ኣብ ለሰ ምምዳብ ፍርዲ ተፈጺሙ
‘ኣነ ንዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ: ኣብኡ ክቕመጥ ኢየ እሞ: እቶም ህዝብታት ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡ።’—ዮኤል 3:12
1. ዮኤል “ኣብ ለሰ ምምዳብ” ጭፍራ ተኣኪቦም ዝረኣየ ስለምንታይ ኢዩ፧
“ጭፍራ: ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ”! እዘን ስምዒትካ ዘለዓዕላ ቃላት እዚኣተን ኣብ ዮኤል 3:14 ኢና እንረኽበን። እዞም ጭፍራ እዚኣቶም ስለምንታይ ኢዮም እተኣከቡ፧ ዮኤል ‘መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኢያ’ ብምባል ይምልስ። እዚኣ እታ የሆዋ ሓቅነቱ ዘረጋግጸላ ዓባይ መዓልቲ—ኣብ ልዕሊ እቶም ነታ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነጸጉ ጭፍራ ፍርዲ ዝወርደላ መዓልቲ—ኢያ። ኣብ መወዳእታ: እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ዘለዉ “ኣርባዕተ መላእኽቲ” ነቲ ኣጽኒዖም ሒዞምዎ ዝነበሩ “ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ” ክፍንውዎ ኢዮም: እዚ ድማ እቲ “ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ እተነግረሉ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ከስዕብ ኢዩ።—ራእይ 7:1፣ ማቴዎስ 24:21
2. (ሀ) እቲ የሆዋ ፍርዱ ዝፍጽመሉ ቦታ “ለሰ ዮሳፋጥ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዮሳፋጥ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ግቡእ መልሰ-ግብሪ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
2 ኣብ ዮኤል 3:12 እቲ እዚ ፍርዲ እዚ ዝፍጸመሉ ቦታ “ለሰ ዮሳፋጥ” ተባሂሉ ኣሎ። ብልክዕ: ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ይሁዳ ኣዝዩ ጽንኩር ዝነበረ እዋን: የሆዋ ኣብ ክንዲ እቲ ስሙ “የሆዋ ፈራዲ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ንፉዕ ንጉስ ዝነበረ ዮሳፋጥ: ፍርዲ ኣውሪዱ ኢዩ። ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዘጋጠመ ነገራት ምርኣይ ኣብ ግዜና እንታይ ከም ዝፍጸም ዝሓሸ ምርዳእ ንኽንረክብ ክሕግዘና ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ኣብ 2 ዜና መዋእል ምዕራፍ 20 ኢዩ ዝርከብ። ኣብ ቍጽሪ 1 ናይታ ምዕራፍ: “ደቂ ሞኣብን ደቂ ዓሞንን: ምሳታቶም ድማ ካብቶም ዓሞናውያንን ንዮሳፋጥ ኪወግእዎ መጹ” ዝብል ነንብብ። ዮሳፋጥከ ብኸመይ መለሸሉ፧ ልክዕ ከምቲ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ እዋን ቅልውላው ኵሉ ግዜ ዝገብርዎ ኢዩ ገይሩ። “ዎ ኣምላኽና: ኣይትፈርዶምን ዲኻ፧ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን: እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና: ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ አለዋ” ኢሉ ኣዕሚቑ ብምጽላይ መምርሒ ደልዩ ናብ የሆዋ ቍሊሕ በለ።—2 ዜና መዋእል 20:12
የሆዋ ጸሎት ይምልስ
3. ይሁዳ በተን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ናይ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ስግኣት ምስ ኣተወት የሆዋ እንታይ መምርሒ ኢዩ ዝሃበ፧
