“ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ”
“እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ: “NW ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክብብ 12:13
1, 2. ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ክንሓስበሉ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
“እግዚኣብሄርሲ . . . ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓደ ጥንታዊ ነብዪ ኢዩ ኣልዒልዋ። ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ነገራት—ፍትሒ ምርኣይ: ሕያውነት ምፍቃር: ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ምምልላስ—ድማ ዘርዚሩ ኣቕረቦ።—ሚክያስ 6:8
2 ኣብዚ ውልቃውነትን ብርእስኻ ምኻድን ዝርኣየሉ ዘሎ ግዜ: ብዙሓት ሰባት በቲ ኣምላኽ ካብኣቶም ዝደልዮ ነገራት ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓሳባት ቅጭ ይመጾም ኢዩ። ግዴታ ዝበሃል ነገር ክህልዎም ኣይደልዩን ኢዮም። ግናኸ ብዛዕባ እቲ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ:” NW ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል በጺሕዎ ዘሎ መደምደምታኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧—መክብብ 12:13
3. ንመጽሓፍ መክብብ ኣርዚንና ክንሓሰበላ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ኵነታትናን ንህይወት ዘሎና ኣረኣእያን ብዘየገድስ: ነቲ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ዘብጽሐ ተመክሮ እንተድኣ ርኢናዮ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ጸሓፊ ናይዛ መንፈስ ዝነፈሳ መጽሓፍ ዝዀነ ንጉስ ሰሎሞን: ንገለ ካብቲ ክፍሊ መዓልታዊ ናብራ ህይወትና ዝዀነ ነገራት ኢዩ ተዛሪብሉ ዘሎ። ገሊኦም ዝገበሮ ምርምር ብመሰረቱ ኣሉታዊ ኢዩ ብምባል ተሃዊኾም ክድምድሙ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብመለኮታዊ መገዲ እተጻሕፈ ከምኡውን ንጥፈታትናን ቀዳምነት እንህቦም ነገራትን ንምግምጋም ክሕግዘና ዝኽእል ኢዩ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብዙሕ ሓጐስ ንረክብ።
ናይ ናብራ ኣድለይቲ ነገራት ምምላእ
4. ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ መርሚርዎን ተዛሪብሉን ዘሎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
4 ሰሎሞን ነቲ ናይ ‘ደቅሰብ ጻዕሪ’ ኣዕሚቑ መርሚርዎ ኢዩ። “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ።” ሰሎሞን “ጻዕሪ” ክብል ከሎ: ግድን ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕዮ: ወይ ተቘጺርካ ምስራሕ ዘይኰነስ: ሰብኡትን ኣንስትን ምሉእ ዕድሚኦም ትሑዛት ዝዀንሉ ሓፈሻዊ ንጥፈት ማለቱ ኢዩ። (መክብብ 1:13) እምበኣር ንገለ ካብቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገራት ወይ ጻዕርታት ንርአ እሞ: ድሕርዚ ንጥፈታትናን ቀዳምነት እንህቦም ነገራትን ከነወዳድር ኢና።
5. ሓደ ካብቲ ናይ ሰባት ቀንዲ ጻዕርታት እንታይ ኢዩ፧
5 ገንዘብ ናይቲ ብዙሕ ንሰብ ዘገድሶ ነገራትን ንጥፈታትን ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ። ሰሎሞን ከምቲ ገሊኦም ሃብታማት ሰባት ንገንዘብ ዘለዎም ናይ ዘይምግዳስ ኣረኣእያ ነይርዎ ኢሉ ብልክዕ ክዛረብ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እተወሰነ ገንዘብ ኣድላዪ ምዃኑ ብዘይ ምውልዋል ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ፣ ትሑት ናብራ ካብ ምሕላፍ ወይ ኣብ ድኽነት ካብ ምንባር እኹል ገንዘብ ክህልወካ ዝሓሸ ኢዩ። (መክብብ 7:11, 12) ግናኸ ገንዘብ ምስቲ ብእኡ ገይርካ ዝመጽእ ጥሪት ተሓዊሱ ንድኻ ይኹን ንሃብታም ኣብ ህይወቶም እቲ ቐንዲ ሸቶ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዓዚብካ ክትከውን ኣሎካ።
