ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
ኣስቴር ናብ መካባብያ እቲ ኣብ ሱሳን ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ኽትቀርብ ከላ ኽትሃድእ ጸዓረት። እቲ ዅነታት ቀሊል ኣይነበረን። ኵሉ እቲ ኣብቲ ግምቢ ዝነበረ ነገራት፡ ማለት እቶም ብእተፈላለየ ሕብሪ እተቐርጹ ኣኽናፍ ዘለዎም ኣብዑር፡ እቶም ወርወርቲ ቐስቲ፡ እቶም ብዜብረቕርቕ ሕጡብ እተሰርሑ ኣናብስ፡ እቲ ብኣእማን እተሰርሐ ኣዕኑድን እቲ ዚምስጥ ሓወልትታትን፡ ከምኡውን እቲ ግምቢ ነቲ ጽሩይ ፈለግ ቾስፐስ ክትርእየሉ ኣብ እትኽእል ቦታ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራናት ዛግሮስ ኣብ ዚርከብ ጐላጕል እተሃንጸ ምዃኑ ንነፍሲ ወከፍ በጻሒ፡ እቲ ንርእሱ፡ “እቲ ዓብዪ ንጉስ” ኢሉ ዝሰመያ ሰብኣይ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ስልጣን ከም ዝነበሮ ዜዘኻኽሮ እዩ ነይሩ። ኣስቴር ነዚ ሰብኣይ እዚ እያ ኽትረኽቦ ደልያ ነይራ፣ ብዓል ቤታ ድማ እዩ ነይሩ።
እዚ ሓያልን ዜፍርህን ሰብ፡ ሰብኣይ ኣስቴር ኪኸውንሲ ዜገርምዶ ኣይኰነን! ከመይሲ ኣሓሽዌሮስ፡ ሓንቲ እምንቲ ኣይሁዳዊት ጓል ካብ እትጽበዮ ሰብኣይ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ።a ንሱ ኸም ኣብርሃም ንዝኣመሰሉ ኣብነት ዝዀኑ ሰብኡት ኪመስል ኣይጸዓረን። ኣብርሃም ነቲ ኣምላኽ ንሰበይቱ ሳራ ኺሰምዕ ዝሃቦ መምርሒ ብትሕትና እዩ ተቐቢሉ። (ዘፍጥረት 21:12) እቲ ንጉስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣስቴር እተምልኾ ዝነበረት የሆዋ ዚስሙ ኣምላኽ ኰነ፡ ብዛዕባ ሕግታቱ ፍልጠት ኣይነበሮን ኪበሃል ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ሕግታት ፋርስ፡ እንተላይ ነቲ ኣስቴር ክትገብሮ ዝሓሰበት ዚኽልክል ሕጊ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ሕጊ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብንጉስ ከይተጸውዐ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ዚቐርብ ሰብ ብሞት ከም ዚቕጻዕ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ክትቀርብ ዘይተጸውዐት ክነሳ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽትቀርብ ቈሪጻ ነበረት። ናብቲ ውሽጣዊ መካበብያ እናቐረበት ምስ ከደት፡ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ንጉስ ስለ ዚርእያ፡ ናብ ኣፍ ሞት ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣስቴር 4:11፣ 5:1።
ኣስቴር ነዚ ሓደገኛ ውሳነ እዚ ዝገበረት ስለምንታይ እያ፧ ካብቲ እዛ ፍልይቲ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኣየቶ እምነትከ እንታይ ንመሃር፧ ብመጀመርታ፡ ኣስቴር ኣይሁዳዊት ክነሳ፡ ብኸመይ ንግስቲ ፋርስ ከም ዝዀነት ንርአ።
“ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ”
ኣስቴር ዘኽታም እያ ነይራ። ብዛዕባ እቶም ሃዳሳ ኢሎም ዝሰመይዋ ወለዳ ብዙሕ እንፈልጦ ነገር የለን። እታ ሃዳሳ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ መጸውዒ እቲ ባህ ዜብል ጻዕዳ ዕምባባ ዘለዎ ቘጥቋጥ “ኦም ጾጾ” እያ። ወለዲ ኣስቴር ምስ ሞቱ፡ እቲ ብዕድመ ዓብዪ ዝነበረ ማርዶካይ ዝስሙ ሕያዋይ ሓወቦኣ ደንገጸላ። ናብ ቤቱ ወሲዱ ድማ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።—ኣስቴር 2:5-7, 15።
