ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 23 ኢሳይያስ
ጸሓፊ:- ኢሳይያስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- የሩሳሌም
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ድሕሪ 732 ቅ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- ከባቢ 778–ድሕሪ 732 ቅ.ክ.
እቲ ጭካነ ዝመልኦ ንጉሳዊ ምምሕዳር ኣሶራውያን: ኣብ ልዕሊ ሃጸያዊ ግዝኣታትን ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበራ ንኣሽቱ መንግስትታትን ብዜስግእ ኵነታት ኣንጸላልዩ ነበረ። ኣብ ምሉእ እቲ ኸባቢ ኣህዛብ ይመሓሓሉን ኪዳን ይተኣታተዉን ነበሩ። (ኢሳ. 8:9-13) እታ ብሸነኽ ሰሜን ዝነበረት ከሓዲት እስራኤል: በዚ ኣህጕራዊ ሕንፍሽፍሽ ክትንከፍ ከላ: እቶም ብሸነኽ ደቡብ ዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ ግን ኣብ ሰንኮፍ ኰይኖም ይገዝኡ ነበሩ። (2 ነገ. ምዕ. 15-21) ሓደስቲ ኣጽዋር ውግእ ይስራሕን ኣብ መዓላ ይውዕልን ስለ ዝነበረ ድማ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ራዕዲ ኸም ዚጋደድ ገበሮ። (2 ዜና 26:14, 15) ሰባት ካብ መን እዮም ዕቝባን ድሕነትን ኪረኽቡ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ሽሕኳ እቶም ኣብታ ንእሽቶ መንግስቲ ይሁዳ ዝነበሩ ህዝብን ካህናትን ንስም የሆዋ ብኸናፍሮም ይጽውዕዎ እንተ ነበሩ: ልቦም ግን ናብ ካልእ ኣንፈት: ማለት መጀመርታ ናብ ኣሶር ጸኒሑ ኸኣ ናብ ግብጺ ዘንቢሉ ነበረ። (2 ነገ. 16:7፣ 18:21) ኣብ ሓይሊ የሆዋ ዝነበሮም እምነት እናተዳኸመ እዩ ኸይዱ። ብቕሉዕ ኣምልኾ ጣኦት ይገብሩ እኳ እንተ ዘይነበሩ: ኣምልኾኦም ኣብቲ ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይኰነስ: ኣብ ግዳማዊ ትርኢት እተመስረተ ብምንባሩ ናይ ግብዝና እዩ ነይሩ።
2 ንየሆዋ ደኣ እሞ መን እዩ ኺጣበቐሉ፧ ነቲ ንምድሓን ዘለዎ ሓይሊ መን እዩ ኺእውጀሉ፧ ብኡንብኡ “እኔኹ ልአኸኒ” ዚብል ምላሽ መጾ። እቲ ተዛራባይ: እቲ ኣቐዲሙ ዚንበ ዝነበረ ኢሳይያስ እዩ። እቲ ለምጻም ንጉስ ኡዝያ ብ778 ቅ.ክ. ኣቢሉ ዝሞተሉ ዓመት እዩ። (ኢሳይያስ 6:1, 8) ስም ኢሳይያስ “ምድሓን የሆዋ” ማለት ኪኸውን ከሎ: ምስቲ የሱስ ዚብል ስም ዘለዎ ትርጕም ከነነጻጽሮ ኸለና: “የሆዋ መድሓኒ እዩ” ብዚብል ቃላት ብግምጥልሽ ዚጸሓፍ እኳ እንተዀነ: ትርጕሙ ሕደ እዩ። ትንቢት ኢሳይያስ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ነዚ ሓቂ እዚ: ማለት የሆዋ መድሓኒ ምዃኑ እያ እተረጋግጸልና።
3 ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ እዩ (እዚ ኣሞጽ እዚ እቲ ኣብ ይሁዳ ነብዪ ዝነበረ ኣሞጽ ግን ኣይኰነን)። (1:1) ብናይ ኣይሁድ ኣፈ-ታሪኽ ከም እተመገዘ ዚዝረበሉ እኳ እንተዀነ: ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ብዛዕባ ውልደቱን ሞቱን ኣይጠቅስን እዩ። (ምስ እብራውያን 11:37 ኣረኣእዮ።) ጽሑፋቱ ምስታ ነብዪት ዝነበረት ሰበይቱን እንተ ወሓደ ኸኣ ምስቶም ትንቢታዊ ትርጕም ዝሓዘ ስማት እተዋህቦም ክልተ ደቁን ኰይኑ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ከም ዝነበረ ይሕብር። (ኢሳ. 7:3፣ 8:1, 3) ብውሕዱ ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ—ኡዝያ: ዮታም: ኣሃዝ: ህዝቅያስ—ኣብ ዝነብርሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ዜገልግል ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢ 778 ቅ.ክ. (ኡዝያ ዝሞተሉ እዋን: ወይ ኣቐድም ኣቢሉ) ጀሚሩ እንተ ወሓደ ኽሳዕ ድሕሪ 732 ቅ.ክ. (መበል 14 ዓመት ግዝኣት ህዝቅያስ): ወይ ከኣ ካብ 46 ዓመት ንዘይውሕድ ግዜ ዝቐጸለ እዩ። ንትንቢቱ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ ኸኣ በዚ ዳሕረዋይ ዓመት እዚ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (1:1፣ 6:1፣ 36:1) ካልኦት ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ነብያት ድማ ኣብ ይሁዳ ሚክያስ: ብሸነኽ ሰሜን ከኣ ሆሴእን ዖዴድን እዮም።—ሚክ. 1:1፣ ሆሴ. 1:1፣ 2 ዜና 28:6-9