6. ካብቲ ናይ የሱስ ምሳሌን ናይ ሰሎሞን ተመክሮን ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
6 ነቲ ብዛዕባ ሓደ ፈጺሙ ዘይዓግብ: ዝያዳ ንኽረክብ ድማ ዝዓዪ ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ ዝገልጽ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘክሮ። ኣምላኽ ዓሻ ኢዩ ኢልዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን።” (ሉቃስ 12:15-21) ናይ ሰሎሞን ተመክሮ—ምናልባት ካብቲ ናትና ኣዝዩ ዝሰፍሐ—ነቲ ናይ የሱስ ቃላት ዘረጋግጽ ኢዩ። ነቲ ኣብ መክብብ 2:4-9 ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ኣንብቦ። ሰሎሞን ንገለ እዋን ሃብቲ ኣብ ምድላብ ኣድሂቡ ነይሩ ኢዩ። ብሉጽ ኣባይትን ስፍራ ኣታኽልትን ገይሩ ኢዩ። ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ ክረክብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ: ረኺቡ ድማ ኢዩ። ሃብትን ብእኡ ኣቢሉ ክገብሮ ዝኸኣለ ነገራትን ዓሚቝ ዕግበት ከም ዝረክብ: ሓደ ነገር ምፍጻሙ ከም ዝስምዖ: ንህይወቱ ድማ ትርጕም ከም ዝህልዋ ገይሩሉዶ ኢዩ፧ ብቕንዕና ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ: እንሆ ኸኣ: እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ: ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።”—መክብብ 2:11፣ 4:8
7. (ሀ) ንዋጋ ገንዘብ ዝምልከት ተመክሮ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧ (ለ) ነቲ ናይ ሰሎሞን መደምደምታ ዘረጋግጽ ብብሕትኻ ዝረኣኻዮ ነገር እንታይ ኣሎ፧
7 እዚ ክዉንነታዊ: ኣብ ናይ ብዙሓት ሰባት ናብራ ዝርአ ሓቂ ኢዩ። ብዙሕ ገንዘብ ምህላው ጥራይ ንዅሉ ግድላት ከም ዘይፈትሕ ክንእመነሉ ኣሎና። ከም መግብን ክዳንን ብቐሊሉ ምርካብ ዝኣመሰለ ገለ ግድላት ክፈትሕ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ክዳን ጥራይ ኢዩ ክኽደን ዝኽእል ከምኡውን እተወሰነ ዓቐን ዘለዎ መግብን መስተን ጥራይ ኢዩ ከስተማቕር ዝኽእል። ብዛዕባ ናብርኦም ብፍትሕ: ኣልኮል ወይ ብግጉይ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ: ከምኡውን ምስ ኣዝማድ ብምጽላእ እተሃወኸ ሃብታማት ሰባት ዝገልጽ ኣንቢብካ ኣሎኻ። ወናኒ ብዙሕ ሚልዮናት ዝዀነ ጀይ. ፒ. ጌቲ ከምዚ በለ:- “ገንዘብ ምስ ሓጐስ ግድን ዝዀነ ይኹን ርክብ ክህልዎ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ምናልባት ምስ ጓሂ ግን ርክብ ኣለዎ።” በዚ ቕቡል ዝዀነ ምኽንያት ድማ ኢዩ ሰሎሞን ንብሩር ምፍታው ምስ ከንቱነት ዝሰርዖ። ነዚ ሓቂ እዚ ምስቲ ናይ ሰሎሞን ትዕዝብቲ ኣነጻጽሮ:- “እቲ ዓያዪ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ: ጥዑም ድቃስ ይድቅስ: ንሃብታም ግና ጽጋቡ [“ሃብቱ:” NW ] ኣየደቅሶን።”—መክብብ 5:10-12
8. እቲ ገንዘብ ዘለዎ ኣገዳስነት ተጋኒኑ ንኸይርአ ዝሕግዝ እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧
8 ገንዘብን ጥሪትን እውን ብዛዕባ መጻኢ ናይ ዕግበት ስምዒት ኣየምጽእን ኢዩ። ዝያዳ ገንዘብን ጥሪትን እንተ ዝህልወካ ንዕኡ ክትሕሉ ተወሳኺ ጭንቀት ከም እተምጽእ ፍሉጥ ኢዩ: ገና ጽባሕ እንታይ ከም ዝወልድ እውን ኣይትፈልጥን ኢኻ። ህይወትካ ለኪሙ ብምሉኡ ክጠፍእ ኣይክእልንዶ ኢዩ፧ (መክብብ 5:13-17፣ 9:11, 12) ከምኡ ብምዃኑ ድማ: ህይወትና: ወይ ጻዕርና ካብ ገንዘብን ጥሪትን ዝለዓለ ወይ ዝያዳ ነባሪ ዝዀነ ትርጕም ክህልዎ ከም ዝግባእ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ክኸውን የብሉን።
ስድራቤት: ተፈላጥነት: ከምኡውን ሓይሊ
