የሱስ ብኽብሪ መንግስቲ ክመጽእ ከሎ
“ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ: ንሞት ከቶ [ኣይጥዕምዋን ኢዮም ]። ”—ማቴዎስ 16:28
1, 2. ድሕሪ እቲ ብ32 ከ.ኣ.ዘ. ዝወዓለ ጴንጠቆስጠ ብዙሕ ከይጸንሐ እንታይ ኣጋጠመ: ናይቲ ፍጻመ ዕላማኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
ድሕሪ እቲ ብ32 ከ.ኣ.ዘ. ዝወዓለ ጴንጠቆስጠ ብዙሕ ከይጸንሐ: ሰለስተ ካብቶም ሃዋርያት የሱስ ሓደ ዘይርሳዕ ትርኢት ረኣዩ። ብመሰረት እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ: “የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ።”—ማቴዎስ 17:1, 2
2 እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋን ኢዩ ተገይሩ። የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ የሩሳሌም ክሳቐን ክመውትን ምዃኑ ክነግሮም ጀሚሩ ነበረ: እንተዀነ ግን: ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ንኽርድእዎ ከበዶም። (ማቴዎስ 16:21-23) እቲ ትርኢት ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ ሞት የሱስ ከምኡውን ነቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክኸውን ዝነበሮ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ዘድልዮን ፈታንን ዓመታት ክዳለዉ: ንእምነት ናይቶም ሰለስተ ሃዋርያት የሱስ ዘበራትዕ ኢዩ ነይሩ። ንሕናኸ ሎሚ ካብቲ ትርኢት ገለ ነገር ክንማሃር ንኽእልዶ፧ እወ: ምኽንያቱ እቲ ናቱ ጽላሎት ቃል ብቓሉ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ኢዩ።
3, 4. (ሀ) ሽዱሽተ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት: የሱስ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት እንታይ ከም ዘጋጠመ ግለጽ።
3 ሽዱሽተ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት: የሱስ ንሰዓብቱ “ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ: ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ” በሎም። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” ኢየን ዝፍጸማ። ቀጺሉ የሱስ “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ: ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ማቴዎስ 16:27, 28፣ 24:3 NW፣ 25:31-34, 41፣ ዳንኤል 12:4) እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት መፈጸምታ ናይዘን ዳሕሮት ቃላት የሱስ ኢዩ ነይሩ።
4 እቶም ሰለስተ ሃዋርያት ብልክዕ እንታይ ኢዮም ዝረኣዩ፧ እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሉቃስ ዝሃቦ መግለጺ ኢዩ:- “[የሱስ] ኪጽሊ ኸሎ: ትርኢት ገጹ ተለወጠ: ክዳውንቱውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። እንሆ ድማ: ክልተ ሰባት: ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን: ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ: ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ።” ድሕርዚ “ደበና መጺኡ [ነቶም ሃዋርያት] ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺአትዉ ኸለዉ ኸኣ: ፈርሁ። ካብቲ ደበና ድማ፤ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ: ዚብል ድምጺ መጸ።”—ሉቃስ 9:29-31, 34, 35
እምነትና ትብርትዕ
5. እቲ ምልዋጥ ኣብ ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧
5 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ “ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ድሮ ኣለልይዎ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:16) ነዚ ድማ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ቃል የሆዋ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ: እቲ ናይ የሱስ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ናይቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ ንደቅሰብ ንኽፈርድ ብናይ መንግስቲ ሓይልን ክብርን ምምጽኡ መርኣዪ ነበረ። ድሕርቲ ምልዋጥ ልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒሑ: ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና: ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር: እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፤ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ምስ መጸ: ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ: ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።”—2 ጴጥሮስ 1:16-18፣ 1 ጴጥሮስ 4:17
6. ድሕሪ እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ኵነታት እናማዕበለ ዝምጸ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ኣብዚ እዋን እዚ: እምነትና እውን በቲ እቶም ሰለስተ ሃዋርያት ዝርኣይዎ በርቲዓ ኢያ። ብርግጽ እኳ ድኣ ካብ 32 ከ.ኣ.ዘ. ንድሕሪት እቲ ኵነታት ብቐጻሊ ክምዕብል ጸኒሑ ኢዩ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: የሱስ ሞተ እሞ: ተንሲኡ ድማ ናብ የማን ኣቡኡ ኸደ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29-36) ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይታ ዓመት እቲኣ ኸኣ: እቲ ሓድሽ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ መጸ እሞ: ቅድም ኣብ የሩሳሌም ድሕርዚ ድማ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እቲ ናይ ስብከት ወፈራ ተጀመረ። (ገላትያ 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ዳርጋ ብኡንብኡ እምነት ሰዓብቲ የሱስ ተፈተነት። እቶም ሃዋርያት ስብከት ደው ምባል ስለ ዝኣበዩ ተኣስሩ: ከምኡውን ብኸቢድ ተቐጥቀጡ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ እስቲፋኖስ ተቐትለ። ድሕርዚ ኸኣ እቲ የሱስ ክልወጥ ከሎ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ያእቆብ ተቐትለ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:17-40፣ 6:8-7:60፣ 12:1, 2) ጴጥሮስን ዮሃንስን ግን ንብዝሕ ዝበለ ተወሳኺ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ንኸገልግልዎ ድሓኑ። አረ: ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበንስ: የሱስ ኣብ ሰማያዊ ክብሩ ከሎ ዘርኢ ተወሳኺ ትርኢታት ዮሃንስ መዝጊቡ ኣሎ።—ራእይ 1:12-20፣ 14:14፣ 19:11-16
7. (ሀ) እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ክፍጸም ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንገሊኣቶም ከም ግብሮም ዝፈደዮም መዓስ ኢዩ፧
7 ‘መዓልቲ ጐይታ’ ብ1914 ካብ እትጅምር ኣትሒዙ: ካብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢታት ብዙሕ ክፍጸም ጸኒሑ ኢዩ። (ራእይ 1:10) ብዛዕባ በቲ ምልዋጥ ተመሲሉ ዘሎ: የሱስ ‘ብግርማ ኣቡኡ ክመጽእ’ ምዃኑ ዘርኢኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እቲ ትርኢት: ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትውለድ ከላ ክፍጽም ጀሚሩ ኢዩ። የሱስ ከም ኮዀብ ጽባሕ ኰይኑ: ከም ሓድሽ ዝነገሰ ንጉስ መጠን ኣብ ኣድማሳዊ መድረኽ ምስ ተቐልቀለ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሽዑ ምጅማር ናይ ሓድሽ መዓልቲ ኢዩ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 1:19፣ ራእይ 11:15፣ 22:16) ኣብቲ እዋን እቲ እሞ የሱስ ንገሊኣቶም ከከም ግብሮም ፈድይዎም ድዩ፧ እወ: ፈድይዎም ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ቍሩብ ጸኒሑ: ሰማያዊ ትንሳኤ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ዝጀመረ ዘርኢ ድልዱል መርትዖ ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 4:8፣ ራእይ 14:13
8. ፍጻሜ ናይቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ከም ዘብቀዕ ዘመልክት እንታይ ፍጻመታት ኢዩ፧