3 “ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም” ከለዉ የሆዋ መልሲ ሃበ። (2 ዜና መዋእል 20:13) ልክዕ ከምቲ ሎሚ ነቲ “እሙን ኣስተዋዓሊ ባርያ” ዝጥቀመሉ ዘሎ: እቲ ዓቢ ሰማዕ ጸሎት ነቲ ካብ ዓሌት ሌዊ ዝነበረ ነብዪ ያሓዚኤል ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ መልሲ ክነግሮም ኣሐየሎ። (ማቴዎስ 24:45) ከምዚ ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም አሎ: እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር: ናታትኩም ኣይኰነን እሞ: ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። . . . ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም: ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርአዩ: ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ውጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።”—2 ዜና መዋእል 20:15-17
4. የሆዋ ህዝቡ ናይ ጸላኢ ብድሆ ምስ ኣጋጠሞም: ኢዶም ከጣምሩ ዘይኰነስ ንጡፋት ክዀኑ ዝደለዮም በየናይ መገድታት ኢዩ፧
4 ተኣምራታዊ ምድሓን ክረኽቡ ኢዶም ኣጣሚሮም ኮፍ ኣብ ክንዲ ዝብሉ የሆዋ ንንጉስ ዮሳፋጥን ነቶም ህዝብን ገለ ነገር ክገብሩ ደለዮም። ምስቲ ናይ ጸላኢ ብድሆ ንምግጣም ተበግሶ ክወስዱ ነበሮም። እቲ ንጉስን “ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን” ንየሆዋ ብምእዛዝ ንግሆ ተንሲኦም ነቶም ወረርቲ ጭፍራ ክቃባበልዎም ምስ ወጹ: ጽንዕቲ እምነት ከም ዝነበረቶም ኣርእዮም ኢዮም። ኣብቲ ጕዕዞ ድማ: እቲ ንጉስ “ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም: ብነብያቱውን እመኑ እሞ ኪቐንዓኩም እዩ” ብምባል ቲኦክራሲያዊ መምርሕን ምትብባዕን ምሃብ ቀጸለ። (2 ዜና መዋእል 20:20) ኣብ የሆዋ እምነት ምግባር! ኣብ ነብያቱ እምነት ምግባር! እቲ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ዓወት እዚ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ንጡፋት ኴንና ክንቅጽል ከሎና: ንእምነትና ዕውትቲ ከም ዝገብራ ፈጺምና ኣይንጠራጠር!
5. ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ ከመስግኑ ኸለዉ ንጡፋት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧
5 ንሕናውን ከምቶም ኣብ ግዜ ዮሳፋጥ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን: ‘ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ’ ይግብኣና። ነዚ ምስጋና እዚኸ ብኸመይ ኢና እነቕርቦ፧ በቲ ቅንኣት ዘለዎ ናይ መንግስቲ ስብከትና ኢዩ! ከምቲ እቶም ኣይሁዳውያን ‘ኪዝምሩን ኪውድሱን ዝጀመሩ’ ንሕና እውን ንእምነትና ተግባር ንውስኸላ። (2 ዜና መዋእል 20:21, 22) እወ: የሆዋ ኣንጻር ጸላእቱ ስጕምቲ ክወስድ ክዳሎ ከሎ ተመሳሳሊ ጽንዕቲ እምነት ነርኢ! ዋላ እኳ እቲ መገዲ ነዊሕ መሲሉ እንተ ተራእየና: ንኽንጽመም: ብእምነት ንጡፋት ንኽንከውን: ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብ ኣሸጋሪ ክፍልታት ምድሪ ዘለዉ ዕዉታት ኣሕዋትና ሎሚ ዝገብርዎ ዘለዉ እውን ከይተረፈ ንኽንገብር ንቝረጽ። ከምቲ ኣብ ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ኣብ ገሊአን ብመስጐጕቲ: ዓመጽ: ጥሜት: ከምኡውን ብሕማቕ ቍጠባዊ ኵነታት እተሃስያ ሃገራት ዘለዉ እሙናት ኣሕዋትና ርኡይ ዝዀነ ዕቤት የስተማቕሩ ኣለዉ።
የሆዋ ህዝቡ የድሕን
6. ድልድልቲ እምነት ሎሚ እሙናት ኴንና ክንርከብ እትሕግዘና ብኸመይ ኢያ፧