4 የሆዋ ንኢሳይያስ ነቲ ትንቢታዊ ፍርድታት ንኺጽሕፍ ከም ዝኣዘዞ ኣብ ኢሳይያስ 30:8 ንረኽቦ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “እምበኣርሲ ኺድ እሞ: ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሐንጽጾ: ንዚመጽእ ጊዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ኪነብርሲ: ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ።” እቶም ጥንታዎት መምህራን ኣይሁድ: ንኢሳይያስ ከም ጸሓፊ እታ መጽሓፍ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም: ኣብተን መጻሕፍቲ እቶም ዓበይቲ ነብያት (ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ህዝቅኤል) ከኣ ቀዳማይቲ መጽሓፍ ገይሮም ሰሪዖምዋ እዮም።
5 ገሊኣቶም እታ መጽሓፍ ካብ ምዕራፍ 40 ንነጀው ኣጸሓሕፋኣ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ: ካልእ ሰብ ከም ዝጸሓፋ ወይ “ካልኣይ ኢሳይያስ” ከም ዝዀነት ዜመልክት እዩ ዚብሉ እኳ እንተዀኑ: እዚ ለውጢ እዚ ኺህሉ ዝኸኣለ ግን እቲ ርእሰ-ጕዳይ እተፈልየ ብምዃኑ እዩ። ኢሳይያስ: ነዛ ብስሙ ተሰምያ ዘላ መጽሓፍ ብምልእታ ንሱ ኸም ዝጸሓፋ ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ንኣብነት: ሓድነት እታ መጽሓፍ በቲ “ናይ እስራኤል ቅዱስ” ዚብላ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። እዘን ቃላት እዚኣተን ካብ 1 ክሳዕ 39 ኣብ ዘሎ ምዕራፋት 12 ግዜ: ካብ ምዕራፍ 40 ኽሳዕ ምዕራፍ 66 ከኣ 13 ግዜ: ብጠቕላላ 25 ግዜ ተጠቒሰን ኣለዋ። ኣብ ምሉእ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ግን 6 ግዜ ጥራይ እየን ተጠቒሰን ዘለዋ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ካብ ኵሉ ኽፍልታት እታ መጽሓፍ ብምጥቃስን ኢሳይያስ ከም ዝጸሓፎ ብምሕባርን ንሓድነት እታ መጽሓፍ ኣረጋጊጹ ኣሎ።—ሮሜ 10:16, 20፣ 15:12 ምስ ኢሳይያስ 53:1፣ 65:1፣ 11:1 ኣረኣእዮ።
6 ካብ 1947 ንነጀው ኣብቲ ጥቓ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ምዉት ባሕሪ ዚርከብ ኪርበት ቁምራን ዚበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ በዓትታት ገለ ናይ ጥንቲ ጽሑፋት ምርካቡ ዜገርም እዩ። እዚ ኸኣ ትንቢት ኢሳይያስ እውን ዚርከቦ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ እዩ። እዚ በቲ ቕድሚ ማሶራውያን ዝነበረ ብግቡእ እተዓቀበ ቛንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ ኪኸውን ከሎ: ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ቅ.ክ. እተረኽበ ብምዃኑ ገለ 2000 ዓመት ዚኸውን ዕድመ ኣለዎ። ነቲ ኣብዚ ግዜና ንዘሎ ትርጕማት ቅዱሳት ጽሑፋት መሰረቱ ዝዀነ ኽሳዕ ሕጂ ተዓቂቡ ዘሎ ናይ ጥንቲ ኢደ-ጽሑፍ ማሶራውያን ብሓደ ሽሕ ዓመት ዚቕድሞ እዩ። ካብቲ ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ዚፍለ ብሓድሓደ ንኣሽቱ ናይ ፊደላትን ናይ ስዋሱዋዊ ኣቃውማን እንተ ዘይኰይኑ: ብሰረተ-ትምህርቲ ዝመጸ ፍልልይ የብሉን። እዚ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ኣብ ፈለማ ብመሪሕነት መንፈስ እተዳለወ መልእኽቲ ኢሳይያስ ሒዙ ምህላዉ እምበኣር ዜእምን መርትዖ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እዚ ናይ ጥንቲ ጽሑፋት እዚ: ነቲ ሓያስያን ክልተ “ኢሳይያሳት” ከም ዘለዉ: ገይሮም ዚዛረቡሉ ሓሳብ ግጉይ ምዃኑ መረጋገጺ ዚህብ እዩ። ከመይሲ: ናይ ምዕራፍ 40 መእተዊ ምልእቲ ሓሳባት ካብቲ ምዕራፍ 39 እተዛዘመትሉ ዓምዲ ብምጅማር ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ዓምዲ እያ እትውድእ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ዚቐድሕ ሰብ: ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ጸሓፊ ኸም እተቐየረ ወይ እታ መጽሓፍ ከም እተኸፍለት ዚሕብር ምንም ነገር ከም ዘየስተብሃለ ንጹር እዩ።a
7 ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎና። እቶም ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ክርስትያናት ንሙሴ ገዲፍካ ኸም ኢሳይያስ ገይሮም ብብዝሒ ዚጠቐስዎ ኻልእ ነብዪ የለን። ኣብ ርእሲ እዚውን ንሓቅነቱ ዚሕብር ታሪኻውን ስነ-ጥንታውን መርትዖታት ኣሎና። ንኣብነት: ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ከም ዝኸበባ ዚገልጽ ባዕሉ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ዝሓዘ ሽዱሽተ ዅርናዓት ዘለዎ ፕሪዝም ዚርከቦ ብዛዕባ ነገስታት ኣሶር ዚገልጽ ታሪኻዊ መዛግብቲ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ።b (ኢሳ. ምዕ. 36, 37) ፍርስራስ እታ ቕድም ባቢሎን ዝነበረት ሃገር እንተዀነ እውን: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 13:17-22 ዘሎ ቓላት ፍጻሜኡ ኸም ዝረኸበ ይሕብር።c ኵሎም እቶም ብንጉስ ቂሮስ ካብ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣሽሓት ኣይሁድ ህያው ምስክር እዮም። ኢሳይያስ ነዚ ንጉስ እዚ ዳርጋ 200 ዓመት ኣቐዲሙ በቲ ቂሮስ ዚብል ስሙ ረቚሕዎ እዩ። ቂሮስ ንተረፍ ኣይሁድ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ: ከምኡ ንኺገብር ብየሆዋ ኸም እተመዘዘ ገይሩ ስለ እተዛረበ: ገሊኣቶም ነዚ ትንቢታዊ ጽሑፍ እዚ ኣርእዮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም።—ኢሳ. 44:28፣ 45:1፣ እዝ. 1:1-3
8 ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጕሉሕ ቦታ ዘለዎ ኸኣ መሲሓዊ ትንቢታት እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ህይወት የሱስ እተፈጸመ ኣዝዩ ብዙሕ ትንቢታት ስለ እተነበየ: “እቲ ወንጌላዊ ነብዪ” ተባሂሉ እዩ። እታ ንነዊሕ እዋን ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝቢ ኣይሁድ እውን ብሓፈሻ “ምስጢራዊት ምዕራፍ” ዝነበረት ምዕራፍ 53: ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ዝወረዶ መከራ ልክዕ ከም ሓደ ብናይ ዓይኒ ምስክር እተጻሕፈ ጸብጻብ ኣነጺራ እያ ተነብያ። እቲ ትንቢታዊ ፍጻመ እዛ ጕልሕቲ ምዕራፍ እዚኣ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ በዚ ዚስዕብ ምንጽጻር ተመዝጊቡ ኣሎ:- ቍ. 1—ዮሃንስ 12:37, 38፣ ቍ. 2—ዮሃንስ 19:5-7፣ ቍ. 3—ማርቆስ 9:12፣ ቍ. 4—ማቴዎስ 8:16, 17፣ ቍ. 5—1 ጴጥሮስ 2:24፣ ቍ. 6—1 ጴጥሮስ 2:25፣ ቍ. 7—ግብሪ ሃዋርያት 8:32, 35፣ ቍ. 8—ግብሪ ሃዋርያት 8:33፣ ቍ. 9—ማቴዎስ 27:57-60፣ ቍ. 10—እብራውያን 7:27፣ ቍ. 11—ሮሜ 5:18፣ ቍ. 12—ሉቃስ 22:37። ምንጪ እዚ ብልክዕ እተፈጸመ ትንቢት እዚ ኻብ ኣምላኽ ሓሊፉ እሞ መን እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
