ናይ መዋእል ክርስትና ቲኦክራስያዊ ምምሕዳር
‘ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ: ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል። ’—ኤፌሶን 1:9, 10
1, 2. (ሀ) ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ: ምእካብ ናይቲ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ’ እተገብረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ 1914 ጀሚሮም መንፈስ ሙሴን ኤልያስን ዘንጸባረቑ ብኸመይ ኢዮም፧
ምእካብ ናይቲ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ:’ እቲ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ምስ ተወልደ ኢዩ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ። (ገላትያ 6:16፣ ኢሳይያስ 43:10፣ 1 ጴጥሮስ 2:9, 10) ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት (የሱስ “ስርናይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ዘሎ) በቶም ሰይጣን ዝዘርኦም “ክርዳድ” ተባሂሎም ዘለዉ ከሓድቲ ስለ እተዓብለሉ እቲ ምእካብ ዘሓለ። እንተዀነ ግን: “ዘመን መወዳእታ” ምስ ቀረበ: እቶም ናይ ሓቂ ናይ ኣምላኽ እስራኤል እንደገና ተቐልቀሉ: ብ1919 ድማ ኣብ ኵሉ ንብረት የሱስ ተሸሙ።a—ማቴዎስ 13:24-30, 36-43፣ 24:45-47፣ ዳንኤል 12:4
2 ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ሙሴን ኤልያስን ዝገበርዎ ዓበይቲ ተግባራት ፈጺሞም ኢዮም።b (ራእይ 11:5, 6) ካብ 1919 ጀሚሮም ኣብዛ እክይቲ ዓለም ነቲ ብስራት ሰቢኾምዎ ኢዮም: ነዚ ድማ ከምቲ ናይ ኤልያስ ዝበለ ትብዓት ብምርኣይ ኢዮም ዝገብርዎ። (ማቴዎስ 24:9-14) ካብ 1922 ኣትሒዞም: ፍርድታት የሆዋ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ኣዊጆም ኢዮም: እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ሙሴ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ግብጺ ዘምጽኦ መዓት ኣምላኽ ኢዩ። (ራእይ 15:1፣ 16:2-17) ሎሚ: ተረፍ ናይዞም ቅቡኣት ክርስትያናት: ማእክል ናይታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቘመት ሓዳስ ዓለም ኢዮም።
ዝዓዪ ዘሎ ኣማሓዳሪ ኣካል
3. እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተማሓደረት ከም ዝነበረት እንታይ ፍጻመታት የርኢ፧
3 ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም እተማሓደሩ ኢዮም። ቍጽሪ ናይቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሐ: ናይ ከባቢ ጉባኤታት ተመስረታ: ሽማግለታት ድማ ተመዘዙ። (ቲቶስ 1:5) ድሕሪ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ እዋን: እቶም 12 ሃዋርያት ስልጣን ዘለዎ ማእከላይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዓየዩ። ኣብቲ ናይ ምስክርነት ዕዮ ድማ ብዘይ ፍርሒ መርሒነት ይወስዱ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:33, 35, 37፣ 5:18, 29) ነቶም ዘድልዮም መግቢ ንምዕዳል የተሓባብሩ ነይሮም ኢዮም: ንጴጥሮስን ዮሃንስን ከኣ ነቲ ኣብ ሰማርያ ተገዳስነት ከም ዘሎ ዝሓበረ ጸብጻብ ክከታተሉ ናብኡ ሰደድዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6፣ 8:6-8, 14-17) እቲ ቀደም ሰጓጊ ዝነበረ ጳውሎስ: ሕጂ ግን ሰዓቢ የሱስ ከም ዝዀነ ንኸረጋግጸሎም በርናባስ ሒዝዎ ናብኦም ከደ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:27፣ ገላትያ 1:18, 19) ጴጥሮስ ንቆርኔሎዎስን ስድራቤቱን ምስ ሰበኸሎም ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘርኣየ ኸኣ ነቶም ሃዋርያትን ካልኦት ኣይሁዳውያን ኣሕዋትን ገለጸሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 11:1-18
4. ንጴጥሮስ ንምቕታል እንታይ ፈተነ ኢዩ እተገብረ: እንተዀነ ግን: ህይወቱ ብኸመይ ደሓነት፧
