61 ንዓቃላት ከበስሮም የሆዋ ስለ ዝቐብኣኒ፡+
መንፈስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ።+
ስቡር ንዝልቦም ክዝንን፡
ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡
ንእሱራት ከኣ ምንቋሕ ዓይኒ ኽእውጅ ልኢኹኒ፣+
2 ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋን
መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡+
ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡+
3 ንሕዙናት ጽዮን ድማ ከቕርበሎም፡
ኣብ ክንዲ ሓምዅሽቲ፡ መጠምጠምያ፡
ኣብ ክንዲ ሓዘን፡ ዘይቲ ፍስሃ፡
ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ እውን፡ ክዳን ውዳሰ ኽህቦም ልኢኹኒ።
ዓበይቲ ኣእዋም ጽድቂ፡
ንኽብሩ ዚዀኑ ተኽሊ የሆዋ ኺብሃሉ እዮም።+
4 ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጹ፡
ቀደም ዝባደመ ቦታታት ኬተንስኡ፡+
እተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝባደማ+
ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።+
5 “መጻእተኛታት ደው ኢሎም ንመጓሰኹም ኪጓስዩ፡
ጓኖት+ ድማ ሓረስቶትኩምን ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም።+
6 ንስኻትኩም ከኣ ካህናት የሆዋ ኽትብሃሉ ኢኹም፣+
ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብሉኹም እዮም።
ጥሪት ኣህዛብ ክትበልዑ፡+
ብዛዕባ ኽብሮም ድማ ክትምክሑ ኢኹም።
7 ኣብ ክንዲ ሕፍረትሲ፡ ዕጽፊ ግደ ኺህልወኩም እዩ፣
ኣብ ክንዲ ውርደት ከኣ፡ ብብጽሒቶም እልል ኪብሉ እዮም።
እወ፡ ኣብ ምድሮም ዕጽፊ ግደ ኺርስተዩ እዮም።+
ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።+
8 ኣነ የሆዋስ ፍትሒ እፈቱ፡+
ዘመተን ዓመጻን ከኣ እጸልእ እየ።+
ብተኣማንነት ዓስቦም ክህቦም፡
ናይ ዘለኣለም ኪዳን ድማ ምሳታቶም ክኣቱ እየ።+
9 ዘርኦም ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡+
ውሉዳቶም ከኣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኪፍለጡ እዮም።
ኵሎም እቶም ዚርእይዎም ከኣ፡
የሆዋ ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኬለልይዎም እዮም።”+
10 ብየሆዋ ኣዝየ ኽፍሳህ እየ።
ኵለንትናይ ብኣምላኸይ ኪሕጐስ እዩ።+
ንሱስ ከምቲ መጠምጠምያ ኻህን ዚገብር መርዓዊ፡+
ከምታ ብስልማታ እተሰለመት መርዓት፡
ብኽዳውንቲ ድሕነት ከዲኑኒ፡+
ወለል ብዚብል ክዳን ጽድቂ እውን ኣጐናጺፉኒ ኣሎ።
11 ከምቲ ምድሪ ብቋል እተውጽእ፡
ከምቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እውን ኣብኡ እተዘርአ ዜብቍልሲ፡
ከምኡ ድማ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡
ጽድቅን+ ውዳሰን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ኬብቍል እዩ።+