34 ብዅሉ ዅርናዓት ክትርአ ኸላ: እታ ትንቢታዊት መጽሓፍ ኢሳይያስ ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተዋህበትና መጽሓፍ እያ። ነቲ ዝለዓለ ሓሳባት ኣምላኽ እተብርህ እያ። (ኢሳ. 55:8-11) ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዚምህሩ ህዝባዊ መደረ ዚህቡ ተዛረብቲ: ንመጽሓፍ ኢሳይያስ ልክዕ ከምቲ ናይ የሱስ ምሳሌታት ነጥቢ ዚወቅዕን ሓይሊ ዘለዎን ንጹር ምሳሌታት ዝሓዘት ቤት መዝገብ ገይሮም ብምርኣይ ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም። ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ንሓደ ኦም ቈሪጹ ሓዊ ንምንዳድን ንዜምልኾ ጣኦትን ዚጥቀመሉ ዓሻ ሰብኣይ ሓይሊ ብዘለዎ ዚትንክፍ ምሳሌ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ኣብ ከሳፍሓሉ ዘይክእል ሓጺር ዓራትን ኪጕልበበሉ ዘይክእል ጸቢብ መደረብታን ዝደቀሰ ሰብኣይ ዝነበሮ ዘይምሹእ ኵነታት ከም ዚስምዓና: ከምኡውን ነቲ ኸቢድ ድቃስ እቶም ከም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት ዝዀኑ ነብያት ከም እነስተብህለሉ ገይሩ ኣሎ። ከምቲ ኢሳይያስ እተላበወና ‘ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ንደልን እነንብብን’ እንተደኣ ዄንና: ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ግዜና እተዛረቦ ሓያል መልእኽቲ ኸነማስወሉ ኢና።—44:14-20፣ 28:20፣ 56:10-12፣ 34:16
35 እቲ ትንቢት ብፍላይ ኣብታ ብመሲህ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜተኵር። የሆዋ እቲ ዝለዓለ ንጉስ እዩ: ንሱ ኸኣ እዩ ዜድሕነና። (33:22) እቲ መሲህከ፧ እቲ ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ እቲ ዚውለድ ቈልዓ ንማርያም ዝነገራ መልእኽቲ: እቲ ዝፋን ዳዊት ኪቕበል ምዃኑ ኣብ ኢሳይያስ 9:6, 7 እተነግረ ትንቢት ከም ዚፍጸም: “ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን” ብምባል ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 1:32, 33) ማቴዎስ 1:22, 23 እቲ “ኣማኑኤል” ዚብል ስም እተዋህቦ የሱስ ካብ ድንግል ማርያም ምላዱ: ናይ ኢሳይያስ 7:14 ፍጻመ ምዃኑ ሓቢራ ኣላ። 30 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ጸኒሑ ኸኣ: ዮሃንስ መጥምቕ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ። ኣርባዕቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል ንኢሳይያስ 40:3 ብምጥቃስ እዚ ዮሃንስ እዚ እቲ ‘ኣብ በረኻ ዚእውጅ ኣዋጂ’ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም። (ማቴ. 3:1-3፣ ማር. 1:2-4፣ ሉቃ. 3:3-6፣ ዮሃ. 1:23) የሱስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ነህዛብ ንኺገዝእ መሲህ—ቅቡእ የሆዋ: ጨንፈር ወይ ሱር እሰይ—ኰነ። ብመሰረት ኢሳይያስ 11:1, 10 ድማ ኣህዛብ ብእኡ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።—ሮሜ 15:8, 12
36 ኢሳይያስ: እቲ መሲሕ መን ምዃኑ ንምሕባር ብቐጻሊ እተነበዮ ትንቢት እሞ ኣስተብህለሉ። የሱስ ብዛዕባ እቲ እተመዘዘሉ ዕዮ ኻብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ብምንባብ ቅቡእ የሆዋ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ: ድሕሪኡ ኸኣ ‘ንኻልኦት ዓድታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን’ ተበገሰ። “ስለዚ እየ እተለአኽኩ” ብምባል ድማ እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ገሊጹልና ኣሎ። (ሉቃ. 4:17-19, 43፣ ኢሳ. 61:1, 2) እቲ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻብ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ብትንቢት እተነግረ: ብዛዕባ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስን ኣማውታኡን ብዙሕ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ። እቶም