ጥበብ ኣጥሪ ተግሳጽ እውን ተቐበል
የሆዋ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ መምህር ህዝቡ ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ህይወት እውን ይምህሮም ኢዩ። (መዝሙር 27:11፣ ኢሳይያስ 30:20 NW፣ 54:13) ንኣብነት ንህዝቢ እስራኤል ነብያት: ሌዋውያን—ብፍላይ ድማ ካህናት—ከምኡውን ከም መማህራን ኰይኖም ዘገልግሉ ጥበበኛታት ሰብኡት ሂብዎም ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 35:3፣ ኤርምያስ 18:18) ነብያት ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽን መለለዪ ባህርያቱን ይምህርዎምን ነቲ ኽመላለስሉ ዘለዎም መገዲ ይሕብርዎምን ነበሩ። ካህናትን ሌዋውያንን ሕጊ የሆዋ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ነበሮም። እቶም ጥበበኛታት ሰብኡት: ወይ ድማ እቶም ሽማግለታት: ኣብ መዓልታዊ ናብራ ንዘጋጥሙ ጕዳያት ዝምልከት ጥዑይ ምኽርታት ይህቡ ነበሩ።
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጥበበኛታት ሰብኡት ፍልይ ዝበለ ጥበብ ነበሮ። (1 ነገስት 4:30, 31) ሓንቲ ኻብቶም ውሩያት በጻሕቲ ሰሎሞን ዝዀነት ንግስቲ ሳባ ንኽብሩን ንዅሉ ሃብቱን ምስ ረኣየት ከምዚ ብምባል ስምዒታ ገለጸት:- “ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን አሎካ።” (1 ነገስት 10:7) ምስጢር ጥበብ ሰሎሞን እንታይ ነበረ፧ ሰሎሞን ብ1037 ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ “ጥበብን ፍልጠትን” ክውሃቦ ለመነ። የሆዋ ብልማኖ ሰሎሞን ተሓጐሰ እሞ: ፍልጠትን ጥበብን ኣስተውዓሊ ልብን ሃቦ። (2 ዜና መዋእል 1:10-12፣ 1 ነገስት 3:12) ስለዚ ሰሎሞን ‘ሰለስተ ሽሕ ምስላ ምምሳሉ’ ዘገርም ኣይኰነን! (1 ነገስት 4:32) ገለ ካብዚ ምስላታት እዚ ኣብቲ ‘ቃላት ኣጉርን’ ‘ንጉስ ልሙኤልን’ እውን ዝርከቦ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ መጽሓፍ ምሳሌ ሰፊሩ ኣሎ። (ምሳሌ 30:1፣ 31:1) እዚ ምስላታት እዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓቅታት ንጥበብ ኣምላኽ ዘንጸባርቕን ግዜ ዘይሓለፎን ኢዩ። (1 ነገስት 10:23, 24) እዚ ምስላታት እዚ ልክዕ ከምቲ ንፈለማ ግዜ ክምሰል ከሎ ኣድላዪ ዝነበረ ሎሚ እውን እንተዀነ ሓጐስ ዘለዎን ዕዉትን ህይወት ንኸሕልፍ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
ዓወትን ስነ-ምግባራዊ ንጽህናን—ብኸመይ፧
ዕላማ መጽሓፍ ምሳሌ ኣብ መኽፈቲ ቃላት እታ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ:- “ምስላታት ሰሎሞን: ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፤ ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ: ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል: ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል: ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ [“ልቦና:” NW ]: ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን [“ክእለት ኣተሓሳስባን:” NW ] ንምሃብ እዩ።”—ምሳሌ 1:1-4
“ምስላታት ሰሎሞን” ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥቕሚ ኰን ኢዩ ዘለዎ! “ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ” ዝሕግዝ ኢዩ። ጥበብ ንነገራት ከምቲ ናይ ሓቂ ኰይንዎ ዘሎ ገይርካ ምግንዛብ: በቲ ግንዛበ እቲ ገይርካ ድማ ግድላት ምፍታሕ: ኣብ ሸቶኻ ምብጻሕ: ንሓደጋታት ምእላዩ ወይ ካብኡ ምልጋስ: ወይ ከኣ ካልኦት ከምኡ ንኽገብሩ ምሕጋዞም ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ‘ጥበብ’ ንሓደ ሜላ ዘለዎ ኣነባብራ—ጥበባዊ ምርጫታት ናይ ምግባርን ብዓወት ናይ ምንባርን ክእለት—ኢያ እተመልክት” ብምባል ይገልጽ። ጥበብ ከተጥርስ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ!—ምሳሌ 4:7
ብተወሳኺውን ምስላታት ሰሎሞን ተግሳጽ ይህብ ኢዩ። እዚ ምልምማድ እዚ የድልየናዶ ኢዩ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ተግሳጽ ናይ ምእራም ወይ ናይ ምግናሕ ወይ ናይ ምቕጻዕ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝበሎ: ተግሳጽ “ነቲ ናብ ናይ ዕሽነት ተግባር ወይ ኣተሓሳስባ ዝመርሕ ዝንባለ ምእራም ዘጠቓልል ስነ-ምግባራዊ ልምምድ ኢዩ ዘመልክት።” እቲ ገዛእ ርእስና ንምቕጻዕ እንገብሮ ወይ ድማ ብኻልኦት ዝወሃበና ተግሳጽ ኣብ ሕማቕ ተግባር ንኸይንጽመድ ይቕይደና ጥራይ ዘይኰነስ ዝሓሽና ሰባት ንምዃን እቲ ዘድሊ ለውጢ ንኽንገብር እውን ይሕግዘና ኢዩ። እወ: ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ንምሕላው ተግሳጽ የድልየና ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር እቲ ምስላታት ድርብ ዕላማ ዘለዎ ኢዩ: ንሱ ኸኣ ጥበብን ተግሳጽን ንምሃብ ኢዩ። ስነ-ምግባራዊ ምልምማድን ክእለት ኣተሓሳስባን ኣዝዩ ብዙሕ መዳያት ኢዩ ዘለዎም። ንኣብነት: ጽድቅን ፍትሕን ስነ-ምግባራዊ ባህርያት ኰይኖም: ነቲ ዝለዓለ መዐቀኒታት የሆዋ ጠቢቕና ንኽንስዕቦ ዝሕግዙና ኢዮም።
ጥበብ ንኸም ምርዳእ: ምስትውዓል: ብልሂ ምዃን: ክእለት ኣተሓሳስባ ምጥራይ ዘጠቓልል ኢዩ። ምርዳእ ክብሃል ከሎ ኸኣ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡን ኵልንትናዊ ምትእስሳሩን ብምዕዛብ ሓፈሻዊ መልክዑ ኣለሊኻ ንሓደ ነገር ናይ ምግንዛብ ክእለት ኢዩ። ምስትውዓል ክህልወካ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ሓደ ነገር ቅኑዕ ወይ ግጉይ ዝዀነሉ ምኽንያት ምፍላጥን ምግንዛብን የድሊ። ንኣብነት: ሓደ ርዱእ ዝዀነ ሰብ ብጻዩ ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሕ ከም ዘሎ የስተብህል እሞ ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ የጠንቅቖ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ብጻዩ ናብቲ ኣንፈት እቲ ዘምርሓሉ ዘሎ ምኽንያት ንምግንዛብን ካብቲ ኽመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ንምንጋፉ ዝሕግዝ መገዲ ንምንዳይን ምስትውዓል ይሓቶ።
ለባማት ኣዝዮም ጥንቁቓት ኢዮም: ብቐሊሉ ዝጥበሩ ኸኣ ኣይኰኑን። (ምሳሌ 14:15) ንሓደጋ ኣቐዲሞም ክርእይዎ ስለ ዝኽእሉ ይዳለውሉ ኢዮም። ንዓናውን ጥበብ ኣብ ህይወትና ዕላማ ዘለዎ ኣንፈት ዝሕብሩልና ጥዑያት ሓሳባትን ኣምራትን ከም ዝንጽሩልና ትገብር። እቲ ኣብ ምስላታት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ መጽናዕቲ ብሓቂ ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ: ከመይሲ ጥበብን ተግሳጽን ንኽንፈልጥ ተባሂሉ ኢዩ ተመዝጊቡልና ዘሎ። እቶም ኣብቲ ምስላታት ኣቓልቦ ዝገብሩ ‘ገርህታት’ እውን ከይተረፉ ልቦና ይረኽቡ: ‘መንእሰይ’ እውን ፍልጠትን ክእለት ኣተሓሳስባን የጥሪ።
ንጥበበኛታት ዝኸውን ምስላታት
ይኹን እምበር: ምስላታት መጽሓፍ ቅዱስ ንገርህታትን መንእሰያትን ጥራይ ኣይኰነን ዝጠቅም። ነቲ ከቕልብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጥበበኛ ዝኸውን ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ: ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ: እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ።” (ምሳሌ 1:5, 6) ድሮ ጥበብ ኣጥርዩ ዘሎ ሰብ ናብቲ ምስላታት ብምቕላብ ፍልጠቱ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ: ሓደ ለባም ሰብ እውን ህይወቱ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ናይ ምምራሕ ክእለቱ ከመሓይሽ ይኽእል ኢዩ።