9. ናብራ ስድራቤት ኣብቲ ናይ ሰሎሞን ምርምር ክለዓል ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 እቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ህይወት ዝገበሮ ምርምር ነቲ ኣቓልቦኻ ብስድራቤት ትሑዝ ናይ ምዃን ጕዳይ ዘጠቓለለ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ቈልዑ ካብ ምውላድን ምዕባይን ዝርከብ ሓጐስ ሓዊስካ ንናብራ ስድራቤት ጽቡቕ ገይሩ ይዛረበሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:22-24፣ መዝሙር 127:3-5፣ ምሳሌ 5:15, 18-20፣ 6:20፣ ማርቆስ 10:6-9፣ ኤፌሶን 5:22-33) እንተዀነ ግን: እቲ ዝለዓለ መዳይ ናይ ህይወት እዚ ጥራይ ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት ነቲ ገሊኡ ባህልታት ንመርዓ: ቈልዑ ምውላድ: ከምኡውን ነቲ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር ዝህቦ ቈላሕታ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ ኢሎም ዝሓስቡ ኢዮም ዝመስሉ። እንተዀነ ግን: መክብብ 6:3 ሚእቲ ቈልዑ ምውላድ እውን ከይተረፈ ኣብ ህይወት ዕግበት ንምርካብ መሰረታዊ ነገር ከም ዘይኰነ ኢያ እትገልጽ። ጽቡቕ ምጅማር ንኽህልዎም: ህይወቶም ድማ ዝቐለለ ንክኸውን ኢሎም ምእንቲ ደቆም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ወለዲ ክንደይ ዝኣኽሉ ምዃኖም እሞ ገምቶ። ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ፈጣሪና ናይ ምንባርና ቀንዲ ዕላማ: ከምቲ እንስሳታት ዓሌቶም ምእንቲ ክቕጽል ብባህርያዊ መገዲ ዝገብርዎ: ናብቲ ዝስዕብ ወለዶ ህይወት ምትሕልላፍ ጥራይ ማለቱ ከም ዘይነበረ ርግጽ ኢዩ።
10. ኣብ ስድራቤት ካብ መጠን ንላዕሊ ትዅረት ምግባር ከንቱ ኰይኑ ክርከብ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ሰሎሞን ምስትውዓል ብዘለዎ መገዲ ንናብራ ስድራቤት ዝምልከት ሓቅታት ኣቕሪቡ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ ንደቁን ደቂ ደቁን ዘድሊ ነገራት ኣብ ምድላው የተኵር ይኸውን። ይኹን እምበር ጥበበኛታት ኰይኖም ግን ይርከቡዶ ኢዮም፧ ወይስ በቲ ንሱ ንዓኣቶም ክኸውን ኢሉ ጽዒሩ ዝኣከቦ ነገር ዓያሱ ኢዮም ክዀኑ፧ ዓያሱ ኰይኖም እንተድኣ ተረኺቦምሲ ከመይ ዝበለ “ከንቱነትን ዓብዪ ወጽዓን” ኰን ኢዩ ክኸውን!—መክብብ 2:18-21፣ 1 ነገስት 12:8፣ 2 ዜና መዋእል 12:1-4, 9
11, 12. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ህይወት ነገራት ኢዮም ዘተኰሩ፧ (ለ) ተፈላጥነት ክትረክብ ምድላይ ‘ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ’ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ብኣንጻር ናይዚ ድማ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተፈላጥነት ወይ ሓይሊ ንምርካብ ነቲ ልሙድ ናብራ ስድራቤት ካልኣይ ደረጃ ይህብዎ። እዚ ምናልባት ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ዝርአ ልሙድ ጕድለት ይኸውን። ነዚ ዝንባለ እዚ ኣብ መማህርትኻ: መሳርሕትኻ: ወይ ኣብ ጐረባብትኻ ተዓዚብካዮዶ፧ ብዙሓት ሰባት ፍሉጣትን ተደለይትን ክዀኑ: ወይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ስልጣን ክህልዎም ዝከኣሎም ይጽዕሩ። እዚ ግን ብሓቂ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ትርጕም ዘለዎ፧