6 እቶም ኣብ ከባቢ ይሁዳ ዝነበሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ህዝብታት ንህዝቢ ኣምላኽ ክውሕጥዎም ፈተኑ: ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ኣብነት ክኸውን ዝኽእል እምነት ብምንጽብራቕ መዝሙር ውዳሰ ብምዝማር መለስሉ። ሎሚ እውን ከምኣ ዝኣመሰለት እምነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ንህይወትና በቲ ንውዳሰ የሆዋ ዝግበር ዕዮ ብምምላእ: ነቲ ተንኰል ዘለዎ ውዲታት ሰይጣን ቦታ ከይሃብና መንፈሳዊ ዕጥቅና ነደልድል። (ኤፌሶን 6:11) ድልድልቲ እምነት ብመዘናግዒ: ፍቕረ-ንዋይ: በቲ ኣብዛ ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ዘሎ ናይ ከባቢና ዓለም ልሙድ ዝዀነ ዘይምግዳስ ንኽንዛናበል ዝቐርበልና ፈተና ክትዓግቶ ትኽእል ኢያ። እዛ ዘይትስዓር እምነት እዚኣ: ካብቲ ‘በብግዜኡ’ ዝዳሎ መንፈሳዊ መግቢ እናተመገብና ምስቲ “እሙን ኣስተዋዓሊ ባርያ” ኴንና ብተኣማንነት ምግልጋል ከም እንቕጽል ክትገብረና ኢያ።—ማቴዎስ 24:45
7. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣንጻሮም ዝቐረበ እተፈላለየ መጥቃዕትታት ዝምልስሉ ብኸመይ ኢዮም፧
7 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነትና ኣንጻር እቲ በቶም ኣብ ማቴዎስ 24:48-51 ተጠቒሱ ዘሎ ናይቲ “ኽፉእ ባርያ” መንፈስ ዘንጸባርቑ ሰባት ዝለዓዓል ናይ ጽልኢ ጐስጓስ ጸኒዕና ደው ንኽንብል ከተሐይለና ኢያ። ነዚ ትንቢት እዚ ርኡይ ብዝዀነ መገዲ ንምፍጻም: ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ከሓድቲ: ምስቶም ኣብ መንግስታት ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ብሕቡእ ብምምሽጣር እውን ከይተረፈ: ሓሶት ኣብ ምዝራእን ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምዝርጋሕን ንጡፋት ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ: ከምቲ ኣብ ፊልጲ 1:7 (NW ) ተገሊጹ ዘሎ “ምእንቲ ወንጌል ብምምጽራይን ሕጋዊ ብምግባርን” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መልሲ ይህብሉ ኢዮም። ንኣብነት: 26 መስከረም 1996 ንሓደ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ጕዳይ: እቶም ኣብ ስታርስበርግ ኣብ ዝርከብ ኣውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዉ ትሽዓተ ደያኑ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቲ ‘ፍሉጥ ሃይማኖት’ ዝብል መጸውዒ እቱዋት ከም ዝዀኑ:” ነቲ ናይ ሓሳብ: ናይ ሕልና: ናይ እምነት: ከምኡውን እምነቶም ንኻልኦት ናይ ምፍላጥ ናጽነት ድማ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ እንደገና ብሓደ ድምጺ ኣረጋገጹ። እንተ ነቶም ከሓድቲ ዝምልከት ፍርዲ ኣምላኽ እሞ: ከምዚ ብምባል ተገሊጹ ኣሎ:- “ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፤ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ: ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት: ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።”—2 ጴጥሮስ 2:22
8. ኣብ ግዜ ዮሳፋጥ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ህዝቡ ፍርዲ ዘውረደ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ግዜ ዮሳፋጥ ምስ እንርኢ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ንህዝቡ ክጐድኡ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ፍርዲ ኣውሪዱ ኢዩ። ከምዚ ድማ ነንብብ:- “ነቶም ናብ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ናይ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ: ተሳዕሩ። እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን ተንስኡ: ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ: ንሓድሕዶም ኪጣፋፍኡ ተሓጋገዙ።” (2 ዜና መዋእል 20:22, 23) እቶም ኣይሁዳውያን ድማ ነቲ ቦታ እቲ ለሰ በራካ ኢሎም ጸውዕዎ: በራካ ድማ “በረኸት” ማለት ኢዩ። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እውን: እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዘውርዶ ፍርዲ ንህዝቡ ዓቢ በረኸት ከምጽኣሎም ኢዩ።