4 ድሕርዚ እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ጭካነ ዘለዎ መጥቃዕቲ ክወርዶ ጀመረ። ጴጥሮስ ተኣስረ: ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከሎ ድማ መላእኽቲ ኣድሓንዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:3-11) ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ: ሓደ ካብቶም 12 ሃዋርያት ዘይኰነ ኣብቲ ናይ የሩሳሌም ቀንዲ ናይ ምምሕዳር ቦታ ተቐልቀለ። ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ: ነቶም ኣብ ገዛ ናይ ኣደ ዮሃንስ ማርቆስ ተኣኪቦም ዝነበሩ “ንያእቆብን [ንየሱስ በደ ሓዉ] ነቶም ኣሕዋትን” ንገርዎም በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 12:17
5. ድሕሪ ሰማእትነታዊ ሞት ያእቆብ: እቲ ኣሰራርዓ ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል እተለወጠ ብኸመይ ኢዩ፧
5 እቲ ከዳዕ ሃዋርያ: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ: ርእሰ-ቕትለት ምስ ፈጸመ: ነቲ ከም ሃዋርያ መጠን ዝነበሮ ‘ሽመት’ ንሓደ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ክገብር ከሎ ምስኡ ዝነበረ: ትንሳኤኡን ሞቱን ድማ ዝርኣየ ሰብ ክህብዎ ጽቡቕ መሲሉ ተራእዮም። ይኹን እምበር: ያእቆብ: ንዮሃንስ ሓዉ: ምስ ተቐትለ: 12 ንኽዀኑ ተባሂሉ ዝተክኦ ሰብ ኣይነበረን። (ግብሪ ሃዋርያት 1:20-26፣ 12:1, 2) ኣብ ክንድኡስ: እቲ ቀጺሉ ብዛዕባ ኣማሓዳሪ ኣካል ዝገልጽ ጥቕሲ: እቲ ቝጽሪ ኣባላት ከም ዝዓበየ ኢዩ ዘርኢ። እቶም ንየሱስ ዝሰዓቡ ኣህዛብ ንሕጊ ሙሴ ይተኣዘዙዶ ወይስ ኣይተኣዘዙ ዝብል ክትዕ ምስ ተላዕለ: እቲ ጕዳይ ውሳነ ክዋሃቦ ናብቶም “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም” ተወስደ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2, 6, 20, 22, 23፣ 16:4) ሕጂ “ሽማግሌታት” ኣብቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ዘለዉ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስለምታይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን ኢዩ: እንተዀነ ግን ርኡይ ዝዀነ ረብሓታት ነይርዎ ኢዩ። ሞት ያእቆብን ናይ ጴጥሮስ ምእሳርን እቶም ሃዋርያት ሓደ መዓልቲ ክእሰሩ ወይ ክቕተሉ ከም ዝኽእሉ ኣርእዩ ኢዩ። ከምዚ እንተኣጋጠመ: ኻልኦት ብዛዕባ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል መስርሓት ተመክሮ ዘለዎም ብቑዓት ሽማግለታት ምህላዎም: ስርዓት ዘለዎ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ንኽቕጽል ውሕስነት ዝህብ ኢዩ ነይሩ።
6. እቶም ናይ መጀመርታ ኣባላቱ ኣብታ ከተማ እኳ እንተዘይነበሩ: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣብ የሩሳሌም ምዕያይ ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ጳውሎስ ኣብ ከባቢ ናይ 56 ከ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ: ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንያእቆብ ነገሮ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ኵላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተአከቡ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 21:18) ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሃዋርያት ዘይተጠቕሱ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሕጂ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ምዃኑ ኣይዛረብን ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ዮሰቡስ: ቅድሚ 66 ከ.ኣ.ዘ. “እቶም ዝተረፉ ሃዋርያት ብናይ ምቕታል ውዲት ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ስለ ዝነበሩ ካብ ይሁዳ ወጹ። እንተዀነ ግን: ነቲ መልእኽቶም ንኽምህሩ ብሓይሊ ክርስቶስ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተጓዓዙ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ። (ዮሰቡስ መጽሓፍ III, V, v. 2) ሓቂ ኢዩ: እዚ ዮሰቡስ ዝበሎ ክፍሊ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ኣይኰነን: ይኹን እምበር ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ጸብጻብ ዝሰማማዕ ኢዩ። ንኣብነት: ብ62 ከ.ኣ.ዘ. ጴጥሮስ ካብ የሩሳሌም ኣዝዩ ርሒቑ: ኣብ ባቢሎን ነበረ። (1 ጴጥሮስ 5:13) ይኹን እምበር: ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ምናልባት እውን ክሳዕ 66 ከ.ኣ.ዘ.: ኣማሓዳሪ ኣካል ብርኡይ ኣብ የሩሳሌም ንጡፍ ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ ኢዩ።
ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ዘሎ ምምሕዳር
7. ምስቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣማሓዳሪ ኣካል ኣዋዳዲርካ: እዚ ሎሚ ዘሎ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣብ ኣሰራርዕኡ እንታይ ርኡይ ፍልልይ ኣለዎ፧
7 ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጸበባ: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ካብቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት ጥራይ ዝቘመ ምንባሩ ርዱእ ኢዩ። ጳውሎስ ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ክበጽሓ ከሎ: ብዙሓት ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት: ዋላ እኳ ‘እምነት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ’ ሒዞም እንተ ነበሩ ገና ግን: “ብዛዕባ ሕጊ [ሙሴ] ቕንኣት” ከም ዝነበሮም ፈለጠ።c (ያእቆብ 2:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:20-25) ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣይሁዳውያን: ኣህዛብ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ክዀኑ ኢሎም ክሓስቡ ኸቢድዎም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ኣብ ኣሰራርዓ ናይዚ ኣካል እዚ ካብቲ ናይ ቀደም ለውጢ ኣሎ። ሎሚ: ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ብምሉኦም በቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ኢዩ: የሆዋ ድማ ነቲ ዝገብርዎ ጕስነት ኣጸቢቑ ባሪኽዎ ኢዩ።—ኤፌሶን 2:11-15
8, 9. ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ኣብ ኣማሓዳሪ ኣካል እንታይ ምዕባለታት ኢዩ እተራእየ፧
8 ካብቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፔንሲልቫንያ ብ1884 እተመስረተትሉ ክሳዕ 1972: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ምስቲ ናይ ማሕበር ናይ ሓለፍቲ ቦርድ ኣጸቢቑ እተቐራረበ ክኸውን ከሎ: እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብ ማሕበር የሆዋ ዓቢ ስልጣን ነበሮ። ኣብቲ እዋን እቲ ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ በረኸታት: የሆዋ ነቲ ስርዓት እቲ ከም እተቐበሎ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ካብ 1972 ክሳዕ 1975 ኣብ ዝነበረ እዋን ቍጽሪ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ናብ 18 ዓበየ። እዚ ገለ ካብቶም ሓለፍቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኣባላት ዝነበርዎ ኣካል: ዝሰፍሐ ስልጣን ምስ ተዋህቦ እቲ ኣሰራርዓ ምስቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣጸቢቑ ተመሳሰለ።
9 ካብ 1975 ኣትሒዙ ብዙሓት ካብዞም 18 ኣባላት ምድራዊ ዕዮኦም ወዲኦም ኢዮም። ንዓለም ስዒሮምዋ: ‘ምስ [የሱስ] ኣብ [ሰማያዊ] ዝፋን ተቐሚጦም’ ኢዮም። (ራእይ 3:21) በዚ ምኽንያት እዝን ካልእን: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ሕጂ ነቲ ብ1994 እተወሰኸ ሓደ ሓዊስካ ዓሰረተ ኣባላት ኢዩ ዘለዎ። መብዛሕትኦም ኣጸቢቖም ብዕድመ ዝደፍኡ ኢዮም። ይኹን እምበር: እዞም ቅቡኣት ኣሕዋት እዚኣቶም ነቲ ከቢድ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ኸለዉ ሓገዝ ይዋሃቦም ኢዩ። እዚ ሓገዝ እዚ ካበይ ኢዩ ዝርከብ፧ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እተገብረ ዘመናዊ ምዕባለታት ምርኣዩ: ነዚ ሕቶ እዚ ይምልሶ ኢዩ።
ንናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝኸውን ሓገዝ
10. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቶም ቅቡኣት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ መን ሓበሮም: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧
10 እቶም ብ1884 ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝሓብሩ ዝነበሩ ዳርጋ ኵላቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ቀስ እናበለ ኻልእ ጕጅለ ክቕልቀል ጀመረ: ብ1935 ድማ እዚ ጕጅለ እዚ ነቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተገሊጾም ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ዝሓዘ ምዃኑ ተፈልጠ። እዚኣቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኰይኖም: እቶም የሆዋ ኣብ ክርስቶስ ክጠቓለሉ ዝመደቦም ነቲ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ’ ዝውክሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 1:10) ነቶም ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ካልኦት አባጊዕ’ ዘመልክቱ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16) ካብ 1935 ኣትሒዞም እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ናብ ማሕበር የሆዋ ውሒዞም ኢዮም። ‘ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን [ኰይኖም] መጹ።’ (ኢሳይያስ 60:8) እቶም ዓቢ ጭፍራ እናወሰኹ ብምኻዶምን መብዛሕትኦም ካብቶም ቅቡኣት ክፍሊ ምድራዊ ጕዕዝኦም ብሞት ብምውድኦምን ብቕዓት ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እናወሰኸ ዝኸይድ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎም ጀመረ። በየናይ መገድታት፧
11. ብመጀመርታ ኣብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ተወሲኑ ዝነበረ እንታይ መሰላት ኢዩ ነቶም ዓቢ ጭፍራ እተዋህበ፧
11 ንደግነት የሆዋ ኣስፊሕካ ምእዋጅ: ኵሉ ግዜ ናይዚ ‘ቅዱስ ህዝቢ’ ኣምላኽ ፍሉይ ግዴታ ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ ከም ናይ ቤት መቕደስ መስዋእቲ ገይሩ ተዛሪብሉ ኣሎ: የሱስ ድማ ነቶም “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ክዀኑ ዘለዎም ክሰብኩን ክምህሩን መዝነት ሂብዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 19:5, 6፣ 1 ጴጥሮስ 2:4, 9፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ እብራውያን 13:15, 16) ይኹን እምበር: እታ ናይ 1 ነሓሰ 1932 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ብዮናዳብ ተመሲሎም ዘለዉ ኣብዚ ዕዮ እዚ ክካፈሉ ብፍላይ ኣተባቢዓቶም ኢያ። ብርግጽ: ብዙሓት ካብዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ድሮ ከምኡ ይገብሩ ነይሮም ኢዮም። ሎሚ: ዳርጋ ኵሉ እቲ ናይ ስብከት ዕዮ በቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዩ ዝግበር ዘሎ: እዚ ድማ ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ‘ንኣምላኽ ኣብታ መቕደሱ ለይትን መዓልትን ዘገልግልዎ ኢዩ።’ (ራእይ 7:15) ብተመሳሳሊ: ኣብ መጀመርታ ክፍሊ ናይዚ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ: ናይ ጉባኤ ሽማግለታት: ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ክርስቶስ ዘለዉ “ኸዋኽብቲ”: ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም ነይሮም። (ራእይ 1:16, 20) እንተዀነ ግን: እታ ናይ 1 ግንቦት 1937 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብቕዓት ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ተሓባበርቲ ኣገልገልቲ (ኣቦ ወንበር ተዓዘብቲ) ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገለጸት። ኣብታ ጉባኤ ቅቡኣት ሰብኡት እውን ይሃልዉ: ነዚ ሓላፍነት እዚ ክስከሙ ዘይክእሉ እንተድኣ ኰይኖም: እዚ ሓላፍነት እዚ ነቶም ኻልኦት ኣባጊዕ ክወሃቦም ይከኣል ኢዩ። ሎሚ: ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ዳርጋ ኵሎም ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዮም።
12. ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ዓቢ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ንምሃቦም እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣሎ፧
