ናይ ምምስጋን መንፈስ ኣማዕብል
ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ዝርከብ ሓደ ሓኪም ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ኵነታት ንህይወት ማሪ ኣድሓነ። 50 ዓመት ዝዕድሚኣ ማሪ ግን ነቲ ዶክተር ኣየመስገነቶን: ናይ ሕክምና ዕዳኣውን ኣይከፈለትን። እዝስ እንታይ ዓይነት ዘይምምስጋን ኰን ኢዩ!
መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ እዋን የሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ክኣቱ ከሎ ብርቱዕ ሕማም ለምጺ ዝነበሮም ዓሰርተ ሰባት ከም እተጓነፍዎ የዘንቱ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ “ዎ የሱስ መምህር: ምሐረና” በልዎ። የሱስ ከኣ “ኪዱ: ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም። እቶም ለምጻማት መምርሒኡ ተቐበሉ: እናኸዱ ኸለዉ ድማ ከም ዝሓወዩ ክርእዩን ክፍለጦምን ክኢሉ ኢዩ።
ካብቶም ዝሓወዩ ለምጻማት እቶም ትሽዓተ መገዶም ቀጸሉ። እቲ ሳምራዊ ዝዀነ ሓደ ለምጻም ግን ንየሱስ ክደሊ ተመልሰ። እዚ ናይ ቅድም ለምጻም ንኣምላኽ ወደሶ: ንየሱስ ምስ ረኸቦ ኸኣ እናኣመስገኖ ኣብ እግሩ ወደቐ። የሱስ ክምልስ ከሎ ከምዚ በለ:- “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧”—ሉቃስ 17:11-19
እታ “እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧” እትብል ሕቶ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢያ እተመሓላልፍ። እቶም ትሽዓተ ለምጸማት ከም ማሪ ሓደ ዓቢ ጕድለት ኢዩ ነይርዎም—ምስጋና ኣየርኣዩን። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዘይምምስጋን መንፈስ ሎሚ ኣዝዩ ግኑን ኢዩ። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧
ናይ ዘይምምስጋን መሰረታዊ ጠንቂ
ዘይምምስጋን ብመሰረቱ ካብ ስስዐ ኢዩ ዝብገስ። ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ሕሰብ። የሆዋ መለኮታዊ ባህርያት ዘለዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም: እታ ጽብቕቲ ናይ ገነት ቤት: ፍጹም ኣከባቢ: ከምኡውን ትርጕም ዘለዎን ዘዕግብን ስራሕ ሓዊስካ ድማ ንሓጐሶም ዝኸውን ኵሉ ነገር ኣዳልይሎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:26-29፣ 2:16, 17) ሰይጣን ንጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ክሓስቡ ጸቕጢ ምስ ገበረሎም ግን: ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ኣይተኣዘዙን: ነቲ ናይ የሆዋ ልግሲ ድማ ብንዕቀት ረኣይዎ።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9
ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ፍሉያት ጥሪቱ ክዀኑ ዝመረጾም ጥንታውያን እስራኤልውን ሕሰብ። ምሸት 14 ኒሳን 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኵሎም እስራኤላውያን ወለዲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም መመስገንቲ ነይሮም ክዀኑ ዘለዎም! ኣብታ ወሳኒት ምሸት እቲኣ ካብ ኣምላኽ እተላእከ መልኣኽ “ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ” ቀተለ: ነቲ ብግቡእ ምልክት እተገብረሉ ናይ እስራኤላውያን ኣባይቲ ግን ሰገሮ። (ዘጸኣት 12:12, 21-24, 30) ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰራዊት ፈርኦን ምስ ደሓኑ ድማ ምስጋና ብዝመልአ ኣልባብ: ‘ሙሴን ደቂ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር ዘመሩሉ።’—ዘጸኣት 14:19-28፣ 15:1-21
እንተዀነ ግን: ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ነዊሕ ከይጸንሑ ‘ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣጕረምረሙ።’ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ቀልጢፎም ናይ ዘይምምስጋን መንፈስ ዘርኣዩ! ነቲ ኣብታ ምድሪ ባርነቶም ዝዀነት ግብጺ ‘ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢሎም: እንጌራ ክሳዕ ዝጸግቡ እናበልዑ’ ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ ናብራ ናፈቕዎ። (ዘጸኣት 16:1-3) ስስዐ ኣንጻር እቲ ምስጋና ናይ ምዅስኳስን ምንጽብራቕን ባህሪ ከም ዝዓዪ እምበኣር ንጹር ኢዩ።
ኵሎም ሰባት ዘርኢ እቲ ሓጥእ ኣዳም ስለ ዝዀኑ ናይ ስስዐ ባህርን ናይ ዘይምምስጋን ዝንባለን ሒዞም ኢዮም ዝውለዱ። (ሮሜ 5:12) ዘይምምሳው ክፍሊ ናይቲ ንህዝቢ እዛ ዓለም እዚኣ ዓብሊልዎ ዘሎ ናይ ስስዐ መንፈስ እውን ኢዩ። እዚ መንፈስ እዚ ልክዕ ከምቲ እነተንፍሶ ኣየር ኣብ ኵሉ ቦታ ኢዩ ዝርከብ: ይትንክፈና ኸኣ ኢዩ። (ኤፌሶን 2:1, 2) ስለዚ እምበአር ናይ ምምስጋን ባህሪ ከነማዕብል ኣሎና። ከመይ ገይርና ኢና ግን ከነማዕብሎ እንኽእል፧
ምስትንታን ግድን ኣድላዪ ኢዩ!
ወብስተርስ ሰርድ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ንምስጋና ከም “መማሰዊ ናይ ምዃን ባህሪ:- ንሓደ ሰብ ነቲ እተገብረሉ ሰናይ ንኽመልስ ዘተባብዖ ናብቲ ገባር ሰናይ ዘንጸባርቖ ልባውን ምሕዝነታውን ስምዒት” ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጾ። ስምዒት ከም ማሽን ዝውላዕን ዝጠፍእን ኣይኰነን፣ ካብ ውሽጢ ሰብ ብባህርያዊ መገዲ ክምንጭ ይግብኦ። ምስጋና ንቡር ቅጥዒ ካብ ምንጽብራቕ ንላዕሊ ኢዩ፣ ካብ ልቢ ኢዩ ዝምንጭ።
ኣብ ልብና ናይ ምምስጋን ስምዒት ንኸነሕድር ክንለማመድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንመብዛሕትኡ ዝስምዓና ነገራት ምስቲ ኣብ ኣተሓሳስባ እንገብሮ ምርጫ ኢዩ ዘተሓሕዞ። (ኤፌሶን 4:22-24) ናይ ምምስጋን ስምዒት ንኸነሕድር እንገብሮ ምልምማድ: ነቲ እተቐበልናዮ ሕያውነት እናኣማሰና ብምስትንታን ኢዩ ዝጅምር። ኣብ ናይ ኣእምሮ ሕክምና ዝሰርሕ ዶ/ር ወይን ዳብሊው. ዳየር: ምስዚ ብምትሕሓዝ “ብመጀመርታ ሓሳብ ከይሓሰብካ ስምዒት ዝበሃል ነገር ከተሕድር ኣይትኽእልን ኢኻ” በለ።
ንኣብነት: ብዛዕባ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ናይ ምምሳው ባህሪ ንውሰድ። ኣብ ሓደ ደበና ዘይብሉ ለይቲ ናብቲ ብኸዋኽብቲ እተሸፈነ ሰማይ ገጽካ ምስ እትጥምት ብዛዕባ እቲ እትርእዮ ዘሎኻ ከመይ ይስምዓካ፧ ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ እተሰምዖ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” ኣብቲ ህድኣት ዝሰፈኖ ለይቲ ከዋኽብቲ ንዳዊት ተዛረብዎ: ከምዚ ኢሉ ንኽጽሕፍ ድማ ደረኽዎ:- “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።” እቶም ብኸዋኽብቲ ዘጌጹ ሰማያት ንዳዊት ኣዕሚቘም ዝተንከፍዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ ንሱ ባዕሉ “ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን: ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” ብምባል ይምልስ።—መዝሙር 8:3, 4፣ 19:1፣ 143:5
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት እውን ብዛዕባ ናይ ፍጥረት መስተንክር ነገራት ምሕሳብ ዝህቦ ጥቕሚ ተገንዚብዎ ኢዩ። ንኣብነት: ዝናም ዝሓዘ ደበና ንምድርና ንምሕዳስ ዘለዎ ግደ ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ: ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን። ወሓይዝ ናብቲ ዚኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።” (መክብብ 1:7) ስለዚ እምበኣር ዝናምን ወሓይዝን ንምድሪ ምስ ኣሐደስዋ: እቲ ማያቶም ካብ ውቅያኖሳት ናብ ደበና እንደገና ካልእ ዑደት ይገብር። እዚ ናይ ማይ ምጽራይን ተደጋጋሚ ዑደትን እንተዘይህሉስ እዛ ምድሪ እዚኣ ከመይ ኰን ምመሰለት ነይራ፧ ሰሎሞን በዚ ሓሳባት እዚ ከስተንትን ከሎስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ናይ ምምስጋን ስምዒት ኣሕዲሩ ክኸውን ዝኽእል!
ሓደ መመስገኒ ሰብ ነቲ ምስ ኣባላት ስድራቤቱ: ኣዕሩኹ: ከምኡውን ምስ ዝፈልጦም ሰባት ዘለዎ ርክብ እውን ኣርዚኑ ኢዩ ዝርእዮ። እቲ ናይ ሕያውነት ተግባራቶም ንኣቓልብኡ ይማርኾ ኢዩ። ነቲ ሰናይ ተግባራቶም እናኣማሰወ ብዘስተንተነሉ መጠን: ብልቡ መመስገኒ ይኸውን።
ምስጋና ምግላጽ
“አመስግነካ” እትብል ቃልሲ ክንደይ ቀላል ኰን ኢያ! ነዛ ቓል እዚኣ ምውሳእ ኣዝዩ ቐሊል ኢዩ። ንኸተውስኣ ዘሎካ ኣጋጣሚታት ድማ ብዙሕ ኢዩ። ንሓደ ማዕጾ ዝኸፈተልና ወይ ድማ ንዘውደቕናዮ ነገር ዘልዓለልና ሰብ ብምውቕ ስምዒትን ካብ ልብን አመስግነካ ክንብሎስ ክንደይ መንፈስ ዘሕድስ ኰን እዩ! ሓደ ናይ መኽዘን ጸሓፋይ ወይ ከኣ ሓንቲ ናይ ቤት መግቢ ሰራሕተኛ ወይ ጶስጣ ዘበጻጽሕ ሰብ: እዚ ቓላት እዚ ክሰምዑ ከለዉ ንስርሖም ቀሊል ይገብረሎም ዝያዳ ክብሪ ድማ ይውስኸሎም።
ንእተገብረልካ ሕያውነት ምስጋናኻ ንምግላጽ ምቹእ መገዲ ናይ ምስጋና ቃላት ዝሓዘ ፓስት ካርድ ምልኣኽ ኢዩ። ኣብ ድኳናት ዝርከቡ መብዛሕትኦም ካርድታት ንስምዒት ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎ። እንተዀነ ግን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጽሕፈት ኢድ ገይርካ ናይ ሞሳ ቓላት ክትሕውስሲ ብሕታዊ መግለጺ ፍቕሪዶ ኸይኰነ፧ አረ ገሊኣቶምሲ ኣብ ክንዲ ጽሑፍ ዝሓዘ ካርድ: ሕጽር ዝበለ ደብዳበ ክልእኹ ኢዮም ዝመርጹ።—ምስ ምሳሌ 25:11 ኣረኣእዮ።
እቶም ብዝያዳ ምስጋናና ዘድልዮም ሰባት እቶም ኣብ ቤት ምሳና ዘለዉ ሰባት ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ወሓለ ሰበይቲ “ሰብኣያ . . . ይንእዳ” ይብለና። (ምሳሌ 31:28) ሓደ በዓል ቤት ንሰበይቱ ዘርእዮ ልባዊ ናይ ምስጋና መግለጺታት: ኣብ ቤት ናይ ሰላምን ዕግበትን ሃዋሁ ንኽሰፍን ዝሕግዝዶ ኣይኰነን፧ እቲ በዓል ቤትከ ናብ ቤት ማለት ናብታ ምዉቕን ሞሳ ዝገጽልን ሰላምታ እተቕርበሉ ሰበይቱ ክመጽእ ኣየሐጕሶንዶ፧ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ ሓዳር ዝመጽእ ጸቕጥታት ብዙሕ ኢዩ: ጸቕጥታት ክደራረብ ከሎ ኸኣ: ህድኣት ቀልጢፉ ኢዩ ዝበንን። ናይ ምምስጋን ባህሪ ዘለዎ ሰብ ሰላም ንምፍጣር ድሉው ኢዩ: ንኽሓድግን ይቕረ ንኽብልን ከኣ ቅልጡፍ ኢዩ።
መንእሰያትውን ንወለዶም ልባዊ ሞሳ ንምግላጽ ንቑሓት ክዀኑ ኣለዎም። ልክዕ ኢዩ ወለዲ ፍጹማት ኣይኰኑን: ይኹን እምበር እዚ በቲ ዝገበሩልካ ነገራት ንኸይተመስግን ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ። ካብቲ እተወለድካሉ ግዜ ጀሚሮም ዘርኣዩኻ ፍቕርን ቈላሕታን ክዕደግ ኣይክኣልን ኢዩ። ፍልጠት ኣምላኽ ምሂሮምኻ እንተድኣ ኰይኖም ከኣ: መመስገኒ ንኽትከውን ተወሳኺ ምኽንያት ኣሎካ።
