ብየሆዋ ተሓጐሱ ባህ ድማ ይበልኩም
ዝዀነ ይኹን ዓቢ ፕሮጀክት ክዛዘም ከሎ ዘሐጕስ ኢዩ። እቶም 48 ተማሃሮ ናይ መበል 106 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ብ13 መጋቢት 1999 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ: ፓተርሰን ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ክምረቑ ኸለዉ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ሻውዓይ ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካልን ኣቦ መንበር ናይቲ ናይ ምረቓ ፕሮግራምን ቴዶር ጃራዝ ነተን ኣብ መዝሙር 32:11 ዘለዋ “ኣቱም ጻድቃን: ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ: ባህ ድማ ይበልኩም” ዝብላ ቓላት ብምጕላሕ ናይ መኽፈቲ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኵሎም ክሕጐሱ ዘለዎም ስለምንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “የሆዋ ኣብዞም ተማሃሮ ጊልዓድን ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባትን ይዓዪ ከም ዘሎ ብምግንዛብ ኢና ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት እንሕጐስ።” እቶም ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽመጹ መደብ ብምግባር ንናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ብቑዓት ምእንቲ ክዀኑ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: ክሳዕ መወዳእታ ዕዉታት ኰይኖም ንኽዛዝምዎ ዝሓገዞም ግን የሆዋ ኢዩ። (ምሳሌ 21:5፣ 27:1) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓው ጃራዝ ‘ብእግዚኣብሄር ምሕጓስ’ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሐ።
ካብቶም ኣብዚ ዘሐጕስ ፍጻመ ምእንቲ ክካፈሉ ኣብ ናይ ፓተርሰን ኣደራሽ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት: ካብ 12 ሃገራት ዝመጹ ኣባላት ስድራቤትን ዕዱማትን ናይቶም ተማሃሮ ይርከብዎም። እቶም 5,198 ዝዀኑ ተኣከብቲ—ነቶም ብኣውድዮን ቪድዮን ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣብ ብሩክሊን: ፓተርሰን: ከምኡውን ዎልኪል ዝነብሩ ስድራ ቤትኤል ሓዊስካ—ነቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ፕሮግራም ተሃንጥዮም ክጽበዩ ኸለዉ: ዘሐጕስ ሃዋሁ ሰፊኑ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ።
ናይ ሓጐስ መንፈስ ሒዞም ክቕጽሉ ተማዒዶም
ሓው ጃራዝ ነቲ ናይ መኽፈቲ ዝርርቡ ክድምድም ኸሎ: ንሓደ ካብቶም ዝርርብ ክህቡ ተቐሪቦም ዝነበሩ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣፋለጠ። እቶም ዝርርብ ዘቕረቡ ነቶም ተመረቕቲ ጊልዓድ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ዘተባብዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምዕዶ ኢዮም ኣዳልዮም።
እቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብ ዘቕረበ ዊልያም ማለንፎንት ዝበሃል ኣብ መበል 34 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ ሕጂ ኸኣ ተሓጋጋዚ ትምህርታዊ ኮሚቴ ኣማሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ኢዩ። ምስቲ ኣብ መክብብ 1:2 እተመርኰሰ “‘ኵሉ’ ከንቱ ኣይኰነን!” ዝብል ኣርእስቱ ኣተሓሒዙ “ሰሎሞን ኵሉ ክብል ከሎ ዝዀነ ይኹን ነገር ከንቱ ኢዩ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧” ኢሉ ሓተተ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ መለሰ:- “ኣይፋልን። እኳ ድኣስ ነቲ ደቅሰብ ንመለኮታዊ ፍቓድ ሓዲጎም ዝገብርዎ ዕዮታትን ካብ መለኮታዊ ፍቓድ ወጻኢ ዝዀነ ዕማማትን ኵሉ ከንቱ ምዃኑ ኢዩ ተዛሪቡ።” ብኣንጻሩ ግን: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ ምምላኽ ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ንኻልኦት ምምሃርን ከንቱነት ኣይኰነን። ኣምላኽ ነቲ ኣገልገልቱ ዝገብርዎ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ኣይርስዖን ኢዩ። (እብራውያን 6:10) ጥፍኣት እንተ መጸ እውን: እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ዝረኸቡ ሰባት ‘ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን እተጠቕለሉ’ ክዀኑ ኢዮም። (1 ሳሙኤል 25:29) ኣየ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ሓሳብ ኰን ኢዩ! ነዚ ነጥብታት እዚ ምዝካር ንዅሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ሓጐስ መንፈስ ሒዞም ንኽቕጽሉ ይሕግዞም ኢዩ።
ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ጆን ባር ከኣ ነቶም ተመረቕቲ “ኣብቲ ሚስዮናዊ ዕዮኹም ባህ ይበልኩም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣተባብዖም። ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ንልቢ የሆዋ ኣምላኽ ኣዝዩ ዘሐጕሶ ምዃኑ ገለጸ። ከምዚ በለ:- “ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ መግለጺ ናይቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዓለም ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ። ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ሰደዶ። የሱስ እቲ ዝዓበየን ናይ መጀመርታን ሚስዮናዊ ኢዩ።” እቶም ተመረቕቲ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ዕዮ ብዓወት ምእንቲ ኽዛዝም ዝገበሮ ለውጥታት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ ንዅሎም እቶም ካብኡ ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት ዘምጽኣሎም ረብሓ እውን ከስተንትንሉ ይኽእሉ ኢዮም። ሓው ባር ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ የሱስ ዕዮ ኣምላኽ ክዓዪ ይሕጐስን ንደቅሰብ የፍቅሮምን ምንባሩ ገለጸ። (ምሳሌ 8:30, 31) ሓው ባር ነቶም ተመረቕቲ ኣብ መዝነቶም ጸኒዖም ምቕጻል ናይ ተጻዋርነት ሕቶ ጥራይ ዘይኰነስ ሓጐስ እውን ስለ ዝረኽቡሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣተባብዖም። ‘ጾርኩም ናብ እግዚኣብሄር ደርብይዎ: ንሱ ኽድግፈኩም ኢዩ’ ብምባል ከኣ ተማሕጸኖም።—መዝሙር 55:22
እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ተዛራቢ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ሎይድ ባሪ ድማ “ብስም የሆዋ ንዘለኣለም ምምልላስ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣብ መበል 11 ክፍሊ ጊልዓድ ድሕሪ ምምራቑ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ጃፓን ሚስዮናዊ ኰይኑ ስለ ዘገልገለ: ገለ ናይ ቀዳሞት ሚስዮናውያን ተመክሮታትን ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማትን ኣዘንተወ። ነቶም ተመረቕቲ እንታይ ተግባራዊ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧ ከምዚ በሎም:- “ልዕሊ ዅሉ መንፈሳውነትኩም ሓልዉ። ናይቲ ዓዲ ቋንቋን ባህልን ድማ ልመዱ። እቲ ናይ ምስሓቕን ምጽዋትን ስምዒትኩም ኣይተጥፍኡ። ዕዮኹም ኣጽኒዕኩም ሓዙ: ኣይትሰልክዩ ወይ ኣይትተሓለሉ።” ሓው ባሪ ነቶም ተመረቕቲ ኣብቲ እተመደብዎ ወጻኢ ሃገራት ብስም እተፈላለዩ ኣማልኽትን ጣኦታትን ዝመላለሱ ብዙሓት ሰባት ክረኽቡ ምዃኖም ሓበሮም። ነተን ከምዚ ዝስዕብ ዝብላ ናይ ሚክያስ ቃላት ድማ ኣዘኻኸሮም:- “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።” (ሚክያስ 4:5) ኣብነት ናይቶም ናይ ቀደም ሚስዮናውያን ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብስም የሆዋ ንኽመላለሱን ብተኣማንነት ንኸገልግልዎን ከም ዝድርኾም እተረጋገጸ ኢዩ።
ኣብቲ ፕሮግራም ቀጺሉ ዝነበረ ክፍሊ በቲ ናይ ጊልዓድ መምህር ሎረንስ ቦወን ዝቐረበ ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዘቕረቦ ዝርርብ: “እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኻ እትኸውን፧” ዝብል ሕቶ ኣልዓለ። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዕዉት ምዃን: በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምነትን ትውክልትን ዝውሰን ምዃኑ ገለጸ። ንጉስ ኣሳ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰራዊት ንዘለዎ ጸላኢ ብዘደንቕ መገዲ ስዒሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ምግባር ክቕጽል ከም ዘለዎ ነቢዪ ዓዛርያ “ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ: ንሱ ምሳኻትኩም ኢዩ” ብምባል ኣዘኻኺርዎ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 14:9-12፣ 15:1, 2) እቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ኣላዪ: ሓላዊ ወይ ፈጻም ፍርዲ ወሲኽካ ዕላምኡ ንኽፍጽም ኵሉ ይኸውን ዝብል ትርጕም ስለ ዘለዎ እቶም ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ዝገብሩ ከምኡውን ምስ ዕላምኡ ተሰማሚዖም ዝነብሩ ሚስዮናውያን ኣብቲ መዝነቶም ዕዉታት ክዀኑ ኢዮም። (ዘጸኣት 3:14) ሓው ቦወን “ዕላማ የሆዋ ዕላማኹም ክሳዕ ዝገበርኩምዎ: መዝነትኩም ንኽትፍጽሙ ዘድሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትገብሩ ከም ዘኽእለኩም ኣይትረስዑ” ብምባል ዝርርቡ ዓጸወ።
ኣብዚ ክፋል ናይዚ ፕሮግራም እዚ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ዘቕረበ ቅድም ሚስዮናዊ ዝነበረ ሕጂ ግን ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ዋለስ ሊቨራንስ ኢዩ። ኣርእስቲ ዝርርቡ ድማ “ቃል ኣምላኽ ህያው ከም ዝኸውንን ኣባኹም ከም ዝዓዪን ግበርዎ” ዝብል ክኸውን ከሎ: ኣብቲ ኣብ መሬት ዘይወድቕ መልእኽቲ ወይ መብጽዓ ኣምላኽ ዘተኰረ ድማ ነበረ። (እብራውያን 4:12) ንህይወት ናይቶም ከምዚ ክኸውን ዘፍቅዱ ሰባት ዝጸሉ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13) እቲ ቃል እቲ ኣብ ህይወትና ህያውን ዝዓዪን ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ብምጽናዕ ኢዩ። ሓው ሊቨራንስ ነቶም ተመረቕቲ ነቲ ኣብ ጊልዓድ እተማህርዎ ቃል ኣምላኽ ኣንቢብካ ትርጕሙን ኣወዓዕልኡን ብኸመይ ከም እትርዳእ ዘጠቓልል ዓይነት ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘኻኸሮም። ንቓላት ናይቲ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ: ቅድሚ 50 ዓመታት ከኣ ኣቦ መንበር ናይቶም ንቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝመስረቱ ኮሚቴ ዝነበረ ኣልበርት ሽሮደር ጠቐሰ:- “ሓደ ሰብ ብትሕዝቶ ናይ ሓንቲ ጥቕሲ ተጠቒሙ: ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዘንበሮ ምሉእን ርጡብን መንፈሳዊ ሓይሊ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ምጽናዕ ንቓል ኣምላኽ ህያውን ኣባና ከም ዝዓዪን ይገብሮ።
ዘሐጕስ ተመክሮታትን ቃለ-መጠይቓትን
ድሕርቲ ዝርርባት ነቶም ተኣከብቲ ዘሐጐሰ ተመክሮታት በቶም ተማሃሮ ቐረበ። ነዚ ክፍሊ እዚ እቲ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሕጂ ኸኣ መምህር ናይ ጊልዓድ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ማርክ ኑማር መርሖ። ገለ ካብቶም ተማሃሮ ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ከመይ ገይሮም ምስክርነት ንምሃብ ከም ዝጸዓሩ ገለጹ። ገሊኦም ንዅነታትን ሓሳብን ናይቶም ሰባት ብምስትውዓል ከምኡውን ብብሕቲ ተገዳስነት ብምርኣይ ኣብቲ ዞባ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምሩን ክመርሑን ክኢሎም ኢዮም። ስለዚ: እቶም ተማሃሮ ‘ንርእሶምን ንትምህርቶምን ተጠንቂቖም’ ኢዮም ነይሮም: ካልኦት ድሕነት ምእንቲ ክረኽቡ ኸኣ ብሓቂ ክሕግዝዎም ይደልዩ ነበሩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16
እቶም ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ዝማሃሩ ዝነበሩ ኣባላት ኮሚቴ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝዀኑ ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት: ብዙሕ ተግባራዊ ሓሳባት ሂቦም ኢዮም። ካብ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ሓጐስ ከኣ ገሊጾም ኢዮም። እቶም ኣባላት ናይቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝዀኑ ሓው ሳሙዌል ሄርድን ሓው ሮበርት ጆሃንሰንን ምስቶም ካብ ቦሊቭያ: ዙምባቡወ: ኒካራጕዋ: ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ: ዶመኒካን ሪፓብሊክ: ፓፑዋ ኒው ጊኒ: ከምኡውን ካሜሩን ዝመጹ ተወከልቲ ናይ ማሕበር ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ዝምስጥ ቃለ-መጠይቕ ገይሮም ኢዮም።