8 ይኹን እምበር: የሱስ ንዅሎም ደቅሰብ ንኽፈርድ ‘ምስ መላእኽቱ ብኽብሩ [ቀልጢፉ] ክመጽእ’ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:31) ኣብቲ እዋን እቲ ምስ ኵሉ ግርማዊ ክብሩ ክግለጽ: “ንነፍሲ ወከፍ” ድማ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኢዩ። እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣብቲ እተዳለወሎም መንግስቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርሱ ኢዮም: እቶም ኣጣል መሰል ድማ ናብ “ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ:” NW ]” ኪኸዱ ኢዮም። እዝስ ንመፈጸምታ ናይቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ኣየ ከመይ ዝበለ ግሩም መደምደምታ ኰን ክኸውን ኢዩ!—ማቴዎስ 25:34, 41, 46፣ ማርቆስ 8:38፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-10
እቶም ክብሪ ዝለበሱ ብጾት የሱስ
9. ኣብ ፍጻሜ ናይቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት: ሙሴን ኤልያስን ምስ የሱስ ክህልዉ ትጽቢት ክንገብር ኣሎናዶ ኢዩ፧ ግለጽ።
9 ኣብቲ ምልዋጥ የሱስ በይኑ ኣይነበረን። ኤልያስን ሙሴን ምስኡ ነይሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 17:2, 3) ቃል ብቓሉ ብኣካል ኣብኡ ነይሮም ድዮም፧ ኣይነበሩን: ምኽንያቱ ክልቲኣቶም ካብ ዝሞቱ ነዊሕ ገይሮም: ደቂሶም ድማ ትንሳኤ ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። (መክብብ 9:5, 10፣ እብራውያን 11:35) የሱስ ብሰማያዊ ክብሩ ክመጽእ ከሎ ምስኡ ክህልዉ ድዮም፧ ኣይክህልዉን ኢዮም: ምኽንያቱ ሙሴን ኤልያስ ሰማያዊ ተስፋ ንደቅሰብ ከይተኸፍተ ከሎ ኢዮም ዝነበሩ ነይሮም። ክፍሊ ናይቲ ምድራዊ ‘ትንሳኤ ጻድቃን ክዀኑ’ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ምንባሮም ምሳልያዊ ኢዩ። ናይ ምንታይ ምሳሌ፧
10, 11. ኣብ እተፈላለየ ተጠቒሶምሉ ዘለዉ ቦታታት: ሙሴን ኤልያስን ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧
10 ኣብ ካልእ ትሕዝቶ: ሙሴን ኤልያስን ትንቢታውያን ኣካላት ኰይኖም ተጠቒሶም ኣለዉ። ሙሴ ከም ማእከላይ ናይ ሕጊ ኪዳን መሰረት ንየሱስ: እቲ ማእከላይ ናይ ሓድሽ ኪዳን: የመልክት። (ዘዳግም 18:18፣ ገላትያ 3:19፣ እብራውያን 8:6) ኤልያስ ነቲ ጸራግ መገዲ ናይ መሲሕ: ዮሃንስ መጥምቕ የመልክት። (ማቴዎስ 17:11-13) ብተወሳኺ: ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 ሙሴን ኤልያስን ጽላሎት ናይቶም ኣብ መወዳእታ ግዜ ዝህልዉ ቅቡኣት ተረፍ ኢዮም። ብኸመይ ንፈልጥ፧
11 ኣብ ራእይ 11:1-6 ንገንጽል። ኣብ ቍጽሪ 3 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ነቶም ክልተ ምስክረይውን: ወጮ ተወንዚፎም: ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ።” እዚ ትንቢት እዚ ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብቶም ቅቡኣት ተረፍ ተፈጸመ።a ስለምንታይ ክልተ መሰኻኽር ተባሂሎም ኣለዉ፧ ምኽንያቱ ብመንፈሳዊ መገዲ: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ከም ናይ ሙሴን ኤልያስን ዝኣመሰለ ዕዮ ኢዮም ዝፍጽሙ። ቀጺሉ ኣብ ቍጽሪ 5 ከምኡውን 6 ከምዚ ይብል:- “ሓደ እኳ [ነቶም ክልተ መሰኻኽር] ኺጐድኦም እንተ ደለየ ድማ: ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ኸኣ: ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ። እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን አለዎም። ናብ ደም ኪልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን አለዎም።” ስለዚ ድማ እቲ ኤልያስን ሙሴን ዝገበርዎ ተኣምራት ንዘኻኸር።—ዘሁልቍ 16:31-34፣ 1 ነገስት 17:1፣ 2 ነገስት 1:9-12
12. ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት: ሙሴን ኤልያስን ንመን የመልክቱ፧
12 እሞ ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ዝገልጽ ትሕዝቶ: ሙሴን ኤልያስን ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧ ሉቃስ: ምስ የሱስ “ብግርማ” ከም እተራእዩ ይዛረብ። (ሉቃስ 9:31) ብንጹር እምበኣር: ነቶም ንየሱስ “መዋርስቱ” ክዀኑ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ: ድሓር ድማ ‘ምስኡ [ከም] ዝኸብሩ’ ዝሕብር ዘደንቕ ተስፋ እተቐበሉ ክርስትያናት ኢዩ ዘመልክቱ። (ሮሜ 8:17) የሱስ: “ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ” ብኽብሪ ኣቡኡ ኪመጽእ ከሎ: እቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ምስኡ ክህልዉ ኢዮም።—ማቴዎስ 16:27
