ህይወትካ—እንታይ ዕላማ ኣለዋ፧
‘ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ዝገብርዎ [“ዝረኽብዎ:”] ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ: ንልበይ ብጥበብ መራሕክዎ።’—መክብብ 2:3
1, 2. ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምኽንያታዊ ዝዀነ ተገዳስነት ክህልወካ ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ትግደስ ኢኻ: ኣይኰነንዶ፧ እዚ ባህርያዊ ዝዀነ ነገር ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንበልዕ: ክንደክም ከሎና እንድቅስ: ምስ ኣዕሩኽናን እነፍቅሮም ሰባትን ድማ ክንከውን እንደሊ። ኣብ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ከኣ: ሓድሓደ ግዜ ጸወታታት ንጻወት: ንሕምብስ: ወይውን ካልእ ዘሐጕሰና ነገራት ንገብር።
2 ከምዚ ዝበለ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እነርእዮ ተገዳስነት ምስቲ ኣምላኽ ንሰሎሞን ክጽሕፎ ዘለዓዓሎ ነገራት ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን።” ሰሎሞን ኣብ ተመክሮ ተመርኲሱ ከምዚ ብምባል ወሰኸ:- “እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ። ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፧”—መክብብ 2:24, 25
3. ንመብዛሕትኦም ሰባት ዘይተመለሱሎም እንታይ ዘደንጽዉ ሕቶታት ኢዮም፧
3 እንተዀነ ግን: ህይወት ማለት ምብላዕ: ምስታይ: ምድቃስ: ከምኡውን ገለ ሰናይ ነገር ምግባር ጥራይ ከም ዘይኰነ ትፈልጦ ኢኻ። ቃንዛ: ጓሂ: ከምኡውን ጭንቀት የጋጥመና ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ህይወትና ትርጕም ንኽንሓስብ ግዜ ዘይብልና ንመስል። ከምኡዶ ኣይኰነን ዝስምዓካ፧ ናይታ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል እትበሃል ጋዜጣ ኣሰናዳኢ ዝነበረ ቨርሞንት ሮይስተር ነቲ ናይ ወድሰብ ሰፊሕ ፍልጠትን ክእለትን ድሕሪ ምዕዛቡ: ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣሎ። ብዛዕባ ሰብ: ብዛዕባ እቲ ዘጋጥሞ መዋጥራት: ኣብዚ ኣድማስ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ክንሓስብ ከሎና ብዛዕባ እዚ ካብቲ ህይወት ዝጀመረሉ ግዜ እንፈልጦ ኣዝዩ ሒደት ኢዩ። ጌና ድማ: እንታዎት ኢና: ስለምንታይ ንነብር ኣሎና: ናበይከ ኢና እንኸይድ ዘሎና ዝብሉ ሕቶታት ኣይተመለሱልናን ኣለዉ።”
4. ነፍሲ ወከፍና ነቲ ንዓና ዝምልከት ሕቶታት ንምምላስ ክንክእል ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ነቶም እንታዎት ኢና፧ ስለምንታይ ኣብዚ ንነብር ኣሎና፧ ናበይከ ኢና እንኸይድ ዘሎና፧ ዝብሉ ሕቶታት ብኸመይ ምመለስካዮም፧ ዝሓለፈ ሓምለ ኣቶ ሮይስተር ሞይቱ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዘዕግብ መልስታት ረኺቡ ነይሩ ኢዩ ምበልካዶ፧ ዝያዳ ዘገድስ ድማ ንስኻ ዘዕግብ መልስታት ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ ኣሎዶ፧ እዚኸ ሕጕስን ዝያዳ ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንኸተስተማቕር ብኸመይ ክሕግዘካ ይኽእል፧ እስከ ቀጺልና ንርአ።
ናይ ምስትውዓል ቀንዲ ምንጪ