መዝሙር 127:3 “ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም” ትብል። ስለዚ እምበኣር ወለዲ ኣብ ክንዲ ብዘይረብሕ ነገራት እናተቛየቑ ንውሉዳቶም ኛኽ ዝብልዎም ንኽንእድዎም ኣጋጣሚታት ሃሰስ ክብሉ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ መንእሰያት ናይ ምምስጋን መንፈስ ንኸማዕብሉ ክሕግዝዎም ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ዘለዎም!—ምስ ምሳሌ 29:21 (NW ) ኣረኣእዮ።
ንኣምላኽ መማሰዊ ምዃን
የሆዋ ኣምላኽ ወሃቢ ናይ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ኢዩ። (ያእቆብ 1:17) ብፍላይ ዘገድስ ግን እቲ ውህበት ህይወት ኢዩ: ከመይሲ ዝዀነ ይኹን እንውንኖ ወይ ከኣ እንውጥኖ ነገራት ህይወትና እንተድኣ ኣጥፊእና ዋጋ የብሉን። ቅዱሳት ጽሑፋት “[የሆዋ ኣምላኽ] ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ምዃኑ ክንዝክር ኢዩ ዝላበወና። (መዝሙር 36:5, 7, 9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ንኣምላኽ ዘመስግን ልቢ ንምምዕባል ነቲ ንስጋውን መንፈሳውን ናብራና ዘዐንግል ለጋስ ምድላዋቱ ከነስተንትኖ የድልየና። (መዝሙር 1:1-3፣ 77:11, 12) ከምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ብቓላትን ብግብርን ሞሳ ክንገልጽ ክድርኸና ኢዩ።
ጸሎት ንኣምላኽ ምስጋናና እንገልጸሉ ፍሉጥ መገዲ ኢዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ” በለ። (መዝሙር 40:5) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ንኽንብል እንድረኽ ይግበረና።
ብዘይዝውን ዳዊት በቲ ንኻልኦት እተዛረቦም ቃላት ገይሩ ንኣምላኽ ሞሳኡ ክገልጸሉ ወሲኑ ነበረ። “ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ: ኵሉ ተኣምራትካ ኽነግር እየ” ድማ በለ። (መዝሙር 9:1) ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ: ነቲ ካብ ቃሉ ዝረኸብናዮ ሓቂ ንዓኣቶም ብምክፋል ሓሳባትና ክንገልጽ: ምናልባት ምስጋናና እነርእየሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ካልእ መዳያት ናይ ህይወት እውን ዝያዳ መመስገንቲ ንኽንከውን ክሕግዘና ኢዩ።
የሆዋ “መስዋእቲ ምስጋና ዚስውኣለይ የኽብረኒ: ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከአ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ” ይብል። ንዕኡ ልባዊ ምስጋና ብምግላጽ ዝመጽእ ሓጐስ እተስተማቕር ይግበርካ።—መዝሙር 50:23፣ 100:2
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ህይወት: ውህበት ኣምላኽ ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ መግለጺ ፍቕሪ ወስኽ