2 ነገስት
9 ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብ ደቂ ነብያት ጸዊዑ ኸምዚ በሎ፦ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፡ እዚ መቐርሰሚቶ ዘይቲ እዚ ምሳኻ ወሲድካ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ኪድ።+ 2 ኣብኣ ምስ በጻሕካ፡ ንየሁ+ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ ኣብኡ ድለዮ፣ ኣቲኻ ኸኣ ካብ መንጎ ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ናብ ውሻጠ ኣእትዎ። 3 ነዚ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ውሰድ እሞ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሲስካ፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ እየ”’ በሎ።+ ሽዑ፡ ማዕጾ ኸፊትካ ኸይደንጐኻ ህደም።”
4 ጊልያ እቲ ነብዪ ድማ፡ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ከደ። 5 ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ተቐሚጦም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ሓለቓ፡ ንዓኻ መልእኽቲ ኣሎኒ” በለ። የሁ ድማ፡ “ንመንና ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ሓለቓ፡ ንዓኻ” በሎ። 6 የሁ ድማ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፣ ሽዑ፡ እቲ ጊልያ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ዘይቲ ኣፍሲሱ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ እየ።+ 7 ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ውቓዕ፣ ኣነ ኸኣ ደም ገላዎይ ነብያትን ደም ኵሎም እቶም ብኢድ ኢዛቤል ዝሞቱ ገላዉ የሆዋን ክፈዲ እየ።+ 8 ብዘላ ቤት ኣከኣብ ከኣ ክትጠፍእ እያ፣ ካብ ኣከኣብ ድማ ተባዕታይ ዘበለ፡* እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ።+ 9 ንቤት ኣከኣብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ+ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ። 10 ንኢዛቤል ድማ ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡+ ዚቐብራ እውን የልቦን።’” ሽዑ፡ ማዕጾ ኸፊቱ ሃደመ።+
11 የሁ ናብቶም ገላዉ ጐይታኡ ምስ ተመልሰ፡ “ደሓን ድዩ፧ እዚ ዕቡድ እዚ ስለምንታይ እዩ መጺኡካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዝን ንዘረባኡን ትፈልጥዎ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። 12 ንሳቶም ግና፡ “ኣይፋልናን። በጃኻ ደኣ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምዚ ኢሉኒ፡ ኣስዒቡ እውን፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ”’ ኢሉኒ” በሎም።+ 13 ሽዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ተቐላጢፎም ከክዳኖም ወሲዶም፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥራዩ ዝነበረ መደያይቦ ኣንጸፉ፣+ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ “የሁ ነጊሱ!” በሉ።+ 14 የሁ+ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ንዮራም ውዲት ኣለመሉ።
ዮራም ድማ ብምኽንያት ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ፡ ንሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኰይኑ ይሕሉ ነበረ።+ 15 ድሕርዚ፡ ንጉስ ዮራም ካብቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ሶርያውያን ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል+ ተመልሰ።+
የሁ ኸኣ፡ “እንተ ተሰማሚዕኩም፡* ከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግርሲ፡ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ሓደ እኳ ኣምሊጡ ኣይውጻእ” በሎም። 16 ዮራም ቈሲሉ ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ፣ ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርእዮ ወሪዱ ነበረ። 17 ሓደ ሓላዊ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ኸሎ፡ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ረኣየ። ሽዑ፡ “ጭፍራ እርኢ ኣለኹ” በለ። ዮራም ከኣ፡ “ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ ኪቕበሎም ስደዶ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ እውን ይበል” በለ። 18 ሓደ ፈረሰኛ ድማ ኪቕበሎ ኸይዱ፡ “ንጉስ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ ይብል ኣሎ” በለ። የሁ ግና፡ “ምስ ‘ሰላም’ እንታይ ኣሎካ፧ ድሕረይ ተሰለፍ!” በሎ።
እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “እቲ ልኡኽ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን” ኢሉ ነገረ። 19 ንሱ ድማ ካልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ፣ ንሱ ናባታቶም ምስ መጸ ኸኣ፡ “ንጉስ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ ይብል ኣሎ” በለ። የሁ ግና፡ “ምስ ‘ሰላም’ እንታይ ኣሎካ፧ ድሕረይ ተሰለፍ!” በሎ።
20 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “ናባታቶም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን፣ ከም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ እሞ፡ ኣጋልባኡ ኸም ኣጋልባ የሁ ወዲ ወዱ ንኒምሺ* እዩ” ኢሉ ነገረ። 21 ሽዑ፡ ዮራም፡ “ጽዓን!” በለ። ሰረገላ ድማ ተጻዕነሉ፡ ዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ኣብ ሰሰረገላኦም ደዪቦም ንየሁ ኪቕበልዎ ወጹ። ኣብ ግራት ናቦት+ እቲ ይዝርኤላዊ ድማ ረኸብዎ።
22 ዮራም ከኣ ንየሁ ምስ ረኣዮ፡ “የሁ፡ ብሰላም ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ግና፡ “ምንዝርና ኣዴኻ ኢዛቤልን+ እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ሰላም ኪህሉ ይኽእል፧”+ በለ። 23 ሽዑ፡ ዮራም ኪሃድም ሰረገላኡ መለሰ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ “ኣሓዝያ፡ ተታሊልና ኢና!” በሎ። 24 የሁ ድማ ቀስቱ ብኢዱ ወሲዱ፡ ንዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፣ እቲ ፍላጻ ኸኣ ብልቡ ወጸ፣ ኣብ ሰረገላኡ ድማ ተቘልዓጸ። 25 የሁ ኸኣ ንቢድቃር እቲ ሓጋዚኡ ኸምዚ በሎ፦ “ኣልዕሎ እሞ፡ ኣብ ግራት ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ደርብዮ።+ ኣነን ንስኻን ብሓባር ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከኣብ ክንስዕብ ከለና፡ የሆዋ ኣንጻሩ ኸምዚ ዚብል ከቢድ መልእኽቲ ኸም እተዛረበ ዘክር፦+ 26 ‘“ከምቲ ትማሊ ደም ናቦትን+ ደም ደቁን ዝረኣኹ” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ እውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ”+ ይብል የሆዋ።’ ሕጂ ድማ፡ ከምቲ ቓል የሆዋ፡ ኣልዕሎ እሞ፡ ኣብታ ግራት ደርብዮ።”+
27 ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብመገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። (ጸኒሑ፡ የሁ ሰዓቦ እሞ፡ “ንዕኡ እውን ውቕዕዎ!” በለ። ንዕኡ እውን ብመገዲ እታ ጥቓ ዪብልዓም+ ዘላ ጉር እናደየበ ኣብ ሰረገላ ኸሎ ወቕዕዎ። ናብ መጊዶ ሃዲሙ ግና፡ ኣብኣ ሞተ። 28 ገላዉኡ ድማ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። 29 ኣሓዝያ+ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝነገሰ፡ ኣብ መበል 11 ዓመት ዮራም ወዲ ኣከኣብ እዩ ነይሩ።)
30 የሁ ናብ ይዝርኤል+ ምስ መጸ፡ ኢዛቤል+ ብዛዕባኡ ሰምዐት። ኣዒንታ ብዅሕሊ ተዃሒላ፡ ርእሳ ድማ ተሰሪሓ፡ ብመስኰት ኣንቈልቊላ ጠመተት። 31 የሁ ብኣፍ ደገ ምስ ኣተወ፡ “ዚምሪ እቲ ቐታል ጐይታኡስ ደሓንዶ ዀይኑ እዩ፧” በለት።+ 32 ናብቲ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ “ምሳይ መን ኣሎ፧ መን፧” በለ።+ ብኡብኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ናብኡ ኣንቈልቊሎም ጠመቱ። 33 ንሱ ኸኣ፡ “ኣጽድፍዋ!” በለ። ንሳቶም ድማ ኣጽደፍዋ፡ ካብቲ ደማ ኸኣ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ፣ ረጊጽዋ ድማ ሓለፈ። 34 ድሕርዚ ኸኣ፡ ናብ ቤት ኣትዩ በልዐን ሰተየን። ሽዑ፡ “ጓል ንጉስ እያ እሞ፡+ በጃኹም፡ ብዛዕባ እዛ ርግምቲ ገለ ግበሩ፡ ቅበርዋ እውን” በለ። 35 ኪቐብርዋ ምስ ከዱ ግና፡ ብዘይካ ሽክና ርእሳን ኣእጋራን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን።+ 36 ተመሊሶም ምስ ነገርዎ፡ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “እዚ ነቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ እተዛረቦ ኸምዚ ዚብል ቃል ዚፍጽም እዩ፦+ ‘ኣብ ግራት ይዝርኤል፡ ኣኽላባት ስጋ ኢዛቤል ኪበልዑ እዮም።+ 37 ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ “እዚኣ ኢዛቤል እያ” ኸይብሉስ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ እታ ግራት፡ ኣብ ግራት ይዝርኤል ከም ድዅዒ ኪኸውን እዩ።’”