዚቕጽል ክትገብር እያ እትደሊ ነይራ። ቦኣዝ በቲ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዚንጸባረቖ ተግባር ሩት እንተ ተደነቐ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
ቦኣዝ ኣስዕብ ኣቢሉ ንሩት፡ “ሕጂ ድማ ጓለይ፡ ኣይትፍርሂ፡ ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ዅላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ” በላ። (ሩት 3:11) ቦኣዝ ምስ ሩት ኪምርዖ ሕጉስ እዩ ነይሩ፣ እቲ ወራሲኣ ኪኸውን ብሩት ዝቐረበሉ ሕቶ እውን፡ ዚጽበዮ ነገር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ጻድቕ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምርጫኡ ተመርኲሱ ኺውስን ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሩት፡ ናይ ቀረባ ዘመድ እንዳ ናእሚ ዝዀነ ኻልእ ወራሲ ኸም ዘሎ ሓበራ፣ ፈለማ ነቲ ወራሲ ንሩት ንኺምርዓዋ ኣጋጣሚ ኸም ዚህቦ ኸኣ ነገራ።
ቦኣዝ ንሩት፡ ክሳዕ ዚወግሕ ኣብኡ ኽትድቅስ፡ ኣንጊሃ ድማ ኽትከይድ ከም እትኽእል ነገራ። ካልኦት ሰባት ምስ ዚርእይዎም፡ ርኽሰት ከም ዝፈጸሙ ገይሮም ብጌጋ ምእንቲ ኸይሓስቡ እሞ እቲ ንሱን ንሳን ዝነበሮም ጽቡቕ ስም ምእንቲ ኸይበላሾ ኢሉ እዩ ኣንጊሃ ኸም እትኸይድ ዝነገራ። ሽዑ ሩት፡ ቦኣዝ ንሕቶኣ ብለውሃት ስለ ዝመለሰላ ብዝያዳ ቐሲና ኣብ እግሩ ደቀሰት። ድሕሪኡ፡ ገና ሰብ ምስ ብጻዩ ኸይተላለየ ኣንጊሃ ተንስአት እሞ፡ ነቲ ቦኣዝ ኣብ ነጸላኣ ዝመልኣላ ብዙሕ ስገም ሒዛ ናብ ቤት-ልሄም ገጻ ኣምርሐት።
ሩት ነቲ ቦኣዝ ዝበላ ነገራት ክትሓስበሉ ኸላ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኵሉ ሰብ ከም “ደጊ ሰበይቲ” ኸም እትፍለጥ ምስ ሓበራ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ! ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ስም ኪህልዋ ዝኸኣለ፡ ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኽትፈልጥን ንዕኡ ኸተገልግልን ዝነበራ ህንጥዮት ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ንናእሚ ንኽትልውሃላን ንኽትርሕርሓላን ኢላ ንዘይትፈልጦ ባህልን ልምድታትን ክትቅበል ፍቓደኛ ዀይና እያ። ንሕና እውን ኣስኣሰር እታ ሩት ዝነበረታ እምነት እንተ ስዒብና፡ ንኻልኦት ሰባት ባህሎምን ልምዶምን ከነኽብረሎም ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና ድማ፡ ደግታት ክንከውንን ጽቡቕ ስም ከነጥርን ኢና።
ንሩት ዚኸውን መዕረፊ
ሩት ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ ናእሚ፡ “ከመይ ኢኺ ጓለይ፧” በለታ። ናእሚ ኸምኡ ዝበለት፡ ሩት ልክዕ ከምታ ዝነበረታ መበለት እንተ ዀይና ወይ ከኣ ሓዳር ዚጽበያ ጐርዞ እንተ ዀይና ንምፍላጥ እዩ ነይሩ። ሩት ድማ ንሓማታ፡ ብምሉኡ እቲ ዘጋጠመ ነገረታ። ነቲ ቦኣዝ ንናእሚ ኽትህባ ዝነገራ ብዙሕ ስገም ድማ ኣርኣየታ።d—ሩት 3:16, 17።
ናእሚ ንሩት፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤት ከተሕልፋ ደኣ እምበር ናብ ቕረማ ኸይትኸይድ ብጥበብ መኸረታ። “እቲ ሰብኣይ ነዚ ነገርዚ ሎሚ ኸይወድኦ ኣይዐርፍን እዩ” ኢላ ድማ ኣረጋገጸትላ።—ሩት 3:18።