ከም ሙሴን ኤልያስን ዝኣመሰሉ መሰኻኽር
13. ሙሴን ኤልያስን ነቶም ምስ የሱስ ዝኸብሩ መዋርስቱ ዝዀኑ ቅቡኣት ከመልክቱ ዝሰማማዕ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝኸውን ዝገብሮ እንታይ መዳያት ኢዩ፧
13 ሙሴን ኤልያስን ከም ትንቢታውያን ጽላሎት ናይ የሱስ ቅቡኣት መዋርስቲ ዝመስልሉ ፍሉጥ መዳያት ኣሎ። ሙሴን ኤልያስን ንብዙሕ ዓመታት ከም ናይ የሆዋ ኣፈኛታት ኰይኖም ሰሪሖም ኢዮም። ክልቲኣቶም ናይ መራሒ ቍጥዓ ኣጋጢምዎም ኢዩ። ኣብቲ ዘድልየሉ እዋን: ነፍሲ ወከፎም ብጓኖት ስድራቤት ተደጊፎም ኢዮም። ክልቲኣቶም ብትብዓት ንነገስታት ተነብዮምሎም: ኣንጻር ናይ ሓሶት ነብያት ድማ ጸኒዖም ደው ኢሎም ኢዮም። ሙሴን ኤልያስን: ኣብ ከረን ሲናይ (ከረን ሆሬብ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ) ሓይሊ የሆዋ ርእዮም ኢዮም። ክልቲኣቶም ኣብ ምብራቓዊ ወገን ናይ ዮርዳኖስ ኰይኖም ዝትክእዎም ሰባት መረጹ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ሙሴ (ምስ እያሱ) ከምኡውን ኤልያስ (ምስ ኤልሳእ) ዝነበርሉ እዋን: ብዘይካ እቲ የሱስ ብህይወት ከሎ እተገብረ: ዝበዝሐ ተኣምራት እትገበረሉ እዋን ኢዩ ነይሩ።b
14. እቶም ቅቡኣት ልክዕ ከም ሙሴን ኤልያስን ናይ የሆዋ ኣፈኛታት ኰይኖም ዘገልግሉ ብኸመይ ኢዮም፧
14 እዚ ዅሉስ ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ከም እንዝክር ዝገብረናዶ ከይኰነ፧ እወ: ብርግጽ። የሱስ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” (ማቴዎስ 28:19, 20) ነዚ ቃላት እዚ ብምእዛዝ: ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ክሳዕ ሕጂ ናይ የሆዋ ኣፈኛታት ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም። ልክዕ ከም ሙሴን ኤልያስን ናይ መራሕቲ ቍጥዓ ኣጋጢምዎም: ንመራሕቲ ድማ መስኪሮምሎም ኢዮም። የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ “ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን: ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም” ብምባል ነገሮም። (ማቴዎስ 10:18) እዘን ቃላቱ እዚኣተን: ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብተደጋጋሚ ተፈጺመን ኢየን።—ግብሪ ሃዋርያት 25:6, 11, 12, 24-27፣ 26:3
15, 16. ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣት ከምኡውን ሙሴን ኤልያስን (ሀ) ምእንቲ ሓቂ ድምብርጽ ከይበሎም ደው ምባሎም (ለ) ካብቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ሓገዝ ምርካቦም እንታይ ተመሳሳልነት ኣሎ፧
15 ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ከም ሙሴን ኤልያስን ምእንቲ ሓቂ ክብሉ ኣንጻር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድምብርጽ ከይበሎም ደው ኢሎም ኢዮም። ጳውሎስ ነቲ ናይ ኣይሁድ ናይ ሓሶት ነብዪ ዝነበረ ባርየሱስ: ብኸመይ ከም ዘዋረዶ: ከምኡውን ብጥበብ ገይሩ ግን ብጽንዓት ነቶም ናይ ደቂ ኣቴንስ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብኸመይ ከም ዘቃልዖም ዘክር። (ግብሪ ሃዋርያት 13:6-12፣ 17:16, 22-31) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንህዝበ-ክርስትያን ብትብዓት ከም ዘቃልዕዋ: እቲ ከምዚ ዝበለ ምስክርነት ድማ ከም ዘጥቅዓ ዘክር።—ራእይ 8:7-12c
16 ሙሴ ካብ ቍጥዓ ፈርኦን ምስ ሃደመ: ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ራጉኤል: ከምኡውን የትሮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እስራኤላዊ ዘይኰነ ሰብ ተዓቝበ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ግዜ: ሙሴ ካብ የትሮ ኣድላዪ ዝዀነ ምምሕዳራዊ ምኽሪ ረኸበ: ወዱ ሓባብ ድማ ንእስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ መርሖም።