9, 10. እቲ የሆዋ ዘውርዶ ከቢድ ፍርዲ ዝግብኦም ምዃኑ ዘርኣዩ መን ኢዮም፧
9 ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ካብ የሆዋ ከቢድ ፍርዲ ዝወርዶም መን ኢዮም፧ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ናይዚ መልሲ ንምርካብ ናብ ትንቢት ዮኤል ተመሊስና ክንርኢ ኣሎና። ዮኤል 3:3 ብዛዕባ እቶም ‘ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ [“ተባዕታይ:” NW ] ቘልዓ ዝሃቡ: ንጓል ድማ ንወይኒ ዝሸጥዋ’ ጸላእቲ ህዝቡ ትዛረብ። እወ: ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብኦም ኣጸቢቖም ዝተሓቱ: ንደቆም ድማ ካብ ዋጋ ኣመንዝራ ወይ ብራኳ ወይኒ ዘይሕሹ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም። ነዚ ኸኣ ክሕተትሉ ኢዮም።
10 ማዕረ እዚ ዝዀነ ፍርዲ ዝግብኦም ካልኦት ድማ እቶም መንፈሳዊ ምንዝር ዝፈጸሙ ኢዮም። (ራእይ 17:3-6) ከምቲ መለዓዓልቲ ናዕቢ ዝዀኑ ገለ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝገብርዎ ዘለዉ: ፖለቲካውያን ሓይልታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከሳጕጕዎምን ንጥፈታቶም ክሓናዅሉን ጽልዋ ዝገብርሎም ሰባት ብፍላይ ተሓተትቲ ኢዮም። የሆዋ ኣንጻር ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈጠርቲ ናዕቢ ስጕምቲ ንኽወስድ ዘለዎ ቈራጽነት ገሊጹ ኢዩ።—ዮኤል 3:4- 8
“ውግእ ኣዳልዉ”
11. የሆዋ ንጸላእቱ ንውግእ ክቕረቡ ዝሓቶም ብኸመይ ኢዩ፧
11 ቀጺሉ: የሆዋ ንህዝቡ እዚ ዝስዕብ ብድሆ ንህዝብታት ክእውጁ ይጽውዖም:- “ውግእ ኣዳልዉ: ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም: ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ: ይውጽኡ።” (ዮኤል 3:9) እዚ ናይ ሓደ ፍሉይ ዝዓይነቱ ውግእ—ጽድቃዊ ውግእ—ኣዋጅ ኢዩ። ናይ የሆዋ እሙናት መሰኻኽር ነቲ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምምካትን ንሓሶት ብሓቂ ገይሮም ኣብ ምክልኻልን ትውክልቶም መንፈሳዊ ኣጽዋር ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 10:4፣ ኤፌሶን 6:17) ድሕሪ ቐረባ ግዜ: ኣምላኽ ነቲ ‘ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዓባይ መዓልቲ ውግእ’ ክቕድሶ ኢዩ። ንምድሪ ካብ ኵሎም ተጻረርቲ ሉዓላውነት ኣምላኽ ከጽርያ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቡ ኣብቲ ውግእ ብስጋዊ መገዲ ግደ የብሎምን። ቃል ብቓሉ ይኹን ብምሳልያዊ መገዲ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ሰሪሖምዎ’ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: የሆዋ ንህዝብታት ኣንጻር ናይዚ ክገብሩ ብድሆ የቕርበሎም:- “ማሕረሻኹም ሰይፊ: ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ።” (ዮኤል 3:10) ዘለዎም ኵሉ ናይ መሳርያታት ውግእን እተደለበ ኣጽዋርን ኣብቲ ውግእ ክጥቀምሉ ይዕድሞም። እንተዀነ ግን: ክዕወቱ ኣይክእሉን ኢዮም: ምኽንያቱ እቲ ውግእን ዓወትን ናይ የሆዋ ኢዩ!
