ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28
ወትሩ ኻብ ፍርሃት ኣምላኽ ተጠቐም
“ብቕንዕናኡ ዚመላለስ፡ ንየሆዋ ይፈርሆ።”—ምሳ. 14:2።
መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!
መላለዪa
1-2. ሎሚ ክርስትያናት ከም ሎጥ እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧
ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት፡ ከምቲ ነቲ ጻድቕ ሎጥ እተሰምዖ እዩ ዚስምዓና። ንሱ፡ ሰማያዊ ኣቦና ኽፉእ ኣካይዳ ኸም ዚጸልእ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ‘ብንውርምና እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣመና ይጕሂ ነበረ።’ (2 ጴጥ. 2:7, 8) እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃትን ፍቕርን ድማ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ብልሹው ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኪነጽግ ኣኽኢልዎ እዩ። ንሕና እውን ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኣኽብሮት ብዘይብሎም ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንተ ዓቂብና፡ ፍርሃት ኣምላኽ እውን እንተ ኣሕዲርና፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 14:2።
2 ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ፡ የሆዋ ብመጽሓፍ ምሳሌ ኣቢሉ ፍቕራዊ መተባብዒ ሂቡና ኣሎ። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ፡ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ፡ ኰታስ ኵሎም ክርስትያናት ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ እንተ መርሚሮምዎ፡ ብሓቂ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
ፍርሃት ኣምላኽ የዕቍበና
3. ብመሰረት ምሳሌ 17:3፡ ልብና ኽንሕልወሉ ዘሎና ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
3 ንምሳልያዊ ልብና እንሕልወሉ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ የሆዋ ንልብና ዚምርምሮ ምዃኑ እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ መሲልና እንርኣዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሽጣዊ መንነትና ብሓቂ እንታይ ምዃኑ እውን ይርኢ እዩ። (ምሳሌ 17:3 ኣንብብ።) ንኣእምሮና በቲ ህይወት ዚህብ ጥበቡ እንተ መሊእናዮ፡ የፍቅረና እዩ። (ዮሃ. 4:14) ስለዚ፡ ነቲ ኻብ ሰይጣንን ካብዛ ዓለም እዚኣን ዚመጽእ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን መርዚ ቦታ ኽንህቦ ኣይንደልን ኢና። (1 ዮሃ. 5:18, 19) ንየሆዋ እናቐረብናዮ ብዝኸድና መጠን፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ኣኽብሮትን ይውስኽ እዩ። ንኣቦና ኸነጕህዮ ስለ ዘይንደሊ ኸኣ፡ ነቲ ሓጢኣት ምግባር ዚብል ሓሳብ እኳ ንጸልኦ ኢና። ሓጢኣት ንምግባር ክንፍተን ከለና፡ ‘ኣዝዩ ብዙሕ ፍቕሪ ንዘርኣየኒ ኣምላኽ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዀነ ኢለ ኽጐድኦ፧’ ኢልና ኢና ገዛእ ርእስና እንሓትት።—1 ዮሃ. 4:9, 10።
4. ፍርሃት የሆዋ ንሓንቲ ሓብቲ ብፈተና ኸይትስነፍ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧
4 ኣብ ክሮአሽያ እትነብር ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሓብቲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ክትምንዝር ፈተና ምስ ኣጋጠማ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ብንጹር ምሕሳብ፡ ምስቲ ሓጢኣት ዜምጽኦ ግዝያዊ ባህታ ድማ ምቅላስ ከቢዱኒ ነይሩ። ፍርሃት የሆዋ ግና ዕቝባ ዀይኑኒ።”b ብኸመይ እዩ ፍርሃት ኣምላኽ ዕቝባ ዀይኑዋ፧ ማርታ ብዛዕባ እቲ ሕማቕ ውሳነ ዜስዕቦ ሳዕቤናት እያ ኣስተንቲንና። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እቲ ኻብ ኵሉ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከኣ፡ ንየሆዋ ኸነጕህዮ እሞ ንዕኡ ንዘለኣለም ንምምላኽ ዝነበረና ኣጋጣሚ ኽንስእን ንኽእል ኢና።—ዘፍ. 6:5, 6።
5. ካብ ተመክሮ ሊዮ እንታይ ንምሃር፧
5 ንየሆዋ ንፈርሆ እንተ ዄንና፡ ንሕማቕ ኣካይዳና መመኽነይታ ኸይነቕርብ ንጥንቀቕ ኢና። ኣብ ኮንጎ ዚነብር ሊዮ ነዚ ትምህርቲ እዚ ተማሂርዎ እዩ። ካብቲ እተጠምቀሉ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ዘይጥዑያት ሰባት ተዓራረኸ። ኣብ ሕማቕ ተግባራት ክሳዕ ዘይተሳተፈ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይሓጥእ ከም ዘይነበረ ገይሩ እዩ ዚኣምን ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና እቶም ክፉኣት ኣዕሩኹ ብዘሕደሩሉ ጽልዋ ኣልኮላዊ መስተ ኣብዚሑ ሰተየ፡ ኣብ ምንዝርና እውን ወደቐ። ድሕርዚ፡ ብዛዕባ እቲ ወለዱ ዝመሃርዎ ነገራትን ብዛዕባ እቲ ዘጥፍኦ ሓጐስን ሓሰበ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ከምኡ ብምግባሩ ናብ ልቡ ተመልሰ። ብሓገዝ ሽማግለታት ድማ ናብ የሆዋ ኺምለስ ከኣለ። ሎሚ፡ ሽማግለን ፍሉይ ፈላምን ኰይኑ ተሓጒሱ የገልግል ኣሎ።
6. ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ክልተ ምሳልያውያን ኣንስቲ ኢና ኽንመያየጥ፧
6 ሕጂ ንምሳሌ ምዕራፍ 9 ንመርምራ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ጥበብን ዕሽነትን ብኽልተ ኣንስቲ ተመሲለን ኣለዋ። (ምስ ሮሜ 5:14፣ ገላትያ 4:24 ኣረኣኢ።) ነዛ ምዕራፍ እዚኣ ኽንምርምራ ኸለና፡ ናይ ሰይጣን ዓለም ብምንዝርናን ብስእለ ጽዩፍን ዓበድበድ ትብል ከም ዘላ ኣይንረስዕ። (ኤፌ. 4:19) ስለዚ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ከነማዕብልን ካብ ክፉእ ክንርሕቕን ኣሎና። (ምሳ. 16:6) ኵላትና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ክልቲአን እዘን ኣንስቲ እዚአን፡ ንዘይለበሙ ወይ “ልቢ ንዘይብሎም” ዕድመ ኸም ዜቕርባሎም ጌርካ ተገሊጸን ኣለዋ። ክልቲአን፡ ‘ናብ ቤተይ ንዑ እሞ እንጌራይ ብልዑ’ ዚብል ዕድመ እየን ኣቕሪበን። (ምሳ. 9:1, 5, 6, 13, 16, 17) ኣብ መንጎ ፍሪአን ግና ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ።
ካብ መገዲ ዕሽነት ርሓቕ
7. ብመሰረት ምሳሌ 9:13-18፡ ሓደ ኻብቲ ዕድመታት ናበይ እዩ ዚመርሕ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ካብ “ዓሻ ሰበይቲ” ንዚቐርብ ዕድመ እስከ ንርኣዮ። (ምሳሌ 9:13-18 ኣንብብ።) ንሳ ንዘይለበመ ዘበለ ኻብ ድግሳ ምእንቲ ኺካፈል፡ “ናብዚ ይምጻእ” ኢላ እያ ኸይሓነኸት እትጽውዕ። ፍሪኡኸ እንታይ እዩ፧ “እቶም ብሞት እተሰነፉ ኣብኡ ኸም ዘለዉ” ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ኣቐዲሙ ተመሳሳሊ ምሳልያዊ ቛንቋ ኸም ዘሎ ትዝክር ትኸውን። ኣብኡ ድማ ካብ “እትምንዝር” “ፋሉል ሰበይቲ” የጠንቅቐና። “ቤታስ ናብ ሞት የውርድ” ዚብል እውን ነንብብ። (ምሳ. 2:11-19) ምሳሌ 5:3-10 እውን፡ “ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ” ብዛዕባ እተባህለላ ኻልእ “ፋሉል ሰበይቲ” መጠንቀቕታ ሒዙ ኣሎ።
8. እንታይ ምርጫ እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧
8 እቶም ንጻውዒት እታ “ዓሻ ሰበይቲ” ዚሰምዑ፡ እዚ ዚስዕብ ምርጫ እዩ ዚቐርበሎም ዘሎ፦ ንዕድመኣ ኪቕበልዎ ድዮም፡ ወይስ ኪነጽግዎ፧ ንሕና እውን እዚ ምርጫ እዚ ኼጓንፈና ይኽእል እዩ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ኢንተርነትን ምንዝርና ወይ ስእለ ጽዩፍ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ክንርእዮ ዲና ወይስ ክንነጽጎ፧
