ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ብሓቂ ተማስወሉ ዲኻ፧
“ነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን።”—ሩት 1:9።
ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ጽዓር፦
ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመውስቦ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነይሮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንመጻምድቲ ብዚምልከት እንገብሮ ምርጫ ኸም ዚግደስ ብኸመይ ንፈልጥ፧
ኣብ ህይወትካ ነየናይ ንሓዳር ዚምልከት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክትትግብር ኢኻ ሓሲብካ ዘለኻ፧
1. ኣዳም ሰበይቲ ምስ ረኸበ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት ግለጽ።
“እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል።” (ዘፍ. 2:23) እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ሰበይቲ ብምርካቡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተሓጒሱ! ግጥሚ እንተ ገጠመላ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። የሆዋ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ከም ዚድቅስ ገበሮ፣ ድሕሪኡ፡ ካብ መሰንገሊኡ ሓንቲ ወሲዱ ጽብቕቲ ሰበይቲ ፈጠረ። ኣዳም ከኣ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ። በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ንኽልቲኦም ኣመራዓዎም። የሆዋ ንሄዋን ካብ መሰንገለ ኣዳም ወሲዱ ስለ ዝፈጠራ፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብቶም ሎሚ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ዚበልጽ ድልዱል ርክብ እዩ ነይርዎም።
2. ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ዚቀራረቡ ስለምንታይ እዮም፧
2 የሆዋ በቲ ብሉጽ ጥበቡ ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ ደቂ ሰብ፡ ፍቕሪ ኣንጻር ጾታ ኣንበረ፣ እዚ ፍቕሪ እዚ ኸኣ እዩ ንሰብኣይን ንሰበይትን ዜቀራርቦም። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “መውስቦ ዚገብሩ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙን ነባሪ ፍቕሪ ኺምስርቱን ተስፋ ይገብሩ እዮም” በለ። እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ይርአ እዩ።
ንውህበት መውስቦ ሞሳ ነበሮም
3. ይስሃቅ ሰበይቲ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧
3 እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣብርሃም፡ ንመውስቦ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብዕድመ ዝዓበየ ግዙኡ፡ ንይስሃቅ ሰበይቲ ምእንቲ ኼምጽኣሉ ናብ መሶጶታምያ ለኣኾ። እቲ ግዙእ ዘቕረቦ ጸሎት ከኣ፡ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ከመይሲ፡ እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበራ ርብቃ፡ ሰበይቲ ይስሃቅ ኰነት፣ የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም ንምዕቃብ ኣብ ዝገበሮ መሰናድዎ ኸኣ እጃማ ኣበርከተት። (ዘፍ. 22:18፣ 24:12-14, 67) ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ እውን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሱ፡ ከይተሓተተ ብርእሱ መማጽኢ ንኪኸውን ኪፍትን የብሉን። ከመይሲ፡ ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰባት ንመን ከም ዚምርዓዉ ባዕሎም እዮም ዚመርጹ። ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ ኣይመርጸሎምን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ክርስትያናት ኣብዚ ጕዳይ እዚ መምርሒ ምእንቲ ኺህቦምን ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺምርሑን ናብ የሆዋ እንተ ጸልዮም፡ ኣብ ጕዳይ መውስቦ ዀነ ኣብ ካልእ ጕዳያት ይመርሖም እዩ።—ገላ. 5:18, 25።
4, 5. እታ ሱላሚትን እቲ ጓሳን ፍሉይ ርክብ ከም ዝነበሮም ዘእመነካ እንታይ እዩ፧