12, 13. (ሀ) ዝሑል ኲናት ተወዲኡ እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ሃገራት ገና ንውግእ ፊንፊን ይብላ ምህላወን ዘርእያ ዘለዋ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) ሃገራት ዘይተዳለዋሉ ዘለዋ እንታይ ኢዩ፧
12 ኣብ መጀመርታ ናይ 1990ታት: ሃገራት ዝሑል ኲናት ምውድኡ ኣዊጀን ኢየን። ብመንጽር እዚ ክርአ ከሎ ግን: እቲ ሰላምን ድሓንን ምምጻእ ዝብል ቀንዲ ዕላማ ናይ ሕቡራት ሃገራት ተዓዊቱዶ ኢዩ፧ ኣይተዓወተን! እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ብሩንዲ: ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ: ዒራቕ: ላይበርያ: ሩዋንዳ: ሶማል: ከምኡውን ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር እተራእየ ፍጻመታት እንታይ ኢዩ ዝሕብረና፧ ብመሰረት እቲ ኣብ ኤርምያስ 6:14 ዘሎ ቃላት “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም ሰላም እናበሉ” ይዛረቡ ኣለዉ።
13 ኣብ ገሊኡ ቦታታት ብዕሊ ውግእ ምክያድ ደው ኢሉ እኳ እንተዀነ: ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ግን እተሓላለኸ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ምፍራይ ገና ንሓድሕደን ይወዳደራ ኢየን ዘለዋ። ገሊኣተን ኵምራ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምድላብ ቀጺለን ኢየን። ካልኦት ዓቢ ዕንወት ዘስዕብ ስነ-ቐመማውን ባክተርያውን ኣጽዋር የማዕብላ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ናብቲ ኣርማጌዶን ዝበሃል ምሳልያዊ ቦታ ክእከባ ኸለዋ: ከምዚ ብምባል ብድሆ የቕርበለን:- “እቲ ድኹም ድማ: ኣነ ጅግና እየ: ይበል። ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት: ቀልጥፉ: ንዑ: ተአከቡ።” ድሕርዚ ዮኤል ኣብ መንጎ ኣትዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ልመና የቕርብ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ዮኤል 3:10, 11
የሆዋ ነቶም ናቱ ይከላኸለሎም
14. እቶም ናይ የሆዋ ጀጋኑ መን ኢዮም፧
14 ናይ የሆዋ ጀጋኑ መን ኢዮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ገለ 280 ግዜ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (2 ነገስት 3:14) እዞም ሰራዊት እዚኣቶም የሆዋ ዝበሎም ንምግባር ድሉዋት ዝዀኑ ናይ ሰማይ ጭፍራ መላእኽቲ ኢዮም። ሶርያውያን ንኤልሳእ ክሕዝዎ ምስ ደለዩ: ኣብ መወዳእታ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝፈሽሉ ምእንቲ ከረድኦ ኢሉ ኣዒንቲ ጊልያ ኤልሳእ ከፈተ:- “እንሆ ድማ: ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።” (2 ነገስት 6:17) የሱስ ንኣቡኡ “ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ” ክሰደሉ ክልምኖ ይኽእል ከም ዝነበረ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:53) የሱስ ኣብ ኣርማጌዶን ፍርዲ ክፍጽም ንቕድሚት ከም ዝጋልብ ክትገልጽ ከላ: ራእይ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ: ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም: ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ: ነቲ መጽመቚ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ።” (ራእይ 19:14, 15) እዚ ምሳልያዊ መጽመቚ ወይኒ እዚ “ዓብዪ መጽመቚ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ” ተባሂሉ ብንጹር ቃላት ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 14:17-20
15. ዮኤል ነቲ የሆዋ ኣንጻር ሃገራት ዝገብሮ ውግእ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
15 እሞ ነቲ ዮኤል ናይ ኣምላኽ ጀጋኑ ክመጹ ዘቕረቦ ልመና ደኣ የሆዋ ብኸመይ መለሰሉ፧ በዚ ዝስዕብ ስእላዊ ቃላት ገይሩ ኢዩ መሊስሉ:- “ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ: ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ: እቶም ህዝብታት ይበገሱ: ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ይውጽኡ። እከዮም ስለ ዝዐበየ: ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ: ማዕጺድ ስደዱ: እቲ መጽመቚ መሊኡ: ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ አሎ እሞ: ንዑ ርገጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ: ጭፍራ: ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ: ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም: ድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕ: ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ።”—ዮኤል 3:12-16
16. ምስቶም የሆዋ ፍርዲ ዘውርደሎም ሰባት እቱዋት ዝዀኑ መን ኢዮም፧
16 ልክዕ ከምቲ እታ ዮሳፋጥ እትብል ስም “የሆዋ ፈራዲ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ከም ዘለዋ ርግጽ ዝዀነ: የሆዋ ኣምላኽና ድማ ፍርዲ ከውርድ ከሎ ምሉእ ብምሉእ ሉዓላውነቱ ከም ዘረጋግጽ ትሑዝ ኢዩ። እቲ ትንቢት ነቶም ከቢድ ፍርዲ ዝወርዶም “ጭፍራ: ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ” ኢሉ ይገልጾም። ዝዀነ ይኹን ተረፍ ተሓላቒ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ መንጎ እዞም ጭፍራ እዚኣቶም ክህሉ ኢዩ። እቶም ኣብ መዝሙር ምዕራፍ ክልተ ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ንእግዚኣብሄር ብፍርሃ ት ምግልጋል’ ኣብዮም ነዛ ብልሽውቲ ዓለም ዝመረጹ: ኣህዛብ: ህዝብታት: ነገስታት ምድሪ: መሳፍንቲ እውን ኣብዚ እቱዋት ክዀኑ ኢዮም። እዚኣቶም ‘ንወዱ ምስዓም’ ኣብዮም ኢዮም። (መዝሙር 2:1, 2, 11, 12) ንየሱስ ከም ናይ የሆዋ ተሓባባሪ ንጉስ ገይሮም ኣፍልጦ ኣይህብሉን። ኣብ ርእዚ እዚ: እቶም ንጥፍኣት ምልክት ተገይሩሎም ዘሎ ጭፍራ: ነቶም እቲ ክቡር ንጉስ “ኣጣል” ኢሉ ዝፈርዶም ኵሎም ሰባት እውን ዘጠቓልሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 25:33, 41) እቲ የሆዋ ካብ ሰማያዊት የሩሳሌም ዝጓዝመሉ እዋን ምስ በጽሐ: እቲ ዝቐብኦ ንጉሰ ነገስት ፍርዲ ንምውራድ እናጋለበ ክወጽእ ኢዩ። ሰማይን ምድርን ብርግጽ ከንቀጥቅጥ ኢዩ! ይኹን እምበር: “እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ: ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ” ከም ዝዀኖም ርግጸኛታት ኢና!—ዮኤል 3:16
17, 18. ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ምዃኖም ተጠቒሶም ዘለዉ መን ኢዮም: ከመይ ዝበለ ኵነታትከ ኢዮም ከስተማቕሩ፧