ድሕርቲ ተመክሮታትን ቃለ-መጠይቓትን: እቲ ኣብ መበል 41 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ: ሕጂ ድማ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘሎ ገራት ሎሽ “‘ተፈታዊ ሰብዶ’ ኢኻ፧” ዝብል ከም እትሓስብ ዝገብር ኣርእስቲ ገይሩ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ኣቕረበ። ሓው ሎሽ: እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ እኳ ብሰባት ከም ዘይተፈትወ ኣብ ክንድኡስ “ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን” ከም ዝነበረ ነቶም ተማሃሮ መጀመርታ ኣዘኻኸሮም። (ኢሳይያስ 53:3) ስለዚ: ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍሊ ዓለም ሚስዮናውያን ብሰባት ተቐባልነት ዘይብሎም እንተዀኑ ዘገርም ኣይኰነን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ንነዊሕ ዓመታት ከገልግል ከሎ ፈጣሪ ሰለስተ ሳዕ ብመልኣኹ ገይሩ “ኣዚኻ እተፈቶኻ” ኢልዎ ኢዩ። (ዳንኤል 10:11, 19፣ 9:23) ዳንኤል እተፈተወ ክኸውን ዝኸኣለ እንታይ ስለ ዝገበረ ኢዩ፧ ምስ ናይ ባቢሎን ባህሊ ተሰማሚዑ ክነብር ከሎ ንመምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ኣይተለማመጠን። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ። ስልጣኑ ንብሕታዊ ረብሓ ኣይተጠቕመሉን። ቀናእ ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። (ዳንኤል 1:8, 9፣ 6:4፣ 9:2) ብተወሳኺውን ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ይጽሊ: እቲ ዝለመኖ ክፍጸመሉ ከሎ ኸኣ ቀልጢፉ ንኣምላኽ ክብሪ ይህብ ነበረ። (ዳንኤል 2:20) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብነት ዳንኤል ብምስዓብ: ዓለም እኳ እንተ ዘይፈተወቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ግን እተፈተዉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ነቲ ብመንፈስ ሃናጺ ዝነበረ ፕሮግራም ንምድምዳም: እቲ ኣቦ መንበር ካብ ምሉእ ዓለም እተላእከ ገለ ቴሌግራማትን መልእኽትታትን ኣንበበ። ድሕርዚ ኵሎም እቶም 24 ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ዲፕሎማ ተዓደሉ: ናበየናይ ሃገር ከም እተመደቡ ኸኣ ተገልጸ። ኣብ መወዳእታ: ናይቶም ተመረቕቲ ተወካሊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እተዋህቦም ልምምድን እተገብረሎም ምድላዋትን ንኣማሓዳሪ ኣካልን ንኣባላት ስድራ ቤትኤልን ዘለዎም ሞሳ ዝገልጽ ደብዳበ ኣንበበ።
እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአ እውን እቶም ዝፈላለዩ ዝነበሩ ተኣከብቲ ‘ምስጋናኦምን ሓጐሶምን’ ይገልጹ ነበሩ።—ነህምያ 12:27
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ
ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 10
ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 19
ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48
ቍጽሪ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን:- 24
ገምጋም ዕድመ:- 33
ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 106 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።
(1) ዲያና ዲከን፣ ማርያን ፑፖሎ፣ ማይራ ላጉና፣ ሼሊ ዴቮልት፣ ኢልቪራ ዶሚንገስ፣ ጀኒፈር ቡርከ (2) ዞንያ ጋውታ፣ ዋንዳ ቫስኬስ፣ ኣድሪያና ሴብሩክ፣ ኣንጀሊና ሞስካ፣ ሊሰት ሄሊ፣ ሌስሊ ብሩዋርድ (3) ተሬዛ ብራንዳን፣ ኖርማ ኦሊቫሬስ፣ ዲና ኮልማን፣ ቫሌሪ ስኮት፣ ሊና ፒተርሰን፣ ኪምቤርሊ ማክላውድ (4) ጆኤል ማክላውድ፣ ጃኔት ቶምፕሶን፣ ፋንያ ሉባሪስ፣ በርኒስ ስፔታ፣ ሚና ላታማኪ፣ ችዋን ላጉና (5) ኡቨ ጋውታ፣ ራውል ዶሚንገስ፣ ፋብሪስ ሄሊ፣ ሚሸል ስሚዝ፣ ዴብራ ብያር፣ ኣንቶኔሎ ሞስካ (6) ኬሊ ስኮት፣ ቪንሰንት ሴብሩክ፣ ራልፍ ስፔታ፣ ሩዲ ኮልማን፣ ሊዮን ብሩዋርድ፣ ዊልያም ዴቮልት (7) ዳንኤል ስሚዝ፣ ቲሞ ላታማኪ፣ ፓትሪክ ፒተርሰን፣ ግራሃም ቶምፕሶን፣ ሮቤርቶ ቫስኬስ፣ ኣንደሪው ብያር (8) ማርክ ሉባሪስ፣ ክሪስቶፈር ዲከን፣ ደሪክ ብራንዳን፣ ዴቪድ ፑፖሎ፣ ኦሴል ኦሊቫሬስ፣ ሻነን ቡርከ