የሁ፡ ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
የሁ፡ ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። ነዚ ኸኣ ብጻዕርን ብፍጥነትን ብጽንዓትን ብቕንኣትን ብትብዓትን እዩ ፈጺምዎ። የሁ ኽንቀድሖ ዚግብኣና ባህርያት ኣርእዩ እዩ።
ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ የሁ ሓደ ተልእኾ ተዋህቦ። እታ ሰበይቲ ኣከኣብን ኣደ ንጉስ ዮራምን ዝነበረት እክይቲ ኢዛቤል፡ ኣብ እስራኤል ሕማቕ ጽልዋ ትገብር ነበረት። ንህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ገዲፎም ንበዓል ከም ዜምልኹ ገበረቶም፡ ንነብያት ኣምላኽ ቀተለቶም፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ‘ብምንዝርናኣን ብኣስማታን’ ኣበላሸወቶ። (2 ነገ. 9:22፣ 1 ነገ. 18:4, 13) የሆዋ ንዮራምን ንኢዛቤልን ሓዊስካ ዅሎም ቤት ኣከኣብ ኪጸንቱ ኣወጀ። የሁ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ መሪሕ ግደ ተዋህቦ።
እስራኤላውያን ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ምስ ሶርያውያን ኣብ ዚዋግኡሉ ዝነበሩ እዋን፡ የሁ ምስ ሓላቑ እስራኤል ተቐሚጡ ኸም ዝነበረ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። ንሱ ዝለዓለ ስልጣን እዩ ነይርዎ፣ ምናልባት እውን ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነብዪ ኤልሳእ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ጸዊዑ፡ ንየሁ ኣብ ንኺነግስ ኪቐብኦን ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ኸሓድቲ ቤት ኣከኣብ ንኪቐትል ኪእዝዞን ለኣኾ።—2 ነገ. 8:28፣ 9:1-10።
እቶም ብጾት የሁ ዝዀኑ ኣሕሉቕ፡ እቲ ልኡኽ ብዛዕባ ዝመጽኣሉ ዕላማ ንየሁ ምስ ሓተትዎ፡ ክነግሮም ኣይደለየን። ኣትሪሮም ምስ ሓተትዎ ግና፡ እቲ ሓቂ ነገሮም፣ ንሱን ብጾቱን ከኣ ንዮራም ውዲት ኪኣልሙሉ ጀመሩ። (2 ነገ. 9:11-14) እዞም ሰባት እዚኣቶም ብውሽጢ ውሽጢ ንፖሊሲታት እቶም ዚገዝኡ ዝነበሩ ቤት ኣከኣብን ንጽልዋ ኢዛቤልን ይቃወምዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሁ ተልእኾኡ ንምፍጻም ዜኽእሎ ብሉጽ መገዲ ተጠንቂቑ ኣጽንዐ።
ንጉስ ዮራም ኣብ ውግእ ስለ ዝቘሰለ ንኺፍወስ ናብ ይዝርኤል ኣንሳሒቡ ነበረ። የሁ እቲ ዝሓንጸጾ ውጥን ኪሰልጥ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ይዝርኤል ኪውረ ኸም ዘይብሉ ተገንዘበ። ስለዚ ድማ፡ “ከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግር ካብዛ ከተማ ሓደ እኳ ሀዲሙ ኣይውጻእ” በለ። (2 ነገ. 9:14, 15) ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብቶም እሙናት ወተሃደራት ዮራም ገለ ተቓውሞ ኼጋጥሞ ኸም ዚኽእል ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ምቅዋም ተኽእሎ ኸም ዘይህሉ ኺገብር ደለየ።
ፈጣን ኣኻይዳ!