ማርዶካይን ኣስቴርን ኣብ ርእሰ ኸተማ ፋርስ ዚነብሩ ምሩኻት ኣይሁድ እዮም ነይሮም፣ ሃይማኖቶምን እቲ ኺሕልውዎ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ሕጊ ኣምላኽን ኣብ ፋርስ ብንዕቀት ይርአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ማርዶካይ ንኣስቴር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንህዝቡ ብዙሕ ሳዕ ካብ ጸበባ ዘድሓኖምን ንዚመጽእ ድማ ዜድሕኖምን መሓሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ይምህራ ስለ ዝነበረ፡ ኣስቴር ምስኡ ጽቡቕ ምቅርራብ ነበራ። (ዘሌዋውያን 26:44, 45) ኣስቴርን ማርዶካይን ድልዱል ፍቕርን ምትእምማንን ከም ዝነበሮም እምበኣር ፍሉጥ እዩ።
ማርዶካይ ምስ ኣገልገልቲ ንጉስ ኣዘውቲሩ ኣብ ደገ ግምቢ ሱሳን ኮፍ ይብል ስለ ዝነበረ፡ ገለ ሓላፍነት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ኣስቴር 2:19, 21፣ 3:3) ኣስቴር ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እንታይ ትገብር ከም ዝነበረት ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ብዕድመ ዓብዪ ዝነበረ ሓወቦኣን ንቤቱን ብጽቡቕ ትኣሊ ኸም ዝነበረት ክንግምት ንኽእል ኢና። መንበሪኦም ካብቲ ቤተ መንግስቲ ርሒቑ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ኣብ ዝነበረ ሰፈር ድኻታት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር፡ ምናልባት ናብቲ ወርቅን ብሩርን ካልእ ኣቕሑን ዚሸየጠሉ ዕዳጋ ሱሳን ትኸይድ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ነዚ ዅሉ ኣቓሑ ምሾት ኣብ መጻኢ ብቐሊሉ ኸም እትረኽቦ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ።
ንግስቲ ተተክአት
ሓደ መዓልቲ ኣብ ሱሳን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘጋጠመ ህውከት ትሒምታ ነበረ። ኣሓሽዌሮስ ዓብዪ ምሳሕ ገይሩ ንሹማምቱ ብብሉጽ ብልዕን ወይንን ኪምግቦም ከሎ፡ ነታ ንበይና ተፈልያ ምስ ኣንስቲ ምሳሕ ዝገበረት መልክዐኛ ዝነበረት ንግስቲ ዋሽቲ ኪጽውዓ ወሰነ። ዋሽቲ ግና ምምጻእ ኣበየት። እቲ ንጉስ ከም እተዋረደ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ እታ ንግስቲ ብኸመይ ክትቅጻዕ ከም ዘለዋ ንኣማኸርቱ ሓተቶም። ብመሰረት እቲ ዝሃብዎ ምኽሪ ኸኣ ነታ ንግስቲ ኻብ ስልጣና ኣውረዳ። እቲ ንጉስ ንግስቲ ምእንቲ ኺመርጽ፡ ኣገልገልቲ ንጉስ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ምልኩዓት ደናግል ኣዋልድ ኪደልዩ ጀመሩ።—ኣስቴር 1:1–2:4።
ማርዶካይ እታ ንእሽቶ ዝነበረት ኣዝያ መልክዐኛ ዝዀነት ጓል ሓዉ በብግዜኡ እናዓበየት ክትከይድ ክርእያ ኸሎ፡ ብሓደ ወገን ተዅርዖ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ተሻቕሎ ነይራ ኽትከውን ከም እትኽል ክንግምት ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት” ይብል። (ኣስቴር 2:7) ኣካላዊ ጽባቐ ደስ ዜብል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ጥበብን ትሕትናን እንተ ዘይሓቢሩ፡ ትምክሕትን ትዕቢትን ካልእ ክፉእ ባህርያት ልብን እዩ ዜስዕብ። (ምሳሌ 11:22) ከምዚ ኼጋጥምሲ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ንኣስቴር ጽባቐኣ እንታይ ኰን ኣስዒቡላ ይኸውን፧ ጠቒምዋዶ ጐዲእዋ፧ ነዚ፡ ግዜ መሊስዎ እዩ።