d (ዘጸኣት 2:15-22፣ 18:5-27፣ ዘሁልቍ 10:29) ኣባላት ናይቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልከ: ብተመሳሳሊ ብኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት ተሓጊዞም ድዮም፧ እወ: በቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ መድረኽ እተቐልቀሉ: “ዓቢ ጭፍራ” ናይተን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ተሓጊዞም ኢዮም። (ራእይ 7:9 NW ፣ ዮሃንስ 10:16፣ ኢሳይያስ 61:5) ብዛዕባ እቲ እዘን “ኣባጊዕ” እዚኣተን ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ዝህብኦ ምዉቕን ፍቕራውን ደገፍ ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ብትንቢታዊ መገዲ የሱስ ከምዚ በሎም:- “ጠምየ ነበርኩ እሞ: ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ: ኣስቴኹምኒ። ገይሸ: ተቐበልኩምኒ። ዐሪቐ: ከደንኩምኒ። ሐሚመ: በጻሕኩምኒ። ተአሲረ መጻእኩምኒ። . . . እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ: ኢሉ ይመልሰሎም።”—ማቴዎስ 25:35-40
17. እቶም ቅቡኣት ምስቲ ኤልያስ ኣብ ከረን ሆሬብ ዘሕለፎ ዝመሳሰል ተመክሮ ዘለዎም ብኸመይ ኢዩ፧
17 ብተወሳኺ: ናይ ኣምላኽ እስራኤል ከምቲ ንኤልያስ ኣብ ከረን ሆሬብ ዘጋጠሞ ዝመሳሰል ተመክሮ ኣለዎም።e ልክዕ ከምቲ ኤልያስ ካብ ንግስቲ ኢዛቤል ክሃድም ከሎ ዝነበሮ ኵነታት: እቶም ፈሪሆም ዝነበሩ ቅቡኣት ተረፍ ኣብ ምውዳእ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣገልግሎቶም እተወድአ መሲልዎም ነበረ። ልክዕ ከም ኤልያስ እውን: ሽዑ ምስቲ ነቶም “ቤት እስራኤል ኢና” ዝብሉ ዝነበሩ ማሕበራት ክፈርድ ዝመጸ የሆዋ ተራኸቡ። (1 ጴጥሮስ 4:17፣ ሚልክያስ 3:1-3) ህዝበ-ክርስትያን ጐደሎ ኰይና ክትርከብ ከላ: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ግን ከም “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኰይኖም ተፈልጡ: ኣብ ልዕሊ ኵሉ ናይ የሱስ ምድራዊ ንብረት ድማ ተሸሙ። (ማቴዎስ 24:45-47 NW ) ኤልያስ: ኣብ ሆሬብ: የሆዋ ዝያዳ ዕዮ ይህቦ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ሰምዐ። ኣብቲ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ህዱእ ዓመታት: እቶም እሙናት ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ድምጹ ሰምዑ። ንሳቶም እውን ክፍጽምዎ ዘለዎም መዝነት ከም ዘለዎም ተረድኡ።—1 ነገስት 19:4, 9-18፣ ራእይ 11:7-13
18. ሓይሊ የሆዋ በቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣቢሉ ከም ዝዓዪ ንምርኣይ: ሓለፍ ዝበለ ተርእዮታት እተገልጸ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ንመደምደምታ: ሓለፍ ዝበለ ተርእዮታት ሓይሊ የሆዋ በቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣቢሉ ከም ዝዓዩ ዘርኢ ኣሎዶ ኢዩ፧ ድሕሪ ሞት የሱስ እቶም ሃዋርያት ብዙሕ ተኣምራት ገበሩ: እዚ ግን ቀስ እናበለ ተረፈ። (1 ቈረንቶስ 13:8-13) ኣብዚ እዋን እዚ ቃል ብቓሉ ተኣምራት ኣይንርእን ኢና። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን የሱስ ንሰዓብቱ ከምዚ በሎም:- “እቲ ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር: ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ዮሃንስ 14:12) እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ብምልኡ ግዝኣት ሮሜ ነቲ ብስራት ክሰብክዎ ከለዉ እዚ ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኺቡ ኢዩ። (ሮሜ 10:18) ሎሚ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ነቲ ብስራት ‘ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ምስባኽ’ ግንባር ቀደም ብምዃን ዝያዳ ዕዮ ይፍጽሙ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ ውጽኢትከ፧ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና ኣብ ታሪኽ እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይቶም ህይወቶም ዝወፈዩ: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተኣኪቦም ኢዮም። (ራእይ 5:9, 10፣ 7:9, 10) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዝዓበየ መርትዖ ናይ ሓይሊ የሆዋ ኰን ኢዩ!—ኢሳይያስ 60:22
ኣሕዋት ክርስቶስ ብኽብሪ ይመጹ
19. እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ምስኡ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ተቐሚጦም ዝረኣዩ መዓስ ኢዮም፧