5. ብዛዕባ ናይ ህይወት ትርጕም ንዝመጸና ሕቶታት ከነስተውዕሎ ክንደሊ ከሎና ናብ ኣምላኽ ክንጥምት ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ናይ ህይወትና ዕላማ ኣብ ምድላይ በይንና ነይርና እንተ ንኸውን: ከምቲ ንመብዛሕትኦም ሰብኡትን ኣንስትን: ነቶም ብዙሕ ትምህርትን ተመክሮን ዘለዎም እውን ከይተረፈ ዘጋጠሞም: ሒደት ዓወት ጥራይ ምረኸብና ወይ ድማ ብዘይ ዓወት ምተረፍና ነይርና። ግናኸ በይንና ኣይኰናን። ፈጣሪና ሓገዝ ኣዳልዩልና ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሕስብ ከተብል ከሎኻ: ንሱ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዝነብር ከምኡውን ብዛዕባ ኣድማስን ታሪኽን ምሉእ ፍልጠት ዘለዎ ብምዃኑ: ናይ ምስትውዓልን ጥበብን ዝለዓለ ምንጪዶ ኸይኰነ፧ (መዝሙር 90:1, 2) ንሰባት ፈጢሩ: ንዅሉ ሰብኣዊ ተመክሮ ድማ ተዓዚብዎ ኢዩ: ስለዚ ምስትውዓል ንኽንረክብ ናብቶም ውሱን ፍልጠትን ግንዛበን ዘለዎም ዘይፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ ናብኡ ኢና ክንጥምት ዝግብኣና።—መዝሙር 14:1-3፣ ሮሜ 3:10-12
6. (ሀ) ፈጣሪ እቲ ዘድሊ ምስትውዓል ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰሎሞን ኣብዚ እቱው ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ፈጣሪ ንትርጕም ህይወት ዝምልከት ፍልጠት ንኸመሓላልፍ ኣብ እዝንና ቀሪቡ ሕሽዅ ክብለና ክንጽበ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ናይ ምስትውዓል ምንጪ—መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ—ግን ኣዳልዩልና ኢዩ። (መዝሙር 32:8፣ 111:10) በዚ ዝመጸ መጽሓፍ መክብብ ብፍላይ ጠቓሚት ኢያ። ኣምላኽ ነቲ ጸሓፊኣ ብመንፈስ ስለ ዝደረኾ ‘ጥበብ ሰሎሞን ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕ በዝሐ።’ (1 ነገስት 3:6-12፣ 4:30-34) ሓንቲ ክትበጽሕ ዝመጸት ንግስቲ “ጥበብ ሰሎሞን” ኣዝዩ ስለ ዝመሰጣ: ብዛዕባ ጥበቡ ፍርቁ እኳ ከም ዘይተነግራ: እቶም ንጥበቡ ዝሰምዑ ድማ ብሓቂ ሕጕሳት ምዃኖም ተዛረበት።a (1 ነገስት 10:4-8) ንሕናውን ካብቲ ፈጣሪና ብሰሎሞን ኣቢሉ ዘዳለዎ መለኮታዊ ጥበብ ምስትውዓልን ሓጐስን ክንረክብ ንኽእል ኢና።
7. (ሀ) ሰሎሞን ንመብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝግበር ንጥፈታት ዝምልከት እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝደምደመ፧ (ለ) ነቲ ናይ ሰሎሞን ክውንነታዊ ገምጋማት ንጹር ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
7 መጽሓፍ መክብብ እቲ ንልብን ኣእምሮን ሰሎሞን ዝተንከፈ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብ እተንጸባርቕ ኢያ። ሰሎሞን ግዜን ሃብትን ምስትውዓልን ስለ ዝነበሮ ነቲ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ” መርሚርዎ ኢዩ። መብዛሕትኡ ድማ “ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ:” እዚ ድማ ብዛዕባ ዕላማ ህይወትና ክንሓስብ ከሎና ክንዝክሮ ዝግብኣና መንፈስ ዝነፈሶ ገምጋም ኢዩ። (መክብብ 1:13, 14, 16) ሰሎሞን ቅኑዕን ኣብ ክውንነት ዝኣምንን ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ መክብብ 1:15, 18 ዝርከብ ቃላቱ ህድእ ኢልካ ሕሰበሉ። ሰባት ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት: ሓድሓደ ግዜ ግድላት ንምፍታሕን ናብራ ሰባት ዝሓሸ ንምግባርን ብቕንዕና ብምጽዓር እተፈላለየ ዓይነት ምምሕዳር ፈቲኖም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣብዚ ዘይፍጹም ኣገባብ ዘሎ ኵሉ “ቄናን” ነገራት ብሓቂ ከቕንዖ ዝኽኣለ ምምሕዳር ኣሎዶ፧ ከምኡውን ሓደ ሰብ ፍልጠቱ ዝዓበየ ምስ ዝኸውን ብእኡ መጠን ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ዕድመ ነገራት መሊእካ ክዕረ ዘይከኣል ምዃኑ ኣጸቢቑ ከም ዝግንዘብ ተረዲእካ ትኸውን። ከምዚ ዝበለ ምግንዛብ ንብዙሓት ሰባት ጭንቀት ኢዩ ዘስዕበሎም: ንዓና ግን ግድን ጭንቀት የስዕበልና ኢዩ ማለት ኣይኰነን።
8. ከመይ ዝበለ ዑደታት ኢዩ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ዝጸነሐ፧
8 ካልእ እንርእዮ ነጥቢ ድማ: ከም ናይ ጸሓይ ምብራቕን ምዕራብን ወይ ናይ ንፋስን ማይን ምንቅስቓስ ዝኣመሰለ ተደጋጋሚ ዑደታት ኢዩ። እዚ ዑደታት እዚ ኣብ ግዜ ሙሴ: ሰሎሞን: ናፖልዮን: ከምኡውን ኣብ ግዜ ኣቦሓጎታትና ነይሩ ኢዩ። ገና ድማ ይቕጽል ኣሎ። ብተመሳሳሊ “ወለዶ ይኸይድ: ወለዶ ኸኣ ይመጽእ” ኢዩ። (መክብብ 1:4-7) ብዓይኒ ሰብ ክርአ ኸሎ: ሒደት ነገራት ተለዊጡ ኢዩ። ኣብ ግዜ ጥንትን ኣብዚ ዘመናዊ ግዜን ዘለዉ ሰባት ተመሳሳሊ ንጥፈታት: ተስፋታት: ድሌታት: ከምኡውን ብዓወት ዝፈጸምዎ ዕዮታት ኣለዎም። ካብ ማእከል ደቅሰብ እውን ከይተረፈ: ሓደ ውልቀ-ሰብ ውሩይ ስም ወይ ሓለፍ ዝበለ መልክዕ ወይ ክእለት እኳ እንተ ነበሮ: እቲ ሰብ እቲ ሕጂ ኣበይ ኣሎ፧ ሞይቱ: ምናልባት ድማ ተረሲዑ ኢዩ። እዚ ብዛዕባ ህይወት ጽልሙት ኣረኣእያ ምህላው ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ኣቦሓጎታቶም ኣስማት ክፈልጥዎ ኣይክእሉን ወይ ኣበይ ከም እተወልዱን ከም እተቐብሩን እውን ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ሰሎሞን ብኽውንነታዊ መገዲ ኣብ ሰብኣዊ ፈተነታትን ጻዕርታትን ስለምንታይ ከንቱነት ከም እተዓዘበ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ።—መክብብ 1:9-11
9. ብዛዕባ ኵነታት ደቅሰብ ክውንነታዊ ምስትውዓል ምርካብ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 እዚ ንመሰረታዊ ኵነታት ደቅሰብ ዝምልከት መለኮታዊ ምስትውዓል ኣብ ክንዲ ዘጨንቐና: ነቲ ቀልጢፉ ዝሓልፍን ዝርሳዕን ሸቶታት ወይ ዕዮታት ግጉይ ግምታት ካብ ምሃቡ ክንርሕቕ ብምልዕዓል ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ መለኮታዊ ምስትውዓል እዚ ካብ ህይወት እንታይ ንረክብ ከም ዘሎና: ክንዓሞ እንፍትን ዘሎና ነገራት ድማ እንታይ ምዃኑ ንምግምጋም ክሕግዘና ኢዩ። ንመረድኢ: ገዛእ ርእስና ኣብ ክንዲ እንሕርም ሚዛናውያን ኴንና ብምብላዕን ብምስታይን ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (መክብብ 2:24) ቀጺልና ከም እንርእዮ ድማ: ሰሎሞን ብዛዕባ ኵነታት ደቅሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣወንታውን ተስፋ ዘለዎን መደምደምታ በጺሑ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ: ምስቲ ንዘለኣለም ሕጕስን ዕላማ ዝመልኦ መጻእን ንኽህልወና ክሕግዘና ዝኽእል ፈጣሪና ዘሎና ርክብ ኣዕሚቝና ከነማስወሉ ኣሎና። ሰሎሞን “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ:” NW ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል ኣጕሊሕዎ ኢዩ።—መክብብ 12:13
ናይ ህይወት ዑደታት ድሕሪ ምርኣይ ክህሉ ዝግባእ ዕላማ
10. ሰሎሞን በየናይ መገዲ ኢዩ ንእንስሳታትን ሰባትን ዘመሳሰሎም፧