ምስላ መብዛሕትኡ ግዜ ንዕምቈት ዘለዎ ሓቂ ብሒደት ቃላት ዝገልጽ ኣበሃህላ ኢዩ። ምስላታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ዘድልዮ ብሂላት ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 1:17-19) ገለ ምስላታት ክፍታሕ ዘድልዮ ምስጢራትን ሕልኽላኽን ዝዀነ ዓሚቝ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስላ: ምሳሌኣውን ውስጠዘኣውን ካልእ ዓይነት ኣበሃህላታትን ክሕዝ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ኣበሃህላታት እዚ ንምርዳእ ግዜን ምስትንታንን ይሓትት። እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ምስላታት ዝመሰለ ሰሎሞን ብርግጽ ንረቂቕ ትርጕም ምስላ ናይ ምርዳእ ክእለት ነይርዎ ኢዩ። ነዚ ሓደ ጥበበኛ ዝዀነ ሰብ ከቕልበሉ ዘድልዮ ክእለት እዚ ድማ ኢዩ ኣንበብቲ ምእንቲ ኸጥርይዎ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ኣስፊርዎ ዝርከብ።
ናብቲ ሸቶ ዘብጽሕ መጀመርታ
ሓደ ሰብ ኣስኣሰር ጥበብን ተግሳጽን ንምስዓብ ካበይ ኢዩ ክጅምር ዘለዎ፧ ሰሎሞን “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ: ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ ” ብምባል ይምልስ። (ምሳሌ 1:7) ፍልጠት ብፍርሃት የሆዋ ኢዩ ዝጅምር። ብዘይ ፍልጠት ጥበብ ይኹን ተግሳጽ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብን ተግሳጽን ኢዩ።—ምሳሌ 9:1፣ 15:33
ፍርሃት ኣምላኽ: ምርዓድ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ዓሚቝ ምእዘዛን ኣኽብሮታዊ ፍርህን ኢዩ። ብዘይ እዚ ዓይነት ፍርሂ እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ፍልጠት ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ህይወት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ኢያ እትርከብ: ፍልጠት ክህልወና እንተድኣ ዀይኑ ድማ ብህይወት ምንባር ከም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ። (መዝሙር 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:25, 28) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ንዅሉ ነገር ኣምላኽ ኢዩ ፈጢርዎ፣ ስለዚ ዅሉ ፍልጠት ወድሰብ ኣብቲ ስርሓት ኢድ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራት ዝግበር መጽናዕቲ እተመስረተ ኢዩ። (መዝሙር 19:1, 2፣ ራእይ 4:11) ብተወሳኺውን ኣምላኽ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ መንፈስ ከም ዝነፍሶ ገይሩ ኢዩ: እዚ ቓል እዚ ድማ “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ስለዚ እምበኣር ምንጪ ዅሉ ሓቀኛ ፍልጠት የሆዋ ኢዩ: ነዚ ፍልጠት እዚ ኽረክብ ዝደሊ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ክሓድሮ ይግባእ።
ሰብኣዊ ፍልጠትን ዓለማዊ ጥበብን ብዘይ ፍርሂ ኣምላኽ እንታይ ረብሓ ክርከቦ ይከኣል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ጥበበኛ ኣበይ አሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ አሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ አሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧” (1 ቈረንቶስ 1:20) ሓደ ዓለማዊ ጥበብ ዘለዎ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ካብቲ ንሱ ዝፈልጦ ጭብጥታት ተበጊሱ ኣብ ግጉይ ውሳነ ይበጽሕ እሞ ስራሕ ‘ዓያሱ’ ክሰርሕ ትርእዮ።
‘ንኽሳድካ ስልማት ድሪ’
እቲ ጥበበኛ ንጉስ ኣስዒቡ ንመንእሰያት ከምዚ ይብሎም:- “ወደየ: እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ: ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ: ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።”—ምሳሌ 1:8, 9