ኣገልገልቲ ንጉስ ንኣስቴር ኣስተብሃሉላ። ካብ ማርዶካይ ፈልዮም ድማ ምስተን ካልኦት ዝሓረይወን ኣዋልድ ናብቲ ኣብ ስግር ፈለግ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ። (ኣስቴር 2:8) ማርዶካይን ኣስቴርን ከም ኣቦን ጓልን ስለ ዝነበሩ፡ ኪፈላለዩ ኸለዉ ኣዝዩ ኸቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ። ማርዶካይ እታ ዘዕበያ ጓሉ ንዘይኣማኒ፡ ንንጉስ እውን ከይተረፈ፡ ክትምርዖ ዘይደሊ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዅነታት ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ኣስቴር ነቲ ማርዶካይ ቀቅድሚ ምኻዳ ዝሃባ ምኽሪ፡ ብኣቓልቦ ሰሚዓቶ ኽትከውን ኣለዋ። ናብ ኣደራሽ ሱሳን ክትኣቱ ኸላ፡ ኣብ ኣእምሮኣ እተፈላለየ ሕቶታት ተቐጂሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር እንታይ ዓይነት ናብራ ዀን እዩ ዚጽበያ ነይሩ፧
“ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅላቶም ተፈትወት”
ኣስቴር ኣብ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽን ርእያቶ ዘይትፈልጥን ኵነታት ኣተወት። ምስተን ካብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ፋርስ እተኣከባ “ብዙሓት ኣዋልድ” እያ ተጸምቢራ። እተን ኣዋልድ ኣዝዩ እተፈላለየ ልምድታትን ቋንቋታትን ባህርያትን ነይርወን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ኢድ እቲ ሓላው ኣንስቲ ዝዀነ ሄጋይ ብምዃን፡ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ብምኡዝ ቅብኢ እናተቐብኣ፡ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ይግበረለን ነበረ። (ኣስቴር 2:8, 12) እቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህውን ናብራን ነተን ኣንስቲ ብዛዕባ መልክዐን ጥራይ ከም ዚሓስባ ብምግባር፡ ትዕቢትን ናይ ውድድር መንፈስን ኣሕዲሩለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣስቴርከ እንታይ ጽልዋ ዀን ኣሕዲሩላ ይኸውን፧
ንኣስቴር ከም ማርዶካይ ገይሩ ኺሓልየላ ዚኽእል ማንም ሰብ ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማርዶካይ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኣብ መመዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ከም ዝነበረ ይገልጽ። (ኣስቴር 2:11) ምናልባት እቶም ኣብቲ ቤት ዝነበሩ ተሓባበርቲ ኣገልገልቲ፡ ንማርዶካይ ብዛዕባ ኣስቴር ሓድሓደ ነገራት ይነግርዎ ነይሮም ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ማርዶካይ ብኣስቴር ይሕበን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ገለ ኻብቲ የሐቢንዎ ኪኸውን ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ ነይሩ፧
ሄጋይ ብኣስቴር ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ ሸውዓተ ኣግራድን ኣብቲ ቤት ኣንስቲ ኸኣ ዝበለጸ ስፍራን ብምሃብ ሞገሱ ኣርኣያ። እቲ ጸብጻብ፡ “ኣስቴር ከኣ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅላቶም ተፈትወት” ይብል። (ኣስቴር 2:9, 15) መልክዕ ጥራይ ንበይኑስ ንዅሉ ሰብ ባህ መበሎዶ፧ ኣይፋሉን። ንኣስቴር ከም እትፍቶ ዝገበራ ኻልእ ነገራት እውን ነይሩ እዩ።
ንኣብነት፡ “ማርዶካይ፤ ኣይትንገሪ፡ ኢሉ አዚዝዋ ነበረ እሞ፡ ኣስቴር ህዝባን ወለዶኣን ኣይነገረትን” ዚብል ጸብጻብ ንረክብ ኢና። (ኣስቴር 2:10) ማርዶካይ ንኣስቴር ካብ ወለዶ ኣይሁድ ምዃና ንኸይትፍለጥ ጥንቃቐ ንኽትገብር ካብ ነገራ፡ ህዝቡ ኣብ ነገስታት ፋርስ ብዘይምኽንያት ይጽልኡ ኸም ዝነበሩ ተዓዚቡ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ኣስቴር ምስኡ እኳ እንተ ዘይነበረት፡ ከም ቀደማ ጥበበኛን ምእዝዝትን ኰይና ኺርእያ ኸሎስ፡ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሱ ይኸውን!
ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እውን ንልቢ ወለዶም ኰነ ንልቢ መዕበዪኦም የሐጕስዎ እዮም። ምስ ወለዶም ኣብ ዘይኰኑሉ እዋናት፡ ምስቶም ቍም ነገር ዘይብሎምን ርኹሳትን እኩያትን ሰባት ኣብ ዝዀኑሉ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ንሕማቕ ጽልዋታት ኪጻረርዎን ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዚፈልጥዎ ስርዓታት ብጥብቂ ኺሕልውዎን ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ከም ኣስቴር፡ ንልቢ ሰማያዊ ኣቦኦም የሐጕሱ እዮም።—ምሳሌ 27:11።
ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እትቐርበሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ዜድልያ ዘበለ መሪጻ ኽትወስድ ተፈቒዱላ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ብዝያዳ ንኽትጸባበቕ ዚሕግዛ ነገራት ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንምኽሪ ሄጋይ ብምስዓብ ካብቲ እተዋህባ ንላዕሊ ኻልእ ኣይሓተተትን። (ኣስቴር 2:15) ጽባቐ ጥራይ ንበይኑ ንልቢ ንጉስ ከም ዘየሐጕስ፡ ከምኡውን ትሕትና ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ኣኽቢርካ ዚረአ ባህርይ ምዃኑ ተገንዚባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እሞኸ፡ ልክዕ ድያ ነይራ፧
እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ሓለፋ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ።” (ኣስቴር 2:17) እዛ ትሕትቲ ኣይሁዳዊት ጓል፡ ምስቲ ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ሓድሽ ኵነታት ተሰማሚዓ ኽትነብር፡ ማለት ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት እቲ ዝሓየለ ዝነበረ ንጉስ ሰበይቱ ዀይና ነጊሳ ኽትነብር ቀሊል ኣይነበረን። ግናኸ፡ እዚ ሓድሽ ኵነታታ ብትዕቢት ከም እትንፋሕ ገይርዋ ድዩ፧
ኣይፋሉን! ኣስቴር ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ኸም ኣቦኣ ዀይኑ ዘዕበያ ማርዶካይ ትእዘዞ ነበረት። ምስ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበራ ርክብ ብምስጢር እያ ሒዛቶ። ብዘይካዚ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እቲ ንኣሓሽዌሮስ ንምቕታል እተገብረ ውዲት ምስ ፈለጠ እሞ ንኣስቴር ምስ ነገራ፡ ኣስቴር ነቲ ንጉስ ነገረቶ፡ እቲ ውዲት ድማ ፈሸለ። (ኣስቴር 2:20-23) እወ፡ ኣስቴር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን መንፈስ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ብምንጽብራቕ ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት ኣርእያ እያ። ሎሚ ተኣዛዝነት ከም ጽቡቕ ባህርይ ጌርካ ዳርጋ ኣይርአን እዩ። ዘይተኣዛዝነትን ዕልወትን ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘለዎም ሰባት ግና፡ ልክዕ ከም ኣስቴር፡ ንተኣዛዝነት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ።
እምነት ኣስቴር ተፈተነት