10 ኣብ መጽሓፍ መክብብ ተገሊጹ ዘሎ መለኮታዊ ጥበብ ነቲ ህይወትና ዘለዎ ዕላማ ንምርኣይ ተወሳኺ ሓገዝ ክህበና ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ሰሎሞን ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ብኽውንነታዊ መገዲ ኣብቲ ሳሕቲ እንሓስበሉ ሓቅታት ኣተኲሩ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ዘሎ ምምስሳል ዝምልከት ኢዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ምስ ኣባጊዕ ኣመሳሲልዎም ኢዩ: ሰባት ብሓፈሻ ግን ምስ እንስሳታት ከተመሳስሎም ኣየሕጕሶምን ኢዩ። (ዮሃንስ 10:11-16) እንተዀነ ግን: ሰሎሞን ኣሉ ዘይብሃሎ ገለ ሓቅታት የቕርብ:- “ኣምላኽ [ንደቅሰብ] ምእንቲ ኺዕዘቦም: እንስሳ ምዃኖም ከኣ ባዕላቶም ኪርእዩስ: . . . ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ: ሓደ እዩ ብጽሒቶም: ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲኣቶም ከኣ ይሞቱ: . . . ኵሉ ኸንቱነት እዩ እሞ: ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። . . . ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ: ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።”—መክብብ 3:18-20
11. (ሀ) ሓደ እንስሳ ዘለዎ ልሙድ ናይ ህይወት ዑደት ብኸመይ ክግለጽ ምተኻእለ፧ (ለ) ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ምርምር ከመይ ይስምዓካ፧
11 ምርኣዩ ባህ ዘብለካ እንስሳ እሞ ሕሰብ: ምናልባት ጊሔ ወይ ማንቲለ ክኸውን ይኽእል። (ዘዳግም 14:7፣ መዝሙር 104:18፣ ምሳሌ 30:26) ወይውን ምጹጹላይ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል፣ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ 300 ዓይነት ኣለዉ። ናይ ምጹጹላይ ዑደት ህይወት ከመይ ኢዩ፧ ድሕሪ ምውላዱ ኣዲኡ ንገለ ሰለስተ ሰሙናት ዝኸውን ተጥብዎ። ድሕርዚ ቀልጢፉ ጸጕሪ የውጽእ እሞ ንደገ ምውጻእ ክደፍር ይኽእል። መግቢ ንምርካብ ክማሃር ከሎ ሸዀዅ ኢሉ ክሓልፍ ርኢኻዮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ እዋን ግን ንግዜ ንእስነቱ ብምስምቓር: ኣብ ጸወታ ኢዩ ዘሕልፎ። ዳርጋ ሓደ ዓመት ምስ ገበረ ብጸይቲ ክደሊ ይጅምር። ድሕርዚ ሰፈሩ ወይ በዓቱ ክሰርሕን ንውላዱ ክከናኸንን ኣለዎ። ምጹጹላይ እኹል ፍረታት: ካዕካዕ: ከምኡውን ኣዝርእቲ እንተድኣ ረኺቡ ደቂ ንምዕባይን ቤቱ ንምስፋሕን ዝኸውን ግዜ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ግን: እቲ እንስሳ ይኣርግ: ንሓደጋን ሕማምን ድማ እተቓልዐ ይኸውን። ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ገበረ ይመውት። ኣብ መንጎ ናይ ምጹጹላይ ዓይነት ንእሽቶ ፍልልያት እኳ እንተ ሃለወ: ብሓፈሻ ግን ናይ ህይወት ዑደቱ ከምዚ ዝረኣናዮ ኢዩ።
12. (ሀ) ብኽውንነታዊ መገዲ ክርአ ከሎ: ናይ ብዙሓት ሰባት ዑደት ህይወት ከምቲ ናይ እንስሳታት ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ዝመጽእ ግዜ ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዝሓሰብናዮ እንስሳ ክንርኢ ከሎና ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንሓስብ እንኽእል፧