17 ራእይ 7:9-17 እቶም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ሰባት በቶም ኣብቲ ናይ የሱስ ደም ንምብጃው ዘለዎ ሓይሊ ዝኣምኑ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ዝቘሙ ከም ዝዀኑ ኢያ እትጠቕሶም። እቶም ኣብ ናይ ዮኤል ትንቢት ተጠቒሶም ዘለዉ ብዙሓት ጭፍራ ከቢድ ፍርዲ ክወርዶም ከሎ: እዚኣቶም ግን ካብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ዕቝባ ክረኽቡ ኢዮም። ዮኤል ብዛዕባ እቶም ደሓንቲ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ኣብ ቅዱስ ከረነይ [እቲ ዝለዓለ ቦታ ናይ ኣምልኾኡ] ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ: ክትፈልጡ ኢኹም።”—ዮኤል 3:17ሀ
18 እቲ ትንቢት ቀጺሉ እቲ ግዝኣት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ቅዱስ ክኸውን: ድሕርዚውን ጓኖት ኣይክሓልፍዎን ኢዮም’ ብምባል ይሕብረና። (ዮኤል 3:17ለ) ኣብቲ ሰማያውን ምድራውን ግዝኣት ናይዛ ሰማያዊት መንግስቲ ጓኖት ፈጺሞም ኣይክህልዉን ኢዮም: ከመይሲ ኵሎም ኣብ ጽሩይ ኣምልኾ ክሓብሩ ኢዮም።
19. ዮኤል ነቲ ሎሚ ዘሎ ገነታዊ ኵነታት ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ፧
19 ሎሚ እውን ከይተረፈ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ምሉእ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ። ብሓባር: ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ከምኡውን ዳርጋ ብልዕሊ 300 ዝኸውን እተፈላለየ ቋንቋታት ፍርድታቱ ይእውጁ ኣለዉ። እቲ ዝረኽብዎ ብልጽግና ድማ ዮኤል ብጽቡቕ ኣገላልጻ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ተነብይዎ ኣሎ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፤ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኺነትዑ: ኵርባታት ድማ ጸባ ኼውሕዙ: ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ።” (ዮኤል 3:18) እወ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ወደስቱ ዋሕዚ ናይ ዘሐጕስ በረኸታትን ብልጽግናን: ከምኡውን ክቡር ዝዀነ ዋሕዚ ሓቂ ከውርደሎም ኢዩ። ኣብቲ ለሰ ምምዳብ ሉዓላውነት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ ኢዩ: ኣብ መንጎ እቶም በጅነት ዝረኸቡ ህዝቡ ንዘለኣለም ክነብር ምስ ጀመረ ድማ ሓጐስ ክሰፍን ኢዩ።—ራእይ 21:3, 4
ትዝክሮዶ ኢኻ፧
◻ የሆዋ ኣብ ግዜ ዮሳፋጥ ንህዝቡ ዘድሓኖም ብኸመይ ኢዩ፧
◻ የሆዋ “ኣብ ለሰ ምምዳብ” ጥፍኣት ዝግብኦም ምዃኑ ዝፈረዶም ንመን ኢዩ፧
◻ ናይ ኣምላኽ ጀጋኑ መን ኢዮም: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግእከ እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዎም፧
◻ እሙናት ኣምለኽቲ እንታይ ሓጐስ ኢዮም ዘስተማቕሩ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ንይሁዳ ‘ኣይትፍርሁ: እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ ናታትኩም ኣይኰነን ’ ተባህለሎም
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ንጸላእቱ ‘ማሕረሻታቶም ኣስያፍ ክሰርሕዎ ’ ብድሆ የቕርበሎም
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ዓቢ ጭፍራ ከም ዘለዉ ይጠቅስ