‘እቲ ጥበብ ዝረክብ ብጹእ ኢዩ’
ገጣሚ: ነዳፊ: ከምኡውን ንጉስ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዓመት ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ስለ ዝነበሮ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ኵሎም ነገስታት ዝሃብተመ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብጥበቡ እውን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ሓንቲ ኽትበጽሖ ዝመጸት ንግስቲ ኣዝያ ስለ እተመሰጠት “እንሆ ኸኣ: ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን አሎካ” በለት። (1 ነገስት 10:4-9) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን እዚ ዅሉ ነበሮ።
ሰሎሞን ሃብትን ጥበብን ነበሮ። እዚ ድማ ብፍላይ ካብ ክልቲኡ ኣየናይ ብሓቂ ዘድሊ ምዃኑ ንኽውስን ብቑዕ ይገብሮ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ጥበብ ዚረክብ: ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ: እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቊ ትኸብር: ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን።”—ምሳሌ 3:13-15
ጥበብ ግን ኣበይ ኢያ ክትርከብ እትኽእል፧ ካብ ሃብቲ እትበልጽከ ስለምንታይ ኢያ፧ መሳጢት ዝገብራ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ እታ ብሰሎሞን እተጻሕፈት 8ይቲ ምዕራፍ ናይታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ ነዚ ሕቶታት እዚ ብዝምስጥ መገዲ ትምልሰልና ኢያ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ጥበብ ክትዛረብን ክትገብርን ከም እትኽእል ኣካል ኰይና ቐሪባ ኣላ። ጥበብ ባዕላ ጻውዒት ተቕርብ: ዋግኣ ኸኣ ትገልጽ።
“ትጭድር”
ምሳሌ ምዕራፍ 8 ብዝምስጥ ሕቶ ኢያ እትጅምር:- “ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፧ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ፧”a እወ: ጥበብን ምስትውዓልን ይጭድራ ኣለዋ: ከምታ ኣብ ጸልማት ኣድብያ ጸኒሓ ኣብ እዝኒ ንበይኑ ዝመጸ ዓሻ መንእሰይ መስድዒ ቓላት እተሕሸዅሽዅ ርኽስቲ ሰበይቲ ግን ኣይኰነትን። (ምሳሌ 7:12) “ኣብ ጫፍ በረኽትን: ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ: ኣብ ጥቓ ደጌታት: ኣብ መእተው ከተማ: ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር።” (ምሳሌ 8:1-3) እቲ ብርቱዕን ጕሉሕን ደሃይ ጥበብ ኣብ ኣደባባያት ማለት ኣብ ደጌታት: ቀራናታት መገዲ: ከምኡውን ኣብ መእተው ከተማ ብዓው ዝበለ ድምጽን ብንጹርን ይስማዕ ኢዩ። ሰባት ነዚ ድምጺ እዚ ብቐሊሉ ክሰምዕዎን ምላሽ ክህቡሉን ይኽእሉ ኢዮም።
ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ተመዝጊባ ዘላ ኣምላኻዊት ጥበብ ዳርጋ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ከጥርያ ዝደሊ ሰብ ክትርከበሉ ከም እትኽእል ዝኽሕድ መን ኣሎ፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) “መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ዓለም ብብዝሒ እተነበ መጽሓፍ ኢዩ” ይብል። ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅዳሓት ተዘርጊሑ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ ብዙሕ ግዜን ብብዙሕ ቋንቋታትን ተተርጒሙ ኢዩ።” ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋሉ ብልዕሊ 2,100 ቋንቋታትን ላህጃታትን ስለ እተተርጐመ: ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቅሰብ እንተ ወሓደ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንህዝቢ ይእውጁ ኣለዉ። ኣብ 235 ሃገራት ንጡፋት ኰይኖም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩን ሓቂ ይምህሩን ኣለዉ። እቲ ብ140 ቋንቋታት ዝሕተም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን እቲ ብ83 ቋንቋታት ዝሕተም ንቕሑ! ዝበሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጽሔታቶም ኣብ ሓደ ሕታም ነፍሲ ወከፉ ልዕሊ 20 ሚልዮን ቅዳሓት ሒዙ ይወጽእ። ብርግጽ ጥበብ ኣብ ኣደባባያት ትጭድር ኢያ ዘላ!
“ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ”
እታ ከም ኣካል ኰይና ቀሪባ ዘላ ጥበብ ከምዚ ብምባል ክትዛረብ ትጅምር:- “ኣቱም ሰባት: ንኣኻትኩም እጽውዓኩም አሎኹ: ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ። ኣቱም ዓያሱ: ኣእምሮ ተምሀሩ: ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ: ለብሙ።”—ምሳሌ 8:4, 5
ጥበብ ንዅሉ ኢያ ትጽውዕ ዘላ። ንዅሎም ደቅሰብ ጻውዒት ኣቕሪባትሎም ኣላ። ዓያሱ እውን ከይተረፉ ኣእምሮ ወይ ምስትውዓል ንኽማሃሩ: ደናቝርቲ ኸኣ ንኽልብሙ ተጸዊዖም ኣለዉ። እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን መጽሓፍ ምዃኑ ይኣምኑሉ: ንዅሉ ዝረኽብዎ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ነዚ መጽሓፍ መርሚሩ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ቃላት ጥበብ ክረክብ ድማ የተባብዑ ኢዮም።
“ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ”
ጥበብ ጻውዒታ ብምቕጻል ከምዚ ትብል:- “ክቡር ነገር ክዛረብ እየ: ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ: ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ: ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ: ስምዑ። ኵለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን: ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን።” እወ: ጥበብ እትህቦ ትምህርቲ ክቡር: ቅኑዕ: ሓቂ: ከምኡውን ጽድቂ ኢዩ። ጠዋይ ወይ ልግሚ ኣይርከባን ኢዩ። “ነቲ ኣስተውዓሊ ኵለን ትኽ ዝበላ እየን: ነቶም ፍልጠት ዝረኸቡ ኸኣ ቅኑዓት እየን።”—ምሳሌ 8:6-9
እምበኣር ጥበብ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ምዝራባ ዝግባኣ ኢዩ:- “ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ: ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።” እዚ ምሕጽንታ እዚ ርትዓዊ ኢዩ: ከመይሲ “ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ: ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ።” (ምሳሌ 8:10, 11) ስለምንታይ ኢዩ ግን ከምዚ ዝዀነ፧ ጥበብ ካብ ሃብቲ ኸም እትበልጽ ዝገበራ እንታይ ኢዩ፧
‘ፍረይ ካብ ወርቂ ይበልጽ’
እቲ ጥበብ ንዝሰምዑዋ ሰባት እትህቦም ውህበት ካብ ወርቂ: ብሩር: ወይ ዕንቊ ዝበልጽ ኢዩ። እዚ ውህበታት እዚ እንታይ ምዃኑ ጥበብ ክትዝርዝር ከላ ከምዚ በለት:- “ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር: ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ። ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ: ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣኻይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ።”—ምሳሌ 8:12, 13
ጥበብ ነቶም ዘጥርይዋ ልቦናን ናይ ምሕሳብ ክእለትን ከም ዝህልዎም ትገብር ኢያ። “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ” ስለ ዝዀነ እቲ ኣምላኻዊት ጥበብ ዘላቶ ሰብ ንኣምላኽ የኽብሮን ይፈርሆን ኢዩ። (ምሳሌ 9:10) ስለዚ ነቲ የሆዋ ዝጸልኦ ይጸልእ። ትዕቢት: ትምክሕቲ: ዘይስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ: ከምኡውን ክፉእ ዘረባ ጥቕኡ ኣይቀርብን ኢዩ። ንኽፉእ ዘለዎ ጽልኢ ንስልጣኑ ብብልሽውና ከይጥቀመሉ የዕቝቦ። እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎምን ርእሲ ስድራቤታትን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ንጥበብ ከናድዩ ዘለዎም!