ኣይሁድ ሽሕኳ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ሰምዕዎ: ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ዜደንቕ ግብርታት እውን እንተ ረኣይዎ: ብምኽንያት እቲ ዘይኣምን ልቦም ትርጕሙ ኣይተረድእዎን። እዚ ኸኣ ፍጻመ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 6:9, 10፣ 29:13፣ ከምኡውን 53:1 እተነግረ ትንቢት እዩ። (ማቴ. 13:14, 15፣ ዮሃ. 12:38-40፣ ግብ. 28:24-27፣ ሮሜ 10:16፣ ማቴ. 15:7-9፣ ማር. 7:6, 7) የሱስ ንዓታቶም እምኒ መዓንቀፊ እኳ እንተ ነበረ: እቲ የሆዋ ኣብ ጽዮን ኣንቢሩ ኣብ ልዕሊኡ መንፈሳዊ ቤቱ ዝሃነጸሉ እምኒ መኣዝን ኰነ። እዚ ድማ ፍጻመ እቲ ኢሳይያስ 8:14 ኸምኡውን 28:16 ዚርከብ ትንቢት እዩ።—ሉቃ. 20:17፣ ሮሜ 9:32, 33፣ 10:11፣ 1 ጴጥ. 2:4-10
37 ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ንትንቢት ኢሳይያስ ወትሩ ምስ ኣገልግሎት ብምትሕሓዝ ጽቡቕ ገይሮም ይጥቀሙላ ነበሩ። ንኣብነት: ጳውሎስ እምነት ንምህናጽ ሰበኽቲ ኸም ዜድልዩ ኺሕብር ከሎ ኻብ ኢሳይያስ ጠቒሱ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ” በለ። (ሮሜ 10:15፣ ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 10:11, 16, 20, 21) ጴጥሮስ እውን እቲ ብስራት ነባሪ ምዃኑ ንምሕባር ካብ ኢሳይያስ ጠቒሱ ኸምዚ በለ:- “ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ: ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ: እቲ ዕምባባውን ይረግፍ: ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።”—1 ጴጥ. 1:24, 25፣ ኢሳ. 40:6-8
38 ኢሳይያስ ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ባህ ብዜብል መገዲ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እንሆ: ‘ንጉስ ብጽድቂ ዚነግሰሉ: መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ዚገዝኡሉ’ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ይመጽእ ኣሎ። እዝስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስን ባህ ዜብልን ተስፋ ዀን እዩ! (32:1, 2፣ 65:17, 18) ጴጥሮስ እውን ነዚ ዜሐጕስ መልእኽቲ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ደጊሙ ጠቒስዎ ኣሎ:- “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ዜደንቕ ናይታ መንግስቲ ፍረ ነገር ኣብ መደምደምታ ምዕራፋት ራእይ ዮሃንስ እውን ኣጸቢቑ ባህ ብዜብል መገዲ ተገሊጹ ዘሎ።—ኢሳ. 66:22, 23፣ 25:8፣ ራእ. 21:1-5
39 በዚ ኸምዚ እምበኣር: መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዛዕባ ጸላእቲ የሆዋን ብዛዕባ እቶም ብግብዝና ኣገልገልትኻ ኢና ዚብልዎ ሰባትን ኣዝዩ ኸቢድ ኵነኔታት ዝሓዘት እኳ እንተ ዀነት: ነቲ እቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ዚቕደሰሉ ናይ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ተስፋ እውን ብዜሐጕስ መገዲ ትገልጽ እያ። እወ: ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓቅታት መንግስቲ የሆዋ ንምግላጽን: “ብምድሓኑ” እናተሓጐስና ንኽንጽበን ብዙሕ መብርሂታት ትህብ እያ።—ኢሳ. 25:9፣ 40:28-31
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 1221-3።
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 957፣ 2ይ ጥራዝ: ገጽ 894-5።
c ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 324።