12 ነዞም ካልኦት ኣባጊዕ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ሓላፍነት ምሃብ ጌጋ ድዩ፧ ጌጋ ኣይኰነን: ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ታሪኽ ብምስዓብ እተገብረ ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ገለ ወጻእተኛታት ጵሮሰሊት (ጓኖት ነበርቲ) ዝለዓለ ቦታ ሒዞም ነበሩ። (2 ሳሙኤል 23:37, 39፣ ኤርምያስ 38:7-9) ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን: ብቕዓት ዝነበሮም ነትኒም (እስራኤላውያን ዘይኰኑ ናይ ቤት መቕደስ ኣገልገልቲ) ቅድሚ ሽዑ ንሌዋውያን ጥራይ ዝዋሃብ ዝነበረ ናይ ቤት መቕደስ ኣገልግሎት መሰል ተዋህቦም። (እዝራ 8:15-20፣ ነህምያ 7:60) ኣብ ርእሲ እዚ ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ምስ የሱስ እተራእየ ሙሴ: በቲ ሚድያናዊ የትሮ ንእተዋህቦ ምኽሪ ተቐቢልዎ ኢዩ። ጸኒሑ ኸኣ ንሖባብ ወዲ የትሮ ኣብቲ በረኻ ክመርሖም ሓተቶ።—ዘጸኣት 18:5, 17-24፣ ዘሁልቍ 10:29
13. እቶም ቅቡኣት: ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ብትሕትና ሓላፍነት ምክፋሎም ናይ መን ጽቡቕ ኣብነት ኢዮም ዝቐድሑ፧
13 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይተን ኣብ በረኻ ዝነበሩለን 40 ዓመታት: ሙሴ ናብታ ምድሪ ተስፋ ከም ዘይኣቱ ብምፍላጡ: የሆዋ ንዕኡ ዝትክኦ ሰብ ከዳሉ ጸለየ። (ዘሁልቍ 27:15-17) የሆዋ: ንሙሴ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኰይኑ ንእያሱ ክምዝዞ ነገሮ: ሙሴ ድማ ዋላ እኳ ብኣካል ድልዱል: ብኡንብኡ ድማ ንእስራኤል ምግልጋል እንተ ዘየቋረጸ ከምኡ ገበረ። (ዘዳግም 3:28፣ 34:5-7, 9) እቶም ቅቡኣት: ከምዚ ዝበለ ተመሳሳሊ ናይ ትሕትና መንፈስ ብምንጽብራቕ ነቶም ካብ ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀነ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ተወሳኺ መሰላት ድሮ ሂቦምዎም ኣለዉ።
14. ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ምምሕዳራዊ ተራ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዘመልክት ትንቢታት ኣየናይ ኢዩ፧
14 እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ምምሕዳራዊ ተራ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብትንቢት እውን ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ዘካርያስ: እቲ እስራኤላዊ ዘይኰነ ፍልስጢኤማዊ “ኣብ ይሁዳ . . . ከም ሓለቓ [“ሸኽ:” NW ]” ከም ዝኸውን ተነበየ። (ዘካርያስ 9:6, 7) ሸኻት ናይ ቀቢላ ሓላቑ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ዘካርያስ እቶም ቀደም ጸላእቲ እስራኤል ዝነበሩ ሓቀኛ ኣምልኾ ክሕዙ እሞ: ኣብታ ምድሪ ተስፋ ድማ ከም ናይ ቀቢላ ሓላቑ ክዀኑ ምዃኖም ኢዩ እተዛረበ። ብተወሳኺ ንናይ እስራኤል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ የሆዋ ኸምዚ በለ:- “ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ: መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም: ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ።” (ኢሳይያስ 61:5, 6) እቶም “መጻእተኛታት” ከምኡውን “ጓኖት” ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዮም። እቶም ብዕድመ ደፊኦም ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ ምድራዊ ኣገልግሎቶም ወዲኦም: ከም “ኣገልገልቲ ኣምላኽና:” መጠን ነቲ ክቡር ዝፋን የሆዋ ከቢቦም ምሉእ ብምሉእ ሰማያውያን “ካህናት እግዚኣብሄር” ኰይኖም ከገልግሉ ናብ ሰማይ ክኸዱ ከለዉ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝያዳ ዕዮ ምእንቲ ክዓዩ ሕጂ ሓላፍነታት ይዋሃቦም ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 15:50-57፣ ራእይ 4:4, 9-11፣ 5:9, 10
‘ዝመጽእ ወለዶ’
15. ኣብዚ ዘመን መወዳእታ እዚ: ኣየኖት ጕጅለ ክርስትያናት ኢዮም ‘ኣሪጎም’ ዘለዉ: እቲ ‘መጻኢ ወለዶ’ኸ ነየናይ ጕጅለ ኢዩ ዘመልክት፧
