ብንጽህና ብምምልላስ ዚርከብ ሓጐስ
“በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።”—ምሳሌ 10:22
1, 2. እምብዛ ኣብ መጻኢ ጥራይ ከይነድህብ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ሓደ ኣመሪካዊ ፈላስፋ: “ኣብ መጻኢ ጥራይ ምድሃብ: ንህሉው ኵነታት ከም ዘይንርእዮ ይገብረና” በለ። ኣብቲ ምስ ዓበዩ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት ጥራይ ዜድህቡ ቘልዑ: ቍልዕነት ክሳዕ ዚሓልፍ ረብሓታቱ ኣይረኣዮምን እዩ።
2 ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ከይተረፈ: ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይሓድሮም እዩ። እንታይ ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ንኺገብራ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጽም ሃረር ኢልና ኢና እንጽበዮ። ካብ ሕማምን እርጋንን ስቓይን መከራን ናጻ ዝዀነ ህይወት ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። ነዚ ነገራት እዚ ምጽባይና ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ኣድህቦና ብምሉኡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ኣካላዊ በረኸት ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ መንፈሳዊ በረኸት ዘይንርእዮ እንተ ዄንናኸ፧ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ ዚኸውን! ‘ትጽቢትና’ ኻብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ስለ ‘ዝነውሐ:’ ብቐሊሉ ተስፋ ኬቝርጸናን ‘ንልብና ኼማህምኖን’ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 13:12) ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ሽግራትን ጸገማትን: ተስፋ ኸም እንቐብጽ ወይ ከም እነስተማስል ኪገብረና ይኽእል እዩ። ነቲ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ክንዲ እንጻወሮ: መዕዘምዘምቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ሕጂ እንረኽቦ በረኸት ብሞሳ እንተ ኣስተንቲንናሉ: እዚ ዅሉ ኺውገድ ይከኣል እዩ።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር፧
3 ምሳሌ 10:22 “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ትብል። እቲ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ረኺቦምዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና: ዜሐጕስ በረኸትዶ ኸይኰነ፧ ገለ መዳያት እቲ መንፈሳዊ ብልጽግናናን እዚ ንዓና ብብሕቲ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን እስከ ንመርምር። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቲ “ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕ” ዚህቦ ሞገስ ግዜ ወሲድና እንተ ኣስተንቲንና: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብሓጐስ ምግልጋል ንኽንቅጽል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬደልድሎ እዩ።—ምሳሌ 20:7
ሕጂ ‘ዜሀብትመና በረኸት’
4, 5. ነየናይ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ ብፍላይ እተማስወሉ፧ ስለምንታይከ፧
4 ርጡብ ፍልጠት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ። ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ብሓፈሻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚኣምና ይዛረባ እየን። ይኹን እምበር: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኣይሰማምዓሉን እየን። ኣባላት ሓንቲ ሃይማኖት እኳ ኸይተረፉ: ብዛዕባ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርትታት ኣብ ዘለዎም ኣረኣእያ ይፈላለዩ እዮም። እዝስ ካብቲ ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘሎ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ሃገርና: ባህልና: ወይ ዓሌትና ብዘየገድስ: ነቲ ብስሙ እንፈልጦ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። ንሱ ምስጢራዊ ስላሴ ኣይኰነን። (ዘዳግም 6:4፣ መዝሙር 83:18 NW፣ ማርቆስ 12:29) እቲ ቐንዲ ጕዳይ ልዑላውነት ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን መዓልቦ ኺግበረሉ ምዃኑን: ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ብምሕላው ከኣ ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ምዃንና ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ምዉታት እቲ ሓቂ ንፈልጥ: እቲ ንሰባት ኣብ ሲኦል ሓዊ የሳቕዮም ወይ ናብ መንጽሂ ይልእኮም ተባሂሉ ዚእመነሉ ኣምላኽ እውን ኣየርዕደናን እዩ።—መክብብ 9:5, 10
5 ኣብ ርእሲ እዚ: ብሃንደበት ብፍልቀት ዝመጻእና ዘይምዃንና ምፍላጥናስ: ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ኣብ ክንዳኡስ: ብመልክዕ ኣምላኽ እተገበርና ፍጡራቱ ኢና። (ዘፍጥረት 1:26፣ ሚልክያስ 2:10) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኹ: “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” ኢሉ ዘመረሉ።—መዝሙር 139:14
6, 7. ኣብ ህይወትካ ወይ ኣብ ህይወት ካልኦት ዝረኣኻዮ እንታይ ለውጥታት እዩ በረኸት ኰይኑ ዝረኸብካዮ፧
6 ካብ ጐዳኢ ኣመላትን ልማዳትን ሓራ ምዃን። ብዛዕባ ትምባኾ ምትካኽ: ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ: ከምኡውን ፍኑው ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘለዎ ሓደጋታት ዚገልጽ መጠንቀቕታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብብዝሒ ይርአ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነዚ መጠንቀቕታት እዚ ዚሰምዖ የልቦን። ሓደ ቕኑዕ ሰብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከም ዚዅንን በቶም ብእኡ ዚመላለሱ ኸም ዚጕህን ምስ ዚፈልጥ ግን እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ነዚ ኣመላት እዚ ኻብ ህይወቱ ኼርሕቖ እዩ ዚድረኽ! (ኢሳይያስ 63:10፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 7:1፣ ኤፌሶን 4:30) ነዚ ዚገብሮ ብቐዳምነት ንየሆዋ ኣምላኽ ኬሐጕስ ኢሉ እኳ እንተዀነ: ተወሳኺ ረብሓታት: ማለት ዝሓሸ ጥዕናን ናይ ኣእምሮ ሰላምን እውን ይረክብ እዩ።
7 ሕማቕ ኣመል ምሕዳግ ንብዙሓት ሰባት ኣመና የጸግሞም እዩ። ኰይኑ ግን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ይገብርዎ ኣለዉ። ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ብማይ ይጥመቑ ኣለዉ: በዚ ኸምዚ ድማ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ልማዳቶም ካብ ህይወቶም ከም ዘርሓቕዎ ንህዝቢ የፍልጡ ኣለዉ። እዝስ ንዅላትና ኸመይ ዝበለ መተባብዒ ዀን እዩ! ነቲ ኻብ ሓጥእን ጐዳእን ኣኻይዳ ናጻ ንኽንከውን ዝገበርናዮ ቘራጽነት እዩ ዜደልድሎ።
8. እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ እዩ ንሓጐስ ስድራቤት ኣበርክቶ ዚገብር፧
8 ሕጉስ ናብራ ስድራቤት። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናብራ ስድራቤት ሰንከልከል እዩ ዚብል ዘሎ። ሓያሎ ሓዳር መብዛሕትኡ ግዜ ንቘልዑ ዜሳቒ በሰላ ሓዲጉ ብፍትሕ ይዛዘም ኣሎ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣውሮጳ: ብሓደ ወለዲ ዝቘማ ስድራቤታት: ዳርጋ 20 ሚእታዊት ናይ ኵሉ ቤተሰብ ኣቢለን ይዀና። የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ብንጽህና ንኽንመላለስ ዝሓገዘና ብኸመይ እዩ፧ ኤፌሶን 5:22–6:4 እሞ ኣንብብ: ኣብኡ ቓል ኣምላኽ ንሰብኡትን ነንስትን ንውሉዳትን ዝሃቦ ጽቡቕ ምኽሪ ኣስተብህለሉ። ነቲ ኣብኡን ኣብ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋትን ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ: ብርግጽ ንሓዳር የደልድሎ: ወለዲ ንውሉዳቶም ብግቡእ ንኼዕብዩ ይሕግዝ: ከምኡውን ንሕጉስ ናብራ ስድራቤት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። እዝስ ዜሐጕስ ብስራትዶ ኸይኰነ፧
9, 10. ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ኣረኣእያ: ካብ ናይ ዓለም ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧
9 ጸገማት ዓለም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚፍታሕ መረጋገጺ ምርካብ። ስነ-ፍልጠታውን ተክኖሎጅያውን ፍልጠት እኳ እንተሎ: ገሊኦም መራሕቲውን ካብ ልቦም ይጽዕሩ እኳ እንተለዉ: ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኸቢድ ጸገማት ግን ኪፍታሕ ኣይተኻእለን። መስራቲ ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም (መጋባእያ ቝጠባ ዓለም) ዝዀነ ክላውስ ሽቫብ ኣብዚ ቐረባ ግዜ: “ዝርዝር እቲ ንዓለም ዜጋጥማ ዘሎ ጸገማት እናነውሐ ኪኸይድ ከሎ: ነዚ ንምፍታሕ ዜድሊ ግዜ ግን እናሓጸረ ይኸይድ ኣሎ” በለ። ብዛዕባ እቲ “ሃገራዊ ዶባት ሰገር ዝዀነ ግብረ-ሽበራን ኣከባብያዊ ምብልሻውን ቍጠባዊ ዘይምርግጋእን ዝፈጠሮ ሓደጋታት” ተዛረበ። “ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ: ሓባራዊ ኸምኡውን ወሳኒ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ዘለዎ ነገራት እዩ ኣጋጢሙዋ ዘሎ” ብምባል ድማ ደምደመ። መበል 21 ዘመን ኣብ ዚግስግሰሉ እዋን: ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ብሩህ ኣይኰነን።
10 የሆዋ በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ንዅሉ ጸገማት ደቅሰብ ዚፈትሕ ምድላው ከም ዝገበረ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብኣኣ ኣቢሉ ‘ንውግእ መወዳእታ ኺገብረሉ:’ ‘ብዙሕ ሰላም’ ድማ ኬምጽእ እዩ። (መዝሙር 46:9፣ 72:7) እቲ እተቐብአ ንጉስ: የሱስ ክርስቶስ: ‘ነቲ ድኻን ነቲ መስኪንን ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኬናግፎ እዩ።’ (መዝሙር 72:12-14) ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ዋሕዲ ምግቢ ኣይኪህሉን እዩ። (መዝሙር 72:16) የሆዋ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ [ኣዒንትና] ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) እታ መንግስቲ ኣምላኽ ድሮ ኣብ ሰማይ ቈይማ እያ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጕዳያት ንምቕያር ኣድላዪ ስጕምቲ ኽትወስድ እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15
11, 12. (ሀ) ደድሕሪ ባህታ ምስዓብ ነባሪ ሓጎስ የምጽእዶ፧ ግለጽ። (ለ) ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽእ እንታይ እዩ፧
11 ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ ምፍላጥ። ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ይርከብ፧ ሓደ ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ: ሓጐስ ሰለስተ ኽፋል ከም ዘለዎ ገለጸ። እዚ ኸኣ ባህታ: ተሳትፎ (ኣብ ከም ንጥፈታት ስራሕን ስድራቤትን ምስታፍ): ከምኡውን ትርጕም (ካብ ርእስኻ ንዚዓቢ ዕላማ ወይ ሸቶ ምዕያይ) እዩ። ካብዘን ሰለስተ ኽፋላት: ባህታ ብኣገዳስነታ ዝተሓተት ገይሩ ሰርዓ: “ህይወት ብዙሓት ሰባት ባህታ ኣብ ምርካብ ዘተኰረ ብምዃኑ እዚ ኺግለጽ ዘለዎ ነገር እዩ” በለ። ኣብዚ መዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
12 እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን: “ኣነ ብልበይ: እምበኣርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ: ባህ ይበልካ: በልኩ። ግናኸ እንሆ: እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰሓቕ፤ ዕሽነት ኢኻ: ንታሕጓስ ከኣ፤ እንታይ ትጠቅም፧ በልክዎም” በለ። (መክብብ 2:1, 2) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: ባህታ ዜምጽኦ ዝዀነ ይኹን ሓጐስ ግዝያዊ ጥራይ እዩ። ኣብ ዕዮ ምስታፍ ብዚምልከትከ፧ ክንሳተፈሉ እንኽእል ካብ ኵሉ ንላዕሊ ትርጕም ዘለዎ ዕዮ ኣሎና: እዚ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ መልእኽቲ ድሕነት ንኻልኦት ብምክፋል: ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ኣብ ዜድሕን ዕዮ ንጽመድ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) “መዓይይቲ ኣምላኽ” ስለ ዝዀንና: ንሓቅነት እቲ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW]” ዚብል ቃላት ኣብ ህይወትና ንምከሮ ኢና። (1 ቈረንቶስ 3:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እዚ ዕዮ እዚ ንህይወትና ትርጕም ከም ዚህልዋ ይገብራ: ንፈጣሪ ድማ ነቲ ዚጸርፎ ሰይጣን ድያብሎስ ምላሽ ንምሃብ የኽእሎ። (ምሳሌ 27:11) እወ: የሆዋ: ኣምልኾ ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ከም ዜምጽእ ኣርእዩና እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:8