12 ገሊኦም ሰባት ይንኣስ ይዕበ ብዘየገድስ ፍሉጣት ክዀኑ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጽዕሩ እሞ ሕሰብ። ነዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ጐረባብትና: ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ማሕበራዊ ጕጅለታት ንርእዮ ኢና። ኣብቶም ብስነ-ጥበብ: መዘናግዒ: ከምኡውን ብፖለቲካ ፍሉጣት ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ድማ ዝድርኽ ሓይሊ ኢዩ። እዝስ ብመሰረቱ ክርአ ከሎ ከንቱ ጻዕሪዶ ኸይኰነ፧ ሰሎሞን ብልክዕ ‘ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ’ ኢሉ ጸውዖ። (መክብብ 4:4) ሓደ መንእሰይ ኣብ ሓደ ክለብ: ናይ ስፖርት ጋንታ: ወይ ኣብ ናይ ሙዚቃ ጕጅለ ውሩይ እውን ይኹን—ወይውን ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ስራሕ ወይ ማሕበረሰብ ክብሪ እውን ይሃልዎም—ብዘየገድስ ውሩያት ምዃኖም ብሓቂ ዝፈልጡዎም ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም፧ ኣብቲ ካልእ ክፍሊ ናይዛ ፕላኔት (ወይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ሓንቲ ሃገር እውን ከይተረፈ) ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ሰብ እቲ ብህይወት ከም ዘሎ ይፈልጡዶ፧ ወይስ ነቲ ንሱ ወይ ንሳ ዘለዎም ንእሽቶ ተፈላጥነት ጠቕላላ ከየድሃብሉ ምንባር ይቕጽሉ ኢዮም፧ ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ስራሕ: ኣብ ከተማ: ወይ ኣብ መንጎ ጕጅለ ሰባት ዝረኽቦ ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ወይ ስልጣን ዝምልከት እውን ከምዚ ክበሃል ዝከኣል ኢዩ።
13. (ሀ) መክብብ 9:4, 5 ተፈላጥነትን ስልጣንን ንምርካብ ኢልካ ብዛዕባ ዝግበር ጻዕሪ ግቡእ ኣረኣእያ ክህልወና እትሕግዘና ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ህይወት እዚ ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ ነየኖት ሓቅታት ኢና ክንቅ በሎ ዘሎና፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
13 ከምዚ ዝበለ ተፈላጥነት ወይ ስልጣን ኣብ መወዳእታ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፧ ሓደ ወለዶ ሓሊፉ ካልእ ወለዶ ክመጽእ ከሎ: እቶም ፍሉጣት ወይ ሓያላት ዝነበሩ ሰባት ይሞቱ: ይርስዑ ድማ። እዚ ልክዕ ከምቲ ንመብዛሕትኦም ፖለቲከኛታትን ወተሃደራዊ መራሕትን ዘጋጥሞም: ንሃነጽቲ: ንሙዚቀኛታትን ካልኦት ስነ-ጥበባውያን: ንማሕበራዊ ተሃድሶ ዘካይዱ ሰባት: ከምኡውን ንኻልኦት ዘጋጥሞም ኢዩ። ካብቶም ከምዚ ዝበለ ጻዕርታት ዘካየዱ: ኣብ መንጎ 1700 ከምኡውን 1800 ከ.ኣ.ዘ. ዝነብሩ ዝነበሩ ገለ ውልቀ-ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ትፈልጥ፧ ሰሎሞን “ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ . . . ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ” ብምባል ነቲ ኵነታት ብልክዕ ገምጊምዎ ኣሎ። (መክብብ 9:4, 5) ህይወት እዚ ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ: ተፈላጥነት ወይ ሓይሊ ክትረክብ ኢልካ ምጽዓር እምበኣር ብሓቂ ከንቱ ኢዩ።a
ኣተኵሮናን ግዴታናን
14. መጽሓፍ መክብብ ብብሕትና ክትጠቕመና ዘለዋ ስለምንታይ ኢያ፧
14 ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ሰባት ናብርኦም ኣብኡ ከም ዘተኵር ዝገብርዎ ብዙሕ ንጥፈታትን ሸቶታትን ባህታ ምርካብን ሓሳብ ኣይሃበን። እንተዀነ ግን: እቲ ጽሒፍዎ ዘሎ እኹል ኢዩ። ነታ መጽሓፍ ምምርማርና ኣረኣእያና ቅዙን ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ኣየድልን ኢዩ: ከመይሲ ብኽውንነታዊ መገዲ ንሓንቲ የሆዋ ኣምላኽ ንጥቕምና ክትከውን ኢሉ መንፈሱ ገይሩ ብዕላማ ዘጽሓፋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ኢና ተዘራሪብናላ። ኣብ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያን እነተኵረሉ ነገርን ምእንቲ ከነቃንዕ ንነፍሲ ወከፍና ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ። (መክብብ 7:2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እዚ ድማ ነቲ ሰሎሞን ብየሆዋ ተሓጊዙ ዝበጽሖ መደምደምታታት ርኢኻ ብፍላይ ሓቂ ኢዩ።