ሃማን ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ክብ ዝበለ ስልጣን ረኸበ። እቲ ንጉስ ንሃማን ቀንዲ ኣማኻሪኡ ኸም ዚኸውን ብምግባርን ኣብ ግዝኣቱ ድማ ካልኣይ ቦታ ብምሃብን ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ሸሞ። እቲ ንጉስ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ሰባት ነዚ ብዓል ስልጣን እዚ ኺርእይዎ ኸለዉ ፍግም ኢሎም ንኺሰግዱሉ ኣዘዘ። (ኣስቴር 3:1-4) እቲ ሕጊ ንማርዶካይ ኣብ ጸገም ዜውድቖ እዩ ነይሩ። ማርዶካይ ነቲ ንጉስ ኪእዘዞ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ኪንዕቕ ከም ዘይብሉ እውን ይኣምን ነበረ። ሃማን፡ “ኣጋጋዊ” እዩ ነይሩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ካብ ዘርኢ እቲ ብነብዪ ሳሙኤል እተቐትለ ኣጋግ ዝስሙ ኣማሌቃዊ ንጉስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። (1 ሳሙኤል 15:33) ኣማሌቃውያን ኣዝዮም እኩያት ስለ ዝነበሩ፡ ጸላእቲ የሆዋን እስራኤልን እዮም ነይሮም። ብደረጃ ህዝቢ ኸኣ ብኣምላኽ ተዀነኑ።b (ዘዳግም 25:19) ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እሞ ሓደ እሙን ኣይሁዳዊ ንኣማሌቃዊ ብዓል ስልጣን ኪሰግደሉ ዚኽእል፧ ማርዶካይ ኪሰግደሉ ኣይከኣለን። ካብ መትከሉ ምንቕ ኣይበለን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ ነቲ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ይሕልውዎ ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29።
ሃማን ኣዝዩ ተቘጥዐ። ኰይኑ ግና፡ ንማርዶካይ ጥራይ ቀቲሉ ኺዓርፍ ኣይደለየን። ንዅሎም ህዝቢ ማርዶካይ ኬጽንቶም ተሃንደደ። ስለዚ ድማ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣጸለሞም። ስሞም ከይጠቐሰ፡ ‘ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት እተዘርዘሩን ፋሕ ዝበሉን’ ዘይረብሑ ህዝቢ ኸም ዝዀኑ ገይሩ ኸሰሶም። ዝገደደ ድማ፡ ንሕግታት ንጉስ ከም ዘይእዘዙ ገይሩ ብምጥቃን ከም ሓደገኛታት ተቓወምቲ መንግስቲ ገይሩ ኣቕረቦም። ነቲ ኣብቲ ግዝኣት ንዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድ ንምጥፋእ ዚወጽእ ወጻኢታት ንምሽፋን ከኣ፡ ኣብ መዝገብ ንጉስ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚውፊ ቓል ኣተወ።c ኣሓሽዌሮስ ድማ ንሃማን፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ገይሩ ትእዛዝ ምእንቲ ኺሓትም፡ ቀለቤቱ ሃቦ።—ኣስቴር 3:5-10።
ድሕርዚ፡ ቅልጡፋት ፈረሰኛታት፡ ኣይሁድ ኪቕተሉ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ደብዳቤታት ናብ ኵሉ ዅርናዓት እቲ ግዝኣት ኬብጽሑ ተላእኩ። እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ኣብቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ተመሊሶም ነታ ቐጽሪ ዘይነበራ ኸተማ ኺሃንጹ ዚቃለሱ ዝነበሩ ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ተረፍ ኣይሁድ ምስ በጽሐ፡ ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ገምቶ። ምናልባት ማርዶካይ ነዚ ዜሕዝን ወረ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባኦምን ብዛዕባ እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ፈተውቱን ኣዝማዱን ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ምጭናቑ እተላዕለ ድማ፡ ክዳኑ ቐዲዱ ኸሊ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱውን ሓመዅስቲ ነስነሰ፡ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ዀይኑ ኸኣ ብርቱዕ ኣውያት ኣእወየ። ሃማን ግና፡ በቲ ባዕሉ ኣብቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ሓያሎ ኣይሁድን ፈተውቶምን ዘውረዶ ሓዘን ቅጭጭ ከይበሎ፡ ምስቲ ንጉስ ኰይኑ ኽሰቲ ተቐመጠ።—ኣስቴር 3:12–4:1።