ናእሚ ብዛዕባ ቦኣዝ ከምኡ ኽትብል ሓቃ እያ ነይራ። ከመይሲ፡ ቦኣዝ ናብቲ መብዛሕትኡ እዋን ዓበይቲ እታ ኸተማ ዚእከቡሉ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ፡ እቲ ናይ ቀረባ ዘመድ እንዳ ናእሚ ብእኡ ኽሳዕ ዚሓልፍ ኪጽበዮ ጀመረ። ነቲ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር፡ ንሩት ብምምርዓው ወራሲ ኪኸውን ኣጋጣሚ ሃቦ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሰብኣይ፡ ርስቱ ምእንቲ ኸይበላሸዎ ኸም ዘይወርስ ብምግላጽ ኣበየ። ድሕሪኡ፡ ቦኣዝ ኣብቲ ደገ ኸተማ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር፡ ነቲ ናይ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ዝነበረ ዅሉ ብምዕዳግን ንሩት ሰበይቲ ማሕሎን ብምምርዓውን ወራሲ ኸም ዚኸውን ተዛረበ። ‘ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኬቕውም’ ኢሉ ኸምኡ ኸም ዝገበረ ድማ ገለጸ። (ሩት 4:1-10) ብሓቂ ቕኑዕን ለጋስን ሰብ እዩ ነይሩ።
ቦኣዝ ንሩት ተመርዓዋ። ድሕሪኡ፡ “እግዚኣብሄር . . . ጥንሲ ሀባ፡ ወዲውን ወለደት።” ኣንስቲ ቤት-ልሄም ድማ ንናእሚ ወደሳኣ፣ ሩት ንናእሚ ኻብ ሸውዓተ ወዲ ንላዕሊ ኸም እትበልጻ ብምዝራብ ድማ፡ ንሩት ነኣድኣ። ጸኒሑ፡ ወዲ ሩት ኣቦሓጎ ንጉስ ዳዊት ኰነ። (ሩት 4:11-22) ዳዊት ድማ ኣቦሓጎ የሱስ ክርስቶስ ኰነ።—ማቴዎስ 1:1።e
ሩትን እታ ነቲ ቘልዓ ኸም ወዳ ገይራ ዘዕበየቶ ናእሚን ተባሪኸን እየን። ህይወት እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚአን፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ንስድራ ቤቶም ንምክንኻን ብትሕትና ዚጽዕሩን ነቶም ምስቶም እተመርጹ ህዝቡ ዀይኖም ብተኣማንነት ዜገልግልዎን ሰባት ከም ዜስተብህለሎም ዜጕልሕ እዩ። ኣምላኽ ብርግጽ ነቶም ልክዕ ከም ሩት ኣብ ቅድሚኡ ጽቡቕ ስም ዘለዎም ሰባት ዓስቦም ይህቦም እዩ።
a ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—‘ናብ እትኸድዮ እኸይድ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b ከምቲ ናእሚ ዝገለጸቶ፡ ምሕረት ወይ ለውሃት የሆዋ ኣብ ህያዋን ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን፣ ንምዉታት እውን የጠቓልል እዩ። ናእሚ፡ ሰብኣያን ክልተ ደቃን ብሞት ስኢና እያ። ሩት ከኣ ሰብኣያ ሞይትዋ እዩ። ሰለስቲኦም እቶም ሰብኡት ንኣንስቶም የፍቅርወን ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ፡ ንናእሚን ንሩትን ዚግበረለን ለውሃት፡ ነቶም ንኣንስቶም ግቡእ ክንክን ኪገብሩለን ዚደልዩ ዝነበሩ ሰብኡት ከም እተገብረሎም ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ።
c ነታ መበለት ናይ ምምርዓው መሰል፡ ፈለማ ንሓው እቲ መዋቲ፡ ድሕሪኡ ንቐረባ ዘመድ እዩ ዚውሃብ ነይሩ፣ ርስቲ ኣብ ምውሳድ እውን ከምኡ እዩ ዚግበር ነይሩ።—ዘሁልቍ 27:5-11።
d ቦኣዝ ንሩት ሽዱሽተ መስፈር ስገም እኳ እንተ ሃባ፡ ክብደቱ ኽንደይ ከም ዝነበረ ግና ኣይፍለጥን እዩ፣ ምናልባት ከምኡ ዝገበረ፡ ልክዕ ከምቲ እተን ዚስርሓለን ሽዱሽተ መዓልትታት ምስ ሓለፋ ዕረፍቲ ሰንበት እትመጽእ፡ ሩት እውን ካብተን ከም መበለት ኰይና ብድኻም ዘሕለፈተን መዓልትታት፡ ዜተኣማምን ቤትን ዚናቢ ሰብኣይን ምስ ረኸበት ከም ‘እተዕርፍ’ ንምሕባር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሩት ነቲ ቦኣዝ ብመስፈሪ መሊኡ ዝሃባ ሽዱሽተ መስፈር እኽሊ ጥራይ ክትስከም ትኽእል ነይራ ትኸውን።