የሁ ብሃንደበት ምእንቲ ኼጥቅዕ፡ ብሰረገላ ኻብ ራሞት-ጊልዓድ ተበጊሱ፡ ናብታ 72 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ይዝርኤል ከደ። ናብታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ዝነበረ ሓደ ዘብዐኛ፡ “ጭፍራ የሁ ኺመጽእ” ርኣየ። (2 ነገ. 9:17) የሁ ዕላማኡ ምእንቲ ኺወቅዕ ብዙሕ ሰራዊት ሒዙ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
እቲ ዘብዐኛ ነቲ ተባዕ የሁ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ሰረገላታት ምስ ረኣዮ፡ “ከም ዕቡድ ይኸይድ አሎ” ኢሉ ጨደረ። (2 ነገ. 9:20) የሁ ኻብ ቀደሙ ፈጣን እንተ ነይሩ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብዝያዳ ተወንጪፉ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዘለዎ፡ ኣኻይዳኡ ኸም ዕቡድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ነቶም ናብኡ እተላእኹ ኽልተ ልኡኻት ምንም ምላሽ ከይሃበ ብምኻድ፡ ንንጉስ ዮራምን ነቲ መሻርኽቱ ዝዀነ ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ሰሰረገላኦም ተቐሚጦም ረኸቦም። ዮራም ንየሁ፡ “የሁ፡ ደሓን ዲኻ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ንሱ ድማ፡ “እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ፧” ዚብል ተሪር ምላሽ ሃቦ። ዮራም በዚ ምላሽ እዚ ሰንቢዱ ሃደመ። የሁ ግና ቀልጢፉ ኣርከቦ እሞ ቐስቱ ገቲሩ ፍላጻ ብምውርዋር ኣብ ልቡ ወግኦ፡ ኣብ ሰረገላኡ ድማ ሞተ። ኣሓዝያ ኼምልጥ እኳ እንተ ፈተነ፡ የሁ ንዕኡ እውን ኣርኪቡ ቐተሎ።—2 ነገ. 9:22-24, 27።
ካብ ቤት ኣከኣብ፡ ቀጺላ ኽትቅተል ዝነበራ ኸኣ ንግስቲ ኢዛቤል እያ። የሁ ንኢዛቤል፡ “ርግምቲ” ኺብላ ሓቁ እዩ። ናብ ይዝርኤል እናኸደ ኸሎ፡ ኢዛቤል ካብ መስኮት ቤተ መንግስቲ ተቐልቂላ ኽትጥምቶ ኸላ ረኣያ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስሉባት ድማ ካብ መስኮት ኬጽድፍዋ ኣዘዞም። ነዛ ንመላእ እስራኤል ዘበላሸወት ሰበይቲ ምስ ኣጽደፍዋ ኸኣ ብኣፍራሱ ገይሩ ረገጻ። ድሕሪኡ ድማ፡ ነቶም ዝተረፉ ኻልኦት ኣባላት ቤት እቲ እኩይ ኣከኣብ ኬጽንት ከደ።—2 ነገ. 9:30-34፣ 10:1-14።
ቅትለት ባህ ዘይብል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ፍርድታቱ ንምፍጻም ብኣገልገልቱ ይጥቀም ከም ዝነበረ ኽንግንዘብ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምምጻኡ ንጥፍኣቱ ኻብ ኣምላኽ እዩ ዝነበረ። ናብኡ ምስ መጸ፡ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጽንታ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ የሁ ወዲ ኒምሺ ኪቕበሎ ምስ ዮራም ወጸ” ብምባል ይገልጽ። (2 ዜና 22:7) የሁ ንሬሳ ዮራም ካብቲ ሰረገላ ኺድርብዮ ኸሎ፡ መፈጸምታ እቲ ኣከኣብ ንናቦት ብምቕታሉ፡ የሆዋ ንቤት ኣከኣብ ኪቐጽዕ ዝኣተዎ ቓል ከም ዝዀነ ተረድአ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኢዛቤል ዘፍሰሰቶ “ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄር” ሕነ ኺፈዲ ተኣዚዙ ነይሩ እዩ።—2 ነገ. 9:7, 25, 26፣ 1 ነገ. 21:17-19።
ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ምስቶም ንንጹህ ኣምልኾ ዚቃወሙ ሰባት ብስጋዊ መገዲ ኣይዋግኡን እዮም። ከመይሲ ኣምላኽ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (እብ. 10:30) ኰይኑ ግና፡ ክርስትያን ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኻብቶም ሕማቕ ጽልዋ ኺገብሩ ዚኽእሉ ሰባት ምእንቲ ኼዕቍብዋ፡ ከም የሁ ብትብዓት ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 5:9-13) ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ኸኣ ምስቶም እተወገዱ ሰባት ንኸይሓብሩ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።—2 ዮሃ. 9-11።
የሁ ንየሆዋ ዝነበሮ ቕንኣት
የሁ፡ ነቲ እሙን ዝነበረ ዮናዳብ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ፡ ተልእኾኡ ንኺፍጽም ዚደረኾ እንታይ ምዃኑ ኣግሂድዎ ኣሎ። ንዮናዳብ፡ “ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር ርኤ” በሎ። ንሱ ኸኣ ነዚ ዕድመ እዚ ተቐቢሉ ናብ ሰረገላ የሁ ደየበ፡ ምስኡ ድማ ናብ ሰማርያ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ፡ የሁ “ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኼጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ።”—2 ነገ. 10:15-17, 19።
የሁ፡ “ንበዓል ብዙሕ ዝስውኦ አሎኒ” ኢሉ ኣወጀ። (2 ነገ. 10:18, 19) ሓደ ምሁር፡ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “የሁ ውስጠዘ እዩ ተጠቒሙ። እታ ቓል ብሓፈሻ፡ ‘መስዋእቲ’ ዚብል ትርጕም እኳ እንተ ኣለዋ፡ ንኸሓድቲ ‘ንምሕራድ’ እውን ትውዕል እያ” በለ። የሁ ኻብ ኣምለኽቲ በዓል ዋላ ሓደ እውን ይኹን ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኼምልጥ ስለ ዘይደለየ፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ በዓል ኣብ ቤት በዓል ኣኪቡ ፍሉይ ክዳን ከደኖም። እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ የሁ 80 ዕጡቓት ሰብኡት ንኣገልገልቲ በዓል ከም ዚሓርድዎም ገበረ። ድሕርዚ ንቤት በዓል ኣፍሪሱ፡ ዓይኒ ምድሪ ገበራ።—2 ነገ. 10:20-27።
የሁ ብዙሕ ደም እኳ እንተ ኣፍሰሰ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንእስራኤል ካብ ጭቈና ኢዛቤልን ስድራ ቤታን ዝገላገለ ተባዕ ሰብኣይ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኺወስድ ዚኽእል፡ ሓደ ተባዕን ቈራጽን ቀናእን መራሕ እስራኤል ጥራይ እዩ ነይሩ። ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ የሁ ዝዓመሞ ዕማም ከምዚ ብምባል ገለጸ፦ “ኣሸጋርን ብጽንዓት እተፈጸመን ሰፊሕ ዕዮ እዩ ነይሩ። ዝፈዀሰ ስጕምቲ እንተ ዚውሰድ ነይሩ፡ ኣገልገልቲ በዓል ካብ እስራኤል ምናልባት ኣይምጸነቱን።”
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንዜጋጥሞም ኵነታት ምእንቲ ኺዋጽእሉ ንገለ ኻብቲ የሁ ዝነበሮ ባህርያት ኬንጸባርቑ ኸም ዘለዎም ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብቲ የሆዋ ዚዅንኖ ተግባራት ክንጽመድ ምስ እንፍተን እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፧ ነቲ ፈተና እቲ ብቕልጡፍን ብትብዓትን ብቕንኣትን ክንነጽጎ ኣሎና። ብኣምልኾና ዝመጸ፡ ንየሆዋ ቐናኣት ክንከውን ኣሎና።
ተጠንቂቕካ ብሕጊ የሆዋ ተመላለስ
ካብዚ ታሪኽ እዚ መጠንቀቕታ እውን ንረክብ ኢና። ከመይሲ፡ የሁ፡ “ደድሕሪ እቶም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኻብ ምስዓብ ኣየግለሰን።” (2 ነገ. 10:29) ንንጹህ ኣምልኾ ኣዝዩ ቐናእ ዝነበረ ሰብሲ፡ ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ጣኦት ኬምልኽ ዚኽእል፧
