ሃብቲ ንጉስ ሰሎሞን እተጋነነ ድዩ፧
“ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ።”—1 ነገስት 10:14
ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 25 ቶን ወርቂ የእቱ ነበረ! እዚ ሎሚ ዋጋኡ 240,000,000 ዶላር ኢዩ። እዚ ካብቲ ብ1800 ኣብ ምሉእ ዓለም ተዃዒቱ ዝወጸ ወርቂ ዳርጋ ክንዲ ዕጽፉ ኢዩ። ክንድዚ ወርቂ ከትረክብስ ዝከኣል ድዩ፧ ናይ ኵዕታ መሬት መጽናዕቲ መረጋገጺታትከ እንታይ ይሕብር፧ መረጋገጺታት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሃብቲ ሰሎሞን ብርግጽ ክእመን ዝከኣል ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። ባይብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:-
◻ ናይ ግብጺ ንጉስ ቱሞሰ ሳልሳይ (ካልኣይ ሽሓዊ ዓመት ቅ.ኣ.ዘ.): ነቲ ኣብ ካርናክ ዝነበረ ቤተ-መቕደስ ኣሞን-ራ: ዳርጋ 13.5 ቶን ዝኸውን ናይ ወርቂ ኣቕሑ ኣቕረበ—እዚ ድማ ናይቲ ዘቕረቦ ህያብ ክፋል ጥራይ ነበረ።
◻ ናይ ግብጺ እተቐርጸ ጽሑፋት: ንጉስ ኦሶርኮን ቀዳማይ (ኣብ መጀመርታ ናይ ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመት ቅ.ኣ.ዘ.) ንኣማልኽቱ ዘቕረቦ: ብድምር ዳርጋ 383 ቶን ዝኸውን ናይ ወርቅን ብሩርን ህያባት መዝጊቡ ይርከብ።
ብተወሳኺ: ናይቲ ግሬት ኤጅስ ኦቭ ማን ዘርእስቱ መጽሓፍ ተኸታታሊ ጥራዝ ዝዀነ ክላሲካል ግሪስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጸብጻብ የቕርብ:-
◻ ንጉስ ፊሊፕ ካልኣይ (359-336 ቅ.ኣ.ዘ.) ካብቲ ኣብ ትረይስ ዝነበረ ናይ ፖንጀይን መዐደኒ ቦታታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 37 ቶን ወርቂ ይረክብ ነበረ።
◻ ፊሊፕ: ወዱ ንኣለክሳንደር ዓቢ: (336-323 ቅ.ኣ.ዘ.) ነታ ርእሲ ከተማ ግዝኣት ፋርስ ዝነበረት ሱሳ ምስ ማረኻ: ልዕሊ 1,000 ቶን ዝግመት ናይ ወርቂ ክዙን ሃብቲ ተረኺቡ ኢዩ።—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ
ስለዚ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሃብቲ ንጉስ ሰሎሞን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። ሰሎሞን ኣብቲ ግዜ እቲ “ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ [ዝዓበየ]” ከም ዝነበረ እውን ዘክር።—1 ነገስት 10:23
ሰሎሞን ንሃብቱ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧ ዝፋኑ ‘ብጽሩይ ወርቂ’ እተለበጠ: መሳተያኡ ካብ “ወርቂ” እተሰርሐ ነበረ: ካብ “ቕጥቁጥ ወርቂ” እተሰርሐ 200 ዓበይትን 300 ንኣሽቱን ዋላቱ ድማ ነበሮ። (1 ነገስት 10:16-21) ልዕሊ ዅሉ ድማ: ናይ ሰሎሞን ወርቂ ምስታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ-መቕደስ የሆዋ ብእተተሓሓዘ መገዲ እውን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ኢዩ። እቲ ናይታ ቤተ-መቕደስ ቀዋሚ ቐነዲል ከምኡውን: እቲ ከም ሻኳታት: ጽዋኣት: ንኣሽቱ ዕትሮታትን ጭሔሎታትን ዝኣመሰለ ቅዱስ ኣቓሑ ካብ ወርቅን ብሩርን እተሰርሐ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝነበሩ 4.5 ሜትሮ ዝቝመቶም ኪሩቤላት: እቲ መሰውኢ ዕጣን: ብምሉኡ እቲ ውሽጣዊ ክፍሊ እታ ቤት ብወርቂ እተለበጠ ኢዩ ነይሩ።—1 ነገስት 6:20-22፣ 7:48-50፣ 1 ዜና መዋእል 28:17
ዛዕባ ብወርቂ እተለበጠ ቤተ-መቕደስከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እቲ ዘገርም: ቤተ-መቕደስ ብወርቂ ምልባጥ ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ባይቢልካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው: ናይ ግብጺ ንጉስ ኣሚኖፊስ ሳልሳይ “ነቲ ኣሙን እተባህለ ዓቢ ኣምላኽ: ኣብ ቴበስ ‘ብምሉኣ ብወርቂ እተለበጠት: ምድሪ ቤታ ብብሩር እተሰለመ: [ከምኡውን] ኵሉ ማዕጾታታ ካብ ኤለክትሩም’—ናይ ወርቅን ብሩርን ሕውስዋስ—“እተሰርሐት ቤተ-መቕደስ ብምህናጽ ከም ዘኽበሮ” ይገልጽ። ብተወሳኺ: ኤሳር-ሓዶን ንጉስ ኣሶር (ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.) ነቲ ናይ ኣሹር ቅዱስ ቦታ ማዕጾታትን መናድቕን ብወርቂ ለበጦ። ናቦኒዳስ ንጉስ ባቢሎን (ሻዱሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.): ነቲ ኣብ ሃራን ዝነበረት ናይ ሲን ቤተ-መቕደስ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ መዝጊቡ ይርከብ:- “ነቲ መናድቓ ብወርቅን ብሩርን ለበጥክዎ: ከም ጸሓይ ዘንጸባርቕ ድማ ገበርክዎ።”
ስለዚ: ታሪኻዊ መዛግብቲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንሃብቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝምልከት ጸብጻብ እተጋነነ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር።