ህይወት ድሕሪ ሞት —መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
“መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ። ”—ዘፍጥረት 3:19
1, 2. (ሀ) ብዛዕባ ህይወት ድሕሪ ሞት እንታይ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢሉ ከም ዝምህር ንምውሳን እንታይ ክንምርምር የድልየና፧
ኒኪላናንዳ እተባህለ ናይ ሂንዱ ፈላስፋ ከምዚ ኢሉ ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ዘለኣለማዊ ስቓይ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ምስቲ ኣምላኽ ነቲ ዝፈጠሮ ነገራት ፍቕሪ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘይሰማማዕ ኢዩ። . . . ነፍሲ ንውሑድ ዓመታት ብዝገበረቶ ጌጋ: ንኽትእረም ኣጋጣሚ ከይሃብካ: ንዘለኣለም ትሳቐ ኢያ ኢልካ ምእማን ኣንጻር ኵሉ ናይ ምርዳእ ሕጊ ኢዩ።”
2 ልክዕ ከም ኒኪላናንዳ: ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኣሎ ዝብል ትምህርቲ ንብዙሓት ኣየሐጕሶምን ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ካልኦት ድማ ንኸም ኣብ ኒርቫና ምብጻሕን ምስ ባህርይ ሓደ ምዃንን ዝብል ትምህርትታት ንኽርድእዎ የሸግሮም ኢዩ። ካብ መንጎ እቶም እምነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ ዝዛረቡ ሰባት እውን ከይተረፈ: ነፍሲ እንታይ ምዃናን ምስ ሞትና ድማ እንታይ ከም እትኸውንን ብዝምልከት እተፈላለየ ሓሳባት ኢዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ ነፍሲ ብልክዕ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ: ትርጕም ናይተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ” ተባሂለን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ክንምርምር የድልየና።
ነፍሲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ
3. (ሀ) ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት “ነፍሲ” ተተርጒማ ዘላ ኣየነይቲ ቃል ኢያ: መሰረታዊ ትርጕማኸ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሓደ ምሉእ ሰብ እተመልክት ምዃና ዘፍጥረት 2:7 ብኸመይ ተረጋግጽ፧
3 እታ “ነፍሲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ነ ʹፈሽ ኢያ: ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ 754 ግዜ ትርከብ። ነ ʹፈሽ እንታይ ማለት ኢያ፧ ብመሰረት እቲ ዘ ዲክሸነሪ ኦቭ ባይብል ኤንድ ረሊጅን እዛ ቓል እዚኣ “መብዛሕትኡ እዋን ንብምልኡ እቲ ህያው ኣካል: ነቲ ውልቀ-ሰብ ብምልኡ እያ እተመልክት።” እዚ ድማ በቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:7 ዘሎ ንነፍሲ ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ተረጋጊጹ ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ነፍሲ ከም ‘ዝዀነ’ ኣስተብህል። ኣዳም ነፍሲ ኣይነበረቶን ማለት ኢዩ፣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓኪም ዝዀነ ሰብ ሓኪም ኢዩ ዝበሃል ንሱ ባዕሉ ነፍሲ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር እታ ኣብዚ ዘላ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንዅልንትና ናይ ሓደ ሰብ እትገልጽ ኢያ።
4. ኣብቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት “ነፍሲ” ተተርጒማ ዘላ ቃል ኣየነይቲ ኢያ: ናይዛ ቓል እዚኣ መሰረታዊ ትርጕምከ እንታይ ኢዩ፧