15, 16. (ሀ) ንህይወት ምስትምቓር ዝምልከት ኣረኣእያ ሰሎሞን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ሰሎሞን ብዛዕባ ንህይወት ምስትምቓር እንታይ ግቡእ ደረት ኢዩ ዝሃበ፧
15 ሓደ ካብቲ ሰሎሞን ብተደጋጋሚ ዘልዕሎ ዝነበረ ነጥቢ: ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣገልገልቲ በቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝገብርዎ ንጥፈታት ሓጐስ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ኢዩ ነይሩ። “ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።” (መክብብ 2:24፣ 3:12, 13፣ 5:18፣ 8:15) ሰሎሞን ቀይዲ በተኽ ምዃን የተባብዕ ከም ዘይነበረ ኣስተብህል፣ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ኣረኣእያ እውን ኣይኰነን ዝድግፍ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 15:14, 32-34) ‘ኣብ ህይወትና ሰናይ ክንገብር’ ከሎና በቲ ከም ብምብላዕን ብምስታይን ዝኣመሰለ ልሙድ ባህ ዘብል ነገራት ክንሕጐስ ኣሎና ማለቱ ኢዩ ነይሩ። እዚ ብዘይ ጥርጥር ንህይወትና ኣብቲ ብሓቂ ሰናይ እንታይ ምዃኑ ዝውስን ፈጣሪ ከም እተተኵር ዝገብራ ኢዩ።—መዝሙር 25:8፣ መክብብ 9:1፣ ማርቆስ 10:17, 18፣ ሮሜ 12:2
16 ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ: ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ: ወይንኻውን ብሓጐስ ልቢ ስተ።” (መክብብ 9:7-9) እወ: እቶም ብሓቂ ትርጕም ዝመልኦን ዘዕግብን ህይወት ዘለዎም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኣብቲ የሆዋ ዝሕጐሰሉ ዕዮታት ንጡፋት ኢዮም። እዚ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ወትሩ ምሕሳብ ዝሓተና ኢዩ። እዚ ኣረኣእያ እዝስ ካብቲ ናይቶም ንህይወት ኣብ ሰብኣዊ ምርዳእ ተመርኲሶም ዝጥምትዎ መብዛሕትኦም ሰባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኰን ኢዩ!
17, 18. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ክውንነት ብኸመይ ኢዮም ዝምልስሉ፧ (ለ) እንታይ ውጽኢት ኢዩ ኵሉ ግዜ ክንዝክሮ ዘሎና፧
17 ገለ ሃይማኖታት ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት ዝምህራ እኳ እንተዀና: ብዙሓት ሰባት እዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት እቲ ርግጸኛታት ክዀንሉ ዝኽእሉ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ። ከምቲ ሰሎሞን ዝገለጾ ገይሮም ክምልሱ ርኢኻ ትኸውን:- “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ: ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ።” (መክብብ 8:11) እቶም ኣብ እኩይ ግብሪ ዘይጠሓሉ እውን ከይተረፈ እዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት ብቐንዱ ከም ዘገድሶም ይገልጹ ኢዮም። ሓደ ካብቲ ንገንዘብ: ጥሪት: ክብረት: ኣብ ልዕሊ ካልኦት ስልጣን ምህላው: ስድራቤት: ወይ ንኸምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ድሌታት ኣዝዮም ዝግደስሉ ምኽንያት ድማ እዚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰሎሞን ነቲ ሓሳባት ኣብኡ ጥራይ ኣይደምደሞን። ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ እኩይ እንተ ገበረ: መዓልትታቱውን እንተ ኣንውሔ: ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም: ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ። ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይፈርህን እዩ እሞ: ሰናይ ኣይኰነሉን: ንመዓልትታቱውን ከም ጽላሎት ገይሩ ኣየንውሕን።” (መክብብ 8:12, 13) ብሓቂ: ሰሎሞን ‘ንኣምላኽ ብምፍራህ’ እንተድኣ ተመላሊስና ሰናይ ከም ዝዀነልና ይኣምን ነይሩ ኢዩ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ ምንጽጻር ነቲ መልሲ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። የሆዋ ‘ንመዓልትታትና ከንውሖ’ ይኽእል ኢዩ።