ቀጺላ ጥበብ ከምዚ በለት:- “ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ: ኣእምሮ ኣነ እየ: ስልጣን ናተይ እዩ። ነገስታት ብኣይ ይነግሱ: መሳፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ። ገዛእትን ከበርቴን ብዘለዉ መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ።” (ምሳሌ 8:14-16) ፍረ ጥበብ ነቲ ብገዛእቲ: ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን: ከምኡውን ብከበርቴታት ዝድለ ምስትውዓል: ምርዳእ: ከምኡውን ብርታዐ ዘጠቓልል ኢዩ። ጥበብ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎምን ንኻልኦት ምኽሪ ዝህቡን የግዲ ተድልዮም ኢያ።
ሓቀኛ ጥበብ ብቐሊሉ ክትርከብ ትኽእል እኳ እንተ ዀነት ኵሉ ሰብ ግን ኣይኰነን ዝረኽባ። ገሊኣቶም ኣብ ድርኩዂት ቤቶም ከላ ይነጽግዋ ወይ ዕሽሽ ይብልዋ። ጥበብ ከምዚ በለት:- “ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም: እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።” (ምሳሌ 8:17) ጥበብ ነቶም ብትግሃት ዝደልዩዋ ጥራይ ኢያ እትርከበሎም።
መገዲ ጥበብ ቅንዕትን ጻድቕን ኢያ። ነቶም ዘናድይዋ ኸኣ ዓስቦም ትህቦም ኢያ። ጥበብ ከምዚ ትብል:- “ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ አሎ። ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ: ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ። ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኸውርሶም: መዝገቦም ከኣ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ: ብጐደና ጽድቂ: ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ።”—ምሳሌ 8:18-21
ጥበብ ኣብ ርእሲ ከም ብልሒ: ናይ ምሕሳብ ክእለት: ትሕትና: ምስትውዓል: ተግባራዊ ጥበብ: ከምኡውን ምርዳእ ዝኣመሰለ ብሉጽ ባህርያት: ሃብትን ክብረትን እውን ትህብ ኢያ። ጥበበኛ ሰብ ብቕኑዕ መገዲ ሃብቲ ኸጥሪ: ብመንፈስ ድማ ክብልጽግ ይኽእል ኢዩ። (3 ዮሃንስ 2) ብተወሳኺውን ጥበብ ንሰብ ተኽብሮ ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ በቲ ዝረኸቦ ይዓግብ: ናይ ኣእምሮ ሰላም ይረክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንጹህ ሕልና ይህልዎ። እወ: ንጥበብ ዝረክብ ሰብ ሕጉስ ኢዩ። ፍረ ጥበብ ካብ ጽሩይ ወርቅን ሕሩይ ብሩርን ከም ዝበልጽ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ኣብዛ ዝገበርካ ገይርካን ዝኸፈልካ ኸፊልካን ክትህብትም ኣሎካ ዝብል ኣረኣእያ ዘለዋ ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና: እዚ ምኽሪ እዚ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እዋናዊ ኰን ኢዩ! ጥበብ ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ምዃና ፈጺምና ኣይንረስዕ: ወይ ሃብቲ ከነጥሪ ኽንብል ብሓጥእ መገድታት ፈጺምና ኣይንመላለስ። ደድሕሪ ሃብቲ ኽንከይድ ክንብል ነቲ ጥበብ እንረኽበሉ ምድላዋት ማለት ንክርስትያናዊ ኣኼባታትና ከምኡውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ብ“እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝዳሎ ጽሑፋትን እንገብሮ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ፈጺምና ዕሽሽ ኣይንበል።—ማቴዎስ 24:45-47
‘ካብ ዘለኣለም ቈምኩ’
እታ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 8 ከም ኣካል ኰይና እትዛረብ ዘላ ጥበብ ሓንቲ ረቃቕ ባህርይ እተንጸባርቖ ነገራት ጥራይ ኣይኰነትን እትገልጽ። ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ፍጥረት የሆዋ እውን ተመልክት ኢያ። ጥበብ ቀጺላ ከምዚ በለት:- “እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ: ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ። ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያ: ምድሪ ኸይኰነት ቈምኩ። ገና መዓሙቝ ከይኰነ: ዓይኒ ማያት ከይወሐዘ: ኣነ ተወለድኩ። ኣኽራን ከይተሰረተ: ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ። ንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮ።”—ምሳሌ 8:22-26