12 መብዛሕትኦም ሰባት: እንስሳ ከምዚ ዝበለ ዑደት ክህልዎ ኣይቃወሙን ኢዮም: ህይወት ሓደ ምጹጹላይ ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ክህልዎ ድማ ኣይጽበዩን ኢዮም። ይኹን እምበር: ህይወት ብዙሓት ሰባት ካብዚ ኣዝዩ ብዙሕ ኣይፍለን ኢዩ: ኣይኰነንዶ፧ ይውለዱ ከም ቈልዑ መጠን ድማ ክንክን ይረኽቡ። ይበልዑ: ይዓብዩ: ከም መንእሰያት መጠን ድማ ይጻወቱ። ነዊሕ ከይጸንሑ በጽሕታት ይዀኑ: ብጻይ ይረኽቡ: ዝነብርሉ ቦታን መግቢ ዝረኽብሉ ሜላን ድማ ይደልዩ። እንተድኣ ዀይኑሎም ደቂ የዕብዩ ቤቶም (ሰፈሮም) ድማ የስፍሑ። ዓሰርተታት ዓመታት ግን ቀልጢፉ ይሓልፍ: ይኣርጉ ድማ። እንተጸኒሖም ከኣ “ጻዕርን መከራን” ዝመልአን 70 ወይ 80 ዓመታት ድሕሪ ምግባሮም ይሞቱ። (መዝሙር 90:9, 10, 12) ኣብ ዝመጽእ ግዜ ምጹጹላይ (ወይ ካልእ ኣብ ኣእምሮኻ ዝሓሰብካዮ እንስሳ) ምስ ረኣኻ ብዛዕባ እዚ ዕቱብ ሓቅታት ትሓስብ ትኸውን።
13. ብዛዕባ እንስሳታትን ሰባትን ሓቂ ምዃኑ እተራእየ ብጽሒት እንታይ ኢዩ፧
13 ሰሎሞን ንህይወት ሰባት ምስቲ ናይ እንስሳታት ስለምንታይ ከም ዘመሳሰሎ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዅሉ ነገር . . . ገጊዜኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ: ንሙማት ከኣ ጊዜ አለዎ።” እቲ ዳሕረዋይ ብጽሒት: ሞት: “ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲኣቶም ከኣ ይሞቱ” ስለ ዝዀኑ: ንሰብን ንእንስሳን ሓደ ኢዩ። ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ: ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።”—መክብብ 3:1, 2, 19, 20
14. ገለ ሰባት ነቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ህይወት ዑደት ክልውጥዎ ዝፍትኑ ብኸመይ ኢዮም: ግናኸ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ዕዉታት ዝዀኑ፧
14 ነዚ ክውንነታዊ ገምጋም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝዀነ ገይርና ክንወስዶ የብልናን። ሓቂ ኢዩ: ገሊኦም ካብቲ ወለዶም ዝነበርዎ ስጋዊ ኵነታት ንላዕሊ ምእንቲ ክመሓየሹ ዝያዳ ብምስራሕ ንዅነታቶም ክቕይርዎ ፈቲኖም ኢዮም። ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ምርዳእ ከስፍሕዎ እናፈተኑ ከለዉ: ንዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ዝኸውን ነገራት ምእንቲ ከዳልዉ ንብዙሕ ዓመታት ይማሃሩ ይዀኑ። ወይውን ዝሓሸ ጥዕናን ብመጠኑ ንውሕ ዝበለ ዕድመን ንኽህልዎም ኣብ ምንቅስቓስ ኣካላትን ዝበልዕዎ ዓይነትን ዓቐንን መግቢ ኣብ ምቍጽጻርን የተኵሩ ይዀኑ። ከምዚ ዝበለ ጻዕርታት ድማ ገለ ጥቕምታት የምጽእ ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ጻዕርታት ዕዉት ኰይኑ ከም ዝርከብ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ግን መን ኢዩ፧ ዕዉታት እንተዀኑኸ: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዮም፧
15. ንናብራ ብዙሓት ሰባት ዝምልከት እንታይ ቅኑዕ ገምጋም ምግባር ኢዩ ተቐባልነት ዘለዎ፧