9-10. ካብ ምንዝርና ኽንርሕቀሉ ዚግባእ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
9 ካብ ምንዝርና እንርሕቐሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። እታ “ዓሻ ሰበይቲ፡” “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ” ኸም እትብል ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። “ናይ ስርቂ ማይ” እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብ ንጽምኢ ኸም ዜርዊ ማይ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ምሳ. 5:15-18) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ብግቡእ ጾታዊ ተግባራት ባህ ኪብሎም ይኽእል እዩ። ናይ ስርቂ ማይ ግና ካብዚ ኣመና እተፈልየ እዩ። ነቲ ኻብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ሰራቒ ብሕቡእ ዚሰርቕ፡ እዚ ተግባር እዚ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብሕቡእ እዩ ዚግበር። እቶም ዚምንዝሩ ሰባት ካብ ሳዕቤናቱ ዜምልጡ ዘለዉ እንተ መሲልዎም፡ “ናይ ስርቂ ማይ” ጥዑም ኪመስል ይኽእል እዩ። እዚ ግና መታለሊ እዩ! የሆዋ ንዅሉ ይርእዮ እዩ። ሞገሱ ኻብ ምስኣን ዚመርር ነገር የሎን፣ ስለዚ፡ ብሓቂ “ጥዑም” ኣይኰነን። (1 ቈረ. 6:9, 10) እቲ ሳዕቤናት ግና በዚ ኣየብቅዕን እዩ።
10 ገለ ኻብ ሳዕቤናት ምንዝርና፡ ውርደት፡ ዋጋ ኣልቦነት፡ ዘይድለ ጥንሲ፡ ምብትታን ስድራ ቤት ኪጥቀስ ይከኣል። እምበኣር፡ ካብ “ቤት”ን ካብ እንጌራን እታ ዓሻ ሰበይቲ ምርሓቕ ጥበብ እዩ። ብዙሓት ዚምንዝሩ ሰባት ኣብ ርእሲ እቲ መንፈሳዊ ሞት፡ ብሕማም እውን ስለ ዚትሓዙ፡ ብኣጋኡ እዮም ዚቝጸዩ። (ምሳ. 7:23, 26) ኣብ ምዕራፍ 9 ፍቕዲ 18፡ “ኣጋይሻ . . . ኣብ መዓሙቝ መቓብር ከም ዘለዉ” ተገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ ደኣ እዮም ብዙሓት ሰባት ነቲ ናብ ሓዘን ዚመርሕ መታለሊ ዕድመኣ ዚቕበልዎ፧—ምሳ. 9:13-18።
11. ስእለ ጽዩፍ ኣዝዩ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ስእለ ጽዩፍ ልሙድ መጻወድያ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ገሊኦም ሰባት፡ ስእለ ጽዩፍ ከም ዘይጐድእ ይኣምኑ። ብኣንጻሩ ግና፡ ስእለ ጽዩፍ ጐዳእን ዜሕስርን ወልፊ ዜትሕዝን እዩ። ርኹስ ምስልታት ኣብ ኣእምሮ ተቐሪጹ ይጸንሕ እዩ። ካብ ኣእምሮኻ ብቐሊሉ ኽትሓክኮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ስእለ ጽዩፍ ንግጉይ ትምኒታት ኣይቀትሎን እዩ፣ መሕልፎ እኳ ደኣስ የጐሃህሮ እዩ። (ቈሎ. 3:5፣ ያእ. 1:14, 15) እወ፡ ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ ብዙሓት ሰባት ይምንዝሩ እዮም።
12. ጾታዊ ስምዒታት ካብ ዜለዓዕል ምስልታት ከም እንጥንቀቕ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧
12 ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ናውትና ስእለ ጽዩፍ እንተ መጺኡና፡ ከም ክርስትያናት መጠን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነቲ ምስሊ ብኡብኡ ኽንነጽጎ ኣሎና። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ጥሪትና ምዃኑ እንተ ዘኪርና፡ ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ንምውሳድ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ፡ ምስ ስእለ ጽዩፍ ዘይጽብጸብ ምስልታት እኳ ብጾታዊ መዳይ ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ንዕኡኸ ንየው ክንብሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ብልብና እኳ ናብ ዝሙት ኪመርሕ ዚኽእል ስጕምቲ ኽንወስድ ኣይንደልን ኢና። (ማቴ. 5:28, 29) ዴቪድ ዝስሙ ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሽማግለ፡ “‘እዚ ምስልታት እዚ ምስ ስእለ ጽዩፍ ዘይጽብጸብ እኳ እንተ ዀነ፡ ስቕ ኢለ እንተ ጠሚተዮ ግና የሆዋ ባህ ይብሎ ድዩ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ እሓትት እየ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ ብጥበብ ስጕምቲ ኽወስድ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል።
13. እንታይ እዩ ብጥበብ ክንመላለስ ዚሕግዘና፧
13 ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ጥዑይ ፍርሃት እንተ ኣማዕቢልና፡ ብጥበብ ክንመላለስ ንኽእል ኢና። ፍርሃት ኣምላኽ “መጀመርታ” ወይ መሰረት “ጥበብ” እዩ። (ምሳ. 9:10) እዚ ኣብ መጀመርታ ምሳሌ ምዕራፍ 9 ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ “ናይ ሓቂ ጥበብ” ብዛዕባ እተባህለት ምሳልያዊት ሰበይቲ ነንብብ ኢና።
ነቲ ኻብ “ናይ ሓቂ ጥበብ” ዚቐርብ ዕድመ ተቐበሎ
14. ኣብ ምሳሌ 9:1-6 እንታይ ካልእ ጻውዒት እዩ ቐሪቡ ዘሎ፧
14 ምሳሌ 9:1-6 ኣንብብ። ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ኻብቲ ምንጭን መሰረትን ናይ ሓቂ ጥበብ ዝዀነ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ እውን ጥበበኛ ዝዀነ ፈጣሪና ዝቐረበልና ዕድመ ነንብብ ኢና። (ምሳ. 2:6፣ ሮሜ 16:27) ሸውዓተ ኣዕኑድ ብዛዕባ ዘለዋ ቤት እውን ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ የሆዋ ለጋስ ከም ዝዀነ፡ ብጥበቡ ኺመላለሱ ንዚደልዩ ዘበሉ ዅሎም ድማ ሓንጐፋይ ኢሉ ኸም ዚቕበሎም የርኢ።
15. ኣምላኽ እንታይ ዕድመ እዩ ኣቕሪቡልና ዘሎ፧
15 የሆዋ ብልግሲ እዩ ኣኺሉ ዚተርፍ ውህበት ዚህበና። እዚ ባህርያቱ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 9 ብሰበይቲ ተመሲላ ዘላ “ናይ ሓቂ ጥበብ” ተንጸባሪቑ ኣሎ። ኣብቲ ጸብጻብ እቲ፡ እዛ ምሳልያዊት ሰበይቲ እዚኣ ሕሩዳ ኸም ዝሓረደት፡ ወይና ኸም ዝሓዋወሰት፡ መኣዳ እውን ከም ዘሰናደወት ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳ. 9:2) ብመሰረት ፍቕዲ 4ን 5ን፡ እዛ ብጥበብ እተመሰለት ሰበይቲ፡ “ልቢ ንዘይብሉ ዘበለ . . . ኸምዚ ትብሎ፦ ‘ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ።’” እሞ ደኣ ናብ ቤት ናይ ሓቂ ጥበብ ክንከይድን እቲ ንሳ እተቕርቦ ዘበለ እንጌራ ኽንበልዕን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ የሆዋ ንደቁ፡ ጥበበኛታት ኪዀኑን ካብ ሓደጋ ኺስተሩን እዩ ዚደልዮም። ብመከራን ብጣዕሳን ክንምሃር ኣይደልየናን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ንቕኑዓት . . . ግብራዊ ጥበብ ይዓቝረሎም” ተባሂሉ ኣሎ። (ምሳ. 2:7) ጥዑይ ፍርሃት ኣምላኽ እንተ ኣልዩና፡ ባህ ከነብሎ ኢና እንደሊ። ጥበባዊ ምኽሩ ምስ ሰማዕና ኸኣ፡ ተሓጒስና ኢና እንትግብሮ።—ያእ. 1:25።
16. ኣለን ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ጥበባዊ ውሳነ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ኣፍርዩ፧
16 ኣለን ዚብሃል ሓው ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኸም ዝገበረ እስከ ንርአ። እዚ ክርስትያን ሽማግለ እዚ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ መምህር ኰይኑ እዩ ዚዓዪ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ነገራት ኬዘንቱ ኸሎ ድማ፡ “ብዙሓት መሳርሕተይ ንስእለ ጽዩፋዊ ፊልምታት ከም ትምህርቲ ጾታ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ” ይብል። ኣለን ግና በዚ ኣይተታለለን። እንታይ ከም ዝገበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብ ፍርሃት ኣምላኽ ተላዒለ ነዚ ፊልምታት እዚ ፈጺመ ምርኣይ ኣብየ። ንመሳርሕተይ ድማ ምኽንያተይ ገሊጸሎም” ይብል። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ “ብመገዲ ኣእምሮ ንቕድሚት ኪዱ” ዚብል ካብ “ናይ ሓቂ ጥበብ” እተዋህበ ምኽሪ እዩ ዚትግብር ነይሩ። (ምሳ. 9:6) ገሊኦም መሳርሕቱ ዝዀኑ መምህራን በዚ ኣለን ዝወሰዶ ጽኑዕ መትከል ስለ እተደነቑ፡ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከቡን ኣለዉ።