15 እቶም ቅቡኣት ተረፍ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንዝያዳ ሓላፍነት ከለማምድዎም ዓሚቝ ድሌት ኣለዎም። መዝሙር 71:18 ከምዚ ትብል:- “ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ: ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ: ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።” እታ ናይ 15 ታሕሳስ 1948 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳባት ክትህብ ከላ እቶም ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ብርግጽ ኣብ እርጋን ከም ዝበጽሑ ኣመልከተት። ቀጺላ እቶም ቅቡኣት “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ክበርሃሎምን ሓድሽ ወለዶ ክርእዩን [ብሓጐስ] ኣማዕድዮም ይጥምቱ ኢዮም” በለት። እዚ ብፍላይ ንመን ኢዩ ዘመልክት፧ እታ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት:- “የሱስ ብዛዕብኦም ከም ናቱ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ገይሩ ተዛሪብሎም ኣሎ።” እቲ ‘ዝመጽእ ወለዶ’ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ብሰማያዊት መንግስቲ ዝግዛእ ሓድሽ ምድራዊ ምምሕዳር ክነብሩ ዘለዎም ሰባት ዘመልክት ኢዩ።
16. እቲ ‘ዝመጽእ ወለዶ’ እንታይ በረኸታት ኢዩ ኣማዕድዩ ዝጥምት፧
16 ኵሎም እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቶም ናይዚ ‘ዝመጽእ ወለዶ’ ኣሕዋቶም ገዲፎምዎም ምስ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሮም ክኸብሩ መዓስ ከም ዝኸዱ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኣይገልጽን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ቅቡኣት እቲ እዚ ዝዀነሉ እዋን ይቐርብ ምህላዉ ይተኣማመኑ ኢዮም። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ “ዘመን መወዳእታ” ዝሃቦ ዝዓበየ ትንቢት ዘሎ ፍጻመታት ካብ 1914 ጀሚሩ ይፍጸም ኣሎ: እዚ ድማ ጥፍኣት ናይዛ ዓለም እዚኣ ከም ዝቐረበ ዘርኢ ኢዩ። (ዳንኤል 12:4፣ ማቴዎስ 24:3-14፣ ማርቆስ 13:4-20፣ ሉቃስ 21:7-24) የሆዋ ቀልጢፉ ነቲ ‘ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወሎም መንግስቲ [ምድራዊ ግዝኣት] ክወርሱ’ ነቲ ‘መጻኢ ወለዶ’ እትኸውን ሓዳስ ዓለም ክተክል ኢዩ። (ማቴዎስ 25:34) ገነት ክትምለሰን ሚልዮናት ዝሞቱ ሰባት ካብ ሃደስ ክወጹን ብተስፋ ንምጽባይ ሕጕሳት ኢዮም። (ራእይ 20:13) ነቶም ዝትንስኡ ሰባት ክቕበሉ ኢሎም እቶም ቅቡኣት ኣብኡ ክህልዉ ድዮም፧ ብ1925 ናይ 1 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት:- “ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገብሮን ዘይገብሮን ነገራት ከምቲ ንዓና ዝሰማማዓና ገይርና ክንውስን ኣይግብኣናን ኢዩ። . . . [እንተዀነ ግን] ኣባላት ናይታ ቤተ-ክርስትያን [እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት] ቅድሚ እቶም ናይ ጥንቲ ብቑዓት [ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር] ምትንስኦም ክብሪ ክለብሱ ኢዮም ኢልና ክንድምድም ተመሪሕና ኢና።” ገለ ካብቶም ቅቡኣት ነቶም ዝትንስኡ ምዉታት ክቕበልዎም ክጸንሑ ድዮም ኣይጸንሑን እትገለጽ ናይ 1 መስከረም 1989 ግምቢ ዘብዐኛ ብተመሳሳሊ “እዚ ኣድላዪ ከይከውን ይኽእል ኢዩ” በለት።d
17. እቶም ቅቡኣት ብጕጅለ ደረጃ ምስቲ ዝነገሰ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም እንታይ ዘደንቕ መሰላት ኢዮም ዝካፈሉ፧
17 ናይ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ጕዳይ ከመይ ከም ዝኸውን ከም ዘይንፈልጥ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ሙሴን ኤልያስን ምስ የሱስ ምንባሮም: ከምቲ ዝፈርዶን ዝፍጽሞን ገይሩ “ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ” ብኽብሪ ክመጽእ ከሎ እቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናት ምስኡ ክህልዉ ትጽቢት ከም ዝግበር ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ የሱስ ነቶም ‘ዝስዕሩ’ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ኣርማጌዶን ‘ንኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም ከሎ’ ምስኡ ከም ዝካፈሉ ዝገበሮ መብጽዓ ንዝክሮ ኢና። የሱስ ብኽብሩ ክመጽእ ከሎ ‘ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ንምፍራድ’ ምስኡ ኮፍ ክብሉ ኢዮም። ምስ የሱስ ኰይኖም ‘ንሰይጣን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሮም ክቕጥቅጥዎ’ ኢዮም።—ማቴዎስ 16:27–17:9፣ 19:28፣ ራእይ 2:26, 27፣ 16:14, 16፣ ሮሜ 16:20፣ ዘፍጥረት 3:15፣ መዝሙር 2:9፣ 2 ተሰሎንቄ 1:9, 10