የሁ፡ እታ ኻብ ይሁዳ ተፈልያ ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል፡ ብሃይማኖታዊ መገዲ እውን ክትፍለ ኸም ዘለዋ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ፡ ኣምልኾ ምራኽ ከም ዚቕጽል ብምግባር እተን ክልተ መንግስትታት ተፈልየን ከም ዚነብራ ገበረ። እዚ ግና ኣብቲ ዘንገሶ የሆዋ ምሉእ እምነት ከም ዘይነበሮ ኺሕብር ይኽእል እዩ።
የሆዋ ንየሁ፡ “ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካ” ብምባል እኳ እንተ ንኣዶ፡ “የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን።” (2 ነገ. 10:30, 31) ንዅሉ እቲ የሁ ኣቐድም ኣቢሉ ዝገበሮ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በዚ ኣብ መወዳእታ ዝወሰዶ ስጕምቲ ደንጽዩካን ጕሂኻን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ንዅላትና ዜመሓላልፎ ትምህርቲ ኣሎ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ፈጺምና ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ንሰማያዊ ኣቦና ልባዊ ጸሎት ብምቕራብን ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኣብ መመዓልቲ ኸነደልድሎ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ብምሉእ ልብና ብሕጊ የሆዋ ንምምልላስ ብዝከኣለና መጠን ንጽዓር።—1 ቈረ. 10:12።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
የሁ፡ ኣብ ዓለማዊ ታሪኽ
ሃያስያን ንህላወ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ ባህርያት መብዛሕትኡ ግዜ ይጠራጠሩሉ እዮም። እሞኸ ብዘይካ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሁ ዚገልጽ ካልእ መርትዖ ኣሎዶ፧
ካብ ጥንታዊት ኣሶር እተረኽበ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሰነዳት፡ ነዚ ንጉስ እስራኤል እዚ ብስሙ ይጠቕሶ እዩ። ሓደ ኻብኡ የሁ ወይ ሓደ ኻብ ወኪላቱ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሰልመናስር ሳልሳይ ኪሰግድን ግብሪ ኺግብርን ከሎ ኸም ዜርኢ ይሕብር። እቲ ኣብ ጐድኑ ዘሎ ቕርጸ ጽሑፍ፡ “ግብሪ የሁ (ላ-ኡ-ኣ)፡ ወዲ ዖምሪ (ሁ-ኡም-ሪ)፣ ካብኡ ብሩር፡ ወርቂ፡ ወርቃዊ ጻሕሊ-ሳፕሉ፡ እግሪ ዘለዎ ወርቃዊ ሳርማ፡ ወርቃዊ ብርጭቆታት፡ ወርቃዊ ሳንኬሎታት፡ ቈርቈሮ፡ ንንጉስ ዚኸውን ዘንጊ፡ (ከምኡውን) ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ፑሩህቱ [እዛ ኣብ መወዳእታ እተጠቐሰት ቃል እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋ ኣይተፈልጠን] ተቐቢለ” ዚብል ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። የሁ ቖመና “ወዲ ዖምሪ” እኳ እንተ ዘይነበረ፡ እዚ ስያመ እዚ መጸውዒ እቶም ብተኸታታሊ ዚነግሱ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ዖምሪ ውሩይ ስለ ዝነበረን ነታ ርእሲ ኸተማ እስራኤል ዝነበረት ሰማርያ ስለ ዝሃነጻን ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ንጉስ ኣሶር ካብ የሁ ግብሪ ኸም እተቐበለ እተዛረቦ ዘረባ መርትዖ ኣይተረኽበሉን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንጉስ ንየሁ ሰለስተ ግዜ ጠቒስዎ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓደ ሰነድ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰልመናስር፡ ኣብ መዝገብ ፍጻመታት ነገስታት ኣሶር እዩ ዚርከብ። እዚ መወከሲታት እዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ገጸ ባህርይ ታሪኻዊ ሓቅነት ከም ዘለዎ የረጋግጽ።