ማርዶካይ ሓደ ነገር ኪገብር ከም ዘለዎ ፈለጠ። ግናኸ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዚኽእል ነይሩ፧ ኣስቴር ብዛዕባ ጭንቀቱ ምስ ሰምዐት ክዳውንቲ እኳ እንተ ለኣኸትሉ፡ ምጽንናዕ ኣበየ። እታ ዚፈትዋ ኣስቴር ካብኡ ተወሲዳ ሰበይቲ ሓደ ኣረማዊ ንጉስ ክትከውን የሆዋ ኣምላኹ ዝፈቐደሉ ምኽንያት፡ ንነዊሕ እዋናት የጨንቖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግና፡ እቲ ምኽንያት ኪንጽረሉ ዝጀመረ ይመስል። ማርዶካይ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መልእኽቲ ሰዲዱ፡ ናብ ንጉስ ቀሪባ፡ “ብዛዕባ ህዝባ” ኽትልምኖ ነገራ።—ኣስቴር 4:4-8።
ኣስቴር ነቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዐት ልባ መኺኹ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ እምነታ ዚፍተነሉ ዝጸንከረ ዅነታት እዩ ነይሩ። ከምቲ ንማርዶካይ ከይተሰከፈት ዝገለጸትሉ ኸኣ ፈሪሃ እያ ነይራ። ንማርዶካይ ብዛዕባ ሕጊ እቲ ንጉስ ኣዘኻኸረቶ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከይተጸውዐት እንተ ቐሪባ ሞት እያ እትፍረድ። እቲ ንጉስ፡ ዘንጊ ወርቂ ዚዝርግሓሉ ጥራይ እዩ ዚድሕን ነይሩ። ብፍላይ ነቲ ዋሽቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክትቀርብ ምስ ተሓትተት ብምእባያ ዘጋጠማ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣስቴር ምሕረት ክትረክብ ዚመስል ድዩ ነይሩ፧ እቲ ንጉስ ን30 መዓልቲ ዚኣክል ከም ዘይጸውዓ ንማርዶካይ ነገረቶ። ንኽንድዚ ዚኣክል መዓልትታት ከይተጸውዐት ምጽናሓ፡ ምናልባት እቲ ተቐያያሪ ጠባይ ዝነበሮ ንጉስ ሞገሱ ኸም ዝነፈጋ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።d—ኣስቴር 4:9-11።
ማርዶካይ ንኣስቴር እምነታ ምእንቲ ኼደልድለላ ኣትሪሩ መለሰላ። ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዳ፡ ድሕነት ካብ ካልእ ምንጪ ኺመጽእ ከም ዚኽእል ኣረጋገጸላ። ግናኸ፡ እቲ ስደት ተወሊዑ ኽነሱ፡ ከመይ ገይራ እያ እሞ ኽትድሕን እትኽእል፧ ማርዶካይ ኣብቲ ህዝቡ ኺጸንቱ መብጽዓታቱ ኸኣ ኪፈሽል ፈጺሙ ዘይፈቅድ የሆዋ፡ ድልዱል እምነት ከም ዝነበሮ ኣርኣየ። (እያሱ 23:14) ሽዑ፡ ማርዶካይ ንኣስቴር፡ “ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧” ኢሉ ሓተታ። (ኣስቴር 4:12-14) ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ይእመን ነበረ። ንሕናኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ኣሎናዶ፧—ምሳሌ 3:5, 6።
ንፍርሂ ሞት እተሰንፍ እምነት
እቲ ኣስቴር ስጕምቲ እትወስደሉ ወሳኒ ህሞት በጽሐ። ንማርዶካይ ንደቂ ዓዳ ኣኪቡ ንሰለስተ መዓልቲ ምስኣ ኺጾሙ ኺነግሮም ሓተተቶ። ንመልእኽታ ድማ በተን ንእምነታን ንትብዓታን ዜንጸባርቓ፡ ንዘመናት ዚኣክል ድማ ኪቕዳሓ ዝጸንሓ፡ “እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ” ዚብላ ቓላት ደምደመቶ። (ኣስቴር 4:15-17) ኣብተን ሰለስተ መዓልትታት እቲኣተን ካብቲ ቕድሚኡ እትገብሮ ዝነበረት፡ ዝያዳ ዕምቈት ዘለዎ ጸሎት ኣቕሪባ ኽትከውን ኣለዋ። መወዳእታኡ ኸኣ እቲ ስጕምቲ እትወስደሉ ህሞት በጽሐ። ብእተኻእላ መጠን ነቲ ንጉስ ክትማርኸሉ እትኽእል ነገራት ብምግባር፡ እቲ ዝበለጸ ዓይነት ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ተበገሰት።
ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ፡ ናብ ዝፋን ንጉስ እያ ኸይዳ። ክሳዕ ክንደይ ትጭነቕን ትጽልን ከም ዝነበረት ክንግምቶ ጥራይ ኢና እንኽእል። ናብቲ ኣሓሽዌሮስ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ዝረኣየሉ ኣዳራሽ ኣተወት። ነቲ ብምዕሩይ ኣገባብ ብእተዓዅለለ ጸጕርን ብትርብዒታዊ ቕርጺ ብእተቐምቀመ ጭሕምን ተሰሊሙ ዝነበረ ገጽ ንጉስ ከተንብብ ፈቲና ትኸውን። ክሳዕ ዚርእያ ተጸብያ እንተ ዀይና፡ ዓመት ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ እታ ህሞት እቲኣ ሓሊፋስ፡ ብዓል ቤታስ ረኣያ ደኣ! ሽዑ፡ ደንጽይዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሩህ ገጽ እዩ ነይርዎ፣ ነቲ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሓላ!—ኣስቴር 5:1, 2።
ኣስቴር ተሰማዕነት ረኸበት። መትከላ ምስ ኣምላኻን ምስ ህዝባን ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኰነ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ሰርዓትሎም። ኰይኑ ግና፡ እዚ መጀመርታ ጥራይ እዩ ነይሩ። ነቲ ንጉስ፡ እቲ ዝፈትዎ ኣማኻሪኡ ዝዀነ ሃማን እኩይ ሰብ ምዃኑ ብኸመይ እያ ኣእሚናቶ፧ ንህዝባ ንምድሓን እንታይ ስጕምቲ እያ ወሲዳ፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብ እትቐጽል ሕታምና ኽንርእየን ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣሓሽዌሮስ፡ እቲ ኣብ ሓምሻይ ቅ.ክ. ንጉስ ሃጸያዊት ግዝኣት ፋርስ ዝነበረ ዘርክሲስ ቀዳማይ ከም ዝዀነ እዩ ዚሕሰብ።
b ሃማን ሓደ ኻብቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣማሌቃውያን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ቅድሚኡ ንጉስ ህዝቅያስ ን“ትርፎፍያ” ኣማሌቃውያን ኣጽኒትዎም ነይሩ እዩ።—1 ዜና መዋእል 4:43።
c ሃማን 10,000 ታለንት ብሩር፡ ብናይ ሎሚ ሸርፊ ኸኣ ኣማእታት ሚልዮናት ዶላራት እዩ ወፍዩ። ኣሓሽዌሮስ፡ ዘርክሲስ ቀዳማይ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሃማን ዝወፈዮ ገንዘብ ነቲ ንጉስ ዝያዳ ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ዘርክሲስ ኣብቲ ምስ ግሪኻውያን ዝገበሮ ውግእ ብዙሕ ሃብቲ ኣጥፊኡ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ንኣስቴር ቀቅድሚ ምምርዓዉ እተፈጸመ እዩ ዚመስል።
d ዘርክሲስ ቀዳማይ፡ ተቐያያሪ ጠባይ ዝነበሮ ቝጡዕ ንጉስ ከም ዝነበረ እዩ ዚፍለጥ። ሄሮዶተስ ዚበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ገለ ኻብቲ ዘርክሲስ ቀዳማይ ምስ ግሪኽ ዝገበሮ ውግእ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ንጉስ ኣብቲ ጸቢብ ፈለግ ሄሌስፖንት ከም ድልድል ኰይኑ ዘገልግል ጸፊሕ ጃልባ ኺህነጽ ኣዘዘ። እቲ ድልድል ብማዕበል ምስ ዓነወ፡ ዘርክሲስ እቶም መሃንድሳት ኪስየፉ ኣዘዘ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንገላውኡ ናይ ጸርፊ ኣዋጅ ኪንበብ ከሎ፡ ንፈለግ ሄሌስፖንት ብጭጕራፍ “ኪገርፍዎ” ኣዘዞም። ኣብቲ ወፍሪ እቲ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ወዱ ኣብ ሰራዊት ንኸይካፈል ምሕረት ኪግበረሉ ምስ ሓተተ፡ ዘርክሲስ ነቲ ወዲ ኣካላቱ ኣብ ክልተ ቘሪጾም፡ ንመጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን ኣብ ኣደባባይ ከም ዝርአ ኺገብርዎ ኣዘዘ።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ማርዶካይ በታ ዘዕበያ ጓሉ ኺሕበን ብቑዕ ምኽንያት ነበሮ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኣስቴር፡ ትሕትናን ጥበብን ካብ ደጋዊ ትርኢት ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ ነበረት
[ኣብ ገጽ 22, 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣስቴር ንህዝቢ ኣምላኽ ምእንቲ ኸተዕቍብ ንህይወታ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ኣእተወት