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነታ ከም ኣካል ዝዀነት ጥበብ ዝገልጻ ነገራት ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ “እቲ ቓል” እተገልጸ ነገራት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ! ሃዋርያ ዮሃንስ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ: እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ: እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” በለ። (ዮሃንስ 1:1) እታ ከም ኣካል ተጠቒሳ ዘላ ጥበብ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህላወ ኢያ እተመልክት።b
የሱስ ክርስቶስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ: ዚርኤን ዘይርኤን: . . . ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ።” (ቈሎሴ 1:15, 16) እታ ከም ኣካል ኰይና እትዛረብ ጥበብ ቀጺላ ከምዚ በለት:- “[የሆዋ ] ንሰማያት ኬቝሞ ኸሎ: ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ኪዝርግሖ ኸሎ: ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቝሞ ኸሎ: ንምንጭታት መዓሙቝ ኬበርትዖ ኸሎ: ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሐልፍሲ: ንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ: መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ: ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ። ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ: ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።” (ምሳሌ 8:27-31) እቲ በዅሪ ወዲ የሆዋ ምስቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ዝዀነ ኣቦኡ ዀይኑ ብንጥፈት ይዓዪ ነበረ። የሆዋ ኣምላኽ ናይ መጀመርታ ሰብ ክፈጥር ከሎ: ወዱ ምስኡ ከም ሰራሕተኛ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ። (ዘፍጥረት 1:26) እምበኣር ወዲ ኣምላኽ ተገዳስነቱን ተድላኡን ብደቅሰብ እንተዀነ ኣየገርምን ኢዩ!
“ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ”
ወዲ ኣምላኽ ብጥበብ ተመሲሉ ከምዚ በለ:- “ሕጂ ድማ ደቀየ: መገደይ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም እሞ: ስምዑኒ። ጠቢባን ኩኑ: ተግሳጸይ ስምዑ: ኣይትእበይዎ። እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ: ብየዕለቱ ደገይ እናጸንዔ: ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ: ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል። እቲ ኣብ ልዕለይ ዚእብስ ግና ንነፍሱ ይጐድኣ: እቶም ዚጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትዉ።”—ምሳሌ 8:32-36
የሱስ ክርስቶስ ንጥበብ ኣምላኽ ብልክዕ ዘንጸባርቕ ኢዩ። “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።” (ቈሎሴ 2:3) ስለዚ ተጠንቂቕና ንስምዓዮ ኣስኣሰሩ ድማ ንስዓብ። (1 ጴጥሮስ 2:21) “ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” እሞ: ንዕኡ ዘይምቕባል ንነፍስኻ ምጕዳእን ሞት ምፍታውን ማለት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) እወ: ኣምላኽ ንድሕነትና ከም ዝሃበና ገይርና ንየሱስ ንቀበሎ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) ሽዑ ነቲ ‘ህይወት ካብ ምርካብን ጸጋ እግዚኣብሄር ካብ ምቕባልን’ ዝመጽእ ሓጐስ ከነስተማቕር ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ “ጥበብ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ከም ብኣንስታይ መልክዕ ኢያ ቀሪባ ዘላ። ስለዚ ገሊኡ ትርጕማት ንጥበብ ከመልክት ከሎ ኣንስታይ ክንዲ-ስም ይጥቀም ኢዩ።
b እታ “ጥበብ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ኵሉ ሳዕ ኣንስታይ ጾታ ትሕዝ ምዃና ምስቲ ጥበብ ንወዲ ኣምላኽ እተመልክት ኢያ ዝብል ሓሳብ ኣይጋጮን ኢዩ። እታ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኣብ ዝብል መግለጺ ዘላ “ፍቕሪ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እውን ብኣንስታይ መልክዕ ኢያ ተጠቒሳ። (1 ዮሃንስ 4:8) እንተዀነ ግን ንኣምላኽ ኢያ እተመልክት።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ጥበብ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም የግዲ ተድልዮም ኢያ
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ጥበብ እትረኽበሉ ምድላዋት ዕሽሽ ኣይትበሎ