4 እታ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እትነብር ዝነበረት ውቅብቲ ሱላሚት፡ ካልኦት ሰባት፡ ሓንቲ ኻብተን ብዙሓት ኣንስቲ ሰሎሞን ንኽትከውን ኪደፋፍእዋ ኣይደለየትን። “ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ኤምሕለክን አሎኹ” ድማ በለት። (መሃ. 8:4) እታ ሱላሚትን ሓደ ጓሳን፡ ኣብ መንጎኦም ፍሉይ ርክብ ነበሮም። ንሳ ድማ ብትሕትና፡ “ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹሻን እየ” በለት። እቲ ጓሳ ግና፡ “ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዅ ዝበቘለት ዕምባባ ሹሻን እያ” ኢሉ መለሰ። (መሃ. 2:1, 2) እወ፡ ብሓቂ እዮም ዚፋቐሩ ነይሮም።
5 እታ ሱላሚትን እቲ ጓሳን፡ ብቐንዱ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዝነበሮም፡ ርክቦም ኪድልድል ከኣለ። እታ ሱላሚት ነቲ እተፍቅሮ ጓሳ፡ “ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንኣታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም” በለቶ። (መሃ. 8:6, 7) ሓደ ኺምርዖ ዚደሊ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ካብ መጻምድቱ ኸምኡ ዓይነት ፍቕሪ ኺረክብ ደይኰነን ዚጽበ፧
ንኣምላኽ ዜገድሶ ምርጫ
6, 7. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንመጻምድቲ ብዚምልከት እንገብሮ ምርጫ ኸም ዚግደስ ብኸመይ ንፈልጥ፧
6 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንመጻምድቲ ብዚምልከት እንገብሮ ምርጫ ይግደስ እዩ። እስራኤላውያን ብዛዕባ ተቐማጦ ከነኣን፡ “ኣይትዋሰቦም፤ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳ. 7:3, 4) ዘመናት ጸኒሑ፡ እዝራ እቲ ኻህን፡ “ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም በደልኩም” በለ። (እዝ. 10:10) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ሰበይቲ እቲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ” በሎም።—1 ቈረ. 7:39።
7 ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየ ክርስትያን ምስ ዘይኣምን ሰብ እንተ ተመርዕዩ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ ዚጥሕስ። ብግዜ እዝራ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ‘ጓኖት ኣንስቲ ብምእታዎም በደሉ፣’ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ንመውስቦ ዚምልከት ንጹር ሓሳብ ኣትሒትካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። (እዝ. 10:10፣ 2 ቈረ. 6:14, 15) ምስ ዘይኣምን ሰብ ዚምርዖ ክርስትያን፡ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ብሓቂ ስለ ዘየማስወሉ፡ ኣብነት ኣይከውንን እዩ። ድሕሪ ጥምቀቱ ኸምኡ እንተ ገይሩ እሞ ኸኣ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሮ ፍሉይ መሰል ኪስእን ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ኣሕዚንናዮ ኽነስና፡ ‘የሆዋ፡ ደይመደይ ኢለ በዲለካ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ በጃኻ ባርኸኒ’ ኢልና ኽንጽሊ ርትዓዊ ኣይኰነን።
ሰማያዊ ኣቦና፡ እቲ ዝበለጸ ይፈልጥ
8. ንመውስቦ ብዚምልከት ንመምርሒታት ኣምላኽ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።
8 ንሓንቲ ማሽን ዝሰርሓ ሰብ፡ ብኸመይ ከም እትዓዪ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ብኸመይ ክትገጣጠም ከም እትኽእል ዚሕብር መምርሒ መጽሓፍ እውን ኬዳሉ ይኽእል እዩ። ነቲ መምርሒ ዕሽሽ ኢልና፡ ነታ ማሽን በቲ ንዓና ዝመሰለና መገዲ ኽንገጣጥማ እንተ ፈቲንናኸ፧ ምናልባት እንተ ሰርሐት እውን፡ ሓደገኛ ኽትከውን ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ፡ ሕጉስ መውስቦ ኽንምስርት እንተ ደሊና፡ ነቲ ኻብቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ዝመጸ መምርሒታት ክንስዕቦ ኣሎና።
9. የሆዋ፡ ጽምዋ ኸቢድ ምዃኑ ኸምኡውን ኣብ ሓዳር ኪርከብ ብዛዕባ ዚኽእል ሓጐስ ይፈልጥ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
9 የሆዋ ብዛዕባ ደቂ ሰብን ብዛዕባ መውስቦን ዘይፈልጦ ነገር የልቦን። ንደቂ ሰብ፡ ምእንቲ ‘ኺፋረዩን ኪባዝሑን’ ኢሉ፡ ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ድሌት ሂብዎም እዩ። (ዘፍ. 1:28) ጽምዋ ኸቢድ ምዃኑ ስለ ዚርዳእ ድማ፡ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ቕድሚ ምፍጣሩ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። (ዘፍ. 2:18) ብዛዕባ እቲ ኻብ ሓዳር ኪርከብ ዚከኣል ሓጐስ እውን ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እዩ።—ምሳሌ 5:15-18 ኣንብብ።
10. ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንጾታዊ ርክብ ብዚምልከት፡ እንታይ እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧
10 እቲ ሓጥእ ኣዳም ንደቂ ሰብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዘሕለፈሎም፡ ሎሚ ፍጹም ሓዳር የልቦን። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቓል ኣምላኽ እንተ ስዒቦምዎ፡ ሓዳሮም ኪሰምረሎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ጳውሎስ ዝገለጾ ኣብ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብ እስከ ንርአ። (1 ቈረንቶስ 7:1-5 ኣንብብ።) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንጾታዊ ርክብ፡ ውሉድ ኣብ ምውላድ ጥራይ ኪሓጽርዎ ኸም ዘለዎም ኣይገልጽን እዩ። ጾታዊ ርክብ ነቲ ሰብ ሓዳር ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት እውን የማልእ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዘይባህርያዊ ተግባራት ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን እዩ። ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ነዚ ኣገዳሲ ኽፋል ህይወቶም ብለውሃትን ብፍቕርን ኪፍጽምዎ ኣለዎም። ካብ ዝዀነ ይኹን ንየሆዋ ዜጕህዮ ተግባራት ከኣ ኪርሕቁ ኣለዎም።
11. ሩት ብመገዲ ኣምላኽ ብምምልላሳ እተባረኸት ብኸመይ እያ፧
11 ሓዳር ዜጕህን ዜሰልክን ዘይኰነስ፡ ዜሐጕስ ኪኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ናይ ሓደ ክርስትያን ቤት፡ ዕረፍትን ሰላምን ዝሰፈኖ ኪኸውን ኣለዎ። ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር፡ እታ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት ዝነበረት ናእምን እተን ኣንስቲ ደቃ ዝነበራ ዖርጳን ሩትን ካብ ሞኣብ ናብ ይሁዳ ኣብ ዚወስድ መገዲ ኺጓዓዛ ኸለዋ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ። ናእሚ ነተን ኣንስቲ ደቃ ናብ ህዝበን ኪምለሳ ተማሕጸነተን። እታ ሞኣባዊት ዝዀነት ሩት ግና፡ ምስ ናእሚ ጠበቐት፣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እምንቲ ዀነት፣ ‘ዓስባ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትጽግዖ ኢላ ዝመጸት የሆዋ ምሉእ ከም ዚኸውን’ ድማ መረጋገጺ ተዋህባ። (ሩት 1:9፣ 2:12) ሩት ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ተማስወሉ ስለ ዝነበረት፡ ሰበይቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኺ የሆዋ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ቦኣዝ ኰነት። ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ካብ ሞት ምስ ተንስአት፡ እኖሓጎ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀነት ከኣ ምስ ፈለጠት፡ ክትሕጐስ እያ። (ማቴ. 1:1, 5, 6፣ ሉቃ. 3:23, 32) ብመገዲ የሆዋ ስለ እተመላለሰት፡ ኣዝያ ተባረኸት።
ንዕዉት ሓዳር ዚኸውን ጽቡቕ ምኽሪ
12. ካበይ ኢና ንሓዳር ዚኸውን ጽቡቕ ምኽሪ ኽንረክብ እንኽእል፧
12 መስራቲ መውስቦ፡ ብዛዕባ ዕዉት ሓዳር እንታይ ክንፈልጥ ከም ዘሎና ይነግረና እዩ። ዋላ ሓደ ማዕሪኡ ዚፈልጥ ከኣ የለን። መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ቕኑዕ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ይኹን ምኽሪ ዚህብ ሰብ፡ ምኽሩ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:33) ብሱላት ክርስትያናት ንኸምዚ ዝበለ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ይርድእዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንቓል የሆዋ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ድዮም፧ ነቲ ውህበት የሆዋ ዝዀነ መውስቦ ዜማስዉሉ እንተ ዀይኖም፡ ከምኡ ይገብሩ እዮም።a
13. ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:7 ዚርከብ ምኽሪ ዘይምስዓብ እንታይ ሳዕቤን እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧
13 ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ብፍቕሪ ኺሕዛ ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 3:7) ሓደ ሰብኣይ ንምኽሪ የሆዋ ዘይትግብሮ እንተ ዀይኑ፡ ጸሎቱ ኺዕገት ይኽእል እዩ። መንፈሳዊ ዅነታት እቶም መጻምድቲ ኣመና ኺጕዳእ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ናብ ውጥረትን ቈየቛን ጭካነን ኪመርሕ ይኽእል እዩ።
14. ፈቃር ሰበይቲ ኣብ ህይወት ስድራ ቤታ እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዋ፧
14 ብቓል የሆዋን ብመንፈስ ቅዱሱን እትምራሕ ሰበይቲ፡ ቤታ ቕሳነትን ሓጐስን ዝመልኦ እዩ ዚኸውን። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ የፍቅራ፡ ብኣካላውን ብመንፈሳውን መዳይ ከኣ የዕቍባ እዩ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ብሰብኣያ ኽትፍቀር ትደልን ብእኡ ተፈቃሪት ክትከውን ትጽዕርን እያ። ምሳሌ 14:1፡ “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ” ትብል። ስለዚ፡ ለባምን ፈቃርን ሰበይቲ፡ ስድራ ቤታ ዕዉትትን ሕጉስትን ከም እትኸውን ኣብ ምግባር ዓብዪ እጃም ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ብሓቂ ኸም እተማስወሉ ተርኢ እያ።
15. ኣብ ኤፌሶን 5:22-25 እንታይ ምኽሪ እዩ ዚርከብ፧
15 ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓዘሉ መገዲ ዚቐድሕዎ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ኸም ዜኽብርዎ የርእዩ እዮም። (ኤፌሶን 5:22-25 ኣንብብ።) ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ምስ ዚፋቐሩን ካብ ትዕቢትን ኵራን ከምኡውን ካብ ካልእ ንሓዳሮም ንፋስ ኬእትወሉ ዚኽእል ዘይክርስትያናዊ ባህርያት ምስ ዚርሕቁን፡ ይባረኹ እዮም።
ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮም
16. ገሊኦም ክርስትያናት ንጽል ኰይኖም ዚነብሩ ስለምንታይ እዮም፧
16 ብዙሓት ሰባት ውዒሎም ሓዲሮም ይምርዓዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ግና፡ ዚዀኖም ሰብ ኪረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ንጽል ኰይኖም ይነብሩ እዮም። ንጽል ኪዀኑ ኸም ውህበት እተዋህቦም እውን ኣለዉ፣ እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም፡ ሓዳር ካብ ዜምጽኦ ዕንቅፋታት ሓራ ዀይኖም ንየሆዋ የገልግልዎ እዮም። ሓቂ እዩ፡ ንጽል ብምዃን ሓጐስ ኪርከብ ዚኽእል፡ ንፍቓድ የሆዋ እናሓለኻ ኽትነብር ከለኻ ጥራይ እዩ።—ማቴ. 19:10-12፣ 1 ቈረ. 7:1, 6, 7, 17።
17. (ሀ) ነየናይ የሱስ ብዛዕባ መውስቦ እተዛረቦ ቓላት ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ንናይ ካልእ ሰብ መጻምድቲ ኺምነ እንተ ጀሚሩ፡ ውዓል ሕደር ከይበለ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧
17 ንጽል ንኹን እተመርዓና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ነቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት የሱስ ከነቕልበሉ ኣሎና፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ [ኣምላኽ]፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።” (ማቴ. 19:4-6) ንናይ ካልእ ሰብ መጻምድቲ ምምናይ፡ ሓጢኣት እዩ። (ዘዳ. 5:21) ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ኬሕድር እንተ ጀሚሩ፡ ዋላ እውን ከቢድ ስምዒታዊ ስቓይ የጋጥሞ፡ ንኸምዚ ዝበለ ርኹስ ባህጊ ንምውጋድ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ። (ማቴ. 5:27-30) ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኽንእርሞን ንሓጥእ ትምኒት እቲ ጐራሕ ልብና ኽንቈጻጸሮን ኣሎና።—ኤር. 17:9።
18. ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ብኸመይ ክንርእዮ ዚግባእ ይመስለካ፧
18 ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ውህበቱ ዝዀነ መውስቦን ብዙሕ ዘይፈልጡ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ንሓዳር ብእተወሰነ ደረጃ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም። ንሕና ግዳ ርእስና ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዝወፈና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብመሰናድዎታቱ ኸም እንሕጐስን ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ኸም እነማስወሉን ከነርኢ ዘሎና!—1 ጢሞ. 1:11፡ NW።
[እግረ-ጽሑፍ]
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ጽቡቕ ሓዳር ንየሆዋ የኽብሮን ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ኣዝዩ የሐጕሶምን እዩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ሩት ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መውስቦ ኸም እተማስወሉ ኣርኣየት
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ውህበት የሆዋ ዝዀነ መውስቦ ኸም እተማስወሉ ተርኢ ዲኻ፧