17-18. እቶም ካብ “ናይ ሓቂ ጥበብ” ንዚቐርብ ጻውዒት ዚቕበሉ ሕጂ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 የሆዋ በዘን ምሳልያውያን ክልተ ኣንስቲ ኣቢሉ ኣብ መጻኢ በረኸት ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ገሊጹልና ኣሎ። እቶም ካብታ ዋዕዋዕተኛ “ዓሻ ሰበይቲ” ዚቐርብ ዕድመ ዚቕበሉ፡ ኣብቲ “ጥዑም” እተባህለ ሕቡእ ተድላ እዮም ዜተኵሩ። ከም ሓቂ፡ ንመጻኢ ዕሽሽ ኢሎም ንሕጂ ጥራይ እዮም ዚነብሩ። መወዳእታኦም ድማ፡ “ኣብ መዓሙቝ መቓብር” እዩ ዚኸውን።—ምሳ. 9:13, 17, 18።
18 እቶም “ናይ ሓቂ ጥበብ” ንእተቕርቦ ዕድመ ዚቕበሉ ግና፡ መወዳእታኦም ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ዚኸውን። እዞም ኣጋይሽ እዚኦም ብጽቡቕ ካብ እተሰናደወን ንጥዕና ኻብ ዚጠቅምን መንፈሳዊ መኣዲ እዮም ዚምገቡ። (ኢሳ. 65:13) የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ጽቡቕ ዘበለ ድማ ብልዑ፣ ናይ ሓቂ መዓዛታት ብዘለዎ ኸኣ ደስ ኪብለኩም እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 55:1, 2) ስለዚ፡ የሆዋ ዚፈትዎ ምፍታውን የሆዋ ዚጸልኦ ምጽላእን ንምሃር ኣለና። (መዝ. 97:10) ካልኦት ካብ ናይ ሓቂ ጥበብ ኪጥቀሙ ምዕዳም እውን ዕግበት የምጽኣልና እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ኸተማ ኻብ ዘሎ በረኽቲ፡ “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ”’ ኢልና ኸም እንጽውዕ ጌርካ ኪቝጸር ይከኣል እዩ። ንሕና ዀንና ነዚ ጻውዒት እዚ ዚቕበሉ ሰባት እንረኽቦ ጥቕምታት ድማ ንሕጂ ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንሓዋሩ ዚቕጽል ጥቕምታት ኢና እንረክብ። እወ፡ ‘ብመገዲ ኣእምሮ ንቕድሚት ክንከይድ ከለና፡’ ንዘለኣለም ብህይወት ክንነብር ኢና።—ምሳ. 9:3, 4, 6።
19. ምስ መክብብ 12:13, 14 ብምስምማዕ፡ እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ (“ፍርሃት ኣምላኽ ይጠቕመና” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
19 መክብብ 12:13, 14 ኣንብብ። እምበኣር፡ ፍርሃት ኣምላኽ ንልብና ይሓልዎ፣ ኣብዘን እኩያት ዳሕሮት መዓልትታት እውን ብስነ ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ቅኑዓት ኴንና ኽንመላለስ ይሓግዘና። እዚ ጥዑይ ፍርሃት እዚ ድማ፡ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት፡ ን“ናይ ሓቂ ጥበብ” ኪደልይዋን ካብኣ ኺጥቀሙን ንምዕዳም ኬለዓዕለና እዩ።
መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!
a ክርስትያናት ንኣምላኽ ጥዑይ ፍርሃት ኬማዕብሉ ይደልዩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት ንልብና ይሕልዎ እዩ፣ ካብ ምንዝርናን ስእለ ጽዩፍን እውን የዕቍበና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንምሳሌ 9 ኽንምርምራ ኢና። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ድማ፡ ጥበብን ዕሽነትን ከም ክልተ ኣንስቲ ጌርካ ተዘሪቡለን ኣሎ። ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ነባሪ ጥቕምታት ክንረክብ ኢና።
b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።