15 ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት [“ነገራት:” NW ] እዩ: ንሰብ ደኣ እንታይ ይጠቕሞ፧ ብህይወቱ ኸሎ: በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቝጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ: ንሰብ ሰናይ ዚዀኖ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፧” (መክብብ 6:11, 12) ሞት ንጻዕርታት ሰብ ብተዛማዲ ቀልጢፉ ስለ ዘቋርጾ: ዝያዳ ስጋዊ ነገራት ክትረክብ ኢልካ ምቅላስ ወይ ብቐዳምነት ተወሳኺ ጥሪት ክህልወካ ኢልካ ንብዙሕ ዓመታት ምምሃር ብሓቂ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎዶ፧ ህይወት ኣዝዩ ሓጺር: ከም ጽላሎት ድማ ዝሓልፍ ብምዃኑ: ብዙሓት ሰባት ከም ዘይተዓወቱ ምስ ተረድኡ ንጻዕርታቶም ናብ ካልእ ሰብኣዊ ሸቶ ከቃንዕዎ ግዜ ከም ዘይብሎም ተገንዚቦም ኢዮም፣ ሰብ “ብድሕሪኡ” ንደቁ እንታይ ከም ዘጋጥሞም ከረጋግጽ እውን ኣይክእልን ኢዩ።
ጽቡቕ ስም ንምጥራይ ግዜኡ ሕጂ ኢዩ
16. (ሀ) እንስሳታት ክገብርዎ ዘይክእሉ እንታይ ነገራት ኢና ክንገብር ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ካልእ ሓቅታት ኢዩ ንኣተሓሳስባና ክትንክፎ ዘለዎ፧
16 ከም እንስሳታት ዘይኰነስ: ንሕና ሰባት ‘ናይ ምንባረይ ትርጕም እንታይ ኢዩ፧ ንምውላድን ንሙማትን ግዜ ዘለዎ ቀዋሚ ዑደት ጥራይ ድዩ፧’ ኢልና ንኸነስተንትን ክእለት ኣሎና። ነዚ ዝምልከት: ኣብቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ሰብን እንስሳን እተዛረቦ ቃላት ዝርከብ ሓቂ ዘክሮ:- “ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።” እዚ: ሞት ንህላወ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ የቋርጾ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ሓቂ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ዝሓዘት ኣካል ከም ዘይብሎም ኢዩ ዝገልጽ። ሰብ ነፍሲ ኢዩ: እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ድማ ትመውት ኢያ። (ህዝቅኤል 18:4, 20) ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ኣስፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።”—መክብብ 9:5, 10
17. መክብብ 7:1, 2 ብዛዕባ እንታይ ከም እነስተንትን ኢያ ክትገብረና ዘለዋ፧
17 ብመንጽር እዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣሉ ዘይብሃሎ ሓቂ: ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ሓሳባት ርአ:- “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ። ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ: እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ እሞ: እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮ።” (መክብብ 7:1, 2) ሞት “መወዳእታ ዅሉ ሰብ” ኰይኑ ከም ዘሎ ክንስማምዓሉ ይግብኣና። ዝዀነ ይኹን ዕድመ ዘንውሕ ነገር ዝሰተየ: ዝዀነ ይኹን ቫይታሚን እተሓወሶ ነገር ዝበልዐ: ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣመጋግባ ዝሰዓበ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣካላት እተሳተፈ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኸበ የለን። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ድሕሪ ሙማቶም ነዊሕ ግዜ ከይጸንሐ “መዘከርታኦም ተረሲዑ” ኢዩ። እሞ ስም ‘ካብ ጽቡቐ ሽታ: ካብ መዓልቲ ምላድ [ድማ] መዓልቲ ሞት ዝበልጽ’ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧
18. ሰሎሞን ኣብ ትንሳኤ ይኣምን ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 ከምዚ ዝረኣናዮ: ሰሎሞን ኣብ ክውንነት ዝኣምን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ምስ ፈጣሪና ጽቡቕ ስም ዝነበሮም ኣባሓጎታቱ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንኣብርሃም ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ ብምንባሩ ንዕኡን ንዘርኡን ክባርኾም ተመባጺዑ ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:18, 19፣ 22:17) እወ: ኣብርሃም ዓርኩ ብምዃን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ነይርዎ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 20:7፣ ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23) ኣብርሃም ህይወቱን ህይወት ወዱን ክፍሊ ናይቲ ፈጺሙ ዘየቋርጽ ዑደት ምላድን ሙማትን ጥራይ ከም ዘይነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንገለ ዓመታት ብህይወት ጸኒሕካ ካብ ሙማት ንላዕሊ ዕላማ ነይርዎ ኢዩ። ዘይትመውት ነፍሲ ብምሓዞም ዘይኰነስ: ተንሲኦም እንደገና ናይ ምንባር ርግጸኛ ተስፋ ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ኣብርሃም ‘ኣምላኽ [ንይስሃቅ] ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ’ እምነት ነይርዎ ኢዩ።—እብራውያን 11:17-19
19. ንትርጕም መክብብ 7:1 ዝምልከት ካብ እዮብ እንታይ ምስትውዓል ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
19 እዚ “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም . . . ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት” ከመይ ኢሉ ከም ‘ዝሓይሽ’ ንምርዳእ መብርሂ ዝህብ ነገር ኢዩ። ሰሎሞን ከምቲ እዮብ ቅድሚኡ ዝነበሮ: እቲ ሰብኣዊ ህይወት ዝፈጠረ: ካብ ሞት እንደገና ክመልሳ እውን ከም ዝኽእል እምነት ነይርዎ ኢዩ። ንዝሞቱ ሰባት እንደገና ናብ ህይወት ክመልሶም ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 14:7-14) እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ከምዚ በለ:- “ንስኻ [የሆዋ] ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።” (እዮብ 14:15) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ፈጣሪና ነቶም ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቱ ‘ይናፍቖም’ ኢዩ። (“ነቲ ተግባር ኢድካ እንደገና ክትርእዮ ምደለኻ ነይርካ።”—ዘ ጀሩሳሌም ባይብል።) ፈጣሪ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ብምጥቃም ንሰባት ከተንስኦም ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ብንጹር: ሰባት ካብቶም ዝሞቱ ተራ እንስሳታት ክፍለዩ ይኽእሉ ኢዮም።
20. (ሀ) መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ምላድ ዝሓይሽ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ኣልኣዛር ትንሳኤ ንብዙሓት ሰባት ተንኪፍዎም ክኸውን ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧
20 ሓደ ሰብ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ምስቲ ንዝሞቱ እሙናት ሰባት ከተንስኦም ዝኽእል የሆዋ ጽቡቕ ስም ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ: መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ምላድ ክሓይሽ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን: የሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣልኣዛር እንደገና ናብ ህይወት መሊስዎ ኢዩ። (ሉቃስ 11:31፣ ዮሃንስ 11:1-44) ከምቲ ክትግምቶ እትኽእል: ብዙሓት ካብቶም ኣልኣዛር እንደገና ናብ ህይወት ክምለስ ብዓይኖም ዝረኣዩ ሰባት ኣብ ወዲ ኣምላኽ እምነት ክሳዕ ምግባር ብዙሕ ተተንኪፎም ኢዮም። (ዮሃንስ 11:45) ብዛዕባ እንታዎት ምዃኖም ናበይ ድማ ይኸዱ ምህላዎም: ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ዘይብሎም ብምዃን: ህይወቶም ዕላማ ዘይብላ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧ ብኣንጻሩ: ከምቶም ተወሊዶም ንሓጺር እዋን ዝነብሩ: ድሕሪኡ ድማ ዝሞቱ እንስሳታት ጥራይ ክዀኑ ከም ዘይብሎም ክርድኡ ክኢሎም ኢዮም። ህይወቶም ዘለዋ ዕላማ ምስ ነቦ የሱስ ምፍላጥን ፍቓዱ ምግባርን ብቐጥታ ከምኡውን ብቐረባ እተኣሳሰረ ኢዩ ነይሩ። ንስኻኸ፧ እዚ ምይይጥ እዚ ህይወትካ ብኸመይ ናይ ሓቂ ዕላማ ክህልዎ ከም ዝኽእልን ክህልዎ ድማ ከም ዝግባእን ንኽትርኢ: ወይ ኣነጺርካ ንኽትርዳእ ሓጊዙካዶ፧
21. ህይወትና ዘለዋ ትርጕም ንምድላይ ዝኸውን እንታይ መዳይ ኢና ገና ክንምርምሮ እንደሊ፧
21 እንተዀነ ግን: ናይ ሓቅን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ምህላው ማለት: ብዛዕባ ሞትን ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ እንደገና ምንባርን ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ ኢዩ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ናብራና እንገብሮ ዘበለ ነገር ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ ነዚ ንጹር ገይርዎ ኣሎ።
[[እግረ-ጽሑፍ]
a “እቲ ብዛዕባ ንግስቲ ሳባ ዝዛረብ ጸብጻብ: ጥበብ ሰሎሞን ዘጕልሕ ኢዩ: እቲ ዛንታ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣፈ-ታሪኽ ኢዩ ዝበሃል። (1 ነገ. 10:1-13) ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ግን እቲ ዝገበረቶ ምብጻሕ ብሓቂ ምስ ንግዲ እተተሓሓዘ ምዃኑን እዚ ድማ ርዱእ ምንባሩን ኢዩ ዝሕብር፣ ታሪኻዊ ሓቅነቱ ዘጠራጥር ኣይኰነን።”—ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፐድያ [እንግሊዝኛ] (1988) ራብዓይ ጥራዝ ገጽ 567
ትዝክሮዶ፧
◻ እንስሳታት ምስ ሰባት ዝመሳሰሉ በየናይ መገድታት ኢዮም፧
◻ ሞት መብዛሕትኡ ናይ ሰብ ጻዕርን ንጥፈትን ከንቱ ምዃኑ ዘጕልሕ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ምላድ ዝሓይሽ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ህይወት ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ዝህልወና ኣብ ከመይ ዝበለ ዝምድና ምስ ዝስረት ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
ህይወትካ ብመሰረቱ ካብ ናይ እንስሳታት ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