ዳንኤል
9 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዳርዮስ+ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፡—ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ዝነገሰ ዘርኢ ሜዶናውያን፡+— 2 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ንነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ምብዳም የሩሳሌም ዚፍጸመሉ ግዜ+ ኣብ ቃል የሆዋ እተጠቕሰሉ ቝጽሪ ዓመታት፡ ማለት ነቲ 70 ዓመት+ ብመጻሕፍቲ* ኣስተውዓልክዎ። 3 ስለዚ፡ ገጸይ ናብ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሊሰ፡ ምስ ጾምን+ ማቕን ሓምዅሽትን እናጸለኹ ለመንክዎ። 4 ናብ የሆዋ ኣምላኸይ ከኣ ጸለኹ፡ ከምዚ ኢለ እውን ተናዘዝኩ፦
“ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን+ ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን+ ዓብዪን ዜፍርህን ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ 5 ንሕና ሓጢእናን በዲልናን እከይ ጌርናን ዓሊናን ኢና፣+ ካብ ትእዛዛትካን ፍርድታትካን እውን ኣልጊስና ኢና። 6 ነቶም ብስምካ ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንኣቦታትናን ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን እተዛረቡ ገላዉኻ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።+ 7 ኦ የሆዋ፡ ጽድቂ ናትካ እዩ፣ ሕፍረት* ግና ናትና፡ ናይቶም ንዓኻ ብምጥላሞም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ኣብ ዚርከብ ኵሉ ሃገራት ዝበተንካዮም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ኵሉ እስራኤልን እዩ።+
8 “ኦ የሆዋ፡ በዲልናካ ኢና እሞ፡ ሕፍረት* ናትናን ናይ ነገስታትናን ናይ መሳፍንትናን ናይ ኣቦታትናን እዩ። 9 ንሕና ኻብኡ ዓሊና ኢና እሞ፡+ ምሕረትን ይቕረታን ናይ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ 10 ነቲ ብገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕግታቱ ንምስዓብ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ኣይተኣዘዝናን።+ 11 ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ጥሒሱ፡ ድምጽኻ ኸይእዘዝ እውን ኣልጊሱ እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ጊልያ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ኣፍሲስካልና ኣለኻ።+ ንሕናስ በዲልናዮ ኢና። 12 ንሱ ኸኣ ዓብዪ መዓት ኣባና ብምውራድ፡ ነቲ ኣንጻርናን ኣንጻር እቶም ኣብ ልዕሌና ዚገዝኡ ገዛእትናን* እተዛረቦ ቓላት ፈጺምዎ ኣሎ፣+ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረስ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ከቶ ኣይተገብረን።+ 13 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኵሉ እዚ መዓት እዚ ኣብ ልዕሌና ወሪዱ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ካብ ስሕተትና ብምምላስን+ ንሓቅኻ* ብዚምልከት ልቦና ብምግባርን፡ ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣይለመንናን።*
14 “የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ግብርታት ጻድቕ እዩ እሞ፡ ስለዚ፡ የሆዋ ነቒሑ፡ መዓት እውን ኣውሪዱልና፣ ግናኸ፡ ድምጹ ኣይተኣዘዝናን።+
15 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣታ ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብሓያል ኢድ ዘውጻእካዮን+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ንዓኻ ስም ዝገበርካን፡+ ንሕና ሓጢእና፡ እከይ እውን ጌርና ኢና። 16 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ከም ኵሉ ጽድቅኻ፡+ ቍጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፡ ካብቲ ቕዱስ ከረንካ ይመለስ። ብሰሪ ሓጢኣትናን ስሕተት ኣቦታትናንሲ፡ የሩሳሌምን ህዝብኻን ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ዅሎም መጻረፊ ዀይኖም ኣለዉ።+ 17 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ጸሎት ጊልያኻን ልማኖኡን ስማዕ፣ ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ፡ ኣብታ ዓንያ ዘላ+ መቕደስካ ገጽካ ኣብርህ።+ 18 ኦ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ! ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ንሕናን እታ ብስምካ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማን ዓኒና ኸም ዘለና ርአ። ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኰንናን እንልምነካ ዘለና።+ 19 ኦ የሆዋ፡ ስማዕ። ኦ የሆዋ፡ ይቕረ በል።+ ኦ የሆዋ፡ ኣቕልብ እሞ ግበር! ኦ ኣምላኸይ፡ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ይጽዋዕ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ፡ ኣይትደንጒ።”+
20 ገና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኸይ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ከረን ኣምላኸይ ክዛረብ፡ ክጽሊ፡ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ፡ ናይ ሞገስ ልማኖይ ከኣ ከቕርብ ከለኹ፡+ 21 እወ፡ ገና እናጸለኹ ኸለኹ፡ ገብርኤል+ እቲ ኣቐዲመ ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡+ ኣጋ ግዜ መባእ ምሸት ኣመና ምስ ደኸምኩ መጸኒ። 22 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣረድኣኒ፦
“ኦ ዳንኤል፡ ሕጂ ልቦና ኽህበካን ከረድኣካን መጺአ ኣለኹ። 23 ልማኖኻ ምስ ጀመርካ፡ ቃል ወጺኡ እዩ፣ ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ*+ ኢኻ እሞ፡ ነዚ ኽነግረካ ኢለ መጺአ ኣለኹ። ስለዚ፡ ነቲ ነገር ኣስተብህለሉ፡ ነቲ ራእይ እውን ተረድኣዮ።
24 “ንኣበሳ መወዳእታ ንምግባር፡ ሓጢኣት ንምውዳእ፡+ ስሕተት ንምትዕራቕ፡+ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ንምእታው፡+ ነቲ ራእይን ነቲ ትንቢትን* ንምሕታም፡+ ነቲ ቕዱስ ቅዱሳን* ድማ ንምቕባእ፡ ንህዝብኻን ነታ ቕድስቲ ኸተማኻን+ 70 ሰሙን* ተመዲቡ ኣሎ። 25 ካብቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን ዚብል ቃል ዚወጸሉ ኣትሒዙ+ ኽሳዕ እቲ መሲሕ፡*+ እቲ መራሒ፡+ 7 ሰሙን፡ ድማ 62 ሰሙን ኪኸውን ምዃኑ ፍለጥን ተረዳእን።+ ንሳ ኸኣ ግዜ ጭንቂ ኽነሱ፡ ምስ ኣደባባይን ቀጽረ ማይን፡ ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን እያ።
26 “ድሕሪ 62 ሰሙን ድማ እቲ መሲሕ ንርእሱ ሓንቲ ዘይብሉ+ ኪቕተል* እዩ።+
“ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መራሒ ኸኣ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ።+ መወዳእታኣ ድማ ብውሒዝ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ መወዳእታ ኸኣ ውግእ ኪኸውን እዩ፣ እቲ እተመደበ እውን ጥፍኣት እዩ።+
27 “ንሱ ድማ ንሓደ ሰሙን፡ ነቲ ኺዳን ኬጽንዖ እዩ፣ ኣብ ፍርቂ እታ ሰሙን ከኣ፡ መስዋእትን መባእን ኬቋርጽ እዩ።+
“ኣብ ክንፊ ጽያፍ ድማ እቲ ዜጥፍእ ኪኸውን እዩ፣+ ክሳዕ ምጽናት ከኣ፡ እቲ እተመደበ ኣብቲ ዝባደመ እውን ኪፈስስ እዩ።”