18. (ሀ) ነቲ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ ናብ ክርስቶስ ንምጥቕላል’ እቲ ኵነታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ብዛዕባ ናይቲ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ ናብ ክርስቶስ ምጥቕላል’ ዝምልከት እንታይ ኢና ክንብል እንኽእል፧
18 የሆዋ ኣብቲ ንነገራት ዝገብሮ ምምሕዳር ‘ኣብ ክርስቶስ ንኽጥቕልሎ’ ብዘይምቍራጽ ንቕድሚት ይቕጽል ኣሎ። ነቲ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ’ ነገራት ዝምልከት ዕላምኡ ኣብ ምውድኡ ገጹ ኢዩ። እቲ የሱስ ምስ ኵሎም 144,000 ብምሕባር ዝግበር “መርዓ እቲ ገንሸል” ቀሪቡ ኢዩ። ስለዚ ድማ ካብ ነዊሕ ግዜ እናወሰኹ ዝኸዱ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ብሱላት ክርስትያናት: ነቲ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ’ ብምውካል ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ዝያዳ ዓቢ ሓላፍነት ተወሲኽዎም ኢዩ። ኣየ ኣብ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ እዋን ኰን ኢና ንነብር ዘሎና! ዕላማ የሆዋ ንቕድሚት ናብ ፍጻሜኡ ገጹ ክቕጽል ክትርእዮስ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ነገር ኰን ኢዩ! (ኤፌሶን 1:9, 10፣ 3:10-12፣ ራእይ 14:1፣ 19:7, 9) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቲ ንጉስ ብምግዛእ: ንኽብሪ እቲ ዝዓበየ ኣድማሳዊ ሉዑል የሆዋ ኣምላኽ ኢሎም ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ክድግፉ: እዞም ክልተ ጕጅለታት ከም “ሓደ መጓሰ” ኣብ ትሕቲ ሓደ ‘ጓሳ’ ኰይኖም ከገልግሉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዝሕጐሱ!—ዮሃንስ 10:16፣ ፊልጲ 2:9-11
[እግረ-ጽሑፋት]
b ንኣብነት ካብ 1914 ጀሚሩ: እታ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዋ ብዝርአን ዝስማዕን ኣገባብ እተዳለወት “ዘ ፎቶ -ድራማ ኦቭ ክርኤሽን ” (እንግሊዝኛ) ኣብ ብምሉኡ ምዕራባዊ ዓለም: ሰብ ኣጸቢቑ ኣብ ዝመልኦ ትያትራት ተራእያ ኢያ።
c ካብ ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ስለምንታይ ቅንኣት ከም ዝነበሮም ሓሳባት ንምርካብ ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክርፕቸርስ ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: ጥራዝ 2 ገጽ 1163-4 ርአ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ማሕበር የሆዋ ንቕድሚት ትስጕም ዝነበረት ብኸመይ ኢያ፧
◻ ኣብዚ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል እናዓበየ ዝኸደ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ማሕበር የሆዋ ስልጣን ምሃብ: እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ኣለዎ፧
◻ እቲ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ’ ከምኡውን ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ’ ብሓባር ኣብ ክርስቶስ እተጠቓለለ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ናይ መጀመርታ ኣባላቱ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዘይነበርሉ እዋን እውን ከይተረፈ: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ዕይኡ ቀጸለ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ብሱላት ቅቡኣት ክርስትያናት: ንህዝቢ የሆዋ በረኸት ኰይኖም ኢዮም
ሲ. ቲ. ራስል 1884-1916
ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ 1916-42
ኤን. ኤች. ኖር 1942-77
ኤፍ. ዳብሊው. ፍራንዝ 1977-92
ኤም. ጂ. ሄንሸል 1992-