4 እታ “ነፍሲ” (ሳይ .ኪ ʹ) ተተርጒማ ዘላ ቃል ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ሚእቲ ግዜ ንላዕሊ ኢያ እትርከብ። ልክዕ ከም ነ ʹፈሽ እዛ ቓል እዚኣ መብዛሕትኡ እዋን ንብምልኡ እቲ ሰብ ኢያ እተመልክት። ንኣብነት: ነዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳባት ርአ:- “ነፍሰይ ጕህያ አላ።” (ዮሃንስ 12:27) “ኣብ ኵሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:43) “ነፍሲ ወከፍ ነቲ አብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።” (ሮሜ 13:1) “ነተን እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት ተዛረብወን።” (1 ተሰሎንቄ 5:14 NW ) ‘ሒደት: ማለት ሾሞንተ ነፍሲ: ካብ ማይ ደሓና።’ (1 ጴጥሮስ 3:20) ልክዕ ከም ነ ʹፈሽ: ሳይ ·ኪ ʹ እውን ንምሉእ እቲ ሰብ ኢያ እተመልክት። ከም ኣበሃህላ ናይቲ ኒጂል ተርነር እተባህለ ምሁር: እዛ ቓል እዚኣ “ናይ ሰብኣዊ ጠባይ: ስብእና: ነቲ ናይ ኣምላኽ ሩ ʹዋሕ [መንፈስ] ኡፍ እተባህለሉ ስጋዊ ኣካል ኢያ እተመልክት። . . . እቲ ዝጐልሕ ምሉእ ስብእና ኢዩ።”
5. እንስሳታት ነፍሳት ድዮም፧ ግለጾ።
5 ካብቲ ዘገርም: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንእንስሳታት ንምምልካት እውን ትውዕል ኢያ። ንኣብነት: ነቶም ፍጥረታት ባሕሪ ኣብ ምግላጽ ዘፍጥረት 1:20 ኣምላኽ “ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ” ኢሉ ከም ዝኣዘዘ ትዛረብ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ናይ ፍጥረት መዓልቲ ድማ ኣምላኽ “ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ።—ዘፍጥረት 1:24፣ ምስ ዘሁልቍ 31:28 ኣረኣእዮ።
6. ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ዝጥቀመሉ ኣገባብ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
6 ስለዚ እምበኣር ከም ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ድማ ነቲ ሓደ ሰብ ወይ እንስሳ ዘስተማቕሮ ህይወት ኢያ እተመልክት። (ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሳጹን ርአ።) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዝህቦ መግለጺ ቀሊል: ዘይለዋወጥ: ከምኡውን በቲ ናይ ሰባት ፍልስፍናን ማሪትን ዘይተዓብለለ ኢዩ። እቲ ጕዳይ ከምዚ ካብ ኰነ: እቲ ክለዓል ዘለዎ ህጹጽ ሕቶ ‘ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ኢያ እትኸውን፧’ ዝብል ኢዩ።
ምዉታት ሓሳባት የብሎምን
7, 8. (ሀ) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) ነፍሲ ክትመውት ከም እትኽእል ዝገልጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ሃብ።
7 ኣብ መክብብ 9:5, 10 ኵነታት ምዉታት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ: ኣብኡ ከምዚ ነንብብ:- “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” ስለዚ እምበኣር: ሞት ካብ ህላወ እተቋርጸሉ ኵነታት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት “ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 146:4) ስለዚ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኣይሓስቡን: ኣይዓዩን ኢዮም።
8 ኣምላኽ ንኣዳም ክፈርዶ ኸሎ: “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኢሉ ገለጸ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣምላኽ ካብ ሓመድ ምድሪ ሰሪሑ ህይወት ከይሃቦ ኸሎ: ኣዳም ኣብ ህላወ ኣይነበረን። ምስ ሞተ ድማ ናብቲ ዅነታት እቲ ኢዩ ተመሊሱ። መቕጻዕቱ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ዘይኰነስ ሞት ኢዩ ነይሩ። ነፍሱ ድኣ እሞ እንታይ ኰነት፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሰብ ስለ እተመልክት: ኣዳም ሞይቱ ክንብል ከሎና: እታ ኣዳም እትበሃል ነፍሲ ሞይታ ማለትና ኢዩ። ንሓደ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ዝኣምን ሰብ እዚ ዘይተለምደ ነገር ኰይኑ ይረኣዮ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ኢሉ ይገልጽ። (ህዝቅኤል 18:4) ዘሌዋውያን 21:1 ‘ዝሞተት [“ነፍሲ:” NW ]’ (“ዓስከሬን:” ዘ ጀሩሳሌም ባይብል) ብምባል ትዛረብ። ናዝራውያን ድማ ጥቓ ዝዀነ ይኹን “ምዉት ሰብ [“ነፍሲ:” NW ]” ከይቀርቡ ተነጊሮም ኢዮም።—ዘሁልቍ 6:6
9. መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ራሄል ‘ነፍሲ ኽትወጽእ ከላ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧
9 ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 35:18 ዘሎ ነቲ ካልኣይ ወዳ ክትወልድ ከላ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሞት ራሄልከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ “ክትመውት: ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ: (ስለ ዝሞተት) ስሙ ቤን-ኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ” ዝብል ነንብብ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ራሄል ኣብ ግዜ ሞታ ተፈልያ ዝወጸት ውሽጣዊት ኣካል ከም ዝነበረታ እተመልክት ድያ፧ ፈጺማ ኣይተመልክትን ኢያ። እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ነቲ ሰብ ዘለዎ ህይወት ከተመልክት ከም እትኽእል እውን ኣይትረስዕ። ስለዚ ኣብዚ ናይ ራሄል ጕዳይ “ነፍሲ” ክበሃል ከሎ “ህይወታ” ማለት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኢዮም ካልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ነታ “ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ” እትብል ሓረግ “ህይወታ ከተንቈልቍል ኸላ” (ኖክስ ): “ንመወዳእታ ግዜ ከተተንፍስ ከላ” (ጀሩሳሌም ባይብል ): ከምኡውን “ህይወታ ካብኣ ክትወጽእ ከላ” (ባይብል ኢን በይዚክ ኢንግሊሽ ) ኢሎም ዝትርጒምዋ። ሓንቲ ምስጢራዊት ኣካል ናይ ራሄል ካብ ሞት ከም ዝደሓነት ዝሕብር ነገር የለን።
10. እቲ ዝተንስአ ወዲ እታ መበለት ነፍሱ ‘እተመልሰት’ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ ነይሩ፧
10 እዚ ምስቲ ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንሳኤ ወዲ እታ መበለት ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብ ቍጽሪ 22 ኤልያስ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዀይኑ ከም ዝጸለየ ነንብብ: “እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ: ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ።” ሕጂ እውን ኣብዚ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል “ህይወት” ማለት ኢያ። ስለዚ ድማ ኣብ ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል “ህይወት ናይቲ ቈልዓ ናብኡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ” ዝብል ነንብብ። እወ: ገለ ዘይረአ ነገር ዘይኰነስ ህይወት ኢያ ናብቲ ወዲ እተመልሰት። እዚ ድማ ምስቲ ኤልያስ ነታ ኣደ እቲ ወዲ “ርአዪ: ወድኺ [እቲ ሰብ ብምልኡ] ሐውዩ” ዝበላ ዝሰማማዕ ኢዩ።—1 ነገስት 17:23
ብዛዕባ መንፈስከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
11. እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ንሓንቲ ካብ ሞት እትድሕን ካብ ኣካላት ሰብ እትፍለ ነገር ዘይተመልክት ስለምንታይ ኢዩ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት “ትንፋሱ [“መንፈሱ:” NW ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ” ይብል። (መዝሙር 146:4) እዚ ግን ሓንቲ ኣካል ዘይብላ መንፈስ ቃል ብቓሉ ትፍለ: እቲ ሰብ ምስ ሞተ ድማ ብድሕሪኡ ትነብር ማለት ድዩ፧ እዚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” (“ኵሉ ሓሳባቱ ይውዳእ:” ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ይብል። መንፈስ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ: ኣብ ግዜ ሞትከ ካብቲ ሰብ ‘ዝወጽእ’ ብኸመይ ኢዩ፧
12. እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ” ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ንምንታይ ኢየን ዘመልክታ፧
12 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተን “መንፈስ” ተተርጒመን ዘለዋ ቓላት (ብእብራይስጢ ሩ ʹዋሕ፣ ብግሪኽ ኒው ʹማ ) ብመሰረቱ “ትንፋስ” ማለት ኢየን። ስለዚ ድማ እቲ ኣር. ኤ. ኖክስ ዘዳለዎ ትርጕም ኣብ ክንዲ “መንፈሱ ይወጽእ:” “ትንፋሱ ካብ ኣካላቱ ትወጽእ” ዝብል ሓረግ ይጥቀም። (መዝሙር 145:4) እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ግን ካብ ምስትንፋስ ንላዕሊ ኢያ እተመልክት። ንኣብነት: ኣብ ግዜ እቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ብዛዕባ ጥፍኣት ህይወት ሰብን እንስሳን ክትገልጽ ከላ ዘፍጥረት 7:22 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ: ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ [ብእብራይስጢ ሩ ʹዋሕ] ዝነበሮ ሞተ።” ስለዚ “መንፈስ” ነቲ ኣብ ኵሎም ህያዋን ፍጡራት: ሰባትን እንስሳታትን ዘሎ ብምስትንፋስ ዝቕጽል ናይ ህይወት ሓይሊ ከመልክት ይኽእል ይኸውን።
13. ኣብ ግዜ ሞት መንፈስ ናብ ኣምላኽ ዝምለስ ብኸመይ ኢዩ፧
13 መክብብ 12:7 ሓደ ሰብ ምስ ሞተ: “መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ” ኢላ ክትገልጽ ከላ ድኣ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ግን እቲ መንፈስ ቃል ብቓሉ ብሃዋሁ ገይሩ ናብ ኣምላኽ ይኸይድ ማለት ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ኣየመሓላልፍን ኢዩ። መንፈስ ናይ ህይወት ሓይሊ ስለ ዝዀነ: እቲ ሰብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን መጻኢ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ ምዃኑ ንምርኣይ ‘መንፈስ ናብ ኣምላኽ ይምለስ’ ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ነቲ መንፈስ: ወይ ሓይሊ ህይወት እንደገና ክመልሶ: ነቲ ሰብ ድማ ናብ ህይወት ከም ዝመጽእ ክገብሮ ዝኽእል። (መዝሙር 104:30) ኣምላኽ ግን ከምዚ ክገብር ዓሊሙዶ ኣሎ ኢዩ፧
“ኺትንስእ እዩ”
14. ኣሓት ኣልኣዛር ሓወን ብሞት ምስ ተፈለየን የሱስ ንኸደዓዕሰንን ከጸናንዐንን እንታይ ኢዩ ዝበለን ዝገበረን፧
14 ኣብታ ካብ የሩሳሌም ብምብራቕ ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቢታንያ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ: ማርታን ማርያምን ብምኽንያት እቲ ዘይተሓስበ ሞት ሓወን ኣልኣዛር ይሓዝና ነበራ። የሱስ ንኣልኣዛርን ኣሓቱን የፍቅሮም ስለ ዝነበረ: ኣብቲ ሓዘነን ተኻፋሊ ዀነ። ነተን ኣሓት ኣልኣዛርከ ብኸመይ ከጸናንዐን ከኣለ፧ ሓደ ጥውይዋይ ዛንታ ብምንጋር ዘይኰነስ ነቲ ሓቂ ብምንጋር ኢዩ ኣጸናኒዑወን። የሱስ ብቐሊሉ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በለ። ድሕርዚ የሱስ ናብቲ መቓብር ከደ: ንኣልኣዛር—ነቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብ ናብ ህይወት መለሶ—ኣተንስኦ!—ዮሃንስ 11:18-23, 38-44
15. ማርታ በቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን እንታይ መልሰ-ግብሪ ኢያ ኣርእያ፧
15 ማርታ በቲ ኣልኣዛር ‘ክትንስእ’ ምዃኑ የሱስ ዝነገራ ዘረባ ተገሪማዶ ኢያ፧ ኣይተገረመትን: ከመይሲ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” ኢላ መለሰት። ድሮ ኣብቲ መብጽዓ ትንሳኤ እምነት ነይርዋ ኢዩ። ድሕርዚ የሱስ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” በላ። (ዮሃንስ 11:23-25) እቲ ንኣልኣዛር ናብ ህይወት ብምምላስ እተገብረ ተኣምራት ነቲ ዝነበራ እምነት ኣበርትዖ: ንኻልኦት ድማ እምነት ከም ዘሕድሩ ገበሮም። (ዮሃንስ 11:45) እንተዀነ ግን: እታ “ትንሳኤ” እትብል ስያመ ብልክዕ እንታይ ማለት ኢያ፧
16. እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧
16 እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ካብታ ቃል ብቓሉ “እንደገና ምትንሳእ” ዝትርጕማ ኣ .ና ʹስታ ·ሲስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። እብራውያን ተርጐምቲ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ነታ ኣ .ና ʹስታ ·ሲስ እትብል ቃል በቲ “ናይ ምዉታት እንደገና ህያዋን ምዃን” ዘስምዕ መግለጺ (ብእብራይስጢ ቴኺ .ያ ት ʹ ሃም ·መ .ቲም ʹ) ተርጒሞምዋ ኣለዉ።a ስለዚ ድማ ትንሳኤ ነቲ ሰብ ካብቲ ህይወት ዘይነበሮ ኵነታት ናይ ሞት ምትንሳእ—ናይቲ ውልቀ-ሰብ ናይ ናብራ ኣገባብ ከም ዝምለስን እንደገና ከም ዝጅምር ምግባርን—ዘጠቓልል ኢዩ።
17. (ሀ) ውልቀ-ሰባት ምትንሳእ ንየሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ግድል ዘይኰኖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ሰባት እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝሃበ፧
17 የሆዋ ኣምላኽ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ጥበብን ፍጹም ናይ ምዝካር ክእለትን ስለ ዘለዎ: ንሓደ ሰብ ብቐሊሉ ከተንስኦ ይኽእል ኢዩ። ናይቶም ሞይቶም ዘለዉ ኣገባብ ናብራ—ባህርያቶም: ብሕታዊ ታሪኾም: ከምኡውን ኵሉ ዝርዝር መንነቶም—ንምዝካር ንዕኡ ቀሊል ኢዩ። (እዮብ 12:13፣ ምስ ኢሳይያስ 40:26 ኣረኣእዮ።) ብተወሳኺውን: እቲ ናይ ኣልኣዛር ተመክሮ ከም ዝሕብሮ: የሱስ ክርስቶስ ምዉታት ንምትንሳእ ፍቓደኛ ኢዩ: ክእለት ድማ ኣለዎ። (ምስ ሉቃስ 7:11-17 ኣረኣእዮ፣ 8:40-56) አረ: የሱስ ክርስቶስ ‘ኣብ [“ዝኽሪ:” NW ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ ኢያ: ክወጹ ድማ ኢዮም’ በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እወ: ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ምዉታት ክትንስኡ ምዃኖም የሱስ ክርስቶስ ተመባጺዑ ኢዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ነፍሲ መዋቲት ምዃናን ፈውሲ ሞት ድማ ትንሳኤ ምዃኑን ንጹር ኢዩ። ብህይወት ዝነበሩ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግን ሞይቶም ኢዮም። ካብ መንጎኦም ትንሳኤ ዝጽበዩ: ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ ዘለዉ መን ኢዮም፧
18. እቶም ዝትንስኡ መን ኢዮም፧
18 እቶም ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን መገዲ ጽድቂ ዝሰዓቡ ሰባት ክትንስኡ ኢዮም። ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግን ምስቲ ጽድቃዊ መለክዒታት ኣምላኽ ይሰማምዑ ድዮም ኣይሰማምዑን ከየመስከሩ ሞይቶም ኢዮም። ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ብቕዓታት ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም ወይ ኣድላዪ ለውጥታት ንምግባር እኹል ግዜ ኣይረኸቡን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ኢዩ ብምባል ስለ ዝመባጻዕ እዞም ካልኦት ሰባት እዚኣቶም እውን ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኢዮም ዘለዉ: ክትንስኡ ድማ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15
19. (ሀ) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ትርኢት ኢዩ ዝረኣየ፧ (ለ) ናብቲ ‘ቐላይ ሓዊ እተደርበየ’ እንታይ ኢዩ: እዚ ኣገላልጻ እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧
19 ሃዋርያ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኦም ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ደው ዝበሉ ሰባት ዝገልጽ ደስ ዘብል ትርኢት ርእዩ ኢዩ። ክገልጾ ኸሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ።” (ራእይ 20:12-14) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ካብቲ ተራ መቓብር ናይ ደቅሰብ ዝዀነ ሃደስ ወይ ሲኦል ናጻ ክወጹ ኢዮም። (መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ድሕርዚ ‘ሞትን ሲኦልን’ ናብቲ ምሉእ ጥፍኣት ዘመልክት “ቀላይ ሓዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክድርበዩ ኢዮም። ተራ መቓብር ወድሰብ ካብ ህላወ ከቋርጽ ኢዩ።
ብርቂ ዝዀነ ተስፋ!
20. እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ክትንስኡ፧
20 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክትንስኡ ኸለዉ: ናብ ሓንቲ ሰብ ዘይብላ ምድሪ ኣይኰኑን ዝትንስኡ። (ኢሳይያስ 45:18) ኣብ ሓደ ውቁብ ብዝዀነ ኣገባብ እተመሓየሸ ኣከባቢ ኢዮም ዝትንስኡ: መንበሪ: ክዳን: ከምኡውን ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ መግቢ ድማ ክዳለወሎም ኢዩ። (መዝሙር 67:6፣ 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21, 22) ነዚ ዅሉ ምድላዋት መን ኢዩ ክገብሮ፧ ምድራዊ ትንሳኤ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ክህልዉ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። እዚኣቶም ግን መን ኢዮም፧
21, 22. ነቶም ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት እንታይ ብርቂ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧
21 ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ምህላውና ኢዩ ዘርኢ።b (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብ ኣዝዩ ዝሓጸረ እዋን የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ኢዱ ከእቱ: ካብ ምድሪ ድማ እከይ ከልግስ ኢዩ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ምሳሌ 2:21, 22) ኣብቲ እዋን እቲ ነቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልግልዎ እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧
22 የሆዋ ነቶም ጽድቂ ዝገብሩ ምስቶም እኩያት ኣሕቢሩ ኣየጥፍኦምን ኢዩ። (መዝሙር 145:20) ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ፈጺሙ ገይሩ ኣይፈልጥን ኢዩ: ንምድሪ ካብ ኵሉ እከይ ከጽርያ ኸሎ ድማ ኣይክገብሮን ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 18:22, 23, 26 ኣረኣእዮ።) እኳ ድኣ እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ብዛዕባ እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” (NW ) ዝወጹ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ትዛረብ ኢያ። (ራእይ 7:9-14) እወ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ካብቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ዝውድኣሉ ዓቢ ጸበባ ድሒኖም ናብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ ኢዮም። ኣብኡ እቶም እዙዛት ካብቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ንምግባር ኢሉ ዝገበሮ ድንቂ ዝዀነ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ረብሓ ክረኽቡ ኢዮም። (ራእይ 22:1, 2) ስለዚ ድማ እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ፈጺሙ ሙማት ኣይከድልዮምን ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ብርቂ ዝዀነ ተስፋ ኰን ኢዩ!
ሞት ዘይብሉ ህይወት
23, 24. ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ከይሞትካ ብህይወት ክትነብር እንተድኣ ደሊኻ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧
23 ኣብዚ ዘገርም ተስፋ እዚ እምንቶ ክህልወና ይከኣልዶ ኢዩ፧ ብርግጽ ክህልወና ይኽእል ኢዩ! የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እውን ሰባት ከይሞቱ ዝነብርሉ እዋን ከም ዝህሉ ሓቢሩ ነይሩ ኢዩ። ንፈታዊኡ ኣልኣዛር ቀቅድሚ ምትንስኡ የሱስ ንማርታ “ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” በላ።—ዮሃንስ 11:26
24 ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ ኢኻ፧ ነቶም እተፍቅሮም ሰባት እንደገና ክትርእዮም ትብህግዶ ኢኻ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብል። (1 ዮሃንስ 2:17) ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ እትማሃረሉን ምስኡ ተሰማሚዕካ ንምንባር እትውስነሉን ግዜ ሕጂ ኢዩ። ድሕርዚ ምስቶም ድሮ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ዘለዉ ካልኦት ሚልዮናት ሓቢርካ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ተስፋ ትንሳኤ ኣብ እዮብ 14:13፣ ዳንኤል 12:13፣ ከምኡውን ሆሴእ 13:14 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
b ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 98-107 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ መሰረታዊ ትርጕም ናይተን “ነፍሲ” ተባሂለን ዘለዋ ቃላት ናይቲ በዅሪ ቋንቋታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት እንታይ ኢያ እትኸውን፧
◻ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ፈውሲ ሞት እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ሰባት ዝጽበዮም ዘሎ ብርቂ ዝዀነ ተስፋ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]
“ነፍሲ” ከም ህይወት ናይ ፍጡር
ሓድሓደ እዋን እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ነቲ ሰብ ወይ እንስሳ ዘስተማቕርዎ ህይወት ተመልክት ኢያ። እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ከም ሰብ ወይ ድማ እንስሳ ከም ዝዀነት ገይሩ ዝህቦ መግለጺ ኣይልውጦን ኢዩ። ብኣብነት ንምብራህ:- ሓደ ሰብ ህያው ምዃኑ ክንገልጽ ከሎና ህያው ኣካል ኢዩ ማለትና ኢና። ህይወት ኣለዎ ክንብል እውን ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ መገዲ ሓደ ህያው ሰብ ነፍሲ ኢዩ። ገና ግን: ህያው ከሎ ነታ “ነፍሲ” እትህልዎ ነገር ገይርና ክንዛረበላ ንኽእል ኢና።
ንኣብነት: ኣምላኽ ንሙሴ “እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም እዮም” በሎ። ጸላእቲ ሙሴ ክቐትልዎ ይደልዩ ምንባሮም ንጹር ኢዩ። (ዘጸኣት 4:19፣ ምስ እያሱ 9:24፣ ምሳሌ 12:10 ኣረኣእዮ።) የሱስ ‘ወዲ ሰብ ድማ: ህይወቱ [“ነፍሱ:” NW ] ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ ኢሉ መጸ’ ክብል ከሎ ነታ ቓል ብተመሳሳሊ መገዲ ተጠቕመላ። (ማቴዎስ 20:28፣ ምስ ማቴዎስ 10:28 ኣረኣእዮ።) ኣብ ክልቲኡ እዚ ጕዳይ እዚ: እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል “ናይ ሓደ ፍጡር ህይወት” ማለት ኢያ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ኵሎም ነፍሳት ኢዮም
[ምንጪ ስእሊ]
ሃሚንበርድ:- U.S. Fish and Wildlife Service, Washington, D.C./Dean Biggins
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ: ፈውሲ ሞት ትንሳኤ ምዃኑ ገለጸ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
“ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን . . . ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ ”—ዮሃንስ 11:26