13. (ሀ) ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዜሐጕስ በረኸት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ተጠቒምካ፧
13 ኣገዳስን ኣስላጥን መደብ ስልጠና። ጌርሃርት ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሽማግለ ዀይኑ እዩ ዜገልግል። ንእስነቱ ኺዝክር ከሎ: ከምዚ ይብል:- “ንእሽቶ ኸለኹ: ምዝራብ ኣመና የጸግመኒ ነበረ። ጸቕጢ እንተ ተገይሩለይ: ኣነጺረ ኽዛረብ ኣይክእልን እየ ነይረ: ባእባእ ክብል ድማ እጅምር ነበርኩ። ትሕቲ ኻልኦት ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ: ጭንቀት ድማ ኣሕደረለይ። ወለደይ ናይ ምዝራብ ኮርስ ንኽወስድ ምድላው እኳ እንተ ገበሩለይ: ጻዕርታቶም ግን ኣይጠቐመንን። ሽግረይ ኣካላዊ ዘይኰነስ: ስነ-ኣእምሮኣዊ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ዝመስረቶ ዜደንቕ ምድላው ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ምምዝጋበይ ሓድሽ ትብዓት ሃበኒ። ነቲ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዚከኣለኒ ዘበለ ገበርኩ። እዚ ድማ ፍረ ኣፍረየ! ልሳነይ እናተፈትሐ ኸደ: ጭንቀተይ ሓደገኒ: ኣብ ኣገልግሎት እውን ዝያዳ ትብዓት ረኸብኩ። ሕጂ ህዝባዊ መደረ እውን አቕርብ እየ። የሆዋ በቲ ቤት ትምህርቲ ኣቢሉ ሓድሽ ህይወት ስለ ዝሃበኒ: ብሓቂ አመስግኖ እየ።” የሆዋ ዕዮኡ ንኽንዓዪ ኢሉ ንዓና ዜሰልጥነሉ መገዲ ዜሐጕስዶ ኸይኰነ፧
14, 15. ብግዜ ጭንቀት እንታይ ሓገዝ እዩ ብቐሊሉ ዚርከብ፧ ኣረድእ።
14 ምስ የሆዋ ዘሎና ብሕታዊ ርክብን ካብቲ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዚርከብ ደገፍን። ኣብ ጀርመን እትነብር ካትሪና: ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድርን ስዒቡ ዝመጸ ሱናሚን ምስ ሰምዐት ኣመና ተሻቐለት። እቲ ዕንወት እቲ ኼጋጥም ከሎ: ጓላ ኣብ ታይላንድ እያ ነይራ። እዛ ኣደ እዚኣ ን32 ሰዓት ዚኣክል ጓላ ብህይወት ትንበር: ወይ ካብቶም በብሰዓቱ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ምዉታት ትኹን ኣይፈለጠትን። ኣብ መወዳእታ ካትሪና ተሌፎን ተደዊሉ ጓላ ደሓን ምህላዋ ምስ ተነግራ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ እፎይ ዝበለት!
15 ኣብተን ሰዓታት ጭንቀት ንካትሪና ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “ዳርጋ ንዅሉ እቲ እዋን እቲ ንየሆዋ እናጸለኹ እየ ኣሕሊፈዮ። እዚ ኽሳዕ ክንደይ ብርታዐን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ከም ዝሃበኒ ብተደጋጋሚ ኣስተብሂለ እየ። ብዘይካዚውን: ፈቃራት መንፈሳውያን ኣሕዋት በጽሑኒ: ኣብ ጐድነይ ድማ ኰኑ።” (ፊልጲ 4:6, 7) እተን ሰዓታት ጭንቀት ብዘይ እቲ ናብ የሆዋ ብምጽላይ ዚርከብ ጥቕምን ካብ ፈቃራት መንፈሳውያን ኣሕዋት ዚርከብ ምጽንናዕን ኣሕሊፋተን እንተ ትኸውን: ኣብ ዝኸፍአ ዅነታት ምነበረት። ምስ የሆዋን ወዱን ዘሎና ናይ ማሕርሮ ርክብ: ከምኡውን ምስ ክርስትያናዊ ሕውነት ዘሎና ስጡም ሕብረት ኣፍኲስካ ኺርአ ዘይብሉ ፍሉይ በረኸት እዩ።
16. ተስፋ ትንሳኤ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ዜብርህ ተመክሮ ንገር።
16 ሞይቶም ንዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት እንደገና ናይ ምርካብ ተስፋ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ማቲያስ ዚበሃል መንእሰይ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራቤት እዩ ዓብዩ። ነቲ ዝረኸቦ በረኸት ስለ ዘይፈለጦ ግን: ኰተቴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ረሓቐ። ሕጂ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስ ኣቦይ ዓሚቝ ምይይጥ ገይረ ኣይፈልጥን እየ። ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ብዙሕ ሳዕ ኣይንሰማማዕን ኢና ኔርና። ኰይኑ ግን: ኣቦይ ብሉጽ ህይወት ኪህልወኒ እዩ ዚደልየኒ ነይሩ። ኣመና የፍቅረኒ ነበረ: እዚ ግን ብግዜኡ ኣየስተውዓልክዎን። ብ1996 ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኾፍ ኢለ ኢዱ ሒዘ ኣምሪረ ኽበኪ ኸለኹ: በቲ ዝገበርክዎ ዅሉ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሓዘንኩን ኣዝየ ኸም ዘፍቅሮን ነገርክዎ። እንተዀነ ግን: ኪሰምዓኒ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምሕማሙ: ሞተ። ነቦይ ብትንሳኤ ኽረኽቦ እንተ በቒዐ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘምለጠና ነገር ከነርክበሉ ኢና። ሽማግለ ዀይነ ኸም ዘገልግልን ምስ ብዓልቲ ቤተይ ፓይነራት ኴንና ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ከም ዝረኸብናን ምስማዕ ብርግጽ ኬሐጕሶ እዩ።” ተስፋ ትንሳኤ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ በረኸት ኰን እዩ!
“ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን”
17. ብዛዕባ በረኸት የሆዋ ምስትንታን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
17 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኡ: “ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:45) የሆዋ ኣምላኽ ንሓጥኣንን ንኽፉኣትን በረኸት ዚህቦም ካብ ኰነ: ነቶም ብመገዲ ንጽህና ዚመላለሱ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘይባርኾም! መዝሙር 84:11 ብዛዕባ የሆዋ “ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ” ትብል። ነቶም ዜፍቅርዎ ዘበሉ ዜርእዮም ፍሉይ ክንክንን ሓልዮትን ምስ እነስተንትነሉ: ልብና ብምስጋናን ብሓጐስን እዩ ዚመልእ!
18. (ሀ) የሆዋ ንበረኸቱ ሽጋር ኣይውስኸሉን ኪበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መከራ ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧
18 “በረኸት እግዚኣብሄር” ንህዝቡ መንፈሳዊ ብልጽግና ንኺረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። ምስኡውን ‘ገለ ሽጋር ከም ዘይውስኸሉ’ ርግጸኛታት ኢና። (ምሳሌ 10:22) ንብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስቓይን መከራን ዜስዕብ ፈተናታት ዜጋጥሞም ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ጸገማትን ጭንቅን ብሰለስተ ምኽንያታት እዩ ዜጋጥመና። እዚ ኸኣ ብሰንኪ:- (1) ሓጥእ ዝንባለና። (ዘፍጥረት 6:5፣ 8:21፣ ያእቆብ 1:14, 15) (2) ሰይጣንን ኣጋንንቱን። (ኤፌሶን 6:11, 12) (3) እዛ እክይቲ ዓለም። (ዮሃንስ 15:19) የሆዋ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥም እኳ እንተ ፈቐደ: ንሱ ግን ምንጩ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።” (ያእቆብ 1:17) እወ: በረኸት የሆዋ: ብዘይ ሽጋር እዩ።
19. እቶም ብንጽህና ዚመላለሱ እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧
19 መንፈሳዊ ብልጽግና ምርካብ: ወትሩ ንኣምላኽ ምቕራብ የጠቓልል። ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ እንተ ኣማዕቢልና: ናይ ዘለኣለም ህይወት ወይ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስና ኣኪብና ኢና።’ (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 17-19) ኣብታ እትመጽእ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም: መንፈሳዊ ሃብትና ብኣካላዊ በረኸት ኪስነ እዩ። ሽዑ እቶም ‘ቃል የሆዋ ኣምላኽ ዚሰምዑ’ ዘበሉ ናይ ሓቂ ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (ዘዳግም 28:2) ሃየ እምበኣር: ብእተሓደሰ ቘራጽነት: ተሓጒስና ብንጽህና ምምልላስ ንቐጽል።
እንታይ ተማሂርካ፧
• እምብዛ ኣብ መጻኢ ጥራይ ምድሃብ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
• ሕጂ እንታይ በረኸት ኢና ረኺብና ዘሎና፧
• እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መከራ ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