18 እቶም ብተዛማዲ ገና ንኣሽቱ ዘለዉ ሰባት ነቲ ንኣምላኽ እንተድኣ ፈሪሆም ሰናይ ክዀነሎም ኢዩ ዝብል ምሉእ ብምሉእ ርግጽ ዝዀነ ሓቂ ብፍላይ ኣዕሚቖም ክሓስብሉ ኣለዎም። እቲ ቅልጡፍ ዝበሃል ጐያዪ ክዕንቀፍን ሽልማት ከይረኸበ ክተርፍን: ሓያል ሰራዊት ክሰዓር: ንፉዕ ነጋዳይ ኣብ ድኽነት ክወድቕ: ብብሕትኻ ርኢኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ካልእ ብዙሕ ዘጠራጥር ነገራት ንህይወት ጽባሕ ከምዚ ኢያ ክትብላ ከም ዘይትኽእል ዝገብራ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ነገር ግን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ:- እቲ ጥበባውን ርግጸኛን ዝዀነ ስጕምቲ በቲ ናይ ኣምላኽ ስነ-ምግባራዊ ሕግታትን ብፍቓዱን እናተመላለስካ ሰናይ ብምግባር ንህይወት ምስትምቓር ኢዩ። (መክብብ 9:11) እዚ: ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃርን ህይወትካ ንዕኡ ምውፋይን ጥሙቕ ክርስትያን ምዃንን ዘጠቓልል ኢዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20
19. መንእሰያት ንህይወቶም ብኸመይ ክጥቀምሉ ይኽእሉ: ግናኸ እቲ ጥበባዊ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ፧
19 ፈጣሪ: መንእሰያት ይኹኑ ወይ ካልኦት ንመምርሒታቱ ክስዕቡ ኣይግድዶምን ኢዩ። ምናልባት ምሉእ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ሰብኣዊ ትምህርቲ ዝሓዘ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ብምጽናዕ ኣብ ትምህርቲ ክጥሕሉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ መወዳእታኡ ንስጋ ዘድክም ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ወይውን በቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ልቢ ክመላለሱ ወይ ነቲ ንዓይኒ ጥራይ ዝማርኽ ነገራት ክስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ብርግጽ ጓሂ ዘስዕብ ኢዩ: በዚ ኸኣ እቲ ዝሓለፈ ህይወት ጸኒሑ ከንቱ ጥራይ ኰይኑ ይርከብ። (መክብብ 11:9–12:12፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ስለዚ ሰሎሞን ንመንእሰያት ሓደ ጻውዒት—ዕድሜና ብዘየገድስ ኣርዚንና ክንሓስበሎ ዘሎና ጻውዒት የቕርበሎም:- “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።”—መክብብ 12:1
20. ሚዛናዊ ኣረኣእያ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ፧
20 እሞኸ እንታይ ኢልና ንደምድም፧ ብዛዕባ እቲ ሰሎሞን ዝበጽሖ መደምደምታኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ‘ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኵሉ ተግባር ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን ምዃኑ’ ርእዩ ወይ መርሚሩ ኢዩ። (መክብብ 1:14) ኣብ መጽሓፍ መክብብ ናይ ሓደ ንዅሉ ነገራት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ወይ ህይወት ዝሰልከዮ ሰብኣይ ቃላት ኣይኰንናን እንረክብ። እቲ ቓላት እቲ ክፍሊ ናይቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃልን ከነቕልበሉ ዘሎና ነገርን ኢዩ።
21, 22. (ሀ) ሰሎሞን ኣብ ግምት ዘእተዎ ናይ ህይወት መዳያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ከመይ ዝበለ ጥበባዊ መደምደምታኸ ኢዩ ዝበጽሐ፧ (ሐ) ንትሕዝቶ መጽሓፍ መክብብ ምምርማር ብኸመይ ተንኪፉካ፧
