መሃልየ መሃልይ
8 “ኣየ ኸምቲ ኣጥባት ኣደይ ዝጠበወ
ሓወይ እንተ ትኸውን!
ሽዑ፡ ኣብ ወጻኢ እንተ ዝረኽበካ፡ ምሰዓምኩኻ፣+
ዋላ ሓደ እውን ኣይምነዓቐንን።
እተቐምመ ወይኒ፡
ጽማቝ ሮማን መስተኹኻ።
3 ጸጋመይቲ ኢዱ መተርኣሰትኒ፣
የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ምሓቘፈትኒ።+
4 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦
ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+
5 “እዛ ኣብ ፍቱዋ ተመርኲሳ
ኻብ በረኻ እትመጽእ ዘላ መን እያ፧”
“ኣብ ትሕቲ ኦም ቱፋሕ ኣንቃሕኩኻ።
ኣብኡ ኣዴኻ ቕልውላው ሓዛ።
ኣብኡ ብጻዕሪ ወለደትካ።
6 ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡
ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።
ሃልሃልታኣ ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ* እዩ።+
ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዜቕርብ፡
እዚ* ብጥራስ ምተናዕቀ።”
8 “ጡብ ዘየውጽአት
ንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና።+
በታ ብዛዕባኣ ዚዝረበላ መዓልቲ
ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና፧”
9 “መንደቕ እንተ ዀይና፡
ኣብ ልዕሊኣ መጋረዲ ብሩር ክንሰርሕ ኢና፣
ማዕጾ እንተ ዀይና ግና፡
ብኣልዋሕ ቄድሮስ ክንዓጽዋ ኢና።”
10 “ኣነስ መንደቕ እየ፣
ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን።
ስለዚ፡ ኣብ ኣዒንቱ፡
ሰላም ከም ዝረኸበት ኰንኩ።
11 ሰሎሞን ኣብ በዓል-ሃሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።+
ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ንሓለውቲ ብሕድሪ ሃቦ።
ነፍሲ ወከፎም ኣብ ክንዲ ፍሪኡ ሽሕ ብሩር የምጽኡ ነበሩ።
12 እታ ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እያ።
ኦ ሰሎሞን፡ ሽሕ ብሩርሲ* ናትካ፡
ክልተ ሚእቲ ድማ ናይቶም ፍሪኡ ዚሕልዉ እዩ።”
13 “ኣቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ እትቕመጢ፡+
እቶም ብጾትሲ ንድምጽኺ ጽን ይብሉ እዮም።
ንዓይ ግዳ ኣስምዕኒ!”+