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ወለዲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ንደቆም ናይ ምምሃር ሓላፍነት ነይርዎም ኢዩ። ሙሴ ኸምዚ ብምባል ንኣቦታት መዓዶም:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:6, 7) ኣዴታትውን እንተዀና ብቐሊሉ ዘይርአ ጽልዋ ነይርወን ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣያ ብምዃን እብራዊት ኣደ ሕጊ ስድራቤት ከም ዝጸንዕ ክትገብር ትኽእል ነበረት።
ስድራቤት: ትምህርቲ ዝርከበላ መሰረታዊት ኣሃዱ ምዃና ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ኤፌሶን 6:1-3) ውሉዳት ንኣመንቲ ወለዶም እዙዛት ምስ ዝዀኑ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብጌጽ ዘውድን ክቡር ስልማት ድርን ይውቅቡ ኣለዉ ማለት ኢዩ።
“ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ”
ሓደ እስያዊ ኣቦ ነቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዱ ዝለዓለ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምሃር ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅድሚ ምስዳዱ ምስ እኩያት ሰባት ከይሓብር መዓዶ። እዚ ምኽሪ እዚ ነቲ “ወደየ: ሓጥኣን እንተ ሐባበሉኻ: ሕራይ ኣይትበሎም ” ዝብል መጠንቀቕታ ሰሎሞን ዘቃልሕ ኢዩ። (ምሳሌ 1:10) ሰሎሞን ግን ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ሓጥኣን ዝጥቀምሉ መስድዒ ፈልዩ ይጠቕሶ:- “ንሳቶም እንተ በሉ፤ ምሳና ንዓ: ደም ከነፍስስሲ ነድቢ: ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ: ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱ: ብህይወቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦም። ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ: ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ: ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን።”—ምሳሌ 1:11-14
እቲ መስድዒ ሃብቲ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ብቕልጡፍ መኽሰባት ንምርካብ ድማ “ሓጥኣን” ኣብቲ ዝገብርዎ ዓመጽ ወይ ኣብቲ ዘይቅንዕና ዝመልኦ ተንኰላቶም ካልኦት ሰባት ንኽሓብርዎም ይሓባብሉ። እዞም እኩያት ሰባት እዚኣቶም ስጋዊ ረብሓታት ንምርካብ ኢሎም ደም ካብ ምፍሳስ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ንዅሉ ጥሪት እቲ ግዳዮም ዝዀነ ሰብ ብምዝራፍ ድማ ልክዕ ከምቲ መቓብር ናብኣ ንዝወርድ ሬሳ እትቕበሎ ንሳቶምውን ‘ከም ሲኦል ብህይወቱ ኸሎ ይውሕጥዎ።’ እቲ ዘቕርብዎ ዕድመ ኣብ ምፍጻም ገበን ዝሓብሮም ሰብ ንምርካብ ኢዩ፣ ‘ኣባይቶም በቲ ዝዘመትዎ ክመልኡ’ ኢዩ ድሌቶም: ንገርሂ ሰብ ከኣ ‘ዕጭኡ ምስኦም ከውድቕ’ ይደልይዎ። እዝስ ንዓና ኣየ ኸመይ ዝበለ እዋናዊ መጠንቀቕታ ኰን ኢዩ! መንእሰያት ዓንተራትን ነጋዶ ሓሽሽን ንኻልኦት ዝጸምድሉ ተመሳሳሊ ሜላታትዶ ኸይኰኑ ዝጥቀሙ፧ ንብዙሓት ዘተሓታትት ንግዳዊ መደብ ክቐርበሎም ከሎ ፈተና ዝዀኖም እቲ ብቕልጡፍ ከም ዝህብትሙ ዝወሃቦም መብጽዓዶ ኸይኰነ፧
እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ወደየ: ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያ: ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ: መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን: እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል” ብምባል ይመክር። ነቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣቶም ኣቐዲሙ ክሕብር ከሎ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ: ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ። መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ: ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ።”—ምሳሌ 1:15-19
“ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ” ገዛእ ርእሱ ዝመላለስ ሰብ: እታ ዝስዕባ መገዲ ናብ ጥፍኣት ክትወስዶ ኢያ። እቲ እኩያት ንኻልኦት ዝገብርዎ ድብያ ንገዛእ ርእሶም መፈንጠራ ክዀኖም ኢዩ። እቶም ኰነ ኢሎም እከይ ዝገብሩ ሰባት ካብ መገዶም ክምለሱ ድዮም፧ ፍጹም ኣይክምለሱን ኢዮም። ሓደ መፈንጠራ ኣብ ቃልዕ ብምህላዉ ብንጹር ዝርአ እኳ እንተዀነ እተን “ኣኽናፍ ዘለወን” ኣዕዋፍ ህሩግ ኢለን ኣብኡ ይኣትዋ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ: እቶም ኣዒንቶም ብስስዐ ዝዓወራ እኩያት ሰባት ምንም እኳ ውዒሉ ሓዲሩ ምፍንጣሮም ዘይተርፍ እንተዀነ ንድሕሪት ገጾም ግን ኣይክምለሱን ኢዮም።
ንድምጺ ጥበብ መን ኢዩ ኽሰምዖ፧
ሓጥኣን እቲ ዝስዕብዎ ዘለዉ መገዲ ናብ ጥፍኣት ዘምርሕ ምዃኑ ብሓቂ ይግንዘብዎ ድዮም፧ ሳዕቤን ምምልላሶም እንታይ ምዃኑ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ድዩ፧ ኣይፈለጥኩን ምባል ቅቡል ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ ብፍላይ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዝኸውን መልእኽቲ ኣብ ኣደባባያት ይስማዕ ኢዩ ዘሎ።
ሰሎሞን ከምዚ እናበለ ይእውጅ:- “ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር: ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ። ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ: ኣብ ኣፍ ደጌታት: ኣብ ከተማ: ቃላታ ትዛረብ።” (ምሳሌ 1:20, 21) ጥበብ ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ኸተስምዖ ዓው ብዝበለን ንጹርን ድምጺ ገይራ ኣብ ኣደባባያት ትጭድር ኣላ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሽማግለታት ኣብ ደጌታት እታ ኸተማ ዀይኖም ኢዮም ጥበባዊ ምኽርን ፍርዳዊ ውሳነታትን ዝህቡ ዝነበሩ። ንዓናውን እንተዀነ የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ጥበብ ኣብቲ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ዘሎ ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምዝገበልና ገይሩ ኣሎ። ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ንህዝቢ ኣብ ምእዋጅ ትሑዛት ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። ብርግጽ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ዝእወጅ ጥበብ ኢዩ ዘለዎ።
ናይ ሓቂ ጥበብ እንታይ ኢያ እትብል ዘላ፧ ከምዚ ዝስዕብ:- ‘ኣቱም ዓያሱ: ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፧ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፧ ጸዊዔስ እምቢ በልኩም: ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብህል የልቦን።’ ዓያሱ ንድምጺ ጥበብ ኣየቕልቡሉን ኢዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ “ፍረ መገዶም ኪበልዑ . . . እዮም።” እቲ ‘ዕልወቶምን ሸለል ምባሎምን ከጥፍኦም ኢዩ። ’—ምሳሌ 1:22-32
እቲ ንድምጺ ጥበብ ንምስማዕ ነቲ ግዜ ዝጥቀመሉ ሰብከ እንታይ ከጋጥሞ ኢዩ፧ “ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ። ” (ምሳሌ 1:33) ሓደ ኻብቶም ናብ ምስላታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምድሃብ ጥበብ ዘጥርዩን ተግሳጽ ዝቕበሉን ሰባት እትኸውን ይግበርካ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ሓቂ ጥበብ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኣሎ