“ልቢ ኣንበሳ” ክህልወካ ይኽእል ኢዩ
ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንበሳ ከም ምልክት ናይ ትብዓትን እምንቶን ገይሩ ይጥቀመሉ ኢዩ። ጀጋኑን ተባዓትን ሰብኡት “ልቢ ኣንበሳ” ከም ዘለዎም: እቶም ጻድቃን ከኣ ‘ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ [“እምንቶ ዘለዎም” ትሓዓ ]’ ምዃኖም ተገሊጾም ኣለዉ። (2 ሳሙኤል 17:10፣ ምሳሌ 28:1) ሓደ ኣንበሳ ብፍላይ ዝቃወሞ ክረክብ ከሎ: ነቲ “ካብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ” ዝብል ስሙ ከም ዝበቕዖ የርኢ ኢዩ።—ምሳሌ 30:30
የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ከዕቍቦም ዝገበሮ ቈራጽነት: ምስቲ ናይ ኣንበሳ ትብዓት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ኢሳይያስ 31:4, 5 “ከምቲ ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን ብዙሓት ጓሶት እኳ ተጻዋዊዖም እንተ መጽዎ ብግዳዩ ዚጓዝም: ብድምጾም ዘይስምብድን ብጭራሕምራሖም ዘይፈርህን: ከምኡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮን . . . ምእንቲ ኺዋጋእ ኪወርድ እዩ። . . . ኬዕቍባ እዩ: ኬዕቍባን ኬናግፋን ኪንሕፋን ኬድሕናን እዩ።” በዚ ኸምዚ እምበኣር የሆዋ ንኣገልገልቱ ብፍላይ ጸበባ ከጋጥሞም ከሎ ብስሉጥ መገዲ ክሓልየሎም ምዃኑ የረጋግጸሎም።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዝዓበየ ናይ ደቅሰብ ተጻራሪ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ምስ ሓደ ዝውሕጦ ደልዩ ዝጓዝም ኣንበሳ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ግዳዩ ምእንቲ ከይንኸውን: ቅዱሳት ጽሑፋት “ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ኢሉ ነጊሩና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ሓደ ነዚ ክንገብረሉ እንኽእል መገዲ ድማ ሓደገኛ ዝዀነ መንፈሳዊ ምብዕጋግ ብምውጋድ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ . . . ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” በለ። (ሉቃስ 21:34-36) እወ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብመንፈስ ንቑሓት ምዃንና ‘ኣብ እግዚኣብሄር እተወከለ: ጽኑዕ’ “ልቢ ኣንበሳ” ክህበና ይኽእል ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ መዝሙር 112:7, 8