21 ሰሎሞን ነቲ ናይ ሰብ ልፍዓት: መከራ: ከምኡውን ሃንቀውታ መርሚርዎ ኢዩ። ኣብቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ነገራት ጕዕዞ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝልወጥ: ከምኡውን ነቲ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት እተመከርዎ ዘጨንቕን ባዶን ዝዀነ ውጽኢት ኣስተንቲንሉ ኢዩ። ንክውንነት ሰብኣዊ ዘይምፍጽምናን ዘስዕቦ ሞትን ሓሲብሉ ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታትን ንመጻኢ ናይ ምንባር ተስፋን ዝሓዘ ኣምላኽ ዝሃቦ ፍልጠት ድማ ኣብ ግምት ኣእትይዎ ኢዩ። እዚ ዅሉ: እቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝሰፍሐ ፍልጠት ዝነበሮ: እወ: ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ጥበበኛታት ሰባት ዝዀነ ሰብኣይ ዝገበሮ ገምጋም ኢዩ። እዚ ዝበጽሖ መደምደምታ እምበኣር ንጥቕሚ እቶም ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ዝደልዩ ኵሎም ሰባት ክኸውን ተባሂሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ኣሎ። ምስዚ ክንሰማማዕዶ ኣይግብኣናን፧
22 “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ:” NW ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።”—መክብብ 12:13, 14
[እግረ-ጽሑፍ]
a ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ግዜ ከምዚ ዝስዕብ ዓሚቝ ሓሳብ ሂቡ ነበረ:- “ነዚ ህይወት እዚ ኣብ ከንቱ ነገራት ከነሕልፎ የብልናን . . . ህይወት እዚ ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ ኣገዳሲ ዝበሃል ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። እዚ ህይወት እዚ ልክዕ ከምታ ናብ ላዕሊ ምስ ተደርበየት ቀልጢፋ ናብ መሬት እትምለስ ኵዕሶ ኢዩ። እዚ ህይወት እዚ ሽው ኢሉ ዝሓልፍ ጽላሎት: ቀልጢፉ ዝጽምሉ ዕንባባ: ምስ ተዓጽደ ቀልጢፉ ዝነቅጽ ሳዕሪ ኢዩ። . . . ዕምርና በቲ ናይ ዘለኣለምነት መዐቀኒ ክዕቀን ከሎ ዘይትርአ ነቝጣ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ግዜ ዋሕዚ ክንዲ ሓንቲ ነጥቢ ማይ እውን ኣይኰነን። ብርግጽ [ሰሎሞን] ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ብዙሕ ሰብኣዊ ሻቕሎትን ንጥፈታትን መርሚሩ ከንቱነት ብምባል ክጽውዖስ ልክዕ ኢዩ ነይሩ። ቀልጢፍና ስለ እንመውት ሓደ ካብቶም ናብ ህይወት መጺኦም ዝሓልፉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኴንና ምውላድና ዋጋ ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል: ኣብዛ ምድሪ ምንባርና ዝፈልጡ ሰባት ድማ ኣዝዮም ሒደት ኢዮም። እዚ: ንዅሉ ነገር ኣሉታዊ ምዃን ወይ ቅዙን ወይ ጽልሙት ወይ ዘይጥዑይ ኣረኣእያ ምህላው ኣይኰነን። ህይወት እዚ ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ: ሓቅነት ዘለዎ: ክትጋጠሞ ዘሎካ ክውንነት: ተግባራዊ ኣረኣእያ ኢዩ።”—1 ነሓሰ 1957 ገጽ 472 (እንግሊዝኛ)
ትዝክሮዶ፧
◻ ነቲ ጥሪት ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ግደ ዝምልከት ጥበባዊ ገምጋም እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ስድራቤት: ተፈላጥነት ምርካብ: ወይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ስልጣን ብዛዕባ ምህላው ካብ መጠን ንላዕሊ ኣተኵሮ ክንገብር ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ሰሎሞን ንሓጐስ ዝምልከት እንታይ መለኮታዊ ኣረኣእያ ክህልወና ኢዩ ዘተባብዐ፧
◻ ንመጽሓፍ መክብብ ብምምርማርካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ገንዘብን ጥሪትን ዕግበት ንምርካብ መረጋገጺ ኣይከውንን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰያት ንኣምላኽ እንተድኣ ፈሪሆም ሰናይ ከም ዝዀነሎም ከረጋግጹ ይኽእሉ ኢዮም