19 እቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይ ኣሕዋት ክርስቶስ ምድራዊ ዕዮኦም ክውድኡ ከለዉ: ምስኡ ኢዮም ዝኸብሩ። (ሮሜ 2:6, 7፣ 1 ቈረንቶስ 15:53፣ 1 ተሰሎንቄ 4:14, 17) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዘይሞቱ ነገስታትን ካህናትን ይዀኑ። ምስ የሱስ ኰይኖም ‘ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሮም ንኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስይዎም ኢዮም።’ (ራእይ 2:27፣ 20:4-6፣ መዝሙር 110:2, 5, 6) ምስ የሱስ ኣብ ዝፋናት ክቕመጡ: “ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” እውን ክፈርዱ ኢዮም። (ማቴዎስ 19:28) እዚ ዘስቈርቍር ዘሎ ፍጥረት ነዚ ፍጻመታት እዚ ሃረር ኢሉ ይጽበዮ ኣሎ: እዚ ድማ ክፍሊ ናይቲ “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” ኢዩ።—ሮሜ 8:19-21፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-8
20. (ሀ) በየናይ መዳይ ኢዩ እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ንናይ ጴጥሮስ እምነት ዘበርትዓ፧ (ለ) እቲ ምልዋጥ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዘበርትዖም ብኸመይ ኢዩ፧
20 ጳውሎስ “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝአመኑ ኺግረምን . . . መጸ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ኣብቲ “ዓቢ ጸበባ” ዝህሉ ምግላጽ የሱስ ተዛረበ። (2 ተሰሎንቄ 1:10፣ ማቴዎስ 24:21 NW ) እቲ ትርኢት እቲ: ንጴጥሮስ ንዮሃንስ ከምኡውን ንዅሎም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ተስፋ ኰን ኢዩ! እቲ ምልዋጥ ንእምነት ጴጥሮስ ኣበርቲዑዋ ኢዩ። ብርግጽ: ብዛዕብኡ ምንባብ ንእምነትና እውን የበርትዓ: ከምኡውን ነቲ የሱስ ቀልጢፉ “ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽህቦ” ምዃኑ ዘሎና እምንቶ የጽንዖ ኢዩ። እቶም ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ጸኒሖም ዘለዉ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት: ምስ የሱስ ከም ዝኸብሩ እምንቶኦም እተረጋገጸ ምዃኑ ይርእዩ ኢዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ድማ ካብዚ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ድሒኖም ናብታ ክብርቲ ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ ምዃኖም ብምፍላጦም እምነቶም ትብርትዕ ኢያ። (ራእይ 7:14) እዝስ ከመይ ዝበለ ክሳዕ መወዳእታ ጸኒዕካ ንምቛም ዝኸውን መተባብዒ ኰን ኢዩ! ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ከም ዝዀንና: እዚ ትርኢት እዚ ዝያዳ እውን ክምህረና ይኽእል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለዋ “ስምካ ይቀደስ ” (እንግሊዝኛ) ገጽ 313-14 ከምኡውን ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 164-5 ርአ።
b ዘጸኣት 2:15-22፣ 3:1-6፣ 5:2፣ 7:8-13፣ 8:18፣ 19:16-19፣ ዘዳግም 31:23፣ 1 ነገስት 17:8-16፣ 18:21-40፣ 19:1, 2, 8-18፣ 2 ነገስት 2:1-14
d ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ዩ መይ ሳርቫይቭ ኣርማጌዶን ኢንቱ ጎድስ ኒው ኤርዝ እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 281-3 ርአ።
e ኣብታ “ስምካ ይቀደስ ” እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 317-20 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ምስ የሱስ እተራእዩ መን ኢዮም፧
◻ እምነት ናይቶም ሃዋርያት በቲ ምልዋጥ ዝበርትዐት ብኸመይ ኢያ፧
◻ ኣብቲ ምልዋጥ ሙሴን ኤልያስን “ብኽብሪ” ምስ የሱስ ምንባሮም: ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧
◻ ሙሴን ኤልያስን ብሓደ ወገን: ናይ ኣምላኽ እስራኤል ድማ በቲ ሓደ ወገን ብምግባር ከነወዳድሮም ከሎና እንታይ ምምስሳል ኣለዎም፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት: ንእምነት ናይቶም ቀደም ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ክርስትያናት ኣበርቲዕዋ ኢዩ